Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣኼባ መድረኽ፡ ስለምንታይ ኣብ ከንያ?

ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ሃገር ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ እንተ-ተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ዝምረጽ ኢዩ። ከም ስርዓት-ህግደፍ ዝኣመሰለ ህልም ዝበለ ዲክታተር ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ንኽካየድ ስለ ዘየፈቅድ ግን፡ ኣብ ሓደ ጎረቤት-ሃገር ክካየድ ናይ ግድን ይኸውን።ኣብቲ ዝሓለፈ

ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ሃገር ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ እንተ-ተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ዝምረጽ ኢዩ። ከም ስርዓት-ህግደፍ ዝኣመሰለ ህልም ዝበለ ዲክታተር ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ንኽካየድ ስለ ዘየፈቅድ ግን፡ ኣብ ሓደ ጎረቤት-ሃገር ክካየድ ናይ ግድን ይኸውን።ኣብቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልስና’ውን ብዘይካ ሓገዝ ጎረቤት ሱዳን ናጽነት “ኣይምተረኽበን” እኳ እንተ-ዘይበልና ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምኾነ ነይሩ። ግደ ጎረበት-ሃገር ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ዕዙዝ ኢዩ ክብል ስለ ዘደለኹ ኢዩ።

ባይታን ደገፍን ጎረበት-ሃገር ኣብ ሓደ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ስተራተጂካዊ ኢዩ።

ሀ) ኩነታት ዉጹዕ ህዝብኻ ብቐረባ ምክትታል ይከኣል

ለ) ሰብኣውን ነገራውን ሓገዝ ብቐሊሉ ክርከብ ይከኣል

ሐ) እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ካብ ጎረቤት ዓዲ ናብ ውሽጢ ብቐሊሉ ይልሑኽ

ምስ ኤርትራ ዝጓራበታ ሃገራት መነ-መን ኢየን? ብመሬት ምስ ኤርትራ ዝጓራበታ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጂቡትን ኢየን። ጂቡቲ ኣቶ ኢሳያስ እንተደለየ ዝጎብጣ እንተደለየ ዘፋራርሓ ንእሽቶ ሃገር ኢያ። ብዓይኒ ኤርትራ ኣብ ጂቡቲ ኮንካ ምቅላስውን ልሙድ ኣይኮነን።ሱዳን ኩላትና ከም እንፈልጦ ምስ ኢሳያስ ተሰማሚዓ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ማዕጾኣ ዓጽያ ኢያ። ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ከም ጎረበት-ሃገር ዕድል መቃለሲት ባይታ ዘለቶም ኢትዮጵያ ጥራይ ኢያ። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንንውሕ ዝበለ ዘመናት ከም ሓደ ህዝቢ ሓቢሩ ዝነብር ዝነበረ ህዝብታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብስጋ’ውን ተዛሚዱ ኢዩ። ብኣማኢት-ኣሽሓት ኤርትረውያን ተቐማጦ ይርከቡ። ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግሰቲ ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ እዚ ድማ  ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ሰናይ ኢዩ።እቲ ኩነታት ከምዚ ሰለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ዳርጋ ን15 ዓመት ዝኣክል ኣብ ኢትዮጵያ ባይታ ረኺቦም ዝቃለሱ ዘለው።ብርግጽ ኩሉና ተቓወምቲ ብማዕረ ኢትዮጵያ እትገበሮ ሓገዝ ዘይከዕገበና ይኽእል። ገሊና “ ኢት ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይና ኢድ ተእቶላ” ንብል። ገሊና’ውን “እትበና ሓገዝ እኹል አይኮንን” ንብል። በዚ ኮየኑ በቲ ግን እቲ ድኽመት ተቓወምትና ንወሰን ገዲፍና ኢትዮጵያ ስጋብ ሕጂ እቲ ትኽእሎ ትገብር ኣላ።ኣነ ብወገነይ ዝተኻፈልኩዎ’ኳ ምሕዝነት ከም ዝቐውም ጌራ። ዋዕላ ሃቃቂ ተኻየዱ ኮሚሸን ቆይሙ። ጉባኤ ምሁራት ኤርትራውያን ተኻይዱ። ጉባኤ ሃዋሳ ተኻይዱ ባይቶ ቆይሙ። ክልተ ግዜ ጉባኤ ምንእሰያትና ኣብ ደብረዘይትን መቐለን ተኻይዱ። እዚ ዘይካሓድ ብሓገዝ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ተኻይዱ።ብተናጸል ብዝተፋላለያ ውድባትን ሰልፍታትን ዝካየድ ጉባኤታት’ሞ ቁጽሪ የብሉን።

ከንያ ብጂኦገራፊ ምስ ኤርትራ ኣይትዳወብን።ተቓወምቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን የብላን።ንተቃወምቲ ኤርትራውያን ጸጥታ ዝምልከትውን ምችእቲ ኣይኮነትን። ህዝብን መንግስትን ከንያውን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብቀረባ ዝፈልጦ ኣይመስለንን።

እሞ ስለምንታይ ድኣ ኣባለት መድረኽ ጉባኤኦም ኣብ ናይሮቢ ክኸውን ወሲኖም? ናይዚ መልሲ ሓንትን ሓጻርን ኢያ። ኣኼባኦም ኣብ ኢትዮጵያ ክገብርዎ ስለ ዘይደለዩ ኢዮም። ስለምንታይ ኣብ ኢትዮጵያ ክገበርዎ ኣይደለዩን? ንዝብል ሕቶ ግን መልሱ ኣገዳሲ ይመስለኒ።ገለ ውድባት ብፍላይ ከኣ መድረኽ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቅላስ ህዝቢ ኤርትራ  ይቃወሞ ኢዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ስለ ዘለዎም ኢዩ፡ ይመስለኒ።ፖለቲካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተለዋዋጢ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣርኣእያ ካብቲ ብግዜ ኢትዮ-ኤርትራ ኵናት ዝነበሮ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኢዩ።ኣብቲ ግዜቲ ብስርዓት ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ዝሰኸረ ህዝቢ፡ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ጸላኢት ሃገር ኢያ ትረአ ዝነበረት። ሎሚ ግን ርግጸኛ ኢየ ግቡእ መጽናዕቲ እንተ ዝግበር ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላስ ዝቃወሙ። ነዚ መረጋገጺ እትኸውን ሓንቲ ኣብነት ከቕርብ። ምትእኽኻብ ጉጅለ ቦሎኛ ካሊእ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘይብላ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቅላስ ምቅዋም” ኢዩ።ኣባላት መድረኽን ካልኦት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾረዩ ባእታታትን ዝዋስኡላ መድረኽ ኢያ። እንተዘይ ተጋግየ ካብ ትጅመር ገለ ሰለስተ ዓመት ኮይኑ። እመኑኒ፡ ዓመት ዓመት ካብ ሙሉእ ዓለም ተዋጺኦም ዝእከቡ ካብ ሚኢይቲ ኣይበዝሑን። ኣይረድኦምን’ምበር እዚ ዘረድኣካ ነቲ ዝእከቡሉ ዓላማ ህዝቢ ስለ ዘይድግፎ ኢዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ምሰዚ ኣተሓሒዘ ሓንቲ ዋዛ ምስ ቁምነገር ከዕልለኩም። እዛ ዛንታ’ዚኣ ቅድሚ ሕጀ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ጠቒሰያ ነይረ። ሕጂውን እንተ ደገምኩዋ ሕማቕ ኣይኮነን።

እቲ ማእከላይ ወደይ መዋእል ይበሃል። ንእሽተይ እንከሎ፡ ነቲ ዝደልዮ ነገር ብብኽያት ኢዩ ዝረኽቦ። ግደፍ እንተበልካዮ ይበኪ። ንሕና ድማ ብኽያት ስለ እንጸልእ ቀልጢፍና እቲ ዝደልዮ ንገብረሉ። ሓደ ግዜ ግን በጋጣሚ መፍትሒ ረኺብናሉ። ኣብ ናይ በልጁም ተለዢቨን ናይ ቆልዑት ፕሮግራም፡ ሓደ ጨጓር ከልቢ ዝመስል እንስሳ ነበረ’ሞ ንዕኡ ክርኢ እንከሎ ስለ ዝፈርሕ “ኣጥፍእዎ” ይብለና። ቡፍ-ቡፍ ኢሉ ድማ ይሰይሞ። ካብ ሽዑ ጀሚርና ፡ ክበኪ እንከሎ፡ “ቡፍ-ቡፍ” መጸካ እናበልና ስቕ ነብሎ ነበርና። ኮይኑ ግን ሓደ ግዜ ነቲ ዓቢ ሓው ሐንቲ ቀላል ናይ ገለ ሓደ ሰዓት እተወስድ ኦፐረሸን ክገብር ናብ ሓደ ክልኒክ ወሰድናዮ። መደንዘዚ ስለ ዝገብርሉ ከይሪኦ’ሞ ከይስንብድ ኢልና፡ ንሓደ ሓውና ኣብቲ ኣካባቢ ኣጽንሓልና በልናዮ። “ግን ናብ ኣቦይን ኣደይን ውሰደኒ ኢሉ እንተበኸየ፡ ቡፍ-ቡፍ መጸካ በሎ” በልናዮ። ቈልዓ ሆየ ብዙሕ ከይጸንሐ  ዘይኸውን ነገራት “እዚ ግበረለይ-እዚ ፈጽመለይ” እናበለ ምስ ኣሸገሮ። “ቡፍ-ቡፍ መጸካ ቡፍ-ቡፍ መጸካ” እናበለ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ደጋገመሉ “ኪድ ጸዋዓዮ፡ ቡፍ-ቡፍ ክሪኦ እደሊ ኣሎኹ” ብምባል ኣብይዎ ናበቲ ዘለናዮ ቦታ ሒዝዎ መጸ። “ኣታ ሞጎስ ውዲ መርሓኖ እንታይ ድኣ ኮንካ ናብዚ ተምጽኦ” እንተ በልክዎ።”ዋእ! እታ ዝነገርኩምኒ መፈራርሒት ኣይሰርሔትን ። እንታይ ድኣ ክገብር በለኒ።

ሕጂ ድማ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመላ ዝነበረት መፈራርሒት ህዝቢ ኤርትራ “ጸላኢኻ ወያኔ መጸካ” እትብል ክትሰርሕ ኣይከኣለትን። ህዝብና ሎሚ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ዘሎ  የግዳስ “ወያኔ መጺኡ እንተ ዝገላግለና” ዝብል ውሑድ ኣይኮነን።ከምኡ ሰለ ዘኾነ ኢዩ ድማ ስርዓት ህግደፍ “ወያኔ ጸላኢኻ ኢዩ” እናበሎ ኣብ ዶብ ዘሎ ዑሱብ ሰራዊተ እውን እናተኮሰሉ ብሚኢትታት ኣሽሓት ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኮታ ኣብ ሙሉ ዓለም ዘሎ ህዝበብና በሽሓት ከም ካልኣይቲ ሃገሩ ብምውሳድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣባላት መድረኽን ናይ ህግደፍ ዑሱብ ዝኾነ ወናኒ መሰከረምነትን መጺኦም ክሪእዎ ንዕድሞም።

ካሊእ “ኢትዮጵያ ዶብ ምሕንጻጽ ስለ ዝኣበየት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላስ ኣየድልን” ዝብሉ ኣለው።ኣብ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ናይ ዶብ ሽግራት ዘለወን፡ ግን ከኣ ንግዜኡ ናይ ቁጣባዊ ዝመድናታት ከም ዘለወን ብሰናይ ጉረብትና ይነብራ ከም ዘለዋን ንዕዘብ ኢና።ምኻን ኳ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ሽግር ዶብ ዘይኮነስ ሽግር ፍትሕን ደሞክራስን መሰልን ኢዩ። ዶባትና ምሕንጻጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተኸልና ነርክበሉ ኢና። ንሕና ህዝቢና ይጠፍእ ኣሎ፡ ህዝቢ ነድሕን፡ ሃገርና መንእሰይ ኣልባ  ሃገር ትኸውን ኣላ ንብል። ስርዓት ህግደፍ ኣሊና፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ነረክብ ንብል።”ቀዳምነት ዶብ ምሕጻፅ ኢዩ” ይብሉና። ኣነ ግን እዚ ኣበሃህላዚ ካብ ኣበሃህላን ኣተሓሳስባን ስርዓት ህግደፍ ዝፍለ ኣይኮነን።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ከቐርብ እንከሎኹ ንስለ ምቅዋም ኢለ ኣይኮንኩን። እዚ ኣኼባዚ ኣብ ከንያ ምግባር ትርጉም ስለ ዝሰኣንኩሉ ኢዩ። ንኣኼባ ዝተዓደሙ ኩሎም ኣባላት ውድባትን ሰልፍታትን ካብዚ ካብ ኣዲሰ ኣበባ ኢዮም ከይዶም ። ፖለቲካውን ቁጠባውን መኽሰብ ክርከቦ ዝኽእል ኣብዚ ኩሎም ውድባትን ሰልፍታትን ዘለውዎ ቦታ ምስ ዝግበር ኢዩ ነይሩ።ውጽኢቱ’ውን ዲሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ ሹዱሽተ ወይ ሸውዓተ ውድባት ከም ዘይተኻፈልዎ ኢዩ። ቀጺሉ እዚ ኣኼባዚ ካብ ሲቪክ ማሕበራት ከምዘየካፈለ ኢዩ።በዘን ክልተ ነጥብታት እዚኤን ጥራይ መድረኻዊ ኣኼባ ናይሮቢ ጉድለት ከምዝነበሮ የረድእ።

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

03-12-2015

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • ኣርዓዶም December 4, 2015

    ክቡር ሓው ኣድሓኖም
    ነዛ ሓቒ ብሓቒ ብምውጻካን በቲ ብሱል ኣጸሓሕፋካን ውርዙይ ኣዘራርባኻ፡ ኣዝዩ ደስ ዝብል ኢዩ። ብሓፈሽኡ እቲ ሓቒ`ውን ከምዚ ዝበልካዮ ኢዩ። መድረኽን ካልኦት ናይ ፖለኛን፡ ያኢ ልዕሊ ሰቦም ሓለይቲ ክመስሉ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ፈኸራን ትሃዲድን ህግደፍ ኣምበርኪኽዎም፡ ኣብ ሃገር ጎረቤት ኢትዮጵያ ኮይንካ ቓልሲ ኣይካኣልን ኢዩ ክብሉ ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ፡ ካብ ቆልዑ እቶም ዝሃለዩ ቖልዑ ኮይኑ ይርኣየካ።
    ኣብ ከንያ ኮይንካ ከ ብተወንጫፍ ድዩ ወይስ በቲ ኩሉ ግዜ ዝግዕር ጎረሮ ክክኣል ! እንድዒ መቸም !

    ልክዕ ኢዩ፡ ኢትዮጵያ ምሉእ ደገፍ ንተቓውሞ ኣየበርከተትን ክብሃል ይክ ኣል። ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገብሩ ኣኼባታት፡ መብዛሕትኦም ምትእትታው ወያነ ወይ ኢትዮጵያ ኣለዎ፡ ተባሂሉ፡ እቲ ቓልሲ ከምቲ ዝድለ ክኸይድ ኣይካኣለን። ከም ኡ`ውን ኢትዮጵያ ንገለ ተቃወምቲ ሓለፋ ንገለ ድማ ከም ኡ ዘለፋን ምፍርራሕን ስለትገብር፡ እቲ ቦታ ንመበገሲ እምበር ንመረዳድኢ ዝኸውን ኣይመስለንን።

    ይኹን ግን ከንያ ተኾነት እውን ናይ መረዳድ ኢ ክትከውን ትኽእል ኢያ፡ ናይ መበገስን መጥቕዕን ክትከውን ግን ኣይትኽእልን ኢያ። ህግደፍ ቐንዲ ዝፈርሓ ነገር ተሃልዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ኣኼባ ዘይኮነስ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ ሓይሊ ተቓውሞ ኣፍሪሕዎ ኢዩ፡ ወያነ ጸላእትካ ኢዮም፡ ወያነ ወያነ እንዳበለ ህዝቢ ዘደናግር። እቲ ህግዝቢ ግን ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ከፊእዎ ኣይፈልጥን።

    በዚ ይኹን በቲ፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ፡ ንሓድነትን ስምረትን ክከውን ኣንዳተመነኹ፡ መሬት ኢትዮጵያ ከይረገጽካ ዝመጽእ ሓርነት ተሃልዩ’ውን ናይ ብሓቒ ይድግፍ። ይኩን ግን ምስ ክውንነት፡ ምስ ህዝቢን ሃገርን ኢትዮጵያ ጎረቤትና፡ ተዛቲኻ ፍታሕ ንምፍጣር ፈንጠርጠር ክትብል ከለኻ`ውን ዝሓሸ ኢዩ።

  • habtom December 4, 2015

    Mr. Adhanom, your article is not bad but don’t be emotional .if you really stand against hgdef, you shouldn’t attack MEDREK . Why Kenya it’s a good Question. but you said since Medrek established there are few in number you said not more than 100. OKY my Question to you Mr. ADHANOM which opposition group is large in number? And What positive impact they have? Any good results because of large in number? Second you said qusubat for the defense force of Eritrea. Morally and politically is wrong. I disagree with two points 1. You trying to underestimate medrek 2. the word . Qusubat . I didn’t see any opposition parties have played a big role to dismantle the dictator. Thanks.

  • ambabi December 4, 2015

    Nice Mr Adhanom, however how come you trust Ethiopia as long as they have the appetite to take our sea ports. Have you discussed with Ethiopia how our relations will be after the dictator ? Does really Ethiopia want to see a democratic Eritrea and why do they involve and force the ideology of disintegration in the future of Eritrean constitution. Why do they support Kernelios / kunama independence ? Do you think the people of kunama are more oppressed than the people of Asmara or kebesa ? who is leaving the nation in thousands every day? I personally Ethiopia has to be more clear and frank in helping and how it looks the future ethio-eritra relations. I am sick and tired of PI and I can not wait to see the dictator go soon, however I am always suspicious about Ethiopian support and involvement in our movement against the dictator trust me the majority of Eritrean population are in favor of my view. Good lack to the people of Eritrea we do not deserve this.

    • Asgedom berhe December 4, 2015

      Ambabi
      U will need a base & channel & u can not use Kenya for either. How do u want to fight. By protesting on streets of Europe & USA. Come on & be pragmatic. We helped weyane but we don’t have influence on ethiopia. We did not even try to take badme till we were told to stop stealing their coffee

  • AHMED SALEH December 4, 2015

    Adhanom
    I do not think it brings constructive solution in this manner before
    we ask explanation from those people in question . And we must show
    willingness on theory of agree to disagree kind of approach among
    different point views . As you said many Eritreans disapprove the
    relationship of opposition and Ethiopian government that created
    current atmosphere of mistrust and division . Now , if these group
    held the meeting outside Ethiopia does it bring a little relief to
    those undecided silent majority suspicion ? Myself , I observed
    many Eritreans who seem uncomfortable with opposition credibility
    because for too long HGDF politics brainwashed their mind .
    The whole aspects of Eritrean sociopolitical had been contaminated
    that leave us to experience the up – down game circus and observe
    some opposition members in Nairobi meeting expressed their critics
    on tightly controlled political movement in Ethiopia and the need
    for broader ground to maneuver in neighboring countries . And there
    is not any wrong to look at every direction for alternate route than
    kept in one position . Therefore , in addition of Ethiopian govt.
    support to search for political relationship with Kenya , Djibouti ,
    Somalia and Sudan was our opposition leaders missed to accomplish .
    Anyway , I can’t comment in regard that meeting since they didn’t
    share information with general public but for time being I prefer to
    reserve my judgement .

  • Teclay December 4, 2015

    “ስለምንታይ ኣብ ከንያ?”
    In my opinion to held a meeting in Kenia (Est Africa ) is not a problem at all.Had it been in Mexico or in Japan it would not have any problem too .So,the problem is not where a meeting held but have they any tangible agenda to solve the deep rooted Bahre-Negassian problem ???= the Answer is No :NO. As the problem is in our our head and it is chronic nobody can solve it .

  • tombossa December 4, 2015

    Mr. Adhanom,
    The story is interesting. Interesting not in the way you described it, but otherwise. Your middle son Mewael probably has taken after you. Or i would rather say you are behaving exactly like your son. ኣነ ዝደልዮ እንተዘይኮነ…ኢልካ ኢኻ ትበኪ ዘለኻ። ኣነ ቃልሲ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ክኸዉነ ዝደልዮ እሞ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቃለስ ኣለዉ በልካ። ተዘይኮነ ክጽሕፍ እዩ…ክበክይ እየ…ኢልካ ኣፈራራሕካ። እቲ ብኽያት ክትገድፎ ኢሎም መቸም መድረኽ ዝቅጽል አኼቦኦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣይገብርዎን። Anyways, it is sad that people of your caliber could go this low. These people don’t agree with a point that Eritreans should fight/oppose the regime from Ethiopia. Period. They have not said anything about YOU opposing the regime from Addis, did they? You guys are still enslaved by Isayas’/PFDJ’s egoistic and I-know-it-all mentality. It would have been fruitful if the energy, time, and ink you wasted in attacking Medrek were used to attack Isayas.ዝኾረዩ ድማ በልካ። ንኢትዮጽያ ንዝምልከት ካብቲ ናትካ ዝተፈለየ ስትራተጂ ስለ ዘለዎም፡ ኮርዮም ኢልካዮም። ምናልባት ደኣ አብቲ ኣኼባ ዘይተጸዋዕካ ኮሪኻ ከይትኸዉን። እንተኾነ ክጽዉዑኻ ኔርዎም። ንሶም ኣቢሶም። ከምዚ ቆልዑት ገዛዉቲ ክበኣሱ ከለዉ ዝገብርዎ ጌርኩሞ። እቲ ዉልቃዊ ጽልእታትኩም ስለምንታይ እዩ ኣብቲ ፓለቲካ ዝኣቱ እዞም ንኣሽቱ ምርዳእ አቢዩና። ቀደም “ምሕረት የዉርደልኩም እዞም ደቀይ ይበሃል ኔሩ”፤ ሕጂስ እቶም ንኣሽቱ “ምሕረት የዉርደልኩም ዞም ኣቦታት ክንብል፡”። ዘበነ’ያ ግርምቢጥ እዩ ነገሩ።

    • Habtom December 5, 2015

      Wow tombossa thank you.beautiful message.

  • Sara December 4, 2015

    they are hgdf extension, they want reconciliation with issais….the game is over with them. they are former hgdf top members and they are still demonstrating the same attitude

    • AHMED SALEH December 4, 2015

      HGDF extension > Weyane extension > shonkolel chrchr abede
      equals big zero . Welcome to African style political game
      field to use innocent people as kicking ball to score goooool .
      For heaven sake , have we seen any progress that gives hope from
      our so called opposition leaders in Ethiopia to criticize others ?
      Now MEDREKH suddenly become obstacle to the movement ! I don’t
      think so . In fact time requires every justice seeker to involve
      in this fight to dismantle barriers that hold down the process .
      Adhanom stated by saying ” our people inside the country wish to
      see WEYANE save them ” . As far as I oppose HGDF regime , it is
      wrong to give false informationa

  • rezen December 4, 2015

    “NO. As the problem is in our head and it is chronic nobody can solve it .” >>> Teclay

    YES, Eritrea is so griped with ‘fear’ that it refuses to face the REALITY OF ITS OWN HISTORY with all its treachery and deception by so many self-centered age-old dreams. The rotation of the meeting roulette is not going to solve Eritrean problem but only to increase the agony of Eritrea to its ultimate shredded entities.

    • selamawit2 December 5, 2015

      “self-centered age-old dreams” = the dreams of some Ethiopian Oppossition groups who (in their heads!) still live in the time before 1960. Wake up mister – it is the year 2015!!!
      We will hopefully have a very good relationship with Ethiopia BUT no rebirth of an Amharic monarchy nor an other kind of annexation of Eritrea.

      • AHMED SALEH December 5, 2015

        Self centered old dream ;
        – Assab belongs to us , abyot -abyot Ethiopia tikdem
        – BADME , TSERONA, KEREN belong to us abyot-abyot WEYANE tikdem
        – Gold from Bisha shared gain abyot-abyot DEMHIT tikdem
        Who is still asleep deep in a dream that can’t see Eritrean flag
        represented in United Nation ? Nowadays we hear strange talks .
        Memory of old timers song rang into ear goes like this ,
        Abti ghezana ABI hidmo Tukhan kunchi meliemo
        By female singer not sure to name which one .

  • Delai Fithi December 4, 2015

    Ato Adhanom,

    Thank you for clarifying who you are. Your loyalty to Ethiopia appears to be more than you have for Eritrea–if any.
    Your comparison of Sudan, during the independence struggle, with Ethiopia is ludicrous and reveals an important aspect of your campaign and relationship with Ethiopia.
    Why Kenya? Kenya does not have the ambition of disintegrating Eritrea and occupying at least parts of it. We don’t have the history we have with Kenya that we have with Ethiopia. When you have a meeting in Ethiopia, you are not only dealing with PFDJ but also with Ethiopia’s agenda, which is separate from mainstream Eritreans who simply want to get rid of PFDJ and regain their country.
    What part of this thinking don’t you understand? I think even a child knows this unless of course one is pandering and working for the TPLF.

  • negash December 4, 2015

    Ato Adhanom you are frank and you seem to know the inside out of many opposition org. I once heard someone tell MEDREK ” If you happen to grab power in Eritrea your first task would be to visit Ethiopia and start relations, but now you know that EPRDF in principle might not accept MEDREK as the present regime’s brokers.”

1 2 3

POST A COMMENT