Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ። ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II
ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ።
ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ ፍትሒ፡ ኣሰና ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጽሑፍናን ኣቀራርባናን፡ ኣመላኽታናን፡ ዓላማናን ሓደ ካብ ኮነ፡ ክንመሃሃርን፡ ክንመዓዓድን፡ክንነቓፍን፡ክንደጋገፍን፡ ክንረዳዳእን፡ ሓበረታ ክንወሃሃብን፡ ናይ ኩላትና ሓልፍነት እዩ።
ኣቶ ወልዱ፡ ህድእ ንበል፡ ዘርእስቱ ኣብ ዝጸሓፎ ከመስግኖ ይፈቱ። ቀዳማይ ቀልጢፉ ንዝገበሮ ጽሑፋዊ መደረ ኣብ ሕብረተሰብ ኮነ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዘየድሊ ኣተራጓጉማን ኣረዳድኣን፡ ስለ ዝፈጠረ ይቕረታ ብምሕታቱ ቅቡል ስጉምቲ ወሰደ። ዝምስገን ቖራጽን፡ ተባዕን፡ ስጉምቲ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ክዛረቡ ከምዚ ይብሉ፡ ወዲ ጭዋ ዓደቦ ዓገብ ክብልዎ ኸለዎ ቀልጢፉ ይእረም። ዓደቦይ ኣይትሓዙለይ! ከጉህየኩም ኣይግባእን በዲለ ኣለኹሞ ምሓሩኒ ይብል። ኣቶ ወልዱ፡ ብትብዓትካን ብጻዕርኻን ብቓልስኻን ከመስግነካ ይፈቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከብርሆ ዝደሊ፡ ንሓቂን፡ ንፍትሕን፡ ዝቃለስ ምድጋፍን፡ ምምካርን፡ድኣምበር፡ ንማንም ሰብ፡ ሕጊ ዝረግጽን፡ ወጻዕን ዝኾነ ሰብ ዝቃወምን፡ ወይ ድማ ወጻዒ ተግባራት ዘለዎ ዜጋ ዝድግፍን፡ ዝጣበቕን ኣይኮንኩን።
ንኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ ተጣቢቕካ ንዝብል፡ ኣይፋሉን ኣነ እዃ ድኣ፡ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ይነቕፎ።እንተኾነ ግዳ ኣቶ ኣለም፡ እናሰምዔ ዝደቀስ ነቕኒቕካ ነይተተስኦ፡ ስለ ዝኾነ ዝልወጥ ወይ ዝቕየር ሰብ ኣይኮነን። ኣቶ ኣለምን ዝኣጎለ እንቛቑሖን ሓደ ገይረ፡ እየ ዝወስዶ። ዝኣጎለ እንቛቑሖ፡ ደርሆውን ኣይትሓቑፎን እያ፡ ጠቢስካውን ኣይብላዕን እዩ። ተግባር ኣቶ ኣለም ይጋሓፍ ጥራይ እዩ። ኣቶ ኣለም ተግባሩ ጉሓፍ እዩ፡ ከም ሰብ ግና ሰብኣዊ ክብሩ ክንሕልወሉ ግደታ ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ብኢደ ወነናና ሕጊ ክንወስድ ወይ ስጉምቲ ክንወስድ መሰል የብልናን። ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቖምናሉ እዋን ብሕጊ ዘኽስስ ገበን ዘርዚርካ ክኽሰስ ይካኣል።
ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝገበርክዎ መልቀስ፡ ተግባሩ፡ ክፍኣቱን፡ ተጋድሎኡን፡ ትብዓቱን፡ ሃገራውነቱን፡ መንነቱን፡ ጉድለታቱን፡ ብመልቀስ ቀሪቡ እዩ። ምስ ሞተ፡ ኣብ ዓዱ ንኸይቅበር ክኽልከል ከሎ ግና፡ ናይ መሰል ሕቶ እዩ። ፍትሓውያን ተቓለስቲ ምእንቲ ፍትሒ ወጽዓ ወድሰብ ጠጠው ምባል ትብዓትን ጭውነት እዩ።
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፡ መጀመርያ ከም ሰብ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ ዋሲንግቶን ዲሲ ብ1992  ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ። ኣነውን ዝነበርክዋ ሽማግለ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ንኣስመራ ዩኒቨርሲት ሓገዝ ሓቲትና፡ ኣጆኹም መጺእኩም ውሰዱ ዝብል መልሲ ተዋሂቡና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣቶ ዓንደብርሃን  ናይ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ፕረሲዳንት፡ ብምንባሩ ኩሉ ሰብ እንታይ ከበርክት ዝብል ፍናንን ስምዒት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ዝነበረ ኣገባብ ኣዘራርባ ደሲነት፡ ብጻይ ዓንደብርሃን መጽሕፍቲ ንረክብ ኣለናሞ! ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቀዳምነት ዝዋሃቦም ፋካልቲስ ንገረናሞ! ዘድሊ መጻሕፍትን መሳርሕን ክንሰደልኩም ኢሉ ካብ ሽማግለ ምስ ሓተተ?
ብጻይ ዓንደብራሃን ዝሃቦ መልሲ፡ከምዚ ነበረ፡ መኤከብ ጎሓፍ ኣመሪካ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እዚ ኣብ ሃርቫድ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረ ሰብ፡ እዝስ ኣብ ዚ ሃገር ተማሂሩ ዝባሃልሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ መጸኒሞ! ቀብጽክዎ። እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ እዚ፡ ሰብ መጽሓፍ ኣንቢቡ ንኸይፈልጥ ዝኽልክል፡ ቀጺሉ ኣይውዓለ፡ ኣይውሕደረ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እንታይ ከምዝገጠመ ኩሉ ዝፈልጦእዩ። ኣምባሳደር ዝብሎውን፡ ናይ ሃገር መዓርግ ስለ ዝኾነ እየ! ኣምባሳደር ዝብሎ ዘለኹምበር፡ እዚ መሃንድስ ድንቁርና፡ ሃገር ኣብ ጸላም ዘእተዉ ሙሁር፡ ኣገልጋሊ ናይ ጥፍኣት፡ ኣካል ናይ መብረስቲ ዓዲ እዩ። ነዚ ጽዩፍ ተግባር ዝፍጽም፡  ነዚ እከይ ዝተግባሩ ኣይድግፎን እየ። እንተኾነ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሕጋውያን ስለዝኾና፡ መሰል ኩሉ ዜጋ ክንሕሉ ብሓላፍነት ንሕተት። ኣብ ቤት ፍርዲ ወስድካ ካብቶ ዝኽሰሱ ሓደ ምዃኑ ግን ኩሉ ዜጋ መዛግቡ ክሕዝ የማሕጽን።
መድረኽ ብቕንዕና ንህዝብና ከነገልግል ተዓጢቕና ኣለና፡ ዝሓለፈ ተግባርና ኮኒንና፡ ኣብ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ፡ ከቢድ መሪርን ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ሕዝብና ኮና፡ ክንቃለስ ተቐሪብና ኣለና። እንተድኣ ኢሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ክኣምኖም ዝኽእለሉ መርዳእታን፡ መግለጽን እንተድ ኣ  ኣቕሪቦም፡ ህዝቢ እንተ ተቐቢልዎም፡ ከም ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምቕላስ መሰል ኣለዎም። እዚ ክንብል ከሎና ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ተግባሮም፡ ኣብ ምጽናት ሃገር ኣብ ዝተገብረ፡ ጉዕዞ ብሓላፍነት ዘሕትቶም ምዃኑ፡ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዞም ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኮነ ኢሎም፡ እንተ ብጸቢብ ጥቕሚ ሰሲዕም፡ እንተ ጸቢብ ወገናዊ ኣትዓባብያ፡ ወገን፡ ከባቢ፡ ኣውራጃውነት፡ ኣጥቒዕዎም፡ ዝገብርዎ ምትላልን፡ ምድንጋርን፡ ብቐሊሉ ዝርኤ ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ ከም ወር ዝንገር ወዲ ብዓታይ፡ ኣብ ኣዋሳ 600 (ሽዱሽተ ሚእቲ) ኤርትራውያን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ኣብ ገብረስላሴ ሆተል ዓራት ሒዙ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ቀረባ ኮይኑ፡ ይከታተል ከም ዝነበረን ሓበረታ ኣሎ፡ ይብሃል።
እንታይ ክንዕዘብ ንኽእል፡ ወኪል ኢሳያስ ዕሉል ሽፍታ፡ መጽነቲ ሃገር ስለላ የካይደሉ ምንባሩ አዩ ዝሕብር። ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ሰብ ባጀላ፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ዓቢ ኢድ ከምዘለዎም ክንፈልጥ ይግባኣና። ሕጂ ግና ሓበረታ ኣብ ምእካብን፡ መን እንታይ ገበረ ከነ ስተውዕል ጥራሕ እዩ ግደና።
መጀመርታ ከብርሆ ዝደሊ ኣነውን ተቓላሳይን መምህርን፡ ንፍትሒ ኢለ ስለ ዝኣምን፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ድማ ከመይ ገይሮም ይበልሑን፡ ይበስሉን፡ ከም ኩናት በላሕቲ ኮይኖም፡ ኣብ ኣእምሮን ቀልብን፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓትን፡ ህዝቦምን ተቐባልነትን፡ ተኣማመንነትን፡ ክረኽቡ እዩ። ከምኡ ድማ መኺሮም ከስምዕሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምሕባር፡ ክእለተይ ከበርክት እዩ ድልየተይ። በዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ እንጽሕፎ ኮነ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣዘራርባና፡ ኣብ መግለጺና፡ ኣኽብሮትን ትሕትናን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽበርቲ ሕግን፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ መሃርትን፡ ዕጉሳትን፡ ሓለይትን፡ ክንከውን ናይ ግድን እዩ።ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስን፡ ክትዓትን፡ ብኣፍልጦ ዘለዎ ኣገባብ፡ ብትዕግስትን ብልቦናን፡ ተቓለስቲ ክንከውን ከለና የኽብረናን፡ የኹርዓናን፡ የተኣማምነናን እዩ። መሲሉኒ፡ ኢሎምና፡ በልካ ለኽዓካ፡ ዝድገም ዘይኮነ ዘረባ ብደለይቲ ፍትሒ ክቐርብ የብሉን። ጽፈትን፡ ሓቅነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽብሮትን፡ ላዛን ትዕግስትን እዮም መሳርሒና።
ከምኡ ድማ፡ ፖሎቲካውን፡ ሕጋውነት ፈላሊኻ ምፍላጡ ድርብ ሓልፍነት ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝኾነ ክንግንዘብ ይግባኣና። ምኽንያቱ ንሕና እዞም ደለይቲ ፍትሒ እንባሃል፡ ነቲ ተወጺዑ እናሃለወ ወጽዓኡ ክፈልጥ ዘይከኣለ ከነፍልእጥ ናህና ግደታ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ንሕና መጀመርያ ንነፍስና ሓራ ከነውጽእ ከቢድ ቃልሲ እዩ። ንነብስና ሓራ ምስ ኣውጻእና ኢና ንኻላኦት ዜጋታትና ሓራ እነውጽእ።ሓቀኛን ፡ ፍትሔኛን፡ትብዓተኛን፡ ብምዃና ተኣማንነትና፡ የደልድሎ፡ ፍርሒን ራዕድን የጥፍእ።
ሓደ ሰብ ኣነኮ ደላይ ፍትሒ እየ!!! እንተድኣ ክብል ኮይኑ፡ ሕጊ ዘኽብርን፡ ዝመጾ ዝፈልጥን ምስ ዝኸውን፡ ዋላውን ነቶም ዝጸልእዎ እንተኾነውን፡ ሰብኣዊ መሰሎም ንኸይድፈር፡ ንኸይግፈፍ፡ ንኸይቕንጠጥ፡ ምስ ዝከላኽ እዩ። ፍትሓውነት ዝኣምን ኣብ  ወገነይ ወገንካ ዝምባለ ከሕድር የብሉን።  ሰብ ፍትሓዊ እዩ ክበሃል እንተኮይኑ ሓቅነት ፍትሓውነት ግሉጽነት ከዘውትር ይግባእ። “(ጸባ ላም ይፍላሓ ጸባ ጤል ይጽንሓ) ክኸውን የብሉን። ጸባ ክፈልሕ እንተድኣ ኮዩ ኩሉ ክፈልሕ ኣለዎ።
መደምደምታ፡ ንደለይቲ ፍትሒን ተቓለስትን ኣብ እንገብሮ ዕለታዊ ጉዕዞና፡ ህግደፍ ዘፍረሶ ክንሓንጽ፡ ህግደፍ ዘርስሖ ከነጽሪ እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣዕነውቲ እዮም፡ ኩሎም ግና ኣይኮኑን፡ ንኹሎም ኣብ ሓደ ደምበ ኣይነእትዎም፡  ህግደፋውያን ክንብል ከምዘይብልና፡ ህግደፋውያን ኣብ ሞንጉኦውን ንጹሃት ክህልዉዎም ስል ዝኽእሉ፡ንጹህን፡ ወጻዕን ዝኾኑ ክንፈላሊን፡ ከነለልዮም ናህና ብቕዓትን መንፍዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፡  ድርብ ሓልፍነት ስለ ዝኮነ ብምዝካር፡ ነዚ ፈሊጥና ተጠንቒቕና፡ ቃልስና ኣመሃህራና ከነማዕብል ሓልፍነትና እዩ።
እቲ ዝኸበደን ኣድካምን ኣከራኻሪን፡ መሕረቕን መነደርን ዝኾነ መሰል ዲሞክራሲ እዩ።ዲሞክራሲ ማለት ነቶም ዘይትፈትዎን ዘይፈትዉኻን፡ መጻርርትኻን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣኽቢርካን፡ ኣሔንቒቕካን፡ ተኸናኺንካን፡ ተጸሚምካን ከተሕድሮም እዩ። ብዝሒ ስለ ዘለና ተዓዊትናሞ! ኣበይ ከይበጹ ክብሃል ኣይከ ኣልን፡ ህዝባዊ ሓይልልታት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሕግን ዲሞክራስን፡ ሕጊ ካብ ቀደሙ ከየኽበረ ስል ዝዓበየ፡ እንሆ ገቢሉ ህዝብና የብርስ።በጀካይ መን ኣሎ እናበለ ንዓለም ከቖናጽብ ከስተናዕቕን ይዉዕልን ይሓድርን።ኩቡር የኽብረካ ዓቕሚ ነብሱ፡ ሕሱር የሕስረካ ዓቕሚን ነብሱ ከም ዝብሃል፡ ኣኽበርቲ ዳኣምበር ነዓቕቲ ክንከውን የብልናን።
 ኤርትራ ሃገርና፡ ሕጋውን፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲያዊት ክትኮነልና እንምነያ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ  ዘርኢ ሕጂ እዩ ዝዝራእ፡ እቲ ፈልሲ ዲሞክራሲውን ድማ ሕጂ እዩ ዝትከልሞ፡ ካብ ሎሚ እዩ ክዝራእን፡ ክትከልን ዘለዎ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ንዝርኣዮን፡ ንትከሎን።
ዝዘራእካዮ ትሓፍስ ይብል ቅዱስ መጽሓፍ እሞ! ሰናይ ንዝራእ፡ ክርዳድ እናጸሃና ንኺድ።
ኣነውን ከይተፈለጠኒ ኣቐይመኩም ከይከውን እሞ! ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ተቓላሳይ ይቕረታ እሓትት።
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 20  ለካቲት2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • Zufana February 20, 2014

    Medrek leaders and Alem Goitom (gahaf), their guilt is eating them badly.
    Each man must live and die by the sum total of his own work/actions. Alem Goitom
    is a man of no shame and no principle himself and will be judged by his own work/
    actions. Everything will be determined in a just, democratic, rule-of-law Eritrea.

  • ahmed saleh February 20, 2014

    Blocked
    You can not correct wrong with wrong . It was better if you put your
    objection in civilized manner.

  • ኣግኣዚ ተወልደ February 20, 2014

    ጭዋ’ሲ ተዛሪቡ የስምዕ፣ ሞጕቱ ይረትዕ… እነሆ ንገሌና ኣቦና ንገሌና ድማ ኣያና፣ ዝኾኑ…ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤ ተቐማጣይ ሃገረ ኤመሪካ ወደባት ኤርትራ ዓዲ’ዃላ ሰራየ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፣ ብሓቂ ንዝደቀሰ ዘበራብር፣ ንዝዓውፈ/ዝተደናገረ፣ መገዲ ቅንዕና ዝሕብር፣ ንፋትሓዊ፣ ቃልሱ ከበራትዕ፣ ከምስንቂ ዝዕንግል..ብሓቂ ሃናጺ ምኽርን ኣስተምህሮን’ዩም ሂቦምና ኣለዉ ሓደራ ኩሉኸም ተቓለስቲ ንፍትሓዊ መቐይሮ ንበብዎ።
    ንሕና ኤርትራውያን፣ ብኹሉ ተበዲልና ኢና፣ ባህልና ያታና፣ ክብርና…መንነትና ኮታ ኣየናይ ውርሻ ኣቦታትና’ሞ ብተበለጽትን መንደልሓቕትን ዘየትደፍረ። ድኹም ስሚዒታትና መዝሚዞም፣ ነንሕድሕድና እናተሓማመናን፣ እናተጣራጠርናን፣ ኣነ ዶ ንስኻ ክንበሃል፣ ተበልጽቲ ዓጽምና እንዳጋሃጹ ብኹርምቶም ይስሕቁና ከምኡ’ይሎም ሽርሕታት ኣሊሞም ንሕቶ ፍትሕን ሕግን ህዝቢ ኤርትራ ንዓምታት ኣብሓደ ዓንኬል ሸንኮለል ከምዝብል ጌሮም ተጻዊቶምላና ጸኒሖምን ኣለዉን።
    ሕጂ እዋን ሓቅን ፍትሕን ይቕልቀል ኣሎ ይመስል። ጭዋታት እንዳቦና ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ፣ ከምኣብባይቶ ዓዲ ብጋህዲ ስማዕ ላምዕ ክብሉ’ዮም ሚዛን ዝሓለወ ዘ፣ ኣድዎ ዘይብሉ፣ ፍርዲ ክድሕድሕዎ’ዮም። ንሕና ድማ እዞም ናእሽቱ ድማ ኣእዛና ኵር ኣቢላን ጽን ኢላን ክንሰምዕን ከነዋህልልን ሓላፍነት ኣሎና። ከምቲ ቀደም፣ ዳኛ ዓዲ ጭቃ ዓዲ፣ ዋሕስ ሃባ ኢሉ ንበዳላይ ኣብቅርዓት ዓዲ ጥርሑ ዘውጾኦ፣ ዓድን ወዲዓድን ዝኽዕብዎ፣ ኣብዚ ግዜ ቴክኖሎጂ ድማ እነሆ ኣያናን ኣቦናን ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤ ድማ ነዞም ናይ ፖለቲካ ቄናናት ዓመጽትን መንድልሓቕትን ቅርዓት ኣውጺኡ ዓገብ ይብሎም ኣሎ።
    ሕጂ ድማ ግደ ናይ ካልኦት ክቡራንን ክቡራትን ኣሓትን ኣሕዋትን ነዚ ጽሕፉ ናይ ኣያና..ከምሓድሽ ሰረት ወይ ከምእምነ ኩርናዕ ወሲዶም ካልኦት ብመንነቶም ኮሪዖም ዘኹርዑ፤ ኣያታትናን ኣቦታትና. ኣርኣያ ናቱ ክስዕቡ.ኣብሊዕሊ’ቲ ጭውነት ዝሓዘለ መንደቕ ጽሑፉቱ፣ ምሩጽ ሕጡብን ብሊኮትን ቸሜንቶም ኣልዒሎም፣ ነቲ መንደቕ ክቕጽሉዎን ነቲተሰሪቱ ዘሎ ናይቅንዕናን ጭውነትን ምኣዲ ዘተ ከሰውድን ከሞንጕድን ዝኽእል ምሃሪን ኣብነታዊ ጭውነት ዝተዓጥቀ መናድቕ ቀለም ከበርክቱ ተስፋ ኣሎኒ፣ ሞራላዊ ሓላፍነት ከምዝለና’ውን በዚኣጋጣሚ’ዚ ንኹሉ ተወላዲ ሃገረ ኤርትራ ከዘኻኽር የፍቱ።
    ምስጢራዊ ጉጅለ ህግደፍ ዘዕነዎ መናድቕ ሕውነትን ጭውነትን እንዳቦና ዳግማይ ክህነጽ ኣለዎ፡ እዚ ጽሑፍ’ ናይ ሰረት ኣንቢሩሎ፣ ነዳቖ ካብዚ ተበጊስኩም ክትነድቁ እምሕጸነኩም።
    ጽሓይ ክበርቕ ከሎ ገዛ እንዳ እገሌ ወይ ዓዲ እገሌ ኣይብልንዩ.. ክበርቕ ከሎ ብኣልማማ ይበርቕ። ሕጂ ድማ ብዛዕባ ቁኑዕ ፍርድን ፍትሒ ክንዛረብ እንተዄና፣ ድሕሪ ውረድ ደይብ፣ ድሕሪ ዓቐበትን ቁልቁለትን፣ ብኽያትን ኣውያትን ሓባራዊ ዕላማን መትከልን ቃልስና’ውን ፍትሒ ከነንግስ ስለዝኾነና፣ ኣእምሮና ከምጸሓይ ቀትሪ ክበርህ ልብና ናብ ፍትሓዊ ሚዛን ክዝንብል ይግባእን ሓላፍነት’ውን ኣሎና። ሓቅን ፍትሕን ካብዛ ዘለናያ እዋን ትጅምር። ጭውነት እንዳቦና ተዓጢቕና መርቶዖ ዘለዎ ሓቂ ክንድሕድሖ ዓንዲ ሕቖ ተበለጽትን መንደልሓቕትን፣ ክንሰብሮ’ሎና።
    ዓወት ንሓርነት
    ውድቀት ንባርነት።
    ኣግኣዚ ተወልደ።

  • Aklilu fray February 20, 2014

    ኣቶ ሃየለ ከምይ ቅንካ ዳህን ዶ አምባር ኩቡር ከም መተን ነብሱ ይከብርካ ዘኢበልካዮ ባአሀቂ ይመስከንካ ።
    ከዸይሌ ወልዱ ተምህርቲ ከመ ዘሀበካ አውን ተረደኤ( ህድ ነብል) ካብ ከዳምይ ዽሁፍካ ኣብይ ሎውቲ ረኪበሉ
    ከብረት
    ይህብካ
    ኣጆካ መንቃፍ መንቅክፍ መስ ኣከብሮት ናይ ለባማት አዩ ካብ ኣስተምህሮ ኣዲ ኣይትዋል ቀዽል
    አንዳበልኩ ይላቦ

  • Tesfu Kbrom February 21, 2014

    IT IS BECAUSE SULEIMAN OR SALIM OR HGDEF WHATEVER IS YR NAME DO NOT KNOW THE CONCEPTS SINCE YOU ARE BLINDED BY YOUR OPPORTUNISTIC FAITH TO THE BRUTAL DICTATOR WHO CLAIMS ERITREAN VICTIMS OF LAMPEDUSA ARE AFRICAN MIGRANTS, WHO SAYS HZBI HANQIQU, PASTA KIBELI’E DELYU, SEB NAB MAY ZELEWO IYU ZKEYD ETC. ETC. YOU ARE TELLING US THAT THIS REGIME IS A DEMOCRATIC ONE SURPASSED ONLY BY QATAR WHO WAS A CLOSE FRINED OF THE DICTATOR!!!! POOR FELLOW, SINGING SAME OLD SONG!

  • ኣግኣዚ ተወልደ February 21, 2014

    ጭዋ’ሲ ተዛሪቡ የስምዕ፣ ሞጕቱ ይረትዕ… እነሆ ንገሌና ኣቦና ንገሌና ድማ ኣያና፣ ዝኾኑ…ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤ ተቐማጣይ ሃገረ ኤመሪካ ወደባት ኤርትራ ዓዲ’ዃላ ሰራየ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፣ ብሓቂ ንዝደቀሰ ዘበራብር፣ ንዝዓውፈ/ዝተደናገረ፣ መገዲ ቅንዕና ዝሕብር፣ ንፋትሓዊ፣ ቃልሱ ከበራትዕ፣ ከምስንቂ ዝዕንግል..ብሓቂ ሃናጺ ምኽርን ኣስተምህሮን’ ሂቦምና ኣለዉ ሓደራ ኩሉኸም ተቓለስቲ ንፍትሓዊ መቐይሮ ንበብዎ።
    ንሕና ኤርትራውያን፣ ብኹሉ ተበዲልና ኢና፣ ባህልና ያታና፣ ክብርና…መንነትና ኮታ ኣየናይ ውርሻ ኣቦታትና’ሞ ብተበለጽትን መንደልሓቕትን ዘየትደፍረ። ድኹም ስሚዒታትና መዝሚዞም፣ ነንሕድሕድና እናተሓማመናን፣ እናተጣራጠርናን፣ ኣነ ዶ ንስኻ ክንበሃል፣ ተበልጽቲ ዓጽምና እንዳጋሃጹ ብኹርምቶም ይስሕቁና ከምኡ’ይሎም ሽርሕታት ኣሊሞም ንሕቶ ፍትሕን ሕግን ህዝቢ ኤርትራ ንዓምታት ኣብሓደ ዓንኬል ሸንኮለል ከምዝብል ጌሮም ተጻዊቶምላና ጸኒሖምን ኣለዉን።
    ሕጂ እዋን ሓቅን ፍትሕን ይቕልቀል ኣሎ ይመስል። ጭዋታት እንዳቦና ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ፣ ከምኣብባይቶ ዓዲ ብጋህዲ ስማዕ ላምዕ ክብሉ’ዮም ሚዛን ዝሓለወ ዘ፣ ኣድዎ ዘይብሉ፣ ፍርዲ ክድሕድሕዎ’ዮም። ንሕና ድማ እዞም ናእሽቱ ድማ ኣእዛና ኵር ኣቢላን ጽን ኢላን ክንሰምዕን ከነዋህልልን ሓላፍነት ኣሎና። ከምቲ ቀደም፣ ዳኛ ዓዲ ጭቃ ዓዲ፣ ዋሕስ ሃባ ኢሉ ንበዳላይ ኣብቅርዓት ዓዲ ጥርሑ ዘውጾኦ፣ ዓድን ወዲዓድን ዝኽዕብዎ፣ ኣብዚ ግዜ ቴክኖሎጂ ድማ እነሆ ኣያናን ኣቦናን ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤ ድማ ነዞም ናይ ፖለቲካ ቄናናት ዓመጽትን መንድልሓቕትን ቅርዓት ኣውጺኡ ዓገብ ይብሎም ኣሎ።
    ሕጂ ድማ ግደ ናይ ካልኦት ክቡራንን ክቡራትን ኣሓትን ኣሕዋትን ነዚ ጽሕፉ ናይ ኣያና..ከምሓድሽ ሰረት ወይ ከምእምነ ኩርናዕ ወሲዶም ካልኦት ብመንነቶም ኮሪዖም ዘኹርዑ፤ ኣያታትናን ኣቦታትና. ኣርኣያ ናቱ ክስዕቡ.ኣብሊዕሊ’ቲ ጭውነት ዝሓዘለ መንደቕ ጽሑፉቱ፣ ምሩጽ ሕጡብን ብሊኮትን ቸሜንቶም ኣልዒሎም፣ ነቲ መንደቕ ክቕጽሉዎን ነቲተሰሪቱ ዘሎ ናይቅንዕናን ጭውነትን ምኣዲ ዘተ ከሰውድን ከሞንጕድን ዝኽእል ምሃሪን ኣብነታዊ ጭውነት ዝተዓጥቀ መናድቕ ቀለም ከበርክቱ ተስፋ ኣሎኒ፣ ሞራላዊ ሓላፍነት ከምዝለና’ውን በዚኣጋጣሚ’ዚ ንኹሉ ተወላዲ ሃገረ ኤርትራ ከዘኻኽር ይፍቱ።
    ምስጢራዊ ጉጅለ ህግደፍ ዘዕነዎ መናድቕ ሕውነትን ጭውነትን እንዳቦና ዳግማይ ክህነጽ ኣለዎ፡ እዚ ጽሑፍ’ ሰረት ኣንቢሩሎ፣ ነዳቖ ካብዚ ተበጊስኩም ክትነድቁ እምሕጸነኩም።
    ጽሓይ ክበርቕ ከሎ ገዛ እንዳ እገሌ ወይ ዓዲ እገሌ ኣይብልንዩ. ሌላን ጉሌላን ኣይፈልን. ክበርቕ ከሎ ብኣልማማ ይበርቕ። ሕጂ ድማ ብዛዕባ ቁኑዕ ፍርድን ፍትሒ ክንዛረብ እንተዄና፣ ድሕሪ ውረድ ደይብ፣ ድሕሪ ዓቐበትን ቁልቁለትን፣ ብኽያትን ኣውያትን ሓባራዊ ዕላማን መትከልን ቃልስና’ውን ፍትሒ ከነንግስ ስለዝኾነና፣ ኣእምሮና ከምጸሓይ ቀትሪ ክበርህ ልብና ናብ ፍትሓዊ ሚዛን ክዝንብል ይግባእ ካብኡ ሓሊፉ ሞራላዊ ሓላፍነት’ውን ኣሎና። ሓቅን ፍትሕን ካብዛ ዘለናያ እዋን ትጅምር። ጭውነት እንዳቦና ተዓጢቕና መርቶዖ ዘለዎ ሓቂ ክንድሕድሖ ዓንዲ ሕቖ ተበለጽትን መንደልሓቕትን፣ ክንሰብሮ’ሎና።
    ዓወት ንሓርነት
    ውድቀት ንባርነት።
    ኣግኣዚ ተወልደ ።

  • Armon February 21, 2014

    Good job Abona

  • fthawi February 21, 2014

    ሃይለ አነ ካብቶም ብቀጻሊ ጽሑፍካ ዝካታተል እየ አገናዕ ድማ እብለካ ቀጽል ወደባት እንተኮነ ግን ባዓል ዓንደብርሃን አሰፋው ሙሉእ ንእስነቶም አብ ቃልሲ የሕሊፎሞ ኮይኑ ግን ንኩልና አይጠዓመን ስለዚ ክንቀፍ ከለው ብፍኩስ ዝበለ ቃላት ክከውን አሎዎ አቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እሰያስ እዩ ካልእ ቀሊል እዩ ምናልባት ቁሩብ ውረድ ደይብ ኩሁሉ እዩ ።

  • KEBREAB February 21, 2014

    Haile Ghebretensae- Well done now, you stay corrected. I really appreciate your recently article part II and message. Keep it the good job.

  • Mike February 22, 2014

    Mr. Haile you said it very well.
    When I read part 1 of your article, I was not satisfied on your response but on part 2 of your article, you said it very well and thank you. Specially in relation to Alem Goitom/owner of Meskerem website/ he is a useless person. Instead of exposing the ruthless higdef, he loves to find any faults within the opposition groups. So, I don’t consider him as an opposition member and he and his websites are only GARBAGES.
    In relation to the members of MEDREK, it is natural to be suspicious about them, because some of its members have an ugly background. As you said it, if they come open and transparently in fighting the system it is well and good. But if their objective is to Keep the system minus dictator Issays, it is Totally unacceptable and they are only going to be losers !!

POST A COMMENT