Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትማሊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሕንጻጽ፣ ብዝወረዶ ማህረምቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ምማቱ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ እቲ ከባብን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ምትፍናን ተኸሲቱ ከምዝነበረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናብ ትማሊ ቀዳም 6 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ትግራይ፣ ሕንጻጽ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት፣  ሓደ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ካብ እትርከብ ሕንጻጽ ዝተባህለት ዓዲ ምስ ብጾቱ ናብታ መዓስከር ለይቲ ሰዓት ክልተ

ናብ ትማሊ ቀዳም 6 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ትግራይ፣ ሕንጻጽ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት፣  ሓደ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ካብ እትርከብ ሕንጻጽ ዝተባህለት ዓዲ ምስ ብጾቱ ናብታ መዓስከር ለይቲ ሰዓት ክልተ ኣትዩ  ክሰርቕ ረኺብናዮ ብዝብል ምኽንያት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘውረዱሉ ማህረምቲ ዝተሃስየ ዕድሚኡ ብልክዕ ዘይፈለጥናዮ መንእሰይ፣ ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ድሕሪ ምማቱ፣ ኣብ መንጎ ተቐማጦ ህዝቢ ሕንጻጽን መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽን ምትፍናን ከምዝወዓለ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብሞት ናይቲ መንእሰይ ዝተጠርጠሩ ካብ 10 ንላዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።  ኣብቲ ስርቂ ዝተሳተፉ 2 ትግራዎት ብፖሊስ ክተሓዙ ከለዉ፣ ሓደ ካልእ ምስኣቶም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈረ ኣብቲ መዓስከር ዝቕመጥ ኤርትራዊ ‘ውን ከቢድ ማህረምቲ ከዝበጽሖ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ መንእሰይ ድሕሪ ምማቱ፣ ህዝቢ ናይቲ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጽም ‘ኳ እንተተበገሰ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፖሊስ ተኣኻኺቦም፣ “ ኢትዮጵያዊ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ ክሰርቕ መጺኡ ኢሎም እዮም፣ ሃሪሞሞ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ሞት ኣጋጢሙ” ኢሎም ብምዕጋት፣ ነቶም ስደተኛታት ‘ውን ጀነሬተራቶም ኣጥፊኦም ምንቅስቓድ ደው ብምባል ኣብ ቴንዳታቶም ክውዕሉ ብምሕባር ነቲ ምትፍናን ከምዝተሃዳድኡዎ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ሎሚ ህዝቢ ናይቲ ዓድን ካብ ምዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ዝመጹ ወከልቲ ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ መዋቲ ከምዝተፈጸመ ‘ውን ተፈሊጡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ናብ ሱዳን ገጾም ስለዝኸዱ፣ ክብ ለጠቕ ዝብል ኳ እንተኾነ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ብገምጋም ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይግለጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • AHMED SALEH June 7, 2015

    It is unfortunate situation to hear somebody lost his life . But if a person with bad
    intention break into your house late night , you have full right to defend yourself .
    Few bad apples do not represent their society to politicize this event .

  • lemlem June 7, 2015

    It is the fate of every thief either to face the consequences or to get the reward of his actions.But we don’t have to divert the subject to unwanted confilict and confrontation.the majority have to live in conventional peace.At the end the fault go to UNHCR and the Ethiopian Government who put the people at risk.

  • ghezai June 7, 2015

    Seriqu elka kisab zimewt atiharmon ziktelu emo kem Hgdef,Rashaida weytotat bedewin
    Sofia ect…

  • Metkel June 7, 2015

    Gega gega mihramin miktalin nay higi zeyfelit tegbar iyu,
    maheremtin kitletin ferihka hadimkas gega hiji iwin nizitegagey nab higi deaa. Ethiopiawian kendi ahiwatna iyom lomi HGDF silezekurefe nihina nitselom malet aykonen lomi ahiwatna nizelealem ahiwatna.

  • Eritra June 7, 2015

    ” Even though you sound the same loser with multiple pen names”

    AHMED SALEH

    Any loss of life, is very unfortunate and sad. Mob justice is wrong. That said, Yohannes, is one of those Eritrea haters who sometimes pose as extremist Christians, sometimes as Moslems who hate Christians, trying their best to ignite sectarian hatred among Eritreans. As you can see from bloggers response, many don’t even care to respond to them. Eritreans will never kill each other because of religion or ethnicity.

  • Keren June 7, 2015

    We mourn the death of our young Ethiopian brother in a tragedy of “mob mentality”. The worst part was the killers who may have been defending themselves but acted foolishly, and what makes even more painful is that they are our own Eritrean brothers who came to Ethiopia for asylum and refuge to save their own lives from death and life of slavery in Eritrea and Abeedism and beheading in the savage Arab world.
    Love and peace to Eritreans and Ethiopians, and my deep felt condolence to his family and the people off Adi Hintsats.
    We are all victims here. Victims of Eritrea’s recent history that has been going foul and stinking in the last sixty years.

  • Tesfit June 7, 2015

    We have to be sensitive to the population of the area. It is their village. We came to them, they didn’t come to us.

  • sam tom June 7, 2015

    Appreciate the way the ethiopian police handle the situation.

    For my fellow eritreans, please react responsibly to anything that had befallen you.

    Sam

  • oromay June 7, 2015

    This is bad incident. Please do not vomit your ugly words sitting in your comfort zone. Robbery is illegal however, unless it is life threatening, a robber should be beaten to death. On other hand, self defense in event of burglary is legal. It seemed a petty theft attempt from an adjacent neighborhood in collaboration with some culprit refugees within the camp. In fact, those agents should be accountable for planning and providing information to deprive their own brothers and sisters in the camp. In fact, this is betrayal and collaborators in this illegal incident should not go with impunity.

  • ኣርዓዶም June 7, 2015

    ሂወቶምን ንብረቶምን ክሰርቕን ከዕኑን ንዝመጸ ብዘለካ ተኸላኪልካ ክትሰጎ መሰልካ ኢዩ። ወይ ንሱ ቐቲልካ ይኸይድ ወይ ክትቐትሎ ውን ከም`ዚ ናይ ሕጂ ተረክቦ ኢዩ። እዚ ኣብ ምሉእ ሃገራት ዓለም ዘሎ ኢዩ። ሕጊ ተኾነ`ውን ንነብስኻ ክትከላኸል የፍቕድ ኢዩ። ብዓይኒ ፍትሒ ክር አ ከሎ፡ እዞም ቐቲሎሞ ዝብሃሉ ዘለው ናጻ ኢዮም። ምኽንያቱ ክዘምትን ክቐትልን ኢዩ ናብ ውሻጢኦም ኣትዩ። ኣብ ዝኾነት ሃገር ዓለም ድማ ተሰራቒ ንሰራቒ ሓይሉ ምስ ዝቐትሎ ኣይሕተትን ኢዩ። ሰራቒ ንተሰራቒ ምስ ዝቐትል ግን ሕጂ`ውን እቲ ሰራቒ ብቕትለትን ብስርቕን ተሓታቲ ኢዩ።
    ስለዚ ሕጊ ፈሊጥና እንተንዛረብ ይምረጽ። እዞም የሕዋት ተበዲሎም ካብ ዝፈትውዎ ሃገሮም ተሰዲዶም፡ ብሰረቕቲ ክዝመቱን ክቕተሉን ድማ ዓገብ ኢዩ። እዞም የሕዋት ህኒወቶም ኢዮም ተኸላኺሎም` ሰራቒ ድማ ኩሉ ብዘንቐሎን ዝገበሮን ክፍኣት፡ ኣብ ርእሱ ኢዩ።

    • Selamawi June 7, 2015

      ክቡር ኣቶ ኣርዓዶም
      እዚ ኣቕሪብኩምዎ ዘለኹም ሓሳብ ቁሩብ ተጋኒኑ ይመለኒ። ብዛዕብ ርእሰ-ምክልኻል ዘለኩም ርድኢት ግጉይ ይመስለኒ። ክቐትለካ ንዝመጽኤ፥ ካልእ ኩሉ ኣማራጽታት እንተ ተወዲኡካ (ናብነት፥ ምህዳም እንተስኢንካ፥ ነቲ መቕተሊኻ ኢሉ ሒዙዎ ዘሎ መሳርሒ ክተሕድጎ እንተ ዘይክኢልካ፥ ኣፈራሪሕካ ክትመልሶ እንተ ዘይክኢልካ) ዝተረፈካ ምርጫ ክትመውት ወይ ክትቀትሎ ጥራሕ እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ትወስድ። ንዝሰርቕ ሰብ ግን ክትሰጎ ደኣምበር ክትቅትሎ ሕጊ ዜፍቅድ ኣይመስለንን።

      ንዓይ ከምዝመስለኒ፥ እዚ ዜዛርበና ዘሎ መዋቲ፥ ክዘምት መጺኡዎም፥ ንብረቶም ክከላኸሉ ክብሉ ተባኢሶምዎ፥ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኢዶም ሓውዩዎም ኣሎ። ስለዚ ድንገት ደኣሎምበር፥ ክቐትሉዎ ሓሲቦም ኔሮም ክንብል ኣይንኽእልን። ዝኾነ ኮይኑ፥ ነቲ ጉዳይ ከየጻረና መን በደለ ክንፈርድውን ኣይንኽእልን ኢና።

      ክሰርቀኒ መጺኡ ኢልካ ሰብ ምቕታል ግን ኣብ ገሊኣተን ሃገራት ዜእስር ገበን ኢዩ (ንኣብነት፥ እቲ ሰራቒ በትሪ ሒዙ እንተ መጺኡካ፥ ንስኻ ግን ብጥይት ወይ ብፋስ ጌርካ እንተ ቐቲልካዩ፥ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ጎነጻዊ ሓይሊ ስለዝተጠቀምካ፥ ገበነኛ ትኸውን።)

      ሰላምታን ኣኽብሮትን

POST A COMMENT