Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስቅያት ህዝባ’ዩ ስቓያ ሕማማ!

  "ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ

 
“ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ ሓቕነት ዘይብሉ ዘይተጻረየ ሓበሬታ መን ከምዝሃቦም’ውን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ጠቒሱ።” ቃል ራድዮ ኤረና።
 
“ብ 20 ለካቲት 2014 ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ተባሂሉ በቲ ሓሶት ዝልማዳ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተጋውሓሎም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትን ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ኣሞኦምን ጉዳይ ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ኣዚዩ ግጉይን ከምዝኾነ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጥ ኣቦ እቶም ክልተ ቆልዑ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ ኣቃሊዑ፡፡” ቃል መሽረፈት ኔት።
 
እስከ ሓንሳብ ነዘን ንሓሶት ብሓቂ ዘቃልዓ፡ ሃበርም መራኸቢ ብዙሃን ደለይቲ ፍትሒ፡ ድሙቕ ጣቕዒት ኣቕርቡለይ? ሃየ’ስከ ድሙቕ ጨብጨባ! ‘ሻሕ ሻሕ ሻሕ…’ የቐንየለይ፡ ክብረት ይሃበለይ።
 
እዘን ኣቕድም ኣቢልኩም ዝነበብኩመን ክልተ ጽሑፋት ብምቕራበን ዘንጨብጨብኩሙለን ክልተ መርበባት ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ፡ እዚ ሓቀኛ ሓበሬታ ዝበልኦ ናይ 2014 ዓ.ም ዝዓበየ ዓወት ዝተጓናጸፋሉ ስርሐን’ዩ ኔሩ! በቃ ነታ ናይ ሓሶት ወረ ዘቕረበት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዕርቃና ኣውጺአንኣ ማለት’ዩ። በዚ ከኣ ካብ ተደናገጽቲ ህግደፍ ዝግባእ ክብርን መጐስን ክረኽባ ክኢለን ኣለዋ! ‘ሓቀኛታት መርበብ ሓበሬታ’ ዚብል ናይ ዓወት ኒሻንውን ንምሽላም በቒዐን ኣለዋ። ዘሐብን ዓወት’ዩ! ኣቤት! ኣቤት! ኣቤት ዓወት!
 
ኣቱም ሰባት፡ ናይቶም ኮነ ኢሎም ነዚ እኩይ ናይ ድኹማት ስራሕ ዝጽዕቱሉ ዘለዉ ኮራኩር ህግደፍ ገዲፍኩም እሞ ብዛዕባ’ቶም ንፍትሕን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብሉ ደለይቲ ፍትሒ ዚብል ምስሉይ ካባ ዝለበሱ ሰባት’ሞ ቊሩብ ሕስብ ኣብሉ። ኣብ ልዕሊ’ታ ብዘይስልንስል ብምሉእ ልብን ትብዓትን ኣንጻር ጉጅለ ምልኪ ገጢማ ትጠማጠም ዘላ ኣሰና ጸብለል ኢለን ንኽርኣያሲ፡ ዓቢ ዓወት ከም ዝረኸባ ያኢ ካብ ሓደ ብዓል ጉዳይስ ይትረፍ ናይ ሓሶት ድራማ ከማን ክሰርሕ ዘይክእል ብዛዕባ’ቶም ሞይቶም ዝበሎም ደቁን ሓብቱን ምንም ኣፍልጦ ዘይብሉ፡ ብዘይካ ‘ማለት’ዩ’ እትብል ሽሕ ግዜ ዝተደጋገመት ቃል ካልእ ክንርደኣሉ ዘይከኣልና ሰብ፡ ዝሃቦ ዘይንጹር ሓበሬታ ሒዝካ፡ ንኣሰና ተጓይኻ ምኽሳስ ምስ ምንታይ ኪቑጸር ይኽእል!? ካልእ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅም ክጓየያሉ ዝግብአን ሓበሬታ የለንድዩ ኣታ!?
 
ውዒሉ ሓዲሩ ኣማውታ ናይዞም ሰለስተ ዜጋታትና፡ ካብቲ ኣሰና ኣቐዲማ ዝገለጸቶ ሓበሬታ ከምዘይሓልፍ ጥርጥር የብሉን። እቲ ዋና’የ ዝበለ ሰብ ከኣ ኣብ ክንዲ ነቶም ንእኡ ኣዕቊቦምን ዘድሊ ናይ መገሻ ወረቓቕቲ ኣሳሊጦምን ናብ ኣመሪካ ዝለኣኹዎ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ተጓይዩ ዘወንጅል፡ ነቶም ንኣኡን ንስድራኡን ናብ ስደት ንከምርሕ ዝቐሰቡዎ ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ኪኸስስን ኪምክትን’ዩ ዝግብኦ ኔሩ። “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። ንሱ፡ እቲ ጠንቂ ኩሉ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዚኾነ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ በዚ መገዲ ጥፍኣት’ዚ ንኽጉዓዙ እንተዘይቅስቦም ኔሩ፡ እዞም ዕሸላት ምስ ጎርዞ ኣሞኦም ኣምበይምጠፍኡን ኔሮም!
 
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ምልኪ’ዚኸ ቅድሚ ሕጂ ብዶብ ንዝሰግሩ ዜጋታትና ብጥይት ብተመልከተለይ ኣይመልዓሶምንድዩ!? እዚውን ዋላ ባዕሉ ኣይውዓሎ ጠንቂ ናይዚ ሞትከ ንሱዶ ኣይኮነን’ዩ!? እተን ብደገፍቲ ህግደፍ ‘ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሂበን’ ተባሂለን ከይውንጀላ ምእንቲ፡ ዋላ ብእዝነን ንዝሰምዐኦን ብዓይነን ዝረኣየኦን ሓቂ ንምግላጽ ገለብ ሸለብ ዝብላ ውሑዳት መርበብ ሓበሬታታት ደለይቲ ፍትሒከ ሓቅነት ኣሎወንድዩ? እወ ሓቅነት ኣለና እንተ ደኣ ዝብላ ኮይነን ብሓቂ መርበብ ሓበሬታ ቃልሲ ማለት እንታይ ማለት ሙዃኑ ብግቡእ ኣይተረድአንን ኣሎ ማለት’ዩ! ምኽንያቱ፡ እታ ‘ድምጺ ሓቂ እናተባህለት ብህግሓኤ. ስማ ዝገነነ ድምጺ ሓፋሽውን እንተኾነት ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ሓቀኛ ሓበሬታ ኣቕሪባ ኣይትፈልጥን’ያ! እዚ ከኣ ባህርን ልምድን ፕሮፕፕጋንዳ ቃልሲ ከምኡ ስለ ዚኾነ ጥራይ እዩ። ብኣሉታ ወይውን ብሓሶት ዘውቅሳውን ኣይኮነን።
 
ፕሮፖጋንዳ ናይ ኣየር ትምነያ ኣይኮነን! ሎሚ ዝናብ ኪዘንብ’ዩ ወይውን ኣይዘንብን’ዩ ኢልካ እትትንበዮ! በዚ ምኽንያት ከኣ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ብሰራዊት ደርጊ ተሳዒሩ ፋሕብትን ኢሉ ኣብ ዘዝልቐሉ ዝነበረ እዋንውን ከይተረፈ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ‘ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትና ምስ ሰራዊት ደርጊ ኣብ ዝገበሮ ግጥም” ንጸላኢ ስዒሩ ክንድዚ ብረት ማሪኹ፣ ክንድዚ ወተሃደራት ደርጊ ቀቲሉ፣ ክንድዚ ደጊሙ፡ ወዘተ. ‘ ክትብል ዘይሰምዐ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ዘሎ ኣይመስለንን! መስርሕ ቃልሲ’ዩ!
 
እዘን ሕጂ ብኣሰና ዝወራዘያ ዘለዋ መርበባት ደለይቲ ፍትሒ ዝጽውዓ ግን ትማሊ ኣሰና ‘ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ከም ዝራሕርሖ ኣብ እዋኑ ክትገልጽ ከላ፡ ንሳተን ግን ብድሕሪኡ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ጸኒሐን’የን ነቲ ዝኣረገ ዜና ህድማ ዓሊ ዓብዱ ከም ሓድሽ ናብ ህዝቢ ኣቕሪበንኦ! ኣብ ስርሒት ፎርቶ ናይ ወዲ ዓሊውን ከምኡ! እዘን መርበባት ሓበሬታታት እዚኣተን ግን ኣብ መንጎ መንግስቲ፣ ህዝብን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ምንጻር ኣጊሙወን ንጉጅለ ህግደፍ ምስ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምልሓግ፡ ንዘጋጠሞ ኣህጉራዊ ንጸላ ‘ንኤርትራ ከምዚ ኣጋጢሙዋ’ እናበላ ክቑዝማን ናይ ተበዲልና መግለጺታት ክህባን ክትሰምዐን ከለኻ እዚኣተንሲ እምበርዶ መራኸቢ ብዙሃን ደለይቲ ፍትሒ’የን ዘየብላ ኣይኮናን! ግን ዋላ 1% እውን ትኹን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣጃሙ ዘበርከተ ዜጋ ወይ ኣካል ክድገፍን ክተባባዕን ስለ ዝግብኦ፡ ኣጆኽን ምባለን ኣየቋረጽናን! ንዝገበርኦ ጉድለታት ጸብጺብናውን ከነጥቅዐን ኣይፈተንናን እንትርፎ ንምዕባለአን ዝድርኽ ምኽርን ሓበሬታን ምሃብ።
 
እዘን ሕጂ ንኣሰና ንምውቃስ ሕፍር ዘይበላ መራኸቢ ብዙሃን እዚኣተን ድማ ብሓቂ ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ኔረን እንተ ዝኾና፡ ከምተን ዓሰርተታት ፋሕ ጭንግራሕ ኢለን ብዘይኣድማዕነት ዝሰርሓ ዘለዋ ውድባት ዝበሃላ ጉጅለታት ንሓድሕድካ ምንኻስ ገዲፈን፡ ብኣንጻሩ ንሓድሕደን ብምድግጋፍ ነታ ብደገፍ ህዝቢ ዝከኣላ ተበርክት ዘላ ድምጺ ውጹዓት ኣሰና፡ ኣብቲ ንሳተን ብከንቱ ዘባኽንኦ ዘለዋ ዝበዝሐ ክፋሉ ብዝተፈላለየ ንምልኪ ከጸባብቕ ዝተደርፈ ደርፍታት ደገፍቲ ህግደፍ ዝሽፈን ፈነወ ማዕበል ማለት፡ ናይ ሳተላይት ዕድል፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሰዓት፡ ኣሰና ክትጥቀመሉ ብምፍቃድ፡ ናይ ብሓቂ ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ሙዃነን ብግብሪ ኣረጋጊጸን፡ ንቓልሲ ሓርነት እንተ ዝድርዓዶ ኣይምሓሸን!? እቲ ዕላማ’ኮ ንሓድሕድካ እናተደጋገፍካ፡ ኣብታ ፍትሒ ስኢና ብሕሰም ትሕመስ ዘላ ሃገርካ ፍትሒ ምስፋንን ምንጋስን’ዩ እምበር ናይ ኣነ ይበልጽ ውድድር እተካይደሉ ጎልጎል ማራቶን ኣይኮነን! 

 
ነዛ ጸጸር ዘይኮነስ ከቢድ ደንጎላ ናብ ጉጅለ ምልኪ ትድርቢ ዘላ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከኣ ብሓሶት ጠቂንካ ካብ ህዝቢ ከም ትንጸል ብምግባር ዝርከብ ረብሓኸ እንታይ እዩ!? ምብሓትድዩ? ካብ ሓደ ሙዃን ክልተ ሙዃንዶ ኣይበልጽን!? ነቶም ንደሞዞም ጥራይ ዝሰርሑ ኣባላት ድምጺ ኣመሪካ ንምምሳል ኢልካ፡ ጉጅለ ምልኪ ህዝቢ ንምትላል ኢሉ ኣቆናጅዩ ዘቕርቦ ‘ዒላ ኲዒተ፣ ዲጋ ሃኒጸ ወዘተ.’ ዚብል ናይ መደናገሪ ዜናታት ከም ዘሎዎ ምድጋምከ እንታይ ንምርካብ’ዩ ተደልዩ!? እዚ ዕላማኻን ሸቶኻን ብግቡእ ካብዘይምፍላጥን ኣብ ስራሕካ ርእሰ ተኣማንነት ካብዘይምህላውን ዝመጸ፡ ራዕድን ምጥርጣርን ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፡ የዋሃት ብምድንጋር ብተዘዋዋሪ ዕምሪ ምልኪ ምንዋሕውን ስለ ዚኾነ፡ ደጊመን ክሓስባሉ በዚ ኣጋጣሚ ከተሓሳስበን እደሊ። ዚኾነ ይኹን ንኣበርክቶ ደለይቲ ፍትሒ ዘቆናጽብ ሓይሊ ከኣ ብዘይካ ብህግደፍ ብኻልእ ተቐባልነት የብሉን!  ንዓማጺ ምድጋፍ ከኣ መሰል ዘይኮነስ ገበን’ዩ! ስለዚ፡ ኩሉ ንህግደፍ ዝድግፍ ሰብ ገበነኛ ሙዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ!
         
ኣትን መሻርኽቲ *ኣተና ዘይብልክን   *ሓሳብ፡ ዕላማ
ነዚ ውፉይ ዜጋ ኮማንዶ ሓርነትክን
ንዘሎን ዘየሎን ሓሶታት ሰናኒዕክን
ምስራሕ ትኸልአኦ ስሙ እናኣጸለምክን
ሰላም ዘይትህብኦ እንታይ እዩ ጌሩክን?
ኣብ በረኻን ባሕርን ከይትጠፍእ ህይወት
ንፍትሕን መሰልን ናይ ህዝቢ ሓርነት
ሃገሩ ንኸድሕን ካብ ጥፍኣት ካብ ዕንወት
ንሱ ግዜ የብሉን ጭርጭር ኪጻወት!
ስለዚ፡ ትም በላ ንከንቱ ኣይትድከማ
ሓሶትክን ክትብድህ ምሳኻትክን ገጢማ
ግዜ የብላን ኣሰና ሰፊሕ’ዩ ዕማማ
ስቅያት ህዝባ’ዩ ስቓያ ሕማማ
ሓራ ንኸተውጽኦ ግቡኣ ፈጺማ
ሰለም ኣየበለትን ከተዕርፍ ደኺማ!
ብዘይሕግን ፍርድን ህዝብና መቊሑ
ኣብ ሃገርና ከሎ *ባልዋ ኣሳፊሑ        *ኣርሓ መፍለስ
ጸላምና ኪቕንጠጥ መሬትና ወጊሑ
ክንዲ ትቃለሱ ቁውም ነገር ክትሰርሑ
ናብ ጎምበል ሓርነት ንምንታይ ትነብሑ!?
 
ክብርን መጐስን ነታ ለይትን ቀትርን ከይተሓለለት፡ ብዘይገለ ዓስቢ ንህዝብን ሃገርን ተገልግል ዘላ ኣሰናን ኣካየድታን ይኹን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Wedi hans February 20, 2015

    Mesinas;

    No doubt at all, meskerem.net is a PFDJ mercenary website while the Reporters without Borders baby, Radio Erena’s chief aim is collecting money from the European Union and cuddling the PFDJ, Eritrea’s killing machine. They work like prostitutes and have not principle. Many are aware of this fact, those in doubt are just deluded. People may wonder why they don’t shut up and focus on their money making business. The problem is there will be no business without the hypocrisy they have mastered.

  • bahrenegash February 20, 2015

    Bitami tsibuk netbitat itom zitefelaleye kaba lebisom binay hizbi shigir kilagetsun biguday rebha natom tiray zihamu yifeletom imber itom gidayat kab zifetwuwa hagerom mis wetsu nimot teferidom iyom silez nab gual mengedi migyay nbedeltin feterti raedin midibas intay adleye ab kindi tirkimirki kitizareb minbar nimntay neti kendi tenki nhizbna nab tifat zefilis zelo guihila sirat zeykewin kalsina hager mis tsenetet diro ikua kit tsenit bizuh ayterefan kemeysi hager bizey menisey nabey getsa tisigum meniseydo aykonen takai weledo haili nay mibale bejakum kab guyiy miwual kisad mihaz yihishena hager mis tsenetet izi kulu meswati jaganu yehwatna bilash keykewin haye idey idka nibel may misfesese ayhifesin iyu higi iyu iti gize ikau bizuh ikua halifu bikentu kigiber zigibio nay zereba kunjina asbi yebilun libna yisfah nitom bikentu zimetu zelewu dima nisidriom tsinat yihabom!!!

  • Asmerom February 20, 2015

    ኣስተብህሉለን
    ህግደፍ ክሓምምን ክጭነቕን ከሎ ቃንዝኡ ኣብ መሽረፈት ነት እዩ ዝስማዕ። ሎሚ ቕነ ኢሳይያስ ብስርቂ ገንዘብ ምሕምዩን ኣሰና ዋዕዋዕ ብምባሉ ክይትቕጽልን ከኣ ‘ያ ከም ኣመላ መእዝን ክትስሕት እንትኾነል ሓሶት ትጽሕትር ዘላ። ኤሪና ከኣ ማሕፉዳኣ እዩ ዝዓጣ፣ መወልታ ሸለል ከይብሉዋ፣ ኣነ እየ ዘለኹ ‘ሞ ትኳቦኹም ኣይፈለየኒ እናበለት ካብ ገንዘብ ዓዲ ከይትውዕል በቲ ደላይት ፍትሒ ክትመስል እናኣደናገረት ንምልኪ ክተቀባጥርሉ ከከም ገጹ ብዘይመትከል ትነብር። ካብዘን ናይ ፖለቲካን ናይ ገንዘብን ፋይቶት የድሕነና።

    • Almaz Gual Asmera February 20, 2015

      እዝገ ኣዛረበካ ክቡር ሓው መሲናስን ዝብላኽ ርእይቶ ዘቐመጥኩም ዜጋታትን። ምኽንያት ናይቶም ረድዮ ኤረና እኳ ንዓይ ግልጺ ኣይኮነን። እንተ እቲ ወናንን ኣካይድትን መርበብ ሓበሬታ መሽረፈት.ነት (እንጀራ እዝጊ ትዓደል ጽቡቕ ሽማ ዝረኸብካላ ሰብ) ግን ንዓይ ናይ ትማሊ ሰብ ቐጠልያ ኪዳን (ኤትራውያን ኢሰፓውያን) እዮም ዘዘክሩኒ። ተጋዳላይ ናይ ጀብሃ ኔሩ ዝብሃል ሓቂ እንተኾይኑ…ገብሩ ኣስራት ናይ ኤርትራዶሞ ክንብሎ (ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ዳግማይ ገምጋም ብምግባር ምቕላሱን ኤርትራ ነጻ ኪወጽእ ሓቀኛ መርገጺ ምውሳዱን ዘጠዓሶ)። ድምጺ ኣመሪካ፡ ብፍላይ ተወልደውን መሓዝኦም’ዩ ዝመስል፤ ክንዲ ጎቦ ዝኣክል ጉዳይ ሽፍታ ሕጊ-ግደፍ እንዳሃለወ ብዛዕባ ደንጎላ ኪዛረቡ ዝመርጹ ብልሓቶም ይፈለጥ። ገለ ካብተን ኣብ ስዊስ ዝተቐመጣ ገንዘብ ደኾን ፈይ ይብላሎም ኮይነን እየን? ሕጊ-ግደፍ ወዮ ድኣ ዝተንከፋ ጉዳይን ትፈርሶ፡ ዝረገጻ ምድሪውን ትጠልሞ ኣላ እምበር…እንተኽኢሉ እንታይ ዘይገብር። ድዉይ ተጣባባይ እዩ ነገሩ። ሕጊ-ግደፍ ብደም ዝጠልቀየ ሽፍታ ስለዝኾነ፡ ዋላ ድኽመት ተቓወምቲ ይሃሉ፡ ገበኑ ከቢድዎ ናብ መቓብር ይጠንን እዩ ዘሎ። ግዜ ኸኣ ኣብ ጎድኒ ሕጊ-ግደፍ ዘይኮነትስ፡ ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራውያን እዩ። እዞም ናይ ዘመንና ኢሰፓ ድማ ሕማቕ ታሪኽ ንደቅኹም ትገድፉ ኣሎኹም፡ እምበር ብናትኩም ክድምና ትልቐብ ትንፋስ ሕጊ-ግደፍ የላን።

  • Semhar February 20, 2015

    Mesinas,
    Please focus on helping Kibrom rather than accusing others. This is not the time for blaming people. Please let’s try to find solution.

  • Barnabas Tekle February 20, 2015

    ኣብ ከተማ ዲሲ ዘገርም ነገር እንተሎ ዋና መስከረምን ዝጠፈሹ ናይ ተሓኤ ካድራትን መዳከርትን ዝነበሩ ሎሚ ኣታ ንበር ንበር ከዚሙ እንከለዉን ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ከውጠጥዩ ምርኣይ ዘገርም እዩ፡፡ እዞም ናይ ህርፋን ስልጣን ንምርዋይህግደፍ ቤተሰሞ እናጽነተ ጉጉይ ኣይኮነን ዝብሉ እዮም፡፡

  • Dawit Meconen February 20, 2015

    Alem Goito’om, the alleged webmaster of meskerem.net, is a reneged by any stretch of imagination. He affords the con artist isaias afecherqi a platform for relentless disinformation while at the same time embroiders himself as the “First Opposition” website. This double dealer must be exposed mercilessly.

    But again, with equal vigor and tenacity, we must also expose those who are serving woyane. After all the con artist isaias and woyane are the same set to decimate our country, people, culture, tradition and language.

  • hara February 20, 2015

    kbur kibrom degime tsinAt yhabka ybl enqaE dekika
    bsirAt hgdf aytereshenu wedi haftey gn kemtom hagerom kegelglu
    ZIBELEYU menseyat hiwetu kemahaysh dob kisegir TERESHINU
    DEKIKA bgibuE EYOM KIWETSU NEYRWOM MESELKA IYU NEYRU
    WHY gn hitsanat kolel yblu alewu UKBA zihba hagerat MITRNAF SIDRA BET afkiden kelewa
    ab ERITRA atika mot ketetsari zikeAl aykonen bezi edlegna ika
    ASSENNA hsem hizbna kabmiglats ayteqartsu

  • mussie February 20, 2015

    you are completely wrong to about eplf.if u are from tplf let us know.unless other wise you are wasting ur time.u write down does not make sence .

  • Amanuel February 20, 2015

    Shame on you radio Erena and Meskerem for trying to defend the indefensible crimes of the executioner!
    Everybody knows Isaias has a shot to kill policy.

    Don’t you remember the shocking incident some years ago, when his soldiers executed 5 underage children near the Ethiopian border and handed their id back arrogantly to their families in Adi Quala?

    After all, who massacred the dozen youngsters including the three sisters on their way to Port Sudan just a few weeks back?

    Isaias is not even in the mood to hide his crimes. Because, he knows that he has humiliated the Eritrean people enough to the extent of accepting their abuser as a savior.

    Assenna has done more than its share in giving voice to the poor Eritrean victims in Sinai, the Sahara and Mediterranean Sea when you were pampering the evil regime saying the government of Eritrea did this and the president did that as if Eritrea has a government & president. Obviously we know that you have your agenda, but at least please have some decency and don’t blame those supporting the unfortunate people who are dying like animals everyday

  • Sol February 20, 2015

    Meskerem is striving to prolong the power of the mafia regime by spreading ethno-religious sensitivities between Eritreans. The motto of meskerem is “the first opposition website” and in realty it is a fifth column working hard to promote the agendas of the dictatorial regime.

1 2 3

POST A COMMENT