Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ላስቬጋስ መበል ዕስራን ዓርባዕተን(24) መዓልቲ ነጽነት ብኽብሪ ተባዒሉ

መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነጽነት ኣብ ላስቬጋስ ብድምቐት ተጸንቢሉ። እቲ መደብ መጀመርታ ብዝኽረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙርን እዩ ተጀሚሩ፡ቐጺሉ  ኣቶ ኣምባሳጀር ብትግርኛ ኣቶ ከራር ድማ ብዓረብ መልእኽቲ መዓልቲ ነጻነት ኣመሓላሊፎም።ኣብቲ መልእኽቲ መጀመርታ እንቛዕ ናብ መበል 24

መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነጽነት ኣብ ላስቬጋስ ብድምቐት ተጸንቢሉ። እቲ መደብ መጀመርታ ብዝኽረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙርን እዩ ተጀሚሩ፡ቐጺሉ  ኣቶ ኣምባሳጀር ብትግርኛ ኣቶ ከራር ድማ ብዓረብ መልእኽቲ መዓልቲ ነጻነት ኣመሓላሊፎም።ኣብቲ መልእኽቲ መጀመርታ እንቛዕ ናብ መበል 24 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብጻሓኹም ኢሎም ብምጅማር ቐጺሎም ነቶም ካብ መግዛእቲ ሓራ ኽንከውን ህይወቶም ዘወፈዩልና ጀጋኑ ሰማእታትና ክብርን መጎሰን ይብጻሓዮም ።ኤርትራ ልኽዕ ዕለት 24 ወርሒ 05 ጠቕሊላ ከብ መግዛእቲ ሓራ ወጺኣ።እቶም በጃና ዝሓለፉ ሰማእታትና ንሕና ኽርህወና ክንመሃር ጸጊብና ኽንሓድር ከም ድላይና ኽንንቀሳቀስ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ነዛ ኽብርቲ መዓልቲ እዚኣ ኣረኺቦምና፡ስለዝኾነ ድማ ነዛ ብከቢድ መስዋእቲ ዝመጸኣት ናጽነት እንሀለት ብኽብሪ ነብዕላ ነዘላኣለም ድማ ተከቢራ ኽትነብር እያ።ምኽንያቱ ነዛ ኽብርቲ መዓልቲ እዚኣ ውልቐ ሰባት ዘይኾኑስ  ህዝቢ ኤርትራ እዩ ካብ ከርሱ ዝወጹ ደቑ ንብረቱ ኣወፊዩ ኣምጺእዋ ።ስለዝኾነ ድማ ንሕና ደቓ ብዝመስለና ገይርና እንተዘከርናያን እንተብዓልናያን ሓንቲ ኣበሳ የብልናንን ኢሎም።
 ቀጺሎም ዝከበርኹም ኤርትራውያን ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘጋጠሞ ከቢድ ጥፋኣት ደቑ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከምዝርከብ ንረኢ ኣለና ።ካብኡ ብምብጋስ ድማ ንሕና ምስ ህዝብና ንምሕዛን ነዛ ኽብርቲ መዓልቲ እዚኣ በከምዚ መንገዲ ከነብዕላ ምውሳና ብስምኹምን ስድራ ግዳያትን ኽብሪ ይስማዓና ።ምኽንያቱ  መጀመርታ ኽከብር ዘለዎ ህይወት ስለዝኾነ። ሎሚ ጋይላ ዝጽወተሉ መዓልቲ ኣይኾነን፤ 350 ህይወት ኣብ ሓደ መዓልቲ የጥፊእና ክንስዕስዕ ገበንን ሕማቕ ታሪኽን እዩ።
 ኣብ መወዳእታ ደጊምና ምስ ኩሉ ስቅያትናን ሽግርናን እንቛዕ ናብዛ ኽብርቲ መዓልቲ ኣብጻሓኹም ብምባል ንኹሎም በዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዝተጎድኡ ስድራታት ጽንዓት ይሃብኹም ብምባል መልእኽቶም ብትግርኛን ዓረብን ኣመሓላሊፎም።ቐጺሉ  እቲ መደብ ብመንእሰያት ላስቬጋስ ዝተዳለወት መርድእ ዘርእስታ ሰሓቢት ሓጻር ድራማ ቐሪባ ካብኡ ብምቕጻል ዝተፈላልዩ ለበዋታት ብምትሕልላፍ እቲ መደብ ብዓወት ተዛዚሙ።
                                       ምንቕስቃስ መንእሰያት  ንለውጢ ላስቬጋስ ዕለት 05/23/15

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Bere May 24, 2015

    Mark my words.
    In this year’s celebration of May 24th, Issaias Afewerki said the following quote below. Again, mark my words, as Yemen burns and disintegrates with the Saudis and the Arab world bombing it to a stone age, Issaias will do everything to reopen the Hanish Islands issue. This will help him divert all the political attention of the nation.
    In few weeks or months, a significant number of the Eritrean naval forces will land in the disputed islands.

    Issaias told the Eritrean public today, as quoted by his own website : “In this connection, he explained that these same powers instigated a border conflict with Yemen that never arose prior to Eritrea’s independence and further induced skewed arbitral decisions.”

    • Aida May 24, 2015

      Isias Wedi Medhhn Berade destroy my mothrland i hope the Evil dictator in this year desapear to hellllllllllllllllllllllll

  • Alem K May 25, 2015

    Thank you Las Vegas for putting our independence day into perspective. You celebrated our independence day honorably like the rest of us by remembering our heroes and by praying for our brothers and sisters decaying in prison and perishing in desert’s and sea.
    We will win and our land Eritrea not only be independent but it will be free too.
    Awetn selamn nhzbi Eritrea and mote to the cold blooded ruthless tyrant and to his criminal gangsters.

Post a Reply to Alem K Cancel Reply