Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተርእዮ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን እስጋእነቱን (ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

ተርእዮ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን እስጋእነቱን (ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል)   መብራህቱ ኣተወብርሃን   ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዝቀላቐል ዘሎ ሕሉፍ ናይ የማን ጥሩፍነት ዝያዳ ኣብ መንእሰያት ጐሊሑ ከምዝረኣን ክህልዎ ዝኸእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ሓፈሻዊ

ተርእዮ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን እስጋእነቱን

(ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

 

መብራህቱ ኣተወብርሃን

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዝቀላቐል ዘሎ ሕሉፍ ናይ የማን ጥሩፍነት ዝያዳ ኣብ መንእሰያት ጐሊሑ ከምዝረኣን ክህልዎ ዝኸእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ሓፈሻዊ ስእሊ ክህብ ፈቲነ ነይረ። ኣብዚ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፡ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ተርእዮ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖለቲካን ነጻሊ ፖሊሲን ምዃኑ ድሕሪ ምትንታን፡ እቲ ሓደን እንኮን ፍታሕ ኣሳታፊ ባይታ ምፍጣር ጥራይ ምዃኑ ሓቢረ ጽሑፈይ ክድምድም ኢየ።

 

ነዚ ኣርእስትዚ ኣመልኪቱ ምስ ገለ ሰባት ኣብ ዝገብርኩዎ ዕላል፡ እቲ ተርእዮ ግዝያውን እቲ ዝበሃል ዘሎ ኣስጋእነትውን እተጋነነን ምዃኑ ዝሓበሩኒ ኣለዉ። ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ ግን ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ፡ ብተግባር ክፍጸም ኵሉ ጊዜ ዕድል ኣሎ፡ እቲ ዕብየትን ደረጃን ናይቲ ሳዕቤን ጥራይ`ዩ ኣካታዒ ዝኸውን። ተፈጻምነቱ ብዘየገድስ `እንተኾነኸ` ብምባል መፍትሒ ከተናድየሉ ምሕሳብ`ውን ዝጽላእ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ብኣግኡ መፍትሒ እንተዘይተረኺብዎ ናይ ተፈጻምነቱ ዕድል እናዓበየ ስለዝኸይድን ጕድኣቱ ዝዓበየ ክኸውን ስለዝኽእልን። ንኣብነት፡ ህልቂት ርዋንዳ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተኸስተ ተርእዮ ዘይኮነ፡ ቀንዲ መሰረቱ እቲ መግዛእቲ በልጁም ብ1916 ዘተኣታተዎ ብሄር ዝመሰረቱ፡ ንልዕልና እቶም ውሑዳት ተወላዶ

bhiere

ቱሲ ዘረጋግጽን፡ ንዜጋታት ኣብ ወረቐት መንነቶም ካበየናይ ብሄር ምዃኖም ክገልጹ ዘገድድን፡ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ እዩ። ንልዕሊ ሰብዓ ዓመታት ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ናይ ብሄራት ሁቱን ቱሲን ጽልኢ ድማ ኣብ መጀመርታ 1994 ኣብ ጥርዙ በጺሑ ህይወት ናይ ሓደ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ቀዘፈ።

 

ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝኸደ ብሄር ዝመሰረቱ ፖለቲካ ኢትዮጵያ`ውን ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ብሄራትን ክልላትን እታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወጥሪ ፈጢሩ፡ ናብ ኣዕናዊ ግጭትን ቅትለትን ኣምሪሑ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ሓጺር እዋን ክሃድእ`ዩ ኢልካ ድማ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እቲ ገለ መንእሰያት ድሬዳዋ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ህልቂት ርዋንዳ እተገብረ፡ `ኣይፍለጥን፡ ሕማቕ መዓልቲ እንተመጽአ`ሞ ጸላኢና ኣለሊና ክንጸንሕ` ብምባል፡ ንልዳት እቲ ካብ ካልኦት ብሄራት ዝውለዱ ሰባት ዝነብርዎ ኣባይቲ ፍሉይ ሕብሪ ምልካዮም፡ እቲ ደረጃ ዘይምትእምማን ክሳብ ክንደይ ዓሪጉን ናብ ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ ምህላዉን ብንጹር ይገልጽ። ነዚኦም ዝመስሉ ኣሉታውያን ተመክሮታትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቶምን ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብዙሓት`ዮም። በዚ ምኽንያትዚ ድማ እየን ብዙሓት ብዝሐ-ብሄር ዘለወን ሃገራት፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ብሄር ሃይማኖትን ኣውራጃን ምውድዳብ ብኣዋጅ ሕገ-መንግስቲ ዝእግዳ ዘለዋ። ኣብ ኤርትራ`ውን ዋላ`ኳ ናብ ከምዚ ዝበለ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ዘይምርድዳእ ክብጻሕ`ዩ እንተዘይተባህለ፡ ዝኾነ ይኹን ዘይምርግጋእን ምጕዳል ጸጥታን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ሳዕቤን ኣነኣኢስካ ክረአ የብሉን።

 

እቲ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዝበለ ስግኣት የልቦን ዝብል ኣረኣእያ ካብቲ ንሃገርና ከም ቅስንትን ርግኣት ዝዓሰላን ሃገር ገይሩ ክስእል ዝደሊ ኣቀራርባ ዚብገስ ይመስለኒ። ብሓይሊ ዝገዝእን ዝፍራህን ስርዓት ምህላዉ ግን ኵሉ ጊዜ መግለጺ ሰላምን ርግኣትን ኣይኮነን። ሕሉፍ ናይ ሃይማኖት ዓሌትን ኣውራጃን ውደባ ዝበዝሕ ጊዜ ናብ ሕጊ ኣብ ኢድካ ከተእቱ ምፍታን`ዩ (ብልሙድ ኣበሃህላ ቪጂላንቲዝም ተባሂሉ ዝፍለጥ) ዘምርሕ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብ ቀንዲ መርኣያታት ስርዓት-ኣልቦነት ኢዩ። እቲ ሓያል ዝበሃል ወይ ዘፍራህ ሰብ ወይ ስርዓት ምስ ዝደክም ድማ ናብ ናይ ዕስለ ፍትሒ (mob justice) ክሰጋገር ጊዜ ኣይወስደሉን። ብርግጽ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ናይዚ ኣኽራሪ ኣረኣእያ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝርከቡ ኢዮም፡ እቲ ተርእዮ`ውን ዛጊት ብደረጃ ኣተሓሳስባ ጥራይ እምበር ኣብ ባይታስ ብጋህዲ ኣይረአን ዘሎ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት (ሶሻል መድያ) ግን ውጹእ ኲናት ይካየድ ኣሎ። እቲ ዋና ኣገዳሲ ድማ እቲ ኣተሓሳስባን ንሱ ዘስዓቦ ፍልልይን ካብቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ክውንነት ዝብገስ ምዃኑ`ዩ፡ እቲ ኤርትራ `ርግእቲ ወይ ቅስንቲ ሃገር` ኢያ ዝብል ጭርሖ ድማ ውሽጡ ባዶ ምዃኑ ይረድእ።

 

ኣብቲ ነቲ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ኣመልኪቶም እተጻሕፉ ርእይቶታት፡ እቶም ዝበዝሑ ወሃብቲ ርእይቶ ዝተሰማምዑሉ ሓደ ነጥቢ፡ እቲ ኣኽራሪ ኣተሓሳስባ ካብ ፍሽለት መንግስቲ ኤርትራ ዘስዓቦ ተስፋ ምቝራጽን ተነጽሎን መንእሰያት ዝብገስ ምዃኑ`ዩ። ምስቲ ዝቐረበ ኣረኣእያ ኵሉ እሰማማዕ ግን ክውኸሉ ምደለኹ። ፍሽለት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምእላይን ምሕብሓብን መንእሰያት ንርእሱ ውጽኢት ናይቲ ንዜጋታት ኣብ ጕዳይ ሃገሮም ክዝትዩ ዘይፈቅድ ፖሊሲ መንግስትን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ሓሳብ ድኽነትን ይመስለኒ። እቲ ዝርዝሩ ነዊሕ`ኳ እንተኾነ፡ ዘይምህላው መራሕን ቀያድን ሕገ መንግስቲ፡ ዘይምህላው ብናጻ ዝማጐት ሓጋግን ተቘጻጻርን ባይቶ፡ ዘይምህላው ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ዝረአ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ንግድን ሳይንስን ምርምርን ካልእ ኣገደስቲ ማሕበረ-ቍጠባዊ ንጥፈታትን ዘይምህላዉ ካብቶም ገለ ውሑዳት መግለጺታት ናይቲ ዓፋንን ነጻልን ፖሊሲ እዮም። ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖለቲካ ድማ ነዊሕ ዝኸይድን ንወለዶታት ዝሰጋገርን`ዩ፡ ብፍላይ ምድኻም ልምዳውያንን ዘይወግዓውያን ናይ ፍትሒ ትካላትናን፡ ምብሕጓጕ ማሕበራዊ ጸጋታትናን ባህላዊ ክብርታትናን ገለ ካብ ቀንዲ ምልክታት`ዮም። ወጽዓ መንእሰያትን ካልኦት ጽጉማት ኣባላት ሕብረተሰብን ክንርዳእን ክንሕግዞምን ይትረፍ፡ ነቶም ሃገር ገዲፎም እተሰዱ ኣብ ክንዲ ሞሳ ናይ ዝገበሩዎ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ጠለምቲ ሕድርን ካብ ሓላፍነት ዝሃደሙን ገይርካ ዝርኣዩሉ ኣጋጣሚታት`ውን ውሑድ ኣይኮነን። በዚ ምኽንይትዚ ድማ ብዙሓት ካብኦም ካብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ይርሕቁን ይንጸሉን፡ ክንዲ ነብሶም ዝኽእሉን ኣፍረይትን ዝኾኑ ድማ ናብ ሕማቕ መንገዲ ይወድቁን ክሳብ ነብሰ-ቅትለት ምፍጻም ይበጽሑን ኣለዉ።

 

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ መንእሰያት ናብ ንኣሽቱ ምጥርናፋት ከዘንብሉ ወይ ድማ ናቶም ሓደስቲ ምጥርናፋት ክፈጥሩ ዘሎ ኣድላይነት እናዓበየ ይኸይድ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ትንክፍ ዘበልኩዎ፡ ዕድመ ንማሕበራዊ መራኸቢታት (ሶሻል መድያ)፡ መንእሰያት ንኤርትራዊ መንነትን ሃገራውነትን ምስኡ ዚተሓሓዝ ብድሆታትን ንኣኦም ብዝመስሎም መንገዲ ይትንትንንዎ ኣለዉ። ኵሎም እቶም ነጸብራቕ ናይ ሕሉፍ ኣረኣእያታት ዝበሃሉ፡ ከም ኣብቲ ናተይ እትብሎ ወገን ክትሕባእ ምፍታን፡ ወይ ድማ ነቲ ክትበጽሖ እትደልዮ ፖለቲካዊ ዕላማ ብስሙ ምፍጻም፡ ንልዕልና ሕጊ ክንዲ ምጥባቕን ንጸገም ብግቡእ ክትትንትን ምፍታንን ናተይ ብሄር ተጠቒዑ ወይ ተበዲሉ እናበልካ ናትካ ወጽዓ ካብ ናይ ካልኦት ወጽዓ ዓብዩ ከምዝረአ ክትገብር ምፍታን ድማ ኣብ ሶሻል መድያ ጐሊሖም ይርኣዩ ኣለዉ። ንኣብነት ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት እቶም ክልተ ተጻረርቲ ናይ የማን ወገናት ንኣኦም ባብዝጥዕሞም መንገዲ ኢዮም ዝገልጹዎ። እቶም ብስም ሃይማኖት ምስልምና ወይ ደቂ መታሕት ብዝብል ስም ዝተጠርነፉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ናይ ክርስትያን ወይ ናይ ትግርኛ መንግስቲ ጥራይ ገይሮም የቕርብዎ፡ ነቲ ንተወላዶ ብሄረ ትግርኛ ዝወርዶም ውርደትን ስቓይን ድማ ከምዘይናቶም ይርእይዎ፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ`ውን ኣነኣኢሶም የቕርብዎ። ብኣንጻሩ እቲ ንመሰል ትግርኛ እቃለስ ኣለኹ ዝብል ወገን፡ ኵሉ ወፍሪ ኣብ ምምዕባል እቶም ንሱ `እንዳን ቀቢላን` እናበለ ዝጽውዖም ወገናት ከምዝውዕልን ዕብየቶም ንደቂ ትግርኛ መስዋእቲ ገይሩ ከምዝፍጸም ይሰብኽ። እቲ ሓቂ ግን ካብ ክልቲኡ ወጻኢ`ዩ ዘሎ። ብዘይካ ውሑዳት ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ምስቲ ስርዓት ዝደናገጹ፡ ኵሉ ይዋረድን ይሳቐን ይስደድን`ዩ ዘሎ፡ እቲ ሓደ ወገን ጥራይ`ዩ ዝጥቀም ዘሎ ዝብል ክሲ ድማ ነቲ ስርዓት ርትዓዊ የምስሎ። ምኽንያቱ ዝበዝሐ ሃብትን ኣታዊታትን ዘለዎ ወገን ዝያዳ ግብርን ቀረጽን ከምዝኸፍል ምግባር ሓደ ካብቲ ርትዓዊ መንግስቲ ዝጥቀመሉ ቅኑዕን ኣገባብ ምክፍፋል ሃብትን ኣገልግሎትን እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ሃብቲ ክትድልብ ዘኽእል ኵነታት ፍጹም የለን። ካብ ኣርእስቲ ሶሻል መድያ ከይወጻእኩ ሓደ ዝገርም ተርእዮ ክጠቅስ። እዚ ድማ እቶም ወነንቲ ኣባይቲ ሶሻል መድያ ነቲ ምስኦም ዘይሰማማዕ ኣረኣእያ ዘለዎ ወገን `እዚ እንዛረበሉ ኣርእስቲ ንኣና ጥራይ`ዩ ዝምልከት፡ ትም ኢልካ ስማዕ ወይ ክንሰጐካ ኢና` ዝብል ምጕቡዕባዕ ዝመልኦ ኣካይዳ ልሙድ ምዃኑ`ዩ። እሞ ንደቂ ሃገር `እዚ ሃገርኩም ኣይኮነን ወይ ድማ ናይ ሸሪዓ ሕጊ ከትኣታቱ`የ` እናበልካኦምስ ከመይሉ`ዩ ዘይምልከቶም።

 

መደምደምታ

ሃገር ከም ሰብ ይውለድ፡ ይዓብን ይኣርግን፡ ይመውት`ውን ዝብል ሓደ ሓቀኛ ኣባሃህላ ኣሎ። ስልጡንን ንኵሉ ዘሳትፍ ፖለቲካ ድማ ንሃገር ብኣወንታዊ መንገዲ ይቕይራን ቀጻልነታ ከምእተረጋግጽ ይገብራን። ምኽንያቱ ቅኑዕ መዛተዪ ባይታ ምስዚህሉ፡ ሰባት ምሉእ ብምሉእ`ኳ ክሰማምዑ እንተዘይከኣሉ፡ ፍልልያቶም ከጽብቡ ዘለዎም ተኽእሎ ዝዓበየ ይኸውን። ምርድዳእ ድማ ፍልልያትካ ፈሊጥካ፡ ኣብ ዘሰማምዑኻ ነገራት ብሓደ ምስራሕን ተኻባቢርካ ምንባርን ማለት`ዩ። ፍልልይካ ኵሉ ከተጥፍእ ግን ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራን ምስኡ ዝኸዱ እተፈላለዩ ድልየታትን ኣመልኪቱ፡ እተገብረ ዋዕላ የልቦን። ናጽነት ሃገርና ድሕሪ ምርግጋጹ፡ እንታይ ዓይነት ሃገር ክንምስርትን ክንሃንጽን ከምእንደሊ ከም ህዝቢ ኣይዘተናን፡ ኵሉ ወገን ነናይ በይኑ ኤርትራ ኣብ ልቡ ሒዙ`ዩ ዝጐዓዝ ዘሎ`ዩ ዝመስል። ንቅዋም ሃገረ ኤርትራ ወሲኽካ፡ ኵሉ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ወይ ብሓኪም ከም ዝእዘዝ መድሃኒት ክትውሕጦ ዘሎካ ድኣምበር ብዘይካ እቲ ናይ 1993 ረፈረንደም ህዝቢ ብቐጥታ እተሳተፎ ሃገራዊ ጕዳይ ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን።

 

መራሕትን ሰዓብትን ናይዚ ጥሩፍ ኣረኣእያ መንእሰያት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ተሓቢሩ`ሎ። ርግጽ’ዩ መንእሰያት ሃገርና ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣደራዕ ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ጠንቂን መበገሲን ናይቲ ውርደት ክርድኡን ፍታሕ ክደልዩን ክሓስቡ ድማ ንቡር ግብረ-መልሲ`ዩ። ነቲ ኣሳታፊ ዘይኮነ ፖለቲካን ንሱ ዝፈጠሮ ግጉይ ምሕደራን ገዲፍካ ነቶም ከማኻ ግዳያት ንዝኾኑ ውጹዓት ወገናት (ወረ ገሊኦምሲ ካባኻ ንላዕሊ’ውን እተወጽዑ) ከም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ጊርካ ምሕሳብ ግን ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን። ሰባት ብምኽንያት መንነቶም ዝግፉዑሉ ኵነታት ምፍጣር ወይ ድማ ካብ ካልእ ቦታ ስለዝመጻእካ ኣብዚ ክትነብር ኣይትኽእልን እናበልካ ንካልኦት ዜጋታት ሃገር ምውራድ ምስ`ቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ኣካይዳ መንእሰያት ሂትለር (Hitler Youth) እንተወሓደ ብደረጃ ኣተሓሳስባ ይመሳሰል። ንለውጢ ኵልና ንደልዮ ኢና፡ እቲ ዝመጽእ ለውጢ ግን ንዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሃገሩ ምንባር ዘየፍቅድን፡ ዋና ሃገሩ ናይ ምዃን መሰሉ ዝኸልእ ክኸውን የብሉን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Wedi Hagher January 20, 2019

    ኣብ ኤሪትራ ፥ ኣኽራሪነት ፥ ኣካል ናይ ምልካዊ ስርዓት ስነሓሳብ ስዉር መሳሪሒ እዪ።
    ኣብ ግዜ ሰውራ ይኹን ብድሕሪኡ ፥ መራሕቲ ፥ ክስዕቦም ንዝደለዩዎ ክፋል ህዝቢ ፣ ጉጂለ ፣ ዉልቐሰብ፥ ብሑሹኽ ክምልምሉሉ ዝጸነዝሑሉ ኣገባብ እዪ። “ነዞም ____ ንጠንቀቆሎም” እንዳ በሉ እዮን ኣስመራ ኣቲዮም።
    ስለዚ እቲ ናይ ጽልኢ ስነሓሳብ ፥ ካብ ዉድብ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ገዚፉ እምበር ፥ ምስ ዋርሳይ ኣይተወልደን ፥ ኣብ ሕብረተሰብውን ኣይነበረን።

Post a Reply to Wedi Hagher Cancel Reply