Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓዘን መግለጺ – ሃብተማርያም ኣብራሃ

ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ተሰዊኡ። እዚ ጅግና እዚ ታሪኹ ከም ዝምስክሮ፡ ናጽነትን ሓርነትን ሃገሩን ህዝቡን ንምድላይ 50 ዓመታት ተጋዲሉ። ሞት ዘይተርፍ ጽሕፍቶ ወዲ ሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ከም ኣሕመድ ዝኣመሰለ ጅግናስ ፍረ ጻማ ቃልሱ ክርኢ፡ ሞሳ ናይቲ

ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ተሰዊኡ። እዚ ጅግና እዚ ታሪኹ ከም ዝምስክሮ፡ ናጽነትን ሓርነትን ሃገሩን ህዝቡን ንምድላይ 50 ዓመታት ተጋዲሉ። ሞት ዘይተርፍ ጽሕፍቶ ወዲ ሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ከም ኣሕመድ ዝኣመሰለ ጅግናስ ፍረ ጻማ ቃልሱ ክርኢ፡ ሞሳ ናይቲ ዝተቃለሰሉ ዓመታት ከስተማቕር ምተገብአ። ኣሕመድ ንቃልሲ ኢሉ ካብ ዝተበገሰላ ዕለት ብዘይካ ሃገራዊ ኣረኣእያ ካልእ ዝምባሌ ዘይነበሮ ጅግና ኢዩ ዝነበረ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Meretse Asmelash April 2, 2014

    ክቡር ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ

    ንመስዋእቲ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣመልኪትካ ዝጸሓፍካዮ ናይ ሓዘን መገለጺ እኩል’ዩ ኢለ ስለ ዝኣምን ዝውስከሉ ቃል የብለይን።
    ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ፡- ኣነ ንሃገረይ እንተዘይኮይነ ዋላ ንባዕለይ’ውን ኣይኹን ኢሉ ኣብ ትሕቲ ቖጣቑጥን፣ ኣግራብን፣ ሸናጭሮን፣ ሩባታታን፣ ኩርባታትን፣ ጎቦታታን ኮታ– ኣሎ ዝብሃል በረካን/ መሮሮን ክፍልታት ሃገርሩ ብንግህኡ ንእስነቱ ንቃልሲ ዘወፈየ ጀግናን ኣብነት ጀጋኑን ከምዝነበረ ፡ ማንም ሰብ ይፈልጦ ኔሩ ክብል’ዃ እንተ ዘይደፈርኩ ፡ ፈላጢኡ ግን ውሑድ ኣይኮነን።
    ኣነ ዘሕዝነኒ እንተዳኣ ሃልዩ ግን – መስዋእቲ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣይኮነን። ሞት ዘይትተርፍ ትዕድልቲ እያ።
    ዘሕዝነኒ —–
    ብፍላይ እዚ ድሕሪ ናጽነት ዝመጸ ዎሎዶ ብቀረባ ሓደ- ምስ -ሓደስ (one to one) ይትረፍ ፡ ናይ ማዕዶ ኣፍልጦ ናይ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ልቦንን ፣ ትሕትናን ፣ ዝነበሮ ራእይን ፣ ጽቡቅ ጌሩ ከይፈለጦ ካብዛ ዓለም ምሕላፉ እዩ።
    ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር — ዓቢ ማህደር ታሪክ ኤረትራ እዩ ኔሩ።
    እስኪ ንሎሚ እዙይ ጥራሕ ክብል

    ዘለኣለማዊ ክብሪ ንጀግና ስውእ ተጋ/ ኣሕመድ ናስር

    ጽንዓት ንናይ ቀረባ ቤተሰቡ

    ጽንዓት ንመላእ ተቃላሳይን ደላይ ሰላምን

Post a Reply to Meretse Asmelash Cancel Reply