Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ግዳይ ጭቆናዊ ሞደልን ዕንደራን

ኣማኑኤል ሳህለ ገለ ሃገራት ኣለዋ፡ ብምኽንያት ጀዎግራፍያዊ ኣቀማምጣአን ይኹን ወይ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ኣቃውማአን፡ ግዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ሓያላን ሃገራት ዝኾና። ካብተን ዝዝክረን ሃገራት ሓንቲ: ፖላንድ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብዕንደራዊ ይኹን ወይ ስትራተጅያዊ ምኽንያት፡ ብጎረባብታ ክትውረርን

ኣማኑኤል ሳህለ

ገለ ሃገራት ኣለዋ፡ ብምኽንያት ጀዎግራፍያዊ ኣቀማምጣአን ይኹን ወይ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ኣቃውማአን፡ ግዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ሓያላን ሃገራት ዝኾና። ካብተን ዝዝክረን ሃገራት ሓንቲ: ፖላንድ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብዕንደራዊ ይኹን ወይ ስትራተጅያዊ ምኽንያት፡ ብጎረባብታ ክትውረርን ክትዝመትን እያ ኣሕሊፋቶ። አረ ሓደ እዋንስ ካብ ካርታ ዓለም ዝጠፍኣትሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ። ከምኡውን ከም በዓል ኣርመንያ፡ በልጁም፡ ኣልዛስ ሎረን ዝበሃላ ሃገራት ወይ ግዝኣታት፡ ተመሳሳሊ ዕድል ኣጋጢሙወን እዩ። ሓሰኻ ደምበስ ኣብ ዝለምለመሉ ዚብሉዎ ኸምዚ እዩ።

ታሪኽ ኤርትራ ብወራርን ብመግዛእትታትን ብጭቆናን ግፍዕን እተነድቀ እዩ። ግሪኻውያን፡ ፋርሳውያን፡ ዓረባውያን፡ ቱርካውያን፡ ግብጻውያን፡ ኢጣልያውያን፡ ብድሕሪኡ ድማ ብዘይ ባዕላዊ ፍቓድ ምስ ዘይትደልዮ ሃገር ምቝራን ወዘተ…..እዚ ኹሉ ከይኣክል ከኣ ኣብ መወዳእታ ህግደፋውያን ተራኦም ሓሊዮም መጺኦም!! ደሓንዶውዒልኪ ጭቆና!

ወራርን መግዛእትን ጭቆናን ግፍዕን ብዝኾነ ሰብ ወይ ውድብ ኪመጽእ ወይ ኪገሃድ ይኽእል እዩ። ኣደ፡ ኣቦ፡ ሓው፡ ዘመድ፡ ጻዕዳ፡ ጸሊም፡ ሓጺር፡ ነዊሕ ኣይብልን ወይ ኣይፈልን። ናይ ምውራርን ምግዛእን ናይ ግፍዕን ጭቆናን ባህርያት፡ ሕብሩን ቆርበቱን እናለዋወጠ ኣብ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ይኽሰት እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ብኹሉ መገድታቱ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ይገልጾ እዩ፡ ብዘይካ እታ ምውራር!! እታ ምውራር ናብ ናጻ ምውጻእ ተለዊጣ ኾይና እምበር፡ መለሳ የብላን። እታ ናጻ ምውጻእ ድማ ንባዕላ ሕድሪ ስዉኣት ጠሊማ ናብ ጭቆና ተለዊጣ!

እቲ እተፈላለየ ባህርያት ሰብ ዚጥርንፍ ፖለቲካዊ ስልትን ሜላን ቍርቁስን፡ ነቲ ዘዋጽኦ እምበር ንሃገር ወይ ንህዝቢ ወይ ንሓው ወይ ንሓውቲ ኣይርእን እዩ። ኣብ ህርፋን እተሰረተ ፖለቲካ፡ ዘመድ ወይ ዓርኪ የብሉን፡ ጥቕሚ ጥራይ እዩ ዘለዎ፡ ናብ ጥቕሙ ጥራይ እዩ ዚጎዪ። ዝጠቕሞ እንተ ኾይኑ፡ ነቲ ህዝቡ ከም ዘይህዝቡ፡ ነቲ ዘርብሖ ግን ከኣ ጸላእ ህዝቡ ዝኾነ ወገን ድማ ከም ህዝቡ ገይሩ ኪርእይ ልሙድ እዩ። ናይ ሶቭየት ሩስያ ውልቀመላኺ ዝነብረ ጆሰፍ ስታሊን፡ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ምፍንቃል ዕማሙ፡ ንደቂ ዓዱ ከም ዘይነሓፈ ታሪኽ ይምስክር።

ሓድሓደ ግዜ እቲ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣካይዳ ከም ሞደል ኮይኑ ንነዊሕ ዘበናት ይሰርሕ እዩ። ኤርትራ ብምሒር መግዛእትን ጭቆናን ናታ ናይ ኣገዛዝኣ ሞደል ቀሪጻ እያ። እዚ ሞደልዚ ኣብቲ ናይቲ ህዝቢ ታሪኻዊ ኣነነት (ኤቶስ) ዝሰረጸ ይመስል። በዚ መገድዚ እቲ ነታ ሃገር ኪገዝኣ ዝመጽእ ሓይሊ ነቲ ሞደልቲ ኪርዕሞ ምድላዩ ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ሞደል በቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ሓይልታት እዩ ተቐሪጹን ኣብ ግብሪ ውዒሉን፡ ህግደፋውያን ድማ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ከም ግቡእ ግን ናጻ ኣውጻእቲ ነዚ ሞደልዚ ኣፍሪሶም ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ መንነቱን ኩርዓቱን ሓበኑን ዝቕስቅሰሉን ዘበራብረሉን ሞደል እዩ ኪፈጥሩ ዝነበሮም። ነቲ ዝሓለፈ ሞደል ምጥቃም ግን ፋይዳ የብሉን። ምጭቋን ምጭቋኑ ደኣሞ ጣልያን ዘይጭቍኑና! ንጣልያን ባዕዳውያን ዝገበሮም እኮ ሕብሮም ኣይኮነን፡ ባህርያቶምን ሜላታቶምን ኣጀንዳኦምን እዩ። ብሩታ ራሳ (ተካል ዓሌት)፡ ባፋንኩሎ ይብሉና ነይሮም ጥልያን፡ እዚኣቶም ድማ፡ ደ..ሸራ….ክትርእያ ኢኽን! ወርቂ ቢሻኮ ዋናታቱ ኣለዎ… ኣብ ማይ ዘለዎ ዘይትኸዱ….ይብሉና ኣለዉ።

ገለ ሰባት፡ ዋእ ካብ ባዕድስ፡ ሓውኻ ደኣ ይጨቍንካ ዚብሉ ኣይሰኣኑን። ሓቃቶም ኪኾኑ ይኽእሉ፡ ከመይሲ ባዕዲ ኩሉ ግዜ ባዕዲ እዩ። ኣይእንታይካን። ሓውኻ ግን ምዒድካዮኳ ይምለስ….። እቲ ኣብ ላዕሊ እተባህለ ኣዘራርባ ምስ መረረካ እትብሎ ደኣምበር፡ ደሊኻዮ ኣይኮነን። ን25 ዓመታት ላሕ ዘበላካ ሓውኻ ግን፡ ዘይደለኻዮ እዩ ዘዛርበካ። እምበርዶኸ ሓውኻ እዩ?

ሓደ ናይ ጎይተቱ ጥልያን ሰራሕተኛ ዝነበረ ኤርትራዊ ኸምዚ ኺብል የዘንቱ፤ ጎይታይ ጥልያኖ ኩሉ ግዜ ንግሆ ስራሕ ክኣቱ ማለዲኳቶ (ደንቆሮ) ይብለኒ ነይሩ፡ ኣቤት ክፈትወኒ። ነቲ ጸርፊ ለሚዱዎ ማለት እኮዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ጸርፍን ውርደትን መዓር ዝጥዕሞ ክፋል ህዝቢ ምፍጣሩ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሰይጣናዊ ዓወታቱ እዩ።

ብዘይካ ናይ መግዛእትን ጭቆናን ሞደል ካልእ ሞደል ዘይፈልጡ ናይዚ ስርዓትዚ ተሓላቕቲ፡ ዕምሪ ጭቆና የናውሑ ከም ዘለዉ ይፈልጡ ድዮም? ብሓደ ወገን ግን ኣይተጋገዩን፡ መንዶ ኻልእ ሞደል ኣርእዩዎም እዩ? ግን ከኣ ዓዋናት ኮይኖም እምበር፡ ኣብዛ ሎሚ ከም ንእሽቶ ቁሸት ተጠቕሊላ ዘላ ዓለም፡ ኣየናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዘርብሕ ጠፊኡዎም መኣስ ኮይኑ?

ህግደፋውያን ነቲ እቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ዘዘውትሩዎ ዝነበሩ ሞደል ምርዓሞም ኽልተ ምኽንያታት ኣለዎም፤

  1. ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ውሑስ ሞደል ብምዃኑ
  2. ብውሽጦም ሓቀኛታት መውጻእቲ ሓራ ስለ ዘይኮኑ

ኣብዚ መስርሕዚ ንጣልያን ዘምስሎም ነገር እንተሎ፡ እታ ኻልአይቲ ነጥቢ እያ። እታ ቐዳመይቲ ነጥቢ ንኹሉ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎ ስርዓት እትሓቍፍ ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ነጥቢ ግን ናይ ባዕዳውነት ባህርያት ኣለዋ። እዚኣ ኸኣያ ምስታ ቀዳማይ ነጥቢ ተደሚራ፡ ነዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ፈጢራ ዘላ፡ ማለት ናይ ስልጣን ኮረሻ ምስራሕን ንህዝብኻ ድማ ከም ጓና ምርኣይን።

ብውሽጦም ሓቀኛታት መውጻእቲ ሓራ እንተ ዘይኮይኖም ደኣ፡ ከም ሓቂ እንታይ እዮም? እዚ ሕቶዚ እዩ ኣብዚ እዋንዚ ንሰብ ምስጢር ኮይኑዎ ዘሎ? ኣማኢት ኣብ ባሕሪ እናሃለቑ፡ ህዝብና ኣይኮኑን ምባል፡ ኣማኢት ኩሊታቶም እናተወስደ ኣብቲ ንግድቲ ምስታፍ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ጎረቤት ሃገር እናወሓዙ ናይ ቁጠባ ዕቝበኛታት እዮም ኢልካ ምዝራብ፡ ደሞክራሲ ኣበይ ኣሎ ብምባል እንተሓተትካ፡ ኣብ ካልእ ዓለማት ኬድካ ድለዮ ዚብል መልሲ ምሃብ…..

ካልእ ነታ ኻልአይቲ ነጥቢ ዘደልድል ተግባራቶም እቲ ናይ ዕንደራ ፖሊሲታቶም እዩ። ዕሱብ ጓሳ ነተን ኣባጊዑ ተዅላ ኪዘርወን ከሎ ግዲ የብሉን። ከመይሲ ናቱ ኣይኮናን። ንዘይናትካ ድማ ግዲ ኣይትህበሉን።

ኣብ ስልጣን ምጽናሕካ ካብ ኣረጋገጽካ፡ ብውሽጥኻ ድማ ነቲ ህዝቢ ከም ዘይህዝብኻ ክትርእዮ ምስ ጀመርካ፡ ዕንደራዊ ፖለቲካ ሒዝካ ንምጕዓዝ እንታይ ይኽልክለካ? ቃሕ ዝበለካ ንኽትገብርከ መን ይዓግተካ?

ስራሕ ዘይብለን ኣእዳውሲ ሸይጣን ስራሕ ይፈጥረለን ዚብል ምስላ ኣሎ። ብማእሰርትን ግፍዕን ጭቆናን ምፍርራህን ስልጣንካ ምስ ኣውሓስካ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ከም ዘይናትካ ክትርእዮ ምስ ጀመርካ፡ እንታይ ምምሕዳራዊ ወይ ቁጠባዊ ወይ ትሕተቅርጻዊ ስራሕ ዚስራሕ ደኣ ኣሎካ? ገዛውቲ ምፍራስ? ኣብ ዘይምልከተካ ጦብሎቕ ጦብሎቕ ምባል? እንታይ ካልእ ስራሕ ደኣ ኪህልወካ ይኽእል?

ሓደ ንጉስ ነይሩ ይብሃል ብጥንቲ። ነታ ሃገር ከም ብሕታዊት ድኳኑ እዩ ዘመሓድራ። ኩሉ ኪገብር ስለ ዚኽእል፡ ዓቕሉ ይጸቦ ነበረ። ዓመት ዓመት ውግእ ኣሎ። ዓመት ዓመት ህውከት ኣሎ። ዓመት ዓመት ብርሰት ኣሎ። እንታይ ደኣሞ ኪሰርሕ። ድሕሪ ውግእ፡ ድግስን ዳንኬራን ኣሎ። ብዘይጠቅም በደላት ኪቐትሎም ዚውዕል ንጹሃን ሰባት ከኣ ኣደኦም ትቝጸሮም።

ሓደ መዓልቲ ውግእ ይገጥም እሞ፡ ቀልጢፉ ይስዕር። ግን በዚ ቅልጡፍ ዓወት ደስ ኣይበሎን። ንገዛ ምስ ተመልሰ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ? ስለዚ ነቲ ጀነራሉ ጸዊዑ፡ ነቲ እተሳዕረ ንጉስ ደብዳበ ከብጽሓሉ ይእዝዞ። እቲ ጀነራል ድማ ነታ ደብዳበ ሒዙ ፈረሱ ተወጢሑ ናብቲ እተሳዕረ ንጉስ ከይዱ ይህቦ። እቲ መስኪናይ ንጉስ ነቲ ደብዳበ ምስ ኣንበቦ ብሓቂ ይገርሞ። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ይብል ነበረ፤ ገና ክትዋጋእ እንተ ደሊኻስ ሓደ 10 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ወትሃደራተይ ከለቅሕካ እኽእል እየ……ካርታ ወይ ጠላዕ ድዩ ገይሩዎ ንኲናት!?

እዚ ከም ዋዛ እዩ ቀሪቡ። ግን ዕንደራ ናብ ከምዚ ዝመሰለ ተግባራት እዩ ዚመርሓካ። ስራሕ ዘይብሉ ጨቋኒ መንግስቲ፡ ምስ ጎረባብቱ ካብ ምትዅታዅን ወደባቱ ንባዕዲ ካብ ምሻጥን፡ ምስ ጸላእትና ውዕላት ካብ ምፍራምን፡ ባሕርና ከም ዝድፈር ካብ ምግባርን፡ ንህዝቡ ካብ ምጽራፍን፡ ካድረታት ካብ ምምራቕን፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ህዝቡ ገንዘብ ካብ ምስራቕን ሓሊፉ እንታይ ኪገብር ይኽእል ኢልኩም ትሓስቡ?

ደሓን ኩኒ ጭቆና እንብለሉ ዓመት ደኣ የምጽኣልና (ፈጣሪ)!!!

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • k.tewolde March 3, 2016

    The coward tyrant preys on the weak, the child and the elderly, he thrives in a putrid atmosphere,never worked in his entire life, lives of the sweat of the poor massed,he is a true parasite.To quote what you just stated in your masterful article,’an idle mind is the devils workshop’.He better find something to do with his spare time than playing with human body parts.It is a sick, perverted mind,does the name Jeffrey Damer ring a bell? God bless.

  • asmelash March 3, 2016

    eway nay bihaqi zeytimino mamhr edmen tienan yhabka aytitfaana bejaka memhr amanuel

  • AMAN March 3, 2016

    መምህር ኣማኑኤል ብሓቂ ፍልስፍናዊ ጽሑፋትካ መዳርግቲ የብሎምን። ንጽሕፋትካ ከንብብ ከለኩ፡ ዓሚቕ ምትንፋስ እየ ዘተንፍስ። ነታ “ሓራ ዝወጸት” ኢልና ዝተመካሕናላ፡ ዝዘየምናላ፡ ዝተጀሃርናላ ኤርትራ ኣብየናይ ደረጃ ወዲቓ ከምዘላ በቲ ንጹርን ፍልስፍናዊ ትግረኛኻ ጌርካ ብግቡእ ኢኻ ትገልጻ። ኤርትራ ሃገርና ዳርጋ ኣብ ኢድና ሓውያትና እያ። ነታ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበያ ሓቅኛ ኤርትራ ንምርካብ ነዊሕ ጉዕዞ ከምዘድልየና ኩሉና ተረዲኡና ኣሎ። ኣምላኽ ይሓግዘና።
    ደጊመ ደጋጊመ የመስግነካ።

  • Yemane March 3, 2016

    Hakka aleka . Mealti aletom nmntay teweledna ilom kemarru iyuom. Ay konkun ezyom wekarun denakurn hetlear ms kulu aswaru tesairu

  • Wediare March 3, 2016

    ብጣዕሚ መሃሪት ጽሕፍቲ። ምስጋና ንዓኻ ይኹን መም. ኣማኑኤል።

  • Ermias March 3, 2016

    mejemria nay bihaqi kemesighineka yifetu amanuel sahle , kab ghuyiy miwial si kisad mihaz kemzibihal . eza xihifitika ghelaxit eya ghuhighuyika eka awixikaya qexilo tray shama -shama nibel ezi sireat ab qalie wexiyu sighab ziwediq .

  • Yaccob March 3, 2016

    Always loved your simple but effective and entertaining articles, Amanuel. Many thanks!

  • negusse March 3, 2016

    ክቡር መምህር አማኒኤል፤

    ነዚ አብ ብይታ ዝረኤ ዘሎ ሐቒ ኪሒዶም ውሑዳት ብዓል ፤ ንሱ ንሕና ፤ ንሕና ንሱ ፤ ናይ ታሪኽ ሐተላታት ገና ምስ ሽፍታ ኢሳያስ ወጊኖም አለው። ድሕሪ ሽፍታ ኢሳያስ ንሳቶምውን አብ ሕጊ ቀሪቦም ፍርዶም ክምዝቅበሉ ዝዘንግዑ ይመስሉ።

  • AHMED SALEH !!! March 3, 2016

    Yes in deed Amanuel
    HGDF came in power behind the curtain of previous colonizers style
    oppressive policy against our people dream . We reclaimed our lost
    independence but we have given up the right to live as free society .
    Italians , Ethiopians and HGDFwians treatment on our people only transferred from one to another similar kind iron fist authority .
    OUR LION OF NAKFA PROVED TO BE THE WORST BEAST ERITREA NEVER WITNESSED .
    meblaE meblaou zebiee adna yibleayo inabelka do bimot dekikha tikuamer
    natna negher si gherimuna nibeynu iyu

  • quarks March 4, 2016

    ጽቡቕ ትንተና እዩ: እንተኾነ ግን ስጋብ ሕጂ ካብዚ ዝተራቐቐ ትንተናታት ሰብ’ውን መፍትሒ ከምጽአ አይከአለን። ስለዚ ከምቲ አብ መውዳእታ ዝበልካዮ: ፈጣሪ ነዚ ኩነታትና ከመይ ከም ዝትንትኖ እንተ ንመራመር ደአ ምሐሸ ሕጅስ። ንልቢ ሰብ ዝትንክፍን ዝልውጥን መልእኽቲ እንተለካ ፈትን እምበር መብዛሕትኡ ሰብ ጠፊኢዎ አይኮነን። ፍልጠት ከምሎሚኳ አይበዝሐን። እንታይድአ ሰብ ቅንዕና ስለ ዘጥፈኤ ንሐቂ ፍልጠት ብካልእ ፍልጠት ክጠውን ከታልልን ይረኤ። ወድሰብ ናብቲ ሰማያዊ ባህሪኡ እንተዘይተመሊሱ ንዐይ ንዐይ ብምባል ካብ ጨካናት እንስሳ ንታሕቲ እዩ ክኸውን። ዓለማዊ ፍልጠት ጥራይ ንወድሰብ ክልውጦ አይክእልን እዩ። አብዛ ዓለምና በእላፍ ዝቑጸር ወሐለ ቃላት፣ ዓንቀጻት፣ ፍልስፍናታትን መጻሕፍትን ተዘርጊሖምን ተሸይጦምን ኢዮም። እንተኾነ ጭቆና ስሰዔ ወዘተ ክገድድ ንዕዘብ። መንግስቲ ተገልቢጡ ዝገደደ መንግስቲ ክትካእ ንርኢ። ሐደ ዓይነት ተግባር እንደደጋገምናስ ዝተፈልየ ውጽኢት ንጽበ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ናይ ሰብ ልቢ ምትራርን ናይ ውሽጡ ሕልና ዘይምጽራይንዶ አይኮነን? መፍቲሒኡ ታሪኽ እንዳተንተንካን እንዳመላለስካን ንሰባት ብምርስሳን አይኮነን። ንሕናን ንሳቶምን እንዳበልካ መወዳእታ ዘይብሉ ምፍልላይን ምዝራግን ካብ ምሕላን: ዘሕብሮምን ናብ ሰብአውነት ሕልነእምን ዝመልስ ምኽሪ እንተዘርጋሕካ ይሐይሽ። ንብዙሕ ሰብ ዝስሕቦ ኢልካ ዝግበር ናይ ጎነጽ ምግቡዕባዕ ንኹሉ ወገን ዘኽስርን አብ “ሐንቲ ዓልም” ዘየነብርን እዩ። ከም ዝገሃድ ዘሎ ሰብ ነታ ዝበአሰላ ዘሎ መርየት ክነብረላኳ አይከአለን። ይመውትን ይስደድን ደአሎ። ኩሉ ሰብ አስተንቲኑ ክበጽሖ ዘልዎ ነገር እዩ ግን ፖለቲከኛታትን አፈኛታትን ከዳናግርዎ ይርከቡ።

    • Nabal March 4, 2016

      Outside of context. your comment is useless . comeback to reality.

    • Debre March 8, 2016

      እቲ ዝሃብካዮ ርእይቶ “ጽቡቕ ትንተና እዩ:” ብምባል ትጅምር እሞ “እንተኾነ” ኢልካ እቲ ጽሑፍ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይክእል ጌርካ ተዋድቆ። ቀጺልካ ከም ሓላይ ናብ ፈጣሪ ክንምህለል ትመክር። እቲ ዝገርም፡ ከይሓነኽካ እቲ ጽሑፍ ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ጌርካ ምጽሓፉካ እዩ። “ፍልጠት ከምሎሚ እኳ ኣይበዝሐን” ብምባል ከኣ ትግልጾ። ነቲ ጸሓፋይ ፍልጠት ክጠውን ከታልልን ብማለት ከኣ ትኸሶ። ሰማያዊ ባህሪ እንተዘይተመሊሱ እንዳበልካ ነቲ ጽሑፍ ከተቆናጽብ ምፍታንካ እንታይ ከተዋቕዕ ደሊኻ ኢኻ። እቲ ዓቢ ፈጣሪ እኮ እቶም ሓሙሽተ ናይ ናይ ስሚዒት ሕዋሳት ሒቢካ ዘሎ ስለምንታይ ይመስለካ፧ ክንሓስበሉ ከነመዛዝነሉ እኮ እዩ ኣምላኽ ነዚኦም ዝዓደለና። “መንግስቲ ተገልቢጡ ዝገደደ መንግስቲ ክትካእ ንርኢ።” ማለትካ “ካብ ዘይፈልጥዎ መልኣክሲ ዝፈልጥዎ ሰይጣን ይሓይሽ” ዝብል ብሂል ዘረባ ዝመረጽካ ኢኻ ትመስል። ብእንተታት ተመርኩዝካ ዝገደደ መንግስቲ ከይመጻና ወዲ ኣፈወርቂ ይሕሸና ማለትካ ልኡኽ ናቱ ምዃንካ እዩ ዘርኢ። እንተ ኣማኑኤል ዝወቀቦ ጽሑፍ ግን ዝወጾ የብሉን።

1 2 3

POST A COMMENT