ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።
ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን። 2ይ ክፋል፡ 15.07.15፡ ድሕሪ ናይ ዕለት 26 ሰነ 15፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝተገብረ ዓለማዊ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ስዒቡ”? እንተትብሉ እቲ ስ ርዓት ብሓያል ውቃዕ ከምዝተቦኽአ ብዝምስክር ሰምቢሩስ እንሆ ክሳብ ናብ ሙሉእ ለይቲ
ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን። 2ይ ክፋል፡ 15.07.15፡
ድሕሪ ናይ ዕለት 26 ሰነ 15፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝተገብረ ዓለማዊ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ስዒቡ”? እንተትብሉ እቲ ስ ርዓት ብሓያል ውቃዕ ከምዝተቦኽአ ብዝምስክር ሰምቢሩስ እንሆ ክሳብ ናብ ሙሉእ ለይቲ ብተሌፎናት ዘሕሸኹሹኽ ማእለ ያ ዘይብሉ ማይ ዘይጠዓመ ናይ መምሰልን መዘንግዕን ጎስጓስ ከምዝለሓዄ ሰሚዕና’ሞ እቲ ብላዕሊ ላዕሉ ብስም ‘ኣሕዋት ኢ ና’ ተሻሒጡ ብውሽጢ ውሽጢ ሓውኻ ጡብ ኣደኻ ከምዘሕድገካ ክሰርጽ ዝድለ ዘሎ ጓና ‘ሕውነትስ’ ይትረፈና ዋላ’ቲ መሲ ሉ ከደናግር ዝፍተን እንተኾነ’ውን ቅንጣብ ሃገራዊ ፖለቲካ ስለዘይብሉ ክሉኹም ዜጋታት ሃየ ደጊምኩም ‘ይኣክል” ብዝብል ነድሪ ቁርጽኹም ደርጉሑሎም።
ወይ’ዛ እዝኒ! ወዮም ናይቲ ስርዓት ኣምባሳዶራት ድማ ድሮ ከካብ ዝተመደብዎ ቦታ ናብ ሃገር ከምተጸውዑ ሰምዐት። ከምቲ ጽኑሕ ስራሓት እንተኾይኑ መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጡር ኩነታት ንሹመኛታቱ ንስርሒት ሂወት ኣድሕን ዓሊሙ ከምዝጋባእ ንቡር ንበሎ። ግናኸ ”ስርሒት ሂወት ኣድሕን” ካብ በልናስ ከከም ኣተረጓጉማና ምዃኑ ድማ ነስተውዕል። መቸ ም “ኣምባሳዶር” ማለት ልኡኽ ከምዝኾነ እንተተረዳዲእና፡ ናይ ክልቲኡ ኣምባሳዶራት ከምዘለዉ ድማ ንረዳዳእ ኢና’ሞ በቲ ሓደ ስርዓት ኣብዝነቓቐሉ እዋን ዕምሩ ከናውሕ ምዙዛቱ ግድን ኢዮም ክቃለስሉ ዝፍትኑ። ስለዚ ከምቲ ኣብታ ብሕትቲ ኣ ኼባኦም ዝተማህርዋ ንሳቶም ብብሕትውና ‘ሓቀኛታት ኤርትራውያን’ ብዛዕባ ነብሶም ጥራይ ከምዝሓስቡን ዝከላኸሉን ፍ ሉጥ ኢዩ። ግናኸ ብመሰረት መትከሎም ንብጻዩ ክፈትዎ’ምበር ክኣምኖ ስለዘይብሉ ዕርዶም ዝከላኸሎ ድርዒ የብሉን። ድሮ ድማ ወዮም ቀንዲ ደገፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ውድባቱ ማዕቀብ ከርእዩ ስለዝጀመሩ ንሱድማ ነቲ ከምሓለፋ ዝሰርሕዎ ኣባይቶ ም ብቡልዶዞር ክድኩዖ ይርአ። ወረ ናይ ካብ ሓላፍነት ዝወርዱን ዝድይቡን’ውን ይስማዕ ኣሎ። ቀቀሊሉ፡ ገና’ምበር እቶም ብስም ተጋሩ ክጥቅኑና ዝጸንሑ ‘ደቀባት’ ድሮ ብተጋሩ ተሸቢጦም ካብ መዝነቶም ዝጓሓፉን ክሳብ ዝእሰሩን ልቦም ትዝልሓ ጦምን ከምንሰምዕ ፍሉጥ ኢዩ። በቲ ክልእ እቶም መሰል ጥራይ ስለዝሓተቱ ዝተፈንፈኑ ደቂ ህዝቢ ኣምባሳዶራት ብዛዕባ ብ ሃገራ፡ እንተላይ ብዛዕባ’ዞም ዝጠለሙን ኣብገበን ዝጠሓሉን ይነብዕ ከምዘሎ ይስነድ እንሆ። ንኺድ ጥራይ……
መቸም ኣብዛ ንእሽቶ ውዕሎና ብዙሕ ኢና ተዓዚብና። ካልእ ኩሉ ኣወንዚፍና ሎሚ ኣብ ቅድሜና ክልተ መሰረታውያን ሕቶ ታት ተገቲረን ንርኢ። በቲ ሓደ ድሕሪ ናጽነት ስለምንታይ ካብ ሃገር ንበታተን ኣለና? በቲ ካልእ ስለምንታይ ጉዳይና ዓለም ኢዳ ከተእትወሉ ንምሕጸን ኣለና? ዝብላ ሕቶታት ኢየን። ብዛዕባ ስለምንታይ ክንበርስ ተወጢኑ ክንዲ ምግፋሕ እንታይ እን ተገበርና ከምዝሓይሽ ምዝራብ ይበልጽ ኮይኑስ ዳርጋ ኩልና ዜጋታት ንከምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ንሰማምዓሉ ኢና፡-
1፡ ካብ ጥንቱ ንሕና ኤርትራውያን ንዓለም ናጽነታዊ ጠለብና’ኳ እንተኣቕሪብናላ በቲ ናይ ሽዑ መለክዒ ጠለብና ብዘይምምል ኡ ተጠያቒት ግድን ዩኤን (UN) ጥራይ ጌርና ኢድና ጠዊና ክንነብዕ ኣይመረጽናን። እቲ ዘገድስ ምቕላስ ጥራይ ብምንባሩ ተ ቓሊስና ዝተነፍገና ናጽነት ጨቢጥና ክንስና ንሕጋውነት ናብ ዩኤን (UN) ቀሪብና ብዘይፍታው ኢሳይያስ ብረፈረንዱም ናጽነ ትና ኣውሒስና። ዩኤን ድማ ከምሓዳስ ሃገር ተቐቢሉ ባንዴራና ከምዘውለብለበን ክግበረልና ዝኽእል ከምዝሓገዘን ንኣምን።
2፡ እቲ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ተልእኾ መራሒና ሰዊዱ ምስ ጎረባብቲ ዳግማይ ውግኣት ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን፡ ሃገርና ከም ኣባል ዩኤን መጠን ብጸትታና ዝመጸ ተጠቀምቲ መሰል ኣባልነት ክህልወና ስለዝነበሮ ልክዕ ከምቲ ሩስያ ብሂትለስ ኣብዝተወረረት ሉ ብዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ብዘይፍታው ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣትዩን ብዘይ ኣገባብ ድማ ወ ጺኡን። ከምሳዕቤኑ ኤርትራ ከምጀማሪት ናይቲ ግጉይ ውግእ ብምዃና ክሒሳን ገና ተጠያቒት ኮይናትልናን ከምዘላ ንዝክር።
3፡ ኣብዚ ሃገርና ብዓለሙ ዘለዋ ምስልን ብቀንዱ ኣብ ውሽጣ ብዘለዋ ሕሱም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ጽንተት ህዝብን ብዝ ፈጠሮ ቅልውላው ኩነታትና ናብ ከም ህዝብን ሃገርን ዘይንህልወሉ ኩነት ብምውራድና ነዚ ዘይንቡር ኩነት ንዝፈጠረ ክግበ ር ንእንደልዮ ለውጢ ዓለም ክትሕግዘና እንተጠለብና ንቡር ተጠቃምነት ፍትሒ’ምበር ካልእ ምስሊ ዘየብሉ ክንሱ ንኣፈታት ሓ ጸገምና ብኣውራኡ ካብ ውሽጥና ብ ”ኢድካ ምሃብ” ዝተገልጸ ተቓውሞ መጺእና። እዞም ኣሕዋትና “ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸ ገም ብሰላም ስለዘይከኣል ብረጽሚ ክፍታሕ ኣለዎ” ንዝብል ምርጫ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምቁርን ኣሳሒታን ክቕዝሑሉ ተራእዮ ም’ኳ እንተኾኑ፡ ከም ባህሪ’ቲ ስርዓትና ኣማስያኡ ናብ ጎነጽ ምምርሑ ስለዘይተርፎ ንሱ ከይኮነ ብዓለማዊ ሕጊ ንምፍታኑ እ ንተተጸጋዕናዮስ ኣንጻር ‘ተምበርካኽነትና’ ሴፍን ዋልታን ዓቲሮም “ጉዳይና ባዕልና” ኢሎም ከዳኽሩ ተዓዚብናዮም ።
እቲ ነድሪ ከምዘይቀስን ዝተሰምዖም ዘበሉ ብናይ ዓራቕነት ቃና ክሳብ “ንጹህነት ኢሳይያስ እናጋውሑ “ንሱ ንበደለኛታት ባዕ ሉ ይቕሕልሎም እንሀ’ንዶ” ኢልካ ነብሰ-ምቕሻሽ ርኢና። ከምኡ ድማ ንርእሳቶም ከይወፈሩ ብዛዕባ ወነንቲ ኮኑ ኣካየድቲ ናይ ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሓቱን ዝኸሱን ርኢና። “ምናልባሽዶኾን” ተባሂሉ ንዝተፈተነ ናይ ዘየሎ ጽገናዶ ለውጢ ዝበሃል ናይ ሕል ሚ ኣፈታትሓ’ውን ክንምነዮ’ውን ዝካአል ኣይኮነን። ክሳብ ኣብ ሃገርናስ ብዘይካፍታው ኢሳይያስ ዝኾነ ለውጢ ከምዘይመጽ እ ዝኣመኑ ወዲ ኣይተነቶም ዓዃሊሎም ክመሻኸኑን ክዘራብዑን ብግብሪ ርኢና። “ንኢሳይያስከ መንዶ መሪጹ ኣንቢርልኩም’ ዩ? ንሱ ምስሓለፈኸድኣ ሃገርና ምስኡ ክትቅበር ዲያ”? እንተትብሉዎም ከይሓፈሩ ክብልኹም ምፈተኑ። እቲ ዝኸፍአ ብው ዴታ ድዩ ብግዴታ’ዃ እንተዘይኣመትናሉ ህግደፍ ከምጸላኢት እናኣመኑ ግንከ ክሳብ ከምዛ ሰብ ድርብ ሹቶል “ንኢሳይያስ ባ ዕልና እንተዘይቀቲልናዮ ዝቐትለልና ኣይንደልን” ዝብል ኣረጊት ዕርዲ ፖለቲካ ንርኢ ኣለና። እዚ ብክትመስል ዝፍተን ምምስ ሳል መባልዕትና ኣይኮነን። ንስኻትኩም ባዕልኹም ክትቀትልዎ እንተመሪጽኩም ንሕና’ዞም ኣብ ጎድኑ ተሰሊፍና ዘገልገልናዮ ተጋደልቱ ግዳ ስለዝጠለመና’ምበር ክንቀትሎ’ኮ ኣይደለናን። ብዝኾነ ነገርና ናብ ረጽሚ ከይቕየር ስሉጥን ጥንቁቕን መገዲ ድ ሕነት ምምራጽ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዳግማይ ናይ 1952 ከይደግሰና ምጭራሕ ጣቛ የብሉን። ኩነታት ና ብተምሳል’ቶም ዝብኢ ኣባሪሮም ዝተመልሱ ኣኽላባት ክንምስሎ እንተንፍትን ድማ ገሌና ገና ጸላኢ እናኣባረርና፡ ገሌና ግዳ ፍጹም ከይተበገስና ድሮ ነቲ ናይ ሕልሚ ዓወት ኣዕጽምቲ ክንቆራጥም ክንርአ ዕጉብ ጥልመትን ውጹእ በለጽን ኢዩ።
ከምህጹጽነቱ “ስርሒት ሂወት ኣድሕን” ካብ በልናዮስ በቲ ሓደ እንኮላይ ንከም ወዲ በላዕ ጣዓዋ ዝኣመሰሉ ኣምባሳዶራትን እንኮላይ ከምቶም ኣብ ጽምዶ ‘ንጸጋግኖ’ ዘድሃቡ ምስኦም ዝምደቡ ከምዝምልከት ማለትና እንድዩ፡ ንሳቶም ዝምነይዎ ጽገና ታት መተግበሪ ባይታ ከምዘይብሉ ባዕሉ’ቲ ኩነት ይነግር ኣሎ። ብዛዕባ መን ከምዝመርሓና ንዝስከፉ ደቂ ሃገር ድማ እንተዘ ይስከፉ ከነፍእመሎም ንፈቱ። ማለተይ መራሕትና’ሞ ቀደም ተዳልዮሙልና ኣለዉ። “መን’ዩ መሪጽልና” በሃልቲ እንተኾይኖ ም ቀደሙስ ንኢሳይያስ መን ምስመረጾ ኢዮም ግዲ ክንድኡ ክኾሓሕልዎ ዝላህልሁ? እንሆ ድማ ገሊኡ ሰብ “ንግዜ ድኣ ተወ ንዚፉ ኣልዩ ’ምበር ‘ሳላ ኣመሪካ’ መራሕትናስ ቀደም ተመሪጾሙልና ኣለዉ” ኢሉ እንተመጎተ ተጋግዩዶ?
“እቲ ምርጫ ንጹር እዩ። ወይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ወይ ምስ ሃገርካ ምውጋን” ድማ ኢልና መስከረም። መቸም ክኢለዮ ኢል ካ ዳዊት ከምዘይሕጸብ ልዕሊኩሉ ንሱ ይፈልጣ። ግናኸ ወይ ኣየስተብሃለሉን ወይ ተዋድዩ ግዲ፡ ንዓብደላ ጃብር ከጋልጽ ዝ ሓሰቦ ምስጢር መንግስቲ ምግላጹ ኣይትሓዙሉ። የግዳስ ብሰናይ ፍታውኩምን ብዘለኩም ዓቕምን ተልመዴን ፖለቲከኛታት ከምዘይምዃንኩም ግለጹሉ። ንበል’ቲ ናይ ዊኪሊኪ ኣኽባር ከምዘለዎ ንቀበሎ’ሞ ሽዑ ከምዚ ኢልና ሕቶ ነቕርበሉ፡-
“ኣንታ መስከረም፡ እዚ ንእኒ ዓብደላ ጃብር ከተጋልጽ ሓሊንካ ዘምጻእካዮ ጽሑፍ ድኣ ኣይብቀንዱ ንኢሳይያስና እንድዩ ዕር ቃኑ ኣውጺእዎ” ኢልኩም ግለጹሉ። እንተክሒዱኩም ድማ ኤርትራ ንኣልሸባብ ስለዝሓገዘት ሓንቲ ካብተን ምኽንያት መአገ ዲታ ምዃና ክኽሰስ እንከሎ ፕረሲደንትና ፈጺሙ ከምዘይወዓሎ ኢዩ ኣሉታ ዘቕረበ። ሎሚ ብመሰረት ቀላዒነት ዊኪሊኪን ኣቕራብነት መስከረምን ውዲት መራሒና ተጋሊጹ። ሕጂኸ ከሳሲ (UN) ድዩ ሓቁ መይስ ክቡር መራሒና? መስከረም መል ሲ ኣይሰኣኖን ኢዩ።
እንተ ብዛዕባ’ቲ ዘቃልዕ ዘሎ ቴክኖሎጂ ዝመጸ’ሞ፡ ዘመንነት ኣንጻር ብሕታዊ ናጽነት ምዃኑስ ፕረሲደን ት ኢሳይያስ ኣጸቢ ቑ ስለዝፈልጦ ኢዩ ጥቓ ኮምፒተር ክቐርብ ዘይደሊ። እታ ጨረር ድማ ትልሑኽ ትኸውን። ብዓል ስዉእ ወዲዓሊ እንተዘይ ምክቱ ውግእ ወያነ ወሊዑ ክንሱ ተጋደልቲ እናሃለቑ ከምቀደሙ ኣብ ቀምሽ ዓምበርበብ ክውሸብ ስለዝበሃገ’ኮ’ዩ ናጻ ሃገርና ኣረኪብና ከነንሳሕብ ኣዚዙ ዝነበረ። ሰበብ ዘመንነት ስለዝፈልጥ’ዩ’ኮ ኣገልግሎት ቫይበረ-ኮምቲተር ገዲብዎ ዘሎ። መዘዝ ዘ መንነት ስለዘስግኦ’ዩ’ኮ ነታ ከተማ ድኹዒ ቀይሩ ሰባ ናብ ማይ ክውሕዘሉን ክብሕትን ዝተቓለሰ። ንሱ ምዃን ምስኣበዮ’ዩ’ኮ ንባጽዕ ግዒዙ ዝነበረ። ኩሉ ምስጠርጠሮ ድማ ከም ክሳድ ዓዲ ሹሩም ኣብ ዕርዲ ዓዲሃሎ ዝዓስከረ። ክቡር መራሒና ሎሚ ሓንቲ ፈተነ ጥራይ ተሪፋቶ ትኸውን። ኣብ እምባ (ደብሪ) ክድይብ ባቃ! እንተኾነስ ኣብ እምባሶይራ፡ እምባ ገደም ኣይክድይ ብን ኢዩ። ኣብ እምባ ኮይታ፡ እምባህራን ካልኦትን፡ ኣብ ከም ደብረ-ቢዘንን መሰልቱን ኣይክድይብን ኢዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ዋናታት ከምዘለዉዎ ክመስሎ ኢዩ። እታ ‘ኮንዶኾን’ ኢሉ ሓንቲ መዓልቲ ከምዝሰፍራ ተተስፍዩ ዝተጸጋዓ እምባ ጠቐራ’ውን ኣይክድይባን ኢዩ። ወዮ ብዙሕ ዓለማዊ ትሕዝቶ ዝገበተን ብጭካነን ምልክን ምድረ-ኤርትራ ዘንቀጥቀጠን መራሒ ንሱ ዝ ውንና ናይ ንዘልኣለሙ ጭራም መሬት ዘይብሉ ብምትራፉስ እንታይ ኮን ይስምዖ ይህሉ? ባውሬቶ ወዲ ኣፎም ብሪ!
ንሱስ ድላዩ ይሕሰብ። ኣሓስ ምስ ቀታሊአን ማይ ከምዝሰትያ እንፈልጥ ዘበልና ብናይቶም ሂወቱ ከድሕኑ ዝኸበብዎ ኣምባሳ ዶራት ከይተወጠርና ኣይተረፍናን። ህላወና መመስሪሖም ንበላዕተኛ የጋልጹና ከምዘለዉ ምርዳእ ስኢኖም ጋዶ ኮይኑ። ቅድ ም ቀዳድም መልክዕ ኣተሃላልዋና ብዕምቆት ንተዓዘብ። “ከምሃገርን ህዝብን ንሃሉዶ ንብረስ”? ኢያኮ እዋናውነትና። ብምዃና ብዛዕባ ሃለዋትና ማንም ክነግረና ኣይንጽበን።
ይብሉና ኣለዉ እኒ ወዲ በላዕ ጠዓዋ እታ መርማሪት ሽማግለ ትበሃል ዋላ ሓን ቲ መዓልቲ ኤርትራ ከይኣተወት (ኤርትራ ክትኣቱ ስለዘይፍቀዳ) ንዘይትፈልጦን ኣብ ሃገርና ዘየለን ነገር ኣኻኺባ ንመንግስቶ ም ከምዘጸለመቶ። ንኣብነት ገለ ካብቲ ክሲ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናይ ዕደና ቢሻን ጠቒሱ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ሃገርና በቢ ቁሩብ ቁጠባአ ተመሓይሽ ስለዘላ፡ ሓድሽ ቁዋም ተዳሉ ስለዘላ፡ ካብ ‘ኢቲዮጲያዊያን’ ብዝኣከበቶ ሓበሬታ ካብ ምዕባለና ከተካልፈና…….
ኩሉ ጽቡቕ ኣሕዋትና። እንተኾነስ እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ሸራፋት የስሕቕ ስለዘሎ እቲ ዝፈልጥን ንሕና’ዞም ተሓለቕትን ናይ ኩ ልና ጌርና ክንበኪ ንግደድ ኣለና። እቲ ቃልሲ ብነብሱ ቃልሲ ሂወት ኣድሕን’ምበር ዊንታ ወይ ምርጫ ዝደረኾ ከምዘይምዃ ኑ ኣብ ብዓለሙ ጎሊሑ እናሃለወ መራሕቲ ህግደፍ ግና ካብዚ ናይ ተራ ህዝቢ ዝኸፍአ ጎስጓስ ክፈሓትሩ ክርኢ ብወገነይ ነዚ ሓያል ሰውራ ዝተኸሎ ሓያል መንግስትናስ እሓፍረሉ። ይኹን ከኣ ሽዑስ ሂወት ሓፋሽ ህዝቡ ከድሕን ሂወት ሰባት እንተኣሕ ሊፉ፡ ሎሚኸ ነየናይ ንከድሕንን ናይ መን ሂወትድኣ ከጥፍእን ይህንደድ ኣሎ? ሎሚ ቅብጸት ኮይናስ ትርፎ ወገንካ ኣነጽር ዝ ምኽነዮ ነገር የለን። ዝኾነ ኮይኑ ከምኡ ድኣ ንዘይምቕባጽ ክብል ኢለ’ምበር መራሒናስ ንወዮም ፈለጥትን ሰራሕትን ምስጢ ር ኣብ ኢድ ህዝቢ’ውን ከብጽሖም ኣይኮነን።
ኣምባሳዶር እስቲፋኖስ (ወዲ በላዕ ጠዓዋ) ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሰሚዐ ነይረ። ወላዲኡስ ወተሃደር ብምንባሩ ይኸውን ጠዓ ዋ ከምዝቆርጠማ ዝተዋዘዩዎ። ወዲ በላዕ ጠዓዋ’ሞ ህዝቢ ከምዝወሓጠ ዝኸስስ ህዝቢ ከምዘለና እንተዘኪርና ድማ ጽቡቕ ኢዩ። ንኣፈታትሓኡ ክበሃል ንዘቕረብናዮ መድረኽ ሃገራዊ ዕርቂ ጎስይዎ ከይኣክል ሎሚ’ውን ንዝገብሮ ዘሎ ክሕደት ብዝኾነ መገዲ ከምዘይመሳመሰሉ ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ።
ንበል ብዛዕባ ቢሻ ካብ ዘከረ እንድየ፡ ክነግረና ኣይደልን ይኸውን’ምበር እታ ብጽጹይ መጽናዕቲ ክሳብ 330 ኩንታል ወርቂ ክትሕፈስ ዝተጸንዐት ዕደና፡ እቶታ ንከይፍለጥ ብዝተገብረ እልቢ ዘይብሉ ጥበባት ክሳብ ክኢላታት ደቂ ሃገር ግሒጥካ ካብ ስራሕ ምብራርን፡ ብቀንዱ እቶታ ካብ ምኒስትሪ ፋይናንስ ወጻኢ ብእኒ ክሻታት ከምዝተሓዝን ድሕሪ ምግባር እቲ ብዘመናዊ መዐቀኒ ዝጽናዕ ኩዕታ እንተበዝሐ ናይ 10 ኩንታል ልዕልን ትሕትን ክብል ከምዝኽእል ብክኢላታትና እሙን ክንሱ፡ ምህርቲ ቢሻ 170 ኩንታል ጥራይ ካብተሓፍሰስ፡ 160 ኩንታል (ፍርቂ እቶት) ኣበይ ከምዝኣተወ “በየናይ ቀልቦም ከይፈልጥዎ” ኢልና ይኸውን። ንርእሱ ፈሊጥዎ እንተኾይኑ ድማ ናበይ ክዓብጦ ኣቶ ኤምባሲ? ብተወሳኺ ብውሽጢ ውሽጢ ነቲ ሃገርና ዕዳከም ዘይብላ ኣምሲሎም ዝፍንውዎ መሐጎስ ዓያሹ ወረታት ሎሚ ብኣጋጣሚ ቢሻ ካብ ሃገረ-ጀርመን ጥራይ 160 ሚሊዮን ኦይሮ ከምተለቅሑ መጠን፡ ሕፍሳ ምህርቲ ካብ ተወድአስ ዕዳኦምከ ከፊሎምዶ ኣይፋሎምን ክምልስ ምኻኣለዶ ወዲ በላዕ ጠዓዋ?
ወይልኡ’ዚ ፈላጢኹም፡ ከም ሓደ ንጡፍ ልኡኽ ሰውራ ክትነጥፍ እንከለኻስ ኣብዚ ጥልመት ትስለፍ ትመስለና ኣይነበርካን ። ጉጅለ ጣልማያት ተኣኻኪብኩም እታ ወርቂ ትሓፍስ ሃገር እቶታ ኣብ ስዊዝ ንዋያ ተኾሚሩ እንከሎ ሽምዓ ስኢና። ሃገር ዘ ጽደቐቶ ቅዋም ብኾፉ ሓድሽ ትሕንጥጡልና ከምዘለኹም ድማ ገሊጽካ። ብልሽውና ድኣ’ሞ ዘይብንሱን ከምኡን’ዩ ዝግለጽ እሞ ካባኻትኩምሲ ካልእ’ዃ ኣይንጽበን። እንተ ውዕሎ ጀነቫ ኣማን ብኣማን ሓመድ ድበኹም ሓመድ ድበ ህግደፍ!!
እቲ ግዜ ብነብሱ ኣኺሉ’ዩ!
ዓወት ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ!
ጎደፋ፡
Tesfit July 15, 2015
On a different subject
ሓንሳብሞ ኣብዚኣ፣
ድሕሪ ናጽነት ሰራየ ዓደይ ካብ ዘፍረየቶም ከዋኽብቲ ሃገረይ፥ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፣ ዘርእሰናይ ታደሰን ሕጂ ከኣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ይርከብዎም።
ነዚ ዘልዕለሉ ዘለኹ ምኽንያት ድማ፣ ስርዓት ህግደፍ ብዓድኻ ሙኽራዕን፣ ብኣበርክቶ ዓድኻ ምዝራብን ከም ነውርን ገበንን ጌሩ ኣብ ህዝቢ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ስለዘስረጸ፣ ኣተሓሳሲብኒ። እዚ ዓቢ ጌጋ ኢዩ። ሰብ ሃገሩ ብሓቂ ከፍቅር እንተኾይኑ ካብ ታሕቲ ክጅምር ኣለዎ። መጀመርያ ስድራኻ ኢኻ ልዕሊ ካልኦት ስድራታት ትፈቱ። ደሓር ጎረባብትኻ፣ ብድሕሪኡ ገዛውትኻ፣ ከተማኻ፣ ኣውራጃኻ እንዳበለ እቲ ፍቕሪ ካብ ታሕቲ ሰረት ሒዙ ናብ ላዕሊ ናብ ህገር ይዓቢ። እንተዘይኮይኑ ዓድኻ ዓውድኻ ከይትጠቅስ ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን ጥራይ ኣብታ ንሕና ንብለካ ሃገራዊ ዕማም ተቖረን ምባል፣ ናይ ጥዕና ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ነቲ ስርዓት ብዝጥዕሞ መገዲ ብሽም ሃገር ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ መግዛእቲ ምውዳቕዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኩሉ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ፣ በዚ ኮምኒስታዊ ኣተሓሳስባ ተሃኒጹ ዓብዩን ይጽቢ ምህላዉንዩ። እዚ ኣብ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ኢዩ።
Simon G. July 15, 2015
ተስፊት:
ብወዲ ሰራየ ምዃንካ’ሞ ሙኽራዕካ ተሓቢነ። ወዲ ገዛ ባንዳ’የ ምባል ነውሪ ተዘይተቖጺሩ: ስለምንታይ ወዲ ዓዲ ዃላ ምባል ወገናዊ የቑጽር?
ናይ ህግደፍ ሽጣራ ተኸሺሑ ‘ዩ። ንሕና ካልእ ይመስለና ኔሩምበር ከምኡ ምባል ከም ነውሪ ዝገብርዎ ዝነበሩ ለካስ ስግር ዶብ ስለዝነበሩ’ዩ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን: ክንደይ ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ተሰዊኦምላ ‘ዮም። ምምዝዛን ኣድላዪ’ዩ።
Bitibito July 16, 2015
tesfit wrote, “ድሕሪ ናጽነት ሰራየ ዓደይ ካብ ዘፍረየቶም ከዋኽብቲ ሃገረይ፥ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፣ ዘርእሰናይ ታደሰን ሕጂ ከኣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ይርከብዎም።”
እቲ ግቡእ ታሪኻዊ መጸውዒ ናይዚ ዝተባህለ ናይ ትውልዲ ደቀባት ዓዲ እንተደኣ ኮይኑ፣ ብታሪኹ ማለት ብዘመነ ባሕረነገስታት፣ ብሕጊ እንዳባ ሎጎ ጭዋ ዝዳነ፣ እዚ መበቆላዊ ዓድታት – ሎጎጭዋ – ይበሃል።
ዝኾነ ኮይኑ፣ ኣትሌት ዳኒኤል ዘተክለሃይማኖት፣ ዝዓበይሉ ከባብን መበቆሉን ካብ ሓውሲ ከተማ ዱባርዋ ሎጎጭዋ ኮይኑ፣ ከም ታሪኹ ዝተፈላልየ መንነት ክህልዎ ይኽእል፤ ሎጎታይ ብሄረ ትግርኛ፣ ኤርትራዊ፣ ሓበሻ፣ ኣባል ጋንታ ኤምቲኤን ኩቤካ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣፍሪቃዊ ወዘተ
In short, Daniel ze Teklehaimanot can have several identities, social as well as hitorical, such as of Debarwa Logotay, Habesha, Eritrean, ethnic Tigrinya, member of MTN – Qhubeka South Africa and African.
berhe July 16, 2015
Tesfit,
You have broken the unseen chain, this is the fact. I strongly agree with you, good point.
rahwa July 16, 2015
Tesfit,
What do you mean? Abraham Afwerki, Zersenay Tadesse and Daniel Teklehaimanot are proud sons of Eritrea who represent it and sang about it with love. But what i would love to know is whether you would have spoken about Seraye had someone from Seraye done something bad. Remember these 3 legends are Eritreans and we are all proud of them. Why cannot you be proud of them without being so narrow-minded? Leave the pfdj pretext about this or that, try to achieve something for yourself instead of trying to say such nonsense about Seraye or any Awraja for that matter
Harmaz July 16, 2015
Ewe hawka,zemedka , adika,weredaka, awrajaka kabeu hagerka, ahgurka, Alem enda bele eyu eti fkri zmiebil.
Gin Tesfit zbelkayo nay bhaki b kemzi zgeltso zeleku tekoynu treyo zeleka … Merahaba
Aykonen gin Abraham kab Seraye Yemane kab Akeleguzay, Bereket kab Hamasiene, Wedi shek kab Tigre, Dehab Fatinga kab Kunama…… kulu nenatu jgna nenatu muhur, nenatu tegadalay, nenatu kimerih zkiel akmi zelewo alo. B antsaru dima Seraki, hasawi, ketali seb ……. dima alo.
Silezi neti tsetsbuku nay kuluna mukanu hasibna beza gena shigra zeytefethala weladit Eritrea kisanet nhaba ….suk elna mugujjal ayedlin eyu
Assena b kbretkum misti tetsahifu zelo article relation zeyblu neger delet tetgebruwo tsbuk neyru.
Dala Ksha July 16, 2015
Tesfit
mushmush,the heroes you mentioned them represent Eritrea not Seraye neishtoy Hangol.
Bitibito July 16, 2015
ዝተፈተኻ ጎደፋ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍካ ብዛዕባ “ዊኪሊክስ” ጠቒስካ ኣብኲዕካ ዝገደፍካዮ ጉዳይሲ እንታይ ገበርካ? ማለተይ: እዞም ወሃቢ ዝበሃሉ ሃመማ ናይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ እንታይ ዘእቱ ረኺቦም እዮም፣ ደርዘናት ደብዳቤታት ዝሓንጠጡ ?
https://wikileaks.org/saudi-cables/doc83323.html
Bitibito on July 9, 2015 said:
ሰላም ዝተፈተኻ ጎደፋ፤
ብዛዕባ ከንቱነት ኣምባሳደራት ህግደፍ ዝጸሓፍካዮ ይሳማማዕ እየ። እንተኾነ ግና እተፈላልየ ጉዳያት ኣብ ሓደ ስለ ዝቐረበ ኣብ ገለ ኣይበርሃለይን እሞ ኣብ ዝመጽእ ጹሑፍካ ብዛዕባ እቲ “ዊኪሊክስ” ኢልዎ ዝበልካዮ፣ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ጽሑፍ ተረድእካ ወይ ኣትርጕምካ ጽማቁን ሓሳቡን ኣቕርበልና። ብድሕሪኡ ነቲ “ሽብሉል መጋበርያ” ዝበልካዮ ምእንቲ ክበርሃልና።
የቐንየለይ፤
Amannue from London July 16, 2015
Dear brother and sisters,
Let us not argue for the sick of arguments. We are all Eritreans regardless form where we came from, but we also need to understand we all have our parents, relatives, distance relatives, neighbours, villages, regions, province and country. If we took any subject out of context, that will be a problem. we need to respect each other in order to get respect by others.
Aman July 16, 2015
These comments do not seem directly fit to the theme of the article, but are carrying important points worthy of discussion. I hope one day good fellows will come with genuine topics focusing “identity” as it has been one of the areas we, as Eritreans, have evident weaknesses in addressing it. If a person is not proud of who he is as a person, as member of his family, as part of his community and as a fellow citizen of his country, then there is a serious problem with his feeling about himself. Being open about your identity is worthy. The question how ever is at whose cost! If identity pride is at the cost of others, it is a sign of weakness that promotes all sorts of things that will keep a society chained to the ground including ignorance, cheapness, racism, homophobia, desperation, cruelty, brutality etc… Thus a genuine connection with your upbringing and the environment you know should be encouraged. It is the wisdom and lifestyle you nurture at the root level that makes you a decent role player and contributor at your community at large and nationwide.
Aman
Ghezai July 16, 2015
Rahwa
Seb mis mote ab tiwlidu adi ekiber abnet seraye akele wezt…
Ezi malet miflilal awraga tegeru malet d u? Weys ertrawi sile zikone ab eritra e u zikiber elka abey adi ertra?
Bitibito July 16, 2015
tesfit wrote, “ድሕሪ ናጽነት ሰራየ ዓደይ ካብ ዘፍረየቶም ከዋኽብቲ ሃገረይ፥ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፣ ዘርእሰናይ ታደሰን ሕጂ ከኣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ይርከብዎም።”
እቲ ግቡእ ታሪኻዊ መጸውዒ ናይዚ ዝተባህለ ናይ ትውልዲ ደቀባት ዓዲ እንተደኣ ኮይኑ፣ ብታሪኹ ማለት ብዘመነ ባሕረነገስታት፣ ብሕጊ እንዳባ ሎጎ ጭዋ ዝዳነ፣ እዚ መበቆላዊ ዓድታት – ሎጎጭዋ – ይበሃል።
ዝኾነ ኮይኑ፣ ኣትሌት ዳኒኤል ዘተክለሃይማኖት፣ ዝዓበይሉ ከባብን መበቆሉን ካብ ሓውሲ ከተማ ዱባርዋ ሎጎጭዋ ኮይኑ፣ ከም ታሪኹ ዝተፈላልየ መንነት ክህልዎ ይኽእል፤ ሎጎታይ ብሄረ ትግርኛ፣ ኤርትራዊ፣ ሓበሻ፣ ኣባል ጋንታ ኤምቲኤን ኩቤካ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣፍሪቃዊ ወዘተ
In short, Daniel ze Teklehaimanot can have several identities, such as of Debarwa Logotay, Habesha, Eritrean, ethnic Tigrinya, member of MTN Qhubeka South Africa and African.
Tes July 16, 2015
Dear Ghodefa,
Great analysis and timely article. Thank you for your continuous contribution. Back to your article. I agree with the issue you raised about ambassadors and I don’t believe they will change their stand and they support eseyas to his final resting place. They have some sort of privilege and are driven by greed and shortsightedness. What is most unacceptable the behavior of Meskerem and its contributors. They swing from left to right and trying their out most effort to divide the Eritrean societies. They trying the current situation of Eritrea to 1952 and spreading fear to confuse people. They are the most dangerous individuals. They disguise as oppositions but work full time to the dictator. Everyone should be careful from those lairs.
Fisehaye July 16, 2015
Hzbi Ertrea ede tselaika Hgdef ab kdmeka keyahti dekika enda atfe nskum be aditat tegozazeyu Isiad teawitu.
merhawit July 17, 2015
Ato Tesfit,
In matured states like the US or Germany, there’s absolutely no problem if one said John from California or Florida, or Muller from Bavaria or Lower Saxony. In our still backward Eritrean society, you must have known the connotations
merhawit July 17, 2015
…cont’d
ascribed to regional, ethnical or religious exclusiveness. I don’t believe u’re unaware of the negative implications on our national unity.
If I were member of assenna editorialship, certainly i would not publicize ur rather poisonous post.
berhe July 17, 2015
Merhawit,
Why we are affraid to talk about our origin, It is not something we did it on our will, It is inherited. If John can say I am from California and the same for other Johns, why is different for Eritreans to talk about our origin. For your knowledge we talk about it but in a hidden way. so let us talk about it openly, I assure nothing will happen.