Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ኣሰና – ኤርትራ ድያ ክልል ኢትዮጵያ ትኸውን ዘላ፡ ወይስ ኣቢይ እዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኮይኑ?

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ  ዝተራኽበሉ ቀዳማይ እግሪ፡ ኣብ ኣዋሳ ኣብ ዝተገብረሉ እንግዶት፡ ኣብ ቅድሚ ተለቪዥን ተገቲሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ `ድሕሪ ሕጂ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ  ዝተራኽበሉ ቀዳማይ እግሪ፡ ኣብ ኣዋሳ ኣብ ዝተገብረሉ እንግዶት፡ ኣብ ቅድሚ ተለቪዥን ተገቲሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ `ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ እትመርሓና፡ ውክልና ሂበካ ኣለኹ` ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ክድዓት ከምዝፈጸመ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንዕቀትን ብድዐን ከምዘለዎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተኸታቲሉዎ እዩ።

ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሪም ኢብራሂም ኣል-ሃሺሚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ፡ ካብ ወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተላእከ ደብዳበ ናብ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘብጽሓትሉ እዋን ድማ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ልዑላዊት ወደብ ኤርትራ፡ ዓሰብ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ 900 ኪሎሚተር ዝዝርጋሕ መተሓላለፊ ነዳዲ ሻምብቆ ንምዝርጋሕ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ውጥን ፕሮጀክት ከምዘለዋ ክልቲኦም ወገናት ምዝርራቦም ድማ፡ ነቲ ኣቢይ `ምድማር ኢሳይያስን ኣቢይን ዓሰብ ምክፋል` ምዃኑ ዝሃቦ ቃል ግብራውነቱ ዝእምት፡ ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ምጥርጣር ሓሊፉ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ዘረጋግጽ፡ ኣብቲ ዝቖሰለ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ጨው ዝንስንስ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።

ሕጂ ድማ እንሆ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ሮማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ንኤርትራዊት ወደብ ምጽዋዕ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ መስመር ባቡር ንምስራሕ ዘድሊ መጽናዕቲ ንምምዋል ቅርብቲ ምዃና ብወግዒ ገሊጹ።

ኣፈኛ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ የማነ ቻርሊ `ውን፡ መንግስቲ ጥልያንን ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ቲ ናይ ባጽዕ ኣዲስ ኣበባ መንገዲ ባቡር መጽናዕቲ ከምእተዘራረቡ ከይሓነኸ ኣብ ትዊተር ጠቒሱ።

እዚ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን 1ይ ሚኒስተር ጥልያንን ነታ ኤርትራዊት ወደብ ባጽዕ ምስ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዘራኽብ መስመር ባቡር ዘካየዱዎ ዝርርብ እምብኣር፡ ነቶም ካብ ፈለማ ብህዝቢ ኤርትራ ክለዓሉ ዝጸንሑ ናይ ልኡላውነትን ክብረትን ሕቶታት ዳግም ዘለዓዕል፡ መዓታቱ ገና ይጽፍጸፍ እምበር ይጎድል ከምዘየልቦ ዘዘኻኽር እዩ።

ኣብ ኩሉ እቲ ንጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ይኹን ንኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ዝምልከት ጉዳያት፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ወዳኢ ኮይኑ ዝዘራረበሉን ዝፍጽመሉን ዘሎ ምኽንያት ግን እንታይ እዩ? ኤርትራ ክልል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ዶ ወይስ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ስለዝኾነ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ነቲ ጉዳይ ህዝባዊ ምግባሩ ንኢሳይያስ ዘቐይም ዲዩ ወይስ ባህ ዘብል ንምርግጋጽ ይኹን፡ ኣቐዲሙ ምስ ኢሳይያስ ስለዝተሰማምዓሉ እንዝጊሀር ዋንኡ፡ ሰሓቕን ባጫን ሓዋዊሱ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ገይሩ ሽይሙዎ ከምዘሎ ደርጒሑዎ ነይሩ። እዚ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣብ ግብሪ ዝርአ ዘሎ ስጉምታት መታን ከይግረም፡ ንመሸፈኒ ዝተባህለ ዘረባ እዩ። እቲ ሓቂ እምብኣር፡ ከምቲ ኢማራት ብዛዕባ ምዝርጋሕ ሻምብቆ ነዳዲ ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ጥራይ ኢትዮጵያ እተዘራረበትሉ፡ ሕጂ `ውን እቲ ንምዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ካብ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ምይይጥ፡ ብኢትዮጵያን ጥልያንን ጥራይ ምግባሩ፡ ኣቢይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምዃኑ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ክልል ኢትዮጵያ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ እዩ ዘረጋግጽ።

እታ ገምገም ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቚውም ምዃና ብተደጋጋሚ ምእዋጃ ይኹን፡ ከምቲ ተለሚዱ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንልኡላዊ ወደባቱ ዝምልከት ጉዳይ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክሰምዖ ይግደድ ምህላዉ `ውን፡ ነዚ መርትዖ እዚ ዘራጉድ ምስክርነት እዩ።

እቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ቕነ ኣዊጃቶ ዘላ፡ ስደተኛታት ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት ክሓቱ ዝዕድም፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ መሰል ስኢኖም ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ኢትዮጵያ መጽዩ ከትርፍ ዝኽእል ሓድሽ ፖሊሲ ስደተኛታት ምስዚ ዝተጠቕሰ ብኢትዮጵያ ዝውዳእ ዘሎ ጉዳይ ወደባት ኤርትራ ኣዛሚድካ እንተተራእዩ፡ ትጉሽተትኩም ዝብል ክሳብ ዘይተረኽበ፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ጓሕጒሕካ መሬቱን ባሕሩን ናይ ምግባት፡ ልኡላውነቱ ናይ ምርካብ መስርሕ ከምዘቃላጥፎ ኣይሰሓትን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እምብኣር፡ ምድማር ኣቢይን ምምቓል ዓሰብን ከም ረምታ ግጥሚ ንመማቕርቲ ጥራይ መሲሉካ ዕሽሽ ኢልካዮ እንተደኣ ኔርካ፡ ሕጂ `ውን ድሕሪ ኣዋርሕ እንሆ እቲ ሓቂ ይድገመልካ `ሎ። ኣቢይ ንዓሰብ ጥራይ ብምድግጋሙ ሓንቲ ዓይነይ`ስ ንደሊኣ ክትብል እንተጸኒሕካ ድማ፡ እታ ካልኣይቲ ዓይንኻ ወደብ ባጽዕ ውን ተደጊማ `ኣ `ሞ፡ ደንበርበር እናበልካ፡ ላሎየላሎ፡ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ `ሎ ኢልካ ናብ ድራፍ ከይትኣቱ ይኽደንካ፡ ብኣግኡ ተበራበር! ንስኻ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ካርታኻ ዘሎ ዶብ ዘይተሓንጸጸ እናተቓወምካ፡ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ወሰናስን ቀይሕ ባሕርኻ ከይግበት፡  እንተ ዘረባ `ሞ ዝገደፍና የብልናን፡ እንተ `ተን ኣሓ ግን ተዘሚተንን እየን ከይኮነካ፡ ነቲ እዝንኻ ዝሰምዖ፡ ነቲ ዓይንኻ ዝረኣዮ ኣሚንካ ብህጹጽ ሓዲኡ ግበር። እቲ ኸዳዕ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብዚ ንላዕሊ፡ ንጥልመቱን ክሕደቱን ኣብ ወረቐት ጽሒፉ ኣብ ሓንጎልካ ክልጥፈልካ ኣይትጸበ። ንሱ፡ እቲ ዝብሃል ኢሉካ`ሎ፡ ንስኻ ድማ እቲ ዝግበር ግበር!!

ምልኪ ይፈርስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

22 ጥሪ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Danilo January 23, 2019

    እወ፡ ሎሚ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ጥልመት ፡ወራር ፡ ውዲትን ንዕቀትን ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። እተን ረብሔኤን ጥራሕ ዘቀድማ ሃገራት ኣብ ክንዲ ምኽሳስ ብመጀመሪያ ነብስና ምኽሳስ ከድልየና እዩ። ብፍላይ እቶም ነጣቅዕ መርገም ኣይግበሮ ። እቶም ዝዓለልና…ንደመር ዝበልና ኣፍና ይኽልኣልና እምበር ሃገር ከይዳ እያ ግን ሎሚ ከምትማሊ ከምነምልሳ ጥርጥር የልቦን ንስመር ጥራይ።

  • Genet-Original January 24, 2019

    What is the EDF job? Where are the generals? where is Saba the dictator’s wife? Did she fight for independent Eritrea and kill her people and Eritrea slowly and hand over to Ethiopia? What are we going to do?

    • Amanuel January 24, 2019

      Ni dergi zitemerawa ERTRAWYAN KARURA TETAHIZA SHAEBIYA TEDEMSISA ELEN YEELILA NEREN EYEN RESIEKAYO KEYTIKEWIN. SABA DIMA MIS SEBAYA GIN KEM SERAHTEGNAU ZIRIEYA RUGUM TEMBENAY MIDIMAR MALET KILIL NIKUN ELA EYA. SEBAYA KEDEM ATHIZU NEGIRUWA EYU.

    • Hagherawi January 25, 2019

      እዛ ሳባ ትባሃል ፥ ምስ ወገሐ፥ “ኣነ ውን ውጽዕቲ እየ ነይረ” ክትብል ትኾውን።
      ደቃ ግን ፥ ኣብ እትዮጵያ ፖሊቲካዊ ዑቅባ ከይሓቱ ስግኣት ኣሎ።
      ኣማእት ሚልዮናት ናይ ህዝቢ ኤሪትራ ፥ ኣብ ደገ ብሽሞም ከይሃለወ ኣይተርፍን።

      • Haregot January 26, 2019

        Talkative Hagherawi aka Sol, Asmara Eritrea, Wedi Hagher and so on……..
        Accusations stay accusations if they are not backed by evidence.
        ChibTi Hizika eski jobae bel for a change! Stop being the same old sick parrot.

        • Wedi Hagher January 26, 2019

          ኣይተ ሓረጎት (ነፋሒቶ)

          ሰብ ኣብዚ ተኣኪቡ ንኽይራዳዳእ ዝሃቡኻ ስራሕካ ፥ ከም ከልቢ “ውሕ” ምባል ጥራይ ኮይኑ። በዲሎምኻ።
          እዚ ሳጥናኤል ኣያኹም ምስ ሞተ እንታይ እኹም ክትሰርሑ ??
          ኣብዚ ከም ሃመማ ፥ኣብ ገጽ ዘዝመጸ ሰብ ክትዓሊብ ትውዕል ፥ ቁሩብ ገለ መተካእታ ትኾውን ስራሕ እንዳ ተላመድካ ጽናሕ !!

          • Sol January 26, 2019

            ነፋሒቶ is an electronic fly launched by monkey to create confusion between justice seekers and to pollute assenna.

  • aditekelezan January 26, 2019

    ዝኸበርካ ኣማኑኤል
    ካብ ሾውዓተ ዓመት ንላዕሊ ጂሃዳዊት ጀብሃን ኢትዮጵያዊት ሻዕብያን ኢለ እንክገልጽ ሰባት ከዳዕን ዓጋመን ኢሎምኒ ,ስለዚ ነዚ መንፍዓተይ ዝተጸገነት ምስላ ትግብኣኒ “ዓሻ ሓማሴናይሲ ልቡ ልዕሊ ሃገሩ” !!! I really do admire me !

    • Wedi Hagher January 26, 2019

      ኣይተ ሲየ

      መን እዩ ሓማስየናይ እኻ እሉካ ?
      “መን መርዓት እኺን እሉክን ትኳሓላ “?
      እኩይ ፍጥረት ከንስኻ ፥ መጺጽ ላግጺ ምዝውታር ፥ መለልይኻ ኾይኑ ።

  • aditekelezan January 26, 2019

    መልሲ ንሕቶኻ ድማ አወ ኤረና ክልል ኢትዮጵያ ኾይና , ምቕሉል መራሒና ኣቢይ ድማ ፈጻሚ ጉዳይና/ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርና እዩ !

    • Danilo January 26, 2019

      ኣንታ ሓውና፡ሓኪም ቁስሊ ድኻ ወይስ በሳዒ ቁስሊ?

Post a Reply to Danilo Cancel Reply