Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ ምልክታ – ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ

ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፍና ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ክንቃለስ ጸኒሕና። የግዳስ ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝብሃል፡ ኣብ ውሽጥና ተቓለስቲ ተመሲሎም ዝኣተዉ ጸየቕቲ ነቲ ብጽፈት ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ

ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፍና ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ክንቃለስ ጸኒሕና። የግዳስ ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝብሃል፡ ኣብ ውሽጥና ተቓለስቲ ተመሲሎም ዝኣተዉ ጸየቕቲ ነቲ ብጽፈት ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ ክዓናቕፉዎ ስለ ዝኸኣሉ፡ ሎሚ ጽላል ኖርወይ ከም ቀደሙ የሎን። ድሕር’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዓሰርተ ሓደ ናይ 2015 ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ንምዝርራብ ክልተ ግዜ ብፓልቶክ ርክብ ተገይሩ ነይሩ። ኣብ ክልቲኡ እዋን ድማ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብቲ ኣኼባ ሓድሽ ኣጀንዳ ብምልዓል ዕግርግር ፈጢሮም። ድሕር’ዚ ጽላል ኖርወይ ንፋስ ኣትዩዎ ኣይቀርዓየን። ቅድሚ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጉባኤ፡ ኣባላት ባይቶ ጽላል ይኹን ኣካየድቲ ጽላል ብፓልቶክ ወርሓዊ ኣኼባ እናካየዱ ንኣባላት ብመደብ ጸብጻባቶም ይልእኩ ነይሮም። ኣብዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ጉባኤ ዝተመርጹ ሓደስቲ ሓለፍቲ ግን ንፈውሲ ማሕላ’ውን ዝተራእየ ኣኼባ ይኹን ጸብጻብ የሎን። ብሓጺሩ ጽላል ኖርወይ ደስኪሉ ተሪፉ።

እቲ ነገር ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑ ድማ እቶም ጸየቕቲ ኣብ ክንዲ ዝሓለፈ ጌጋኦም ዝእርሙ፡ ምስ ዕላማታት ጽላል ይኹን ዕላማታት ደለይቲ ፍትሒ ይኹን ሃገራዊ ቃልሲ ዝጋጮ ሓንሳብ ሸፋቱ፡ ሓንሳብ ንስዉኣት ኣይነኽብርን፡ ሓንሳብ ድማ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈላሊ ነገር የብልና ዝብል ናይ ኣንድነት ጭርሖ ብምልዓል ነቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ቃልሲ ናብ ዘየድሊ ጸረ ሃገር ዝኾነ ኣንፈት ከምርሑዎ ፈቲኖምን ይፍትኑ ኣለዉን። ኣብዚ መወዳእታ እዋን ድማ ኣብ ስታቫንገር ሃንደበታዊ ኣኼባ ብምክያድ ብሩህ መጻኢ ብዝብል ብውሽጡ መርዚ ብደገኡ ድማ መዓር ዝተሸፈነ ጭርሖ ሒዞም ንመንእሰያት ክጕስጕሱ ይፍትኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማዕረ ክልተ ልኡኻት ናብ መቐለ ከም ዝለኣኹን ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኸእምኑ ሓገዝ ወያኔ ከም ዘደልዮም ከም ዝሓበሩን ሰሚዕና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ተኣፋፊ ኵነታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኖርወይ ንነብር ደለይቲ ፍትሒ ብዕለት 14.10.2017 ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብምርኻብ ነቲ ኣቐዲምና ብዕቱብ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ንምቕጻል ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ብምጽዳቕ ንትግባረኡ ተበጊስና ኣለና።

ሃገራዊ ጕዳያት፡

  • ኣብታ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስዉኣት ዝኸፈልናላ ዶባታ ዝተሓለወ ሃገርና ኤርትራ ንኣምን። ብዝኾነ መልክዑ ነዚ ዝቃወም ሰብ ወይ ጕጅለ ምስ ዝህሉ ድማ ኣበርቲዕና ክንቃወሞ፡ ክንቃለሶን ከነቃልዖን ኢና።
  • ህዝቢ ኤርትራ ሰውራ ከካይድ ኣይነበሮን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣድላይነት ኣይነበሮን ዝብል ተንበርካኺ ኣረኣእያ ብትሪ ንቃወሞን ኣበርቲዕና ክንቃለሶ ከም ዝኾንናን ንሕብር።
  • ንስዉኣትና ብሽፍትነት ዝዝንጥል፡ ዘከሻምሽ፡ ኣየኽብሮምን እየ ዝብል ኣካል ይኹን ጕጅለ ኣበርቲዕና ንቃወም። ንስዉኣትና ድማ ዝግብኦም ቦታ ብምሃብ ብልዑል ኣኽብሮት ንጥምቶም።
  • ዝኾነ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ዝምልከት ነገር ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሰያስ ብሓደ ሕጋዊ ባይቶ ዝውሰን’ምበር ኣብ ጥራይ ጐልጎል፡ ህዝቢ ኤርትራ ውክልና ዘይሃቦም ጕጅለታት ወይ ኣካላት ፊን ከም ዘበሎም ዝውስኑዎ ጕዳይ ከም ዘይኮነ ነረጋግጽ።
  • ጕዳይ ባንዴራ ይኹን ተመሳሳሊ ጕዳያት’ውን፡ ድሕሪ ስርዓት ኢሰያስ ንዝህሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተመርጸ ሕጋዊ ኣካል’ምበር ሕጋዊ ውክልና ንዘይብሎም ሰባት ከም ዘይምልከት ንገልጽ።

ኣብ ውሽጢ ኖርወይ፡

  • ኣብ ዘዘለናዮ ከተማታት ሲቪካዊ ማሕበራት ብምምስራት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሲቪካዊ ጽላል ተጠርኒፍና ንቃለሰሉ መንገዲ ክንፈጥር ምዃንና ንሕብር።
  • ነዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ዘለና ነጥብታት ዝኣምኑ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓባር ቃልሲ ከም ነካይድ ነረጋግጽ።
  • ጽላል ኖርወይ እቶም ጸየቕቲ ዝፈጠሩዎ ዕንወት ተገንዚቡ ዳግመ ምውዳብ ብምግባር ቃልሱ ዝቕጽለሉ ኵነታት ክፍጠር ሰናይ ድሌትናን ምዃኑን ንትግባረኡ ድማ ብንጥፈት ከም ንሰርሕን ንገልጽ።
  • ኣብ ኖርወይ ንርከብ ደለይቲ ፍትሒ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እዞም ጸየቕቲ ክቀላቐሉ ከለዉ ገለ ሓለፍቲ(መሰሎም እዩ) ኢሎም ዘሻደኑዎም ዘይኮነ፡ ደጊም ካብ ጕድለታትናን ጌጋታትናን ተማሂርና ኣብ ውሽጥና ክሽጐጡ ንዝኽእሉ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘሎዎም ጸየቕቲ ብኣጋኡ ክንፈልጦን ክነቃልዖን ከም ዘለና ንኣምን።
  • ቃልሲ ክብሃል ከሎ ዓመት መጽአ ኣኼባ ምክያድ፡ ሓለፍቲ ምምራጽን ብዛዕባ ቅዋምን ሕግታትን ማሕበር ኛዅ ምባልን ዘይኮነ፡ ኣብ ጭቡጥን ግብራውን ቃልሲ ተጸሚድካ ብተወፋይነት ምስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ቅልጽምና ኣተሓባቢርናን ጓል መንገዲ ገዲፍናን ግብራዊ ውጽኢት ዝህብ ቃልሲ ክነካይድ ምዃንና ንገልጽ።

ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ

ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Petros Teklu October 19, 2017

    ዝኣረገ ጥርዓን ይመስል፡ ብዝኾነ ግን፡ ንኹሉ ሓደ ኣኼባ እንተዝጽዋዕ’ሞ፡ ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ እንትንመርጽከ፧
    ሽዑ ተጋባእቲ እንተዝውስኑኸ ከመይ ይመስለኩም፧
    “በለጽ ነብሳ ኣይተቃልዕን ኢያ!”
    ስለዚ ከም ፈተነ፡ ኲላ ትተኣከብሞ፡ ውሳኔ ብዙሓት ምስ ዝኸውን ውጺኢታዊ ምኾነ እብል።

  • haile Kidane October 20, 2017

    agedasn wesain sgumti.kbri yhabkum

POST A COMMENT