ናቕፋ ምቅይያር ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር
ናቕፋ ምቅይያር ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር Tesfamariam Wel. 03/03/2016 Worway ብኢደ ወነኑ ንናቕፋ ቀይርዎ ንዓለም ከደናግር ኣተግቢርዎ ሕማም ርእሲ ንህዝቢኮይንዎ ምናዳ ነቶም ንሕና ናቱ ዝብለዎ ዝተደርዙ ከም ጣኦት ዘምልኹዎ ብጽብቕቲ ጩጉራፍ ሸሪጥዎም ዒም ከይብሉ ናሰምዑ ኣጽቂጦም ዝተሃገሩ ኣብ ባንካ ዘሎ ገንዘቦም ከም ጥረ እኽሊ ሰፊሮም ዝብዎም ክሳብ ኣብዚውን ኣረኻኺቦሙልና ቁሩብ
ናቕፋ ምቅይያር
ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር
Tesfamariam Wel.
03/03/2016 Worway
ብኢደ ወነኑ ንናቕፋ ቀይርዎ
ንዓለም ከደናግር ኣተግቢርዎ
ሕማም ርእሲ ንህዝቢኮይንዎ
ምናዳ ነቶም ንሕና ናቱ ዝብለዎ
ዝተደርዙ ከም ጣኦት ዘምልኹዎ
ብጽብቕቲ ጩጉራፍ ሸሪጥዎም
ዒም ከይብሉ ናሰምዑ ኣጽቂጦም
ዝተሃገሩ ኣብ ባንካ ዘሎ ገንዘቦም
ከም ጥረ እኽሊ ሰፊሮም ዝብዎም
ክሳብ ኣብዚውን ኣረኻኺቦሙልና
ቁሩብ ቁራቦ ከይንሕግዝ ንስድራና
ብዘይረብሑ ኣጣቓዕቲ ተለኪምና
ወይከ ተቋወምትስ ኣይንትንከፍንና
ኺዱ ኣጽንዑ ተዓዘቡ ተመሃሩ
ንዘሕዝን መገሻ ምዩቕ ኣብ ሃገሩ
ብሰለይቲ ሰምቢዶም ዝባህሪሩ
ኣብ ዓዶም ቀሲኖም ከይተዛወሩ
ዝጨነቖም እንታይ ከምዝገብሩ
ወረ ባዶ.3ተ ጉሓፍዎ ኣብ ጋህሲ
ስብኽ ውዒሎም ንዓሻ መደዓዓሲ
ንኽትሪኦም ዘሕዝኑኻ ሕማም ርእሲ
ህግደፍ ከሎ ሃገር ኣይርከባን ፈውሲ
ዓዲ ጽቡቕ ኣላ እናበሉ ዝነዝሑ ወረ
ክንደይ ሰብ ብሓሶቶም ዘይተደናገረ
ኣሽሓት ዓመታት የድሊ ህግደፍ ክዕረ
ሎውጢ ኣይንጸበ ህግደፍ ከይተሳዕረሞ
ታዩኸ ጉያጉያ ህግደፍ ኣብ ምውዳቑ
ጉዕዞ ህልኽ ድዩ ወይ ህዘቢ ከተብሽቑ
ጭኩን ህዝቢ ብተግባርኩም ተናዒቑ
ንህዝቢ ብምልጋጽኩም ኩሉዩ ሓሪቑ
የመዝግብዩ ዘሎ ኣስማትኩም ጠያይቑ
ጓይላ ሓዘን ተኺልኩም ኣጉል ትስሕቑ
ህዝብኹም ሕለዩ ስምኩም ኣይትጸይቑ
ንዓይ ይጥዓመኒ ምባል ሰራምዩ ጠንቁ
ሃገር ሕማቕ ከላ ጽቡቕላ እናልካ ተዘንቱ
ቀንዲ ንስኻ ከም ከማኻ ቀዳሞት ጸላእቱ
ጨካናት ፍጥረት ንህግደፍ ደቂ መዛሙርቱ
ናታትኩም ገዲዱዎ ካብ ናይ እቶም ሸፋቱ
ጉድኩምን ቋንቋኹም ጠፊኡና ትርጉሙ
ብሓሶትኩም ውሽጥን ደገን ዘሎ ተገሪሙ
ሰብ ዝብላዕ ዝስተ ሲኢኑ እናሓደረ ጾሙ
ጨበል መሲሉ ናተረአ መሰናግለ ዓጽሙ
ከይትጣዓሱ ህግደፍ ኣሰሮም ምስ ቅሃሙ
ነባሪ ፍጡር የለን ጽባሕ ሞወቲና ተኣረሙ
ህግደውያን ኣብ ፓልቶክ ተሰሪዖም ዝጀሃሩ
ከመይ ገርካ ከምተታልል ብጸላም ዝዕንድሩ
ዲፕሎም ዝወሰዱ ንሰብ ክድህሉ ዝተመኽሩ
ኣተዓባብያ ዝተበደሉ ስነሰርዓት ዘይተማህሩ
ደድሕሪ ህግደፍ ክጓየዩ ባዕሎም ዝደንቆሩ
ደቅ ሰብ ነይሮም ናብ እንስሳ ዘቤት ዝተቐየሩ
ንሓሶት ዕዮ ገዝ ዝተዋህቦም ከጽንዑ ዝሓድሩ
ገሰርጥ ህዝቢ ብዓሌት ክፈላልዩ ዝተዋፎሩ
ዱሑራት ብጃህራ ህግደፍ ኣሚኖም ዝሰኸሩ
ስማዕ ኤሪትራዊ ኣብ ዓድን ደገን ትሳቐ ዘለኻ
ህዝባዊ ውደባ ጥራይ እያ እታሓንቲ ተዋጻኣካ
ካብ ካልእ ኣይትጸበ ተጠርኒፍካ ከይጸዓርካ
ዝተታለልካዮ ዓመታት ኣይወሓደን ይኣኽለካ
ኣማኢት ኣኸባ ሪኢናን ሰሚዕና ተኻፊልና
ክሳብ ሕጂ ፍንሕ እትብል ቁምነገር ነይራና
በዚ ውዒልና በዚ ሓዲርና ታይ ክዓብሰልና?
ንሕና ንጽበ ሓቂ ዝሓዘ ቀኒዕኩም ክትነግሩና
እቲ ሓደ ንምብራቕ እቲ ሓደ ንምዕራብ ይጓየ
ንምቾቱምበር ንህዘቡ ዝሓሊ የለን ዝይተረኣየ
ልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ስደት በሊና ኣነውን በልየ
ክሳብ ሎሚ ሓንቲ ኣይተሰርሐ ከምቲ ዝተደልየ
ንመን ንምሕጓስዩ ኣሕሊፍካ ምሃብ ንህዝብኻ
ካብቶም ኣግሂዶም ሰብ ዘጋፍዑ ትኸፍእ ንስኻ
ጽቡቕ ኣሎ ክትብል ሕማቕን ሽግርን እናረአኻ
ስቕ ጥዑም እንታይ ገደሰካ ትቋመር ብህዘብኻ
ኦ ኣምላኸይ ካብ ዓመጽትን
መዳናገርትን አገላግሎ ንህዝበይ
ኣሜን
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመንሞ ሓዲኡሎ
Berhe Tensea March 14, 2016
Thank you for the wonderful piece of writing. The regime is only interested in controlling and creating problems only to -occupy the people, since it has no ability to wage wars like in the past.
Death to Iseyas and his puppets.