Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣደይ ቅበጽኒ!!!!!

ኣደይ ቅበጽኒ!!!!! ኣደይ ቅበጽኒ!!! ኣደይ ቅበጽኒ!!!   ከይደ እየ!! ኣነስ ኣኺሉኒ ጥይት ዓደይ ቀቲሉኒ ዓሳ ድዩ ባሕሪ ዉሒጡኒ ምድረበዳ ሑጻ ደፊኒ ጋለዶ ናይ ሊብያ ቆሪጹኒ ሲናይ ዘሎ ካራ ጎሚዱኒ ኣብቂዔኤ!  ትንፋስ ሓጺሩ ኣይምለስን ኣነስ ድሓንኩኒ።   ኣደየ!!!ኣንቲ ብርሃን ዓይነይ እንክኸይድ ንስኺ ኣብቕድመይ ንብዓትኪ ንኽጸርግ ነበረ ትሕልመይ ኣይካኣልኩን ኣነ ዘይኮነለይ ተወዲኡ ናብራ ኣብ

ኣደይ ቅበጽኒ!!!!!

ኣደይ ቅበጽኒ!!!

ኣደይ ቅበጽኒ!!!

 

ከይደ እየ!! ኣነስ ኣኺሉኒ

ጥይት ዓደይ ቀቲሉኒ

ዓሳ ድዩ ባሕሪ ዉሒጡኒ

ምድረበዳ ሑጻ ደፊኒ

ጋለዶ ናይ ሊብያ ቆሪጹኒ

ሲናይ ዘሎ ካራ ጎሚዱኒ

ኣብቂዔኤ!  ትንፋስ ሓጺሩ

ኣይምለስን ኣነስ ድሓንኩኒ።

 

ኣደየ!!!ኣንቲ ብርሃን ዓይነይ

እንክኸይድ ንስኺ ኣብቕድመይ

ንብዓትኪ ንኽጸርግ ነበረ ትሕልመይ

ኣይካኣልኩን ኣነ ዘይኮነለይ

ተወዲኡ ናብራ ኣብ ዓለመይ

ኣደይ! ወላዲት ይቕረ ግበርለይ

ንብዓትኪ ንኽጸርግ ነበረ ትሕልመይ።

 

ወላዲተይ ረኻቢት መከራ

ክትወልደኒ ብዙሕ ተሸጊራ

ከተዕቢ ኣብ ዝባባና ጸይራ

ምዓንጣኣ ብገመድ ኣሲራ

ኣዕብያትኒ ብሓሳረ! መከራ

ዘይዉዳእ መርድእ በብተራ

እህህህህ ትብል ሓዘን ጸይራ።

 

ኣቦይ ቅበጸኒ!!!

 

ኣኺሉኒ ዓለም ጠሊሙኒ

ዝተመነኹዎ ኣምላኽ ከሊኡኒ

ኣቦይ መዓረይ ምሐረትካ ሃበኒ

ሓደራኻ ከይትቕየመኒ

ኣይከኣልኩን ሃገር ሓሲሙኒ

ተስፋ ዘይርከቦ ስለ ዝኾነኒ

ባርነት ጸሊኤ ኣነስ ይኣኽለኒ

ሃጽ ኢለ ንዓይ ክሕሸኒ።

 

እንክሪኤካ ገጽካ ተጸውሊጉ

መሳቱኻ ብኩናት ዝተወጉ

ሕጊ ዝሓተቱ በባትር ተሰጉ

እሕሕ ንዝበለ ካብ ዓለም ተሰጉ።

 

ገዲፈያ ኣደይ ኣብ ገዛ

ምሉቕ ኢለ ከምዛ ዋዛ

ነይ ወሰድኩ እኳታ! ኣጟዛ

ይነፍር ይሓድር ከም ራዛ

ንስድራይ ገዲፈሎም ቃንዛ።

 

ኣደይ ሓደራ ተዓተቒ ብስልኪ

ኣይትንብዒ ከይትበኽዪ ደኒንኪ

ዉጽእሞ! ኣብ ቕርዓት ተገቲርኪ

ኣደታት ንኹለን ኣኪብኪ

ንገሪ ንዓለም ዘልኽዮ ሕሰምኪ

ይእከልክን ባርነት ንሓርነት ሃልኪ።

 

ጎራዞ ኤርትራ ክትድፈር ኣብ ሲና

ሕጊ ሓሪሚዋ ትበኪ ደኒና

ቆልዓ ናይ ዓመጽቲ ኣብ ዝባና

እምቢ ንዝበለት ተረሺና

መራሒ ስኢኑ ይሽገር ህዝብና።

 

ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ግበር

ክሳብ መዓስ ኢኻሞ! ክትሽገር

ሕበርንዶ!! ጸላኢ ክሽበር

በበይንኻ ኣይትበል ዓንገረር

ተላዘብ በብዘለኻዮ ስመርር

ይኣኽለና ብርሰት ሃገር።

 

ተኻፋሊ ሓዘን

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ዘብሄረ ሰራየ

ኢንድያናፖሊስ  ኢንድያና

05/5/2015

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • hara May 5, 2015

    ewanawi gtmi
    nhnas ab gizena keydeye ruba tesagire mama kabaki hagerey afkire…
    endazemerna kingadel n tseAzega weridna, ayseletenan gn,
    LOMI QANQA TEKEYRU

  • estifanos tesfahammes May 6, 2015

    very important and timely message

  • msge September 16, 2015

    great poem but i don’t like ‘the bihire SERAY’ felalay aytikun AYEGEDISN eyu: keep your prof. You have amaysing talent.

Post a Reply to hara Cancel Reply