Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ። ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II
ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ።
ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ ፍትሒ፡ ኣሰና ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጽሑፍናን ኣቀራርባናን፡ ኣመላኽታናን፡ ዓላማናን ሓደ ካብ ኮነ፡ ክንመሃሃርን፡ ክንመዓዓድን፡ክንነቓፍን፡ክንደጋገፍን፡ ክንረዳዳእን፡ ሓበረታ ክንወሃሃብን፡ ናይ ኩላትና ሓልፍነት እዩ።
ኣቶ ወልዱ፡ ህድእ ንበል፡ ዘርእስቱ ኣብ ዝጸሓፎ ከመስግኖ ይፈቱ። ቀዳማይ ቀልጢፉ ንዝገበሮ ጽሑፋዊ መደረ ኣብ ሕብረተሰብ ኮነ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዘየድሊ ኣተራጓጉማን ኣረዳድኣን፡ ስለ ዝፈጠረ ይቕረታ ብምሕታቱ ቅቡል ስጉምቲ ወሰደ። ዝምስገን ቖራጽን፡ ተባዕን፡ ስጉምቲ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ክዛረቡ ከምዚ ይብሉ፡ ወዲ ጭዋ ዓደቦ ዓገብ ክብልዎ ኸለዎ ቀልጢፉ ይእረም። ዓደቦይ ኣይትሓዙለይ! ከጉህየኩም ኣይግባእን በዲለ ኣለኹሞ ምሓሩኒ ይብል። ኣቶ ወልዱ፡ ብትብዓትካን ብጻዕርኻን ብቓልስኻን ከመስግነካ ይፈቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከብርሆ ዝደሊ፡ ንሓቂን፡ ንፍትሕን፡ ዝቃለስ ምድጋፍን፡ ምምካርን፡ድኣምበር፡ ንማንም ሰብ፡ ሕጊ ዝረግጽን፡ ወጻዕን ዝኾነ ሰብ ዝቃወምን፡ ወይ ድማ ወጻዒ ተግባራት ዘለዎ ዜጋ ዝድግፍን፡ ዝጣበቕን ኣይኮንኩን።
ንኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ ተጣቢቕካ ንዝብል፡ ኣይፋሉን ኣነ እዃ ድኣ፡ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ይነቕፎ።እንተኾነ ግዳ ኣቶ ኣለም፡ እናሰምዔ ዝደቀስ ነቕኒቕካ ነይተተስኦ፡ ስለ ዝኾነ ዝልወጥ ወይ ዝቕየር ሰብ ኣይኮነን። ኣቶ ኣለምን ዝኣጎለ እንቛቑሖን ሓደ ገይረ፡ እየ ዝወስዶ። ዝኣጎለ እንቛቑሖ፡ ደርሆውን ኣይትሓቑፎን እያ፡ ጠቢስካውን ኣይብላዕን እዩ። ተግባር ኣቶ ኣለም ይጋሓፍ ጥራይ እዩ። ኣቶ ኣለም ተግባሩ ጉሓፍ እዩ፡ ከም ሰብ ግና ሰብኣዊ ክብሩ ክንሕልወሉ ግደታ ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ብኢደ ወነናና ሕጊ ክንወስድ ወይ ስጉምቲ ክንወስድ መሰል የብልናን። ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቖምናሉ እዋን ብሕጊ ዘኽስስ ገበን ዘርዚርካ ክኽሰስ ይካኣል።
ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝገበርክዎ መልቀስ፡ ተግባሩ፡ ክፍኣቱን፡ ተጋድሎኡን፡ ትብዓቱን፡ ሃገራውነቱን፡ መንነቱን፡ ጉድለታቱን፡ ብመልቀስ ቀሪቡ እዩ። ምስ ሞተ፡ ኣብ ዓዱ ንኸይቅበር ክኽልከል ከሎ ግና፡ ናይ መሰል ሕቶ እዩ። ፍትሓውያን ተቓለስቲ ምእንቲ ፍትሒ ወጽዓ ወድሰብ ጠጠው ምባል ትብዓትን ጭውነት እዩ።
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፡ መጀመርያ ከም ሰብ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ ዋሲንግቶን ዲሲ ብ1992  ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ። ኣነውን ዝነበርክዋ ሽማግለ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ንኣስመራ ዩኒቨርሲት ሓገዝ ሓቲትና፡ ኣጆኹም መጺእኩም ውሰዱ ዝብል መልሲ ተዋሂቡና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣቶ ዓንደብርሃን  ናይ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ፕረሲዳንት፡ ብምንባሩ ኩሉ ሰብ እንታይ ከበርክት ዝብል ፍናንን ስምዒት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ዝነበረ ኣገባብ ኣዘራርባ ደሲነት፡ ብጻይ ዓንደብርሃን መጽሕፍቲ ንረክብ ኣለናሞ! ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቀዳምነት ዝዋሃቦም ፋካልቲስ ንገረናሞ! ዘድሊ መጻሕፍትን መሳርሕን ክንሰደልኩም ኢሉ ካብ ሽማግለ ምስ ሓተተ?
ብጻይ ዓንደብራሃን ዝሃቦ መልሲ፡ከምዚ ነበረ፡ መኤከብ ጎሓፍ ኣመሪካ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እዚ ኣብ ሃርቫድ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረ ሰብ፡ እዝስ ኣብ ዚ ሃገር ተማሂሩ ዝባሃልሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ መጸኒሞ! ቀብጽክዎ። እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ እዚ፡ ሰብ መጽሓፍ ኣንቢቡ ንኸይፈልጥ ዝኽልክል፡ ቀጺሉ ኣይውዓለ፡ ኣይውሕደረ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እንታይ ከምዝገጠመ ኩሉ ዝፈልጦእዩ። ኣምባሳደር ዝብሎውን፡ ናይ ሃገር መዓርግ ስለ ዝኾነ እየ! ኣምባሳደር ዝብሎ ዘለኹምበር፡ እዚ መሃንድስ ድንቁርና፡ ሃገር ኣብ ጸላም ዘእተዉ ሙሁር፡ ኣገልጋሊ ናይ ጥፍኣት፡ ኣካል ናይ መብረስቲ ዓዲ እዩ። ነዚ ጽዩፍ ተግባር ዝፍጽም፡  ነዚ እከይ ዝተግባሩ ኣይድግፎን እየ። እንተኾነ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሕጋውያን ስለዝኾና፡ መሰል ኩሉ ዜጋ ክንሕሉ ብሓላፍነት ንሕተት። ኣብ ቤት ፍርዲ ወስድካ ካብቶ ዝኽሰሱ ሓደ ምዃኑ ግን ኩሉ ዜጋ መዛግቡ ክሕዝ የማሕጽን።
መድረኽ ብቕንዕና ንህዝብና ከነገልግል ተዓጢቕና ኣለና፡ ዝሓለፈ ተግባርና ኮኒንና፡ ኣብ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ፡ ከቢድ መሪርን ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ሕዝብና ኮና፡ ክንቃለስ ተቐሪብና ኣለና። እንተድኣ ኢሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ክኣምኖም ዝኽእለሉ መርዳእታን፡ መግለጽን እንተድ ኣ  ኣቕሪቦም፡ ህዝቢ እንተ ተቐቢልዎም፡ ከም ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምቕላስ መሰል ኣለዎም። እዚ ክንብል ከሎና ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ተግባሮም፡ ኣብ ምጽናት ሃገር ኣብ ዝተገብረ፡ ጉዕዞ ብሓላፍነት ዘሕትቶም ምዃኑ፡ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዞም ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኮነ ኢሎም፡ እንተ ብጸቢብ ጥቕሚ ሰሲዕም፡ እንተ ጸቢብ ወገናዊ ኣትዓባብያ፡ ወገን፡ ከባቢ፡ ኣውራጃውነት፡ ኣጥቒዕዎም፡ ዝገብርዎ ምትላልን፡ ምድንጋርን፡ ብቐሊሉ ዝርኤ ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ ከም ወር ዝንገር ወዲ ብዓታይ፡ ኣብ ኣዋሳ 600 (ሽዱሽተ ሚእቲ) ኤርትራውያን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ኣብ ገብረስላሴ ሆተል ዓራት ሒዙ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ቀረባ ኮይኑ፡ ይከታተል ከም ዝነበረን ሓበረታ ኣሎ፡ ይብሃል።
እንታይ ክንዕዘብ ንኽእል፡ ወኪል ኢሳያስ ዕሉል ሽፍታ፡ መጽነቲ ሃገር ስለላ የካይደሉ ምንባሩ አዩ ዝሕብር። ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ሰብ ባጀላ፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ዓቢ ኢድ ከምዘለዎም ክንፈልጥ ይግባኣና። ሕጂ ግና ሓበረታ ኣብ ምእካብን፡ መን እንታይ ገበረ ከነ ስተውዕል ጥራሕ እዩ ግደና።
መጀመርታ ከብርሆ ዝደሊ ኣነውን ተቓላሳይን መምህርን፡ ንፍትሒ ኢለ ስለ ዝኣምን፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ድማ ከመይ ገይሮም ይበልሑን፡ ይበስሉን፡ ከም ኩናት በላሕቲ ኮይኖም፡ ኣብ ኣእምሮን ቀልብን፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓትን፡ ህዝቦምን ተቐባልነትን፡ ተኣማመንነትን፡ ክረኽቡ እዩ። ከምኡ ድማ መኺሮም ከስምዕሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምሕባር፡ ክእለተይ ከበርክት እዩ ድልየተይ። በዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ እንጽሕፎ ኮነ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣዘራርባና፡ ኣብ መግለጺና፡ ኣኽብሮትን ትሕትናን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽበርቲ ሕግን፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ መሃርትን፡ ዕጉሳትን፡ ሓለይትን፡ ክንከውን ናይ ግድን እዩ።ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስን፡ ክትዓትን፡ ብኣፍልጦ ዘለዎ ኣገባብ፡ ብትዕግስትን ብልቦናን፡ ተቓለስቲ ክንከውን ከለና የኽብረናን፡ የኹርዓናን፡ የተኣማምነናን እዩ። መሲሉኒ፡ ኢሎምና፡ በልካ ለኽዓካ፡ ዝድገም ዘይኮነ ዘረባ ብደለይቲ ፍትሒ ክቐርብ የብሉን። ጽፈትን፡ ሓቅነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽብሮትን፡ ላዛን ትዕግስትን እዮም መሳርሒና።
ከምኡ ድማ፡ ፖሎቲካውን፡ ሕጋውነት ፈላሊኻ ምፍላጡ ድርብ ሓልፍነት ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝኾነ ክንግንዘብ ይግባኣና። ምኽንያቱ ንሕና እዞም ደለይቲ ፍትሒ እንባሃል፡ ነቲ ተወጺዑ እናሃለወ ወጽዓኡ ክፈልጥ ዘይከኣለ ከነፍልእጥ ናህና ግደታ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ንሕና መጀመርያ ንነፍስና ሓራ ከነውጽእ ከቢድ ቃልሲ እዩ። ንነብስና ሓራ ምስ ኣውጻእና ኢና ንኻላኦት ዜጋታትና ሓራ እነውጽእ።ሓቀኛን ፡ ፍትሔኛን፡ትብዓተኛን፡ ብምዃና ተኣማንነትና፡ የደልድሎ፡ ፍርሒን ራዕድን የጥፍእ።
ሓደ ሰብ ኣነኮ ደላይ ፍትሒ እየ!!! እንተድኣ ክብል ኮይኑ፡ ሕጊ ዘኽብርን፡ ዝመጾ ዝፈልጥን ምስ ዝኸውን፡ ዋላውን ነቶም ዝጸልእዎ እንተኾነውን፡ ሰብኣዊ መሰሎም ንኸይድፈር፡ ንኸይግፈፍ፡ ንኸይቕንጠጥ፡ ምስ ዝከላኽ እዩ። ፍትሓውነት ዝኣምን ኣብ  ወገነይ ወገንካ ዝምባለ ከሕድር የብሉን።  ሰብ ፍትሓዊ እዩ ክበሃል እንተኮይኑ ሓቅነት ፍትሓውነት ግሉጽነት ከዘውትር ይግባእ። “(ጸባ ላም ይፍላሓ ጸባ ጤል ይጽንሓ) ክኸውን የብሉን። ጸባ ክፈልሕ እንተድኣ ኮዩ ኩሉ ክፈልሕ ኣለዎ።
መደምደምታ፡ ንደለይቲ ፍትሒን ተቓለስትን ኣብ እንገብሮ ዕለታዊ ጉዕዞና፡ ህግደፍ ዘፍረሶ ክንሓንጽ፡ ህግደፍ ዘርስሖ ከነጽሪ እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣዕነውቲ እዮም፡ ኩሎም ግና ኣይኮኑን፡ ንኹሎም ኣብ ሓደ ደምበ ኣይነእትዎም፡  ህግደፋውያን ክንብል ከምዘይብልና፡ ህግደፋውያን ኣብ ሞንጉኦውን ንጹሃት ክህልዉዎም ስል ዝኽእሉ፡ንጹህን፡ ወጻዕን ዝኾኑ ክንፈላሊን፡ ከነለልዮም ናህና ብቕዓትን መንፍዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፡  ድርብ ሓልፍነት ስለ ዝኮነ ብምዝካር፡ ነዚ ፈሊጥና ተጠንቒቕና፡ ቃልስና ኣመሃህራና ከነማዕብል ሓልፍነትና እዩ።
እቲ ዝኸበደን ኣድካምን ኣከራኻሪን፡ መሕረቕን መነደርን ዝኾነ መሰል ዲሞክራሲ እዩ።ዲሞክራሲ ማለት ነቶም ዘይትፈትዎን ዘይፈትዉኻን፡ መጻርርትኻን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣኽቢርካን፡ ኣሔንቒቕካን፡ ተኸናኺንካን፡ ተጸሚምካን ከተሕድሮም እዩ። ብዝሒ ስለ ዘለና ተዓዊትናሞ! ኣበይ ከይበጹ ክብሃል ኣይከ ኣልን፡ ህዝባዊ ሓይልልታት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሕግን ዲሞክራስን፡ ሕጊ ካብ ቀደሙ ከየኽበረ ስል ዝዓበየ፡ እንሆ ገቢሉ ህዝብና የብርስ።በጀካይ መን ኣሎ እናበለ ንዓለም ከቖናጽብ ከስተናዕቕን ይዉዕልን ይሓድርን።ኩቡር የኽብረካ ዓቕሚ ነብሱ፡ ሕሱር የሕስረካ ዓቕሚን ነብሱ ከም ዝብሃል፡ ኣኽበርቲ ዳኣምበር ነዓቕቲ ክንከውን የብልናን።
 ኤርትራ ሃገርና፡ ሕጋውን፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲያዊት ክትኮነልና እንምነያ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ  ዘርኢ ሕጂ እዩ ዝዝራእ፡ እቲ ፈልሲ ዲሞክራሲውን ድማ ሕጂ እዩ ዝትከልሞ፡ ካብ ሎሚ እዩ ክዝራእን፡ ክትከልን ዘለዎ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ንዝርኣዮን፡ ንትከሎን።
ዝዘራእካዮ ትሓፍስ ይብል ቅዱስ መጽሓፍ እሞ! ሰናይ ንዝራእ፡ ክርዳድ እናጸሃና ንኺድ።
ኣነውን ከይተፈለጠኒ ኣቐይመኩም ከይከውን እሞ! ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ተቓላሳይ ይቕረታ እሓትት።
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 20  ለካቲት2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • Daniel February 20, 2014

    ዝከበርካ ሓው ሃይለ መጀመርያ ስለቲ ሃናጺ ዚኾነ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ካልኣይ ክፋል ጽሕፍቶኻ ከመስገነካ እፈቱ።
    ቀጺለ ግን ኣቶ ወልዱ ተኽለ ኣብታ ህድእ ንበል!! ትብል ጽሕፍተኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ዝጸሓፎ ከም ዝተጋገየ እሞ ይቅረታ ከም ዝሓተተ ገርካ ኣቅሪብካያ ዘለካስ ኣይግድን! ንዓይ ከምዝመስለንስ ነስተውዕል ኣይንተሃወኽ ንመሃር ነቶም ውሽጢ ውሽጢ ዝሰርሑ ከኣ ጌና ጉዶም ኣብ ቅርዓት ክወጽእ እዩ ድኣ ኢያ ትስምዕ እንበር ሕማቅ መዓልቲ ውዒለ ይቅረ በሉለይ ኣይተስምዕን እያ። ኣነ ብ ወገነይ ኣብ ናይ ኣቶ ወልዱ ዘይኮነስ; ኣብተን ክልተ ክፋላት ንስኻ ዝጸሓፍካየን እየ ሕቆን ከብድን ኮይነን ረኺበየን ከምዚ ክብል ግን ናይ ውልቀይ ርእይቶ ኢዩ። ቀጽሎ እቲ ናይ ሓድነት ጽሕፍቶኻ።

    ዳኒኤል

    • romay February 20, 2014

      ኣይተ ሃይለ፡ ብሱሩ እንታይ ትጸዊ ከምዘሎኻ ኣይትፈልጥይ፡፡ ጽሑፍካ ግዛዕ
      ኣይግነዮን፡፡ ነንዓርሱ ልዋቓዕ ሓሳብ’ዩ ዝኒኤዎ፡፡ ወያኔና’ማ ብሱሩ ኸምዚ ዓይነት ጽዋ
      ኣይፈቱይ፡፡ ንከባበር እንዳበልካ’ማ ጸርፊ ነይሓደግካ። ንኣቶ ኣለም “ዝኣጎለ እንቃቑሖ” ንምባሳደረ
      ” ናይ ድንቁርና መሃንድስ” ኢልካ እንዳተጻረፍካ ደኣ ነገሩ ” ዝኣኽለን ጥሒነንስ በዓል ይብላ” ኢዩ
      ነገሩ። እብዙ እኒኤኻ ተቓላሳይ ማለት፡፡ ከትበሽቕ እምበይ ብዙሕ ምጸወኹ ነይረ፡፡
      ሮማይ

      • Blocked February 20, 2014

        Hahahaha. I like ur accent.

  • Haile kalu February 20, 2014

    Only the wise express such noble words. And thanks is due for that. However, there was one thing which is out of square with all what you profess. You accuse wedi Beatay, with no what-so-ever evidence, of being Isaias’ spy. Your useless proof is that some people said so- rumor has it. Only those who don’t have any evidence and like to blackmail people use this tactic. If we asked those who told you so how they found out about it, they would say someone told me or rumor has it. These is what is killing the opposition. First and foremost, there was no any reason to mention him in this article. Moreover, what you just said is just a rumor. Worst of all, you are accusing of wedi beatay of being a spy based on that rumor. It is just a classical example of an Eritrean using the opportunity to attack someone he has a problem with. You may disagree with him. Even if he is seen in one of those hotels, one would be hard pressed to proof that he was there to spy. When you accuse someone of such gross crime, the burden of proof rests on you. You have to present a proof. Until then he is innocent. And that is how justice works, as you have aptly described above. As an educated and elderly eritrean, as someone who has lived in the west for so long, i expect you to know what defamation is. People like you are expected to be exemplary to us and our younger brothers/sisters in avoiding rumors; we expect you to be teachers in respecting someone as an eritrean until we find a tangible evidence of wrong doing that forfeits him from earning that respect. Ilwo…ilomo…ilato…are words that should be scrapped off our dictionary. Chipti …chipti…chipti…I am sure you are courageous enough to stand correct in that regard, just like what you have advised brother woldu. Belabelow is killing us. Blackmailing is forcing capable, just and righteous citizens to say ‘intai gedeseni’. Sadly it only serves HGDEF. Respect, respect, respect.

    • Suleiman Salim February 20, 2014

      The so-called oppositions which are most of the time made up of few individuals want to impose their views on everyone. By now unless you are stupid you should realise that there is no alternative to the Popular Front.

      Without the likes of Issaias Afeworki Abraham there would have never been an independent country called Eritrea. It is not an easy task to bring Eritreans together to work for a good purpose let alone to push them to collaborate with the enemy ( an impossible task).

      • MightyEmbasoyra February 20, 2014

        If isayas and alikes were not there, Eritrean independence would be at least 15 yrs earlier than that. He dragged it backward by killing capable individuals, by creating friction among other groups, etc. So, as you can see, he was a liability and he still is.

    • Sorobeti February 20, 2014

      Mr. Haile Kalu
      thank you for your educational comment, Mr. should have to notice that he used the same weapon of meskerem and other pro PFDJ websites on character accusation.

  • hagos February 20, 2014

    ato haile silti degimka ztsehafkayo kemesgenika edlei. bikemu ina ab mirdida enibetsih

  • Suleiman Salim February 20, 2014

    ሃይለ ወዲ ገብረ-ትንሳኤ

    ኣነ ብዘይካ ብኣሰና ብቐጥታ ኣይፈልጠካን እየ። ስእልኻ ተዋዛያይን ንጡፍን ከም ትመስል የቃልዕ። ብሓፈሻኡ እቲ ጀብሃዊ ብምንባርካ ዝፈጠረልካ ናይ ኣታሓሳስባ ጸገም ገዲፍካ ዳርጋ ሚዛኑ ዝሓለወ ሰብ ኢኻ ክብል ይደፍር። በዛ ናይ ሎሚ ጽሑፍካ ክልተ ነቐፌታት ኣሎኒ፡

    1) ኣምባሳደር ዓንደ-ብርሃን ” መአከብ ጓሓፍ ኣሜሪካ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ” እንተ በለ ከምኡ መበሊኡ ከይተንተንካ ዘረባኡ ከመይ ጌርካ ከም ነውርን ኣጸያፍን ጌርካ ትወስዶ? ዝኾነ ሰብ ዝኣከበልካ ንብረት – ዋላ ኣብ ገዛ መቐመጢ ኣይሃልወካ ዋላ እውን መብዛሕቱ ዘየድልየካ ይኹን – ትም ኢልካ ዲኻ ንገዛኻ ሒዝካዮ ትኸይድ? ኣሽንኳይ ብደረጃ ሃገር ብውልቕኻ ደረጃ ረኣዮ እሞ ሽዑ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር ዝሰንዘርካዮ ክሲ ሚዛናዊ ከም ዘይኮነ ክተስተብህለሉ ኢኻ። ኣነ ነቲ ትነቕፎ ዘሎኻ ሰብ ናይ መጽሓፍ ጥቕሚ ኣይፈልጥን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህልወካ ዘስደምም እዩ ይብል።

    2) ” ኤርትራ ሃገርና፡ ሕጋውን፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲያዊት ክትኮነልና እንምነያ ሃገር ስለ ዝኾነት። “!! ኣብ ጀብሃ ኔርካ እንከሎኻ ከመይ ጌርካ ካብ ተረፍ-መረፍ ጀብሃ ቁም-ነገር ትጽበ? ኣብ ላዕሊ ጀብሃዊ ስለ ዝነበርካ ቅሩብ ናይ ኣተሓሳስባ ስንክልና ኣሎካ ኢለ ኔረ፤ እዚ ማለተይ ንስኻ ሕብረ-ሰልፋውነት ሃሪፍካ ወይ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ኣካያይዳ ክስረት ድልየት ኣሎካ ዘይኮነስ ሃንቀውታኻ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረካ ቅርሕንቲ ክተርዊ ነዞም ሕጂ ንኤርትራ ነጻ ኣውጺኦም ዝካላኸሉላ ዘለዉ ሰባት ንምእላይ እዩ።

    ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዞባ ባይቶ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ጸገሙ ድኽነት ደኣ እምበር ሕጽረት ዲሞክራሲ ኣይኮነን። ነቲ ብስም ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ብሃይማኖትን ኣውራጃን ኤትኒካዊ መበቆልን ንደቂ ሃገር ከናቑት ዝደሊ ፍጥረት ኣብ ኤርትራ ዕድል ከም ዘየሎ ክንግረም ኣይግባእን።

    • Nahom February 20, 2014

      ሱለይማን

      ተዓወት ተዓወት ተዓወት
      ብሰንኪ እቲ ናይ ሻዕብያ ምዕቡል ኣታሓሳስባ ኤርትራ ዓዲ ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ደሞክራሲ፣ ራህዋ፣ ቅሳነት ኮይና ኣላ።

      • MightyEmbasoyra February 20, 2014

        እወ፥ ሳላ ኢሳያስ, ብምዕባሌ ቀጠር ጥራሕ ‘ያ ‘ኳ ን ኤርትራ ትቕድማ 🙂

  • Meretse Asmelash February 20, 2014

    Brother Haile,
    Bravo! Bravo! Bravo!

    • Suleiman Salim February 20, 2014

      nwedsye nwedadsye!! Haile expects from you more than that. Try to be critical in your thinking. At least there should be a point in which you disagree with Wedi Gebretinsaé.

  • MightyEmbasoyra February 20, 2014

    Ato Haile,
    This is a wonderful and thoughtful article. We need people like you, Sir!
    Please keep continue writing. Thank you!

  • Mike February 20, 2014

    Haile did a great analysis by exposing the useless personalities- most of them he knows very well as I do. Alem is a confused dude that is helpless and he can be ignored as “feliTu Zdekes”, Anderberhan he did say ” we don’t want to be the garbage of US and the West” and I heard it from him on several occasions. Also wedi BeAtay gives the appearance of a calm person, he is like a mice that has no qualms stealing left over food. Other than that he is a quiet person who like to work behind the scene. By the way Andeberhan, Paulos Beatay, and Monkey were the front of EPLF when the ESANA (student association) was formed. They learned all the tricks of deception, double face approach to things. If the Gherhi Lbom Eritreans are waiting for these and other like them to save them from Isaias dictatorship they are waiting in vain. Wecho enteleWeTkayo Wecho.

    • Suleiman Salim February 20, 2014

      “Alem is a confused dude ” ?

      Rather you are the confused person. Why do you blame an Eritrean like Mr Alem Goitom (Wedi General) for siding with his country and taking strong position against Woyane? Why do you hate Eritrea, the Eritrean people and every individual who cares for his country? Why are you so intolerant to other views while pretending to be a democrat? I do not accomodate treason in the name of democracy and plurality of opinions.

      • Sorobeti February 20, 2014

        Isyasman Salim

        If you consider struggling for justice, equality and democracy treason then you are just like Alem a confused dude because you are doing so driven by subnational belief.

        • Suleiman Salim February 20, 2014

          In my dictionary treason means collaboration with the enemy. Do you have any problem with that definition? I cherish the struggle for justice,equality and democracy but not in the sense that is propagated by the enemies of Eritrea. Mekele,Awassa,Debrezeit and Addis can not be symbols for the ideals that you mentioned.

  • Tesfu Kbrom February 20, 2014

    ሓው ሃይለ፡ ብዘይካ ኣምላኽ ዘይጋገ የሎን። ብዝኾነ ስለቲ ንጽህና ዝመልኦ ጽሑፍካ ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። ንሕና እቶም ብንጽህና እንቃወምኮ ውዒልና ሓዲርና ከም ንረዳዳእ ድማ እዚ ቀሊል ኣብነት እዩ። ኣበይ ኣለኻ ዘይበሉዎም ኣብዚ ኣለኹ ዝብሉ ኣለዉ ግን ተቃወምቲ ተመሲሎም ነቲ ቃልሲ ሕንፍሽፍሽ ከእትው ዝጽዕሩ። ነዚኣቶም ደኣ ንተንቀቐሎም እምበር ንሕናስ ክንረዳዳእ ጸገም የብልናን። ሕጂ ድማ ክምብል በለምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝብሃል ብጽሑፍካ ዓጊብና ኣለና። እንተ ናይ በኦኣል ወዲበዓታይ ግን ካብ ዝበልካዮ ኣይሓልፍን እዩ። ኣብ 1988 ብኢሳያስ ንኽስልይ ክለኣኽ ምስ ተደልየ፡ ብዘይ ፍቓድ ኣብ ፈረንሳ ገዛ ገዚኡ፡ ኵሊት ቀዪሩ ወዘተ ዝብላ ዘረባ ተፈንዩ። ድሕሪ ነጻነት ግን ከም ድላዩ ፋዕ ክብል ተራእዩ። ምስ ጂ13 ተንቀሳቒሱ፡ ከምኡውን ድሕሪ ምንቅስቓስ ጂ15 ተቓዋሚ ተመሲሉ ጸጸኒሑ ጽሑፋት ወስ የብል ነይሩ። ኣብ ምንታይ እሞ ዘይኣቱ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ጠብሎቕ ጠብሎቕ እናበለ ኣብ ዝተጀመረ ኣድማዒ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ኣለዎ። እዚ ኵሉ ተግባራት ድማ ስለያዊ ስርሑ ንምክያድ መታን ክትዕሞ እዩ። ካብኡ በለ ክትቃወሙ እንተ ዝደልዩ ካብዞም ሰባት እዚኦም ንላዕሊ ዝልዕል ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ የሎን። ሓደ ሓያል ውድብ መስሪቶም ንኢሳያስ ራዕራዕ መበሉዎ ነይሮም። እቲ ኵሉ ዝገብሩዎ ዘለዉ ግን መናወራ እዩ። ተቃውሞ ልክዕ ከምቲ ዓሳ ከም ዘይምወት ማይ ከም ዘይነጽፍ ዝብሃል፡ “ወሃ ቅዳ ውሃ መልስ” ዝብሉዎ ኣምሃራ ክኸውን እዮም ዝደልዩዎ። እንተ ሮማይዶ ገለዶ ኢልካ ዝጸሓፍካን ሱለይማን ትብል መደናገርን ግን ኣብ ዘለኹሞ ዓሪፍኩም ተቐመጡ። ካብቶም ቀጠፍቲ ወይጦታት ምዃንኩም ተፈሊጥኩም ኢኹም።

    • Suleiman Salim February 20, 2014

      ተስፉ ወዲ ክብሮም

      ካብ እቶም ብሰንኪ ተካሊት መርበብ ሓበሬታ ምስ ሰብ ተቖጺሮም ክዛረቡ ዕድል ዝረኸቡ ንቕሓት ዝጎደሎምን ናይ ምምማይ ዓቕሞም ኣዝዩ ድሩት ዝኾኑ ሰባት ኢኻ ትመስል። እዚ ውልቃዊ ጦብላሕታይ ስለ ዝኾነ እንተ ተጋግየ ኣርመኒ።

      “ንሕና እቶም ብንጽህና እንቃወምኮ ውዒልና ሓዲርና ከም ንረዳዳእ ድማ እዚ ቀሊል ኣብነት እዩ። …ነዚኣቶም ደኣ ንተንቀቐሎም እምበር ንሕናስ ክንረዳዳእ ጸገም የብልናን። ” — እዚ ስሚዕታውን የዋህን ምዃንካ እዩ ዘርእይ። ኣተሓሳስባኻ ክተሰፍሕ መጻሕፍቲ ኣንብብ።

      “ሓደ ሓያል ውድብ መስሪቶም ንኢሳያስ ራዕራዕ መበሉዎ ነይሮም።” — ንህዝባዊ ግንባርን ንጀጋኑ መራሕቲ ሰውራን መንግስቲ ኤርትራን ራዕ-ራዕ ዘብል ኣይተወልደን ብድሕሪ ሕጂ እውን ኣይክውለድን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንከሉ ሰብ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ እንዳ ኣሰለፈ ( ምስ ብረት ምዕጣቕ ወሲኽካ) ንሃገር ብዲክታቶርያዊ መንገዲ ዝመርሓ ዘሎ ከይመስለካ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ሕብረተ-ሰብና ፈጺሙ ኣይከይድን እዩ። ዋላ እውን ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሃገርና ክሕክም( ክሰርር፡ ክጸንሕ) ኣይክእል እዩ። እዚ እንታይ ንምባል እዩ? ፈሊጥካያ ኣሎኻ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ደገፍ ስለ ዘለዎ ብተበግሶ ናይ እከለን ሓዊ እከለን ራዕ-ራዕ ዝብል ኣይኮነን። እዚ ከም ቀለቤት ኣብ እዝንኻ ስቖራ ( ሶቓር ከይብሉኻ ኣይትፍራህ!!)።

  • Truly Truly i say to you February 20, 2014

    I am fed up of on hearing irrelevant stupid arguments. Why you people do not focus on main relevant issues which enable us to lead to success?
    As far as i know Kibur Dr. Tewolde Tesfamariam is the only serious person who exactly understands the way how easily to knell down the dictator.
    From his on going seminar Dr. Tewolde elsewhere he giving; for instance, he emphasized as seriously is working by next one or two month time, the world worst wicked criminal dictator on earth to who is Isayas Afeworki, to bring him to international criminal court in Den Hag to face justice, for he caused war crime, atrocity, basical human right abuse ,for killing innocent citizens without trial and justice secretly and for Pershing intellectuals since liberation time etc.
    DR. Tewolde (Wodi Vacaro) already many capable Eritrean Lawyers from US, England, Sweden, from Arab states already organized, who facilitates the duty and can bring the case in professional way to the ICC in Den Hag. This is in my view very relevant serious issue, not your nonsense argumentation, division and defamation that you exercising oppositions among each other.
    See for instance what some stupid individuals practicing nonsense defamation against Amanuel Iyasu on Meskerem net, for asked Medrek to be transparent and why they not work with Wodi Vacaro closely if they be real opposition for suggested.
    I brought it this Wodi Vacaro´s plan openly, because since Wodi Vacaro self at any seminar make it public, i know it is not more secret it is. Even Isayas agents about the plan if they would know or informed about, i know as wouldn´t and couldn´t do or change anything if the international criminal court once decides to brought Isayas in DEn Hag to face justice like, the Liberian dictator Charles Taylor, Mobutu of Congo and others faced, and like the , kenya´s, Sudan´s etc are on the way soon.

    • Suleiman Salim February 20, 2014

      Mr ” NO HOPE FOR ERITREA “.

      We know that you are Tigrayan.

      • Tesfu February 20, 2014

        Suleiman Salim,

        Cadre HGDEF you have a bad day, barking like mad dog.Trying too hard if you can get a listener. What a loser he can’t even use his true name. A beggar who lost his confidence who act under a cover. With how many are you going to fight. I bet you are insane, loner. Mihret Yeworderka

        • Suleiman Salim February 20, 2014

          Tesfu,

          I don’t have a lot to complain because I have the impression that many people, including you, read my comments.

          SbuQ liela ygberelna,

          kab wruy HawKa Suleiman Salim

  • Yordanos February 20, 2014

    Dear Haile,

    A constructive article.

POST A COMMENT