Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ዝከላበትን ቃንዛን ህዝብና መድሃኒት ንርከበሉ

ብመሰረት ኣብ 1951 ዝተኸተመን ኣብ ዓንቀጽ ሓደ ሰፊሩ ዘሎን ኣህጉራዊ ውዕል ኣተሓሕዛን መሰላትን ስደተኛታት፡ ብኩናት፡ ብጥሜት፡ ብግጭት ሃይማኖትን ዓሌትን ካልእ ጠንቅታትን ኣብ መበቆላዊ ዓዶም ብሰላም ዕለታዊ መነባብሮኦም ክመርሑን ህይወቶም ከድሕኑን ንዘይክኣሉ ዜጋታት፡ ኣብ ካልእ ሃገር

ብመሰረት ኣብ 1951 ዝተኸተመን ኣብ ዓንቀጽ ሓደ ሰፊሩ ዘሎን ኣህጉራዊ ውዕል ኣተሓሕዛን መሰላትን ስደተኛታት፡ ብኩናት፡ ብጥሜት፡ ብግጭት ሃይማኖትን ዓሌትን ካልእ ጠንቅታትን ኣብ መበቆላዊ ዓዶም ብሰላም ዕለታዊ መነባብሮኦም ክመርሑን ህይወቶም ከድሕኑን ንዘይክኣሉ ዜጋታት፡ ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ምንባር ዑቁባን መባእታዊ ሓለፋታት  ክረኽቡን መሰል ኣለዎም። ኩለን ነዚ ውዕል ክታመን ዘንበራ ኣባል ሃገራት ድማ፡ ንስደተኛታት ክቅበላን መሰላቶም ከኽብራን ግዴታ እምበር፡ ፈትየን ዝትግብርኦ ጸሊአን ዝጥንጥንኦ ሰነድ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፡ እንተስ ሰብ ዝሰርሖ እንተስ ብባህርያዊ ሓደጋታት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኣህዛብ፡ ኣደዳ ሞት፡ ካብ ንቡር መነባብሮ ምፍንቃልን ማሕበራዊ ቅልውላውን ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ዝበዝሐ ኣውራ ምኽንያት ሕሰምን ሞትን ደቂ ሰባት ድማ፡ ብልሹው ምምሕዳር፡ ጉድለት ምጽውዋርን ንቅሓትን ከምኡ’ውን ዘይምዕሩይ ምምቅራሕ ሃብቲ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ብቁጠባ ዘይሰጎማ ካልኦት ከባቢታት ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ስደት፡ ምምዝባል፡ ሓድሕድ ምቅትታልን ድማ፡ ገለን ብማይ ገለን ስኣን ማይ ህይወት ስለዘሎ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ’ቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንዓርሞሽሽ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተጸሚሙ ብምስዓሩን ናጽነቱ ብምጉንጻፉን፡ ኣብ ዓለም ዝረኸቦ ተፈላጥነትን ኣድናቆትን፡ ኤርትራ ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ እውን፡ ብስደት፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብሕጊ ኣልቦነት፡ ብግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተናኻሲ ጠባያት ምርኣያን ምርርቲ’ያ። ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ዘሎ ኣበራትን ዘይንቡር ኩነታትን ግን፡ ብዓቢ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ዝሕተተሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሽምባይዶ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያቱ፡ መጻኢ ዕድሉ፡ ኣህጉራዊ ርክባትን ፖሊሲታትን ክዛረብንን ክውስንን፡ ብዛዕባ ጽባሕ ዝበልዖን ዝሰርሖን ብዘይስክፍታ ኣይፈልጦን ኢዩ። መዓልታዊ ህይወት ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብዕድል ኣብ ባንኪ ገንዘብ እንተልዩካ፡ ክንደይ ከምተውጽእ፡ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ ዝውስነልካ። ጉጅለ ህግደፍ ዘይፈትዎን ዘየፍቅዶን ሃይማኖት ኣይተምልኽን ኢኻ። ብሓይልታት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ተጨውዮም ዝተወስዱን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝተመቁሑን ቤተሰብካ፡ ድሃዮም ክትፈልጥ ክትሓትት ገበን’ዩ ዝቁጸር።  ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝብና፡ ዝስተ ማይ፡ ዝብላዕ መግቢ፡ እሙንን ደጋፍን ህግደፍ ምዃንካ ተረጋጊጹ ብመቁነን’ዩ ዝዕደለካ። ኣብ ኤርትራ፡ ሓሳብካ ብናጽነት ትገልጸሉ መሰል የለን፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣበራቱን ድኽመታቱን እንተገሊጽካ ድማ ዕድሜኻ ምሕጻርን ንስቃይ ምቅላዕን’ዩ። እቲ እንኮ ምርጫ ምስ ቃንዛኻን ስምዒትካን ዒሕ እናበልካ ሕዱር ሕማም ምጥራይ ኢዩ።

 ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝነብር ጥራይ ኣይኮነን ዘረኻኽብ ዘሎ። “ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ” ከምዝብሃል፡ ሕሰሙ ዘይውዳእ ህዝብና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስሱዕን ገበነኛን ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ኣደራዕ ከይኣኽሎ፡ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ዝጣበቀሉ ዋና ስኢኑ፡ ብሕልና ዘይብሎም መንግስታትን ትካላትን ከም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ብዘይ ፍታሕ ይቀባበሉሉ ኣለው። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ዘጋጥሞም ዘሎ ኣደራዕ ድማ መሪርን ዘሕዝንን ኣብነት’ዩ። ብቀንዱ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርአ ዘሎ ቁርቁስን ጭርጭር ዓበደን፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ብዓውታ ይገለጽ እምበር፡ ናይ ኩሉ ዕንክሊል ሃንዳሲ ግን፡ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ዝዋሳእ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። ጠንቂ ስደት ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ጭንቀትን ወጥርን ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ቤትና ጥራይ ኢና ከነጽሪ ዘለና። ምሕግሓግ መሳርዕ ጉጅለ ህግደፍን ጋዕ ገልጠሙን።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ንኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ዝፈረመት ሃገራትን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድሕሪ ኡጋንዳ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ፡ ልዕሊ 900 ሽሕ ስደተኛታት ብምእንጋዳ ብትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምዕራባውያንን ትምጎስን ጽቡቅ ስም ረኺባን ኣላ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ፡ ንመትከል እግርን ንሞያዊ ስልጠናን ስደተኛታት ተባሂሉ ብዓይነትን ብገንዘብን ከምኡ’ውን ኣማኸርቲ ትቅበል ዘላ ሃገር ኢያ። እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቁቦም ዘለዉ ስደተኛታት ዝበዝሑ፡ ካብ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ኤርትራ ከምኡ’ውን ብውሑድ ቁጽሪ ካብ የመንን ሶርያን ዝተሰዱ ኢዮም። ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ልዕሊ 900 ሽሕ ስደተኛታት፡ እቶም ኣስታት 180 ሽሕ ኤርትራውያን ኮይኖም ልዕሊ 100 ሽሕ ኣብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ይነብሩ። ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ጥሜት፡ ሃይማኖት፡ ዓሌትን መሬትን ዝመንቀሊኡ ሓድሕድ ግጭትን፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ካብ ህዝባ ኣብ ውሽጢ መሬታ ተመዛበልቲ ኣለውዋ።

ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ዓቢይ ኣሕመድ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መላኺ ኢሳያስ ብዘለዎ ዘይቅርዑይን ዘይቅዱስን ርክባትን ከምኡ’ውን፡ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘሎ ምትህልላኽን ትሓልፍያን፡ እቶም ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መሬት ትግራይ ክስደዱ ዝተገደዱ ኤርትራውያን መባእታዊ ናይ ስደተኛ መሰሎም ተጋሂሱ ይከላበቱ ኣለው። እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩን ቆልዓ ሰበይቲ፡ ኣረጋውያንን ጸገም ጥዕናን ዘለዎም ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ብዘይ መባእታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መጽለሊ ቤትን ብሕማም፡ ጥሜትን ስነ ኣእምራኣዊ ጭንቀትን ዝሰቀዩ ዘለዉ ኢዮም። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ሓንቲ ካብተን ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ሒዛ ትርከብ ሕጻጽ ትብሃል መዓስከር፡ ብዘይ ቅድመ ምድላውን ብሃንደበትን ክትዕጾን ኣብኣ ዝነበሩ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ክበታተኑ ተኣዚዚም። ክሳብ ሎሚ ድማ፡ ብዘይካ ንኢታይ በላ ንሓመር በሎ፡ እቲ ኤርትራውያን ዝነበርዎ መዓስከር ስለምንታይ ክዕጾ ተወሲኑ፡ ስለምንታይ ሓደስቲ ስደተኛታት ምቅባል ጠጠው ኢሉ፡ እቲ መምርሒ ካበይ መጺኡ ርጡብ መልሲ የብሉን። ብዙሓት ሰባት ከምዝጥርጥርዎ ግን፡ እቲ ኤርትራዊ ክሓስሞን ክጎሳቆልን ደስ ዝብሎን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ብዓውታ ተዛሪቡ ዘይፈልጥን ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ ዝኸተሞ ምስጢራዊ ውዕል ይትግበር ምህላው ኢዩ። ምዕጻው መዓስከራት ስደተኛታት ድማ ምስቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣቀዲሙ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ፡ ደጊም ዓቢይ ኣሕመድ መራሒና’ዩ፡ ኣይከሰርናን ንብረትና መሊስና” ኢሉ ዘህተፍተፎ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኢትዮጵያ ተዋሒጡ ክተርፍን ሃገራዊ መንነቱ ክጠፍእን ተጠጂኡ ብሰላሕታ ዝሰላሰል ዘሎ ሓደገኛ ውጥን ዝቃዶ ኢዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብጉልባብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብ ኣህጉራዊ ሓገዛትን ስደተኛታት ናብ ዝቅበላ ምዕራባውያን ሃገራትን ናይ ምልኣኽ መስርሕን፡ ብልሹው ምምሕዳርን ምድንጓይን ተጠቂሞም ናብ ረብሐኦም የውዕልዎ ከምዘለዉን ኤርትራውያን ተረባሕቲ’ቲ ኣህጉራዊ ደገፋት ከምዘይኮኑን ብሰፊሑ ዝዕለል’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ገስረጥ ኣሰራርሓ፡ ኣብ መዓስከራት ትግራይ ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም፡ ብዘይ ዝኾነ መሳለጥያ ኣብ ዳሳትን ቴንዳታትን ንዓመታት ምጽባይ ዝመረሮምን ተስፋ ዝቆረጹን ኣማኢት ኤርትራውያን፡ ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን ህይወቶም ምሕላፉን ኣደዳ ሞት፡ ማእሰርትን ዕዳን ዒንድዳን ምዃኖም ድማ ዘሕዝንን ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ፡ ንውል ቀመላኺ ኢሳያስ ከሐጉስ ወይ ንመራሕቲ ክልል ትግራይ ከሕርቅ ክብል፡ ነቲ ኣማራጺ ሓርቢትዎ ኣብ መዓስከራት ብሕሰም ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ንፖለቲካዊ ረብሓታቱን መናውሒ ስልጣኑን፡ መጣልዕን መዋገይን ክገብሮ፡ ዘይሓላፍነታውን ሓጥያትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር’ቲ ኢትዮጵያ ዝፈረመትሉን ትንየተሉን ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ፡ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ከምዝሰርሕ ብተደጋጋሚ መዓር ብዝጥዕም ቃላትን ሓረጋትን ገሊጹ’ኳ እንተኾነ፡ ብተግባር ግን እግርን ከበሮን በበይኑ ኢዩ። ዓቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ክኽበርን ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእን ምትሕግጋዝን ክሰፍን ናይ ብሓቂ ራእይን ባህግን እንተልይዎ፡ ዝምድንኡን ሰላሙን ምስ ንዘልኣለም ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ምስቲ ጽባሕ ዝሓልፍ ቀታሊ ሰብን ኣረሜንን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ክኸውን ኣይግባእን። ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፡ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ክናዋሕ መህረሚ በትሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምዃን ግን በለጽን ዘይንስኻ ምምሳልን’ዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ውዲት ዓቢይ ኣሕመድን ኢሳያስን ኮይኖም ዝከላበቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብመሰረት ሕግታቱ መሰሎምን ድሕነቶምን ክጣበቀሎምን እምበር ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ እናተሳቀዩ እንከለዉ ጸማም እዝኒ ክህቦም ዓገብ። ኣብ ሕቶ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ግን፡ ነቲ ጠንቂ ስደት፡ ጥሜት፡ ሞትን ሕማምን ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምውጋድ ስለዝኾነ፡ ሕማምና ሓቢርና ንፈውስ። ወለድና፡ ደቅና፡ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ ዓዲ ጓና ይመቱ፡ ይጭነቁን ይነብዑን ስለዘለዉ፡ ንጣበቀሎም፡ ነእውየሎም፡ ካብ ኣፋፌት ሞት ነድሕኖም። ህዝብና ክዋረድን ክቅዘፍን እንከሎ ዝሕለቀሉን ናተይ ዝብሎ መንግስትን የብሉን፡ ንሕና ኤርትራውያን ብህይውትና እንከለና  ግን ብስቅታ ክንሓልፎ ሕልናና ክቅበሎ የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ሕማቅ ዝፍጽም ወገን ጥራይ ኣይኮነን ብገበን ዝሕተት፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ገበን እናተገብረ ያዕ ኢሉ ዘይቃወም ሰብ እውን፡ ካብ ሌባ ተቀባል ሌባ’ዩ።

                            ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 9 ሚያዝያ 2020  

yakobe@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde April 15, 2020

    ((((ምኽንያቱ እቲ ሕማቅ ዝፍጽም ወገን ጥራይ ኣይኮነን ብገበን ዝሕተት፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ገበን እናተገብረ ያዕ ኢሉ ዘይቃወም ሰብ እውን፡ ካብ ሌባ ተቀባል ሌባ’ዩ።)))))….it is this very stance,behavior and passive and looking away submissive culture which made the rats of yesteryear to become bloodsucking monsters of today,if we had fumigated them early,we wouldn’t be in this near extinction state,these giant fat rodents are so prevalent in our homeland and abroad today they became the face of our nation,all they do is eat ,drink,sleep and burp at the expense of the downtrodden people,they have been doing that for years in our rear while we were ducking in out in the front-lines,we could have rounded them up then while they were intoxicated and took care of business.>>>>>Tsilal,that posture still defines the Eritrean culture today and the fat rodent keep getting fatter. scavenging on us.

  • Woldegabriel April 15, 2020

    Dear Tsilal,
    If Tsilal’s bleeding heart call for action couldn’t touch you to your core, then something is wrong with you. To extricate ourselves from such demeaning situation once-for-all, he/she has thoughtfully put forward a two-pronged solution to our predicament. Hence, this is YEAKEL in action. It is ” Lomi zey’ketete B’ dewu Ke’mzmote”. But, how do we turn the present situation and our alleged weaknesses into a formidable political front.
    1. As Tsilal pointed out our primary target must be dealing with the imposter at home. That is the Alfa and Omega of our problem. However, in parallel with this, we should expose the other imposter at our gates, who is enabling isayas. Without any ambiguity the Ethiopian PM is the enemy of the Eritrean people.
    2. The most sinister game being played on our brothers and sisters in the refugee camps in Tigray, is not something that we only talk about but do something. How can we sleep when our flesh and blood brothers and sisters are being treated like worthless worms? Don’t we have self-respect for ourselves and other human beings? We should stand in unison and say YEAKEL.
    3. We should collectively mobilize ourselves, resources and voices to this end and show the world and our enemies we are united.
    4. I strongly believe that Tsilal’s article should be widely disseminated through voice message in the Facebook (Assenna could help here)
    5. We should not leave any stone unturned to inform the world at large that the isayas and Abiy conspiracy is a systematic ethnic (nation’s) cleansing. God will be with us, but we should take the initiative to help our selves and our brothers. This is a stand up for your rights call.

  • k.tewolde April 15, 2020

    Hilna,Dawit,Asmerom,Tsehaye et all..this could be one person or a multitude of these cyber critters are out there ambushing prudent commentators in this medium,the only one who knows their identity is this medium, I can imagine if it was an opposing point of views with civility, ((“nomad” Yemeni saHab gemel!)),posting this vitriolic and Islamophobic scum and allowing it to be displayed in this medium for the decent readers to see…..makes me wonder….In case the critter forgot ,the ‘camel’ is the emblem of the current regime in Eritrea ironically, and at one point or another during the struggle for liberation we either pulled or followed the giant service animal. How could this act of heroism is contrasted with nomads and Islam? how about you ‘christian’ critters what animal do you pull or mount? a donkey? I didn’t mean to give it a religious tone but,it is what it is.

Post a Reply to Woldegabriel Cancel Reply