Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትማሊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሕንጻጽ፣ ብዝወረዶ ማህረምቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ምማቱ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ እቲ ከባብን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ምትፍናን ተኸሲቱ ከምዝነበረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናብ ትማሊ ቀዳም 6 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ትግራይ፣ ሕንጻጽ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት፣  ሓደ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ካብ እትርከብ ሕንጻጽ ዝተባህለት ዓዲ ምስ ብጾቱ ናብታ መዓስከር ለይቲ ሰዓት ክልተ

ናብ ትማሊ ቀዳም 6 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ትግራይ፣ ሕንጻጽ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት፣  ሓደ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ካብ እትርከብ ሕንጻጽ ዝተባህለት ዓዲ ምስ ብጾቱ ናብታ መዓስከር ለይቲ ሰዓት ክልተ ኣትዩ  ክሰርቕ ረኺብናዮ ብዝብል ምኽንያት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘውረዱሉ ማህረምቲ ዝተሃስየ ዕድሚኡ ብልክዕ ዘይፈለጥናዮ መንእሰይ፣ ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ድሕሪ ምማቱ፣ ኣብ መንጎ ተቐማጦ ህዝቢ ሕንጻጽን መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽን ምትፍናን ከምዝወዓለ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብሞት ናይቲ መንእሰይ ዝተጠርጠሩ ካብ 10 ንላዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።  ኣብቲ ስርቂ ዝተሳተፉ 2 ትግራዎት ብፖሊስ ክተሓዙ ከለዉ፣ ሓደ ካልእ ምስኣቶም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈረ ኣብቲ መዓስከር ዝቕመጥ ኤርትራዊ ‘ውን ከቢድ ማህረምቲ ከዝበጽሖ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ መንእሰይ ድሕሪ ምማቱ፣ ህዝቢ ናይቲ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጽም ‘ኳ እንተተበገሰ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፖሊስ ተኣኻኺቦም፣ “ ኢትዮጵያዊ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ ክሰርቕ መጺኡ ኢሎም እዮም፣ ሃሪሞሞ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ሞት ኣጋጢሙ” ኢሎም ብምዕጋት፣ ነቶም ስደተኛታት ‘ውን ጀነሬተራቶም ኣጥፊኦም ምንቅስቓድ ደው ብምባል ኣብ ቴንዳታቶም ክውዕሉ ብምሕባር ነቲ ምትፍናን ከምዝተሃዳድኡዎ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ሎሚ ህዝቢ ናይቲ ዓድን ካብ ምዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ዝመጹ ወከልቲ ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ መዋቲ ከምዝተፈጸመ ‘ውን ተፈሊጡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ናብ ሱዳን ገጾም ስለዝኸዱ፣ ክብ ለጠቕ ዝብል ኳ እንተኾነ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ብገምጋም ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይግለጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • Tesfay Kifle June 7, 2015

    Owwww mengisite semay yewariso einber eintay kinbl

  • ኣርዓዶም June 7, 2015

    ጽቡቕ ገይሮም፡ ንሰረቕትስ ከምኣ ድኣ ትርከቦም፡ ካብ ሰረቕቲ ሃዲሙ ክዕቖብ ንዝመጸ መስኪን ህዝቢ ንዘጋፍዕ፡ ግብረ መልሱ ከም`ዚ ክከውን ኣለዎ። ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተሃዲኑን ቕሳነት ስ ኢኑን ናብ እፎይ ክብለሉ ዝኽእል ሃገራት ዛሕዛሕ ኢሉ እንዳተዓቑበ፡ ኣብ ኡ ጸኒሖም ኣብ ርእሲ ሽግሩን ጭንቑን ሽግርን ጭንቕን ንዝውስኽሉ፡ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቕበጽ ስለዝኾነ፡ ከም`ዚ ገይሮም ግብረ መልሲ ምሃቦም፡ ሃባርም ኣገንዑ ክብሎም እፈቱ።

    ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኩሉ ሽግርን መከራን ዝረኽበካ ዘሎ፡ ስ ኣን ከም`ዚ ገርካ ብሓድነት ነቲ ገበል ካብ ትፈትዋ ሃገርካን ምድሪ-ቤትካ ዘባረረካ፡ ሓቢርካ ከም ተመን ዕዳጋ ርእሱ ጦፋዕ-ጦፋዕ ተቢልካዮ፡ ኣብ ሃገርካን ህዝብካን መሬትካን ብኹርዓት ዘይትነብረሉ ምኽንያት የለን። ስለዚ ካብ`ዚ ኹሉ መዋጥር እዚ ዝኸፍእ ስለዘየለ፡ ነቶም ዓንቐፍቲ ጉዕዞኻ ዝኹኑ ል ኡኻት ሳጥናኤል ገብል ሃገርካ፡ ኣላሊኻ`ውን ርእሲ ርእሶም ኮታዕ-ኮታዕ ተቢልካዮም፡ ኣብ ጉዕዞ ሓርነትካ ይሰልጠካ እምበር ኣይጎድኣካን ኢዩ።

    ካብ`ዚ መዋጥር እዚ ዝኸፍእ የለን፡ ንሓድነትካ ሰሚርካ፡ ገብል ገዛኻ ቐቲልካ ገዛኻ እቶ።

    ክብሪ ንጀጋኑ ህዝቢ ኤርትራ

    ኣርዓዶም

  • ERITRAWIT June 7, 2015

    Ageb serekew elka hewet seb mhlaf. Ayyyyy Eritrawi ab tenda gorobet hager konka ba grem kserkeney mesew elka seb mktal.
    Netom ab Eritra kemzey kunetat zebzhka gda adahleleka hade B hade zeytekabsom!!!!!

  • hamasanay June 7, 2015

    Amanial EYasu bial niska zimehazkumo eyu seb kiwetsa ab Ethiopia ymeharu alewu tsbuke garom eyom zihzwom America kitwosdom eya endabelkum hiji abzeyhasebwo shigr yeatikum agame fa aykonen do ab adom kadkayom ab adika eka shigr usub zinebere ayasebka tebahilu Beal Amanial DMA nidemezkum kitblu zeyele zana thbu

    • ERITRAWIT June 7, 2015

      hamasanay,
      Wey Amanule Nay Isaias Container,under,Adi Abeyto… kaloten ke entay dew serhen?

    • Eritreawit June 7, 2015

      hamasanay,

      Amannuel Eyassu, never said unite and stay in Tigray refugee camps, instade of going to be kidnnaped and killed to scape to America OR Europe. you are HGDF supporter that is why you blame the others. Stop killing our people by supporting the criminal HGDF.

  • Rahwa Semere June 7, 2015

    The Eritrean problems are simply like “kof elika tiseqila’mo dew elika miwirada tisiena” hager/nation. The problem in Eritrea is connected partly to Eritreans not having reached a consensus on what is needed to be done to raise our nation from where it is today that is from shame and humiliation of our youth. Men eyu ewuyy kiblelu n’Hzbina!

  • fthi June 7, 2015

    Aye hamasenay, esika ske bel entay tara titsawet. Meneseysi kem beal amanuel zibelu sile tezarebu eyom ziwetsu zelewu elka kitzareb si kidiminaka eyu zigelits. Gilanet zibihig aemuro ziwinin seb tsibuk hasab kefelik hasibu ayfelitin eyu aemuru ewin sile zeylemedo.

  • fthi June 7, 2015

    ምናልባት ካብቶም ሓቂ ንምቅባል ዘጸግሞም፡ ኣብ ናይ ምኽሓድ መድረኽ ዘለዉ አኻ

  • Medhin.G June 7, 2015

    hamsanay,
    Is this a stern warning from PFDJ? Telling us that PFDJ is hatching little monsters? that they will do what their breeders could not do? We should simply all try to recognize and be grateful for the modest and kind support the people and the government of Ethiopia are offering to unfortunate Eritreans.

  • sami June 7, 2015

    ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ እንታይ ይበሃል ኮይኑ፡ጽቡቅ ገበርዎ ምባል ግን ዓገብ የሕዋት ኢና ብ ቃንቃን ጉርብትናን ዝረዳዱኡና የዕቂቦምና ዘልዉ ህዝቢ ኢዮም፡ስለዚ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ።

  • wedixinadegle June 7, 2015

    Nizimote mengstesemay yewariso netom handebet bizegatemom hadega tehateti zikonu dima mewaxio yihabom

1 2 3 4

POST A COMMENT