Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ናይ ልዑላዊት ሃገር ጉዳይ፣ ውዕልን ስምማዓትን ብዶ/ር ዓቢይ ንኤርትራዊያን “ደው በለለይ ክብለጸልካ’ዶ ኣይኮነን” ?

ዝኸበርኩም ህዝቢ ኤርትራ፣ ልባዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፣ነዛ ግዝያዊት ዝኾነት ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ጸዋዒት ሃገርኩም መልእኽተይ ከማሓላልፍ ከለኹ እወንታዊ ግብረ-መልስኹም ብተስፋ እጽበ። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነኣስኩም ደቀይን፣ኣቦኹም ወይ ኣዴኹም ኣብ ዓራት ወይ ኣብ ንእዲ ንሞት እናተሳሕጉ፣ወደይ ወይ ጓለይ

ዝኸበርኩም ህዝቢ ኤርትራ፣ ልባዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፣ነዛ ግዝያዊት ዝኾነት ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ጸዋዒት ሃገርኩም መልእኽተይ ከማሓላልፍ ከለኹ እወንታዊ ግብረ-መልስኹም ብተስፋ እጽበ። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነኣስኩም ደቀይን፣ኣቦኹም ወይ ኣዴኹም ኣብ ዓራት ወይ ኣብ ንእዲ ንሞት እናተሳሕጉ፣ወደይ ወይ ጓለይ ጸውዑለይ ከይሞትኩ ከለኹ ዝላበዎ ኣሎኒ፡ዝብል ናይ ኣፍ-ኣርክቡ መልእኽቲ ክመጸኩም ከሎ፣ንኹሉ ጉዳያትኩም ኣወንዚፍኩም፣ለበዋ ናይ ኣቦኹም ወይ ኣዴኹም ከተርክቡ፡ብድድ ኢልኩም ክትከዱ ተፈጥራዊ ሕሊናኹም ከም ዘገድደኩምን ክኸውን ዘለዎ ሓቂን ኢዩ።
ልክዕ’ዩ ህልዊ ኩነታት ሃገርኩም ከይትሰምዑን ከይትከታተሉን በቲ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ተዓፊንኩም ከም ዘለኹም ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፣ኣምላኽ “ጸድፊ ይፈጥር’ሞ መዳያይቦ የዳሉ” ከም ዝበሃል ኣብ ዲያስፖ(ኣብ ሃገራት ዓለም) ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝቢ ድምጺ ዝኾናኦ ንፍትሒ ዝቃለሳ መድያታት ስለ ዘለዋ ዋላ ኣብ ገዛኹም ዓጺኹም ብስቱር ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ሕጂ መልእኽተይ ብዝያዳ ዘተኩሮ ናብ ኩሉም ሚኒስተራት፣ ጀነራላት፣ ኮለኔላትን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ኮይኑ፣ብፍላይ ድማ ናብቶም ብዝያዳ የማናይ ኢድ ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ብምዃን ሃገር ብሰላሕላሕ ናብ ኢትዮጵያ እናተመሓላለፈት ከላ ጸማም እዝንኹም ብምሃብ ኣብ ዕርቡን ናይ መሸጣኣ ተኻፈልቲ ዘለኹም። 1. ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ 2. ብ/ ጀነራል ተኽለ ክፍላይ(ማንጁስ) 3. ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ 4.ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል 5. ብ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ 6. ኮለኔል ተስፋልደት። ዘቕነዐ ኢዩ
ክቡራት ኣሕዋት ቅድሚ ሕጂ ሕድሪ ስዉኣትኩም ብምጥላም ኣብ ህዝብኹም ዝገበርኩሞ በደል ናይ ሕሊና ወቐሳ ይሰማዕኩም።ነዛ ብኣፍ-ኣርክቡ እትጽወዓኩም ዘላ ሃገርኩም እንትድኣ ኣድሒንኩማ ህዝቢ ንሕሉፍ በደልኩም ኣይጻባጸበኩም ኢዩ።ምኽንያቱ እቲ ኣብ እምነት ክርስትና ዘሎ ክፋል ህዝብና ምሕረት ናይ ምግባር ካብ ክርስቶስ ተማሂሩ ኢዩ።ከም ኣብነት ዝኾነኩም ሓደ ከም ኣቶ ኢሳይያስ ጨካን፡ ጨቋኒ፡ኣሳሪ፡ ቀታሊ ዘይኣማኒ ዝነበረ ሽፍታ ብገበኑ ክቕተል ተፈሪዱ ኣብ የማን ኢየሱስ ምስ ተሰቕለ፣ኣብታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ምሕላፍ ህይወቱ ብዝገበሮ ገበናት ኩሉ ተጣዒሱ፣ርእሰ-ነቐፌታ ብምግባር “ንክርስቶስ ኣብታ ትመጽእ መንግስትኻ ተዘከረኒ” ምስ በሎ ክርስቶስ ልባዊ ጣዕሳ ናይቲ ፈያታዊ ዘየማን ብምርዳእ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ ኢሎዎ።እምበኣር ኣብዛ ፈታኒት ግዜ ድሕነት ሃገርኩም ኤርትራ ኣብ ኢድኩም ስለ ዘላ ንምድሓና ተበገሱ።ኣብታ ድሕሪ ሕልፈት ኢሳይያስ እትምስረት ነጻ ሃገር መሰላት ህዝባ ዝሕለወሉ፣ህዝባ ካብዚ ዘሕልፎ ዘሎ ከርፋሕ ናብራን ስደትን ማእሰርትን ስቅያትን ተገላጊሉ ቅሳነትን እፎይታን ዝረኽበሉ፣ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምሳና ሓቢርኩም ብሰላም ከም እትነብሩ ብምሉእ ርእሰ-ምትእምማን ናይ ለውጢ ሓዋርያ ክትኮኑ እላበወኩም።
ክቡራት ኣሕዋት፣ እቲ ካብ ኤርትራዊያን ሓሊፉ ንምሉእ ህዝቢ ዓለም ኣስደሚሙዎ ዘሎ፣ኣቶ ኤሳይያስ ናይ ሃገረ ኤርትራ ስማዊ መራሒ ከሎ፣ንዶ/ር ዓቢይ ካብ ሕጂ ንደሓር ንስኻ ኢኻ መራሒና ክብሎ ከሎ፣ከምኡውን ንልዑላዊነት ሃገርና ዘህስሱ፣ከም ምዝርጋሕ ናይ ጋዝ መስመር ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብዶ/ር ዓቢይ በይናዊ ስምምዕ ምስ መራሕቲ ኢማራት ዓረብ ክገብር ከሎን፣ ምዝርጋሕ መስመር ባቡር ምድሪ ካብ ምጽዋዕ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ክዝርጋሕ ምስ መራሕቲ ኢጣልያ ናይ ውዕል ስምማዓት ክገብር ከሎ፣ኣንቱም ሚኒስተራትን ጀነራላትን ብኣርምሞ ተዓዘብቲ ክትኮኑ ንኤርትራዊያን “ክሰምዕ ዝሞተ ክርኢ ቅበሮ ዶ ኣይኮነን። እዚ ስጉምትታት’ዚ መደብ ኣቶ ኢሳይያስ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስለ ዝኾነ ኣየሕፍሮን ኢዩ፡መራሒና እናተባህለ ሕሊናኡ ብምሻጥ ንሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የውድቓ ኣሎ።ንሱ ናይ ደብረ-ብርሃን ወጮ ተሸሊሙ’ኳ እንተሞቐ፣ንዓና ግን ናይ ሕፍረት ካባ ኣልቢሱና የቕርረና ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ኣቶ ኢሳይያስ ነቶም ቅዋም ይተግበር፡ምርጫ ይካየድ፣መሰል ህዝቢ ዝሕሉ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ይመስረት ዝበሉ ጀጋኑ ተጋደልቲ መራሕትና፣ ሃገር ክሸጡ ደልዮም ተንበርከኽቲ ብዝብሉ ናይ ፈጠራ ቃላት ኣጸሊሙ ኣሕቂቑዎም።በዚ ሕጂ ጭርኡ እናዘረገ ኣብ ዶ/ር ዓቢይ ዝገብሮ ዘሎ ምጉንባሕ ሸያጥ ሃገርን ተንበርካኽን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድኣ እምበር ድሩዕ፡ሸሪፎ፣ዑቕበ ኣብርሃ፣ቢትወደድ ኣብርሃ፣ብርሃነ ገ/እግዚኣብሔር፣ጴጥሮስ ሰሎሞን፣በራኺ ገ/ስላሴ፣ጆሽዋ ወዘተ ኣይኮኑን። ዝኸበርካ ምኒስተር መጓዓዝያ፣ መንገዲ ባቡር ካብ ባጽዕ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብዘይ ኣፍልጦኻ በቲ ናይ ጎረቤት ሃገር መራሒ ናይ ውዕል ስምምዕ ተወዲኡ ክዝርጋሕ ኢዩ ክትሰምዕ ከሎኻ፡ንኣቶ ኢሳይያስ ንምንታይ ብዘይ ናተይ ተሳትፎ ይፍጸም ኢልካ ሓቲትካዮዶ ትኸውን? እንድዒ!!! ምዝርጋሕ መስመር ሻምብቆታት ጋዝ ካብ ዓሰብ ናይ ኣዲስ-ኣበባ፣ከምኡውን መስመር መጓዓዝያ ባቡር ምድሪ ካብ ባጽዕ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብድሌትን ብመጽናዕትን ኤርትራዊያን ክፍጸም ኣድላዪን ጠቓሚን’ኳ እንተኾነ፣እዚ ሕጂ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ብዝግህስ፣ብኢሳይያስን ዶ/ር ዓቢይን ውሽጣዊ ስምምዕ ዝግበር ዘሎ ግን ንህላዌ ሃገርና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ሓደገኛ ስጉምቲታት ምዃኑ ብኣጋኡ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ከም እንፈልጦን ሕጂ’ውን እንዕዘቦን ብዙሓት ውልቀ-መለኽቲ ነይሮምን ኣለዉን።ከም ኣብነት ኮለ/መንግስቱ ናይ ኢትዮጵያ፣ኢዲ-ኣሚን ናይ ኡጋንዳ፣ሓፊዝ ኣል-ኣሳድ ናይ ሶርያ፣ኮለ/ቓዛፊ ናይ ሊብያ፣ሰዳም ሑሴን ናይ ዒራቕ፣ሮበርት ሙጋቢ ናይ ዚምባብወ፣ኪም ናይ ሰሜን ኮርያ ወዘተ።እዞም ውልቀ-መለኽቲ እዚኦም መሰላት ህዝቦም ነፊጎም ብጭቆና’ኳ ይግዝኡ እምበር ከምዚ ሕሉፍ ወልቀ-መላኺ መራሒና ብጭቆና ዝገዝእን ንሃገሩ ኣሕሊፉ ዝህብን ቅድሚ ሕጂ ኣይተራእየን ድሕሪ ሕጂ’ውን ይመጽእ’ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።
ኣብ መደምደምታ መልእኽተይ ናይ ሓደ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተባህለ ጅግና ጸሊም ኣሜሪካዊ፣ንሰብኣዊ መሰላት ውጹዕ ህዝቢ ኣብ ምቅላስ ገንሸል መስዋእቲ ብምዃን ብጸላኢ ሰናይ ዝተቐትለ ጥቕሲ ክጠቅስ እደሊ።
1. “ ኣብ መጨረሽታ ቃላት ጸላእትና ዘይኮነ፣ስቕታ(ምጽቃጥ) ናይ ብጾትና ኢና እንዝክር” ማ.ሉ.ኪንግ
2. “ብህጹጽ ስጉምቲ እንተ ዘይወሲድና፣ብርግጽ ናብቲ ዝነውሐ፣ጸልማትን ዘሕፍርን መሳጋገሪ ግዜ፣ናብቲ ወነንቲ ሓይሊ፣ብዘይ ርህራሄ፣ኣብ ቅንዕና ዘይብሉ ምናልባት፣ራእይ ዘይብሉ ሓይሊ፣ ነቶም ሓያላት ዝተሓዝኤ ክንጉተት ኢና” ይብል ማ.ሉ.ኪንግ
ተስፋ እገብር ነታ ስቕታ ኣወጊድኩም፣ናብታ ብሓያላን እትውነን ጸልማትን እተሕፍርን መሳጋገሪት ጊዜ ከይትጎቱና።
ሓደ ብሃንቀውታ ብስራትኩም ዝጽበ ኤርትራዊ
መሓረናዝጊ መርሃዊ

26 ጥሪ, 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hagherawi January 26, 2019

    “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፎኑ ኣይትንል” ይብሉ ኣቦታት።
    ንህዝቢ ኤሪትራ ኣብ ምጥፋእ ተጸሚዱ ዘሎ ደመኛ ጉጂለ ፥ ሕጂ ኣብ ዓራርቦ ምስ በጽሐ ፥ ርህራሄ ክገብር እዩ እልካ ትሓስብ ?

    • Deglel January 26, 2019

      BizuH hateftef keyebzaHiKha, talk about solutions and actions to be taken against Higdefs.

  • Hagherawi January 26, 2019

    Correction:

    “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፎኑ ኣይትበል” ይብሉ ኣቦታት።

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply