ኣገዳሲ ምልክታ – ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ
ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፍና ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ክንቃለስ ጸኒሕና። የግዳስ ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝብሃል፡ ኣብ ውሽጥና ተቓለስቲ ተመሲሎም ዝኣተዉ ጸየቕቲ ነቲ ብጽፈት ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ
ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፍና ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ክንቃለስ ጸኒሕና። የግዳስ ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝብሃል፡ ኣብ ውሽጥና ተቓለስቲ ተመሲሎም ዝኣተዉ ጸየቕቲ ነቲ ብጽፈት ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ ክዓናቕፉዎ ስለ ዝኸኣሉ፡ ሎሚ ጽላል ኖርወይ ከም ቀደሙ የሎን። ድሕር’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዓሰርተ ሓደ ናይ 2015 ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ንምዝርራብ ክልተ ግዜ ብፓልቶክ ርክብ ተገይሩ ነይሩ። ኣብ ክልቲኡ እዋን ድማ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብቲ ኣኼባ ሓድሽ ኣጀንዳ ብምልዓል ዕግርግር ፈጢሮም። ድሕር’ዚ ጽላል ኖርወይ ንፋስ ኣትዩዎ ኣይቀርዓየን። ቅድሚ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጉባኤ፡ ኣባላት ባይቶ ጽላል ይኹን ኣካየድቲ ጽላል ብፓልቶክ ወርሓዊ ኣኼባ እናካየዱ ንኣባላት ብመደብ ጸብጻባቶም ይልእኩ ነይሮም። ኣብዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ጉባኤ ዝተመርጹ ሓደስቲ ሓለፍቲ ግን ንፈውሲ ማሕላ’ውን ዝተራእየ ኣኼባ ይኹን ጸብጻብ የሎን። ብሓጺሩ ጽላል ኖርወይ ደስኪሉ ተሪፉ።
እቲ ነገር ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑ ድማ እቶም ጸየቕቲ ኣብ ክንዲ ዝሓለፈ ጌጋኦም ዝእርሙ፡ ምስ ዕላማታት ጽላል ይኹን ዕላማታት ደለይቲ ፍትሒ ይኹን ሃገራዊ ቃልሲ ዝጋጮ ሓንሳብ ሸፋቱ፡ ሓንሳብ ንስዉኣት ኣይነኽብርን፡ ሓንሳብ ድማ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈላሊ ነገር የብልና ዝብል ናይ ኣንድነት ጭርሖ ብምልዓል ነቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ቃልሲ ናብ ዘየድሊ ጸረ ሃገር ዝኾነ ኣንፈት ከምርሑዎ ፈቲኖምን ይፍትኑ ኣለዉን። ኣብዚ መወዳእታ እዋን ድማ ኣብ ስታቫንገር ሃንደበታዊ ኣኼባ ብምክያድ ብሩህ መጻኢ ብዝብል ብውሽጡ መርዚ ብደገኡ ድማ መዓር ዝተሸፈነ ጭርሖ ሒዞም ንመንእሰያት ክጕስጕሱ ይፍትኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማዕረ ክልተ ልኡኻት ናብ መቐለ ከም ዝለኣኹን ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኸእምኑ ሓገዝ ወያኔ ከም ዘደልዮም ከም ዝሓበሩን ሰሚዕና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ተኣፋፊ ኵነታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኖርወይ ንነብር ደለይቲ ፍትሒ ብዕለት 14.10.2017 ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብምርኻብ ነቲ ኣቐዲምና ብዕቱብ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ንምቕጻል ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ብምጽዳቕ ንትግባረኡ ተበጊስና ኣለና።
ሃገራዊ ጕዳያት፡
- ኣብታ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስዉኣት ዝኸፈልናላ ዶባታ ዝተሓለወ ሃገርና ኤርትራ ንኣምን። ብዝኾነ መልክዑ ነዚ ዝቃወም ሰብ ወይ ጕጅለ ምስ ዝህሉ ድማ ኣበርቲዕና ክንቃወሞ፡ ክንቃለሶን ከነቃልዖን ኢና።
- ህዝቢ ኤርትራ ሰውራ ከካይድ ኣይነበሮን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣድላይነት ኣይነበሮን ዝብል ተንበርካኺ ኣረኣእያ ብትሪ ንቃወሞን ኣበርቲዕና ክንቃለሶ ከም ዝኾንናን ንሕብር።
- ንስዉኣትና ብሽፍትነት ዝዝንጥል፡ ዘከሻምሽ፡ ኣየኽብሮምን እየ ዝብል ኣካል ይኹን ጕጅለ ኣበርቲዕና ንቃወም። ንስዉኣትና ድማ ዝግብኦም ቦታ ብምሃብ ብልዑል ኣኽብሮት ንጥምቶም።
- ዝኾነ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ዝምልከት ነገር ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሰያስ ብሓደ ሕጋዊ ባይቶ ዝውሰን’ምበር ኣብ ጥራይ ጐልጎል፡ ህዝቢ ኤርትራ ውክልና ዘይሃቦም ጕጅለታት ወይ ኣካላት ፊን ከም ዘበሎም ዝውስኑዎ ጕዳይ ከም ዘይኮነ ነረጋግጽ።
- ጕዳይ ባንዴራ ይኹን ተመሳሳሊ ጕዳያት’ውን፡ ድሕሪ ስርዓት ኢሰያስ ንዝህሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተመርጸ ሕጋዊ ኣካል’ምበር ሕጋዊ ውክልና ንዘይብሎም ሰባት ከም ዘይምልከት ንገልጽ።
ኣብ ውሽጢ ኖርወይ፡
- ኣብ ዘዘለናዮ ከተማታት ሲቪካዊ ማሕበራት ብምምስራት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሲቪካዊ ጽላል ተጠርኒፍና ንቃለሰሉ መንገዲ ክንፈጥር ምዃንና ንሕብር።
- ነዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ዘለና ነጥብታት ዝኣምኑ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓባር ቃልሲ ከም ነካይድ ነረጋግጽ።
- ጽላል ኖርወይ እቶም ጸየቕቲ ዝፈጠሩዎ ዕንወት ተገንዚቡ ዳግመ ምውዳብ ብምግባር ቃልሱ ዝቕጽለሉ ኵነታት ክፍጠር ሰናይ ድሌትናን ምዃኑን ንትግባረኡ ድማ ብንጥፈት ከም ንሰርሕን ንገልጽ።
- ኣብ ኖርወይ ንርከብ ደለይቲ ፍትሒ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እዞም ጸየቕቲ ክቀላቐሉ ከለዉ ገለ ሓለፍቲ(መሰሎም እዩ) ኢሎም ዘሻደኑዎም ዘይኮነ፡ ደጊም ካብ ጕድለታትናን ጌጋታትናን ተማሂርና ኣብ ውሽጥና ክሽጐጡ ንዝኽእሉ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘሎዎም ጸየቕቲ ብኣጋኡ ክንፈልጦን ክነቃልዖን ከም ዘለና ንኣምን።
- ቃልሲ ክብሃል ከሎ ዓመት መጽአ ኣኼባ ምክያድ፡ ሓለፍቲ ምምራጽን ብዛዕባ ቅዋምን ሕግታትን ማሕበር ኛዅ ምባልን ዘይኮነ፡ ኣብ ጭቡጥን ግብራውን ቃልሲ ተጸሚድካ ብተወፋይነት ምስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ቅልጽምና ኣተሓባቢርናን ጓል መንገዲ ገዲፍናን ግብራዊ ውጽኢት ዝህብ ቃልሲ ክነካይድ ምዃንና ንገልጽ።
ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ
ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ
Tsehaye October 17, 2017
The fact is people’s take any political persuasion can’t be put into a single mould.
A society striving to make such a mould is doomed to fail just like the poor sick Eritreans.
No vision no exit strategy just like a wrecked ship on the sea floating without marine pilot.
Why always blaming others and looking for scapegoats? What makes us so weak and so blameless?
Nahon October 17, 2017
Tsehaye (aka the peasant’s son)
Stop blaming the victims for what your rootless cousins in Asmara are doing to innocent people..
Dani amiche October 17, 2017
History will condemn us of what we are doing now (wasting time on blame games) while our people are at a dire situation. One thing we lack as Eritreans in general is that we have no tolerance for people who hold views that are not the same as ours, more so for the ones who oppose our views. If we are capable enough to illuminate light to the darkness we are in, let them bring solutions and proposals how to extricate our people from the chain of tyranny and how “hadas Eritrea” will build democratic institutions that will satisfy its diversity.
Danilo October 17, 2017
It is a good start. never mind the set back just make one step forward. With this clear points for sure you can win the heart of public including the supporters of the tyranny, the silent , including those misunderstood the real treat our beloved Eritrea.
ተወልደመድህን October 17, 2017
ኣብዘይንቡር ኩነታይ ዘይንቡር ነገር ክረአ ዝጸንሐ ኢዩ።ኣብ ከምዚ ፍትሕን ሕግን ዘይብሉ ኩነታት ሃገርና ከምዚ ዓይነት ማለት ኮንሰርቫቲቨን ወይ ለውጥታት ዘስግ ኦ ይኹን ካል እ ለውጢ ለምጽእ ሓዲሽ ኣገባብ ዝፈጥር ክህሉ ካብዚ ሓሊፎም ክልተ ኣመና ተጻረርዪ ዝኾኑ ሕሉፋት የምውናውያንን ጸገማውያንን ክፍጠሩ ኡኽሉ ኢዮም።ንለምዚ ዓይነት ብዝሒ ሓሳብ ዘይምቅባል ወይ ኣንግድካ ክተመሓድሮ ዘይም ክ ኣል ኣብ ህብረተሰብና ኣብ ግዜ ቃልሲ ከኣ ተራኣዩ ኢዩ።እቲ ጸገም ብዝሒ ሓሳባትን ሓሰብትን ዝሓትት ፖለቲካ ተቀቢልካ ዘይምኽ ኣል ኢኡኢ።ንሕና ብምቁሻስን ብምጽራፍን ጥራይ ኦና ማዕቢል።ሚኒያ ኮለል።
ሶሎሞን ፡ ካብ ስታቫንገር October 17, 2017
ኣብ ኖርወይ ዘሎ ጽላል ወይ ዋን ስቪካዊ ማህበራት ከምዝደልክዮ ከም ኣስተርሶ ክትጠዋውዮ ዘይምካል ናይ ስሙዑኒ ፡ኣብዝደልኻዮ ተስማዒ ክትከውን ምድላይ ዝበግሶ ናይ ውሑዳት ምኹራይ ዩ ናብዚ ኣብጽሒዎም ዘሎ ግን ኣዚ ጽላልል ይኹን ናይ ኣነ ዘልኹዎ ማሕበር ናይ ውልቐ ሰብ ሓሳብ ይኹን ናይ ዝኾነ ዝተፈልየ ሓሳብ ንዘልዎም ሰባት ብዲሞክራሳዊ ኣገባብ ከተንግዶምን ሓሳቦም ክትሰምዕ ሞራላዊ ናይ ቓልሲ ምስርሕ ዩ፡ ስለዚ ብፍላይ ኣብ ናይ ስታቫንገር ንዘሎ ደልይቲ ፍትሒ ድማ ኣዚ ጉዳይ ስለዝጠከሰ ንሕና ደልይቲ ፍትሒ ሽታቫንገር ን ነዚ ኣብ assenna .com ኣውጼሞ ዘልዉ ንኹንኖ ። ንኣዞም ውሕዳት ሰባት ኣብ ዘይተቕም ንገር ነቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ደላኢ ፍትሒ ኣይውክልዎን ኣዮም ።
Simon G October 17, 2017
HGDF + Woyane are working together very hard to weaken or dismantle the opposition camp. This is becoming clearer by the day.
Stavanger October 17, 2017
what is the message here!!!!!!!
one can refer to the following Quotes after reading this message
“The problem with the world is that everyone does not have a brain, but everyone does have a tongue.”
“Its strange how some people ignore the logic just because they believe what they like to believe and ignore the truth.”
“Stupid people don’t always know that they’re stupid. They might be aware that something is wrong, they might notice that things don’t usually turn out the way they imagined, but very few of them think it’s because of them. That they’re the root of their own problems, so to speak. And that sort of thing can be very difficult to explain.”
Haile October 18, 2017
Ya tsbuq alekum nsu eyu eti haqi. Ezi ekey snehasab nyewbelwo. Ajokum bertu.
Abede Tesfay October 18, 2017
ኤርትራውያን ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ፡ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፡ እቲ ኣጋጢምኩም ዘሎ ጻብእቲ ዕሱባት ወያኔ በዲህኩም ብሓድሽ ሃገራዊ መንፍስ ቃልሲ ምብጋስኩም ኣወንታዊ ሓሳብ ብምዃኑ ብወገነይ ምሉእ ደገፍ ኣለኒ፣ ክርዳድን ስርናይን ክፈላለዩ ግድን እዩ፣ ስለዚ ንስኻትኩም ድልየትን ሓድነትን ህዝብኹም ንምስማር፡ እቶም ክርዳድ ድማ ድልየት ገዛኣትን ጠረርትን ንምምላእን ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጸላእቱ ንምብርካኽን፡ክልተ ዘይሰማማዕ ዕላማታት ስለ ዝኾነ፡ ወሲድኩሞ ዘለኹም ሃገራዊ መስመር ታሪኻውን ዘኹርዕን እዩ። ኣቶም መሳርሒ ግን ጽባሕ ወያኔ ተጋሩ ጠይቂ ከም ዝገብርዎም ኣይጠራጠርን እየ። ኣብ ኩሉ ከባቢ እዚ ፈላላዪ ጎስጓስ በዞም ኣንድነት እናተኻየደ እዩ፣ ምኽንያቱ ወያኔ ኣብ ድርኩዂት ውድቀት ተሳጢሖም ስለ ዘለዉ መሳርሒ ዝኾንዎም ኤርትራውያን፡ ዋጋ ዓሰባ እናከፈሉ ኤርትራ ንምብታን ይርበጹ እዮም ዘለዉ። ብወገንና እውን በቲ ዘሎ ዓቕሚ ክንብድሆን ወጊድ ክንብሎን ሓላፍነት ይስምዓና እዩ፣ ከምዚ ናትኩም ተሪር ኣቕዋም ንምውሳድ ክንሰርሕ ኢና። ኣንድነት ማይ ሓቚኖም ከም ዝተርፉ እውን ኣይንጠራጠርን ኢና፣ስለዚ ኣጆኹም ኣጆና።
ኣይበልናንዶ October 19, 2017
ኩሉ ኣብዚ ተጠቂሱ ዘሎ ቃላት።ቃላት ህግደፍን ኢሳይስን ኢዩ።እዚ ማለት ን ኢሳያስን ህግደፍን እናኮነንካ ንዓታቶም ምክልኻል ወይ ንቅድሚት ኣናበልካ ኣብ ናይ ትማሊ ምንባር ኢዩ።ብሓጺሩ ኣነ ክዘምቶም ንስካ ኣጻውቶም ኢዩ ነገሩ።ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኩሉ ከጋጥም ይክእል ኢዩ።እቲ ዘጋጠመ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ጠሚትካ ምፍታሑን ብፖለቲካዊ ኣገባብ ምስዓሩ ናይ ኪኢላን ለባም ኣተሓሳስባን ኢዪ።ቅጽል ሽም እናሃብካ።ፍለይ ዘበለ ሓሳብ ዘምጸኣ ወያነ፡ጸልኢና ኢዪ።ክኽተፍ ኣለዎ።ክቡቆስ ኣለዎ፡ክድርዓም ኣለዎ ኢልካ ምቁንጻቡን ምንጻሊን ግን ካልእ ሳዕቤን ዘወልድ ሕማቕን ኣብ ብሱል እዋን ናይ ዘይብሱል ኣተሓሳስባ ኢዪ።ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ፍርቂ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሚዳ ክትስጎግ ዝገበረ ኣተሓሳስባ ሎሚ ኣብ 2017 ክትጥቀመሉ ምጽ ዓር ማዕረ ክንደይ ካብ ታሪኽ ዘይተመሃርናን ዝይንመሃርን ምኻና ኢዪ ዘብርህ።
ወዲጥሮታ፣ October 18, 2017
ኣብ ጉዕዞ ኩሉ ዓይነት መስገደል ከጓንፍ ግድን ኢዩ። ከምዘ ጠቒስኩሞ ዘለኹም ግሁድ ተርእዮ ኣጋጦምኩም እንተኾይኑ ድማ፡ ወይ ብድፍኢት ናብ ዘየድሊ ምጉርፋጥ ዝዕድሙ ወይ’ውን ጠቕሊልኩም ካብ ሃገራዊ ቃልሲ ክትርሕቁ ዝዓለመ ምዃኑ ልዕሊ ካልእ እዋን ሎሚ ብዝተጨበጠ ተጋሂዱ ኣሎ። “ኣንድነት” እልካ ጭርሖ ስዑራት ምንብልባልከ እንታይ ኣምጽኦ? ካብ ጥንቱ ዝኾነ ኤርትራዊ ነብሱ ከም ኢቲዮጲያዊ መስሪሑ ዝኣመነ ተራእዩ ኣይፈልጥን’ሞ ዳግማዊ ተወውዲብኩም ናብ ቃልሲ ምትንሳእኩም መርኣያ ናይቲ ኤርትራዊ ፖለቲካ ምዃኑ ምንም ኣየጠራጥርን። ከምዚ ትርእይዎ ድማ ንዓና ዝተሓስበ እኪት መመሊሱ ከጠጥዓና እንተዘይኮይኑ ከሕርረና ተኽእሎ የብሉን።
ንኺድ ጥራይ!
ዓወት ንሓፋሽ!
ወዲጥሮታ፡