Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናቕፋ ምቅይያር ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር

  ናቕፋ ምቅይያር ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር Tesfamariam Wel. 03/03/2016 Worway   ብኢደ ወነኑ ንናቕፋ ቀይርዎ ንዓለም ከደናግር ኣተግቢርዎ ሕማም ርእሲ ንህዝቢኮይንዎ ምናዳ ነቶም ንሕና ናቱ ዝብለዎ ዝተደርዙ ከም ጣኦት ዘምልኹዎ   ብጽብቕቲ ጩጉራፍ ሸሪጥዎም ዒም ከይብሉ ናሰምዑ ኣጽቂጦም ዝተሃገሩ ኣብ ባንካ ዘሎ ገንዘቦም ከም ጥረ እኽሊ ሰፊሮም ዝብዎም   ክሳብ ኣብዚውን ኣረኻኺቦሙልና ቁሩብ

 

ናቕፋ ምቅይያር

ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር

Tesfamariam Wel.

03/03/2016 Worway

 

ብኢደ ወነኑ ንናቕፋ ቀይርዎ

ንዓለም ከደናግር ኣተግቢርዎ

ሕማም ርእሲ ንህዝቢኮይንዎ

ምናዳ ነቶም ንሕና ናቱ ዝብለዎ

ዝተደርዙ ከም ጣኦት ዘምልኹዎ

 

ብጽብቕቲ ጩጉራፍ ሸሪጥዎም

ዒም ከይብሉ ናሰምዑ ኣጽቂጦም

ዝተሃገሩ ኣብ ባንካ ዘሎ ገንዘቦም

ከም ጥረ እኽሊ ሰፊሮም ዝብዎም

 

ክሳብ ኣብዚውን ኣረኻኺቦሙልና

ቁሩብ ቁራቦ ከይንሕግዝ ንስድራና

ብዘይረብሑ ኣጣቓዕቲ ተለኪምና

ወይከ ተቋወምትስ ኣይንትንከፍንና

 

ኺዱ ኣጽንዑ ተዓዘቡ ተመሃሩ

ንዘሕዝን መገሻ ምዩቕ ኣብ ሃገሩ

ብሰለይቲ ሰምቢዶም ዝባህሪሩ

ኣብ ዓዶም ቀሲኖም ከይተዛወሩ

ዝጨነቖም እንታይ ከምዝገብሩ

 

ወረ ባዶ.3ተ ጉሓፍዎ ኣብ ጋህሲ

ስብኽ ውዒሎም ንዓሻ መደዓዓሲ

ንኽትሪኦም ዘሕዝኑኻ ሕማም ርእሲ

ህግደፍ ከሎ ሃገር ኣይርከባን ፈውሲ

 

ዓዲ ጽቡቕ ኣላ እናበሉ ዝነዝሑ ወረ

ክንደይ ሰብ ብሓሶቶም ዘይተደናገረ

ኣሽሓት ዓመታት የድሊ ህግደፍ ክዕረ

ሎውጢ ኣይንጸበ ህግደፍ ከይተሳዕረሞ

 

ታዩኸ ጉያጉያ ህግደፍ ኣብ ምውዳቑ

ጉዕዞ ህልኽ ድዩ ወይ ህዘቢ ከተብሽቑ

ጭኩን ህዝቢ ብተግባርኩም ተናዒቑ

ንህዝቢ ብምልጋጽኩም ኩሉዩ ሓሪቑ

 

የመዝግብዩ ዘሎ ኣስማትኩም ጠያይቑ

ጓይላ ሓዘን ተኺልኩም ኣጉል ትስሕቑ

ህዝብኹም ሕለዩ ስምኩም ኣይትጸይቑ

ንዓይ ይጥዓመኒ ምባል ሰራምዩ ጠንቁ

 

ሃገር ሕማቕ ከላ ጽቡቕላ እናልካ ተዘንቱ

ቀንዲ ንስኻ ከም ከማኻ ቀዳሞት ጸላእቱ

ጨካናት ፍጥረት ንህግደፍ ደቂ መዛሙርቱ

ናታትኩም ገዲዱዎ ካብ ናይ እቶም  ሸፋቱ

 

ጉድኩምን ቋንቋኹም ጠፊኡና ትርጉሙ

ብሓሶትኩም ውሽጥን ደገን ዘሎ ተገሪሙ

ሰብ ዝብላዕ ዝስተ ሲኢኑ እናሓደረ ጾሙ

ጨበል መሲሉ ናተረአ መሰናግለ ዓጽሙ

ከይትጣዓሱ ህግደፍ ኣሰሮም ምስ ቅሃሙ

ነባሪ ፍጡር የለን ጽባሕ ሞወቲና ተኣረሙ

 

ህግደውያን ኣብ ፓልቶክ ተሰሪዖም ዝጀሃሩ

ከመይ ገርካ ከምተታልል ብጸላም ዝዕንድሩ

ዲፕሎም ዝወሰዱ ንሰብ ክድህሉ ዝተመኽሩ

ኣተዓባብያ ዝተበደሉ ስነሰርዓት ዘይተማህሩ

 

ደድሕሪ ህግደፍ ክጓየዩ ባዕሎም ዝደንቆሩ

ደቅ ሰብ ነይሮም ናብ እንስሳ ዘቤት ዝተቐየሩ

ንሓሶት ዕዮ ገዝ ዝተዋህቦም ከጽንዑ ዝሓድሩ

ገሰርጥ ህዝቢ ብዓሌት ክፈላልዩ ዝተዋፎሩ

ዱሑራት ብጃህራ ህግደፍ ኣሚኖም ዝሰኸሩ

 

ስማዕ ኤሪትራዊ ኣብ ዓድን ደገን ትሳቐ ዘለኻ

ህዝባዊ ውደባ ጥራይ እያ እታሓንቲ ተዋጻኣካ

ካብ ካልእ ኣይትጸበ ተጠርኒፍካ ከይጸዓርካ

ዝተታለልካዮ ዓመታት ኣይወሓደን ይኣኽለካ

 

ኣማኢት ኣኸባ ሪኢናን ሰሚዕና ተኻፊልና

ክሳብ ሕጂ ፍንሕ እትብል ቁምነገር ነይራና

በዚ ውዒልና በዚ ሓዲርና ታይ ክዓብሰልና?

ንሕና ንጽበ ሓቂ ዝሓዘ ቀኒዕኩም ክትነግሩና

 

እቲ ሓደ ንምብራቕ እቲ ሓደ ንምዕራብ ይጓየ

ንምቾቱምበር ንህዘቡ ዝሓሊ የለን ዝይተረኣየ

ልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ስደት በሊና ኣነውን በልየ

ክሳብ ሎሚ ሓንቲ ኣይተሰርሐ ከምቲ ዝተደልየ

 

ንመን ንምሕጓስዩ ኣሕሊፍካ ምሃብ ንህዝብኻ

ካብቶም ኣግሂዶም ሰብ ዘጋፍዑ ትኸፍእ ንስኻ

ጽቡቕ ኣሎ ክትብል ሕማቕን ሽግርን እናረአኻ

ስቕ ጥዑም እንታይ ገደሰካ ትቋመር ብህዘብኻ

 

ኦ ኣምላኸይ ካብ ዓመጽትን

መዳናገርትን አገላግሎ ንህዝበይ

ኣሜን

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመንሞ ሓዲኡሎ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea March 14, 2016

    Thank you for the wonderful piece of writing. The regime is only interested in controlling and creating problems only to -occupy the people, since it has no ability to wage wars like in the past.
    Death to Iseyas and his puppets.

POST A COMMENT