Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Assenna Donation Update: New Orleans Friends of Assenna donated $730.00 – Yohannes Ogbu from Netherlands €500.00- Total so far, $7,440.00, £1049.03, €1,500.00, 7500 NK, 2000 Kr. Thank you ! – KEEP DONATING!

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ክቡራት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ክፍሊት ሳተላይት ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ኣቋሪጻ ዝጸንሐት ራድዮ ኣሰና፡ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶም ውፉያት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ `ንሕና ከለና እታ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ራድዮ

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ክቡራት ኤርትራውያን፡

ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ክፍሊት ሳተላይት ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ኣቋሪጻ ዝጸንሐት ራድዮ ኣሰና፡ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶም ውፉያት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ `ንሕና ከለና እታ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ራድዮ ኣሰና ደው ክትብል የብላን` ኢሎም፡ ናይ ሳተላይት ወጻኢታታ ክሽፍኑ ብዝኣተዉዎ መብጽዓ መሰረት፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብዚ ሒደት መዓልታት ተሪፉዎ ዘሎ ወርሒ ግንቦት፡ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምሮ ተዳልያ ከምዘላ ብሓጎስ ተበስረኩም።

ነዞም ሻቕሎት ህዝብን ሃገርን ሕልናዊ ድርኺት ፈጢሩሎም እዋናዊ ሃገራዊ ኣበርክቶ ብምግባር፡ ከም ቀደማ ድምጺ ናይቲ ድምጹ ብሓይሊ ምልካዊ ስርዓት ተዓፊኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና መቓልሕ ሓርነት ምንጒድጓድ ክትቅጽል ኣኻእሎ ንዝሃቡዋ ውፉያት ኤርትራውያን ከኣ፡ ብስም`ቲ ዓስቢ መስዋእቲ ጀጋኑ ደቁ ተነፊጉ፡ ኣብ ክንዲ ሓርነትን ራህዋን፡ ዓመጽን ውርደትን ዝተፈድየ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝያ ተመስግኖም።

ድምጺ ኣሰና፡ ቅድሚ ኣስታት 10 ዓመት ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ብደገፍ ህዝቢ ካብ ዝጀመረትሉ እዋን `መርፍእ ኣለና ፈትሊ ኩኑና` ኢላ ንዘቕረበትልኩም ሃገራዊ ጻውዒት ኣውንታዊ ምላሽ ብምሃብ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብምስግጋር ንዓመታት ዘሳለኹማ ውሑዳትን ርቡሓትን ኤርትራውያን `ውን፡ ታሪኻዊ ኣበርክቶኹም ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ስኑድ እዩ።

ሳላ ኣበርክቶኹም፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝተሳቐየ ኤርትራዊ መንእሰይ ቃንዝኡ ኣብ እዝኒ ዓለም በጺሑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ስርዓት ምግልጋል ንህዝብኻ ምብዳል ምዃኑ ነቒሖምሉ `ፎእ` ስለዝበሉዎ፡ እቲ ብደረጃ ከተማ ሆጭ ኢሉ ኣዳራሽ ዝጸቦ ዝነበረ መጋብኣያታቱ ብደረጃ ክፍሊ ዓለም `ኳ ጸምዩ፡ ንጣር ሰብ ዝተቐመጦ ናይ ሰድያታት ኣኼባ ኮይኑ ተሪፉ፡ ብዓቢኡ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስጢርን ውዲትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ በሪሁሉ፡ ብልቡ `ይኣክል` ኢሉ፡ ምልካዊ ምሕደራ ብተግባር ንሓዋሩ ካብ ገጽ ኤርትራ ንምሕካኽ መደምሰስ ሃስስ ክብል ይርአ `ሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ተዋህሊሉ ዘሎ ንቕሓት ከኣ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ተሓቢኡሉ ዝጸንሐ ብዓቲ ባውዛ ብርሃን ዝቐደዶ መታለሊ ስርዓት፡ እዋን ዕርበቱ ኣኺላ መሬት ከምዝወግሖ ዝብኢ ዓወንወን ይብል ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህጹጽ ኩነታት፡ እታ ንክዉንነት ህዝቢ ኤርትራ ብዘይቃልዓለም ብምንጽብራቕ፡ ለውጢ ብቕጽበት ክረጋገጽ ብዘይነግፈረግ እትጽውዕ ራድዮ ኣሰና፡ መደባታ ንግዚኡ ምትዕንቓፉ ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን`ምበር፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓመጽን ማእሰርትን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ብጥምየትን ድኽነትን ከንበርክኽ ድቃስ ዘይብሉ ስርዓት፡ ምእንቲ `ዚ ዕላማ `ዚ ዘተኣታተዎ ምቕያር ባጤራን ዘይርትዓዊ ምጒዳል ሸርፍን፡ ንዓቕሚ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝንበር ህዝቢ ዝጥውር ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ኣዝዩ ስለዝጸለዎ፡ ከምቲ ንሓያለ ዓመታት ዝገበርናዮ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ዘሰጋገር ደገፍ ምሕታት ኣማቲኡና፡ ካልእ ቀጻልነት ዘለዎ ብልሓት ከነናዲ ንግዚኡ ከነወንዝፎ ተገዲድና ጸኒሕና።

እንተኾነ፡ እታ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ሰሚዓ ኣብ ኤርትራ ህጹጽን ሓቀኛን ለውጢ ክረጋገጽ ብእትገብሮ ተወፋነትን ጻዕርን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዘሕደረት ራድዮ ኣሰና ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ምብኳራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ባእታታት መደብና ዳግማይ ክንጅምር ክገብሩልና ዝጸንሑ ቀጻሊ ጻውዒትንን ምትብባዕን ሕልናዊ ቅሳነት ስለዝኸልኣና፡ እቲ ቀጻልነት ብዘለዎ ውዱን መንገዲ ንምክያዱ ነሰላስሎ ዘለና ናይ ነዊሕ ውጥን ኣብ ቦትኡ ኸሎ ዝተወከስናዮም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣውንታዊ ግብረመልሲ ስለዝሃቡና፡ እንሆ እቲ ዕድል ፈነወ ናብ ኤርትራ ዳግም ተሳሊጡ፡ ንምጅማሩ ተዳሊና ኣለና።

ብኣንጻር `ቲ እኩይ ውዲቱ ንምስልሳል ጸላም ዝብርሆ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ወጋሕታ ሓርነት ሃረር ዝብል ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣዋህሊሉዎ ዘሎ ንቕሓት ናብ ተግባር ተቐይሩ፡ ጸሓዩ ናብ ሰማይ ኤርትራ ተሰቒላ ሓርነት ከስተማቕር ከኣ፡ ድምጺ ኣሰና፡ ሕጂ `ውን ከም ቀደም ዝለዓለ ሃገራዊ ወንን ኒሕን ዓጢቓ ተዳልያ ኣላ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ሓርነትን ራህዋን ህዝቡ ዘገድሶ ኤርትራዊ ክተሓባበራ ብልዑል ኣኽብሮት ትጽውዕ።

እቲ ሳላ `ዞም ግዱሳት ሃገራውያን ዝገበሩዎ መብጽዓ ውሕስነት ተረኺቡሉ ዘሎ ገንዘባዊ ደገፍ ንኽፍሊት ሳተላይት ዝዓምም ክኸውን ከሎ፡ እቲ መዓልታዊ ዝካየድ ትሕዝቶ ፈነወ ራድዮ ኣሰና ኣድማዒ ክኸውን ምእንቲ፡ ነቲ ካብ ምእካብ ሓበሬታ ክሳብ ምፍናው ትሕዝቶ መደባት ዘሎ ሓያል መስርሕ ዘሳልጥ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምሽፋን ህዝባዊ ኣበርክቶ ስለዘድሊ፡ ካብ ሎሚ 20 ሚያዝያ – ክሳብ 20 ግንቦት ዝጸንሕ ንጡፍ ወፍሪ ምድላብ ሓገዝን ወፈያታትን ኣበጊስና ከምዘለና ንሕብረኩም። እቲ ነዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕማም ንምስላጥ ክንበጽሖ ዘለና ታርጌት 30 ሽሕ ዶላር ምዃኑ እናኣዘኻኸርና ድማ፡ ከም ቀደም ወፈያኹምን ደገፍኩምን ከይፍለየና ንጽውዕ።

እወ፡ ሕጂ `ውን ከም ቀደም `መርፍእ ኣለና ፈትሊ ኩኑና!`፡ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ወጮ ሕፍረት፡ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካባ ክብረት ከነልብሶ፡ ብሓባር ስለ ፍትሕን ሓርነትን `ኢደይ ኢድካ` ንበል!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

Assenna Foundation Ltd

20 ሚያዝያ 2018

ወፈያ ንምግባር ዘድልየኩም ዝርዝራዊ ሓበሬታ ባንክ ይኹን ፐይፓል ንምርካብ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና archive.assenna.com ተወከሱ፡

Contributor Country/City Amount Donated
1 Anonymous USA $1000.00
2. ብስም ስውእቲ ተጋዳሊት ጽጋብነሽ ዘርኡ Germany €100.00
3. Mulugeta Kahsay £150.00
4. Mussie Abraha  USA $ 500.00
 5.  Said Taha  Sweden, Stockholm  £100.00
 6.  ዳኘው ኣስፍሃ  ኖርወይ፣ ኦስሎ  1000.00 ክሮና
 7.  ዳዊት ተኪኤ  ኖርወይ፡ ኦስሎ  1000.00 ክሮና
 8.  ተስፋማርያም ወልደገርግስ  ኖርወይ፡ ኦስሎ  1000.00 ክሮና
 9.  ወዲ ኣስመራ ጻዕዳ  ኖርወይ፡ ኦስሎ  1000.00 ክሮና
 10.  መሓመድ ብርሃን ፍትዊ  ኖርወይ፡ ኦስሎ  500.00 ክሮና
 11.  ኪዳነ መሓሪ  ኖርወይ፡ ኦስሎ  500.00 ክሮና
 12  ወልደኣብ ፍስሓጼን  ኖርወይ፡ ኦስሎ  500.00 ክሮና
 13  ጆርጅ ገብረስላሴ  USA  $210.00
 14  ስም ብምዕቃብ ዘወፈየ  ኖርወይ  500.00 ክሮና
 15  ሳምራዊት ኖርወይ  1000.00 ክሮና
 16  ብርሃነ ሃ/ስላሰ ብስም ቢተወደድ ኣብርሃ  ሰያትል/ኣመሪካ  $200.00
 17  ዮሴፍ ሃብተ  ኖርወይ፡ ኦስሎ  500.00 ክሮና
 18  ክፍሎም በየነ  ስዊዘርላንድ  £169.10
 19  ሃብቶም ኪሮስ  ኣመሪካ፡ ፍሎሪዳ  £69.36
 20  ጳውሎስ ገረወልዲ  £85.57
 21  ግዱስ ደጋፊ  ሽወደን  1000.00 Kr
 22  ግድስቲ ደጋፊት  ሽወደን  1000.00 Kr
 23  መሓመድ እስማዒል  ኣመሪካ፡ ካሊፍርንያ  $200.00
 24  ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ  ኣመሪካ፡ ላስቬጋስ  $100.00
 25  ተስፋኣለም በርሀ  ኣመሪካ፡ ላስቬጋስ  $200.00
 26  ዘርኡ ቦኽረጼን  £50.00
 27  ልኡል ሊበን  ቴልኣቪቭ/ እስራኤል  $210.00
 28  ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ ግዱስ ደጋፊ  ቴልኣቪቭ/ እስራኤል  $340.00
 29  ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ግዱስ ደጋፊ  ለንደን/ ዓዲ እንግሊዝ  £100.00
 30  ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ደጋፊ ኣሰና  ለንደን/ ዓዲ እንግሊዝ  £120
 31  ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ደጋፊ ኣሰና  ጀርመን  €100.00
 32  ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ትቕመጥ ኣደ ብስም ኣብ መቐለ ምእንቲ ኤርትራ ዝተሰውኤ ኣብርሃ ተኪኤ  ጀርመን  €100.00
 33  ዓንደማርያም ብርሃነ  ጀርመን  €200.00
 34  ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ደጋፊ ኣሰና  ዱባይ  $100.00
 35  እስቅያስ ናይዝጊ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር መንግስትኣብ፡ ወርሓዊ ብቐጻሊ ዘወፍዩ  ዲትሮይድ፡ ኣመሪካ  £185.00
 36  ጸጋ እምባየ፡ ወርሓዊ ብቐጻሊ እተወፊ  ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ  £20.00
 37  ስማ ክዕቀበላ ዝሓተተት ግድስቲ ደጋፊት ኣሰና  ኦታዋ፡ ካናዳ  $300.00
 38  ኣን ጆርጅ  – ብስም

  • ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ
  • ህብብቲ ድምጻዊት/ተጋ ተበርህ ተስፋሁነኝ
  • ስዉእ ኢብራሂም ዓፋ
  • ጅግና ተጋዳላይ ሃይለ ወ/ትንሳኤ
  • ጅግና ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ
  • ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ)
 ኣመሪካ  $500.00
 39  ዓንደብርሃን ዑቕባ  ሳንታ ሮዛ፡ ኣመሪካ  $100.00
 40  KTK – ብቐጻሊ ዘወፊ ግዱስ  ሳንታ ሮዛ፡  ኣመሪካ  $110.00
 41  Supporters & Friends of Assenna  Boston & Environs, USA  $2640.00
 42  Anonymous Sister Justice Seeker  Netherlands  €500.00
 43  New Orleans Friends of Assenna  USA  $730.00
 44  Yohannes Ogbu  Netherlands  €500.00

ክቡራት ተኸታተልትን ደገፍትን ኣሰና፡ ከምቲ ኣብ ጻውዒትና ብሰፊሑ ዝገለጽናዮ፡ ነዚ ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ እንደገና ኣብ ወርሒ ግንቦት እንጅምሮ ዘለና መዓልታዊ ዝካየድ ፈነወ ሳተላይት ራድዮ ናብ ኤርትራ ኣድማዒ ንምግባር ጀሚርናዮ ዘለና ንሓደ ወርሒ ክሳብ 22 ግንቦት ዝጸንሕ ጎስጓስ ንምዕዋት ኢደይ ኢድካ ክትብሉ ደጊምና ነዘኻኽረኩም።

ብቐጥታ ወፈያን ኣበርክቶን ክትገብሩሉ እትኽእሉ መሳለጥያታት ባንክን ፐይፓልን ኣብ መርበብ ሓበሬታን ፈይስቡክን ኳ እንተሎ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቀጥታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ዘጻግመኩም እንተደኣኾይኑ፡ ጻዕርኹም ንምቅላልን ግዜኹም ንምቕቚጣብን ካልእ ኣማራጺ መታን ክትረኽቡ፡ ብቐሊሉ ተራኺብኩም ወፈያ ከተመሓላልፉሎም ወይ ሓበሬታ ክትውከሱዎም እትኽእሉ ወከልቲ ኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተዳልዮም ከምዘለዉ `ውን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽረኩም።

ንሳቶም ከኣ፡

ወኪል ኣዕሩኽ ኣሰና ሃገር ከተማ ቁጽሪ ቴለፎን
 

እስቅያስ ናይዝጊ

 

መድሃኔ ኣፈወርቂ

 

ዓንደብርሃን ዑቕበ

መሓመድ እስማዒል

 

ኣመሪካ

 

ኣመሪካ

 

ኣመሪካ

ኣመሪካ

 

ዲትሮይት/ሚሺጋን

 

ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን

 

ካሊፎርንያን ከባቢኣን

ካሊፎርንያን ከባቢኣን

 

 

7343315372

 

4086037040

 

707/318-8816

5106889988

 

በራኺ ዮሃንስ ካናዳ ኦታዋ 6137613324
ተስፋማርያም ወለገርግስ ኖርወይ ኦስሎ 96828570
ክብፍሎም በየነ ስዊዘርላንድ 763486375
ተኽለ ዓዲ ጥልያን ሚላኖ 03397499501
ኣሮን ኣርኣያ ጀርመን ፍራንክፈርት 015780269940
ዮሃንስ ዑቕቡ ሆላንድ ሮተርዳም 643197595
ኣማን ታደሰ ሽወደን 727604470
ዓንደማርያም ብርሃነ ጀርመን ኑረምበግ 1736937307
ገብሪሂወት መለስ እስራኤል ተልኣቪቭ 0543177850

እዮም።

ኣስማተን ኣብዚ ኣብ ዘይተረቚሓ ሃገራት እትነብሩ ከም ኣዕሩኽ ኣሰና ኣበርክቶ ክትገብሩ ግዱሳት ወለንተኛታት እንተሊኹም ውን ከም ወከልቲ ናይቲ እትነሩሉ ሃገር ክትተሓባበሩና ንጽውዕ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣሰና ፋውንዴሽን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Asmerom April 24, 2018

    The biggest and only bisrat Eritreans want to hear or see is when DIA is found under the tunnel hiding like Gadafy.

    • Muller-Mulugeta April 24, 2018

      Haw Asmerom, I couldn’t agree more with your fantastic comment and let’s hope Assenna’s radio or camera would be there to bring us the utmost joy, satisfaction and wild celebration. Keep it up.

    • sami April 24, 2018

      Asmerom, but we don’t have that many tunnels left in Eritrea for hiding like Libyans. Remember, most of our tunnels/bridges, infrastructures were destroyed by the all alien loving evil ghedli shefatu/bandits with their savage evil muslim jihadist terrorists. We have to beg our old fascist Italians to come back and rebuild it as the barbarian savage Arabs are only good at destroying our ancient proud civilization, tradition and culture. Furthermore, DIA is too smart not to be found under the stinky muslim tunnels, he has built so many villas abroad for his and his family retirement.

      • sami April 24, 2018

        not to forget the barbarian savage Arabs with their ROOTLESS CANCEROUS muslim evil korakur also burning our Eritrean languages/text books in order to have savage Arabic.

  • rezen April 24, 2018

    .Let us use ‘diplomatic’ format, since the State of Eritrea is a Member of the UN Organization (and hopefully will remain so) where nuances are preferred than hard expressions. We thus urge Issayas to step down from his post, though it would be easier to conjure Heaven and Hell merging together.

    The absurdity aside, shouldn’t Diaspora Eritreans [who are comfortable and free abroad] be united for one and only one goal, instead of having multiple groups all claiming [pretending] to be working for one aim? There is something seriously wrong and fishy here. Let’s be honest: we are deceiving each other on a daily basis. Let me repeat, what else can one say when strings of so-called “oppositions” mushroom, one after the other, purporting to be aiming for the SAME purpose!!! Is that believable? Indeed, are we serious?

    Please note: WE Eritreans, in totality, have come to be fully aware for, at least, the last 24 years THE TRUE NATURE OF ISSAYAS, without a shred of doubt. We were DUPED. Please answer these questions honestly to yourself>>>a) Why did it take us so long to take action? b) Do you really believe we will have concerted unified opposition to unseat Issayas in the next immediate future?

    History teaches us that other nations have also gone through the same deception; but they accepted their historical mistake; and forged ahead in one mind and heart to become one of the great nations on Earth. Eritrea has (theoretically) the choice for being a worthy nation in its own merit and size or ALTERNATIVELY to disintegrate into pieces of land for the benefit of others. Please note: It is estimated (by International Organizations) that by the end of 2015 there were about 474,000 Eritrean REFUGEES (8% of the population) scattered around the Globe. To take concerted action to avoid the lingering final catastrophe is, exclusively, Eritreans’ CHOICE. Are we ready to be COHESIVE FORCE against our own perennial diseases of religion, region and other petty parochial maters? THE ANSWER IS OURS, INDIVIDUALLY, .INDEPENDENTLY. No amount of intimidation, insults and sleek tact of divisions of society on the Internet is going to change reality on the ground. THE END

  • Yohan April 25, 2018

    Mr Rezene,
    Yes indeed, nearly everybody is accountable for the horrors that took place in the making of Eritrea.
    The Ghedli violence was not the work of Isaias alone,or his close comrades. Almost everyone, who participated
    as a tegadalay with the fronts, their secret cells and mass organizations, and those in the diaspora are responsible
    for the systematic slaughter of many innocent Eritreans. Many victims were also at one time victimizers;
    doing the dirty work. The making of poor Eritrea is full of violence and complex indeed.
    But dictators like Esayas are not created in empty space. What breeds dictatorship is above all the disgraceful
    silence of complacency. It is those who looked other way because they didn’t want to see, those who didn’t see
    although they could see, those who are neither deaf nor mute but refuse to hear to the cries of suffering
    compatriots ans refuse to speak on behalf of the persecuted.
    Indeed as you said it, when are we ever going to stop deceiving ourselves and accept our historical mistakes?????

  • ISSAYAS AFEWORKI May 25, 2018

    message from PIA:-.AGAME WAS IS YOUR LORD FOR EVER !!!!

    • amanuel May 28, 2018

      Agame
      Once hunted down in ethiopia and eradicated will not survive in eritrea too.

Post a Reply to amanuel Cancel Reply