Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሊብያ ተጨውዮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ካይሮ ከምዝኣተው ፕረሲደንት ኣል ሲሲ ገሊጹ::

ኣብ ሊብያ ተጨውዩ ዝጸንሐ ሓደ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ብሓይልታት ሰራዊት ምስሪ ናጻ ተለቒቑ: ሓሙስ 7 ግንቦት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ከምዝኣተው ንፕረሲደንት እታ ሃገር ዓብደል ፋታሕ ጠቒሱ ማዕከን ዜና ምስሪ ሓቢሩ:: ፕረዚደንት ኣልሲሲ ነቶም ብነፋሪት እታ ሃገር

ኣብ ሊብያ ተጨውዩ ዝጸንሐ ሓደ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ብሓይልታት ሰራዊት ምስሪ ናጻ ተለቒቑ: ሓሙስ 7 ግንቦት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ከምዝኣተው ንፕረሲደንት እታ ሃገር ዓብደል ፋታሕ ጠቒሱ ማዕከን ዜና ምስሪ ሓቢሩ::

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ነቶም ብነፋሪት እታ ሃገር ዝኣተው ኣስታት 30 ኢትዮጵያውያን ክቕበሎም ከሎ ብተለቨጅን እታ ሃገር ቀሪቡ:: እቲ ብመንግስቲ ዝተፈነወ ዜና  ንመንነት:ኣገባብ እቲ ስርሒትን ኩነታት ማእሰርትን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘየቕረበ ሮይተርስ ኣፍሊጡ::

እቶም ኣብ ከተማታት ደርናን ሚስራታን ብዕጡቓት ተታሒዞም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ኣገልግሎት ስለያ ምስሪ ንሰበስልጣን ሊብያ ብዝሃብዎም ሓበሬታ ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ ምንጭታት ጸጥታ ንሮይተርስ ሓቢሮም::

ሓደ ካብቶም ኢትዮጵያውያን ግን ብሰበስልጣን ኢመግረሽን ሊብያ ተታሒዞም ከምዝነበሩ ገሊጹ::

እዚ ከምዚሉ ከሎ ኣብ ሊብያኣማኢት ኤርትራውያን  ብእስላማዊ ግብረ ሽበራ ዳዕሽ ተታሒዞም ከምዘለው ምንጭታት ሓቢሮም::

ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እስላማዊ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ዻዕሽ: 30 ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ብኻራን ጥይትን ክቐትሎም ከሎ ብስእሊ ኣሰንዩ ከምዝዘርግሐ ይፍለጥ:: ብዘይካዚ እቲ ጉጅለ 21 ምስራውያን ኣመንቲ ክርስትና ድሕሪ ምቕታሉ መንግስቲ ምስሪ ኣብ ሊብያ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ ሓያሎ ካብ ኣባላት ዳዕሽ ከምዝቐተለ ይዝከር::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Sara May 9, 2015

    ንሓደ ህዝቢ ክብሩ ንኽበር ግደ ዘለዎ እቲ መንግስተይ ዝብሎ አብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ወይ ሓይሊ ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ሊብያ ብግብረ ሸበራወያን አብ ዝተገበረ ናይ ዘስካሕክሕ ቅጥለት ኢትዮጵያውያን ድሕሪ ከምዝተፈልጠ መብዛሕቶም ኤርትራውያን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተሪር ነቲ ፍጻም አብ ርእሲ ምኹናኑ፤ ናይ ሰለስተ መ ዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን አዊጅ ባንዴራ ኢትዮጵያ ብፍርቂ ክምትስቀል ጊሩ። አበዚ መሰረታዊ ነገራት አለው፡

    1. ነቶም ዝሞቱ ሰባት ክብሪ ንኽረኽቡን አብ ዝባኖ ዝተፈጸመ ገበን አብ ርእሲ እታ ሃገርን ህዝብን ከምዝተፈጸመ ኢዩ ዝብል መልእእኽቲ አማሓላሊፉ።
    2. ነቶም ብድሕር ሕጅ አብ ከመዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ክወድቁ ዝኽእሉ መንእሰያት ናይቲ ሓደጋን ከጋጥሞም ዝኽእልን ሓበሬታ የማሓልፍ አሎ
    3. ድማ ነቲ ናይ ስደት ቀንዲ ጸገም መፍትሒ ንኽናደ ሕቶ ከልዕል አኽኢሉ
    4. ኢትዮጵያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ብቕዓት ዘንጸባርቕ ኢዩ፡ እታ ብ ፈለግ አባይ ናይ ማይ ሕቶ ዘለዋ ግብጺ አብ ጉኒ ኢጥዮጵያ ደው ምባላ ከምኡ ድማ ሱዳን ሓደ ዓብይ ዓወት ኢዩ፡ አነ በዚ አጋጣሚ ዝላበዎ እቶም አብ ሊብያ መዋጥር ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵ ብሰላም ዝምለስሉ መንገዲ ክገብሩ አለዎም
    ከም ኤርትራውያን ሓላይን ተጣባቂ መንግስቲ ዘይብልና ምኻና እንድሕር ተረዲእና፤ አብ ዝተረኸበ ውሑስ ሃገር ምንባር እቲ ዝበለጸ ኢዩ። አብ አውሮፓ መጺኻውን ዝርከብ ነገር የለን። አውሮፓ ካይበጻሕካ ዘሎ ሞትን ሓደጋን አቃሊልካ ዝርኣይ አይኮንን;። ምልባም የድሊ። 1000 ዓመት ዝነብር ሰብ የለን። አብ መንገዲ ዝጠፍእ ዘሎ ግዜን ገንዘብን አብ አፍሪቃ ሃገራት ተሰዲድካ ልዑል ሃብቲ ከምጽእ ከምዝክእል አይንረስዕ። አብ ዩጋንዳ ርዋንዳ ኢትዮጵያታንዛንያ ዛምብያ ቦትሰዋና ዝኣመሰላ ሃገራት ርግኣትን አንጻራዊ ሰላም ዘለወን ሃገራት ኢየን። ስጋብ ህግደፍ ሃገረ ኤርትራ ገዲፉ ዝኸይድ ንግዜኡ መጻንሒ ሒዝካ ብሰላም ምንባር ይሓይሽ። አውሮፓ ንኽትበጽሕ ዘሎ ሞት ገዲፍካ፤ እንታይ ከ አሎ። ሰብ ይኽይድ አሎ ኢልካ ሕይወትካ አብ ሓደጋ ተ እትዋ፡ ስድራኻ ብሽቓሎት ድሳቐዩ፡ አዲታትካ ገንዘበን ወርቅን ተሽጠሉ እንታይ ምኽንያት አሎ። ብርግጽ መጻኢ ሕይወት አብ ኤርትራ የለን። እብ ከባቢኻ ሃገራት ከብዘይ ህይወትካ አብ ሓደጋ ምእታው ክትገብሮ ትኽእል ነገር የለን። ኤርትራውያን የሕዋት ህጻውንቲ ቆልዑት ሒዘን አብ ባሕሪ ይጥሕላ? አብ ናሰብ ተቖጺርካ መንባር አይሓይሽን? አብዚ መንገዲ ዝጉዓዙ ዘለው የሓዋት አሸሓት ዶላራት እናኸፈሉ ምኻኑ አብ ግምት የ እቲኻ እቲ ድኻ በተኽ ብሰንኪ ገንዘብ ምስኣኑ ሕይወቱ ክዕቅብ ክኢሉ አሎ ማለት ይክእል ኢዩ። ንለብም፤ መለበሚ ጓኖት አይንኹን።
    ኢትዮጵያውያን ንመንግስቶም የመስግኑ፤ ኤርትራውያን ንህገደፍ ይቃለሱ፤ ገና ነዊሕ መንገዲ ይተርፈና አሎ

Post a Reply to assenna Cancel Reply