Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ኣብ ምዝንታው ቅንዕናን ልቦናን የድሊ

ታሪኽ ኣብ ምዝንታው ቅንዕናን ልቦናን የድሊ ኣነ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር እየ። ጓል ገዛ ባንዳ ስለዝኾንኩን እቲ ብርኽቲ ጓል ብርጅዋን ጽገወይኒ ጓል ላንጋኖን ዝዛረባሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ገዛውትና ግዜን ኩነታትን ኣጸቢቑ ስለዝዝከረኒ ኸኣ እየ ቃለይ ክሕውስ ደልየ። ጠባያት

ታሪኽ ኣብ ምዝንታው ቅንዕናን ልቦናን የድሊ

ኣነ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር እየ። ጓል ገዛ ባንዳ ስለዝኾንኩን እቲ ብርኽቲ ጓል ብርጅዋን ጽገወይኒ ጓል ላንጋኖን ዝዛረባሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ገዛውትና ግዜን ኩነታትን ኣጸቢቑ ስለዝዝከረኒ ኸኣ እየ ቃለይ ክሕውስ ደልየ።

ጠባያት ጓል ብርጅዋ ከምቲ ጓል ላንጋኖ ገሊጻቶ ዘላ እዩ። ቅድሚ ኹሉ ክጠቕሶ ሓሳብ ካብ ጓል ብርጅዋ፣ ብዓል ኣብልይ ሃብቱ፣ ሳራ ኣለምሰገድ፣ ገነት ቀለታ፣ ሃብተኣብ ተ/ሚካኤል ዝኣመሰሉ፣ ንጀብሃ ጀሚሮም ዝወድኡዎ ምኩራት ተጋድልቲ ነቲ ኩነታት እንትዝገልጹዎ ዝያዳ ርዱእ ምኾነ ነይሩ ዝብል እዩ።

እቲ ዝያዳ ዝገረመኒ ግን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ብርኽቲ ንጽገወይኒ ጓል ላንጋኖ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ብዓል ሰናይት ትኽለ፣ ኣልማሽ ሰንጋል፣ ሳባ ገ/ሄር ኣልማዝ በራኺ ዝኣመሰላ ብዙሓት ደቂ ገዛ ማንዳ እያ መጠንቀቕታ ኣምጺኣ ነይራ። ስለምንታይ ናብ ጽገወይኒ ጥራይ ከምዘተኮረት ኣይተረድኣኣንን።

መቸም እቲ ስዉኣቱ፣ ንስኩላቱን ተጋደልቱን ደርብዩ ኣብዘን ከም ብዓል ብርኽቲ ጓል ብርጅዋ ዝኣመሰላ ብላሽ ዝኾና መጋበርያታት ተመርኵሱ ምህላዉ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዎ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ብፖለቲካዊ መንገዲ ከዳኽሞም ንዝደለዮም ውልቀሰባት ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ደፋራት ሓሰውቲ እዩ ሹት ዝብለሎም። እዚ ናይ ብርኽቲ ተግባር ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ተልእኾ ዘለዎ ዕማም ኣይኮነን።

ታሪኽ ኤርትራ ብኣኺ ዝግለጽ ኣይኮነን። እቶም ዝወዓሉሉ ጸግዖም ሒዞም ኣንታ እንታይ እያ ትብል ዘላ ይብሉኺ ከምዘለዉ ዘክሪ። እዚ ፕሮጀክት’ዚ ንበይንኺ ከምዘየበገስክዮ ርዱእ እዩ። እቲ ምስ ህግደፍ ወጊኑ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኤርትራውያን ዝስዕስዕ ዘሎ ተስፋይ ኣርዓዶም ከምዝተሓባበረኪ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ንምዃኑ ንስኺ ኣብ ጥፍኣት ናይተን ሽዑ ኣብ ኣስመራ ተሓባበርቲ ደርግ ብዝብል ምኽንያት ብጀብሃ ስጉምቲ ዝተወስደለን፣ ኣካል ናይቲ ሽዑ ዝተፈጸመ መስርሕ ቅትለት ዶ ኣይኮንክን። ኣብቲ ግዜ ‘ቲ ጽገወይኒ ዘቕተለቶ ሰብ እንተሎ ብጭብጢ ከተቕርቢ ነይሩኪ። እንተዘይኮኑ፣ ብዝያዳ ብዛዕባ ተግባራትኪ ምዝራብ ምቐለለኪ ነይሩ።

ጽገወይኒ ጓል ላንጋኖ ‘ውን ኣብቲ ኣብዚ ዘቕረብክዮ ጽሑፍ፣ ኣብ ክንዲ ሕርቃንኪ ኣርኢኺ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ትሓልፍዮ፣ ገጽ ብገጽ እናጠቐስኪ ነብስኺ ክትከላኸልን ሓቂ ከተብርህን ይግባእ ነይሩ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ግን፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ብተጋድሎ ሓርነት ይኹን ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ሰብ ጠፊኡ እዩ። እቲ ታሪኽ ንስኒት ህዝብና ብዝጠቅም መንገዲ ብልቦናን ጥበብን ክተሓዝ ከሎ ኸኣ ‘ዩ መልክዕ ዘለዎ እምበር። በዚ ነብስኻ እናጸባበቕካ ንኻልኦት ምውንጃል ዝዓይነቱ ስምዒታዊ ኣቀራርባ ብርኽቲ ምቕራቡ ሳዕቤኑ ማህሰይቲ ጥራይ እዩ’ሞ ኣዝዩ ጥንቃቐ ከምዝሓትት ምግንዛብ የድሊ።

ሰላም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Aida Kidane January 23, 2014

    I read the book of Brikti with great interest as soon as I could get my hands on it. Also I happened to be in Asmera in those times and it made me remember a lot. The book was written by an expert on books, with good flow. but the reality does not sum up. and, claiming the above writer and others of grave criminal acts was shocking. One has to be answerable to the claim, calling someone murderer. I hope Brikti will respond in some way.

    • Saba Gaim January 24, 2014

      I don’t think Berkti will respond because she will be ashamed of what she did, especially when all Geza Band residents who were tortured and their beloved got assassinated by her start testifying.

  • Saba Gaim January 24, 2014

    I hope Berekti don’t forget she assassinated one of her victims A.G, I know history will judge her but what make me upset is that I heard Berekti was in Eritrea several times enjoying the freedom came with the sacrifice of her victims while some of them like E.B are PFDJ patriots and are still alive, how come they let that happen and never execute her.

  • ZAHRA January 27, 2014

    ዋይ ጉድ ዋሃትዮ ተበልኩዋ ትጎስሞ!!ኣነ ካብተን መተንከኪ ዚተዋህባ ሃንቲ ኢየ.ጋል ላንጋኖ ዚበለቶ ሊኪዕ ኢዮ.ኣነ ግን ኪብሎ ዚደሊ በሪክቲ,ብጋል ብርጅዋ ቲፊለፕ ሕማቕ ፅባይ ዚነበራ ኢያ.ጉል ቡርጅዋ በየን ከም ዚመጽ ኣይፈሊቲን ኢየ, ኣቢቲ ገዛዊቲ ጊን ደሃር አዮም መጽኦም.ይኩን አምበር ነዛ ገዛዊቲ ቢሂስወቲን ሽም ሰብ ሚጽላሚን ነዛ ገዛዊቲ ሃዊ ኣእትወቲላ በዚ ጉዳይ ኩሉ ሰብ ፈለታሞ ካብኣ ራሃቕ.ቢርክቲ ፈሳሃየ ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብ ሞጎ 70/80 ሃንቲ ወርቅት ናይ ኩሉና ሲም ዘሃዘት መጥንቕቅታ ቲህበና. ኣዝሮኦ ኢላ ቲእዛዝ ትሂበና.ደሃር ኩሊና ፈሪህና በብንክኢሎ ሲጋብ ኣብ መዳ ከድና አዊን ፊርሃትና ነገርና.ኢቲ ዘርም ነገር ጊን ደብዳበ ካብቢርክቲ ደኣ አብበር ካብ ጅብሃ በት ጽህፈት ኣይነበረን.ኩሊና ዲማ ቢ መዳ አና ሃሊፍና።.ቢርክቲ ጊን ቢዘይ ኮነ ወንጅላ ከምቲ ኒካሎኦት ዚገበረቶ አያ ሃሲባ ነይራ,ኣምላክ ጊን ሃሊዩና.ኣብ ካርቱም ሚስ ኣተኩ ጊን ሃደ ሰብ የረኪብ አዚ ጉዳይ ናህና ዚፈሊት ማለት ከድና ዚነገርናዮ ኣጋታሚ ረኪበዮ በቲ ሂማቅ ተግባራ ቢርክቲ ካብ ጽፍራ ሲጋብ ፅግራ ከም ዚገረፋ ነገርኒ. ተስፋ የገቢር ነዚኣ ኣምቢቡ ኪምሊስ.አምበኣር ቢገጋኣ ተማሂራቲከዊን አለ ኣይተገደስኩላን.ጊን መንደላይ ትርመን ሰላህ አንዳበለት ኪንደይ ሰብ ኮን ለኪማ ትከዊን,ገለ ነገር አካ ቅስኩሲኪ ኣሎዲካስ ደኮን ስኢንኪ.በሊ ኣይቲደክሲ።_ድሂሪ ናይ ላንጋኖ መልሲ/ ቢሪክቲ ኣበይ ከም ዘላ ሃቲተ ኣብ ስወደን ኦብሳላ ዚተባህለ ቦት ከምዘላ ነገሩኒ,ነ 4 ሰብት ዚኣክሉ ደዊለ በቢወገኖም ጉዳይ ናይ ቢሪክቲ ሃተትኩዎም, ወዲ ዱሙ ከም ኣመሉ ከም ዚበሃል ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጽሃፍኩዎ ኣመላታ ለውጥ የብሉን.። ሚሊኦቲ ከተማ ሃሳዊት መፅለሚት ሙካና ነገሩኒ,ኒካሎኦት ኒዝይ ፈልቱዋ አምበር ኒህናስ ኒፈልታ አና በሉኒ,ናዘአ ዚጽሕፈቶ መን ከንቢቦ አሎም ካርካር ኢሎም ሰህቅላይ። ሲለዚ ቢርክቲ ሃሳዊት ማልቲ አና ኒጽበ ዘለና አምበር ረሲዕናዮ ኣይኮናን ኣለና ኣለና ክቢብናኪ ኣሎና ኣይትቅሰኒ ኣለና ኣብታ ሃቅ ኪነብጽሃ አና።

POST A COMMENT