Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ። ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም ብስቱር ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝስልሉ ሃሱሳት ከምዘለዉ ድማ ናይ ደባባይ ምስጢር እዩ። ይኹን ‘ምበር ብደለይቲ ለውጢ ንምቅልዖም ከምቲ ዝድለ ዕቱብ ምንቅስቓስ ስለዘይተገብረ፣ እቶም ሃሱሳት ኣብ ነቓዓት ደምበ ተቓውሞ ተቐርቂሮም መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም እኩይ ውዲታዊ ስርሖም የሳልጡ ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኣቶም፣ ካብ ኤርትራ ብምኽንያት ሕክምና በቲ ስርዓት ናብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጻእ ኣብ ከተማ ሚላኖ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብ ስዊዘርላንድ ግዒዙ ዑቕባ ብምሕታት ከም ሰላዪ ናይቲ ስርዓት ሃሱሳዊ ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ፣ ተጋዳላይ ነበር ስንኩል ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) እዩ።

እቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ስለያዊ ንጥፍታት ንምክያድ መታን ክጥዕሞ ብሓገዝ ናይቲ ስርዓት ናይ ቴለፎን ማእከል (Phone Centre) ዝኸፈተሉ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰሊኹ ስለያዊ ስርሓት ንኸካይድ ክእመን ምእንቲ ወከልቲ ህግደፍ ንይምሰል ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ ኣኼባኦም ከምዝስጎግ ገይሮሞ ነይሮም።

ስድርኡ ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ብምሕላፍ ድማ፣ ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ንኽስልን ንኽዘርግን ብቑዕ ዓቕሚ ከምዘለዎስለዝተኣምነሉ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ሚላኖ ናብ ስዊዘርላንድ ሰጊሩ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሉዛን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ፣ ኣብ ዘድልዮ ግዜ ከም ሓዋላይ ኮይኑ እናሰርሐ ይቕመጥ ኣሎ።

ተኽልዝጊ ዑቕባልደት ዋላ ምስ ሰይጣን ከተዓራረኽ ዝኽእል ባህርያት ስለዘለዎ እዮም ሓለፍቲ ስለያ ህግደፍ መሪጾሞ። በዚ ድማ፣ ፈለማ ኣብ ዓዲ ጥልያን ደሓር ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ዝምድና መስሪቱ ስለያዊ ስርሓቱ ከካይድ ጸኒሑ።

ተቓዋማይ መሲሉ ንኽርአ ዝጥቀመሉ ሜላታት፣ ገንዘባዊ ወፍያ ምግባር፣ ሓበሬታ ምቕባል ክኸውን ከሎ፣ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዓሚ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ውን ተሳቲፉ። እዚ ንነብሱ ማዕረ ኣማኻሪ ሰሪዑ ኣብ ብዙሓት ውድባት ዝነጥፍ ሰብ፣ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ቅድሚ ኹሉ ዘቕርቦ ቅድመ ኩነት ስሙ ክሕብኣሉ ምድላዩ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ደምበ ተቓውሞ ብጋህዲ ከምዘይሳተፍ ክሕተት ከሎ ድማ፣ ወረቐት ስለዘይብለይ ህግደፍ ከይሕሱዉለይ ኢለ እየ ዝብል ዕባራ መልሲ እዩ ዘቕርብ።

ንሱ ብኣተኵሮ ዝምእርሮ ጉዳያት እዋናዊ ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ ፣ መደባት ተቓወምቲ ውድባትን ባእታታትን ካብ ቀንዲ ምንጪ ምርካብ፣ ርክባትን ኩነታትን ደምበ ተቓወምቲ ብምጽናዕ ዝበታትተኑሉ መንቅታት ምፍታሽን እዩ።

ንተኽለዝጊ ዑቕባ ልደት ሰላዪ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ንዝነበረ ጥርጣር ኣራጕዱ መጽናዕቲ ክካየደሉ ዘበገሰ ቀንዲ ምኽንያት ግን፣ ምስታ ናጽነት ተኽለ ዝተባህለት፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ከላ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበረት፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤትፍርዲ ተመዲባ ዝሰርሐት ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከባቢ በርን እትነበር ሓንቲ ካብ ቀንዲ ዕሉላት ሰለይቲ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ጥቡቕ ርከብ እዩ።

እታ ከምኡ ኣካለ ጎዶሎ ዝኾነት ሰላዪት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናጽነት፣ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ከም ሰላዪ ክውደብ ዝተፈተነ ነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ብዛዕባ ኣወዳድባኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ምቅላዕ ቀንዲ ማእከል ሓበሬታ ስለያዊ ንጥፈታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ኤውሮጳ ምዃና ኣጋሊጹዋ ዝነበረት ሃሱስ እያ።

እቲ ካብ ዓዲ ጥልያን ኣትሒዙ ደጋፊ ራድዮ ኣሰና ተመሲሉ ገንዘባዊ ሓገዛት ብምግባር ምስ ኣሰና ርከብ ዝመስረተ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ንኣባላት ኣሰና ዝሃበና ዜናዊ ሓበሬታታት ከነረጋግጾ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ተደጋጋሚ ግዜ ሓሶት ኮይኑ ምስ ተረኽበ ‘ሞ ምንጩ ምስ ሓተሓተትናዮ ብመንገዲ ናጽነት ከምዝረኸቦ፣ ንሳ ድማ ተቓዋሚት ከምዝኾነት ይገልጽ ነይሩ። ሓቀኛ ኩነታት ናጽነት ንህዝቢ ምስ ተቐልዐ ብቐጥታ ንዕኡ ኣብ ምጽናዕ ኣቲና ምስኡ ዝነበረና ርክብ ምስ በተኽና ግን ክሻቐል ጀሚሩ።

ኣቐዲሙ፣ ንሱ በቲ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ከምዝጠርጠርናዮ ኣብ ዝሰግኣሉ እዋን፣ ኣንጻር እቲ ስርዓት ምዃኑ ዳግም ምትእምማን ንኸሕድር ስሙ ሓቢኡ ነቲ ስርዓት ዝወቅስ ግጥምታትን ካልእ ጽሑፋትን ብሚድያ ክዝርግሓሉ ጻዕርታት ክገብር ጀሚሩ።

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት ብሓቂ በቲ ስርዓት ንስለያዊ ስራሕ ዝተዋፈረ መጋበርያ ምዃኑ ዘረጋገጹልና ምንጭታት፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ዝኸፍኡ ቫይረስ ናይቲ ስርዓት እዩ ክብሉ ገሊጾሞ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፣ ምስ ሰባት ናይ ምቕራብ ዲፕሎምስያዊ ክእለት ዘለዎ ከምቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ምስ ሸይጣን ከይተረፈ ክተዓራረኽ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ እዩ።

በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ከም ደላዪ ለውጢ ዝኣመኑዎ ደለይቲ ፍትሒ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ ብዓልቲ ቤቱ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝዓረፈትሉ ግዜ፣ መኪና መሊኦም ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ስዊዘርላድ በጺሖም ደቢሶሞ።

ንኸምስል ቀደም ኣብ ዓዲ ጥልያን ህግደፍ ተቓዋማይ ኢሎም ሓዘን ካብ ምብጻሕ ከልኪሎምኒ ይብል ኳ እንተነበረ፣ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ቀንዲ በጻሕቱን ኣጆኻ ብሃልቱን ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ደገፍትን እዮም ነይሮም።

ብዘይካ ‘ዚ ተኽልዝጊ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዝርከብ፣ ሓዉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበር፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎ ቀንዲ ሰላዪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሃሱስ ቀጻሊ ርከብ ከምዘለዎ ‘ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ቀንዲ ነዚ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክንዝርግሖ ዘገደሰና ምኽንያት፣ ብቐንዱ እቶም ኣሚኖሞ ካብኡ ሓበሬታ ዝቕበሉን ንሱ ካብኣቶም ሓበሬታ ዝወስደሎምን ሓለፍትን ኣገደስቲ ሰባትን ደምበ ተቓውሞ ነቲ ኩነታት ፈሊጦም ክጥንቀቑ፣ ከምኡ ‘ውን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃሱሳት ኣብ ፈቐዳ ሃገራት በቲ ስርዓት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብኣብነት ንምርኣይን እዩ።

demo.archive.assenna.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
55 COMMENTS
  • Berhe April 11, 2016

    አሰና ፈዳኢት ሕነ ኤትርታዊያን ፣ አዞም ወረበላታትት ከም ወዲ ዑዋልደት አይንፍለጥን እና እሎም ህዝቦም አንዳ ሃለቄ ምስ መንግስቲ ኮኢኖም ሐኽለ ዚበልዑ ሃሱሳት ጌና ጉዶም ኪወጽ ኢዪ ።

    ኣጆኩም ድቀ እረይ ኪንኣወት እና!!!

    ህገድፍ መንደፍ ምስ ሰለይቱ አብ ማይበላ ኪግሃፍ ቄሪቡ እዩ !!!

  • Ruth Kidane April 11, 2016

    Is this Telezghi from Harien, Mereta KeyiH?

    • Negash April 12, 2016

      Hi Ruth. No he is most likely from Serejeka.

  • Zerai Tecle April 11, 2016

    Dear Assenna,
    Thank you for the info. Justice seekers in SZ it is up to you how to make his life miserable not worth living. I would say it is time justice seekers take action!

  • Mokie April 11, 2016

    There is no doubt, Higdef agents are active everywhere Eritreans live.
    Higdef’s most important and effective strategy seem to be infiltrating the opposition camp and creating mistrust among different groups.
    In Europe they use regionalism … Hamasien, Seraye, Akele, Metahit, Kebessa,
    while in Middle Eastern countries they use religion.
    Many of those suspected of being Higdef agents are ladies who use they Party’s Women’s Union (Hagherawi Maxber Deki Anistiyo) as a cover umbrella, others are people who pose as haters of the regime.

    How to identify a mole:

    1. They spread divisive political views stealthily.
    2. They frustrate any attempt to reach consensus, in meetings.
    3. They are mostly people with mercurial character (you never know their true stand)
    4. They may have a job that could be just a cover (check it)
    5. They make frequent travels (to meet their handlers)
    6. They could be highly disciplined (no women, wine .. etc in public)
    7. They may be pushing others to do what whey want, while they try to appear unconcerned.
    8. To weaken a group they target potential leaders that may unite them.
    9. They are godless, every means is legal to accomplish a mission, even if in the processes innocent people are harmed.
    10. Small pieces of information from different sources, when put together, the dots connected, a clear picture may emerge, that shows she or he is a spy.

    • Yebio April 11, 2016

      Mokie,
      You are also a certified under-cover agent for the taliban and mujahadean operating from your Libya desert headquarters. As the Chinese would say, “a snake remains snaky even after crawling through a bamboo”, simply you and your likes always remain untrustworthy snakes in our beautiful Eritrea.

  • Zion April 11, 2016

    This is really important article. Every eritrean specially those who care about the saftey and prosperity of our beloved people should know and act on it from now. Because movement or struggle should be free of peoples like Teklezghi and if we know how to make a case against them which can make them deported or mentally isolated. We should work on that. There is no way we can overthrow the dictator and his regime if we have those infiltrators are among us.

    Thank you.

  • Miriam Yacob April 11, 2016

    ሓጻር መልእኽቲ ንዶክቶር ምሕረትኣብ ገብርሂወት (Chicago)
    ይቕረታ ድማ ንዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ።

    ዝኸበርካ ዶክቶር ምሕረትኣብ ገብረሂወት።
    ብመጀመሪያ ሰላምን ጥዕናን ነዓኻ፤ ንበዓልቲ ቤትካ፡ ንድቕኻን ንዞማታትካን ይምነየልካ።
    ምሳኻ ፍልጠተይ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኢዩ። ኣብ ሰብዓታት በብግዜኡ ኪንራኸብ ከሎና ብዛዕባ ሀገር ዝነበረካ ስምዒትን ተገዳስነት ኣዝዩ ዚለዓለ ምንባሩ ይዝከረኒ። ኣባኻ ዚነበረኒ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ድማ ኣዚዩ ልዑል እዩ ኔሩ። ትምህርትኻ ብናይ ቲዮሎጂ (ቅሽነት) ስለዝነበረ ድማ ብሞራል ኩሉ ጊዜ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ትርከብ ኔርካ። በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ኣዋልድን ዚኾንካ ሕጉስ ናብራ ከምዘሎካ እየ ዚፈልጥ። ፈቃርን ፈታዊ ስድራኡን ስለ ዚኾንካ ድማ ንዞማታትካ ኩሎም (ዳኒኤል፡ ክብረኣብ፡ መስፍን፡ ዳዊት፡ ኖህ) በብሓደ ናብ እዚ ዓዲ ኣምጺእካዮም። ደቅኻ ዓወት፤ ስምረትን እምነትን ጸለምቲ ኣመሪካውያን (African Americans) ተመርዕየን ጽቡቕ ሓዳር ከም ዘለወን ኢሰምዕ። ኣብ ናይ መነን መኻኑ ኣይዝክርን እምበር ኣብ ናይ ሓዲኤን መርዓ እውን ተኻፊለ ኔረ።
    ሕጂ እዛ መልእኽቲ ክጽሕፈልካ ዚገደደኒ ምኽንያት፡ ብመጀመሪያ፡ ቃለ መሕትት ናይ ዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ኣብ “ሂወትና” ዚብል ናይ ኣሰና ፕሮግራም ምስ ሰማዕኩ ቀጺለ ድማ በዓል ነጻነት ኣብ ከተማ ሽካጎ ኢልካ ዚጸሓፍካዮ መልእኽቲ ምስ ኣንበብኩ እየ። ክሳብ ሕጂ ዘይመጽሓፍየይ ድማ እቲ ዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ከምዘሎዎ ክሓትት ስለ ዚደለኹ ኢየ። ንዶክቶር ኣርኣያ ኣይፈልጦን እየ። እንተኾነ ግን ንሱ ሓደ ካብቶም G13 ምንባሩ ከይተረዳኣኒ ብኪቱር ስሚዒት ኣብ ልዕለኡ ጽቡቕ ኣረኣያ ኣይነበረንን።
    ንእግሪ መንገደይ ግን ብመጀመሪያ ንዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ይቕረታ ኪሓትት ይፈቱ። በቲ ንሃገርና ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ድማ ኤመስግኖ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ኪሰርሕ እየ ጥራይ ምባሉ ዘይኮነስ ንጌጋታት እውን ኪእርም ፈቲኑ። ኣነ ግን ብፍላይ እታ ኣብ ጊዜ ኩናት እተጻሕፈት ብናይ በርሊን ማነፈስቶ እትጽዋዕ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩ ብክቱር ስሚዒት ጸሊኤዮ ኔረ። ሕጂ ግን ጊዜ እንዳ ሓለፈ ምስ ከደ፤ ኩነታት ምስ በረሀ ኩሉ እቲ ዚጸሓፉዎ ቅኑዕ ምኻኑ ተረዲኤዮ። ደጊመ ድማ ይቕረታ ክሕቶ ይደሊ።
    ናብ ዶክቶር ምሕረትኣብ ክምለስ፡
    ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ሀገርና ናብ ሕማቕ ኩነታት ኪትክይድ ርኢና። ክሳብ 2001፤ ዋላ እካ ሃገርና ኣብ ውግእ ትንበር፡ ኩላትና (ኣብ ውሽጢ ሀገርን ኣብ ወጻኢ ዚነበርናን) ሓቢርና መኪትና። ብድሕሪኡ ግን ዓመት ዓመት ኩነታት እንዳ ከፍኤ ከምዝኸደ ንኩሉና ብሩህ እዩ ኔሩ። መርሒና ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ስልጣን እንዳገበተን ከደ። ንብጾቱ ከሓደ። ናብራ እንዳ ከፈኤ ከደ። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ኣደታትና ጠምየን፡ ኣቦታትና ዝሕግዞም ሲኢኖም ደቕና ብብዝሒ ተሰዲዶም። ገሊኦም ኩሊቶም ተመንዚዖም፡ ገሊኤን ክብረተን ተደፊረን፡ ገሊኤን ኣብ ቀላይ ሓሪሰን። ትማሊ ትማሊ ድማ ቆልዑ ኣብ ማእከል ኣስመራ ተመንጢሎም። ዶክቶር ምሕረትኣብ እዚ እንዳረኣኻ እንታይ ኮንካ ጨኪንካ? ኣቦ ሰለስተ ኣዋልድ እንዶ ኣይኮንካን? ንስኻ ሎሚ ዓገብ ምበልካ ኢምበር ንስኻዶ ሎሚ ንጋይላ ምተቃራረብካ? እስኪ ንነብስኻ ኣብ ቦታ ናይ ዞም ዝተጎድኡ ስድራ ቤት ግበራ። ካብተን ደቅኻ ሓንቲኤን ማለት ዓወት ስምረት ወይ እምነት እንተ ዝምንጠላስ ንሳዕስዒት ምኸድካዶ? እዞም ደቆም ሲኢኖም ዘሎዉ ስድራቤታት ከማኻ ደቆም ከምዝፈትዉዎም ትዝንግዕ ኣይመስለንን። እዚ እንዳረኣኻስ ነዚ ኣብ ጉጉይ መገዲ ዘሎ መራሒና ክትድግፍ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።
    ዶክቶር ምሕረትኣብ ዓቢ ኢኻ፡ ናይ ዓበይቲ ስራሕ። ቀሽነት ተማሂርካ ኢኻ፡፤ ግፍዒ ክትርኢ ከሎኻ ተገፍዑ ምበልካ እምበር ንስኻ ሕጂ ሳዕስዒት ኣይምተራእየካን።
    ዓገብ ዶክቶር ምሕረትኣብ ዓገብ። ናብ ልብኻ ተመለስ።

    ሚሪያም ያቆብ

    • Debre April 12, 2016

      ክቡር ኣሰና
      ነዚ ጽሑፍ ኣብ ዓምዲ ርእይቶ ዘይኮነስ ነፍሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ገርካ ኣብ ቀንዲ ዓምዲ ከተውጽኦ ለበዋይ የቅርብ።

    • Debre April 12, 2016

      ክቡር ኣማኑኤል
      ነጺ ጽሑፍ ነፍሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ጌርካ እንተተውጽኦን ምሓሸ

  • Taddese berhe April 11, 2016

    We eritreans are too naive to believe this fellow and his colleagues like Yonas “Mastic”, Pilot, Keleta kidane etc are opposing PFDJ. These people are very active agents of PFDJ where some of them act as a very ugly opposition and some of them like kidane keleta behave as prominent opposition with the task to adress the real opposition as an agent of Weyane. They are just fooling us and will continue to work in different forms until we reach a certain level of consciousness.

  • ኣርዓዶም April 11, 2016

    ኣሰና ከም ቐደምኩም ተብዓት ደቒ ህዝቢ፡ ቑሩብ ዛሕቲለ ቐንየ፡ ማለት ኣብዛ ናይ መወዳእታ ኣይሓገዝኩን፡ ተዘይኮይኑ፡ በታ ዝኽእላ ካብ ቐደም ኣበርካቲኹም ኢየ፡ ሕጂ`ውን ተነፊዕኩም ከምዚእታት፡ ክትሓጋገዝ ቕሩብ ኢየ።
    ኣብ ለንደን ምሳኹም ከም ዝቕመጥ ዘለኹ መጠን፡ ክሳብ ብኣካል ንፋለጥ ኢና ኣዝየ ድማ የመስግነኩምን የድንቐኩምን።
    ኣብዚ ዘለናዮ ሃገር ከተማ ለንደን ብፍላይ፡ ብስም ጸጋይን ካልእን ዝጽውዑ ኣብ ኢለፋንቲ ኤንድ ካስትል ክሰትዩ ዘምዝዩ፡ ንመንእሰያት ብዙሕ የደናግሩ ኣለዉ።

    በቲ ዘለዎም ተቐባልነት ተጠቒሞም፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ጽሒፍክሞ ዘለኹም ተግባር ዝገብሩ፡ ተቓወምቲ መሲሎም፡ መልሓስ ተቓወምቲ ዝዛረቡ፡ መንእሰያት ብገርሂ መጽዮም ምስ ዝጽንበርዎም ድማ፡ ንተቓውሞ ዘናሽዉን ዝጸርፉን፡ ምስ ህግደፍ ጥቡቕ ርክብ እንድሃለዎም፡ መንእሰያት ናብ ቓልሲ ኣንጻር ህግደፍ ንኸይቓለሱ፡ ብልምሉም መልሓስ፡ ተቓወምቲ መሲሎም፡ ንተቓወምቲ እንዳጸረፉን እንዳ ኣጸለሙን፡ መንእሰያት ናብ ቓልሲ ንኸይጽንበሩ ዝገብሩ ዘለዉ፡ መደናገርቲ፡ ኣስተብሂልኩም በቢዘለናዮ ከነቓልዖም፡ በዚ መልእኽተይ የመሓላልፈልኩም።

    ኣሰና እዚ ተገርኩም፡ ዋላ ሽሕ ከፊልና፡ ማዕበል ኣሰና ክትቕጽል ክንገብር ንኽእል ኢና። እዞም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብፍላይ ኣብ ሎንዶን ዘሎ ህዝቢ፡ ዘደናግሩ ዘለዉ ዘርጣጣትን ማሕቝቍትን፡ ብስም ተቓውሞ ወይ ብስም ስቕ ብሃልቲ ኢና እንዳበሉ፡ ኣንጻር ተቓውሞ ዝሰርሑ፡ መንእሰያት ብዝያዳ ናብ ህግደፍ ከም ዝርዕሙ በቢሓደ ኣንዳ ኣዛረቡ፡ ሰብ ዘስድዑ ዘለዉ፡ ብትብዓት ከነቓልዖምን ካብ`ቲ ሕሱር ተግባራቶምን ሓሳባቶም ክምለሱ ከነጠንቕቖምን፡ ተዘየለ ከም`ቲ ንሶም ጸሊም መዝገብ ሰብ ዝቕንጽሉን ዝሕስዉን ዘለው፡ ንሕና`ውን ብወገና መዝገብ ዝውሕደና ከምዘይኮነ ከነረድኦም ይግባእ።

    እዞም ሓሰውትን መደናገርትን፡ ኣብ ኢምባሲታት ምስ ህግደፍ ክሕስዉ እንዳውዓሉ፡ ምሸት ድማ ኣብ ባራት አለፋንት መንእሰያት ንመሰለሎም ንኸይቓለሱ ዘስድዕዎም ዘለዉ ሓሰውቲ ህግደፍ፡ ክቓልዑን ካብ`ቲ ጽዩፍ ተግባራቶም ክቑጠቡን ከነተሓሳስቦም ይግባእ። እዞም ተረፍ ደቒ ጦር መሰል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክጸንትን ብኡ ኣቢልካ ድማ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምምስራት ዝሓልሙ ዘለዉ`ውን ኢዮም።

    ስለዚ ቓልሲ ክቐላጠፍ ተኾይኑ፡ ነዞም እሾኽ ምድርቤት ኮይኖምና ዘለዉ፡ ኣለሊና መጠንቐቕታ ክንገብረሎም፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም በዚ መልእኽተይ ከመሓላልፍ ይደሊ። ቐጺለ፡ ክውስኾ ዝደሊ ነገር ተሃልዩ፡ ኣነ ልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ተቓውሞ ዘለኹን ዝነበርኩን ከም ምኵነይ መጠን፡ ኣብ ሂወት ተቓውሞ ማለት ኣብ`ቶም ብልቢ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ዝደልዩን` እቶም ስሞም ክምዕርግ እምበር ዋላ ቤተ-ሰቦም ይተኣሰሩ፡ ንዕምሪ ህግደፍ ዘናውሑ ዘለዉ፡ ቐንዲ ተቓወምቲ ዝመስሉ፡ ሓያለ ኣላልየ ኣለኹ፡ ስለዚ ንኹሉ ዋላ እቶም ሓዎም ሓብቶም ዝተኣስርዎም ካብ ክሳድ ንላዕሊ ተዘይኮይኖም፡ ምስ ህግደፍን ካልእ ዘይተደልየ ክፍኣታትን የሕሸዅሽኹ ከምዘለዉ ክእምተልኩም ይደሊ። እዚ ግን ብመደብ መጽናዕትን ትኩረት ሂብካ ክስርሓሉ ከምዘለዎ`ውን ከገንዝበኩም ይደሊ።

    ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
    ዕንወት ነቶም ኣንጻር ህዝቦም ዓጢቖም ምልኪ ህግደፍ ዘገልግሉ ተበለጽቲ መሰል

  • dark fantasy April 11, 2016

    ኣማኑኤል ኢያሱን ኣሰና ፋውንዴሽንን፣

    ብኣኹም ጌሩ ስለ ዝመጸን ብሓቂ ድማ ናይ ስለያ ተግባር ስለ ዝኾነ ነቶም ክቃወሙ ዘንቀዱ ድማ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘውድቖም,ብሓቂ ኣገዳሲ ሓበሬታ።እቶም በዚ ምክንያት እዚ ኢና ክንሓብር ዘይንኽእል ኢልና ንኣምን ገርህታት እንተሊና ግን ኣይትጋገዩ።ኣማንኤል ካብ ሲናይ ዝዕመጹ ኣወዳትን ኣዋልድን live ከስምዓና ከሎ፣ደቀንስትዮ ኣጥባተን ብሓዊ እናተቓጸለ ሰሚዕና ደቂስና ምሕዳርና ምሥዚ ናይዚ ውቁብ ግን ጀዋሲስ ዝኾነ ኩነታት ዘተሓሕዝ የብሉን።ነቲ ናትና ዕላማ ዘይብሉ ተቓውሞ በዚ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጀዋሲስ ኣማኻኒና ከም ረቛሒ ከይንጥቀመሉ።
    We have no direction nor clear mission.

  • tit for tat April 11, 2016

    haw Aradom.
    If without any shred of doubt, it can be ascertained that these people are spies ,contrary to their claims to be refugees. they sholuld reported to the authorities with the evidence. Period.

1 2 3 4

POST A COMMENT