Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስቅያት ህዝባ’ዩ ስቓያ ሕማማ!

  "ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ

 
“ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ ሓቕነት ዘይብሉ ዘይተጻረየ ሓበሬታ መን ከምዝሃቦም’ውን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ጠቒሱ።” ቃል ራድዮ ኤረና።
 
“ብ 20 ለካቲት 2014 ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ተባሂሉ በቲ ሓሶት ዝልማዳ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተጋውሓሎም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትን ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ኣሞኦምን ጉዳይ ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ኣዚዩ ግጉይን ከምዝኾነ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጥ ኣቦ እቶም ክልተ ቆልዑ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ ኣቃሊዑ፡፡” ቃል መሽረፈት ኔት።
 
እስከ ሓንሳብ ነዘን ንሓሶት ብሓቂ ዘቃልዓ፡ ሃበርም መራኸቢ ብዙሃን ደለይቲ ፍትሒ፡ ድሙቕ ጣቕዒት ኣቕርቡለይ? ሃየ’ስከ ድሙቕ ጨብጨባ! ‘ሻሕ ሻሕ ሻሕ…’ የቐንየለይ፡ ክብረት ይሃበለይ።
 
እዘን ኣቕድም ኣቢልኩም ዝነበብኩመን ክልተ ጽሑፋት ብምቕራበን ዘንጨብጨብኩሙለን ክልተ መርበባት ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ፡ እዚ ሓቀኛ ሓበሬታ ዝበልኦ ናይ 2014 ዓ.ም ዝዓበየ ዓወት ዝተጓናጸፋሉ ስርሐን’ዩ ኔሩ! በቃ ነታ ናይ ሓሶት ወረ ዘቕረበት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዕርቃና ኣውጺአንኣ ማለት’ዩ። በዚ ከኣ ካብ ተደናገጽቲ ህግደፍ ዝግባእ ክብርን መጐስን ክረኽባ ክኢለን ኣለዋ! ‘ሓቀኛታት መርበብ ሓበሬታ’ ዚብል ናይ ዓወት ኒሻንውን ንምሽላም በቒዐን ኣለዋ። ዘሐብን ዓወት’ዩ! ኣቤት! ኣቤት! ኣቤት ዓወት!
 
ኣቱም ሰባት፡ ናይቶም ኮነ ኢሎም ነዚ እኩይ ናይ ድኹማት ስራሕ ዝጽዕቱሉ ዘለዉ ኮራኩር ህግደፍ ገዲፍኩም እሞ ብዛዕባ’ቶም ንፍትሕን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብሉ ደለይቲ ፍትሒ ዚብል ምስሉይ ካባ ዝለበሱ ሰባት’ሞ ቊሩብ ሕስብ ኣብሉ። ኣብ ልዕሊ’ታ ብዘይስልንስል ብምሉእ ልብን ትብዓትን ኣንጻር ጉጅለ ምልኪ ገጢማ ትጠማጠም ዘላ ኣሰና ጸብለል ኢለን ንኽርኣያሲ፡ ዓቢ ዓወት ከም ዝረኸባ ያኢ ካብ ሓደ ብዓል ጉዳይስ ይትረፍ ናይ ሓሶት ድራማ ከማን ክሰርሕ ዘይክእል ብዛዕባ’ቶም ሞይቶም ዝበሎም ደቁን ሓብቱን ምንም ኣፍልጦ ዘይብሉ፡ ብዘይካ ‘ማለት’ዩ’ እትብል ሽሕ ግዜ ዝተደጋገመት ቃል ካልእ ክንርደኣሉ ዘይከኣልና ሰብ፡ ዝሃቦ ዘይንጹር ሓበሬታ ሒዝካ፡ ንኣሰና ተጓይኻ ምኽሳስ ምስ ምንታይ ኪቑጸር ይኽእል!? ካልእ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅም ክጓየያሉ ዝግብአን ሓበሬታ የለንድዩ ኣታ!?
 
ውዒሉ ሓዲሩ ኣማውታ ናይዞም ሰለስተ ዜጋታትና፡ ካብቲ ኣሰና ኣቐዲማ ዝገለጸቶ ሓበሬታ ከምዘይሓልፍ ጥርጥር የብሉን። እቲ ዋና’የ ዝበለ ሰብ ከኣ ኣብ ክንዲ ነቶም ንእኡ ኣዕቊቦምን ዘድሊ ናይ መገሻ ወረቓቕቲ ኣሳሊጦምን ናብ ኣመሪካ ዝለኣኹዎ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ተጓይዩ ዘወንጅል፡ ነቶም ንኣኡን ንስድራኡን ናብ ስደት ንከምርሕ ዝቐሰቡዎ ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ኪኸስስን ኪምክትን’ዩ ዝግብኦ ኔሩ። “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። ንሱ፡ እቲ ጠንቂ ኩሉ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዚኾነ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ በዚ መገዲ ጥፍኣት’ዚ ንኽጉዓዙ እንተዘይቅስቦም ኔሩ፡ እዞም ዕሸላት ምስ ጎርዞ ኣሞኦም ኣምበይምጠፍኡን ኔሮም!
 
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ምልኪ’ዚኸ ቅድሚ ሕጂ ብዶብ ንዝሰግሩ ዜጋታትና ብጥይት ብተመልከተለይ ኣይመልዓሶምንድዩ!? እዚውን ዋላ ባዕሉ ኣይውዓሎ ጠንቂ ናይዚ ሞትከ ንሱዶ ኣይኮነን’ዩ!? እተን ብደገፍቲ ህግደፍ ‘ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሂበን’ ተባሂለን ከይውንጀላ ምእንቲ፡ ዋላ ብእዝነን ንዝሰምዐኦን ብዓይነን ዝረኣየኦን ሓቂ ንምግላጽ ገለብ ሸለብ ዝብላ ውሑዳት መርበብ ሓበሬታታት ደለይቲ ፍትሒከ ሓቅነት ኣሎወንድዩ? እወ ሓቅነት ኣለና እንተ ደኣ ዝብላ ኮይነን ብሓቂ መርበብ ሓበሬታ ቃልሲ ማለት እንታይ ማለት ሙዃኑ ብግቡእ ኣይተረድአንን ኣሎ ማለት’ዩ! ምኽንያቱ፡ እታ ‘ድምጺ ሓቂ እናተባህለት ብህግሓኤ. ስማ ዝገነነ ድምጺ ሓፋሽውን እንተኾነት ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ሓቀኛ ሓበሬታ ኣቕሪባ ኣይትፈልጥን’ያ! እዚ ከኣ ባህርን ልምድን ፕሮፕፕጋንዳ ቃልሲ ከምኡ ስለ ዚኾነ ጥራይ እዩ። ብኣሉታ ወይውን ብሓሶት ዘውቅሳውን ኣይኮነን።
 
ፕሮፖጋንዳ ናይ ኣየር ትምነያ ኣይኮነን! ሎሚ ዝናብ ኪዘንብ’ዩ ወይውን ኣይዘንብን’ዩ ኢልካ እትትንበዮ! በዚ ምኽንያት ከኣ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ብሰራዊት ደርጊ ተሳዒሩ ፋሕብትን ኢሉ ኣብ ዘዝልቐሉ ዝነበረ እዋንውን ከይተረፈ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ‘ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትና ምስ ሰራዊት ደርጊ ኣብ ዝገበሮ ግጥም” ንጸላኢ ስዒሩ ክንድዚ ብረት ማሪኹ፣ ክንድዚ ወተሃደራት ደርጊ ቀቲሉ፣ ክንድዚ ደጊሙ፡ ወዘተ. ‘ ክትብል ዘይሰምዐ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ዘሎ ኣይመስለንን! መስርሕ ቃልሲ’ዩ!
 
እዘን ሕጂ ብኣሰና ዝወራዘያ ዘለዋ መርበባት ደለይቲ ፍትሒ ዝጽውዓ ግን ትማሊ ኣሰና ‘ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ከም ዝራሕርሖ ኣብ እዋኑ ክትገልጽ ከላ፡ ንሳተን ግን ብድሕሪኡ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ጸኒሐን’የን ነቲ ዝኣረገ ዜና ህድማ ዓሊ ዓብዱ ከም ሓድሽ ናብ ህዝቢ ኣቕሪበንኦ! ኣብ ስርሒት ፎርቶ ናይ ወዲ ዓሊውን ከምኡ! እዘን መርበባት ሓበሬታታት እዚኣተን ግን ኣብ መንጎ መንግስቲ፣ ህዝብን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ምንጻር ኣጊሙወን ንጉጅለ ህግደፍ ምስ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምልሓግ፡ ንዘጋጠሞ ኣህጉራዊ ንጸላ ‘ንኤርትራ ከምዚ ኣጋጢሙዋ’ እናበላ ክቑዝማን ናይ ተበዲልና መግለጺታት ክህባን ክትሰምዐን ከለኻ እዚኣተንሲ እምበርዶ መራኸቢ ብዙሃን ደለይቲ ፍትሒ’የን ዘየብላ ኣይኮናን! ግን ዋላ 1% እውን ትኹን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣጃሙ ዘበርከተ ዜጋ ወይ ኣካል ክድገፍን ክተባባዕን ስለ ዝግብኦ፡ ኣጆኽን ምባለን ኣየቋረጽናን! ንዝገበርኦ ጉድለታት ጸብጺብናውን ከነጥቅዐን ኣይፈተንናን እንትርፎ ንምዕባለአን ዝድርኽ ምኽርን ሓበሬታን ምሃብ።
 
እዘን ሕጂ ንኣሰና ንምውቃስ ሕፍር ዘይበላ መራኸቢ ብዙሃን እዚኣተን ድማ ብሓቂ ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ኔረን እንተ ዝኾና፡ ከምተን ዓሰርተታት ፋሕ ጭንግራሕ ኢለን ብዘይኣድማዕነት ዝሰርሓ ዘለዋ ውድባት ዝበሃላ ጉጅለታት ንሓድሕድካ ምንኻስ ገዲፈን፡ ብኣንጻሩ ንሓድሕደን ብምድግጋፍ ነታ ብደገፍ ህዝቢ ዝከኣላ ተበርክት ዘላ ድምጺ ውጹዓት ኣሰና፡ ኣብቲ ንሳተን ብከንቱ ዘባኽንኦ ዘለዋ ዝበዝሐ ክፋሉ ብዝተፈላለየ ንምልኪ ከጸባብቕ ዝተደርፈ ደርፍታት ደገፍቲ ህግደፍ ዝሽፈን ፈነወ ማዕበል ማለት፡ ናይ ሳተላይት ዕድል፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሰዓት፡ ኣሰና ክትጥቀመሉ ብምፍቃድ፡ ናይ ብሓቂ ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ሙዃነን ብግብሪ ኣረጋጊጸን፡ ንቓልሲ ሓርነት እንተ ዝድርዓዶ ኣይምሓሸን!? እቲ ዕላማ’ኮ ንሓድሕድካ እናተደጋገፍካ፡ ኣብታ ፍትሒ ስኢና ብሕሰም ትሕመስ ዘላ ሃገርካ ፍትሒ ምስፋንን ምንጋስን’ዩ እምበር ናይ ኣነ ይበልጽ ውድድር እተካይደሉ ጎልጎል ማራቶን ኣይኮነን! 

 
ነዛ ጸጸር ዘይኮነስ ከቢድ ደንጎላ ናብ ጉጅለ ምልኪ ትድርቢ ዘላ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከኣ ብሓሶት ጠቂንካ ካብ ህዝቢ ከም ትንጸል ብምግባር ዝርከብ ረብሓኸ እንታይ እዩ!? ምብሓትድዩ? ካብ ሓደ ሙዃን ክልተ ሙዃንዶ ኣይበልጽን!? ነቶም ንደሞዞም ጥራይ ዝሰርሑ ኣባላት ድምጺ ኣመሪካ ንምምሳል ኢልካ፡ ጉጅለ ምልኪ ህዝቢ ንምትላል ኢሉ ኣቆናጅዩ ዘቕርቦ ‘ዒላ ኲዒተ፣ ዲጋ ሃኒጸ ወዘተ.’ ዚብል ናይ መደናገሪ ዜናታት ከም ዘሎዎ ምድጋምከ እንታይ ንምርካብ’ዩ ተደልዩ!? እዚ ዕላማኻን ሸቶኻን ብግቡእ ካብዘይምፍላጥን ኣብ ስራሕካ ርእሰ ተኣማንነት ካብዘይምህላውን ዝመጸ፡ ራዕድን ምጥርጣርን ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፡ የዋሃት ብምድንጋር ብተዘዋዋሪ ዕምሪ ምልኪ ምንዋሕውን ስለ ዚኾነ፡ ደጊመን ክሓስባሉ በዚ ኣጋጣሚ ከተሓሳስበን እደሊ። ዚኾነ ይኹን ንኣበርክቶ ደለይቲ ፍትሒ ዘቆናጽብ ሓይሊ ከኣ ብዘይካ ብህግደፍ ብኻልእ ተቐባልነት የብሉን!  ንዓማጺ ምድጋፍ ከኣ መሰል ዘይኮነስ ገበን’ዩ! ስለዚ፡ ኩሉ ንህግደፍ ዝድግፍ ሰብ ገበነኛ ሙዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ!
         
ኣትን መሻርኽቲ *ኣተና ዘይብልክን   *ሓሳብ፡ ዕላማ
ነዚ ውፉይ ዜጋ ኮማንዶ ሓርነትክን
ንዘሎን ዘየሎን ሓሶታት ሰናኒዕክን
ምስራሕ ትኸልአኦ ስሙ እናኣጸለምክን
ሰላም ዘይትህብኦ እንታይ እዩ ጌሩክን?
ኣብ በረኻን ባሕርን ከይትጠፍእ ህይወት
ንፍትሕን መሰልን ናይ ህዝቢ ሓርነት
ሃገሩ ንኸድሕን ካብ ጥፍኣት ካብ ዕንወት
ንሱ ግዜ የብሉን ጭርጭር ኪጻወት!
ስለዚ፡ ትም በላ ንከንቱ ኣይትድከማ
ሓሶትክን ክትብድህ ምሳኻትክን ገጢማ
ግዜ የብላን ኣሰና ሰፊሕ’ዩ ዕማማ
ስቅያት ህዝባ’ዩ ስቓያ ሕማማ
ሓራ ንኸተውጽኦ ግቡኣ ፈጺማ
ሰለም ኣየበለትን ከተዕርፍ ደኺማ!
ብዘይሕግን ፍርድን ህዝብና መቊሑ
ኣብ ሃገርና ከሎ *ባልዋ ኣሳፊሑ        *ኣርሓ መፍለስ
ጸላምና ኪቕንጠጥ መሬትና ወጊሑ
ክንዲ ትቃለሱ ቁውም ነገር ክትሰርሑ
ናብ ጎምበል ሓርነት ንምንታይ ትነብሑ!?
 
ክብርን መጐስን ነታ ለይትን ቀትርን ከይተሓለለት፡ ብዘይገለ ዓስቢ ንህዝብን ሃገርን ተገልግል ዘላ ኣሰናን ኣካየድታን ይኹን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • meron February 20, 2015

    aybelnan do ye …Erena mesahak sherafat koyna weyzom welmatat. metkel zeyblu, genzeb zemedu da entay rebha lewo bzeyka genzeb.

  • bekit February 20, 2015

    Erena is clearly doing its best to be the go-to radio for Eritreans. The problem is though if you are not dedicated and you do not have integrity you get nowhere. For a long time now Erena has been digging garbage to discredit Asena. What does Erena get by discrediting Asena? It wants to be the only Eritrean news media in Diaspora. The fact that it keeps forgetting is Erena is third rate while Asena is first rate in everything. And there is also the fact that Asena’s stand is clear. It sides with the Eritrean PEOPLE while Erena sides with its bank accounts. And now it is clearly siding with the Eritrean dictator. Erena and meshrefet as bed fellows? kkkkk

    • Gezae February 20, 2015

      Long live Meskerem.net Eritrean People net work.

  • Milion Taame February 20, 2015

    Mesinas mesinas mesinas, please please please do not exaggerate. The father is such an extraordinary eloquent speaker. He did not say any thing wrong about the Ethiopian people and government. Mesinas please please please understand the situation he is in as a father and brother of the victims. Assenna is unique no need to add more. I agree on what you have said about Assenna. But apologies never kill, make someone stronger.

  • robi February 20, 2015

    Haw Mesinas,
    You and Asena are giving the dictator and his puppies’ (including meshrefet net and erena gual mengo) headache! Keep the good job, bro! ayekeyey merzeney telailatni kbla yrayaka! LOL

  • ERITRAWIT February 20, 2015

    Amanule kab kereba seb nezom yehwatna gday koynom zelew ztewahbo melktey eu amahalalefew.
    Ente, Meskerem=MetaQusit nay Isaias kohahela temse gele buko terekebet nay deleytey fthey ka hawey bel bel teble beta mesherefet site gera. Bzaba Erena bzeh aflto yebleyen nay Meron hamews nay senbet-N nketatelo nerna hanti “Tegadalit eye bahalit” Enda amse shewhatna asewo Yonatan. kemew gerom ntekalasit merbeb mglasom gen yehzen.
    Mesinas, krdaney aykalen Etey KIbrom zhabo meglesey semewo alekew gen kemey elew eu etey kdan nay kolew, werekaktey ksenho kelew etey ab Tgray znebere? Etom sebat ke abey Atew? Etey kdawntey ka welahantey k-dad aysenehon eu elew.
    etey kblwo zsenhew ka abew ms kede kemew kemzeyseneho eu negrew. Ashahat yehwatna yatew alew nab Ethiopia B halewa teketelom gen aysemanan skab hjey bjeka betey Harges ab hagerna zelo kemey eu teredeka zelo ezey neger?
    sorry nay Gezze slezeybley eu teredeka k-kewn.

  • Abisho February 21, 2015

    I Wanna tell you same thing my people except Assenna site all of the other sites were just simply verbal they didn’t have evidence, just criticizes for Assenna, but they never ever close to Assenna. Assenna all the time stand up beside of Eritrean victimized people we believed Assenna onece for ever, because Assenna means the voiceless and suffering people of Eritrean.Don’t blame to Assenna, Assenna is the Heart beat of our people.Today Assenna tomorrow Assenna.

  • Debre February 21, 2015

    ሰላም መሲናስ
    ሰላም የሕዋት
    ኣብ ቆሎን ጥጥቆን ዘረባታት ከነተኩር የብልናን። እቲ ከነተኩረሉ ዝግብኣና፡ መሲናስ ከምዝበሎ፡ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ‘ዩ። ሓደ ሰብ ንነፍሱ ሓሙሽተ ጊዜ ንምንታይ እሉ ንነፍሱ ይሕተት። ኣብታ ሓሙሸይቲ እቲ መልሲ ንጹር ክኾነሉ ‘ዩ። ወያነ ይቅተለን ሻዕብያ እዘን ተባሂለን ዘለዋ ስድራ ቤት ግዳይ ኮይነን ዲየን? ስለምንታይ ኮይነን? ስለምንታይ ኣብ ሃገረን ክነብራ ዘይከኣኣላ? ስለምንታይ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣቦአን ክኸዳ ዘይከኣላ? ስለምንታይ ብስግረ ዶብ ካብ ሃገረን ክወጻ ተገዲደን?

    ኣብ ደንበ ተቃወምቲ ዘለዋ ሜድያታት ሓቢረን ክሰርሓ እዩ ዝግበአን። ንኣሽቱ መቀነት ኣደይ ሓንኩሊኒ ንትርኽ ንቃልሰይ ሰናይ ኣይኮነን። ኩሉ ዜና ትክክል ‘ዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን ‘ዩ። ጫፍ ዘይብሉ ግን ኣይዝረብን እዩ። “ዘይተፈሰወ ኣይጭኖን ‘ዩ” ‘ኳ ዝበሃል። ነቲ ዝተገብረ ወይ ዝተፈነወ ጌጋ ዜና መአረምታ ምሃብ ግን ግቡእ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግዳይ እዚ ሕሱም መንግስቲ ምዃነን ‘ዩ። ናይ ዜና ኣውታር ከምበዓል ኣሰና ምስ ዘለወን ሕጽረት ፋናንስ ሓቀኛ ዜና ንምርካብ ዘለወን ጸገም ብዙሕ እዩ። እዚ ‘ኳ ዘይሕለላ ኮይነን።

    ነንሕድሕድና ንተኣራረም። ጽቡቕ። ነንሕድሕድና ንደጋገፍ። ጽቡቅ። ነንሕድሕድና ሓበሬታት ንወሃሃብ። እዘውን ጽቡቕ። ነንሕድሕድና ንዘነጣጠል ግን ግናይ እዩ። ኣየስረሓናን ከኣ።
    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
    ደብረ

  • Mesinas February 21, 2015

    ርእይቶ ንወሃብቲ ርእይቶ፥

    ሰላም ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት፡ ብመጀመርያ ንኹላትኩም ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ዛዕባ ምኽርኹምን ርድኢትኩምን ዘካፈልኩም ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራውያንን ከመስግን እፈቱ። መንቲ (ቁውም ነገር) ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ከኣ ነቲ ሓደ ደላዪ ፍትሒ ደጊፍካ ነቲ ሓደ ምንጻግ ወይ ንዝተጋገየ ደላዪ ፍትሒ ግጋኡ ኣይተኣረም ማለት ከምዘይኮነ ንነፍሲ ወከፍና ንጹርን ብሩህን’ዩ ኢለ’የ ዝኣምን። በዚ መሰረት ከኣ ነተን ካብዚ ወፍሪ ስኒትን ሓድነትን ደለይቲ ፍትሒ ተበጊሰን፡ ነታ ጌጋ ሓበሬታ ሂባ ዝበልኣ ኣሰና ብከምዚ ኣውጺአንኦ ዘለዋ ኣጋባብ ዘይኮነስ በቲ ኪኾኖ ዝነበሮ ልዙብ ኣጋባብ ማለት፡ ‘ቅድሚ ሕጂ ንኣማውታ እዞም ኣሕዋትና ዚምልከት ኣብ ኣሰና ብኸምዚ ኣጋባብ ተገሊጹ ኔሩ’ሞ እቲ ሓቂ ግን ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ስለ ዘይተነጸረ፡ መግለጺ ኣሰና ጭብጢ ዘሎዎ ኣይመስለናን! ክሳዕ እቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ዝርከብ ግን ምናልባት እዚ ናይ ኣሰና መግለጺ ሓቂ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ብዚኾነ ሓቅነቱን መዕለቢኡን ንምርግጋጽ ግን ናይ ኩላትና ስራሕን ጻዕርን ስለ ዝሓትት ኩሉ ዜጋ ነዚ ጉዳይ ንምጽራይ ዝከኣሎ ንኽገብር ብትሕትና ንሓትት?’ ዚብል ሓላፍነት ዘሎዎ መግለጺ ኔሩ እንተ ዚኸውን ኔሩ ንኹሉ ሰብ መሐጐሰን መተባብዐን ኔሩ ዚብል እምነት ኣሎኒ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ መግለጺታት ነዚ ዘአንፍት ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ኢና ነቐፌታ ጽሒፍና።

    ብወገነይ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ከነስተውዕለለንን ክንጥንቀቐለንን ዘለና ክልተ ዓበይቲ ጉዳይ ዘለዋ ኮይኑ ይስምዓኒ። ዚኾነ ይኹን ደላዪ ፍትሒ፡ ዘበርክቶ ቃልስን ጻዕርን ብዘየገድስ እንተ ደኣ ተጋግዩ ግድን ክእረምን ክንቀፍን ከም ዘለዎ’ዩ! ከምኡውን ዚኾነ ሰብ ኪጋገ ኣይክእልን’ዩ ወይውን ንሱ ዝበሎ ኩሉ ነገር ቅኑዕ’ዩ ዚብል እምነት ከይህልወና ምስትውዓል ከድልየና’ዩ። ትሰርሕ ስለ ዘለኻ ኪትጋገ ንቡር’ዩ። ዝተጋገየ ጌጋታቱ ኪንቀፍን ኪእረም ከኣ ንቡርን ግቡእን’ዩ። በዚ መስረት ከኣ ነዘን ሕጂ በቲ ንኣሰና ንምንቃፍ ብዘርኣየኦ ግጉይ ኣጋባብ ዝንቀፋ ዘለዋ ማዕከናት ደለይቲ ፍትሒ፡ ብፍላይ ድማ ራድዮ ኤረና በዛ ጉድለት እዚኣ ወይውን ብኻልእ ምኽንያት ጌርካ፡ ነቲ ትገብሮ ዘላ ዓቢ ኣበርክቶ ቃልሲ ኪኖ ሓጹር ክንድርብዮ ኣይግባእን’ዩ! ገለ ሰባትውን ብዛዕባ ገንዘብ ወይውን ምዕሳብ ዚብል ርእይቶታት ወስ ኣቢሎም ኔሮም። እዚውን ብዚኾነ ይኹን ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ኪልዓልውን ኣይግብኦን። ምኽንያቱ፡ ዕላማና ንዝተጋገየ ምእራም እምበር ምውንጃል ስለ ዘይኮነ።

    ራድዮ ኤረና ከኣ ክሳዕ ንሓርነት ህዝብና ዝተቓለሰት፡ ንመቃለሲ ዚኸውን ገንዘብ ካበይ ተምጽኦ ኣላ ንኣኣ’ምበር ንኻልእ ዚምልከት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ብናታ ብልሓትን ጻዕርን ነቲ ገንዘብ ረኺባ ነብሳ ስለ ዝኸኣለት ክትምጐስ’ዩ ዝግብኣ። በቲ ዝረኸበቶ ናይ ገንዘብ ዕድል ተጠቒማ፡ ንኻልኦት ከምቲ ናታ ዕድል ዘይረኸባ መራኸቢ ብዙሓን ደለይቲ ፍትሒ ከተተባባዓሉ ዘይምኽኣላ ግን ቁሩብ ቂር ይብለካ’ምበር ካልእ ብዛዕባ’ዚ ዘንቅፋን ዘውቅሳን ነገር የለን። ደሓር ኣብዚ ኩልና ከነስተውዕለሉ ዘለና ዓቢ ጉዳይ ዘሎ ይመስለኒ፡ ንሱ ከኣ ዕላማን ውጽኢትን ናይቲ ዚፍኖ ዘሎ መደብ’ዩ ከገድሰና ዘለዎ’ምበር ፈናዊ እቲ መደብ ኣይኮነን! ራድዮ ወያነውን ንሓርነትናን ሰላምናን ዘቃላጥፍ ፈነወ እንተ ትጅምር፡ ኣጆኺ ክንብላ’ምበር ናይ ወያነ ስለ ዝኾነት ጥራይ ተቐዳዲምና ክንነቕፋን ክንውግዛን ዝግባእ ኣይመስለንን።

    ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት፡ ሕመረት ዓለቐይ (ርእይቶይ) ኣነ ኣባል ኣሃዱ ኣሰና ስለ ዝኾንኩ፡ ንኣሰና ንምጥባቕ ኢለ ዘይኮነስ ካብቲ ወትሩ ዘይቅየር ዕላማይ ማለት፡ “ቃልሲ ሓርነት፡ ብጽልኢ መላኽን ደገፍቱን ዘይኮነስ፡ ብፍቕርን ክብርን ደለይቲ ፍትሒ ስለ ዚዕወት! ኣብ መንጎና ናይ ግድን ፍቕርን ስኒትን ማለት ሓድነት ኪህሉ ኣለዎ!” ካብ ዚብል መርገጽየይ ስለ ዚነቅል’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ቅድሚ ሕጂውን ኣሰና ንኽብርቲ ሓብትና ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ዚምልከት ናይ ጠቐነ ጽሑፍ ምስ ኣአንገደትውን ያዕ! ኢለ ኔረ’የ። ምኽንያቱ፡ ንሓድሕድና ክንተኣራረምን ክንተሓጋገዝን’ምበር ንሓድሕድና ክንወናጀል ስለ ዘይብልና! ምትእርራምናውን ዝያዳ ከብልሓናን ከፋቕረናን ደኣ ኣለዎ’ምበር ከተፋንነናን ከጻላኣናን የብሉን! ከምኡ እንተ ኮይኑ ግን ነቲ ጸላኢና ብምሉእ ዓቕሙ ዝሰርሓሉ ዘሎ ናይ ምፍልላይና ወፍሪ ተወሳኺ ነዳዲ ምኽዓው’ዩ ኪኸውን። በዚ ከኣ ኩልና ስለ ንጉዳእ ክንጥንቀቕ’ዩ ዘለና።

    ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ክብርቲ ሓብቲ ኤርትራዊት ዝሓተተትኒ ንቓለ መጠይቕ ክብሮም (ኣቦ እቶም ግዳያት) ዝምልከት ሕቶ’ዩ። ሓቂ ንምዝራብ ክብርቲ ሓብቲ ኤርትራዊት ኣነውን ካብቲ ቃለ መጠይቕ ብዘይካ “ማለት’ዩ” እትብል ተደጋጋሚት ሓረግ ካልእ ዋላ ሓንቲ ቁውም ነገር ክጭብጥ ኣይከኣልኩን። እንታይ ከም ዝበለን ክብል ከም ዝደለየንውን ክሕዞ ኣይከኣልኩን። ዝተረድኦ ሰብ እንተልዩ ግን ንኹልና መብርሂ ክህበና በዚ ኣጋጣሚ ብትሕትና እሓትት።

    ካልእ ክብርቲ ሓብቲ ኣልማዝ ጓል ኣስመራን ክቡር ሓው ደብረን ንዝሃቡዎ ኣዝዩ ብሱል ርእይቶ ደጊምና ክንነብብ ንኹልና አዘኻኽር። ንኣኣቶምውን ደጊመ ስለቲ ብሱልን መሃርን ርእይቶኦም ከመስግኖም እፈቱ። ከምኡውን ንኹሎም ወሃብቲ ርእይቶ። የቐንየለይ። ሓው መሲናስ

    • Asghedom Woldeghiorghis February 21, 2015

      I am happy to read your comment in this web site, but this time I don’t Agree with you.
      1. In any case this family are victime of the actusl regim , it is completly clear. The cause of all is the actusl regime and Meskerem and others are not opposition webdites but of the Eritrean Regime Websites. Since they are afraied of the event , as ususl they sre looking the cause and the miseri of Eritreans is coming ftom Weyanie not from the uncsble lesders of Eritrea.
      2. If these children have dyied the Eritrean peopke are responsable invluding the regim, because eritreans have never done any think about this issue, and it was necessary to hive proper information to the eorld about Eritrean chikdren.
      3. Meskerem website, is saying that Not Eritreans but Tigrians have killed them, in any case the responsability is always of eritrean Regim
      to protect Eritrean children not to kill them.
      4. We have exprience , this regim is killing all etitreans who are going out to the noighbouring ciuntries including Sudan.
      5. Eritreans are paying 50,000 euro for every member misding from Eritrea.
      6. Meskerem and other websites are eritrean regim websites therfore we have to condamn this websites as the enemy of Eritrea and Eritrean people. Enough is enough.
      They have to decleare they are Eritrean Government webdites to support the actusl leaders of Eritrea.

    • gerimuna February 21, 2015

      comment to Misnas comment,
      Dear brother, forget about Meshrefet. But why did not you guys communicate with Erena to settle the issue as comrades in arms. I am not discounting your intelligence that you may have intention or tried it but I believe would have alienated the servant of the dictator, Meshrefet. However, high water or hell, keep up your impressive work which is a pride that will remain etched for the future, long time after the dictator follow his brother Kaddaffi trails.

  • Muler February 21, 2015

    Dear Misenas,
    I have got a question for you. are tv eri serving the truth? And ASSENA, Erina, Meskerem and so on are free Media voice of the voice less people? They all the same propaganda machines. They do not follow the Ethics of journalism bro all of them are politician so I don’t expect to see +ve attitude they should separate their political opinion from their profession to be effective and fair this is the war between politician who is better do not get surprise

  • Tes February 21, 2015

    Dear Misnas,

    Very good article and it is to the point. Erena some times I wonder what are it’s objectives. To my understanding it should promote a fight for democracy and justice. after all it is financed by EU and those who work in redio Erena should be show high integrity in their work. But their behaviour shows incompetence because a redio station with that magnitude should not spread about someone believes that or other. Anyone have right to conspire about any thing but decimate it and blackmailing others information outlet based on here say is disgusting. It is unbelievable to talk about Assenna which is the only true redio of the people by people without any fact except the family member thinks otherwise. It is his right to think whatever he likes but he has no facts at hand and Erena should not jump to blame assenna. There is not indication to contradict the original facts given by appropriate channel. Erina is a disgrace to its financiers and people of Eritrea. Assenna proven itself again and again how outstanding information outlet it is. I am sure it will go from strength to strength while Erena and co will fade off with time. Their time is based on the suffering of our people and their life span is correlated with our people suffering. Erena is misleading its financers by pretending as advocate of justice to their financiers and they are happy if the miseries of our people continues. If thing get to normal in eritrea they will be out of work.

    I have seen some people consider Meshrefet net as opposition website. It is really laughable to consider it as website for justice. It is ant-unit and work hard to discredit anyone who stand up against injustice. It full blown master piece mouth of HGDEF and I am sure there are documented crime against Eritrea and Eritreans by this website and one day the owner of that website will stand in the court of law and receive fitted punishments. I am hoping that time won’t be long.

    Long live assenna. Don’t intimidate by those anti unity and distracters. God bless you team assenna.

POST A COMMENT