Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ። ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም ብስቱር ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝስልሉ ሃሱሳት ከምዘለዉ ድማ ናይ ደባባይ ምስጢር እዩ። ይኹን ‘ምበር ብደለይቲ ለውጢ ንምቅልዖም ከምቲ ዝድለ ዕቱብ ምንቅስቓስ ስለዘይተገብረ፣ እቶም ሃሱሳት ኣብ ነቓዓት ደምበ ተቓውሞ ተቐርቂሮም መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም እኩይ ውዲታዊ ስርሖም የሳልጡ ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኣቶም፣ ካብ ኤርትራ ብምኽንያት ሕክምና በቲ ስርዓት ናብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጻእ ኣብ ከተማ ሚላኖ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብ ስዊዘርላንድ ግዒዙ ዑቕባ ብምሕታት ከም ሰላዪ ናይቲ ስርዓት ሃሱሳዊ ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ፣ ተጋዳላይ ነበር ስንኩል ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) እዩ።

እቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ስለያዊ ንጥፍታት ንምክያድ መታን ክጥዕሞ ብሓገዝ ናይቲ ስርዓት ናይ ቴለፎን ማእከል (Phone Centre) ዝኸፈተሉ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰሊኹ ስለያዊ ስርሓት ንኸካይድ ክእመን ምእንቲ ወከልቲ ህግደፍ ንይምሰል ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ ኣኼባኦም ከምዝስጎግ ገይሮሞ ነይሮም።

ስድርኡ ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ብምሕላፍ ድማ፣ ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ንኽስልን ንኽዘርግን ብቑዕ ዓቕሚ ከምዘለዎስለዝተኣምነሉ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ሚላኖ ናብ ስዊዘርላንድ ሰጊሩ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሉዛን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ፣ ኣብ ዘድልዮ ግዜ ከም ሓዋላይ ኮይኑ እናሰርሐ ይቕመጥ ኣሎ።

ተኽልዝጊ ዑቕባልደት ዋላ ምስ ሰይጣን ከተዓራረኽ ዝኽእል ባህርያት ስለዘለዎ እዮም ሓለፍቲ ስለያ ህግደፍ መሪጾሞ። በዚ ድማ፣ ፈለማ ኣብ ዓዲ ጥልያን ደሓር ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ዝምድና መስሪቱ ስለያዊ ስርሓቱ ከካይድ ጸኒሑ።

ተቓዋማይ መሲሉ ንኽርአ ዝጥቀመሉ ሜላታት፣ ገንዘባዊ ወፍያ ምግባር፣ ሓበሬታ ምቕባል ክኸውን ከሎ፣ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዓሚ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ውን ተሳቲፉ። እዚ ንነብሱ ማዕረ ኣማኻሪ ሰሪዑ ኣብ ብዙሓት ውድባት ዝነጥፍ ሰብ፣ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ቅድሚ ኹሉ ዘቕርቦ ቅድመ ኩነት ስሙ ክሕብኣሉ ምድላዩ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ደምበ ተቓውሞ ብጋህዲ ከምዘይሳተፍ ክሕተት ከሎ ድማ፣ ወረቐት ስለዘይብለይ ህግደፍ ከይሕሱዉለይ ኢለ እየ ዝብል ዕባራ መልሲ እዩ ዘቕርብ።

ንሱ ብኣተኵሮ ዝምእርሮ ጉዳያት እዋናዊ ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ ፣ መደባት ተቓወምቲ ውድባትን ባእታታትን ካብ ቀንዲ ምንጪ ምርካብ፣ ርክባትን ኩነታትን ደምበ ተቓወምቲ ብምጽናዕ ዝበታትተኑሉ መንቅታት ምፍታሽን እዩ።

ንተኽለዝጊ ዑቕባ ልደት ሰላዪ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ንዝነበረ ጥርጣር ኣራጕዱ መጽናዕቲ ክካየደሉ ዘበገሰ ቀንዲ ምኽንያት ግን፣ ምስታ ናጽነት ተኽለ ዝተባህለት፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ከላ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበረት፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤትፍርዲ ተመዲባ ዝሰርሐት ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከባቢ በርን እትነበር ሓንቲ ካብ ቀንዲ ዕሉላት ሰለይቲ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ጥቡቕ ርከብ እዩ።

እታ ከምኡ ኣካለ ጎዶሎ ዝኾነት ሰላዪት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናጽነት፣ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ከም ሰላዪ ክውደብ ዝተፈተነ ነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ብዛዕባ ኣወዳድባኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ምቅላዕ ቀንዲ ማእከል ሓበሬታ ስለያዊ ንጥፈታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ኤውሮጳ ምዃና ኣጋሊጹዋ ዝነበረት ሃሱስ እያ።

እቲ ካብ ዓዲ ጥልያን ኣትሒዙ ደጋፊ ራድዮ ኣሰና ተመሲሉ ገንዘባዊ ሓገዛት ብምግባር ምስ ኣሰና ርከብ ዝመስረተ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ንኣባላት ኣሰና ዝሃበና ዜናዊ ሓበሬታታት ከነረጋግጾ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ተደጋጋሚ ግዜ ሓሶት ኮይኑ ምስ ተረኽበ ‘ሞ ምንጩ ምስ ሓተሓተትናዮ ብመንገዲ ናጽነት ከምዝረኸቦ፣ ንሳ ድማ ተቓዋሚት ከምዝኾነት ይገልጽ ነይሩ። ሓቀኛ ኩነታት ናጽነት ንህዝቢ ምስ ተቐልዐ ብቐጥታ ንዕኡ ኣብ ምጽናዕ ኣቲና ምስኡ ዝነበረና ርክብ ምስ በተኽና ግን ክሻቐል ጀሚሩ።

ኣቐዲሙ፣ ንሱ በቲ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ከምዝጠርጠርናዮ ኣብ ዝሰግኣሉ እዋን፣ ኣንጻር እቲ ስርዓት ምዃኑ ዳግም ምትእምማን ንኸሕድር ስሙ ሓቢኡ ነቲ ስርዓት ዝወቅስ ግጥምታትን ካልእ ጽሑፋትን ብሚድያ ክዝርግሓሉ ጻዕርታት ክገብር ጀሚሩ።

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት ብሓቂ በቲ ስርዓት ንስለያዊ ስራሕ ዝተዋፈረ መጋበርያ ምዃኑ ዘረጋገጹልና ምንጭታት፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ዝኸፍኡ ቫይረስ ናይቲ ስርዓት እዩ ክብሉ ገሊጾሞ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፣ ምስ ሰባት ናይ ምቕራብ ዲፕሎምስያዊ ክእለት ዘለዎ ከምቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ምስ ሸይጣን ከይተረፈ ክተዓራረኽ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ እዩ።

በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ከም ደላዪ ለውጢ ዝኣመኑዎ ደለይቲ ፍትሒ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ ብዓልቲ ቤቱ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝዓረፈትሉ ግዜ፣ መኪና መሊኦም ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ስዊዘርላድ በጺሖም ደቢሶሞ።

ንኸምስል ቀደም ኣብ ዓዲ ጥልያን ህግደፍ ተቓዋማይ ኢሎም ሓዘን ካብ ምብጻሕ ከልኪሎምኒ ይብል ኳ እንተነበረ፣ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ቀንዲ በጻሕቱን ኣጆኻ ብሃልቱን ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ደገፍትን እዮም ነይሮም።

ብዘይካ ‘ዚ ተኽልዝጊ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዝርከብ፣ ሓዉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበር፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎ ቀንዲ ሰላዪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሃሱስ ቀጻሊ ርከብ ከምዘለዎ ‘ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ቀንዲ ነዚ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክንዝርግሖ ዘገደሰና ምኽንያት፣ ብቐንዱ እቶም ኣሚኖሞ ካብኡ ሓበሬታ ዝቕበሉን ንሱ ካብኣቶም ሓበሬታ ዝወስደሎምን ሓለፍትን ኣገደስቲ ሰባትን ደምበ ተቓውሞ ነቲ ኩነታት ፈሊጦም ክጥንቀቑ፣ ከምኡ ‘ውን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃሱሳት ኣብ ፈቐዳ ሃገራት በቲ ስርዓት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብኣብነት ንምርኣይን እዩ።

demo.archive.assenna.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
55 COMMENTS
  • dawit April 11, 2016

    Hiji tfeltiwo alekum wediokbaldet 1994 halafi sileya ab orphan college godayf eyu neru abiu buzuh seb b sileyawi merbeb geru kabti college zebarerom yimeskiru

  • Amanuel April 11, 2016

    We know each other in our community. So no matter how hard they try they can not hide from us. But identifying them and turning their life upside down are two d/t things. They have the right to support the dictator but do not have the right to violate directly or indirectly the rights of others. Present or absent this will not stop the grass root movement and more importantly will not save the rotting dictatorial regime. It has so far achieved nothing and will vanish like the Derg soon. Will sing that a lot was achieved in 25 yrs what we call it” self administered psychological therapy” or ” defense mechanism~ we could have achived a lot if it was not for the UN sanction, when the only achievement in a quarter of a century was drying up of the tap water that always supplied water to house hold in the capital city that is now looking like embaderho.

    • Gezae April 17, 2016

      FEKERA SHIROS TOK TOK BELA ADEY GHERIA.

  • AHMED SALEH !!! April 12, 2016

    Deleyti fithi must take vigilant respond against individuals under opposition banner who start to speak offensive anti Eritrean rhetoric
    purposely used to defame opposition reputation . HGDF SELEYA has been experienced agency in controlling people under shadow of fear . Last
    time ASSENNA warned listeners about their plan to fight against any
    Eritrean opposition movement in diaspora . And to expose secret agents can help us avoid from becoming victims of reckless approach .

  • ahmed salih April 12, 2016

    Ezi dea emo felut endiu sha3biyaa kemu kemtigber. Hiji win abzen 30 deyen partitat biwehdu 2 parti nay hegdef eyen. …wedehankum

    • AHMED SALEH !!! April 12, 2016

      Thanks for your respond but honestly I do not trust you , sorry .

  • Tes April 12, 2016

    Thanks assenna for being bold and expose the wicked. This man is disgrace. Deleti fithi in swiz should find way to hand him to authority and send him to where is belong. What a crook!

  • k.tewolde April 12, 2016

    When all this dust settles down,and the fog clears up, where does the rest of the Eritrean people fit in this picture? I am talking about the Afari,the Bilenai, the Hidarbai, the Kunama, the Hadedewa, the rashaida, the Beniaamrai……..It makes me wonder. Is this segment of our population simply will accept the solution that was imposed on them by the loudest tigrigna speaking fellow citizen? Think about it.

  • ወዲ ጥሮታ፡ April 12, 2016

    መድረኽ መንነት፡
    ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ካብ ዝቐረበ ደም ዘንብዕ ዜና ንብዓት ክንቛደስ ከምዝቐነና ንዝክር። “መንእሰያትና ኣብ ኣስመራ ብጥይት ህግደፍ ተዘልዒፎም” ዝብል ዜና ሓደ ኮይኑ ኣስዒቡ “ርብዒ ዘመነ ናጽነትዶ ባርነት?” ኣብ ዝብል መደብ ኣሰና ብስንኩላን ዝቐረበ ነብስኻ ዘሕትትን ዘንዕቕን ሓተታ ቀሪቡ። ኣብኡ ስንኩላን ብምንም ተኣምር ንዓዖም ዘይምልከት ክንሱ ስለ’ቲ ንቡር ንህዝቦም ይቕረታ ክሓቱ ተሰሚዖም። ዝሰዓበ ታሪኽ ድማ ንመንነት ስንኩል ተኽልዝጊ ዑቕባልደት ዝቐልዕ ዜና ተኾዲሙ እንሆ።
    “ስንኩልከ መሳርሒ ህግደፍ ይኸውን ዲዩ?” ኢልኩም ከምትዕዘሙ እርዳኣኒ። “ማህጸን ኣደስ ጉራጉራ” ከምዝባሃል ብወገነይ “እወ ይኸውን” ክብለኩም እንከለኹ ብቀንዱ ባህሪ ፖለቲካ ከምኡ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ኢየ። ፖለቲካ ሕውነት ኣይዓጦ ትውልዲ። ኣውራጃ ኣይድርቶ ሃይማኖት። ኤርትራውያን ክንሶም ኣንድነታዊ ባንዴራ ተሰኪሞም ክመጽኹም ክትልምንዎም እምበር ኣስናኖም ከምዘይትድህምጽዎም ስለዝተኣማመኑ ዝቐደመ ከይከፍኦም ሕልናኦም ሸይጦም ዶላሮም ምእካብ መሪጾም። ብፖለቲካ የማነ ፍሻለ’ውን ድሮ ኩሉ ነገር፡ “ነገር እንጀራ” ምዃኑ ተማሂሮም ስለዝረዓምዎ፡ “ዓቢ ዓሳ ንንእሽቶ ዓሳ እንተወሓጦስ እንታይ ጌጋ ኣለዎ?” በሃልቲ ኢዮም። በቲ ካልእ ድማ ከምቲ “ማህጸን ኣደስ ጉራጉራ” ዝበልኩዎ “እንጀራ እንድዩ” ብዝብል ምስምስ ካብ ውሽጢ ስንኩላን ንእኪት ዝተኸትቡ ከዳዓት ኣለዉ። ተቓወምቲ ክመስሉ ምእንቲ ከኣ ዘይተገብረ ጻዕሪ የለን።
    እቲ ማሕበር ኣብ ጀልሃንቲ ምስ ቆመ 12 ስንኩላን (ሓንቲ ካብኦም ጓለንስተይቲ) ቀዳሞት ኣባላት ሰልፊ ነይሮም። እናሓደሩ “ኣብ ቦታኹም ተሓጺኹም ኔርኩም” እናተባህሉ መጠኖም ወሰኸ። ብኡ መጠን ድማ ኣብ ውሽጢ ስንኩላን መርበብ ስለያ ክሕደትን ጥልመትን ተዘርግሐ። ትዝክሩ ትኾኑ ብስም ‘ምንቅስቓስ’ ተጠቂኑ ዝበርዓነ ተቓውሞ ንስምረት ክልቲኡ ውዳባትን ክሳብ ሳበ’ውን ከይተረፈን ዝዓለመ ዱቛ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ነይርዎ። ኢሳይያስ ድማ ስንኩላን ክመጾም ሓቲቶም ዘዘባዘብዎ ቀዳሞት ምዑታት ተጋደልቲ ብምዃኖም ንሓዋሩ’ውን ከምዘየደቅስዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።
    ናጽነት ምስ መጸት ንምንታይ ስንኩላን ኣብ መዓሙቕ ማይ ሓባር ከምዝእከቡ ከምተገብረ ድሒርና ክንሪኦ ኢና። ስንኩላን ኣኢሳይያስ ክመጾም ሓቲቶም ምስተነጽጉ ኣስመራ ከይዶም ድምጾም ከስምዑ ምስወጠኑ፡ ድሮ ንቕሎ ናብ ኣስመራ ድማ ካብ ውሽጦም ተወዲቦም ዝጸንሑ ብለይቱ መሊቖም ኣስመራ ብምእታው ሓበሪታ ዘቕረቡ ነይሮም። ከም ዋጋ ጥልመቶም’ውን ጸኒሖም ወርቅን-ጨርቅን ከምዝኾኑ እፈልጥ ኣነ።
    ኩሉ ይጽናሕ፡ ናይ ሎሚ ኣብነትና ብዛዕባ ወዲ ዑቕባልደት ዝቐረበ መጽናዕትን መዛዘምን ኢዩ። እዚ ስራሕ’ዚ ድርኩኺት’ምበር ውሽጡስ ገና ጉድ ኣሎ። እሞ በቲ ሓደ ብሃገሮምን ብህዝቦምን ዘእውዩ ስንኩላት እንተርኢኹም፡ በቲ ካልእ ስንኩላን ክንሶም ቀንዲ መሳርሒ ህግደፍ ክትርእዩ ንቡር ነገር ምዃኑ ምጥቃሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ደጊመ እቲ መፈንጠርያን መኻልፍን ህግደፍ ዝበታተኸሉ እዋን ብምብጻሕና ገና ብዝተፈላለየ ምኽንያት መጺኦም ዘገልግሉ ሓደገኛታት ከዳዓት ከምዘለዉ ክእምት እፈቱ። እንተኾነስ ኩሉ ነገር ብሓንቲ ጸሓይ ክኸውን እንተዘይተመነኹሞ እበልጽ። እንተ’ቶም ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ብውሕልነት ከተጽንዑ ዝጸናሕኩምን ዘቃላሕኩምን ብጾት’ሞ ኣድናቖተይ ወሰን የብሉን። ዝተርፍ ናይ መድረኽ መንነት ቃልሲ ድማ ብጭብጢ ንጫበጠሉ እዋን ከምዝህልወና ብፍጹም ኣይጠራጠረሉን ብወገነይ። እንተ’ቶም ዘይወግሕ መሲልዎም ኣብ ባኹራ ዝድኩዕዎ’ሞ ይፈርስዎ ግደፍዎም!!!
    ወዲ ጥሮታ፡

    • kongen April 12, 2016

      Hi kab bzuk mlflaf bnay Teklezghi wegen ke semigkado? Amanuel ezi sdi nay galawi neger slezelewa n Teklezghi shm n mkfae zgebero eyo. N negeru Assenna kab meas ke heqi tezaribom efeltu

  • tsegay April 12, 2016

    zereba 2 keysemaeka aytifred eiu emo
    melsi natu kae kinsemiE

  • abi goitom April 12, 2016

    izi tsihuf assena baila zeregagetseto dia welas wilke sebat tsihafuwo iyom.ane bealey kab zirekebkiwo mealti atriru neti siriat kem zikawem iyu zizareb. nay wilke sebat tsilie key kewun biumket miriayu zihashe yimesleni.

    • menkabmen April 12, 2016

      Aye eritrewiyan dma abzeykown kithleku trah bnebsukum ante zimesakum smi geru gah ms abeleka weyley hakom eyom assenaa aszi wedi selayu eyu mbelka nerka higi gn zeysnka hisa kortumelu andiyu wela tnfer teal eya eyu nay abi giotom neger.

      HGEF kumter belu hade abi dfaa ferisukum aklukum sebibukum alo higi kitkalakelu aytfetnu. geana atom mesarhtun kalotnn dma matom keribu eyu zimesl.

      Deleyti fthi kinawet ena
      ajokum ajona

      wedket nhgefn seleytun!!!!!!!!!!

  • TRUTH April 12, 2016

    Dear Amanuel! thanks for sharing the information,but this is something which realy is hard to believe. us an media outlet you should come out with more concrete evidence,you are offering nothing her, plz come up with more EVIDENCE and FACTS then we can judge. with what you have wrote about him you are risking your self and your website us a trust worthy media outleT and going down in history of fighting against the dictator ISAIAS.from someone who knows wedi Ogbaldet very well.
    wdqet n isaiasn degeftun.

    • menkem April 12, 2016

      Truth, you must read the story again .I think assena has given enough explanation for the reason why they gave him a title spy. But as we have seen this days people doesn’t want to believe what is in the ground . For Eritrea people to say essayss is detector took more than 10 years , even-though the misery of our beloved country is happening in front of our eyes. Eritrean, we need to wake up and lets be up-to-date .

      • TRUTH April 13, 2016

        hi Menkem!i did read the article and thats why i asked Amanuel to be more specific.the reason Assena gaveus her that only wedi Ogbaldet had a good realation with Senayt! but sorry this is not enough for me to label him us a spy of HGDEF!how many times did we witness that because of personal dissagrement people to be called spies and traitors? and to tell you the truth Amanuel is accusing wedi Ogbaldet because of thier disagreement on different polotical issues!! and this is very sad, beacuase Amanuel is acting like a dictator, and abusing his only power by spreading false news about wedi Ogbaldet. i hope you didnot forget it ,but if you do! remmember in 2001 when Isaias accused the G-15 of being traitors and Spies working for Weyane and USA and the people accepted the accusation with out asking what realy happened and led to the birth of THE WORST DICTATOR THE WORLD HAVE EVER SEEN .and her in Assenna we are wittnesing the same crime against innocent person.If we Eritreans did not start to ask questions and judge from two sides it wouldnot take time to see us being perished us a nation and us people with identity.Amanuel may call him self a freedom fighter, but one who fights for freedom should act this way, and this is not the first time he is accusing people from the opposition party us being spies for the regime.to conclude my comment am just asking everyone to stop being emotional.thanks and waiting for your reply ,BTW wedi Ogbaldet will adress this issue sonn stay tuned.from someone who knows wedi Ogbaldet.

POST A COMMENT