Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትልሚ ኢሰያስ፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ

ትልሚ ኢሰያስ፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ብጥዑምዝጊ ጠዓመ                                                            

ትልሚ ኢሰያስ፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ
ብጥዑምዝጊ ጠዓመ
                                                                                ንመብዛሕትኡ ቃለ መጠየቅ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ  ዝከታተል ኤርትራዊ ዜጋ ንመደረ ኢሰያስ ከመይ ረኺብካዮ ዝብል ሕቶ ምስ እተቅርበሉ፡ ቀዲሙ ዝህበካ መልሲ ከላ ዓጀውጀው እዩ ከም ቀደሙ ዝብል እዩ ዝኸውን። እቲ ዝገርም ግን ኩሎም ፖሊሲታት ህግደፍ ካብ’ቲ ህውታትያ ኢልና እንገልጾ ቃለ መሕተት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብላዕለዎት ካድራት ህግደፍ ተመምዮም ብምውጻእ ዝዋደዱ ምኳኖም እዩ።
 ብካልእ ኣዘራርባ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንኩሎም ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞም  ዝደሊ ጉዳያት ኣቀዲሙ እዩ ዝነግር ኢና ንብል ዘለና። ነዚ መረጋገጺ ዝኮነና ካብ መጀመርያ 90ታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዝተዛረቦም  ኣገደስትን ውሑዳትን ኣብነታት ንርአ፦
1 ሓሸውየ ውድባት ኣይነፍቅድን ኢና።
2  ነዛ ሃገር ንዓይ ኩትራት ዝሃበኒ ሰብ የለን።
3  ቅዋም ኤርትራ ሞይቱ እዩ።
4   ምርጫ ምናልባት ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ንገብር ንኸውን።
5  ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ዝደሊ እንተሃልዩ ኣብ ካልእ ዓለም ወይ ማርስ ይኺድ።
6  ድሕር ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራት እየን ኢሉ ዝሓስብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ፡ ሓደ ኮይና ኢና  ……….. ወዘተ ኢሉ ኔሩ።
ዝከበርኩም ተካታተልቲ እዚ ጽሑፍ ካብዚ ቀጺለ እንብኣር ብዛዕባ ትልሚ ኢሰያስ ኣብ’ዚ ሓድሽ ምስ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ መድረኽ ካብ ኣንደበቱ ብምብጋስ መጻኢ ሃገርና ኤርትራ ብኸመይ ስኢሉ ይሰርሓሉ ኣሎ ክትንትን እየ። ሕመረት ጽሑፈይ ከኣ ካብቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብ 11 ሓምለ 2018 ኣብ ሳዋ ብምክንያት 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ ዘካየዶ ሰሚናርን ዳሕረወይቲ ቃለ መጠየቁን ክኸውን እዩ ፡ እሞ ሰናይ ንባብ/ ምክትታል።
ከም መእተዊ እንብኣር በዚ ዝስዕብ ንጀምር፡ ስርዓት ኢሰያስ እዚ ኩሎ ዓይኑ ዘፍጠጠ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እንዳካየደ ስለምንታይ ኢና ከነውድቆ ዘይከኣልና ኢልኩም ንነብስኩም ትሓቱዋ ተቃለስትን ከምኡ’ውን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተዓዘብትን ከም ዘለኩም ብሩህ ኮይኑ፡ እቲ መልሲ ብሓጺሩ ክወሃብ ዝክእል እዩ።
ንሱ ከኣ  ህገደፍ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኮነ ኤርትራዊ ሓይሊ ንላዕሊ ዝበልጽ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ስለ ዘለዎ እዩ ብዝብል ይግለጽ።  ቅድሚ ዝኣገረ ኢሰያስ ናብ ሳዋ ብምምራሕ ነቲ ብምክንያት 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ተባሂሉ ካብ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ውዳቤታትን ከምኡ’ውን ካብ መላእ ዓለም ዝተወከሉ መንእሰያት ህግደፍን ኣብ ዝተረክብሉ ኣጋጣሚ ዝርዝራዊ መደባቱ ዘረድኣሉ ምክንያት ንርአ። እዚ ሜላ’ዚ እብኣር ንመደባት ኢሰያስ ክመጾ ካብ ዝክእል ብድሆታት ድልዱል መካላኸሊ ዕርዲ ምህናጽ ንዝድለ ደገፍ ንምርካብን እዩ ኔሩ።
 እቶም እዞም ደገፍትስ ሕጂ ‘ከ ሃገር እንዳ ተሸጠት ከመይ ኢሎም እዮም ንኢሰያስ ዝኽተልዎ ዘለዉ ኢልኩም ዝገርመኩም ወይ ሕቶ ተልዕሉ እንብኣር እዞም ሰባት እዚኣቶም ልዕሊ ዝኮነ ኤርትራዊ ብዝተወደበ መልክዑ ኣቀዲሙ እኹል ሓበሬታ ብዝርደኦም ቋንቋ ስለበጽሖም እዮም ካብ ጎድኒ ምልኪ ምንቅ ዘይብሉ ፡ ብኣንጻሩ ተኸላኸልቲ መደባት ምልኪ እንበር ተሓለቅቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ዘይረኣዩ፡
 ክቅየሩ ኣይክእሉን እዮም ግን ይብል የለኹን ዝበለጸ ፖለቲካዊ  ኣወዳድባን ቅኑዕ እዋናዊ ሓበሬታን እንተረኺቦምን እንተበጺሕዎምን ንሶም እውን ኤርትራውያንን ኤርትራዊ ስምዒትን ዘለዎምን ምኳኖም ክንዝንግዕ የብልናን።
ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነዞም ብየማነ ገብረኣብ (ማንከይ) ዝፈረዩ እሞ ካብ ዓለም ምሉእ ንሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኣብ ሳዋ ዝተኣከቡ ካብ ላዕለዎት ክሳብ ታሕተዎት ካድራት ህግደፍ፡ ብ 11 ሓምለ 2018 ዘመሓላለፎ መልእክትን መምርሕን እንብኣር ብ ‘’ ብድሆታት ሓድሽ ምዕራፍ’’ ዝብል ናይ ባዕሉ ውሕሉል ቋንቋ እዩ ጀሚሩሎም።
 ውልቀ መላኺ ንተጋባእቲ ሰሚናር እዚ ንኣትዎ ዘለና መድረኽ ክልተ ዓበይቲ ብድሆታት ኣለዉዎ ድሕሪ  ምባሉ፡ እቶም ሓድሽ መልክዕ መከተ ዘድልዮም እዮም ዝበሎም ብድሆታት ብከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪቡሎም።
ቀዳማይ ብድሆ ብቋንቋ ኢሰያስ ከምዘለዎ ‘’ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ስርዓት ዝገደፎ ሓድጊ ኣሎ፡ እዚ ሓድጊ’ዚ ተሓጺቡ ናብ ጎሓፍ ክድርበን ካብ ታሪክ እውን ክድምሰስ ኣለዎ’’ ይብል ነበረ. …..። ኣ ብዚ ጉዳይ ኩሉ ፖለቲካዊ ዝንባለና ንግዝይኡ ገዲፍና ንተዓዘብ ሓድግታት ዝሓለፈ ስርዓት ዝብሃል ዘሎ ባዕሉ ኢሰያስ እውን ከም ዘብርሆ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ብሄራት ፖለቲካ ኣብቂዑ ብሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ክትካእ ኣለዎ እዩ ዝብል። እዚ መደብ’ዚ ክዕወት እንተኮይኑ ከኣ ናይቲ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት መሃንድሳት ክጠፍኡ ኣለዎም ማለት እዩ። ህወሓት እዮም ዝኮኑ ዘለዉ ።
ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ዝለዓለ ጽልዋ ዝነበሮን ንቁጠባ ወሲክኻ ብዙሕ ሓይሊ ዝደለበ ውድብ(ህወሓት) ካብ ጸወታ ኣውጺእካ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ምትካል ብፍጹም ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን ፡ ክልተ መራሕቲ ምስ ኩሉ ጸጋታቶም እንተ ተዓጢቆምሉ ግን ኣይብጻሕን እዩ ክንብል ዘክእለና ምክንያት የለን።
ብዛዕባ ምቅያር ፖለቲካዊ ስርዓት ሓደ ሃገር ኢና ንዛረብ ዘለና። እዚ ጉዳይ ብዘይ ምሉእ ብትሕብባር ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፍጸም እንተኮይኑ እታ ናይ ኢሰያስ ቃል   ‘’ ፖለቲካዊ ሕጽቦ’’ ትብሃል ዘላ እያ ኣብ ተግባር ክትውዕል ዘለዋ። ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈቲኑ ዝተዓወተሉ ተሞክሮ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ኣለዎ።  እዚ ከም ሞዴል ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሕ እንተኮይኑ ከኣ  ኣብ ተሞክሮ ዝሓለፋ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘጋጠመ በደላት ዋላ ዓቀኑን ኣተጋባብርኡን ይፈላለ እንበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ  ኢትዮጵያ ክፍጸም ናይ ግድን እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኣብ መጻወድያ ምእታዉ ክቃለስ ይግባእ።
ኣብ ናይ ህወሓት ጉዳይ እንተ መጺእና ከኣ ድሮ እኳ ኣብ ናይ 6ተ 7ተ ኣዋርሕ መዋእል እንታይ ዓይነት ተጽዕኖ ተፍጢሩላ ኣሎ ንርእዮ ዘለና ኮይኑ፡ ህወሓት ይኩን ዝኮነ ደጋፊኣ ኣረጋጊጹ ክፈልጦ ዘለዎ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ከኣ ናይ ክልላት ፖለቲካ ኣብቂዑ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ክምስረት እንተኮይኑ ፡ ህወሓት ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ መማልሶ ብዘይብሉ ጸድፊ ክትጸድፍ ኣለዋ እዩ ዘሎ እቲ ትምኒት ሰብ ሓድሽ መዋእል።
 እዚ ስራሕ ብከመይ እዩ ክፍጸም ግዜ ጥራይ ዘግህዶ ምስጢር ኮይኑ፡ እንተስ ዶባት ብምክፋትን ምዕጻውን እንተስ ምስ ህዝቢ ኣምሓራን ኤርትራን ብምግጫው እንተስ ከምዛ ዳሕረወይቲ ስእሊ ደብረጽዮን እቶም ክልተ መራሕትን ጌርካ ንህወሓት ኣብ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ከፋፊልካ ድሕሩን ቅዱምን ጌርካ ምጥፋእ ወይ እውን ካልእ ንዓይ ንግዝይኡ ዘይተራእየኒ ሜላ ብምጥቃም ን‘’ህወሓት’’ ናይ ምስንባት ስራሕ ደው ዘብሎ ኣይክህሉ እዩ።
እታ ሓንቲ ህወሓት ክትድሕነላ ትክእል ተክእሎ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ካልእ ፖለቲካዊ ኣንፈት ዘእቱ ተግባራት ምስ ዝተፈላለዩ ሓልታት ብምሽራኽ ክትፍጽም ዓቅሚን ክእለትን እንተፈጢራ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ናይ ህወሓት መዋጽኦ ዝብሎ ልዕሊ’ዚ ናብ ዝርዝር ክኣቱ ኣይመርጽን። ህዝብን መንእሰያትን ትግራይ ግን ብባእሲ ሓራምዝ  ዳግማይ ከይህሰዩ ብንቁሕ ውነ ጉዳዮም ከይተታኸሱ  ክኸታተሉ ይግባእ።
እቲ ካልኣይ ብድሆ ኢሰያስን ዶ/ር ኣቢይን   ‘’ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ናይ ወገነይ ወገንካ ናይ ተራ ሰረቕቲ ፖለቲካ ዝፈጠሮ ብልሹው ስርዓተ ቁጠባ ’’ …….  እዩ ይብሎ ኢሰያስ።
 ኣቀዲምና ንኢትዮጵያዊ ለውጢ ብፖለቲካዊ  ሸነኹ ክንርእዮ ከም ዝጸናሕና እዚ ካልኣይ ብድሆ እውን ምስ ምቅያር ስርዓተ ቁጠባ ሃገረ ኢትዮጵያ ብቀጥታ ዝተሓሓዝ ብድሆ እዩ። ፖለሲ ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ናይ ‘ህወሓት’   ‘’ ተራ ሰረቕቲ ፖለቲከኛታት ፈጢሩ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝመዝመዘ ክልወጥ ኣለዎ ፡ ኣምሳይኡ ከኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝበቅዕ ናይ ቁጠባ ስርዓት ክትከል ኣለዎ’’ ይብል ውልቀ መላኺ ኣብ መልእኽቱ ን ተጋባእቲ ሰሚናር ሳዋ ።
እዚ ከሉ ናይ ብልሽውናን ተሓታትነትን ሃድንን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምጅማሩ እንብኣር ብ 11 ሓምለ 2018  እዩ ኢሰያስ ንካድራቱ ኣተንቢሁሎም ኔሩ ። ኣብዚ ክንርእዮ ዝግባእ እንበኣር ይተዓውት ኣይትዓውት ብዘየገድስ ልሉይን ህልውን ስርዓተ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣፍሪስካ፡ እንታይ ዓይነት ሓድሽ ስርዓተ ቁጠባ እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ክትከል ዝሕሰብ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንቀዳማይ ሚኒስተ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ክሓቶ ዝግብኦ ሕቶ ይመስለኒ።
ኣብዚ ጉዳይ’ዚ እውን እንተኮነ ህወሓትን ምስ ህወሓት ብምጽጋዕ ርእሰማል ዘጥረዩ ኢትዮጵያውያን  ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእትዎም ምኳኑ ምዝክኻር ዘድልዮም ኣይመስለንን ፡ እዚ ኽተኣታቶ ዝሕሰብ ዘሎ ሓድሽ ስርዓተ ቁጠባ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብከመይ ክጸልዎ ይኽእል ንዝብል ፡ እውን  ሓደ እንታይ ዓይነት ሞዴል ቁጠባ እዮም ኢሰያስን ኣብይን ከተኣታትዉ ዝሓስቡ ዘለዉ ዝፈልጥኩዎ የብለይን፡ ብካልኣይ ደረጃ  ከኣ ዋላ እንተዝፈልጥ ናይ ቁጠባ ምሁር ስለዘይኮንኩ ኣኽሳሪ ወይ ኣኽሳቢ ውጽኢት ዝርከቦ እዩ ኢለ ዘቅርቦ መደምደምታ ኣይምሃለወንን።
 በዚ ኮይኑ በቲ ግን መግለጺታት ኢሰያስ ዝገርም ዝገብሮ ነገር ኣለዎ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገረ ኢትዮጵያ ብስም ንሓድሽ ስርዓት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምሕጋዝ ዝብል ምክንያት ሃንዳሲ ኩሉ መደባት ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ምርካቡ እዩ።
ኢሱን ኣብይን ኣብዚ ከይተሓጽሩ ካብ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፖለቲካ ሓሊፎም ኣጀንዳ ምብራቅ ኣፍሪቃ (ቀርኒ ኣፍሪቃ) ን ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ውሽመጥ ዓረብን ከምኡ‘ውን ስግሩ ዝሓልፍ ኣድማሳዊ ሰፋሕቲ መደባት ኣሎና እሞ ኩልኩም ንመጻኢ ተረባሕቲ ክትኾኑ ስለዝኮንኩም ዋላ ተዓሚትኩም ስዓቡና ድቃስ ከኣ ኔው በልዎ ዝብል ከቢድ ለበዋ እዩ ዘለዎም። ኣብዛ  ሓሳቦም  ንዓይ ትገርመኒ ሓንቲ ኣዝያ መስደመም መግለጺ ኢሰያስ ኣላ እንታይ ትብል ይመስለኩም።. ….. ‘’ ብሓደ ወገን ፖለቲካዊ ሕጽቦ እንዳ ካየድና በቲ ካልእ ድማ ሓድሽ ሂወትን ሓድሽ ምዕራፍን ክንኣቱ  ኢና ’’ እትብል እያ …… ’።
ብሰንኪ ዝቀደመ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዓሌትን ሃይሞኖትን ካልኦት ፍልልያትን ኤርትራውያን በረኣእያ ተፈላሊና ገሊኢና ኣንጻር ታሪኽናን ታሪኽ ሓርበኛ ህዝብናን ክንስለፍን ክንጽየንን ገሊኢና ካብኡ ሓሊፍና ካልእ ዘየድሊ ኣተሓሳስባታት ኣጥሪና ፡ ሓባራዊ መረዳድኢ ባይታ ስኢና ኢደ እግሪ ቃልሲ ምሓዝ ጠፊኡና እንዳሃለወ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኢሰያስ  ዳግማይ ፖለቲካዊ ሕጽቦ  ይምነየልና ምህላዉን ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን ይክእል ንረድኣዮ ።
ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ዞባውያንን ኣድማሳውያንን ሰፋሕቲ መደባት ክልተ ኣዕሩክ እንብኣር ብድሪኺት ለውጢ ኢትዮጵያ ተሓጊዞም ኣብ ፖለቲካዊ መደባት ጎረባብቲ ሃገራት ማለት ሶማል፡ ጅቡቲ፡ደብብ ሱዳን ን ሱዳንን ንቅድም ድሒሩ ድማ ኣብ እተን ካልኦት ኣብ ትኹረቶም ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ከስርጽዎ ዘይ ሕለል ጻዕሪ ከምዝገብሩ እዮም ዘተንብሁ ዘለዉ።
ኢሰያስ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኮይኑ ምስ ስርዓት ካርቱም ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ግዝይኡ በሊዑ ዝፍታሕን ሱዳን እውን ናይቲ ተደሞሮ ኣካል ምኳናን ገሊጹ ኔሩ። እዚ ከኣ ነዚ ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባርን ኣገዳስነቱን ብዓቢ ስእሊ ርእዮም ጠመተ ሂቦሞ ዘለዉ ጉዳይ ምኻኑ መርኣያ እዩ።
ሓቆም እዮም፡ ኣብዛ ድርሰት ፈጠራ ሓዳስ ካርታ ምብራቅ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብኣላይነትን ተዋሳእነትን ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂን ኣቶ ኣብይ ኣሕመድን እንብኣር ረብሓ እዞም ክልተ ውልቀ ሰባት እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ምልዓል ከገድሰና እዩ። ረብሕኦም ካብ ሽርኽነት ምስ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን ሚልዮናት ዶላራት ብሓገዝን ዝተፈላለየ ጥቕማጥቕምን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካብዘን ንባዕለን ዘይኮና ከምኦም ድኻታት ጎረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከኣ ጸጥታዊ ውሕስነት ምርካብ እዩ። ጸጥታዊ ውሕስነት ክንብል ከለና ሓደ ካብኡ  እዘን ጎረባብቲ ሃገራት እዞም ክልተ መራሕቲ ንኩሉ እኩይ ተግባራቶም ክፍጽሙ ከለዉ ንዝለዓል ተቃውሞ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መዕቆብን ሓገዝን ንምኽልካል ምኳኑ ኣብ ግምት ንውሰዶ ኢና።
መታን ኽንበላሓት ክሕግዘና።
እዚ ወለዶታት እንዳጽነትካ ብጉልባብ ምህናጽ ናይ ወሎዶታት ለውጢ ኣብ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ኩርናዕ ፖለቲካ እንብኣር ብቃላት ኢሰያስ ብከምዚ ዝስዕብ ይግለጽ፡ ….‘’ ናይ ሓባር ዕማምና ከም ክልተ ሃገራት ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ሃገር ፡ ከም ሓደ ህዝቢ፡ ከም ሓደ ሓይሊ ኼይና ከነተግብሮ እዩ መደብና’’ …… ይብል።  ቀጺሉ እውን ሓላፍነት ….‘’ ሰላም’’ ካብ መኸተ ስለዝኸብድ ጽንዓት መንእሰያት ክቅጽል ኣለዎ …. ይውስኽ።
 እዚ ማለት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስኡ ዝተፈጥረ ድኽነትን ኩሉ ሽግራትን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ድሕር ሕጂ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ወሲኹ ብሓድሽ ፋሽን ናይ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ክቅጽል እዩ ዝብል ዘሎ። ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ለውጢ ይኹን ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንከይመጽእ ጥራይ ዘይኾነስ ንከይሕሰብ እውን ከኣ ሓላፍነት ሰላም ካብ መኸተ ይሕይል ብዝብል ሓረገ ሓጺርዎ ይሓልፍ።
ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብን ምህናጽ ትሕተ ቅርጺን ኣመልኺቱ ክዛረብ እንከሎ ኢሰያስ፡ ቃል ብቃሉ. …..  ወደብ ዓሰብ ብቅልጡፍ ዘድሊ ጽገና ተጌሩሉ ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ኢትዮጵያ ክውዕል ኣለዎ ዝብል ተእዛዝ እዩ ዘመሓላፍ። ኣብዚ እታ ኣነን ኢሱን ምስ ተደመርና እንካፈሎ ዓሰብ እዩ እትብል ውዕውዕቲ መደረ ዶ/ር ኣብይ ከምዘላታ ቅድሚ ኣብይ ኣሕመድ ምዝራቡ ብተእዛዝ ንካድራት ህግደፍ ዝተወህበት ምንባራ ንዘክር ፡ እሞ ዶ/ር ኣብይ ብሑጓ ዝተዋህቦ ፍቃድ ብዓውታ ዝዛረብ መራሒ ምኳኑ እውን ምስትብሃል ከድሊ እዩ።
ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዝምልከት መስመራት ጽርግያታት ባጽዕ – ነፋሲት – ደቀምሃረ – ሰንዓፈ – ዛላምበሳን ከምኡ’ውን መስመራት መረብን — ኦም ሓጀር – ሑመራን ናይ ምድሪ መራኸቢታት ኾይኖም ከም ዘገልግሉ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኢሰያስ ንካድራቱ ብግልጺ ካብ ዘረድኦም ጉዳያት ሓደ ነበረ። እዚ ድሒሩ ዝሰዓበ ምዕጻው ወይ ምድራት ምንቅስቓሳት መስመር ሰንዓፈ ዛላምበሳ ከኣ እተን ብኢሰያስ ዝተሓንጸጻ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ክመጻ(ክተኣታተዋ) ስለዘለወን ንህወሓት ኣብ ሽበራ ንምእታው ዝተማህዘ ብልብሓት ምኳኑ ኣይንሰሓቶ።
 ዛላምበሳ ትዓጹ(ትድርት) ኣብ ኦም ሓጀር ስእሊ ትሰኣል ህዝቢ ትግራይ ዝኣምኖ ስኢኑ ኣንጻር ህወሓት ይስለፍ ወይ ካልኦት ተቃወምቲ ውድባት ትግራይ ደገፍ ህዝቢ ከም ዝረኽቡ ትገብር  ደብረጽየን ተታሊሉ ንህዝቢ ትግራይ ይጥብር ….. ፖለቲካዊ ጽወታ ዝብልኹም ከምዚ እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ዝኾነ ርትዓዊ ሰብ ዋእ እዚ ኢሰያስ ናይ ኤርትራ መራሒ ድዩ ወይ ናይ ኢትዮጵያ ምርዳእ እኮ ኣብዩኒ ክብል ይኽእል እዩ።     ክትርድእዎ ግን ናይ ኽልቲአን ሃገራት መራሒ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ዶ/ር ኣብይ ከኣ በዓል ሓድሽ ገጽ ፖለቲከኛ ፡ ኣሳላጢ ጉዳያት ክንብሎ ንኽእል ኢና።
 ኢሰያስ ድዩ ንኣብይ ስልጣን ኣረኺብዎ ወይስ ኣብይ እዩ ናይ ኢትዮጵያ ስልጣን ንኢሰያስ ሂብዎ ነናትና ተረድኦ ክህልወና እዩ። እሞ ጉዳይ ኤርትራ ደኣ መን ሒዝዎ ኣሎ ንእትብሉ ግን ሓደ ነገር ክትዝኽሩ ይግባእ በተሓሳስባ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣይኮነን ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ዓለም ምምሕዳር እውን ብዙሕ ከቡድ ኣይኮነን፡ ብዛዕባ ውጽኢት ነዓይ ኣይትሕተቱ።
 ብኤርትራ እውን ኣይትሰከፉ፡ ባዕሉ ኢሰያስ እዩ ምስ ኢትዮጵያ ደሪቡ ዘተራምሳ ዘሎ። ብቃላቱ ከኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ …….. ክሊቲኡ ቁጠባታትና ዝጎየሉ ብናይ ፖሊሲታት ስኒት ኣቢልና ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ ጸዓት፡ ማይ፡ ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና ከምኡ’ውን ካልኦት ጽላታት ተሳንዩ እዩ ክስራሕ ይብል ……።  ምስቲ ድሒርና ንዕዘቦ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ኣተሓሒዝና እንተረኢናዮ ብርግጽ ትርጉም ምሕዋስ ክልተ ሃገራትን ሓበራዊ ምትሕግጋዝን ክወጃበረና ይኸውን እዩ።
 እንታይ ክንገብር ሕጂ’ውን ኩልና ዘዝጣዓመና ትርጉም ክንህቦ ይከኣል እዩ። ርእይቶይ ክትፈልጡ ንትደልዩ ግን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊስካ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ሓዳስ ሃገር ምምስራት እዩ ዕላማ ኢሰያስ እየ ዝብል።
ናብ እንታይ ዓይነት ህልቂት ወይ ነውጺ ከእትወና ይኽእል ኢሰያስን ዶ/ር ኣብይን ኣብ ዃልኩለሽን እንተ ተጋግዮም እንድዒ።
ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎን ጉዳይ ዶብ ኣመልኪቱ ውልቀ መላኺ ከደናግር እንከሎ ከኣ ከምዚ ይብል። ….. ጉዳይ ዶብ ብይን ዝተዋህቦ ጉዳይ ስለዝኮነ ብዓቢኡ ፍቱሕ እዩ፡ ብከመይ ይትግበር፡ መዓስ ይትግበር፡ ዘህውኸና እኳ እንተዘይኮነ፡ ክትግበር ግን ኣለዎ ….. ። ኣብዚ ዘረባ’ዚ ልዑል ጥበብ ምድንጋር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጎሊሑ እዩ ዝረኣየካ ብርግጽ ንምምልካት ዶብ ከም ጉዳይ ዘይሓስበሉን ንዕኡ ትርጉም ኣልቦ ምኳኑን እኳ ብሩህ እንተኾነ ኣብ ክንዲ ብጥሪኣ ድሕርጂ ንግዝኣትና ኣብ ክልተ ዝመቅል መስመር ኣብ ግብሪ ኣይነውዕልን ኢና  ዝብል በቲ ኣሮጋንት መባዩን ቃላቱን እዚ ከምዚ ዝበለ ሃንደበታዊ መርድእ ንገለ ኣዴታት መንእሰያት ህግደፍ ብስንባደ ከይ ቀትል ስለዝሰግአ እዩ ዝኸውን ብጥበብ ኣቀሚጥሎም ሓሊፉ።
ኣብ እቲ ዘረብኡ ኣብዚ ጉዳይ ከኣ እቲ ምምልካት ዶብ ድሕሪ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ( ድሕሪ ምርጫ ኢትዮጵያ) ክንገብሮ ኢና ብዘስምዕ ንካድራቱ ጠቢርዎም ሰጊሩዎ እዩ። ድሕሪ ግዜ እንታይ ይፍጠር ናይ ጽባሕ ሰባት ይበለና ፈጣሪ ሓቢርና ክንዕዘቦ ኢና። እቲ ተስፋ ትግባረ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ኣትዩ ዘሎ ክልዕ ከም ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።
ኣብ መወዳእታ ትንታነይ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ነብሲ ወከፍ መደረታቱ ስክፍትኡ ብዛዕባ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከየተንብሀ (ከይገለጸ) ስለዘይሓልፍ ኣብዛ ጉዳመኛ ሰሚናር እውን  ኢሰያስ ብዛዕባ ተቃወምቲ ሓይልታት ብጉልቡቡ ዝበሎን ብወገነይ ክንግበር ዝግብኦ ጥንቃቐታት ዝብሎን ብምዝኽኻር ክዛዝሞ እየ።
ጎስጓስ ተቃውሞ ኣድማዒ መታን ከይኸውን ኢሰያስ ንምምልካት ዶብ ምክንያት ጌሮም ኽሓልኩና ዝፍትኑ ስለ ዘይሰኣኑ ኣብቲ ናቶም  ጸወታ ክንኣቱ የብልናን፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኩናት ስለዝኣተዉ ፌስታ ጌሮም ኽሕጎሱ ክዕንድሩን ከዳኽሩን ዝጸንሑ ኣለዉ፡ ሕጂ ግን ይኣኽለኩም ተጻዊትኩም ኢኹም ኢልና ስራሕና ንስራሕ ፡  ንሶም እውን ስራሕ እንተለዎም ካልእ ስርሖም ይግበሩ ይብል ቃል ብቃሉ።
 ኣብዚ መልእኽቲ’ዚ ኣገዳስነት ልእላውነትን ምምልካት ዶብን ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ትርጉምን ስምዒትን ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ ዶብና ዶብና እንዳበሉ ተቃወምቲ ልብኹም ከየሸፍትዎ ተጠንቀቑ ብዓንተቦ እዞም ተቓወምቲ ዝብሃሉ ደለይቲ ጽበቅ ህዝቢ ኤርትራ ኾይኖም ኣይፈልጠን እዮም፡ ዝመልእክቱ ሓደገኛ መርዚ እዩ ነዚሑሎም ንካድራቱ ።
ንሶም እውን ዕዮ ገዝኦም ኣብ ምፍጻም ንፉዕት ስለዝኮኑ ናብቲ ልዕሊ 6000 ሕመረት ውዳቤታ ህግደፍ ኣብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ብቅልጡፍ ከምዘብጽሕዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ህወሓትን ህግደፍን ምስ ተራጸሙ እዞም ክልተ ሓይልታት ብሓባር ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ን ተሓኤ ብምውጋእ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ኣሳጎጉዋ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ብኣባላት ተሓኤ ነበር ጽልኢን ቅርሕንትን ስለዘነበረ ኣብ እዋን ብሰበብ ዶብ ዝተወልዐ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይበልናን እንዶ እዞም ሓይልታት እዚኣቶ ቀተልቲ ስለዝኮነ ድሮ ተጋጭዮም ህዝቢ ይልኽሙ ኣለዉ ናይ ዝብሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተሓኤ ርእይቶ ክሳብ ክንደይ መልክዕ እቲ ርእይቶ ቀይሩ ናብ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒትን ምኽሓድ ህዝብካን ቀይሩ ናይ ጽልኢ መሳርሒ ኽጥቀመሉ ከም ዝጸንሐ ኣጉሊሑ ዘርእየካ እዩ።
ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና እንብኣር ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ተቃውሞ መንእሰያት ኤርትራዊ ብዙሕ ስክፍታ ዘየብሉ ምኳኑ እዩ። ፖለቲካዊ ሕጽቦ ዝብሎ ኢሰያስ መዘዙ ይርድኣኩም ክህሉ ተስፋ ይገብር።
መንእሰያት እንብኣር መልሓስ ኢሰያስ ቃንኣ ከም ትቅይር ጥራይ ዘይኮነስ ስርዓቱ ብምቅያር ታሪኽ ክንገብር ንዕቀት ኢሰያስ ዓቢ መዘካኸሪ ምኳኑ ኣይንዘንግዕ።
ብሓፈሽኡ ምብራቅ ኣፍሪቃ ብምቁጽጻር ተቃውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣሽሓት ማይላት ርሒቁ ዝቑዙም መረረ ካብ ምኳን ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ዘርእዮ ዕብየት ንኸይህሉ ብኢሰያስን መሻርኽቱን ዝዋደድ ዘሎ ሜላታት ብምርዳእን ፡ ከነታት ከባቢና ብግቡእ ብምክትታልን እንብኣር ሓይልታት ተቃውሞ ኤርትራ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ካብ ፓርት ታይም ቃልሲ ናብ ምሉእ ግዜን ንዋትን ምውፋይ ዝሕተተሉ መድረኽ ተበጺሑ ከምዘሎ ብምርዳእ ክሳብ ምርጫ ኢትዮጵያ ተኻይዱ ምሉእ ንግስነት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝረጋገጽን መሓውራት ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳብ ዘስፋሕፍሕን ዘለዋ ግዚ ንሓልታት ለውጢ ኣገዳስነትን ኣዝዩ ልዑል ምኳኑ የዘካኽር።
ሰሰናዩ ንሃገርና ኤርትራ !!!
ኣብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ የራክበና።
08 ጥሪ 2019
ነዚ ጽሑፍ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ share ክትገብርዎን ርእይቶታትኩም ክትህቡን ለበዋይ የቅርብ፡ የቀንየለይ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Hailu January 13, 2019

    Amazing truth.
    No one can deny Isayas and Puppy Dr Abi agenda on Eritrean and Ethiopia.

    The sad thing is many have tried and resulted in deaths of millions of people from both sides.
    And now assuming Eritrea people is town to the ground and is going to accept any agendas is wrong and dangerous.
    It looks the actions of Dr Abi and Isayas will quickly instigate anothet buried issues in Eritrea.
    The issue of many concerns that the Highland people look in to Ethiopia and the lowlands look in to more of Arab world.

    This is the result of leaving dictators to swim freely in countries.

    • Gerima January 16, 2019

      Eritreans don’t look for Ethiopia and Arabs except some confused individuals. Your projection is based on feelings (emotions).

  • eritrawi January 13, 2019

    btaemi xbukin bsulin ab bayta zelon tintena eyu nikuh tekawamay alena eba zebil eyu
    kexilo nikexali bzileale nixibeyeka.

    • Okbay January 13, 2019

      meskin eritrea sebay baal sere siena, kulu mitinitanin mizirabin tirah koynu terifu, Bernente Falso.

  • Wedi Hagher January 13, 2019

    ኣብ እትዮጵያ ኣብ ሓጺር ጊዜ ንዓለም ዝደነቀ ለውጢ ተገይሩ።
    ኣብ ኤሪትራ ተመሳሳሊ ለውጢ ንኽግበር ፥ ህዝቢ ቡዙሕ ትጽቢት እኳ እንተ ገበረ ፥ ኣብ መደብ እቲ ስርዓት ፈጺሙ ከም ዘየለ፥ በብቁሩብ ይበርህ ኣሎ።
    ለውጢ ንኸይ ገብር ፥ ህግደፍ ፥ ንመመኽነይታ ዝኸዉን ነገራት ኣብ ምፍታሽ ድማ ይርከብ።
    ገለ ኻብኡ፥

    1፣ ኣብ እትዮጵያ ምርግጋእ የድሊ፣
    2፣ ወያነ ክእለ ኣለዎ፣
    3፣ ጉዳይ ዶብ ፥ ካብኡ ዝዓቢ ኣሎ፣

    እቲ ስርዓት ዝህቦ ፥ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፥ ቀንዲ ዕላሙኡ ፥ ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ፥ ከምቲ ሕጂ ዘለዎ ፥ ኣብ ትሕቲ ፉጹም ምቁጽጻሩ ፥ ከም ዝቅጽል ምግባር እዩ።

    ኣብ ሞንጎ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ዘሎ ፖሊቲካዊ ፍልልያት ፥ ንሳቶም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክዘራረቡ እንከለዉ ፥ ብዘይ ገለ ጸገም ፥ ክልቲኦም ፥ ብዘይ ክትዕ ፥ ዝሰማመዑሉ እዩ።
    ኣብ ሃገራዊ ጥቅሚ እትዮጵያ ኣይኮነን ፍልልያቶም። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ መርገጾም ሓደ እዩ።
    ስለዚ እቲ ኩሉ እሰያስን ጉጅለኡን ዘናፉሑዎ ወረታት ፥ ንህዝና ንምትላል ዚዓለመ እዩ።
    ኣርዑት ህግድፍ ኣብ ዘላታ ንኽትቅጽል ዝግባር ሜላ ዘይተረደኦ ኤርትራዊ ኣብ ድቃሱ እዩ ዘሎ።
    ተባራበር በሉዎ።

  • Wedi Hagher January 13, 2019

    ዓሰርተታት ኣሻሓት መንእሰያት ካብ ሃገሮም ባህሪሮም ንስድት ከም ዝብተኑ ዝገበረ ስርዓት ፥ ሰላም ምስ ህዝቡ ክገብር ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ።
    ዓሰርተታት ኣሻሓት ኑጹሃት ሰባት ኣብ ጎዳጉዲ ከም ዝሃልቁ ዝገበረ ስርዓት ፥ ብሰላም ወይ ብምድፍፋእ ጥራይ ፥ ስልጣን ንህዝቢ ክረክብ እዩ እልካ ፥ ኣብ ተስፋ ምንባር ጌጋ እዩ።
    እዚ ዘይባሃል ፥ ሃገራዊ ህልቀት ኣብ ምትግባር ዝርከብ ኣረመናዊ ስርዓት ፥ ኣብ ትሕቲኡ ፥ ብሰላም ፤ መነባብሮና ተመሓይሹ ክን ነብር እና እልካ ምሕሳብ ፥ ፈጺሙ ጌጋ እዩ።
    እቲ ኩነታት ምስ ጊዜ እንዳኸፈአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ። እቲ ስርዓት ግዜ ከሲቡ ፥ ካብቲ ዘለናዮ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኣብ ምፍጣር እዩ ዘሎ።
    ካብ ደገ ጽቅጢ ንኸይግበረሉ ፥ ምስ ሩሲያን ቻይናን ጡቡቅ ዝምድና ገይሩ።
    ስለዚ ህዝና እንታዩ ዝጽበ ዘሎ ?

    • Asmerom January 13, 2019

      Another typical coward and hypocrite of the opportunists oppositions.
      Why are you asking what “hizibina” our people are expecting
      instead you should be asking yourself what is expected of me i.e. if you are a true Eritrean.

    • Sol January 13, 2019

      ኣጆኻ ሃገራዊ እዚ ኣረጊት ዝብኢ ህጊግደፍ ካብ ቁስሉ እዩ ዝበልዕ ዘሎ ራስፓቲን ኤሰያስ ተንኰለኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኩሉ ፈሊጥዎ እዩ እቶም ውሑዳት ሓተላ ታሪኽ ደገፍቱ ምስኡ ክጓሓፉ እዮም።

  • Genet-Original January 16, 2019

    Can Eritreans mind their business and come together and remove DIA? What is this? If Ethiopians allowed DIA to interfere in their country’s business, then that is their problem. Can we talk how we can convince PFDJ followers to come to their right mind and get rid of DIA. .

Post a Reply to Sol Cancel Reply