Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ግዳይ ጭቆናዊ ሞደልን ዕንደራን

ኣማኑኤል ሳህለ ገለ ሃገራት ኣለዋ፡ ብምኽንያት ጀዎግራፍያዊ ኣቀማምጣአን ይኹን ወይ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ኣቃውማአን፡ ግዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ሓያላን ሃገራት ዝኾና። ካብተን ዝዝክረን ሃገራት ሓንቲ: ፖላንድ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብዕንደራዊ ይኹን ወይ ስትራተጅያዊ ምኽንያት፡ ብጎረባብታ ክትውረርን

ኣማኑኤል ሳህለ

ገለ ሃገራት ኣለዋ፡ ብምኽንያት ጀዎግራፍያዊ ኣቀማምጣአን ይኹን ወይ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ኣቃውማአን፡ ግዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ሓያላን ሃገራት ዝኾና። ካብተን ዝዝክረን ሃገራት ሓንቲ: ፖላንድ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብዕንደራዊ ይኹን ወይ ስትራተጅያዊ ምኽንያት፡ ብጎረባብታ ክትውረርን ክትዝመትን እያ ኣሕሊፋቶ። አረ ሓደ እዋንስ ካብ ካርታ ዓለም ዝጠፍኣትሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ። ከምኡውን ከም በዓል ኣርመንያ፡ በልጁም፡ ኣልዛስ ሎረን ዝበሃላ ሃገራት ወይ ግዝኣታት፡ ተመሳሳሊ ዕድል ኣጋጢሙወን እዩ። ሓሰኻ ደምበስ ኣብ ዝለምለመሉ ዚብሉዎ ኸምዚ እዩ።

ታሪኽ ኤርትራ ብወራርን ብመግዛእትታትን ብጭቆናን ግፍዕን እተነድቀ እዩ። ግሪኻውያን፡ ፋርሳውያን፡ ዓረባውያን፡ ቱርካውያን፡ ግብጻውያን፡ ኢጣልያውያን፡ ብድሕሪኡ ድማ ብዘይ ባዕላዊ ፍቓድ ምስ ዘይትደልዮ ሃገር ምቝራን ወዘተ…..እዚ ኹሉ ከይኣክል ከኣ ኣብ መወዳእታ ህግደፋውያን ተራኦም ሓሊዮም መጺኦም!! ደሓንዶውዒልኪ ጭቆና!

ወራርን መግዛእትን ጭቆናን ግፍዕን ብዝኾነ ሰብ ወይ ውድብ ኪመጽእ ወይ ኪገሃድ ይኽእል እዩ። ኣደ፡ ኣቦ፡ ሓው፡ ዘመድ፡ ጻዕዳ፡ ጸሊም፡ ሓጺር፡ ነዊሕ ኣይብልን ወይ ኣይፈልን። ናይ ምውራርን ምግዛእን ናይ ግፍዕን ጭቆናን ባህርያት፡ ሕብሩን ቆርበቱን እናለዋወጠ ኣብ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ይኽሰት እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ብኹሉ መገድታቱ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ይገልጾ እዩ፡ ብዘይካ እታ ምውራር!! እታ ምውራር ናብ ናጻ ምውጻእ ተለዊጣ ኾይና እምበር፡ መለሳ የብላን። እታ ናጻ ምውጻእ ድማ ንባዕላ ሕድሪ ስዉኣት ጠሊማ ናብ ጭቆና ተለዊጣ!

እቲ እተፈላለየ ባህርያት ሰብ ዚጥርንፍ ፖለቲካዊ ስልትን ሜላን ቍርቁስን፡ ነቲ ዘዋጽኦ እምበር ንሃገር ወይ ንህዝቢ ወይ ንሓው ወይ ንሓውቲ ኣይርእን እዩ። ኣብ ህርፋን እተሰረተ ፖለቲካ፡ ዘመድ ወይ ዓርኪ የብሉን፡ ጥቕሚ ጥራይ እዩ ዘለዎ፡ ናብ ጥቕሙ ጥራይ እዩ ዚጎዪ። ዝጠቕሞ እንተ ኾይኑ፡ ነቲ ህዝቡ ከም ዘይህዝቡ፡ ነቲ ዘርብሖ ግን ከኣ ጸላእ ህዝቡ ዝኾነ ወገን ድማ ከም ህዝቡ ገይሩ ኪርእይ ልሙድ እዩ። ናይ ሶቭየት ሩስያ ውልቀመላኺ ዝነብረ ጆሰፍ ስታሊን፡ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ምፍንቃል ዕማሙ፡ ንደቂ ዓዱ ከም ዘይነሓፈ ታሪኽ ይምስክር።

ሓድሓደ ግዜ እቲ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣካይዳ ከም ሞደል ኮይኑ ንነዊሕ ዘበናት ይሰርሕ እዩ። ኤርትራ ብምሒር መግዛእትን ጭቆናን ናታ ናይ ኣገዛዝኣ ሞደል ቀሪጻ እያ። እዚ ሞደልዚ ኣብቲ ናይቲ ህዝቢ ታሪኻዊ ኣነነት (ኤቶስ) ዝሰረጸ ይመስል። በዚ መገድዚ እቲ ነታ ሃገር ኪገዝኣ ዝመጽእ ሓይሊ ነቲ ሞደልቲ ኪርዕሞ ምድላዩ ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ሞደል በቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ሓይልታት እዩ ተቐሪጹን ኣብ ግብሪ ውዒሉን፡ ህግደፋውያን ድማ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ከም ግቡእ ግን ናጻ ኣውጻእቲ ነዚ ሞደልዚ ኣፍሪሶም ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ መንነቱን ኩርዓቱን ሓበኑን ዝቕስቅሰሉን ዘበራብረሉን ሞደል እዩ ኪፈጥሩ ዝነበሮም። ነቲ ዝሓለፈ ሞደል ምጥቃም ግን ፋይዳ የብሉን። ምጭቋን ምጭቋኑ ደኣሞ ጣልያን ዘይጭቍኑና! ንጣልያን ባዕዳውያን ዝገበሮም እኮ ሕብሮም ኣይኮነን፡ ባህርያቶምን ሜላታቶምን ኣጀንዳኦምን እዩ። ብሩታ ራሳ (ተካል ዓሌት)፡ ባፋንኩሎ ይብሉና ነይሮም ጥልያን፡ እዚኣቶም ድማ፡ ደ..ሸራ….ክትርእያ ኢኽን! ወርቂ ቢሻኮ ዋናታቱ ኣለዎ… ኣብ ማይ ዘለዎ ዘይትኸዱ….ይብሉና ኣለዉ።

ገለ ሰባት፡ ዋእ ካብ ባዕድስ፡ ሓውኻ ደኣ ይጨቍንካ ዚብሉ ኣይሰኣኑን። ሓቃቶም ኪኾኑ ይኽእሉ፡ ከመይሲ ባዕዲ ኩሉ ግዜ ባዕዲ እዩ። ኣይእንታይካን። ሓውኻ ግን ምዒድካዮኳ ይምለስ….። እቲ ኣብ ላዕሊ እተባህለ ኣዘራርባ ምስ መረረካ እትብሎ ደኣምበር፡ ደሊኻዮ ኣይኮነን። ን25 ዓመታት ላሕ ዘበላካ ሓውኻ ግን፡ ዘይደለኻዮ እዩ ዘዛርበካ። እምበርዶኸ ሓውኻ እዩ?

ሓደ ናይ ጎይተቱ ጥልያን ሰራሕተኛ ዝነበረ ኤርትራዊ ኸምዚ ኺብል የዘንቱ፤ ጎይታይ ጥልያኖ ኩሉ ግዜ ንግሆ ስራሕ ክኣቱ ማለዲኳቶ (ደንቆሮ) ይብለኒ ነይሩ፡ ኣቤት ክፈትወኒ። ነቲ ጸርፊ ለሚዱዎ ማለት እኮዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ጸርፍን ውርደትን መዓር ዝጥዕሞ ክፋል ህዝቢ ምፍጣሩ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሰይጣናዊ ዓወታቱ እዩ።

ብዘይካ ናይ መግዛእትን ጭቆናን ሞደል ካልእ ሞደል ዘይፈልጡ ናይዚ ስርዓትዚ ተሓላቕቲ፡ ዕምሪ ጭቆና የናውሑ ከም ዘለዉ ይፈልጡ ድዮም? ብሓደ ወገን ግን ኣይተጋገዩን፡ መንዶ ኻልእ ሞደል ኣርእዩዎም እዩ? ግን ከኣ ዓዋናት ኮይኖም እምበር፡ ኣብዛ ሎሚ ከም ንእሽቶ ቁሸት ተጠቕሊላ ዘላ ዓለም፡ ኣየናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዘርብሕ ጠፊኡዎም መኣስ ኮይኑ?

ህግደፋውያን ነቲ እቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ዘዘውትሩዎ ዝነበሩ ሞደል ምርዓሞም ኽልተ ምኽንያታት ኣለዎም፤

  1. ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ውሑስ ሞደል ብምዃኑ
  2. ብውሽጦም ሓቀኛታት መውጻእቲ ሓራ ስለ ዘይኮኑ

ኣብዚ መስርሕዚ ንጣልያን ዘምስሎም ነገር እንተሎ፡ እታ ኻልአይቲ ነጥቢ እያ። እታ ቐዳመይቲ ነጥቢ ንኹሉ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎ ስርዓት እትሓቍፍ ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ነጥቢ ግን ናይ ባዕዳውነት ባህርያት ኣለዋ። እዚኣ ኸኣያ ምስታ ቀዳማይ ነጥቢ ተደሚራ፡ ነዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ፈጢራ ዘላ፡ ማለት ናይ ስልጣን ኮረሻ ምስራሕን ንህዝብኻ ድማ ከም ጓና ምርኣይን።

ብውሽጦም ሓቀኛታት መውጻእቲ ሓራ እንተ ዘይኮይኖም ደኣ፡ ከም ሓቂ እንታይ እዮም? እዚ ሕቶዚ እዩ ኣብዚ እዋንዚ ንሰብ ምስጢር ኮይኑዎ ዘሎ? ኣማኢት ኣብ ባሕሪ እናሃለቑ፡ ህዝብና ኣይኮኑን ምባል፡ ኣማኢት ኩሊታቶም እናተወስደ ኣብቲ ንግድቲ ምስታፍ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ጎረቤት ሃገር እናወሓዙ ናይ ቁጠባ ዕቝበኛታት እዮም ኢልካ ምዝራብ፡ ደሞክራሲ ኣበይ ኣሎ ብምባል እንተሓተትካ፡ ኣብ ካልእ ዓለማት ኬድካ ድለዮ ዚብል መልሲ ምሃብ…..

ካልእ ነታ ኻልአይቲ ነጥቢ ዘደልድል ተግባራቶም እቲ ናይ ዕንደራ ፖሊሲታቶም እዩ። ዕሱብ ጓሳ ነተን ኣባጊዑ ተዅላ ኪዘርወን ከሎ ግዲ የብሉን። ከመይሲ ናቱ ኣይኮናን። ንዘይናትካ ድማ ግዲ ኣይትህበሉን።

ኣብ ስልጣን ምጽናሕካ ካብ ኣረጋገጽካ፡ ብውሽጥኻ ድማ ነቲ ህዝቢ ከም ዘይህዝብኻ ክትርእዮ ምስ ጀመርካ፡ ዕንደራዊ ፖለቲካ ሒዝካ ንምጕዓዝ እንታይ ይኽልክለካ? ቃሕ ዝበለካ ንኽትገብርከ መን ይዓግተካ?

ስራሕ ዘይብለን ኣእዳውሲ ሸይጣን ስራሕ ይፈጥረለን ዚብል ምስላ ኣሎ። ብማእሰርትን ግፍዕን ጭቆናን ምፍርራህን ስልጣንካ ምስ ኣውሓስካ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ከም ዘይናትካ ክትርእዮ ምስ ጀመርካ፡ እንታይ ምምሕዳራዊ ወይ ቁጠባዊ ወይ ትሕተቅርጻዊ ስራሕ ዚስራሕ ደኣ ኣሎካ? ገዛውቲ ምፍራስ? ኣብ ዘይምልከተካ ጦብሎቕ ጦብሎቕ ምባል? እንታይ ካልእ ስራሕ ደኣ ኪህልወካ ይኽእል?

ሓደ ንጉስ ነይሩ ይብሃል ብጥንቲ። ነታ ሃገር ከም ብሕታዊት ድኳኑ እዩ ዘመሓድራ። ኩሉ ኪገብር ስለ ዚኽእል፡ ዓቕሉ ይጸቦ ነበረ። ዓመት ዓመት ውግእ ኣሎ። ዓመት ዓመት ህውከት ኣሎ። ዓመት ዓመት ብርሰት ኣሎ። እንታይ ደኣሞ ኪሰርሕ። ድሕሪ ውግእ፡ ድግስን ዳንኬራን ኣሎ። ብዘይጠቅም በደላት ኪቐትሎም ዚውዕል ንጹሃን ሰባት ከኣ ኣደኦም ትቝጸሮም።

ሓደ መዓልቲ ውግእ ይገጥም እሞ፡ ቀልጢፉ ይስዕር። ግን በዚ ቅልጡፍ ዓወት ደስ ኣይበሎን። ንገዛ ምስ ተመልሰ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ? ስለዚ ነቲ ጀነራሉ ጸዊዑ፡ ነቲ እተሳዕረ ንጉስ ደብዳበ ከብጽሓሉ ይእዝዞ። እቲ ጀነራል ድማ ነታ ደብዳበ ሒዙ ፈረሱ ተወጢሑ ናብቲ እተሳዕረ ንጉስ ከይዱ ይህቦ። እቲ መስኪናይ ንጉስ ነቲ ደብዳበ ምስ ኣንበቦ ብሓቂ ይገርሞ። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ይብል ነበረ፤ ገና ክትዋጋእ እንተ ደሊኻስ ሓደ 10 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ወትሃደራተይ ከለቅሕካ እኽእል እየ……ካርታ ወይ ጠላዕ ድዩ ገይሩዎ ንኲናት!?

እዚ ከም ዋዛ እዩ ቀሪቡ። ግን ዕንደራ ናብ ከምዚ ዝመሰለ ተግባራት እዩ ዚመርሓካ። ስራሕ ዘይብሉ ጨቋኒ መንግስቲ፡ ምስ ጎረባብቱ ካብ ምትዅታዅን ወደባቱ ንባዕዲ ካብ ምሻጥን፡ ምስ ጸላእትና ውዕላት ካብ ምፍራምን፡ ባሕርና ከም ዝድፈር ካብ ምግባርን፡ ንህዝቡ ካብ ምጽራፍን፡ ካድረታት ካብ ምምራቕን፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ህዝቡ ገንዘብ ካብ ምስራቕን ሓሊፉ እንታይ ኪገብር ይኽእል ኢልኩም ትሓስቡ?

ደሓን ኩኒ ጭቆና እንብለሉ ዓመት ደኣ የምጽኣልና (ፈጣሪ)!!!

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Daniel March 5, 2016

    Dear Amanuel
    Your contribution is priceless keep it up. Change will come it is a matter of time. I am sure you have come across a book ” Tipping point”. Thank you.

  • Adal March 6, 2016

    ዝኸበርካ ምርምህር ኣማኑኤል ጹሁፋትካ ከይሓልፉኒ ካብ ዝከታተሉ ሓደ ኢየ። ነዚ ባዕሉ ናይ መንግስትነት ኣኽሊል ድስቅልን ድቀብእን ጉጂለ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነቱ ብዝግባእ ዝገልጽ ጹሑፍካ ብጣዕሚ ዝድነቅ ኢዩ። ቅድሚ ሎሚ ውን ንደገፍቲ ህግደፍ መነጸር ህግደፍ ከመይ ጌሩ ኣዕንቶም ከምዝሸፈኖም ዝገርልጽ ጽቡቅ ጽሑፍ ኣውጺእካ ኔርካ ነቲ ዝመረተ ጋዕጋዕ ስነ ሓሳብ ህግደፍ ዘቃልዕ እንተቲጽሕፈልና ውን ክንደይ ጽቡቅ ኔሩ። ካብ ሓይሊ ብረት ሓይሊ ብርዒ ሃያል ስለዝኮነ።

  • Ghirmai Teferi March 7, 2016

    ZEYTADELna koinaember.Hagerna uko kem Beal niskat kum ekum Kitmier Hua zegbaukm nerkum.

POST A COMMENT