Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተበራበር፡ ክሳድ ሓዝ ህዝቢ ኤርትራ!

ተበራበር፡ ክሳድ ሓዝ ህዝቢ ኤርትራ! ከምዚ ብርሑቕን ቀረባን እትሰምዖ ዘለኻ ንጉሆን ምሸትን ምስ ለበዳ ቫይረስ ተጸጊዑ ህቦቡላ ወረ የናውጸካ ኣሎ። ኢሳይያስ ሓሚሙ ጸሚሙ፡ ሞይቱ ተሲኡ ዝብል ወረ ኣብዚ ቅንያት`ዚ ጥራይ ዓሰርተ ሻዕ ተመላሊሱካ፡ ገና ዙርያኡ ኣይወደአን፡ ክውዳእ

ተበራበር፡ ክሳድ ሓዝ ህዝቢ ኤርትራ!

ከምዚ ብርሑቕን ቀረባን እትሰምዖ ዘለኻ ንጉሆን ምሸትን ምስ ለበዳ ቫይረስ ተጸጊዑ ህቦቡላ ወረ የናውጸካ ኣሎ።

ኢሳይያስ ሓሚሙ ጸሚሙ፡ ሞይቱ ተሲኡ ዝብል ወረ ኣብዚ ቅንያት`ዚ ጥራይ ዓሰርተ ሻዕ ተመላሊሱካ፡ ገና ዙርያኡ ኣይወደአን፡ ክውዳእ ዝድለ `ውን ኣይመስልን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣንፈት ንፋስን ጾር ንፋስን ዘይፍለጠሉ ረባሺ እዋን፡ ምስቲ ንፋስ ክትቀዳደም ኣብ ክንዲ ትልህልህ፡ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ዓወት ክሳድ ሒዝካ ኣንፈት ንፋስን ጾርን ንፋስን ምልልላይ፡ ጉልበትካን ሓይሊ ሓሳባትካን ዓቂብካ ንለውጢ ምድላው እዩ።

ናብቲ ክሳድ ንምድያብ መሳልል ከድልየካ ስለዝኽእል ግን፡ ንምዝኻኽር ዝኣክል ብዛዕባ`ቶም ነዚ ኩነታት`ዚ ዝፈጥሩ መናፍስቲ ምዝራብ ኣድላዪ እዩ።

1ይ – እምነት-ሓደ

ን 15 ዓመት ውልቀመላኽነት ኢልና ስለዝደጋገምናዮ፡ እቲ ተግባር ምሳኻ ኸሎ እቲ ቃል ተመንዩካ እዝኒ ከይትበቅቕ ቅያር ክኾነካ ምእንቲ ኢልና እምበር ኩሉ ንሱ እዩ።  እምነት-ሓደ ውልቀመላኽነት ማለት እዩ።

ብዜና ተኸታተሊካዮ ከም እትኸውን፡ ኣብዚ ቕንያት`ዚ ፕረዚደንት ናይታ ዛጊት ሓያል ዓለም ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ዕለት መጸ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብቐጥታ ኣብ ቴለቭዥን ክገብሮ ዝቐነየ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ 23 ሚያዝያ፡ ንሕሙማት ኮረና (disinfectant) ማለት መቕተሊ ጀርምስ ወይ መሕጸቢ ኣቚሑ ዝጠቅም ባረኪና ዝዓይነቱ ፈሳሲ፡ እንተወጊእካዮም ነቲ ቫይረስ ብኡንብኡ ክቐትሎ ከምዝኽእል ወልደፍደፍ ክብል ምስ ተሰምዐ፡ ካብታ ኣብ ጎኑ ዝነበረት፡ ንመኸተ ኮረናቫይረስ ኣመሪካ ከተወሃህድ ባዕሉ ዝመዘዛ ዶክተር ጀሚርካ ብኣበሃህላኡ ፍጹም ሰምቢዶም። ብዙሓት ድማ ብቕሉዕ ኮኒኖሞ።

ናይ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ተክሲኮሎጂ `ኳ፡ ገለ ኣብ ትራምፕ ሕሉፍ እምነት ዘለዎም መሳኪን በቲ ዝምቡዕ ምኽሩ ተደናጊሮም ባረኪና ሰይትዮም ወይ ተወጊኦም ብኡንብኡ ጋሕ ከይብሉ ምእንቲ፡ `በጃኹም bleach ወይ ባረኪና ሰቲኹም ወይ ተወጊእኩም ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከይትወድቁ` ክብል ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ትዊተር ሞያዊ ናይ ጥዕና ማዕዳ ለጊሱሎም።

ነዚ ምስ ኩነታት ኤርትራ ኣዛሚድና ምስ እንርእዮ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ደርጒሑ እንተዝኸውን`ሲ ከምዚ ናይ ኣመሪካ ብዓውታ ዓገብ ዝብሎ ደኾን ምረኽበ? ዓገብ ክብሃል ዘይሰምዑ፡ እምነት-ሓደ ዘለዎም ሕሉፋት ኣመንቲ ኢሳይያስ ባረኪና ሰትዮም ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ ኸ እንታይ ውሕስነት ኮን ምሃለዎም? ዝብል ሕቶ ምስልሳል ርትዓዊ እዩ። እወ፡ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዝነጸገቶ መርከብ ምሉእ ሕሙማት ኣባጊዕ ተቐቢሉ፡ ኣብ ዘበን ኮረና-ቫይረስ ረዲኤት ናውቲ ሕክምና ቻይና ዝነጸገ ኢሳይያስ፡ ዓገብ ዝብሎ ካብ ዘይተረኽበ፡ ባረኪና ኣይትጨልጡ ዝብል `ሞ ካበይ ክመጽእ ዩ። ስለዚ፡ ይኽደነና፡ እንኳዕ ኢሳይያስ ከምቲ ቀደም መሓዮታቱ ዝበሉዎ ኣብ ብርኩ የስተንፍስ ኣይሃለወ ዘብል እዩ።

ንነገሩ፡ ኣምላኽ ሓጊዙ ኮረናቫይረስ ከምቲ ናይ ኣመሪካ ደኣ ኣብ ኤርትራ ኣይሳዕረረን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መሰረታዊ ሜላ ምክልኻል ለበዳ ኮረናቫይረስ ዝኾነ ጽሬት ከዘውተር ዝሕግዞ መባእታዊ ቀረብ ማይ ብግቡእ ክረክብ ዘይምኽኣሉ፡ ካብ ጽውጽዋይ ባረኪና ናይ ትራምፕ ብዝኸፍአ መልክዑ ብኢሳይያስ ንጅምላዊ ሞት ተፈሪዱ ከምዝነበረ እዩ ዝእምት።

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ብዓለም ደረጃ፡ እንተላይ ኣብ ኣመሪካን ኤርትራን ናይ መሪሕነት ቦዶሽ ከምዘሎ ርኡይ እዩ። ነቲ ናይ ኣመሪካ ጸገም ካብ ናይ ኤርትራ ዝፈልዮ መሰረታዊ ነገር ግን፡ ህላወ ትካላት ኣመሪካን ብኩራት ትካላዊ ህላወ ኣብ ኤርትራን እዩ። ንህዝቢ ኣመሪካ ትካላቱ ካብቲ ብስሕታን መራሕቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ውሕስነት ወይ ከኣ safety Net ክህልዎ ኸሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣምላኽ እንተዘየድሒኑዎ፡ ካብ ኣዕናዊ ስጉምታት መራሕቲ ዝከላኸል ዋላ ሓደ ውሕስነት የብሉን።

ሞትን ህላወን ኢሳይያስ ብዘየገድስ፡ ሓደ ካብቲ ክተሓዝ ዘለዎ ክሳድ እምብኣር እዚ እዩ። ድሉውነት ንምስረታ ሕጋዊ ትካላት፡ ብኣካል፡ ብኣተሓሳስባን ራእይን ውጥንን። ዋላ ኢሳይያስ እንተሞተ፡ እዚ ፖለቲካዊ ትካላት ናይ ምምስራት ኣተሓሳስባ`ዚ እንተዘይገዚኡና ሞቱ ፋይዳ የብሉን። ብመን ኢና እንትክኦ ዘይኮነስ፡ እንታይ ዓይነት ትካል `ዩ ክህልወና ዝብል ጉዳይ`ዩ እቲ ብዕዙዝነት ክሕሰብለሉ ዘለዎ ጉዳይ። እዚ ብኩራት`ዚ ኣብቲ ስርዓት ኣሎ። ብቐንዱ ትካላት ከይህሉ ክሰርሕ፡ ንዝርካቦም ትካላት ከዕኑ ዝጸንሐ ስርዓት ስለዝኾነ ኸኣ ኣይገረምን። እቲ ዝኸፍአ ግን፡ ከም መተካእታ ዝተዋደደ ኣማራጺ ዘይምህላዉ እዩ። ህላወን ሞትን ኢሳይያስ ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ህዝቢ ዘህወትተሉ ዘሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ።

2ይ – ዘይንቡር ምስጢራውነት

ዘይንቡር ምስጢራውነት ምስቲ እምነት-ሓደ ዝተሓሓዝ፡ ብቐንዱ እምነት-ሓደ (ውልቀመላኽነት) ንምፍጣርን ንምኽራርን ዝተማህዘ መሳርሒ እዩ። ኩሉ ሓበሬታ ኤርትራ ዋናኡ ኢሳይያስ እዩ። ተለኣኣኽቲ ወይ ጦፋት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኢሳይያስ ዝውንኖ ሓበሬታ ከከም ተኣማንነቶም በብዓቕሞም ዝፈልጡዎ ከፊላዊ ሓበሬታ `ኳ እንተለዎም፡ ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ብኢሳይያስ ስለዝውነኑ፡ ንብሕታውና ሓበሬታ ብኢሳይያስ ተማእዚዞሞ ክነበሩ ግዴታ ኣለዎም። ንኢሳይያስ ገዲፎሞ ስግር ማዕዶ ዝተሰደዱ ከይተረፈ፡ ኣፎም ተቖሊፉ ክትርኢ ከለኻ፡ እቲ ኣብ ገድሊ ዝማዕበለ ሕሉፍ ምስጢራውነት ድሕሪ ናጽነት `ውን ኣብ መንግስትነት ክህሉ ናብ ዘይግብኦ ዘይንቡር ምስጢራውነት ማዕቢሉ ባህሊ ከምዝኾነ ዘነጽር `ዩ።

መንግስቲ ናይ ሃገር ኣብ ዝኾነሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ግን ሓበሬታ ዋንኡ ሃገርን ህዝብን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኩሉ ሓበሬታ ብህዝቢ ክፍለጥ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ሓደ ንህዝቢ ዝሓሊ መንግስቲ፡ ሃገራዊ ረብሓ ንምሕላው ክብል፡ ቅጥዕን ሕግን ብዘለዎ መንገዲ ጥብቂ ምስጢር (Classified information) ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት `ውን ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ዝለዓለ ጥብቂ ምስጢር ዝብሃል ንሃለዋት ኢሳይያስ ዝምልከት ሓበሬታ እዩ። ምናልባት ሓንቲ ምስ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል ዝለዓለ ምስጢራ ሃለዋት መራሒኣ ዝኾነት ሃገር ሰሜን ኮርያ እያ። ሎሚ ቅንያት ክልቲኦም መራሕቲ ኣርእስተ ዜናታት ቤላቤልው ሃለዋቶም ኮይኖም ምህላዎም ከኣ ንሓባራዊ ረቛሒ ባህርያት ስርዓቶም ማለት፡ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ምስጢራውነት ዝተመስረተ ውልቀምልካዊ ኣቃውማኦም ዘንጸባርቕ እዩ። ንምስግጋር ስልጣኖም ዝምልከት ትሑዝ ቅጥዕን፡ ርጉጽ መተካእታን ስለዘየልቦ፡ ህዝቦም ኣንፈት መጻኢኡ ከረጋግጽ ሸቐልቀል ክብል፡ ሃገራት ድማ ዝጸንሐን ረብሓ ከይጎድለን ወይ ድማ ሓድሽ ረብሓ ከተቋምታ ንዜናኦም ሃንቀው ክብላኦ ባህርያዊ እዩ።

በንጻሩ ከምቲ ሎሚቕነ ምስ ሕማም መራሒ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተራእየ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓታት፡ ሃለዋት መራሒ ህዝባዊ ሓበሬታ እዩ። ከምቲ ናይ ውልቀመለኽቲ ኣብ ህዝበን መንፈስ ዘይርጉጽነት ስለዘየልቦ ድማ፡ ካብ ተራ ዜናታት ዝፍለ ኣይኮነን።

ከም ኢሳይያስን ኪም ጆንግ-ኡንን ሕማሞምን ድኻሞምን ብተቐናቐንቶም ኮነ ስቱራት ሓለምቲ ተመዝሚዙ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥሙሖም ከይኩለፍ ምእንቲ `ዮም ንሃለዋቶም ዝለዓለ ምስጢር ዝገብሩዎ። እቶም ዘምልኹዎም ደገፍቲ ከኣ ንሞትን ህይወትን ሃገር ኮነ ውልቃዊ ረብሓኦም ምስ ህላዊኦም ስለዝተኣሳስሩዎ ከምዚ ኣብ ደገፍቲ ህግደፍ ዝርአ ዘሎ ዳርጋ ማዕሪኦም ሕርብት ይብሎም። በንጻሩ፡ ድሕነት ናይቲ ዝበዝሐ ዝጨፍለቑዎ ህዝቢ ኣብ ጥፍኣቶም ይምርኮስ። ኣብ `ዞም ክልቲኦም ተጻረርቲ ጫፋት፡ ማለት ክቱር ፍርሒ ደገፍቶምን ክቱር ህንጡይነት ጸላእቶምን ዘሎ ዋጭዋጭታ ኸኣ`ዩ ከም`ዚ ሎሚ ቕነ እንርእዮ ዘለና ነውጺ ዝፈጥር።

ስለዚ እቲ ካልኣይ ክተሓዝ ዘለዎ ክሳድ ግሉጽነት እዩ። ምስቶም ከም ፈውሲ እምነት-ሓደ (ውልቀመላኽነት) ዝጠቐስናዮ ህላወ ሕጋዊ ትካላት ከኣ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። (ብዙሕ ከየስፋሕና፡ ሕጋዊ ትካላት ክንብል ከለና፡ ብመስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ዝተሃንጸ ቅዋም ምርኩስ ገይሮም ዝተዋደዱ ትካላት መንግስትን ሕብረተሰብን ማለትና እዩ)። ሃገራዊ ትካላት መልክዖም ኣብ ዝሓዙሉ ሃገር፡ ምስጢራውን ህዝባውን ሓበሬታ፡ ብሕጊ ደረጃ ብደረጃ ተፈላልዩ ስለዝቐርብ፡ ግሉጽነት ምስቶም ትካላት ሓቢሩ ዝምዕብል እዩ። ከም ባህሊ ናይ ምምዕባሉ ጉዳይ ግን ክሳብ ምውዳድ ሕጋዊ ትካላት ከይተጸበኻ፡ ብውልቂ ከም ዜጋ፡ ብጉጅለ ኮነ ብማሕበረሰብ ደረጃ ክሰላሰል ከምዝከኣል ምግንዛብ የድሊ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም፡ ቀጸላታት ሓበሬታ ከከም ኣድላይነቱ ብሕጊ ኣብ ዝተሰርዓሉ ኩነታት ከይተረፈ፡ ምዕቃብ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስጢራት ብኣንጻር `ቲ ቅኑዕ ዕላምኡ ንህዝብን ሃገርን ዘገልግል ኣይኮነን ተባሂሉ ኣብ ዝእመነሉ ግዜ፡ ገለ whistle blowers ወይ ከኣ `ፋጸይቲ` ተባሂሎም ዝፍለጡ ተባዓት ዜጋታት ምስጢራት ብምውጻእ ንህዝቢ የርብሕ እዩ ዝብሉዎ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ብህዝቢ ክምጎሱ ብመንግስቲ ክቕጽዑ ይረኣዩ እዮም።

ከምዚ ናይ ሃገርና፡ እቲ ስርዓት ካብ ምንቅስቓስ መራሒ ክሳብ`ቲ ዝደቐቐ ስጉምቲ ከም ምስጢር ዓፊኑ፡ ንሓበሬታ ውልቃዊ ዋኒኑ ብምግባር ኣንጻር ሃገራውን ህዝባውን ረብሓ ኣብ ዘውዕለሉ ኩነታት ብሕልፊ፡ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ንሃገር ብዘርብሕ ርትዓዊ መንገዲ ንህዝቢ ናይ ምፍላጥ ዜጋዊ ተወፋይነት ብዝያዳ ክዝውተር ዘለዎ እዩ። በንጻሩ ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ሕሉፍ ምስጢራውነትን ፍርሕን ሳዕሪሩ፡ ኣሽንባይ ዶ ምስቲ ስርዓት ሃሊኻ ካብቲ ስርዓት ርሒቕካ ከለኻ ምስጢር ውሒጥካ ምሟት ልሙድ ኮይኑ ብምህላዉ ግን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ግሉጽነት ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ተፈጢሩ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ይረኣዩ ኣለዉ።

እቲ ስርዓት ህላዊኡ ንምዕቃብን ንምንዋሕን ኮነ ኢሉ ዝፈጥሮ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ፡ ካልእ ተወሳኺ ክሳራ ከምዘለዎ ግን፡ እቶም ብሃገርን ህዝብን ዝሻቐሉ ዜጋታት ኮነ ህዝቢ ብሓፈሻ ብንቕሓት ክርእዩዎ ዝግባእ መዳይ ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ናይ ወጻኢ ባእታታት፡ ገለ ብጋህዲ ገለ `ውን ብስቱር ደቂ ሃገር ተመሲሎም ንግላውን ጸቢብ ረብሓኦምን ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ቕነ ብሕልፊ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጋዋሕ ዘሎ ሓበሬታታት ንኣብነት፡ ኣብ ሳዕቤናቱ ንህዝብን ሃገርን ሸለልትነት ዘንጸባርቕ ሓላፍነት ዝጎደሎ ሓበሬታታት ክወናጨፍ ይርአ `ሎ። ገሊኡ፡ ፈጠራዊ ወይ ከኣ ጫፍ ዘለዎ ሓበሬታ ዘርጊሕካ ካብ ግብረመልሲ ሓድሽ ሓበሬታ ብምውህላል፡ ብዜሮ ከሲብካ ረብሓኻ ናይ ምሕላው ስልቲ ክኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ጉድኣቱ ብዘየገድስ፡ ከም ጥይት ምልሻ ኣብ ዝዓለበ ይዕለብ ሃሰስ በልዮ ተፈንዩ ዕግርግር ብምፍጣር ጸቢብ ረብሓ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቶም ኣብቲ መዓልቦ ጥይት ህይወት ሰብ ምህላዉ ዘሻቕለና ኤርትራውያን፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ፡ መንቀሊኡን ክወቕዖ ዝደሊ ሸቶን፡ ሕቡእን ቅሉዕን ትርጉሙ፡ ክንርድኦን ንኻልኦት ከነነቓቕሕን ሓላፍነት ከምዘለና ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

3ይ – ኣብ ዕላማን መትከልን ዝተሰረተ ሓድነት

ካብ ኩሎም ዓይነታት ጸቢብ ወገናዊ ኣተሓሳስባታት ወጺእካ ከም ሃገርን ህዝብን፡ ብሓባራዊ ቃልሲ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ተጎናጺፍካ ማዕረታዊ ረብሓ ንምርካብ ኣብ ሓድነት ዕላማን መትከላትን ዝተመርኮሰ ምንቅስቓስ ምክያድ ካልእ ኣገዳሲ ክሳድ እዩ።

ኣብዚ መዳይ `ዚ ዝጸንሓና ሕዱር ዘይምትእምማን፡ እቲ ስርዓት ንምግፍሑ ዘዘውትሮ ውዲት፡ ምስቲ መደራጋሕ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተደሚሩ ለውጢ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ የረሓሕቐና ከይህሉ ምስትብሃልን ሓድነትና ምኹስኳሱን ምሕላዉን ብቐዳምነት ክርአ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ምልላዩ ከድልየና እዩ።

ኣብ ወጻኢ ዝነበር ደላዪ ለውጢ እንተ ከም ድዂዒ እንተ ከም ግራት ዛጊት ብቕዓቱ ናብ ደረጃ ኣማራጺ ክብ ኢሉ ክረኣየሉ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ሓደ፡ እዚ ድኻም እዚ እዩ። ብውሑዱ ኣብ መፋርቕ 2018 ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብመጠኑ ፈቐቕ ካብ ዝብል ንደሓር `ኳ ግዜ ኣይወሓደን። እንተኾነ ካብዚ ፖለቲካዊ ሳጃ ዛጊት ኣይተገላገልናን። ስለዚ፡ ነታ ቕጫ መን ይገልብጣ ኢልካ እናተጠማመትካ ምሕራራ ይእከለና፡ ቀሸም ከይሓወስካ መቕሎ ምቁማትን ተሃዊኽካ ዘይበሰለ ብሒቚ-ቅጫ መንጢልካ ህድማ `ውን ከምኡ ይጽንሓልና። ብሒቚን ሕራርን እቲ ክነፍሓና እቲ ከቕሕረና እምበር፡ ኣይከጽግበናን እዩ።

ኣብ ደገ ንሃሉ ኣብ ውሽጢ፡ ብውሑዱ እዞም ዝጠቐስናዮም ክሳውዲ እንተሒዝና፡ ማለት፡ ብኣንጻር ተመላኽነት ንውልቀመላኽነት ድሉውነት ንምስረታ ሕጋዊ ትካላት እንተኣርኢና፡ ብኣንጻር`ቲ ሕሉፍ ምስጢራውነት ግሉጽነት እንተዘውቲርና፡ ብኣንጻር ሕድሕድ ዘይምትእምማን ኣብ ዕላማን መትከልን ዝተሰረተ ሓድነት እንተኣማዕቢልና፡ ኣሽንባይ ዶ ኢሳይያስ ከምዚ ሕጂ ብሞት እናተሃድነ፡ ብህይወት እንተሃለወ `ውን ካብ ለውጢ ዝዓግተና ሓይሊ የልቦን። ሃለዋት ኢሳይያስ ብዘየገድስ፡ ብድሕሪኡን ኣብ ቅድሚኡን ዝግበር ምትሕርራይ ብዘየገድስ፡ ካቢነ ምስጢራት ብዘየገድስ፡ ወራሲ ዲዩ ወተሃደር፡ ሰላዪ ዶ መሳሰዪ ብዘየገድስ፡ ዋላ ምስ ውዲት ጎረቤትን ስግር ባሕርን ተደሚሩ ይምጻእ፡ ኣብ ቅድሚ`ቲ ንቕሓትን ሓድነትን ዓጢቑ ንለውጢ ዝተዳለወ ህዝባዊ ሓይሊ ደው ዝብል ከቶ ኣይክህሉን ኢዩ። ግን ተዳሊና ዶ ኣለና እዩ እቲ ሕቶ!

ኣመና ተጸበይቲ ወረ ኲንና ምህላውና ድልዉነትና ዘመልክት ኣይኮነን። ህዝብን ሃገርን እንተዂንና ግን፡ ድሉዋት ካብ ምዃን ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ግድን ክንዳሎ ኣለና።

እቲ ኣሽሓት ዘጽነተ ኢሳይያስን ስርዓቱን፡ ነቲ ብጸብጻቦም ካብ 40 ዘየሕለፉዎ፡ እሞ ድማ እዝጊ ሓጊዙ ሓደ ሰብ ዘይጎድአ ኮረና ቫይረስ መጎልበቢ ተጠቒሞም ስልጣኖም ኣብ ምድልዳል ወይ ከኣ ስልጣን ኣብ ምሽማው ከይህልዉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ሰራዊትን መንእሰይን ኤርትራ ክጸናጸኖም፡ ምስኡ ናብቲ ክሳውዲ ዝድይቡ እንተኾይኖም ክድግፎም፡ ካብቲ ክሳውዲ ይሃድሙ እንተልዮም ድማ ብመሸንጎጓ ክስዕቦም ኣለዎ።

እቲ ህጣሙ ኣጥፊኡ ዝቐነየ ሚኒስተር ትዊተር፡ ቻርሊ ኣየርእየሉ፡ መንግስቲ እንግሊዝ፡ ነቲ ኣብዚ ቅንያት`ዚ፡ ቅልጡፍ ምቅይያር ዘርኢ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ምርኩስ ብምግባር ሰራሕተኛታት ኤምባሲኡ ከምዘውጽአ ሂቡዎ ንዝነበረ መግለጺ ዘይንጹርነት ከምዝነበሮ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝገለጸሉ ትማሊ ኣብ ትዊተር ገሊጹ `ሎ። ብወገነይ ግን ኣብዚ ጉዳይ `ዚ እንግሊዛውያን `ብዘይንጹርነት` ዘይኮነ ብዕሽነት እየ ዝሓምዮም። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብለበዳ ኮረና ቫይረስ መዓልታዊ ብገምጋም ብውሑዱ 600 ዜጋታት ንመዓልቲ ኣብ ዝቕዘፉሉ ዘለዉ እዋን፡ ዜጋታቶም ካብታ 39 ሕሙማት ኮረና ቫይረስ ጥራይ ዝነበሩዋ፡ 11 ድሮ ዝሓወዩላ፡ ሓደ `ኳ ዘይሞተላ ኤርትራ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከግዕዙዎም ከለዉ፡ ናብ ሞት ደኣ`ዮም ዝወስዱዎም ዘለዉ እምበር ካብ ሞት ኮረና ኣይኮኑን ዘድሕኑዎም ዘለዉ። ሓልዮት ዜጋታቶም እንተልዩዎም፡ በንጻሩ ንስድራቤቶም `ዮም ናብታ ኮረና-ሓራ ዝኾነት ኤርትራ ከምጽኡሎም ነይሩዎም።

ስለዚ ቻርሊ፡ ቅድሚ ብትዊተር ምስ ወጻእተኛታት ምዝራብ፡ መጀምርያ ብኤረ-ቲቢ ብዛዕባ`ቲ ለይትን ቀትርን ዝጋዋሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝሰሞዖ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት `ዩ ወግዓዊ መግለጺ ክህቦ ዝግባእ ነይሩ። ቻርሊ ግን ከምቲ ፈለማ ዝበልናዮ ሚኒስተር ኢሳይያስ እምበር ሚኒስተር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ስነ-ኣእምሮኻ ካብ ዝስቌር 50 ዓመታት ዘሕለፈ ኢሳይያስ ብቐሊሉ ክትርስዖ ኣጸጊሙካ ከምዝጸንሐ ርዱእ `ኳ እንተኾነ፡ ኢሳይያስ ገበናቱ ኣባህሪሩዎ ምእዋይ ካብ ዝጅምር ግዜ ኣሕሊፉ ከምዘሎ ክፈልጥ ኣለካ። ስለዚ ጨንኡ ደኣ `ዩ ዘዕወልውለካ ዘሎ `ምበር ኢሳይያስ ከም መራሒ ካብ ዝመወት `ዚ ዓመታት ቆጺሩ እዩ።

ስለዚ፡ በቲ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ንኮቪድ-19 ከም ዕሻሽ ተጠቒሞም ገንዘብካ ንምግባትን ጸጥታኦም ንምኽራርን ዘካይዱዎ ዘለዉ ሸፈትፈትን ሽርሕታትን ከይተደናገርካ፡ ክትጸናጸኖም፡ ክትከታተሎም፡ ጠባዮም እንተቐይሮም ናብቲ ክሳድ ከተሕኩሮም፡ ከም ቀደሞም እንተልዮም ከኣ በቲ ክሳድ ከተጽድፎም ክትዳሎ ኣለካ። ለውጢ ኣብ ክንዲ እትሳተፎ፡ ለውጢ ኣብ ነብስኻ ሃዶሽዶሽ ኢሉ ከይጸድፈካ፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ክትጥንቀቕ፡ ክትበራበር፡ ክሳድ ክትሕዝ ይግባእ።

ምልኪ ይፈርስ፡ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

yakobe@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Woldegabriel April 29, 2020

    Selamat Assenna,
    The enemy of the Eritrean people, namely higdef, weyane, agazian and medemer had, these two weeks, their field days with mushrooming rumors to undermine “Deleyti fit’hi”s resolve to no avail. Our determination will not be shaken until this defunct regime is completely wiped out and a people’s Democratic state is established. As you rightly said ” K’sade m’haz You”.

  • Abrham Yohannes April 29, 2020

    The drawing explains it all. The guy tested the waters of Ethiopia and unlike Eritreans, when the courageous Ethiopians, with freedom of expression and free press, exposed him with reality of the destructive and bloody mafia style of government (?) he leads, witty as he is knew that he cannot fool Ethiopians as he did with the gullible Eritreans. I always wonder what does it take for Eritreans to wake up!

    • k.tewolde April 29, 2020

      ‘I always wonder what does it take for Eritreans to wake up!’ …they have been awake,rudely awakened,if there is an Eritrean who does’t know who is who by now,must be living in a remote solitary confinement for sometime,if you are talking about coming together and do something to change the dire situation we are in,that’s a gazillion nacfa question which every Eritrean will take a shot at answering their version.

      • k.tewolde April 30, 2020

        ((ስለዚ ጨንኡ ደኣ `ዩ ዘዕወልውለካ ዘሎ `ምበር ኢሳይያስ ከም መራሒ ካብ ዝመወት `ዚ ዓመታት ቆጺሩ እዩ።))>>>> the stench of a cadaver,pheeeeew!!!! Emanuel,you hammer it home live with sight and sound,gave me a flashback of the battle field.Love to have you around to witness the fruition of your hard work.Thanks.

Post a Reply to Woldegabriel Cancel Reply