Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ኣብ ምዝንታው ቅንዕናን ልቦናን የድሊ

ታሪኽ ኣብ ምዝንታው ቅንዕናን ልቦናን የድሊ ኣነ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር እየ። ጓል ገዛ ባንዳ ስለዝኾንኩን እቲ ብርኽቲ ጓል ብርጅዋን ጽገወይኒ ጓል ላንጋኖን ዝዛረባሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ገዛውትና ግዜን ኩነታትን ኣጸቢቑ ስለዝዝከረኒ ኸኣ እየ ቃለይ ክሕውስ ደልየ። ጠባያት

ታሪኽ ኣብ ምዝንታው ቅንዕናን ልቦናን የድሊ

ኣነ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር እየ። ጓል ገዛ ባንዳ ስለዝኾንኩን እቲ ብርኽቲ ጓል ብርጅዋን ጽገወይኒ ጓል ላንጋኖን ዝዛረባሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ገዛውትና ግዜን ኩነታትን ኣጸቢቑ ስለዝዝከረኒ ኸኣ እየ ቃለይ ክሕውስ ደልየ።

ጠባያት ጓል ብርጅዋ ከምቲ ጓል ላንጋኖ ገሊጻቶ ዘላ እዩ። ቅድሚ ኹሉ ክጠቕሶ ሓሳብ ካብ ጓል ብርጅዋ፣ ብዓል ኣብልይ ሃብቱ፣ ሳራ ኣለምሰገድ፣ ገነት ቀለታ፣ ሃብተኣብ ተ/ሚካኤል ዝኣመሰሉ፣ ንጀብሃ ጀሚሮም ዝወድኡዎ ምኩራት ተጋድልቲ ነቲ ኩነታት እንትዝገልጹዎ ዝያዳ ርዱእ ምኾነ ነይሩ ዝብል እዩ።

እቲ ዝያዳ ዝገረመኒ ግን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ብርኽቲ ንጽገወይኒ ጓል ላንጋኖ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ብዓል ሰናይት ትኽለ፣ ኣልማሽ ሰንጋል፣ ሳባ ገ/ሄር ኣልማዝ በራኺ ዝኣመሰላ ብዙሓት ደቂ ገዛ ማንዳ እያ መጠንቀቕታ ኣምጺኣ ነይራ። ስለምንታይ ናብ ጽገወይኒ ጥራይ ከምዘተኮረት ኣይተረድኣኣንን።

መቸም እቲ ስዉኣቱ፣ ንስኩላቱን ተጋደልቱን ደርብዩ ኣብዘን ከም ብዓል ብርኽቲ ጓል ብርጅዋ ዝኣመሰላ ብላሽ ዝኾና መጋበርያታት ተመርኵሱ ምህላዉ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዎ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ብፖለቲካዊ መንገዲ ከዳኽሞም ንዝደለዮም ውልቀሰባት ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ደፋራት ሓሰውቲ እዩ ሹት ዝብለሎም። እዚ ናይ ብርኽቲ ተግባር ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ተልእኾ ዘለዎ ዕማም ኣይኮነን።

ታሪኽ ኤርትራ ብኣኺ ዝግለጽ ኣይኮነን። እቶም ዝወዓሉሉ ጸግዖም ሒዞም ኣንታ እንታይ እያ ትብል ዘላ ይብሉኺ ከምዘለዉ ዘክሪ። እዚ ፕሮጀክት’ዚ ንበይንኺ ከምዘየበገስክዮ ርዱእ እዩ። እቲ ምስ ህግደፍ ወጊኑ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኤርትራውያን ዝስዕስዕ ዘሎ ተስፋይ ኣርዓዶም ከምዝተሓባበረኪ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ንምዃኑ ንስኺ ኣብ ጥፍኣት ናይተን ሽዑ ኣብ ኣስመራ ተሓባበርቲ ደርግ ብዝብል ምኽንያት ብጀብሃ ስጉምቲ ዝተወስደለን፣ ኣካል ናይቲ ሽዑ ዝተፈጸመ መስርሕ ቅትለት ዶ ኣይኮንክን። ኣብቲ ግዜ ‘ቲ ጽገወይኒ ዘቕተለቶ ሰብ እንተሎ ብጭብጢ ከተቕርቢ ነይሩኪ። እንተዘይኮኑ፣ ብዝያዳ ብዛዕባ ተግባራትኪ ምዝራብ ምቐለለኪ ነይሩ።

ጽገወይኒ ጓል ላንጋኖ ‘ውን ኣብቲ ኣብዚ ዘቕረብክዮ ጽሑፍ፣ ኣብ ክንዲ ሕርቃንኪ ኣርኢኺ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ትሓልፍዮ፣ ገጽ ብገጽ እናጠቐስኪ ነብስኺ ክትከላኸልን ሓቂ ከተብርህን ይግባእ ነይሩ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ግን፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ብተጋድሎ ሓርነት ይኹን ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ሰብ ጠፊኡ እዩ። እቲ ታሪኽ ንስኒት ህዝብና ብዝጠቅም መንገዲ ብልቦናን ጥበብን ክተሓዝ ከሎ ኸኣ ‘ዩ መልክዕ ዘለዎ እምበር። በዚ ነብስኻ እናጸባበቕካ ንኻልኦት ምውንጃል ዝዓይነቱ ስምዒታዊ ኣቀራርባ ብርኽቲ ምቕራቡ ሳዕቤኑ ማህሰይቲ ጥራይ እዩ’ሞ ኣዝዩ ጥንቃቐ ከምዝሓትት ምግንዛብ የድሊ።

ሰላም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • መስፍን ባህሩ January 16, 2014

    እዚ ሓደ ካብቲ ጸሓፍቲ፣ ደረፍቲ፣ ወይ ድማ ሸየጥቲ ናይ ኣርት ፍርያት ዝጥቀምሉ ዓቢ መሳርሒ ኢዩ። እዘን ክልተ ሰባት መን ምዃነን ኣይንፈልጥን ኢና። እታ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ስእላን መጽሓፋን ስለ ዘሎ መን ምዃና ንምፍላጥ ጸገም የብልናን። ምናልባሽ ዝፈልጥዋ ሰባት ኣብ ገለ ኩርናዕ ናይ ዓለም ይህልዉ ይኾኑ። ጽገወይኒ ግን መን ምዃና ብዘይካ ስም ካልእ መረገጋጺ የብልናን። ስም ድማ ዝኾነ ክምረጽ ይኽእል ኢዩ። ጓል ላንጋኖ ሰለዝበለት ግን ምናልባሽ ሓቃ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ምኽንያቱ ላንጋኖ እትብል ቃል ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ምህላዋ ጥራይ ኢዩ ዝፍለጥ። በቲ ኢልካ በቲ ግን፣ እዚ ክትዕ እዚ ክልተ ወይ ሰለስተ ዕላማታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እታ መጀመርያ እትመጽእ ግን፣ ጸሓፊት መጽሓፍ ባዕላ ተጓሃህሮ ዘላ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ፣ እዛ መጽሓፍ ብዙሓት ገዛእቲ ክትረክብ ኢያ። ካልኣይ ኣባላት ጀብሃ ከም ኩሉ ባህሪ ናይ ወዲ ሰብ ሓደ ዓቢ ጸገም ኣለዎም። ኣብቲ ውድብ ስለዝነበሩን ኣብ መወዳእታ ድማ “ስለዝተሳዕሩ” ብዛዕባ ጀብሃ ሕማቕ ትብሃል ዘረባ ክጻወሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ንኣብነት በታ ኣብ ጀርመን እትቕመጥ ኣባል ጽባሕ-ነበር ዝተደርሰት ሃርት ኦፍ ፋየር እትብል ንሕማቕ ገጽ ናይ ጀብሃ እተቃልዕ ፊልም፣ ዳርጋ ብምልኦም ኣባላት ጀብሃ ሰለማዊ ሰልፊ ጌሮም። ስለዚ ብርኽቲ ኣብ መጽሓፋ ጽቡቕ ናይ ጀብሃ ጥራሕ ጽሒፈ እንተትነብር፣ ዋላ’ውን ጌጋ እንተዝኸውን፣ እዚ ኩሉ ዘረባ ኣይምሰማዕናን። ስለዚ ናይ ጀብሃ ታሪኽ ከም ሓደ ዘይትንከፍ “መጽሓፍ ቅዱስ” ወይ ድማ “ቁርኣን” ኢዩ። ንኣብነት ንሓደ ናይ ጀብሃ ኬድካ ናይ ወዲ ተምነዎ ዕላል ከመይ ትርእዮ እንተትብሎ፣ “ኣብኣ ከላ ኣምጺእዋ፣ ኩሉ ሓቂ ኢዩ ምበለካ” ወዲ ተምነዎ ግን ብዙሕ ንሕና ከማን እንፈልጦ ጌጋታት ኔርዎ ኢዩ። ስለዚ ብኣረኣእያይ እዛ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ጓል ብጣዕሚ ክትምስገን ዝግባኣ ኢያ። ኣብ መጽሓፋ ክሲ ኣለዎ እንተኾይኑ’ውን መንነታ ስለዘይሓበአት ኣብ ዝሃለወት ትሃሉ ክትክሰስ ጸገም የለን። ኩሉ መጽሓፍ ጸገም ኣለዎ። ጸገሙ እዝን እዝን ኢዩ ምባል ግን ናይ ምሁራትን ለባማትን ኢዩ። ጠራዕራዕ ግን ናይ ድኹማትን ነብሰ ተኣማንነት ዘይብሎምን ኢዩ። ስለዚ ብጸይቲ ጽገወይኒ ሓደ ብሓደ ብመልክዕ ረቪው ኣሕጽር ኣቢልካ ገምጋምኪ ጸሓፊ። እቶም ነታ መጽሓፍ ዘንበብዋ ድማ ንኽልቲኡ ኣዛሚዶም ደያኒ ክኾኑ። ዎድሓንኪ።

    • Saba Gaim January 19, 2014

      Mesfin, I am sorry I don’t have Geez software, I will write more when I got access to Geez. Most of the script of Tzegweini Adhanom is true I can proof it, because I am one of the innocent people who received warning of life threat, I can proof that Berekti lost of innocent Eritrean life’s.

      Don’t jump to conclusion,

    • Hadge'anbes January 22, 2014

      ዝኸበርካ መስፍን ባህሩ ወዲ ሰብ ሓሳባቱ ነጻ ኾይኑ ክገልጽ መሰሉ ስለ ዝኾነ ኣብቲ ዝሃብካዮ ለበዋ ዋላ እንተዘይተሰማማዕኩሉ ተቓውሞ ግን የብለይን ፤ እንተኾነ ግን ብዛዕባ መንነት ጽገወይኒ ዘተሓታት’ዩ ኢልካዮ ዘለኻ ጌጋ እዩ። ቀዳማይ ነገር ጸሓፊት መጽሓፍ ብርኽቲ ፍሰሃይ (ጓል ብርዥዋ) ኣብ መጽሓፋ ብዘይ ገለ ሕብእብእ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ላንጋኖ) መን ምዃና ገሊጻታ ኣላ (እታ መጽሓፍ ኣንቢብካ እንተዄንካ ትዛረብ ዘለኻ) ብተወሳኺ ድማ ከምቲ ነቲ ሕቶኻ ባዕልኻ መሊስካዮ ዘለኻ ፤ ላንጋኖ ሓንቲ እያ ኣብ ኤርትራ ኢልካ ፤ እቲ ዕላል ኣብ ኣስመራ ስለ ዝኾነ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ኮለል ዘብል የብልናን ፤ ንኣስመራ ፣ ንገዛማንዳ ፣ ንኮምሽታቶ ንዝፈልጥ ሰብ (ወዲ ኣስመራ) ጽገወይኒ ኣድሓኖም መን’ያ ኣይጠፍኦን እዩ። ንኣብነት ኣነ ንጽገወይኒ ኣይፈልጣን እየ ፤ ሬስቶራንተ ላንጋኖ ግን ዋላ ክሓልፍ ይኹን ይፈልጦ እየ…… ነቶም ኣብ ናተይ ዕድመ ዝነበሩ ደቂ ኣድሓኖም ድማ (ዳንኤል ፣ ኣማንኤል ፣ ዮዲት ፣ ኣንጀሎ…..) ይፈልጥ። ገዝኦም ድማ ገዛማንዳ ምዃኑ ሚስጢር ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” ይኹን ኣብቲ ባዕላ ጽገወይኒ ዝጸሓፈቶ ተደጋጊሙ ኣሎ። ጽገወይኒ መንነታ ከይሓብአት እያ በቲ ዝመሰላ ተቓውሞኣ ኣስፊራ። ስለዚ መንነት ጓል ላንጋኖ ሚስጢር ኣይኮነን። ንስኻ እንታይ ክትፈልጥ ደሊኻ ከምዘለኻ ጥራይ እዩ ሚስጢር። ካብ ጻጸ ሓኸለ ከውጽእ እየ እንተኾይኑ ድልየትካ ግን እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ።

  • ጽገወይኒ January 16, 2014

    ዝኸበርካ መስፍን

    መጀመርያ ከነጽሮ ዝደሊ ኣነ ናይ ፖለቲካ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣብ ጀብሃ ኣይነበርኩን ኣብ ህ.ግ.’ውን ኣይነበርኩን። ቀጺለ ክብሎ ዝደሊ፡ ሪቶና ክንህብ ከሎና ኣብቲ ጽሑፋት ተሞርኪስና እንተንዛረብ ጽቡቕ ነይሩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ኣነ ታሪኽ ናይ ጀብሃ ከዘንቱ ኣይተበገስኩን ምኽንያቱ ዝፈልጦ ስለዘይበለይ። ኣንተኾነ ኣብቲ ብብርኽቲ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ስመይ ብሕማቕ ስለዝተላዕለ ነብሰይ ክከላኸል መስለይ ኢዩ። ሓደ ሰብ መጽሓፍ ጽሒፉ መስፍን ባህሩ ንጸላኢ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ኢሉ ኣንተዝኸሰካ ስቕ ኢልካዶ ምረኣኻዮ ወይስ ምመለስካ? መልሲ ዘይምሃብ እሞ ተቐቢልካዮ ማለት ኢዩ። ኣነ ኸኣ ስለዘይገበርክዎ መልሲ ሂበሉ። መጽሓፍ ስለዝጽሓፍት ንሳ ኢያ ልክዕ ዘላ ትብለኒ እንተኾንካ ትጋገ ኣሎኻ ጥራሕ ኢየ ክብለካ ዝኽእል። ጠራዕራዕ ኣይበልኩን ስለዚ ካብ ሕማቕ ቃላት እንተ ተቖጠብካ ጽቡቅ ይመስለኒ። ብመልክዕ ሪቪው ኣሕጽር እቢልኪ ገምጋም ጽሓፊ ኢልካኒ፡ እንታይ ማለትካ ከምዝኾነ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣብቲ ሰለስተ ጽሑፋት ዘውጻእክዎ ብዝርዝር ካበይ ተበጊሳ ከምዝኸሰስትኒ ገሊጸዮ ኢየ። ካብኡ ንላዕሊ ክገልጾ ኣይክእል። ካብኡ ሓልፈ ኣብ ኣስመራ ምሳኣ ስሩዓት ዝነብሩ ረኺበ’ውን ኣዘራሪበ፡ ቤት ማእሰርቲ ከምዘኣተወቶም ነጊሮምኒ። ኣይገበርኩን ትብል እንተኾና ከእ ኣሎዉ ብዙሓት ክምሉሱላ ዝተቐረቡ። ባዕላ’ውን ንሓደ ሓደ መንእሰያት ከምዘቕተለት ተላፋሊፋ ኣላ። ስለዚ ጽሑፋተይ ኣንቢብካዮ ነርካ እንተትኸውን እዚ ዝጸሓፍካዮ ርኢቶ ኣይምጽሓፍካን። የቐንየለይ።

    • EriView January 16, 2014

      ጽገወይኒየ፣
      መጀመርያ ንዘበርከትክዮ ጽሑፋት ከመስግነኪ እደሊ፤ ብምቕጻል ድማ ሓንቲ ራብዓይቲ ጽሑፍ ንምውጻእ ክትሓስብሉ እላበወኪ፤ ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፋ ጽሑፋትኪ ብርኽቲ እንታይ ትገብር ኔራ ኣብ ዝብል ስለዘድሃብኪ ሕጂ ግን ኣብታ መጽሓፍ ከምዚ ከምቲ ተጻሒፉ ስለዘሎ ጌጋ እዩ እቲ ሓቂ ድማ እዚ እዩ አናበልኪ ከተብርሂ ኣለኪ። ነጥቢ ብነጥቢ እንዳዘርዘርኪ መልሲ ምሃብ ምናልባት ኣህላኺ ክኸውን እኽእልዩ ግን ንስኺ እተን ቀንዲ ቀንዲ ትብልየን ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልኪ ተትጽሕፊ ግርም ኔሩ።
      ብርኽቲ ድማ ኣብ ወብሳይት ተቓውሞ መጺኺ መልሲ ምሃብ ዘይጥዕም እንተኾይኑ ዋላ ኣብተን ካልኦት ወብሳይታት መልሲ ክትጽሕፊ ኣለኪ።
      ስቕ እንተኢልኪ ግን ምስ ጽገወይኒ ከም እትሰማምዒ እዩ ዘስምዕ።
      እቶም ኩልና ኣንበብቲ ድማ ትሕትና ብዘለዎ ኣገባብ እንተንጽሕፍ ጽቡቕ ኔሩ። ብርዒ ሽም ተጠቒምካ ሰብ ምዝላፍሲ ኣይግድን።

  • MightyEmbasoyra January 16, 2014

    ኣቱም ሰባት ሓደ ሰብ ኣብ ህዝቢ ወጺኡ ሰባት ቀቲልካ ‘ተሉካ እንታይ ትብል? ኣነስ ኣብ ህዝቢ ወጺአ ኣይቀተልኩን ምበልኩ። ቀላል ሕቶ ዶይኮነትን ያ? ካብዚ ዝዓቢ ወንጀል ታይ ኣሎዩ ግዲ? ‘ተቐቲልካ ግን ተስቅጥ። ግብረ መልሲ ምሃብ ነውሪ ‘ኮነን መአስለኒ።

  • motbinore January 16, 2014

    ጽገወይኒ
    many people gave you a nice advice with respect but you are doing the same thing over and over I haven’t read the book so I can not comment about what was said from what I understand from your articles she accuse you of a crime that was related in the seventies era. I don’t know much myself but there are a lot ELF or EPLF fighters who can help you out with this serious allegation such as Tareque Beraki or Gebrihiwet Wedi Asheber. if you want to defend yourself write page by page & respond to it write just about what was said about you & please leave everybody out from this subject just get to the point so we can understand you & defend you if we can do not be emotional. I understand how difficult this is for you & since she wrote the book it is your responsibility to defend yours & your family pride.
    I always wonder why ELF kill Mekonen Alemayehu he was much older than me but I like him & I don’t think he did a crime that was punishable by death may be the book will tell me something.
    Well ጽገወይኒ before you post anything talk to your husband or your brothers and ask them for advice and as a friend you need to stop writing none sense you look more guilty than innocence from your article because all you are saying this she did this she did that & this is irrelevant to your allegation.
    GOOD LUCK YOU REALLY NEED IT.
    .

  • kk January 16, 2014

    Tzegewainy Haftay
    If some one writes a book and he or she claims that it is a true story and someone else knows all what is written is a lie, then the writer should be exposed to all he or she is a lier. But if the book is fiction then the writer is free to expand his or her imagination as far as he or she can reach.
    Our recent history is full of controversial things when the time comes to write it then we have to write it as it happen.

  • aba_chegora January 17, 2014

    Selam Tsigeweyni

    Why do you think we want to know what you and your commarades did or failed to do in the 1970 0r 80? For me, You are all one and the samen : SHEFATU or as mengistu used to call you WENBEDE. There is no difference between shefatu.

  • Khalighe January 17, 2014

    “For me, You are all one and the samen : SHEFATU or as mengistu used to call you WENBEDE. There is no difference between shefatu.”

    aba_chegora

    What are you doing in an Eritrean forum ?, those who used to call us “WENBEDE” have left the country long ago and a few like you who keep insulting Eritreans will go when the right time comes …
    If you are son of a ‘Torserawit’ or a rootless, of course, it’s normal for you to insult those who paid the ultimate price for freedom of their people.

    • EriView January 17, 2014

      I was thinking the same – he sounds Torserawit son. Lol

    • Hadge'anbes January 22, 2014

      ኣነ ዝገርመኒ ናይዞም ኣብዚ ብኻልእ ቋንቋ ርእይቶ ትህቡ ሰባት እዩ። እታ መጽሓፍ ጓል ብርዥዋ ትኹን እቲ ጽገወይኒ (ጓል ላንጋኖ) ዝሃብቶ መግለጺ ብትግርኛ እዩ። ስለምንታይ ኢኹም ነቲ ትግርኛ ብፊደላት እንግሊዝ ጽሒፍኩም ሪኢቶኹም ትህቡ ፣ ወይ ብሓደ ኣፊትኡ ብእንግሊዝ ትጽሕፉዎ። እቲ ክቡር ቋንቋናን ፊደልናን ናበይ ምስ ከደ? …… ብሓቂ ሰብ ከንብበልኩም እንተኼንኩም ትጽሕፉዎ ዘለኹም ፤ ብትግርኛ ጸሓፉ። እንተዘየሎ ቆልዓ ዝጸሓፎ ዝመስል (ane hasabey kgelits hasibe….) እንደበልኩም ትሕንጥጥዎ መን ከንብቦ እዩ? እቲ ፊደል ግእዝ ኣብ ኩሉ ስለዘሎ ኣውሪድኩም ኣብ ኮምፒተርኩም ይኹን ሞባይልኩም ጽዒንኩም ምጽሓፍ ይቐልል ካብ ኣብዚ ብፊደላት እንዳማትኩም ምሕንጣጥ። ምስ ብዙሕ ይቕሬታ።
      ንኮምፒዩተር: – http://geezword.software.informer.com/
      ንሞባይል:- https://play.google.com/store/apps/details?id=com.monotype.android.font.gfzemen&hl=de

  • Logo January 17, 2014

    Selam Tsigewyni,

    Honestly speaking I don’t know you or your accuser, but I feel I should write something about it.
    It is really painful when you see your name in a book in a negative way and I really feel your pain, but here is what I think you need to do. First, ignore all negative comments written on your post because all the comments against you in this website may be written by one or two individuals who are related to your accuser. Second, wait to see or hear what your accuser will say and be very articulate on how to defend yourself and defeat her. You don’t need to respond to each and every comment written about you, because you don’t know who the person is or what his/her objective is.
    Be strong and let the lord give you his strength.

  • Yemane January 17, 2014

    Hi Tsigewyni,
    Hope you are doing well with this all drama. Why do you care what happen 40 years ago? why do you care so much to respond to anybody what ever is said is irrelevant in your life they can say what ever they want & you should ignore everybody & live your life by explain yourself you are not going to change anything believe me.
    People are selling our brothers & sisters parts and you are responding to this garbage what’s wrong with you. DIA kill thousands Eritreans and he is still doing it by selling them to human trafficking & you are talking about this stupid thing? people will talk about this book maybe for a month that’s it believe me nobody will remember about this book in two month what ever she said shouldn’t bother you go on with your life like nothing happen do not try to talk too much. When those noise friends call you just tell them it is a fiction & I don’t want to talk about it period.lot Eritrean who got away with murder stealing EPLF funds what happen to them they are in power now & nothing bother them & I advice you, you should do the same.
    Please stop writing & stop responding to any comment. What is the crime you did by going out Amhara in the 70th so what if you go out with them there is no crime to it we were just narrow minded at that time we thought Eritrean were special & look what happen to us now we became the worst people on earth. If I were you I will tell everybody to go to HELL!!!! everybody has his own sin LIVE YOUR LIFE Tsigewyni once you reach 50 we don’t have much time this nonsense should never bother you.
    Well Signora say hi for me to Iyasu & Micheal

    • Hadge'anbes January 22, 2014

      ኣነ ዝገርመኒ ናይዞም ኣብዚ ብኻልእ ቋንቋ ርእይቶ ትህቡ ሰባት እዩ። እታ መጽሓፍ ጓል ብርዥዋ ትኹን እቲ ጽገወይኒ (ጓል ላንጋኖ) ዝሃብቶ መግለጺ ብትግርኛ እዩ። ስለምንታይ ኢኹም ነቲ ትግርኛ ብፊደላት እንግሊዝ ጽሒፍኩም ሪኢቶኹም ትህቡ ፣ ወይ ብሓደ ኣፊትኡ ብእንግሊዝ ትጽሕፉዎ። እቲ ክቡር ቋንቋናን ፊደልናን ናበይ ምስ ከደ? …… ብሓቂ ሰብ ከንብበልኩም እንተኼንኩም ትጽሕፉዎ ዘለኹም ፤ ብትግርኛ ጸሓፉ። እንተዘየሎ ቆልዓ ዝጸሓፎ ዝመስል (ane hasabey kgelits hasibe….) እንደበልኩም ትሕንጥጥዎ መን ከንብቦ እዩ? እቲ ፊደል ግእዝ ኣብ ኩሉ ስለዘሎ ኣውሪድኩም ኣብ ኮምፒተርኩም ይኹን ሞባይልኩም ጽዒንኩም ምጽሓፍ ይቐልል ካብ ኣብዚ ብፊደላት እንዳማትኩም ምሕንጣጥ። ምስ ብዙሕ ይቕሬታ።
      ንኮምፒዩተር: – http://geezword.software.informer.com/
      ንሞባይል:- https://play.google.com/store/apps/details?id=com.monotype.android.font.gfzemen&hl=de

  • Hadge'anbes January 22, 2014

    ኣነ ዝገርመኒ ናይዞም ኣብዚ ብኻልእ ቋንቋ ርእይቶ ትህቡ ሰባት እዩ። እታ መጽሓፍ ጓል ብርዥዋ ትኹን እቲ ጽገወይኒ (ጓል ላንጋኖ) ዝሃብቶ መግለጺ ብትግርኛ እዩ። ስለምንታይ ኢኹም ነቲ ትግርኛ ብፊደላት እንግሊዝ ጽሒፍኩም ሪኢቶኹም ትህቡ ፣ ወይ ብሓደ ኣፊትኡ ብእንግሊዝ ትጽሕፉዎ። እቲ ክቡር ቋንቋናን ፊደልናን ናበይ ምስ ከደ? …… ብሓቂ ሰብ ከንብበልኩም እንተኼንኩም ትጽሕፉዎ ዘለኹም ፤ ብትግርኛ ጸሓፉ። እንተዘየሎ ቆልዓ ዝጸሓፎ ዝመስል (ane hasabey kgelits hasibe….) እንደበልኩም ትሕንጥጥዎ መን ከንብቦ እዩ? እቲ ፊደል ግእዝ ኣብ ኩሉ ስለዘሎ ኣውሪድኩም ኣብ ኮምፒተርኩም ይኹን ሞባይልኩም ጽዒንኩም ምጽሓፍ ይቐልል ካብ ኣብዚ ብፊደላት እንዳማትኩም ምሕንጣጥ። ምስ ብዙሕ ይቕሬታ።

    ንኮምፒዩተር: – http://geezword.software.informer.com/
    ንሞባይል:- https://play.google.com/store/apps/details?id=com.monotype.android.font.gfzemen&hl=de

POST A COMMENT