ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ – 3ይ ክፋል
ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 3ይ ክፋል 08/12/2015 ኣብ 2ይ ክፋል ከምዚ ክብል ኢየ ተፋንየኩም “እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ገለ ካብ ኩነታት ተጋደልትን ሓለፍትን ህዝባዊ ግምባር ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኢዩ። ብውሑዱ ድማ፡ ነቲ
ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ
ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
3ይ ክፋል 08/12/2015
ኣብ 2ይ ክፋል ከምዚ ክብል ኢየ ተፋንየኩም
“እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ገለ ካብ ኩነታት ተጋደልትን ሓለፍትን ህዝባዊ ግምባር ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኢዩ። ብውሑዱ ድማ፡ ነቲ ንተጋደልቲ ከም ሓደ ቀጸላ ናይ ሕ/ሰብና ምስ ህዝቢ ከባእሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ቁጠባ`ውን ኣጸቢቑ ክሃስዮም ብፖሊሲ ደረጃ ይሰርሓሉ ምንባሩ ንምንጻር እኹል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎንኒ። እዞም ሎሚ ናብ ምሽምጋል ገጾም ዝኸዱ ዘለዉ ተጋደልቲ፡ ሕጂ`ኸ ህሉው ኩነታቶም እንታይ ይመስል ኣሎ ምርኣዩ`ውን ኣገዳሲ እመስለኒ። ነዚ`ውን ብሕጽር ዝበለ ኣብ 3ይ ክፋል ክገልጾ ክፍትን ኢየ።” 3ይ ክፋል ድማ እነሆ ይቅጽል
ህሉው ኩነታት ተጋደልቲ ኣብ ውሽጥን ወዳእን
ብመንጽር`ቲ ኣብ ተራ ዕላላት ኮነ፡ ኣብ መርበባት ፓልቶክ፡ ስም ተጋደልቲ እናኣልዓልካ ዝግበር ምንእኣስ፡ እቲ መንግስቲ`ውን ብዓቢኡ ናቶም (ናይ ተጋደልቲ) ምዃኑ እንሰምዖ ዕላላትን መደረታትን፡ ህሉው ኩነታት ተጋደልቲ ምርኣይ`ውን ኣገዳሲ ኢዩ። እቶም ኣብ ዘይኣምኑሉ ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት ዝተጸፍጸፉ ተጋደልቲ፡ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ኣብ ዘዝተዋህቦም ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት ንስለ`ቲ ጉዕዙይ ፖሊሲታት ህግደፍ ክውፈዩ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምሽምጋሎም ኣብ ሒመታን መረረን ኢዮም ተጸሚዶም። እቲ ስርዓት’ውን ነቶም ኣመና ዘይምእዙዛት ዝበሎም ተጋደልቲ ካብ ምጭዋይን ምስዋርን ደው ኣይበለን። ብዙሓት ዕድል ዝረኸቡን ነብሶም ዝጠርጠሩን ተጋደልቲ ድማ ኣብታ ደሞም ከፊሎም ክውንቲ ዝገበርዋ ሃገሮም ክነብሩ ስለ ዘይከኣሉ፡ ዕረ እናጠዓሞም፡ ብሓጻውን ዝተበጣጠሰ ኣካላት ሒዞም፡ ከይፈተዉ ንስደት ኣምሪሖም። ሎሚ እቶም ብህይወት ዝተረፉ፡ ናጽነት ኤርትራ ከዉን ዝገበሩ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ተጋደልቲ፡ ርእሶም ኣድኒኖምን ንኩሉ ሽግራት እናተጻወሩ “ካብ ከርስኺ ኣይንለቅቕን” ይብሉዋ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ፍትሒ ስለ ዝሓተቱ ጥራይ “ጠላማት” ተባሂሎም ምእንታኣ ከም ዘይደመዩ፡ ኣማዕድዮም ይርእዩዋ ኣለዉ። ሎሚ ናይ ተጋደልቲ ህይወት ብሕጽር ዝበለ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ፡ – እዚኣቶም፡ እቶም ትማሊ ብደሞምን ብኣዕጽምቲ ብጾቶምን ነዲቖም ክውንቲ ዝገበርዋ ሃገር፡ ተመሊሳ ክትደምን ከተእውን ህዝባ ክበታተንን ብዓይኖም እናረኣዩ “ኣሕ” እናበሉ ዝነብሩ ዘለው ኢዮም። በዘይካ`ቶም ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ዝሓዙ፡ ኣብ ማእከል`ቲ ጥሙይ ህዝቢ – ጠሊሎም ዝረኣዩ ውሑዳት፡ ዳርጋ ኩሎም በቲ ስርዓት ስለ ዘይእመኑ፡ ካብ ስራሕ ተባሪሮም (ደስኪሎም) ኣብ ባራትን ላተርያታትን ዝውዕሉ፡ እቲ ብመንግስቲ ብስም ደሞዝ ዝወሃቦም ገንዘብ ስለ ዘይኣኽሎም፡ ተጸበይቲ ናይ ኣብ ደገ ዝነብሩ ቤተ-ሰቦም ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ውርደት ድማ፡ እቶም ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ናይቲ ሰራዊት ተሰዂዖም መዓስከራት ዝደምሰሱ ምኩራት ተጋደልቲ፡ ሎሚ ኣብ እርጋኖም፡ ጭራሽ ወታደራዊ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ተራ ሰብ፡ ንጉሆ–ንጉሆ ዘይሰርሕ ጠመናጁን ኣባትርን ሒዞም ናብ ሓደስቲ ተዓለምቲ ተቐይሮም፡ በባትር እናተኾብኮቡ “ናዕሪት!” ይባሃሉ ምህላዎም ኢዩ። ወታደራዊ ጥበብን ክእለትን ስለ ዘይብሎም ኣይኮኑን። እቲ ኣብ ህልኽ ዝነብር ስርዓት ተገምጢሉ፡ ኣብ ቁጠባዊ ሃስያ ከይተሓጽረ፡ ኣጸቢቑ ብሕልና ክሃስዮም ስለ ዝደለየ ጥራይ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ድማ፡ ነቲ ኣብ እዋን ገድሊ ዝፈጸምዎ ጅግንነት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እናደጋገመ ዘስምዖም ምዃኑ ኢዩ፣
ኣዚኣቶም ካብቲ ስርዓት ፈጺሞም ዝበተኹ ንለውጢ ሃረር ዝብሉ`ኳ እንተኾኑ፡ ብሰንኪ ሽምግልና፡ ኣካላዊ ድኻምን ክቱር ድኽነትን ወይ ዘይውሑስ ቁጠባዊ ህይወት፡ ካብ ጭውያን ማእሰርትን ክድሕኑ፡ ርእሶም ኣድኒኖም ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ተመሳሲሎም ክኸዱ ዝመረጹ ኢዮም። ተስፋ ዘለዎ ናይ ለውጢ ዕድላት ኣብ ዝረኣየሉ ግን፡ ቀዳሞት ተዋሳእቲ ንሳቶም ኢዮም። ዝኾነ ንለውጢ ዝሓስብ ኮነ፡ ብሃገራውነቱ ዝሕበን ዜጋ፡ ንዓታቶምን ታሪኾንምን ከኽብር እምበር፡ ሽሞም እና ኣልዓለ ክዝንጥሎም ኮነ ንታሪኾም ከናሽው፡ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን ኢዩ። ገለ ነቲ ክቡር ታሪኽ ገድልን ተጋደልትን ዘናሽዉ ውልቀ-ሰባት፡ ኣብ መርበባት ፓል-ቶክ፡ ሰማዕቲ ረኺቦም ኣፎም መሊኦም ክዛረቡ ክትሰምዕ ከለኻ `መርኣያ ጥፍሽናን ዘይርጉእ መንፈስ ናይዚ ሓድሽ ወለዶ ዶኾን ይኸውን` ትብል።
ኣብ ስደት ዘለዉ ተጋደልቲ፡ – እዚኣቶም`ውን እቲ ኣብ ስደት ዝነበረ ኤርትራዊ ወገን፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ብሰላም ክነብርን ሃገሩ ከማዕብልን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከፊሎም ክንሶም፡ ንባዕሎም ናብ ቦታ ስደት ዘምርሑ ኢዮም። ናይዚ ጉጅለ`ዚ ኩነተ-ህላዌ ድማ፡ ካብቲ ህዝባዊ ግምባር ብመንገዲ`ቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ሓፋሽ ውድባቱ፡ ኣብ ልዕሊ`ቶም ነቲ ውድብ ራሕሪሖም ዝሃድሙ ዝነበሩ ኣባላቱ ዘውርዶ ዝነበረ ተነጽሎን ፖለቲካዊ ቅንጸላን ዝፍለ ኣይኮነን። ዝኾነ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ፡ ኣብ ደገ ክነብር ዝወሰነ ተጋዳላይ፡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ኢየን ጸኒሐንኦ። ንሳተን ድማ – ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈትን ኤምባሲታትን ናይቲ ውድብ ከይዱ ልኡም ኣገልጋሊ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ክቕጽል፡ ወይ ድማ ብውሽጢ ውሽጢ ዘይበሎን ዘይወዓሎን ወረታትን ቀንጻሊ ዘመተታትን እናዘርጋሕካ፡ ካብቲ ህዝቢ ነጺልካ ተሰማዕነት ከም ዘይህልዎ ጌይርካ ተነጺሉን እናተሓምየን ከም ዝነብር ምግባር ኢዩ።
እዞም ኣብታ ምሉእ ግዜኦምን ንእስነቶምን ሂቦም ዘረጋገጽዋ ሃገር ምንባር ሸጊሩዎም፡ ናብ ስደት ዘምርሑ ተጋደልቲ ዝተፈላለየ ጸገማት ኢዩ ኣጋጢሙዎ። ገለ ካብኡ
- ሓደ ካብኡ፡ እቲ ንኩሉ ስደተኛ ዑቕባን ናይ መንበሪ ፍቓድን ንምርካብ ዝሓልፎ መስርሕ ኢዩ። ንሳቶም`ውን ከም ሰቦም ኣብ ፈቐዶ እንዳ ጠበቓን ኣብያተ-ፍርድን ናይ ካልኦት ሃገራት ዑቕባን ዜግነትን ንምርካብ ኮለል ክብሉ ነይሩዎም። በዚ ድማ ተኽፈልቲ ናይቲ ንኹሉ ስደተኛ ዘጋጠሞ ጸገም ኢዮም።
- ካብ ወታደራዊ ህይወት ናብ ሲቪላዊ ናብራ ምስግጋር፡ – ኣብ ንቡር እዋን፡ ሓደ ኣብ ተሪር ወታደራዊ ሕጊ ክእለ ዝጸንሐ፡ ኣብ ሕሜታን ወረን ዘይኮነስ፡ ዝከኣልን ዘይከኣልን መምዩ፡ ኣብቲ ዝከኣል ጥራይ ዝዛረብን ዝዝትን ዝነበረ ሰብ፡ ካብቲ ወታደራዊ ሞያ ወጺኡ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ እንተኾነ ናይ ክኢላታት መኽሪ፡ እንተወሓደ ድማ ናይ ቤተ ሰቡን መቕርቡን ሓገዝ የድልዮ ኢዩ። እዞም ናብ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተቐየሩ ተጋደልቲ ድማ ናብቲ ካብን ናብን፡ ክዉንን ዘይክዉንን ዘላግዕ፡ ሕሜታታትን ቤላ-ቤሎውን ዝበዝሖ ሲቪላዊ ህይወት ክጽንበሩ ጸጊሙዎም ኢዩ። ብዙሓት ካብ መጀመርያኡ ነብሶም ዘግለሉን ጥንቑቕ ኣካይዳ ዝመረጹን እኳ እንተነበሩ፡ ዳርጋ ንኹሎም ከከም ኩነታቱ ዝፈላለ ሽግራት ኣጋጢሙዎም ኢዩ።
- ተጻብኦታት ህግደፍ፡ – ኣብቲ ናይ ገድሊ ዕድሜኦም፡ ከከምቲ ዝጸንሕዎ ዓመታትን (ግድምና) ዝነበሮም ናይ ሓላፍነት ጽፍሕን ዝፈላለ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ናይቲ ዝነበርዎ ውድብ ኮነ፡ ናይቶም ሕጂ ኣብቲ መንግስታዊ ጽፍሕታት ተሰዂዖም ዘለዉ ሓላፍቲ ዝፈልጡዎ ኣለዎም። እዞም ናብ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተቐየሩ ተጋደልቲ እምበኣር፡ “ህዝበይን ሃገረይን (ብኻልእ ኣዘራርባ `ውድበይ`) ኣይከዳዕኩን” ኢሎም፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትን ኤምባሲታትን ናይቲ ስርዓት ከይዶም፡ ኣፎም ክዓጽዉ ወይ ምስቲ ሓዲጎሞ ዝመጹ ስርዓት ክተሓባበሩ ምዃኖም እንተዘይገሊጾም፡ ከም ቀንዲ ጸላእቲ ክረኣዩ ጸኒሖም ኢዮም። ብዙሓት ካብዚኣቶም፡ ቀንዲ ግዳያት ናይታ፡ ናይ ህግደፍ ናይ 03 ናይ ቅንጸላ መርበብ ኮይኖም ኢዮም። ኣብ ገለ`ውን በቲ ኣንጻር ህግደፍ ብዝነበሮም ተሪር መርገጺ ጥራይ፡ ብተገላቢጦሽ “ህግደፍ ዝከኣኾም ኢዮም” እናተባህሉ ብውሽጢ ውሽጢ ክሕመዩን ክዝለፉን ጸኒሖም። ብኣጠቓላሊ ክረአ ከሎ እምበኣር፡ ህግደፍ ነቶም ካብ ኢዱ ዘምለጡ ተጋደልቲ፡ ብፍሉይ ተጻቢኡዎምን ይጻብኦምን ኣሎ።
ተጋደልትን ዝጽበየና ዕማማትን
እቶም ድሕሪ ናጽነት ኣብ ደሓን ዝኾነ መነባብሮን ርጉእ ሲቪላዊ ህይወትን ክንነብር ዝተጸበና ተጋደልቲ፡ በቲ ብደምናን ኣዕጽምትናን ዝተተኽለ ብልሽው ስርዓት፡ ብፖሊሲ ደረጃ ኣብ ድኽነትን ውርደትን ክንነብር ኢዩ ተፈሪዱና። ዩኒቨርሲቲ ኣቲና ክንመሃር፡ ምስቶም ንነዊሕ እዋን ዝተፈለናዮም ስድራ-ቤትና ኣስተርሒና ከነዕልል ይኹን ዝጠመዩ ደቅናን ወለድናን ክንዕንግል ኣይተፈቕደናን። ብኣንጻሩ ጸባን ሓሩጭን ክንልምን፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ክንስጎጉ፡ ዓገብ ንዝበሉ ብጾትና ድማ ድራር ጥይት ክኾኑ ኢና ተዓዚብና። ገለ ኣብነት ናይዚ ዳሕረዋይ ንምጥቃስ፡ – ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ ናጽነት – ኣብ ገንፈሎም ብገርሆም ይጓዓዙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብጾትና ዝተገብረ (ዝፈሸለ) ድብያ፡ ከበባ ሓይልታት ክ/ሰራዊት 52 ኣብ ዓላ፡ ድሕሪ ፍጻሜ 20 ግንቦት 1993 ዓ.ም ዝነበረ ጭውያን ማእሰርትን፡ ቅንጸላ ስንኩላን ማይ ሓባርን ክጥቀስ ይከኣል። ኩሉ`ዚ እቶም “ንግስነት ስርዓት ኢሰያስ ናትኩም ኢዩ” እናተባሃልና እንዝለፍን እንሕመን ተጋደልቲ፡ ቀዳሞት ግዳያት ስርዓት ህግደፍ ምንባርና ኢዩ ዘረጋግጽ። ማዕረ-ማዕሪኡ ግን እዞም ኣብ ስደት እንነብር ተጋደልቲ፡ እዞም ንውርደትን ሕስረትን ዝተፈረድና ተጋደልቲ ፋሕ ዝበለን ዝተነጻጸለን እንተዘይኮይኑ፡ (ብፍላይ ኣብ ስደት) ክብርናን ታሪኽናን ንምዕቃብ ይኹን ኣብ ልዕሊ`ቶም ብደምና ዝሰወዱ ጓሓሉ ዝወሰድናዮ ጥርኑፍን ኣድማዕን ስጉምቲ የለን።
ገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብቲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ዘይንቡር ከፋፋሊ ኣተሓሳስባታት ኣቲኻ ምጭምላቕ ምስ ክብረቶም ዝኸይድ ኮይኑ ስለ ዘይረኸብዎ፡ ስቕ ምባል ዝመረጹ ተጋደልቲ ብዙሓት ምዃኖም ኢዮም። እቲ ስቕታ ግን ዝያዳ ሃጓፍ ፈጢሩ፡ ነቲ ስም ተጋደልቲ እናልዓልካ ዝወርድ ዘለፋን ምንእኣስን ዝያዳ ክዕብዮ እምበር ክህድኦ ኣይተራእየን። ህግደፍ`ውን እንተኾነ፡ ብስም`ቶም ቀቢርናዮም ዝኣተና ስዉኣትን ደቆምን ይመጻደቕን፡ ጀጋኑና ኣሲሩ ከብቅዕ ብውዕሎኦም ይንየትን ኣሎ።
ኩልና፡ ነታ ናብ ስደት ዝጠመትናላ ቀዳመይቲ መዓልትን፡ ነቲ ናብኡ ዝደረኸና ተጻባኦን ንዘክር። ኣብታ መዓልቲ`ቲኣ፡ ኣብታ ሃገርና ንድሕሪት ገዲፍና ንስደት ዝጥመትናላ መዓልቲ፡ ኣብ ሕልናና ዝተፈጥረ ክልተ ባህርያትን ዝነበረ ውሽጣዊ ሙግትን፡ ልብና ካብ ውሽጢ ዝነብዓሉ ህሞትን ንዘክር። እዚ ዘሎ ውዱዕ ኩነታት እምበኣር ክብረትናን ታሪኽናን ንምዕቃብ ጥርኑፍ ግብረ-መልሲ እንህበሉ፡ ከም ቀንዲ ግዳያቱ መጠን ድማ፡ ኣብቲ በብከባቢኡ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ኣኼባታት ተረኺብና፡ ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ከነበራብሮ ይግባእ። ኣብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ፍልልይ ክህልው ከም ቅቡል ወሲድና፡ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ቀንዲ ጉዳይ ግን፡ ናይ ሓባር ቅልጽም ከነልዕል መድረኻዊ ሕቶ ኢዩ። ምግድዳዕ ከብቅዕ ኣለዎ።
መደምደምታ፡ -ኣብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ዝተጾምቈ መግለጺ፡ ተጋዳላይ ግዳይ እምበር፡ ጠንቂ ናይ`ዚ ዘሎ ጉዕዙይ ፖሊሲ ህግደፍ ከም ዘይኮነ ብሩህ እመስለኒ። እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዘሎ መረረ ግን መንቀሊኡ ምርኣይ`ውን ዘድሊ ኢዩ። ብርእይቶይ መንቀሊ ናይዚ ኩሉ፡ -እቲ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝነበረ ክብርን፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ውድብ (ህዝባዊ ግምባር) ዝነበረ ልዑል ትጽቢትን ምስቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ዘይንቡር ኩነተ-ህላዌ ስለ ዘይተጠዓዓመ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎንኒ። ምኹኑይ ዘምስሎ ነገር እንተልዩ፡ ምንጻሩ`ውን ጽቡቕ ይመስለኒ። ንሱ ድማ ጠስምን መዓርን ሒዙልካ ክመጽእ ዝተጸበኻዮ ዓቢ ሓውኻ ወይ ውላድካ፡ ዕረን መርዝን ሒዙልካ እንተ መጺኡ`ሞ እንታይ ዘይበሃል! እቲ ንስኻ ዝረኣኻዮ ዕረ፡ ንሱ`ውን ቅድሜኻ ልዕሊ ዓቕሙ ብዝኾነ መንገዲ ወይ ከይፈለጠ ተሰኪሙዎ ዝመጽአ እንተነይሩ ግን፡ ንሱ ንጽቡቕካ እናሓሰበ ከሎ፡ ኣብ ጉዕዙኡ ዝተበላሽወ ነገር ምንባሩ ክስቆረካ ይግባእ። እቲ ፍታሕ ድማ ነቲ ዝተበላሸወ ነገር ኣለሊኻ ምእላዩ እምበር፡ ናብ ዶግማ ተለዊጥካ “ዕረ ሒዝካለይ መጺእካ!” እናበልካ ከተማርር ምንባር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ንሱ`ውን “ኣነ መዓር እምበር ዕረ ኣየዳለኹልካን። ኣብ ጉዕዞ ግን ነቲ መዓር ናብ ዕረ ዝለወጡ ሰባት ኣለዉ`ሞ፡ ኣነ እፋለሞም ኣለኹ። ንስኻ ከኣ ንዓ ሓግዘኒ፡ ምሳይ ስመር” ክብለካ ከሎ ጽልእኻን ሕርቃንካን ናብ ሕራነ ተለዊጡ፡ ኣብ ጎድኑ ምስላፍ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ኢዩ። ስለዚ ንኹሉ ኣብ ሓንቲ ጀምቢል ኣእቲኻ፡ ነቲ ክቡር ሃገራዊ መንነት ዘዕተረካ ተጋዳላይ ስሙ እናኣልዓልካ ክዉንን ዘይክዉንን ምዝራብ ፋይዳ የብሉን።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ በትረ-ስልጣን ሒዙ ዘሎ ህግደፍ ኢዩ። መንግስታዊ ስልጣን ድማ ፖለቲካዊ ስራሕን ፖለቲካዊ ረብሓን ኢዩ። ንሱ ድማ ብዘይውልውል ቁጠባዊ ረብሓ ኢዩ። መብዛሕትኦም እዞም መንግስቲ ኣቚሞም ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ድማ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ዝነበሩ ምዃኖም ዘካትዕ ኣይኮነን። ንሳቶም ግን ብቚጽሪ እቶም ዝወሓዱን፡ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ማዓርን ጠስምን፡ ብሰላሕ መላሕ ኣብ ጉዕዞ ናብ ዕረን መርዝን ዝለወጡ ገበነኛታት እምበር፡ ነቲ ምእንቲ ሰናይ ግብሪ ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ዝውክሉ ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ እቶም ብቊጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ተጋደልቲ፡ ቀዳሞት ግዳያት ናይቲ ብስዉር ዝተዳለወ መርዚ ኮይኖም ዓዲ ኣርሒቖም። ዝተረፉ ድማ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዝወረዶም ኢዮም። ብዙሓት ካብዞም ዳሕረዎት ሕርቃኖም ናብ ሕራነ ተለዊጡ፡ ምስቶም ኣትማን ይተሓናነቑ ኣለዉ። ተመሊሶም ናብ ስልጣን ክመጹ ስለ ዝደለዩ ግን ኣይኮኑን። ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዝተመጻብዕዎ ግዝኣተ- ራዕዲ ዝመለለይኡ መግዛእታዊ ስርዓት ኣሊኻ (ስርዓት ኢትዮጵያ`ውን ናይ ራዕዲ ፖሊሲ ኢዩ ነይሩዎ) ኣብታ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር፡ ብተሳትፎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ ኢዩ።
ግዝኣተ-ሕጊ ዝረጋገጽ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ምስ ዝሰርሕ ጥራይ ኢዩ። ህግደፍ ኣብ ውሽጡ ተጋደልትን ዘይተጋደልትን፡ ዓበይትን ናእሽቱን ኣለዉዎ። ንዕኡ ብዘገልግል መንገዲ ድማ ካብ ኩሉ ወገናት ኤርትራ ወከልቲ ክህልዉዎ ይጽዕር ኢዩ። ብኣንጻሩ `ፍትሒ እደሊ ኣለኹ` እናበልካ ተጋደልትን ዘይተጋደልትን፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣውራጃን ብሀርን ክትፈላሊ ግቡእ ኣይኮነን። ሎሚ ኣንጻር ተጋደልቲ ካብ ለፍለፍካ፡ ጽባሕ ኣንጻር ካልእ ቀጸላ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ምጽራፍ ዘሕፍረካ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ እምበኣር፡ ንኹለን ብሀራት፡ ንክልቲኡ ሃይማኖትን ንኹሉ ከባቢታትን ብዘሳትፍ መንገዲ፡ ንጹር ዘስርሕ ሕግታት ኣውጺእካ ምስራሕ ኢዩ። ፍልልያትና ኣብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታና ጥራይ ክሕጸር ይግባእ።
ማዕረ-ማዕሪኡ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ፡ ካብ ህግደፍ ዝበተኹ ኣባላት ህዝባዊ ግምባር`ውን ዝብሎ ኣሎንኒ። እዚ ሃገርን ህዝብን ዝብትን ዘሎ ኢሰያስ ዝመርሖ ስርዓት፡ ንታሪኽና ሰሪቑ ብዋጋ ደምናን ንእስነትናን ኢዩ ዘውዲ ደፊኡ። ሰቲ ክቦቕሎ ዝተመነናዮ መሬት ኤርትራ፡ እሾኽ ተዘሪኡዎ ዘዝተወልደ ጠንጢኑዎ ይጠፍእ ኣሎ። ነዚ እናረኣኻ ዓይንኻ ዓሚትካ ትም ምባል ማለት ድማ ሞት ኢዩ። ስለዚ ነቲ ኣድቂቕና እንፈልጦን ዘሳቐየናን ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ምቅላዕን፡ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ፈሊጡ ካብ ህግደፍ ከም ዝርሕቕ ምግባር ከድልየና ኢዩ። ኣብ ኣገባብን ስልትን ፍልልይ ክህልወና ባህርያዊ ኢዩ። ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስን ንቅዋማዊ ምሕደራ ዘለንና ድሌትን ግን ዝፈላለ ኣይኮነን። ስለዚ ግዳያት ናይቲ ትማሊ`ውን እንፈልጦ ህግደፍ ዘተኣታተዎ ናይ ምፍልላይ፡ ራዕድን ፍርሕን ፖሊሲ ክንከውን ኣይግባእን። ትማሊ ንህዝቢ ኣሚንና ተቓሊስና። እቲ እምነት ሕጂ`ውን ኣብ ቦትኡ ይሃሉ።
፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨
ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ነቲ ዝበዝሐ ብቅኑዕ ሕልና ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝተቃለሰ ተጋዳላይ፡ ካብቶም ከም ቫይረስ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ናይ ሓላፍነት ተሰዂዖም፡ ደም ንጹሃት ዝመጽዩ ዝነበሩ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት በቲ ዝበዝሐ ሓፋሽ ተጋዳላይ ከይተፈልጡ ወይ ኣደናጊሮም፡ ብውሽጢ ውሽጢ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና እኩይ ተግባር ጠንቂ ዝኾኑ ውሑዳት ፈልዩ ዝርኢ ኣዒንቲ ይሃልወንና ንምባል ኢዩ። ካብቲ ቀንዲ ዕላማና ኣውጺኡ፡ ማእዝንና ኣስሒቱ ናብ ሸንኮለል የእትወና ስለ ዘሎ። ካብዚ ዝሓለፈ ብዙሕ ርእይቶታት ግን ሓደ ከነጽሮ ዝግበኣኒ ነገር ከም ዘሎ ኢየ ተረዲአ። ስለዚ ድማ ኢየ፡ ሓንቲ ክፋል ወሲኸ፡ ኣብ 4ይ ክፋል ገለ ነገር ከብርህ ዝደለኹ።
ኣብ 4ይን መወዳእታን ክፋል የራኽበና
ታደሰ ኪዳነ
በርሚንግሃም
Genet-Orginal December 10, 2015
Dear Simon. G
It is good to hear from you.
I am not an eye witness of the 1960s or 1970s. I can’t speak about that time. But I can certainly speak for the past 18 years. I am a true believer of body and mind rehabilitation. But Where did the destruction of our youth’s moral come from? I think those educated Tgadeltis must take some responsibility. It bothers me, when I hear Tgadeltis compare themselves with the current generation of youth. I thought they fought for Eritrean independence, so current and future generation to have peaceful and successful life. Frankly, I am shocked that the Tgadeltis didn’t let the Eritrean people know what was going on back in the 1960s and 1970s or 1980s. If they did let the people of Eritrea know what was going on, the Eritrean people and youth could have prepared to challenge Isayas and company. They left us in the dark. Now, we are living in the dark. Can the educated Tgadeltis take some responsibility for harboring a serial killer Isayas and delivering him to the Eritrean people? All I am saying is Tgadeltis must take some responsibility for the current miserable situation in Eritrea.
Do some reflection for the love of GOd.
God save the Eritrean youth.
Nsane December 11, 2015
Hiji gin eti zedli nenhdhdna knwenajel n Eseyas edme mhab zeykones neti brhan amtseolkum zbelena merihnet Eseyas b handebet nab HGDEF ztekeyere kemey gerka tetfeo giziena nehlif ember kemzi eyu kemzi knbil alem gedifatna twnchef ala.
Tegadelti beti nay kedem moyuom kbrin megosin ygibeom (sigab 1990) zgeberuwo malet u.
Amlak ms Hzbi Eritrea ykun,
Hizbi Zekbere December 11, 2015
I do believe the current turmoil of our beloved country is the silence of Tegadelti. As Tadesse said all the happenings after independence, it shows you let your comrades killed, imprisoned, himulated and fired from work.
The youth had no real mentor form his elders. What the youth inherited from his elders is that keep silent or leave the country. Blackmail will not hurt anyone as long as someone is confident inside. Blackmailing is still the main weapon of pfdj and its decencies.
You, the Tegadelti, should accept the criticism of the youth and spark from it and find a way to lead the youth. What I see from you is defending but it will not help for our people and country.
ኣርዓዶም December 11, 2015
ሎምስ ከምዚ ኢዩ ኢልካ ትንየተሉ ገድሊ ኣይኮነን፡ ልክዕ ገለ ደቒ ገርሂ ልባ፡ እቲ ገድሊ ቕኑዕ ዝሰርሕ ዘሎ ተመሲሉ፡ ክሳብ መስዋእትን ምስንካልን በጺሑ ኢዩ። እቲ ይኹን እቲ ግን ሕመረት ቓልሲ፡ ሓርፋፍ ምንባሩ ዝኾነ ተጋዳላይ ዘይስሕቶ ኢዩ። ጉድለታቱ ሰማይ ጠቐስ ዝተኾመረ ኢዩ። መቸም ገሊኦም እቲ ገድሊ ብሓጺሩ ግጉይ ምንባሩ ኢዩም ዝገልጽዎ።
ንናጽነት ግጉይ ኣይነበረን እብል፡ እቲ ካልእ ጎኑ ግን ብስሩ ግጉይ ኢዩ ነይሩ። ናጽነትና ተኾነ፡ምደንጎየ እምበር፡ ብዘይ ብዙሕ ገልታዕታዕ ምረኸብናዮ ነርና። ከም ብዓል ሶማሊ ላንድ፡ እንታይ ዶ ብዙሕ ኩናት ኣካይደን ኢየን፡ ናጽነትን ኣውጀን ድማ፡ ብሓነትን ሕግን ይነብራ ኣለዋ።
ገድሊ ኤርትራ ግን ብስሩ ንደቒ ህግዝቢ ክቕንጽል ዝተፈጥረ ኣረሜን ኢዩ። መቸም እቲ ሓቒ ደቒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቐንጸልትን ጨወይትን እምበር ብወትሃደራት ደርጊ ብዙሕ ኣይተቐትሉን። ልዕሊ 60000 ተሰዊ ኦምና ንብል ተሃሊና። 200000 ህዝቢ ወይ ተጋደልቲ ጠፊ ኦም፡ እቶም ካብ ኣቶም እቶም 65000 ከም ፍሉጣት ኮይኖም ቐሪቦም። ምናልባት ኣብ ኩናት ዝጠፍኡ ክኣ ተበዝሑ 25000 ኢዮም። እቶም ካልእ ግን ኩሎም ብቕንጸላን መጭወይትን፡ ባዕልካ ኣብ ኩናት ብጌጋ ብምብስላ ዝተቐትሉን ካልእ ምክንያታት እንዳፈጠርካ ኣብ ማእሰርቲ ዝሃለቑን ሓዊስካ፡ እቲ ገድሊ ባዕሉ ዝቐተሎም ይበዝሑ። ስለዚ ድማ ግጉይ ነይሩ፡ ሽፍታ እኮ ጤል፡በጊዕ፡ ወርቒ ኢዩ ዝዘምት፡ ገድሊ ግን ኣብ ማዕተብካ ዘሎ ወርቒን ኣብ ኢድካ ዘሎ ስዓትን ዘሚቱ፡ ሂወት የጥፍእ። ስለዝስ ልዕሊሽፍትነት ካልእ ቝንቝ የለን እምበር፡ ግድሊ ብ ኣረሜንነቱ እቲ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ገድሊ ኢዩ። እዚ ድማ ገድሊ ዘይኮነስ ኣረሜንነት ኢዩ ነይሩ። ብ ኣረሜንነት ኣከያይድ ኡ ድማ ልክዕ ዘጥፍ አ ኣጥፊ ኡ ናጽነት ኣውጁ፡ ካብኡ ብዝገድድ ድማ ሕጂ እንሆ ሰብ ክሳብ መሸጣ በጺሑ። ስለዚስ ንምክሓሉ ገድሊ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ንሓፍረሉን ንሽቑረረሉን ታሪኽ ኢዩ የሕቑፍና።
Lilay December 11, 2015
ረዓዲ ዕደ
ገድሊ ከምቲ ንስኻ ትብሎ ኣይኮነን። ወይ ባዕልኻ ወይ ኣቦኻ ዶ ሹመኛ ደርጊ ነሩ ኮይኑ ደኣ ክንድዚ ናፍቆት ደርጊ ከዕብደካ ደልዩ። በልስ ከ ረሻናይ ዶ ነርካ ኮንካ ኣብ ገድሊ ዶስ መዝብ ሂቡካ ኮይኑ ኢሰያስ ደኣ ድምር ርሹናን ስዉኣት ኪናትን ጽሒፍካ። ከምዚ ከማኻ ቀዳድ ኣፍ ደኣ መሸጣ ኳ ኵሕዶ። ንስኻ ኽ ሰብየ ኣይሽየጥን አልካ ሞት ዘትመርጽ፣ ዝገዛኒ እንተ ረኺበ ደኣ ይሽየጥ እንዳበልካ ኣብዚ ምዕቡል ዓለም በጺሕካ። ወዮ ሽያጥ ሲ ሰብ ኮንካስ ብዛዕባ ገድሊ ትዛረብ ከኣ፣ ወዳጀ።
Mehret December 13, 2015
Lilay,
You see this is what people hate. Have some respect. Aradom gave his opinions. You don’t have any right to call him name. Anyone who does not like tegadalay or gedli is not related to dergi. This is how yiu all intimidate and humilate people.
ሃይለ ስምኦን December 11, 2015
genet original
i have been following your comments from the start, criticizing Mr. Estifano and blaming Tegadelti every time. Genet, may I say something. power and right are not endowed and given. they are fought and achieved. Every body has to fight for his right, then the right of everybody is the right of every one and the society as a whole.
Tegadelti (of course the majority) were fighting for their right and for the right of the people. your and your asociates are asking them to endow or give your right. let’s fight together and achieve our common right. the majority tegadalay did not have the power to be endowed. Tegadalay didn’t have even a penny for him self.
the power and wealth was on the hands of the few. why are you blaming the majority who was empty handed, nothing to give but his life for his people. and if the people did not follow him while he is tortured by his superiors,how can you blame him.
The very tegadalay around you is the one who escaped from torture. and you and your asociates are still blaming him. please come back to your sense and please try to differentiate the criminal from the victim.
Genet-Orginal December 12, 2015
Mr Hail
From your post, I assume you are a former Tegadalay. You said “Criticizing Mr. Estifano and blaming Tegadelti every time”. I never blamed all Tegadeltis for the country’s downfall. I responded to any Tegadalay who I felt not taking SOME responsibility to what is happening. I didn’t get the memo to not criticize Mr Estifano. FYI, My criticism comes from the belief of most, if not all Tegadeltis have more credential than the rest of Eritrean. All the Tegadeltis out there, if you can’t take criticism for your silent, who
gave you the right to criticize the Eritrean youth? When you can’t even speak up when it matters the most, there is noting left. Mr Hail, I understand, when people are tortured, they become fearful. They may not be able to speak up, unless other people like them are speaking. And there were Tegadeltis, like Bitweded Abraha and disabled veterans. How about alerting your people and protesting around Eritrea. Do you think the Eritrean youth would ignore your action? I don’t think so. I am surrounded by family members Tegadeltis from (1960-1998) and I want to put you all Tegadeltis on pedestals. But I don’t have a country to do that. I am not blaming, I just want people to stop being defensive and offer some wisdom, if they have one for the Eritrean youth.
Thanks.
God bless the Eritrean people.
haile simon December 14, 2015
Ms. Genet, let me remind you what you wrote on 11/12/15. “As soon as Eritrea was liberated, you tegadelty declared a provisional government run by you. You did not ask the people to take over so far, I mean till now”
Genet, what does this mean. Mr. Estifanos is tegadalay, yes. but does he has power or ability to hand over power to the people? Do you know he was victim for his self? please read his book, the ordeals he had after independence by the junta. So Genet, how could you have a gut to critisize a man who him self was in jail for his innocence. your hate for tegadelti is over the roof.
do you know Bitwoded was also tegdalay. he is jailed like many others who criticise the junta. he is not alone. Estifanos was also on jail like Bitwoded, hes left the country when he got the chance. the disabled who perished in Nefasit were also tegadelti.
So Genet, please you need to have the ability to diferenciate the criminal from the victim.
Genet-Orginal December 15, 2015
Mr haile
The 11/12/15 comment was not mine. FYI I am Genet-orginal and there is Genet who did a good job reminding us how we got here. My understanding, Genet’s narrative wasn’t directed at a single or specific person. We the Eritrean people understand not all Tegadalties are criminals, greedy, selfish and who put EPLF above the well being of the Eritrean people and our nation. Between none tegadalay Eritrean and tegadalay, Who is in the best position to expose those tegadaltie criminals? What sister Genet said is true. “As soon as Eritrea was liberated, you tegadelty declared a provisional government run by you” Are you denying this fact? Mr haile, this so called provisional government destroyed the institutional aspect of our nation. This provisional gov run by Tegadalties, seems to have tow things in mind, oppress and control our nation and that is a fact.
Fyi, I read Mr Estifanos’s book. I am heart broken by it. Yet, I feel it is too little to late. I wish his book came out 15 or 20 years ago. Don’t you agree Mr haile?
God bless you
Genet-orginal
haile simon December 15, 2015
sister Genet
from your comments, your understanding about ‘an organisation and its members’ as a whole is limited. EPLF is an organisation, later formed a provisional government. it has security and all the ability to manipulate the public and many of its members. it also had the ability to pick up people who have different ideas. please read the book “1984 by Jorge orwell. who also wrote “Animal farm” you will get who is Iseyas and his inner circle.
Indeed, Tegadelti have tried to do all our best to expose the wrong path the organisation was heading. we didn’t have the power and means to reach the public. everybody who opened his mouth was indeed hunted. the public was also blind supporter of the organisation, ‘who brought freedom’ although freedom came as a result of red blood of his/ her children.
it was easy to blame who ever open his or her mouth as a traitor, not only by the organisation but also from the public. please try to look even now “how many tegadalay is a traitor” by the eyes of PFDJ members. those are the people who were operating after independence, especially inside Eritrea.
ሃይለ ስምኦን December 11, 2015
ሰላም ኣሕዋት!
ብዙሕ እዋን “ተጋደልቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኣየመሓላለፉን” ክበሃል እሰምዕ ኢየ። እቶም ተጋደልቲ ኣውን እትው ምስ በሉ፡ ካብ 1991 ኣትሒዞም፡ ስልጣን ንህዝቢ ክርከብ ኣለዎ” ኢዮም ዝበሉ። እቶም ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ ውሑዳት ሓለፍቲ ግን ዕጭ ሓንፊፎም። ነቶም “ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ” ዝበሉ፡ ወይ`ውን ሓቂ ንህዝቢ ክነግሩ ዝፈተኑ ተጋደልቲ ድማ ይሃድንዎም ነይሮም። ሽዑ ዝነበረ ዕዉር ኣምነት ህዝቢ ድማ ኢዩ ግዳያት ገይሩዎም። ዘዝሰምዐ ከይዱ ይሕስወሎም ነይሩ። በዚ ድማ ሓቂ ንህዝቢ ከፍልጡ ዝፈተኑ፡ ተመሊሶም ግዳያት ዝኾኑ ተጋደልቲ ኣዲኦም ትቑጸሮም።
ሕጂ`ውን ስልጣን ኮነ መሰል፡ ተቃሊስካ ተረጋግጾ ኣምበር፡ ዝወሃበካ ኣይኮነን። ተጋዳላይ ድማ (ነቶም ውሑዳት ሰበ-ስልጣን ገዲፍካ) ንባዕሉ ንመሰሉ ዝቃለስ ዝነበረ እምበር፡ ንሱ ዝህቦ መሰል ወይ ስልጣን ኣይነብሮን። ስልጣን ኩሉ ሳዕ ናይ ውሑዳት ኢዩ። ብዙሓት ድማ ካብቶም ውሑዳት ሰልጣኖምን መሰሎምን ከረጋግጺ ይቃለሱ። ተጋደልቲ ስንኩላን`ኮ ንመሰሎም ክብሉ ኢዮም በቶም ሰበ-ስልጣን ተቐንጺሎም። ንሶም`ከ ተጋደልቲ ዶኸ ኣይኮኑን? ኣቶም በብእዋኑ ዝተኣስሩን ዝተሸርቡን`ከ ተጋደልቲ`ዶ ኣይኮኑን። ህዝቢ ኣይሰዓቦምን፡ ሕጂ ድማ ንርእዮ ኣለና ኩሉ`ቲ ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ።
ሕጆ ኣውን ስልጣን ኮነ መሰል ተቓሊስካ ኣተረጋግጾ እምበር ተጋዳላይ ወይ ህግደፍ ዘረክበካ ኣይኮነን። እቲ ክጎዪ ኮነ ክገብር ዝኽእል ድማ እቲ ውዑይ ዕድመ ዝውንን መንእሰይ ኢዩ። ናብቲ ክሳብ ዝሽምግል ኩሉ ዓቕሙን ጉልበቱን ዝሃበ፡ ሕጂ ዝሽምገለ ተጋዳላይ ኢድካ ምውጥዋጥ፡ ትርጉም የብሉን። ምስትም ዝቃለሱ ዘለዉ ተጋደልቲን ካልኦት ሃገራውያንን ሓቢርካ ዝከኣለካ ምግባር ኢዩ እቲ ዝሓይሽ።
Lilay December 11, 2015
ጸባ ስተ ስምኦን።
Lilay December 11, 2015
ኣንታ ተጋዳላይ እኮ ብጻዩ ኣይኮነን ረሳ ብጻዩ ከይገድፍ ክብል አኮ ዩ በጃ ዝሓልፍ ኔሩ። ኣንታ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እኮ ሓሶ ኣይኮነን። ንሓድሕዱ ተኣማሚኑ ተፋቂሩ ዩ ተጋዲሉ ተጋዳላይ። እንተዘይከዉን ቅደም ብሓደ ረፍዲ ምተደምሰሰ። ዕላማ ኣይነበሮምን ይብሉኻ፤ ኣንታ ዕላማ ንምኻኑ ትርጉሙ ትፈልጥዎ ዶ፤ ዕላማ እንተዘይህሉ ከመይ ገሩ እዚ ኹሉ ግጥማት ኪናት ሰጊርዎ፤ ኣንታ ስለ ዝጊሀር፣ ዕላማ ዘይብልኩም ወላ ዉን ሰብ ምኻንኩም ዘይትፈልጡ መብሳሕትኹም ንስኹም እዞም ሓዲሽ ወለዶ ኢኹም። እዚ ተጋዳላይ ተቀዪርኪ ኣብ ከምዚ ተባሂሉ ተወሲዱ ይርሸን ከም ዝነበረ ምሳኹም ሒጂ ምሳኹም ኢና ሰሚዕናዮ ምኽንያቱ እቶም ዝወዓልዋ በዕሎም ስለ ዘውጽእዋ። እዚ ኣብ ገድሊ ከለና እቶም ታሕተዎት ተጋደልትይ እንተ ንፈልጥ ቀደም ወዳን ጋላን ኣብ በረኻ ከለና መፍለጥናያ። ድሕሪ ናጽነት ግና ኮንብሊካ ተባሂሉ ኣብ ቅድሚ ብርገድ ወይ ክፍለሰራዊት ምሉእ ሓደ ኣገልግሎት ክርሸን ከሎ ሓደ ኣፉ ዝኸፍት ወይ ብረት ዘልዕል ሰብ ኣይረኣኹን። ኣይትርሽኑን ኢኹም አሎም መራሕቲ በጠሎኒ፣ ሓይሊ ከሙ ዉን ጋንታ ክከላኸሉ ከለዉ፣ እቶም ኣገንግሎት ግና ብቀረባ ዝፈልጥዎ ኣርኮም ከሎ እሞ ኸኣ ገበን ዘይብሉ ሓደ ወስ ዝብል ኣይነበረን።
እቲ ስርዓት እዚ ምስ ረኣየ ን ተጋዳላይ ዘራያት ኣለዉኒ ኢሉ ኣብ ርእሱ ሸይኑሉ። ነዚ ኹሉ ዕርበት ናይ ሃገርና ኩልና ተሓተቲ እካ እንተኾና መንእሰያት ብፍላይ ተሕተቲ ዮም መንእሰይ ዝገብሮ ስለ ዘይገበሩ። ብፍላይ መንእሰያት ተሓተቲ ዮም
assenna December 11, 2015
Dear commentators,
Some of your comments are too long. Many of them are not being posted because of that.
Please, please, keep them brief.
Your cooperation is appreciated,
Assenna
Keren December 11, 2015
Teclay, that was the best response to his question.
Dergi was indeed very evil. How many Eritrean peasants and students did the Gerdi round up – Giffa – to its National Slavery or Hagerawi Tsawiet from the towns and villages of Eritrea? More that half a million?
How many prisons and dungeons did the Gerdi build in Eritrea? The last count of known and confirmed jails recorded by eye witnesses were more 350! The unkown-knowns, only Maryam knows them.
How many industries and factories did the Dergi close or dismantle? There is no single factory that works in Eritrea, except the Asmara Beer Factory.
Keren December 11, 2015
… 2
How many languages and books did the Gerdi burn down to prevent Eritreans from using their own languages? I am surprised why the Dergi opened a language institute in the 1980s in Asmara University to study the Tigrinya and Tigre languages. (by the way, the dear Amanuel Sahle was one of the top researchers there that gave birth to the most advanced Tigrinya and Tigre dictionaries now).
How many university did Eritrea had under the Dergi? Only one!
How many Eritreans did the Gerdi sell to Arab Rashaiada and Bedounes? How many Eritreans were kidnapped by the Sudanese under Dergi? How would have Mengistu reacted to the Sudanese for the rape and slavery of Eritreans and Habeshas?
Oh! I confirm to you the Dergi was the most evil of all evils in the Arab world.
soli December 12, 2015
Great Haile Simon
ተስፋ December 12, 2015
ይገርም ኢዩ ተጋደልቲ ኢዮም ጠንቂ ናዚኹሉ ሳዕቤን ተሓተቲ ኢልካ ምኹናን ጥዑይ ኣእምሮ እንዳተሳእነ ዝኽየድ ዘሎ ኾይኑ ይስምዓኒ።
በቲ ኻልእ ጸላኢኻን ፈታዊኻን ምልላይ ዝጸገሞም ዕሸላዊ ዕድመ ዝጾሩን ዝሓስቡን ኣለዉ።
ነዚ ሓድሽ ጉሓፍ ፖለቲካ ዘሳሲ ባዕሉ እቲ ስርዓት( ስርዓት ክትብሎውን ዘጸግም) ድሕር ከምዘይብል ርጉጽ ኢዩ።
ብዘካዚ ቀደም ዝጠፈሹ ኣብ ዕንክሊል ዝነብሩ ህዝባዊ ግንባር እንተሰሚዖም ዝብህርሩ ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ ከምዘለዉ ምስትውዓል የድሊ።
ንኺድ ጥራይ ወድሓንኩም።