ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ስርዓት ምትካል’ዶ ንስርዓት ህግደፍ ምጽጋን ?
እተን ዘይተኸልኣ በላሕቲ ኣጽፋር ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ሓድነት ኤርትራውያን ንምልሕላሕን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ወትሩ ምስተዋፈራ’የን። እከይ ተግባራት ህግደፍ ንህዝብና ሕቡእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ህግደፍ እቲ እንኮ ኣበር ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ ዝማጎቱ ብሓደ ሸነኽ፡ ካብ ህግደፍ ዝሓሸ
እተን ዘይተኸልኣ በላሕቲ ኣጽፋር ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ሓድነት ኤርትራውያን ንምልሕላሕን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ወትሩ ምስተዋፈራ’የን። እከይ ተግባራት ህግደፍ ንህዝብና ሕቡእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ህግደፍ እቲ እንኮ ኣበር ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ ዝማጎቱ ብሓደ ሸነኽ፡ ካብ ህግደፍ ዝሓሸ ስርዓት የለን ኢሎም ወገኖም ክመውት፡ ክእሰር፡ ከም ደቂ ዛግራ ክበታተንን ብጥሜትን ሕማምን ክሳቀ ሰብኣዊ ክብሩ ክርገጽን ስቅታ ዝመርጹን ዝደናገጹን ድማ በቲ ካልእ፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ ህግደፍ ተሓግሒጉ’ዶ ይደርበ ዋይስ ጸገማቱ ተኣልዩ ይቀጽል ዝብል ምጉት፡ ህግደፍ ዋላ’ኳ ጉድለታት እንተለዎ፡ እቲ ዝሓሸን ዝተወደበን ሃብታም ናይ ምምሕዳር ተሞኩሮ ስለዘለዎ ምስ ኣበሩ ኣብ ስልጣን ክቅጽል ኣለዎ፡ ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ካብ ስልጣን ምእላይ፡ ድማ ጉድለታቱ ኣሪምካ ምሕያሉ ይጠልቡ።
ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ኤርትራ ብሃይማኖት፡ ኣውራጃን ውድድር ስልጣንን ኩናትን ምምቅቃልን ከይፍጠር ስግኣትን ፍርሕን ስለዘለዎም፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ይመርጹ። ቀንዲ መበገሲ ስግኣቶምን ሻቅሎቶምን ድማ እዞም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘለዉ ተቃወምቲ ውድባትን ጉጅለታትን ንጹር ራእይን ጥርናፈን ስለዘይብሎም፡ መሳርሒ ካልኦት ሓይልታትን መንግስታትን ስለዝኾኑን ምሓዝ ስልጣን ናይ ከምዚኦም ዓይነት ውድባት ውጽኢቱ፡ ሓድሕድ ኩናትን ዘይምርግጋእን’ዩ ይብሉ። ካልኦት ብጥቅሚ ወይ ምትላል ክቱር ፍቅሪ ህግደፍ ዘለዎም ዜጋታት ድማ፡ ህግደፍ ልዕሊ ካልኦት ውድባትን ጉጅለታትን ናጽነት ስለዘምጽአን መስዋእቲ ስለዝኸፈለን ካብ ዝብል ምጉት፡ ብዘይካ ህግደፍ ካልእ ኣካል ቁምነገር ክገብር ዝኽእል ዘሎ ኣይመስሎምን’ዩ። ክሳብ ሎሚ ንህግደፍ ዝምክት ዝተወደበ ሓይሊ ስለዘየለ፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ዘይክሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምልኪ ህግደፍ ንመዋእል ጊላ ኮይኑ ንኽነብር ህግደፍ ዝነዝሖ ሓሶታትን መናውራታትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣየማትእን። ክክሓድ ዘይክእል፡ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒሩ ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸን መስዋእቲ ዝኸፈለን ውድብ ህግደፍ’ዩ። እቲ ዝተኸፍለ ህይወትን ሰውራ ንምዕዋት ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበረን ግን፡ ሓርበኛ ኤርትራዊ’ዩ። ስለዚ ህግደፍ ተራ መሪሕነት እምበር፡ ከም ካብ ሰማይ ዝወረደ መለኮታዊ ሓይሊን ብህዝቢ ኤርትራ ሓለፋ ክገብረሉ ዝተፈጥረ ውድብን ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ንምንታይ’ሲ እቲ ሰውራ ሰውራ ህዝቢ’ዩ ነይሩ፡ ህግደፍ ድማ ብዘይ ንጡፍ ተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ዘይኮነ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ጠጠው ኣይምበለን።
ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ስደትን ኤርትራን፡ ጸጋ፡ ክእለትን ሃገራዊ ፍቅርን ዘለዎም ዜጋታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ምትብባዕን ምቹእ ባይታን እንተተፈጢሩሎም ድማ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት መሪሕ ተራ ከምዝጻወቱ ኣየማትእን። ብሰሪ ጋሕማጥን ገባትን ኣሰራርሓ ህግደፍ፡ ተስፋ ዝቆረጹ፡ ከየፍርዩ ዝደስከሉ፡ ከይዛረቡ ኣፎም ዝተዓብሱ፡ ከይሰርሑ ኣእዳዎም ዝተታሕዙ ከምኡ’ውን ግዳይ ማአሰርትን ተነጽሎን ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ማእለያ የብሎምን። ንኣብነት፡ ብዘይካቶም ስሱዕ ሸውሃት ዘለዎም ሒደት ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ክሰርሑ ዘይክኣሉ ርኹባት ኤርትራውያን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ርእሰማሎምን ክእለቶምን ከዋፍሩ ዝተገደዱ ብዙሓት’ዮም። እዚ ዘሎ ስርዓት ድኻማቱን ጸገማቱን ፈዊስካን ኣወንታዊ መዳያቱ ዓቂብካን ንቅድሚት ምምራሽ ተመራጺ’ዩ። ምኽንያቱ መሰረት ኩዒትካ ሓድሽ ቤት ንምህናጽ ዝጠፍእ ግዜ፡ ገንዘብን ግዜን ዓቢ ስለዝኾነ። ኣብ ርእሲኡ፡ ምእንቲ ህዝቦም ክውፈዩ ቅሩባት ዝኾኑ ምኩራት ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ህግደፍ ኣለዉ። ህግደፍ፡ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝወነኖ፡ ተወፋይነት፡ ስነ ስርዓት፡ ምትዕጽጻፍ፡ ተጻዋርነት፡ ብሓባር ምስራሕ፡ ሓድነት፡ ለውሃትን ምትሕግጋዝን ዝኣመሰሉ ብልጫታት’ውን ክውረሱ ዝግብኦም’ዮም። ሎሚ ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝተበከለን ጥዑይን ዓቅሚ ሰብ ብሓባር ኣብ ሓደ ዘምቢል ስለዘሎ ክፈላለ ኣለዎ። እቲ ክርዳድ ብምንትርታር ካብቲ ጥዑይ እንተተኣልዩ ድማ፡ ጽቡቅ ሒዝካ ንኽትጓዓዝን ንኽትጥቀመሉን ዝቀለለ’ዩ። እቲ ገፈል ዓብላሊ ቦታ እንተልይዎ ግን ብጽገና ዝመጽእ ለውጢ የለን። ኣብ ኤርትራ ቅኑዕ መሪሕነትን ኣብ መንጎ ህዝቢ ምክብባርን እንተሰፊኑ ግን፡ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ብሄርን ክልእ ስክፍታትን ቦታ የብሉን። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፡ ንነዊሕ ዘመናት ብፍቅርን ምትእምማንን ዝተቀመጠ፡ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተረግጸ፡ ንመንነቱን ክብሩን ሓቢሩ ስለዝተቃለሰን፡ ኣብ ጸገምን ራህዋን ከም ሓንቲ ስድራ ኮይኑ ክነብር ጸገም የብሉን። እቲ ከም ቁርዲድ ደም ህዝብና ዝመጺ ዘሎ መሪሕነት ህግደፍ ግን፡ካብ ህዝቡ ንዝቀርብ ርእይቶን ጥርዓንን ዝሰምዕ ኣእምሮ ስለዘይብሉን ክርዳድ እኽሊ ስለዝኾነን ክጉሓፍ’ዩ ዘለዎ። ጉሓፍቲ እኩይ ሜላ ህግደፍ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ኢና።
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ( 8 መስከረም 2015)
YORDANOS September 8, 2015
kibret yihabelna Asena Shikor
koreri September 8, 2015
ጽላል፤ ብሐቂ ብሱል አበሀህላን ትንተናን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ክርዳድ ካብ ዝዕብልል 14 ዓመት ዝኾኖ ይመስለኒ።
k.tewolde September 9, 2015
I think we should have figured it by now. Just like Tselal said , we are MENFIT. Let’s strain the KIRDAD and discard it to the history books. It can be done by our concerted effort. Thank you SEMAYAWIT TSELAL.
Simon G. September 9, 2015
If all Eritreans had studied physics, 99.999% would be theoretical physicists. What is the purpose of these kind of articles? You are preaching to the people who already know the issues. Those who support HGDF either do not read on the internet or do not know how to read at all.
Come up with articles how to topple King isayas.
[ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ኤርትራ ብሃይማኖት፡ ኣውራጃን ውድድር ስልጣንን ኩናትን ምምቅቃልን ከይፍጠር ስግኣትን ፍርሕን ስለዘለዎም፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ይመርጹ።] Who are these people? People like that shifta Keleta Kidane and meskeremnet?
[ክክሓድ ዘይክእል፡ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒሩ ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸን መስዋእቲ ዝኸፈለን ውድብ ህግደፍ’ዩ።] I think you are still confusing HGDF with EPLF. These are not the same. How hard is that to differentiate?
Zeytimno September 9, 2015
Removing Isayas is truly the first step, making whole his regime’s victims
and incapacitating the perpetrators from doing harm again is where the hard work lies.
wedifre September 9, 2015
Dear Zilal,
I see there is some misunderstanding in your comments:quote:
ክክሓድ ዘይክእል፡ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒሩ ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸን መስዋእቲ ዝኸፈለን ውድብ ህግደፍ’ዩ። እቲ ዝተኸፍለ ህይወትን ሰውራ ንምዕዋት ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበረን ግን፡ ሓርበኛ ኤርትራዊ’ዩ። unquote
You are confusing between EPLF and HIGDEF which are totally different.
Many heroes are part of EPLF ledership and rank and file but they are not members of HIGDEF.
Most or majority of the leaders of HIGDEF were not known or had no role in the liberation of Eritrea.
Therefore, I kindly request you to distinguish between the two.
Suleiman Salim September 9, 2015
Don’t try to confuse other by confusing yourself. Popular Front and EPLF are the same.
solomon September 9, 2015
No no ezi kiwam ygiber aygiber kulu hade sile zkone kilegs alewo thanks
Dala Ksha September 9, 2015
Wedifre
I agree
Dala Ksha September 9, 2015
Suleiman
you could be one of the people who hate EPLF from the day one
ogbai September 9, 2015
Action is louder than words. I don’t think we can fix it with words.Those who don’t want to be abide by Law should move by the swords.It seems easy to say but hard bitter to do it.The problem is are we ready to do it. Till then thank you for the talking and writing and reasoning that if ears to hear and eyes to see. At least, to pave the road through wise words that might help us to face the the devil with what ever means to knock him down to his grave. It will be better sooner than later.