ንትንሳኤ ኤርትራ፣ ኣገዳሲ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤን ንህዜቢ ኤርትራን
ኣገዲሲ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤን ንህዜቢ ኤርትራን ክቡራት ተኸታትልቲ ኣሰና፣ 1ይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ኣጋጣሚ ብምግባር፣ ቅድሚ ስርሒት ፎርቶ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ተወዲቦም ብምስጢር ይንቀሳቐሱ ካብ ዝነበሩን ዘለዉን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣
ኣገዲሲ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤን ንህዜቢ ኤርትራን
ክቡራት ተኸታትልቲ ኣሰና፣ 1ይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ኣጋጣሚ ብምግባር፣ ቅድሚ ስርሒት ፎርቶ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ተወዲቦም ብምስጢር ይንቀሳቐሱ ካብ ዝነበሩን ዘለዉን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክግበር ብምጽዋዕ ዝተላእከልና፣ ሽዑ ብሓጺር ማዕበል ፈኒናዮ ዝነበርና፣ “ንትንሳኤ ንኤርትራ፣ ኣገዳሲ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤን ንህዜቢ ኤርትራን” ዘርእስቱ ጽሑፍ ደጊምና ነቕርበልኩም። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምስጢር ዝተመስረተ ምንቅስቓስ፣ ሕጂ ‘ውን ብንጥፈት ይቕጽል ምህላዉ ዘተኣማምን ሓበሬታ ከምዘለና፣ ድማ ነረጋግጸልኩም።
tewelde berhan January 21, 2014
ኣነ ዝገርመኒ ክትርግጹና ብትሕቲ ሳእኒ
ሃገር ከይትህልወና እንዳረኣናኩም ብዓይኒ
መዓልታዊ ክፍኣት ሃገርና ክትዓኒ
ኤርትራዊ ድሕሪ ወያነ ወራር መንነትኩምን ስራሕኩምን ኣጸቢቑ ስለዝፈለጠኩም ዝበልኩም እንተበልኩም ሰማዒ ኣይትረኽቡን ኢኹም ንሕና ተቓላሳይ ሕዝባዊ ግንባር ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ነታ ብኽንደይ መስዋእትን ስንክልናን ዝመጸት ሃገር ኣሕሊፉ ከምዘይህብ ኢና ንፈልጥ ብሽም ህዝባዊ ግንባር ክትሽቅጡ ግን ልማድኩም ስለዝኾነ ዔብ ንብለኩም
ዓወት ንሓፋሽ
MightyEmbasoyra January 21, 2014
Is this really the spokesperson for this group?
1) He is using spoken rather than written Tigrigna.
2) He doesn’t seem to believe that other individuals are responsible but isayas only. This seems to me a a cover-up to some criminal individuals who are roaming around in the western or other part of the world.
3) He didn’t even see isayas as criminal rather than minor offense person. He never mentioned that isayas has been killing fighters from the get go – at all.
4) He never mentioned that the Badme war was started by isayas and co. – at all.
5) This spokesperson doesn’t see the distinction between opposition and supporters of the govt.
6) This person seems to believe on “minor repair” rather than get rid of HGDF.
To me, this seems that the group is led by Mesfin Hagos, Andebrahan, Dr. Asefaw, etc. and co.
tekle peter January 21, 2014
Hello mr weyane don’t keel your time. Eritrea is for eritreans only .we knows each other we are HADE LiBi we doing our home work very well. Don’t worry about us .we have a bright future.
MightyEmbasoyra January 21, 2014
Tekle: ተተኺልካ ደው ‘ምበር ኢልካ ፡ ተንቀሳቐስ ባ።
Weyane is leading Eritrea because your idiot boss, isayas is the biggest Weyane. I am sure you are “wedi 40” like your boss or mentally ill.
You (HGDF) guys keep using the same word agian and again, like a parrot. Don’t you get ashamed
Nahom January 21, 2014
This group is speaking about the principles of EPLF, whilst by now every Eritrean is well informed that the so called principles and all issues concerning EPLF were papers in the pocket of Isias Afwerqi.
Suleiman Salim January 21, 2014
You sound more like a Woyane agent. How come that you do not respect your jeganu brothers?
Rora January 21, 2014
I still belive in EPLF its the only”widib” which can brig change in Eritrea, btw i am 25 years old non EPLF member.
Genet January 21, 2014
Rora
You are missing the point.
this is not about EPLF. Rather about our peoples’ survival of a dictator who was and is EPLF’s leader. EPLF fighters are good guys who were taken advantage of by the ruthless dictator and his few comarads.
Genet
Sara January 21, 2014
This important call for all Eritreans, we need to be alert and not cheated by hgdf propaganda. Hegdf is funding different websites under cover up names as we all know. There also good website like assenna to disseminate information to the public. Hgdf is failed. hgdf means it is issays. hgdf is his one of brand names to run something illegal. hgdf was not setup by EPLF army. It is issais who call the meeting and set up it. There is no doubt for that hgdf is like 09 or 75…codes to run criminal activities. we need to support any gunien movement against issais. he is now very week.
Omar Albesher and Issais have no place to go except seeing each other. They are isolated from the rest of the world due to their crime. It is not a big deal for us.Thousands of eritreans are dying for nothing in desert, prisons……no one stand for their right except the opposition and human right groups.
amtaw January 21, 2014
shut the hell up kondaf Agame. W e know agamia ‘s like your self from your garbage in garbage out nonsense.
Nahom January 21, 2014
Sara
If you followed the interviews and narrations of the several veteran fighters of EPLF starting from Adhanom ‘Andemariam, you will reach to a conclusion that EPLF was setup, controlled, operated and dictated by Isias and Isias only, and PFDJ is nothing except a continuation of EPLF.
Suleiman Salim January 21, 2014
Issaias Afeworki is a founding member of EPLF, the organization which led Eritrea into independence. What you referred to as ” setup,controlled,operated and dictated ” is called LEADERSHIP.
Genet January 21, 2014
Dear Suleiman Salim
“Issaias Afwworki is a founding member of EPLF,..” You need to know the definition of LEADERSHIP. Even little kids will tell you Issaias is not a leader. I don’t know who you are trying to fool, but Issaias never been a leader. If a man is gifted with leadership skills, he doesn’t get worst with time. Rather he gets better and better with good communication skills including listening and understanding of the consequence his own action. Don’t take the word “LEADERSHIP” in a literal sense or word for word. “Leadership is doing the right things; great leaders possess dazzling social intelligence, a zest for change, and above all, vision that allows them to set their sights on the things that truly merit attention” (psychology today). a mafia leader is not equal to a socially intelligente leader.
Genet
selamawit January 21, 2014
you can call it “leadership” but it doesn’t change the value – hitler was also a “leader”, but does it change the evel value of his labor? NO!
here is a description of iseyas’ “leadership” type:
https://en.wikipedia.org/wiki/Narcissistic_leadership
here is a description of iseyas personal condition:
https://en.wikipedia.org/wiki/Malignant_narcissism#Cultural_examples
GOJAM January 21, 2014
Suleiman i think you are one of these cofiused Somalian you don’t no nuthing so keep gowing to starbox and you will lern sum good things.
Nahom January 22, 2014
Sulayman Salim
leadership is institution but EPLF was on an absolute control of one socially sick person.
halengi January 21, 2014
lomi hgdeftibah higdef dihritibah higdef higdef
amtaw January 21, 2014
Male male ShaEbyet, weyom weyom ShaEbyet, Fejir fejir ShaEbyet. Awet N hafash.
መስፍን ባህሩ January 21, 2014
ናብ ኣማኑኤልን ኣንበብቲ እዚ ጽሑፍን
እዚ ጽሑፍ እዚ ብመሰረቱ ብተጋዳላይ ከምዘይተጻሕፈ መዓት መረጋገጺ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጻሓሕፋ (ፈጺሙ ስዋስዋዊ ይኹን ናይ ጽሑፍ ዕላዊ ቋንቋ ዘይብሉ)ብሓደ ብዛዕባ ፖለቲካ ኤርትራ ይዛረብን ይፈልጥን ኢየ ዝብል እሞ ከኣ ተጋዳላይ ዝነበረ ክጸሓፍ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ክልተ ዕላማታት ኣለዎ።
1) ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገር ንምድሓን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ኣመሪካ፣ ስዊድን፣ ጥልያንን ስዊዘርላንድን ዝጀማመር ዘሎ ናይ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ምንቅስቓሳት ዋጋ ከምዘይህልዎ ንምግባር ካብ ራዕዲ ናይ ህግደፍ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
2)ካልኣይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ወይ ድማ ናይ ተልመዴን ኣጸሓሕፋ ብምጥቃም ንጀመርቲ ናይዚ ምንቅስቓሳት፣ ዓቕሚ ዘይብሎም ብሃውሪ ዝነቐሉ ሰባት ኣምሲልካ ንምግላጾም ዝተገብረ ስልቲ ናይ ጸሓፍቱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
እዚ ጽሑፍ’ዚ ብሓደ ሰብ ጥራይ ኢዩ ተጻሒፉ። ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ እውን ቅድሚ ናብ ኣሰና ምስዳዱ ኣይተራእየን። ምኽንያቱ ብውሑዱ ብክልተ ሰባት ተራእዩ ኔሩ እንተዝኸውን፣ እቲ መባእታዊ ጌጋ ናይዚ ጽሑፍ ኣይምሓለፈን።
እዚ ጽሑፍ’ዚ ዋና የብሉን። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕጽንታ ደርብዩ፣ ዋና ናይዚ ምሕጽንታ መን ምዃኑ ኣይነገረን። “ካብ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ህግሓኤ” ጥራይ ኢሉ መልእኽቱ ዓጽዩ። ስለዚ እቲ መልእኽቲ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ ኣይኮነን።
ብኣጠቓላሊ እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብ ኣሰና ብዘይ ምድንጋይ ክወጽእ ኣለዎ። ኣንባቢ እውን ክመራመርን ኣርቂቑ ክሓስብን በዚ ኣጋጣሚ እላቦ።
Diana da Bologna January 21, 2014
እቲ `ካብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ወይ ሓደ ኮሎነል` ኣንዳተባህለ ዋና ደይብሉ ጽሑፋትከ መን ጺሒፍዎ ወይ ክእለ`ለዎ ደይበሃል?
ስራሕ ስኢኑ ህግደፍ ነዚ ክጽሕፍ! ንሶም ካልእ ስራሕ ኣለዎም። ጉዳይ ሃገር!!
Nahom January 22, 2014
Diana Da Bologna
ምጽናት ሃገር ማለትኪ ድዩ
Diana da Bologna January 21, 2014
እዚ ጽሑፍ`ዚ ከም`ቲ ሓደ ኣብ ላዕሊ ኣፍኢምዎ ከም ደሎ፡ ኣብ ስደት ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዓስኪሮም ደለዉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ዝጸሓፍዎ ጽሑዩ። ካብ ትሕዝቶ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቶምን ቃለ መጠይቖምን ዝፍለ ዋላ ነገር ሓደ የብሉን። እዞም ብኽሳራ ግዝኣታዊ መሬትናን ህዝብናን ኣብ ስልጣን ክድይቡ ዝደልዩ ደለዉ ተዃሉ፡ ነቲ ኣብ 2002 ዓመተ ምህረት መዛዘሚ ድተገብረሉ ቀያድን ይግባይ ደይበሃሎን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዳግመ ግምት ክግበረሉ ይጠልቡ ከም ደለው ይነግሩና ኣለዉ። ኣብ ጽሑፎም `ጉዳይ ዶብ ክውስን ዝግብኦ እዚ ኣብ ስልጣን ደሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ደኮነ እቲ ብህዝቢ ድተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲዩ ክውስን ደለዎ` ኢሎም ኣለው። ካብዚ ሓሊፎምውን ምስ ኢትዮጵያ ተረዳዲእካ ክፍታሕ ተኽእሎ ከም ደሎ ይነግሩና ኣለዉ። እዞም ሰባት`ዚኣቶም፡ ዝርርብ ወይ Dialogue ዝባሃል ቋንቋ ናይ ወያነ፥ ናበያን ዘተደለየ ማኣዝን ጠዋውዩ ክሓላልኸና ከም ዝኽእል ዘፈልጡ ባሃማት ኣይኮኑን። ብድሕርቲ ብወያነ ዝጥለብ ደሎ ዝርርብ ሓደገኛ ዝኾነ ሳዕበናት ከም ደሎውን ዘንጊዖም ኣይኩኑን። ኣብ ቅድሚ ማሕበረስብዓ ዝተኸተም ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ባይታ ዘይተተግበረስ ምስ ወያነ ብድግበር ዝርርብ መፈጸምታ ግጭት ክልቲኤን ሃገራት ከም ዝኸውን ከረዱኡና ምፍታኖም ክሳብ ክንደይ ኣብ ልዕለና ንዕቀት ከም ደለዎምዮም ድነግሩና ደለዉ።
እንተቲ ታሪኽ ንኸይሓተኩም ኣብ ልዕሊቲ መንግስቲ ኣራሚ ስጉምቲ ክንወስድ ሓላፍነት ኣሎና ትብልዎ ደለኹም ግን፡ ኣብ ስደት ኣራጥጥካ ብማዕዶ ኮንካ ህዝቢ ክፋለሰልካ ምዕዳም ብዙሕ ትርጉም ደለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ማእለያ ደይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ`ዩ ህዝብን መሬትን ሓራ ገይሩ። ስለ ህዝብን ሃገርን ድቃስ ስኢንኩም እንተሊኹም ኮንኩም ድማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክጎጢ ዝተዓጥቀ ወያነ ስለ ደሎ፡ ናይ መበግሲ መሬትን ኣጽዋርን ጸገም ስለ ደይብልኩም፡ ኣብ ዶባት ከድኩም ህዝብን መሬትን ሓራ ንምውጻእ አጃምኩም ኣበርክቱ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ግን ተግባራትኩም ኩሉ መሬት ኣብ ምውግሑ ህዝቢ ምህዋኽ ኢዩ ክኸውን።
ዲያና መብራህቱ
ቦሎኛ ኢጣሊያ
MightyEmbasoyra January 21, 2014
I believe Diana da Bologna is the author of this article. I see some similarities: incoherent statements
Hailom Nigusse January 21, 2014
Who are this zambis agelgelti neber you run from Eritrea long time ago now when Higdef is almost ready to Down fool jest wake up and Tray to tel as what to do. First why don’t you work with Wedi Vacaro and second we need to now what crime your group did in ( Abkalsi Or Abmeda ). Thanks to brave brothers everything what happen befit is is they are at every webs. You zambis train to cover what you did.if you are rill went to change confess all what you now and what you did don’t worry the yang generation is downing with rill Eritreans like Wedi Vacaro, Grmay Wedi Flipo and others now everything about the straggle and they have no he thin agenda like you zambis. We don’t need cheep mouth if you went be hero be like we do ALI GOD BELSS and rest in peas we will not forget him we will make sure to taker his children that is our duties.
mesel January 21, 2014
መስፉን ባህሩ
-ቀዳማይ ነገር ዋላ’ውን ዝኾነ ስም እንተገበረሉ ክንኣምኖ ኣይንክእልን ኢና። ከምዚ ንስኻ ”መስፍን ባህሩ” ኢልካ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ንሱ ውን ከምኡ ክገብር ምኻኣለ ኔሩ። ሕጅስ ስሙ ጌሩ ኣይጌሩ መለሳ ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ፥ ኣብ’ቲ ዘርዚሩዎ ዘሎ ነጥቢታት ሓሳብ ምሃብ ጥራይ እዩ። ንስኻ ሕጂ ዋላ ሓደ ሓሳብ ኣይሃብካን። ኣብ ምንታይ ኢኻ ጌጋ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ትብሎ ዘለኻ’ውን ኣይሓበርካን። ኣነ ልዕሊ’ዚ ጸሓፊ ንዓኻ ዝያዳ ምስ’ቶም ዓንቀፍቲ ለውጢ ምሰራዕኩኻ። ነጥቢ ብነጥቢ እንተትምልስ ግን ኣብ’ቲ ተቕርቦ ምጉት ርእየ ገለ ምበልኩ። ንስኻ ግን ብዕፉኑ ተነኣእስ ኢኻ ዘለኻ። ብወገነይ እዚ ጽሑፍ ኣይጸላእኩዎን። ብዙሕ ሓቂታት ኣለዎ።
1. እዚ መሬታዊ ናጽነት ሃገርና ክረጋገጽ ከሎ ቆልዓ ዝነበረ ወለዶ ከም ሕሱም ከም ዝተዳህከ። ነቲ ሃዋርያ ለውጢን ፍትሕን ኢሉ ክስእሎ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ወለዶ ምሉእ ብምሉእ ”ጸቓጥን ዓማጽን” ምኻኑ ዘርዚሩ። ተጋዳላይ ክበሃል እንከሎስ ከመይ ጌርና’ሞ ዘይጠመትናዮ። እምነት፥ ኣኽብሮት፥ ፍቕሪ፥ ትሕትና፠፠፠፠፠፠ወዘተ ወዘተ ኣርኢናዮ። ”ኣንታ በዓል ጂዳ ተወገነለይ ንበዓል ሳሕል ክህባ ጋለይ”ደርፊ ኣዴታትና ኔሩ። ኣብ ርእስና ዝነበረ ስእሊ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር መግለጺ ኣይነበሮን። ጸኒሕና ምስ ራኣናስ፥ እቲ ”ተማሃሩ፡ ሃገር ናትኩም’ያ” ክብል ዝጸንሐስ ”ቀለም ቆጺረ ኢልካስ ልዕሊ ተጋዳላይ በዓል ገዛ ክትኮነለይ” ክብል ጀሚሩ። ኣኼባ ተጋደልትን ገባርን ፈላሊኻ ኣብ ሚኒስትሪታት፥ ብዛዕባ ጥዕና ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዓዲንግሊዝ እንተዳኣሃልዩስ ”ንሕና ኣብ በረኻ ዝጸናሕናዮ ይኣኽለና፥ ዋላ ኣይንስማዓዮ ባዕልና ኢና ንሳተፎ” ። ፣ ፣ , ኣንታ እንታይ ሞ ዘይሰማዕና።
2. ጸሓፊ ከምዛ መስፍን ትብላ ዘለኻ፥ ንዛ ኩላ ብኸምዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ኣገባብን ርድኢትን ነቲ ተቓሊሰሉ ትብሎ ህዝቢ ደም ዘንበዐት ተጋዳላይ ገና ነጻ ዩ ዘውጻኣ ዘሎ። ኣብ ክንድኡ ኢሳያስ ይተሓመሎ ጌሩዋ። ኢሳያስ ዳኣ ኣበይ ንፈልጦ። ኣብ እንዳ ኢሚግረሽን ኮይኑ ዶ ንስኻ ጽናሕ ንስኻ ኪድ ኢሉና’ዩ? ህዝቢ ኤርትራ ንኢሰያስ ኣይፈልጦን ዩ። ንሕና ነቲ ንሱ ሰሪሑ ኣብ ሚኒስትሪታት ዘቐመጠልና ”ኤርትራ ናተይ ጥራይ ያ፣ ኤርትራ ተቓሊሰላ ‘የ እሞ ክሳብ ዘለኹ ክበልዓላ’የ” ዝብል ተጋዳላይ ጥራይ ኢና ንፈልጥ። ነቲ ሕልሚታትና ዝበልዐ፥ ነተን ጽቡቓት ኣዋልድ አሕዋትና እንክርእያ ዓይነን ደም መሊኡ ” በረኻ ወጺአን መከራ ርእየን ገጸን ማዳ ክመስል ኣለዎ” ዝብላ በዓል ጋል ቡርጁዋ ዶ ገለ ኢና ንፈልጥ። ኢሳይያስ ነዚ ኩሉ ርኹስ ኣራእስ ይሰርሖ ኔሩ እንተኾይኑ፥ ተጋዳላይ ዝበሃል ኣይነበረን። ሕጂ ውን የለን።
3. ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ኣብ ዝባኑ ተሰኪሙዎ ዝኣተወ ህዝቢ፥ ነቲ ኣብ ከተማታት ኮይኑ ሂወቱ ኣብ መከራ እቀሚጡ ዝተጋደለ ሓፋሽ ውድባት ዝጠለመ ናይ በለጽን ትዕቢትን ኣተሓሳስባ ዘለዎ’ዩ።
4.ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ንስድራቤት ናይቲ ምስኡ እናተቃለሰ ዝወደቐ መቓልስቱ ”እንታይ ይበልዑ ኣለዉ?” ከይበለ ጥልያን ዝሰርሖ ቪላታት ናይ ህዝቢ ምኻኑ ዘንጊዑ ዝተሻመወ በለጸኛ እዩ።
5.ኢሳይያስ ነዚ ኩሉ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናኣውረደ ስቕ ኢሉ ዝረኣየ ንሱ እቲ ናይ ትማሊ ተጋዳላይ ዩ። ነዳፊ ናይቲ እዚ ጸሓፋይ ዝዛረበሉ ዘሎ መትከላት ዶ ቻርተራት ንሱ እዚ እዚ ሕጂ ንሓድሽ ወለዶ ኣሳጊጉ ገዛውቲ ዝቀዳደም ዘሎ ተጋዳላይ እዩ።
6.ጸሓፋይ ገና ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ክብሪታትን መትከላትን ዝመለለይኡ ወገን ክመጽዩ ዝትስፎ ዘሎ። እዚ ግን ቀደም ቆንቂኑ ብነቀዝ ናይ ጥልመት ዝተበልዐ ኣጉል ተስፋ እዩ። ዕላማ መራሕትን መሪሕነትን ህዝባዊ ግንባር እንሆ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ባዕሉ ይዛረብ። ክዛረብ ዝደሊ ምስኡ ይዛረብ። ምስ ኣውያት ጥሜት ስደት መከራ ህዝቢ ፊት ንፊት ይዛረብ። ምስ’ቲ ኣብ ከባቢና ጭራ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ ይዛረብ። ምስቲ ሓሚሙ ንሱዳን ክሕከም ዝለኣኽ፥ ምስቲ ኣብ እስራኤል፥ ኣብ ጁባ፥ ኣብ ካርቱም ፥ ኣብ ትግራይ ሕልሚታቱ እናደፈነ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ፊት ንፊት ይዛረብ
7. ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፥ እቲ ንውድባውነት ልዕሊ ኤርትራውነት ዝሰርዐን ባህሊ ምጽዉዋርን ብዙሕነትን ማይ ድንቁሩና ሓዊሱ ዝጀለሐን ኣፍራሲ ታሪኽ እዩ
8.ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፥ ጅግነነት ማለት ተኣዚዝካ ኣብ ግንባር ”ስለምንታይ” ከይበልካ ብትብዓት ምውጋእ ምኻኑ ጥራይ ዝምህር ፥ ኣብ ለውሃት፥ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ፥ ኣብ ሕክምና፥ ኣብ ሕጊ ጅግነንት ዘየሎ ዝመስሎ ፍጡር እዩ።
9. ህዝብና ዳግማይ ብመታለሊ ቃላት ህግ ደጊሙ ዝታለል ኣይመስልን እዩ። ሓበኑ ኩርዓቱ ኒሑ ልሒጹ ዝበልዐ ኣተሕሳስባ ኢሳይስን ደቂ መዛምርቱን ብመርገም ኤርትራውያን ኣዴታት የትፍእኩም። ደም ስዉኣት ዲን ኮይኑ የንድድኩም። እምበር ሓሳባት መሃዝነት ሕልሚ ራእዪ ተስፋ ራህዋ ሓበን ታሪኽ ኩሉ ኣኪብኩም ኣቃጺልኩሞ። ዝኮነ ጸገም መፍትሒ ኣለዎ፥ ዝኾነ ወለዶ መራሒ ኣለዎ፥ ባዕሉ ክመጽእ እዩ መራሒ። ጥራይ ዝተማላእኩም ተማሊእኩም፥ ንደቂኹም ከጥሕሎም ዝኽእል ቀላይ ደም ገዲፍኩሙሎም ሕለፉ’ምበር ምስ ክእረሙን ክእርሙን ዝግበኦም ህዝባዊ ግንባርሲ ተረኣኢና።
መስፍን ባህሩ January 21, 2014
“ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ንስድራቤት ናይቲ ምስኡ እናተቃለሰ ዝወደቐ መቓልስቱ ”እንታይ ይበልዑ ኣለዉ?” ከይበለ ጥልያን ዝሰርሖ ቪላታት ናይ ህዝቢ ምኻኑ ዘንጊዑ ዝተሻመወ በለጸኛ እዩ።” እዚ ቃላት’ዚ ናይ መሰል ኢዩ። እዋይ! ኣብ ኩናት ዘይወዓለ በሊሕ ዝብልኹም ከምዚ ኢዩ። ናይ ኣስመራ ቪላ’ስ እምበኣር ክንዲ ቁጽሪ ተጋዳላይ ኮይነን። መሰል ቅድሚ ምንጽርጻርካ ሓንቲ ነገር ክብለካ፣ ናይ ብሓቂ ካብቲ ናይቲ ዓንቀጽ ጸሓፊ ብቋንቋ ትግርኛ ንስኻ ትሓይሽ። ስለዚ እየ ከኣ እዚ ጽሑፍ እዚ ብተጋደልቲ ኣይኮነን ተጻሒፉ ዝበልኩ። ትድግፎ ድማ የለኻን። ስለዚ ምሳይ ብፍርቂ ተሰማሚዕካ ኣለኻ ማለት ኢዩ። ብዛዕባ ተጋዳላይ ክትፈልጥ እንተደሊኻ ግን ናይ መንግስቱ ሃይለማርያም መጽሓፍ ኣንብባ። ንሱ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ተጋዳላይን ህዝብን ወጻእተኛን ንሻዕብያ ይፈልጣ። ናቱ ምስክር ከኣ ኢዩ ብተዛማዲ ዝእመን። ንሱ ኣብ መጽሓፉ ንተጋዳላይ ብፍሉይ ቃላት ጌሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ዝበለን ዓበይቲ ሓረጋቱ ግን ከምዚ ትብል። “ድኹማት መራሕቲ ዘለውዎ ሓያል ሰራዊት ኣብ ዓለም ተራእዩ ኣይፈልጥን። ናይ ሻዕብያ ወተሃደር ግን ፍሉይ ኢዩ ኔሩ። መራሕቱ ካብ ዝጠቐምዎ ዘግድዕዎ ይበዝሕ ይብል። እምበኣር መሰል ንታሪኽ ክኾነካ፣ ተጋዳላይ ብኣጋ ዝተጠልመ ሓያል ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ ኢዩ። እንተ’ቶም ቪላ ኣሕዲጎምኒ ትብሎምን ዘለኻ፣ ተጋደልቲ ሻዕብያ እንተዘመሊሰሙልካ ባዕልኻ ክንደየናይ ከይትመልሶ። ስለዚ ካብ ንኹሉ ምዝላፍ ታሪኽ ብደቂቕ ክትፈልጥ ፈትን። ከም መጀመሪ ድማ እዛ ናይ መንግሱ ሃይለማርያም መጽሓፍ ከይተሃከኻ ኣንብባ። ምስ ወዳእካያ የራኽበና።
mesel January 24, 2014
mesfin
please zeytexahfe aytenbib.
SAVING YOUNG ERITREANS January 21, 2014
Respectable Mesel ,
Today I raised my frozen hope ,while many have good intentions ,however many do not get it .You do.To blame only Isaias is so lame that it would not lead to any solution ,Isaias was the head ,stomach ,feet & tail of the Criminaql organization called EPLF. Who let him ?That is why I say EPLF had no tegadelti but armed group as in gang.If the new generation get it like you Mesel do ,I think half of the solution has already materialized.
Bravo Mesel