Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ መዕነዊ ፖሊስን ኣተሓሕዛን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ‘ቲ ግበታን ብሕትውናን ስልጣን እምበር ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር ዘይዓጦ፣ ስሱዕ ኣተሓሕዛን መዕነዊ ፖሊስን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እታ ከም ንቡር ክሳብ 450 ሓይሊ ሰብ ክትሕዝ ዝግብኣ ቦጦሎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 20-30 ሰብ ጥራይ ሒዛ

ብሰንኪ ‘ቲ ግበታን ብሕትውናን ስልጣን እምበር ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር ዘይዓጦ፣ ስሱዕ ኣተሓሕዛን መዕነዊ ፖሊስን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እታ ከም ንቡር ክሳብ 450 ሓይሊ ሰብ ክትሕዝ ዝግብኣ ቦጦሎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 20-30 ሰብ ጥራይ ሒዛ ብምትራፋ ዓቕሚ ሰራዊት ኤርትራ ኣዝዩ ተዳኺሙ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት፣ ብዘይካ ‘ቶም ብደረጃ ሓላፍነት ተመዲቦም ዝነበሩ ተጋደልቲ ነበር፣ ሓይልታት ምክልኻል ብመሰረቱ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘቕቢቡ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ እቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ፣ ብፊንታ ኢሳይያስ ዝተኣታተወ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ዘቝረጾም መንእሰያት መሳርዖም ጠንጢኖም ብቓፍላያት ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም ቀንዲ ጠንቂ ምጽንቃቕ ዓቕሚ ሰብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

በዚ ናይ ሕጂ ኩነታት፣ እታ ብ 9 (ትሽዓተ) ጋንታት እትቐውም ቦጦሎኒ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ጋንታ ‘ኳ ክትመልእ ከምዘይትኽእል ብምምልካት፣ “ክፉእ ኣይምጻእ፣ ሃገር ብሰራዊት ዘይኮነ በባጅጎ እያ ትሕሎ ዘላ” ክብሉ፣ እቲ መዕነዊ ፖሊሲ ኢሳይያስ ንሃገርና ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንሓደጋ ኣቃሊዑዋ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

እቶም ተራ ኣባላት ይኹኑ ታሕተዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል ናብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡትንን የመንን በብዝቐረቦም ናብ ስደት ክብተኑ ከለው፣ ነቶም ዝርካቦም ምኩራት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ስልጣኑ ክመጽኦ ንዝኽእል ሓደጋ ንምውሓድን ንምቍጽጻርን ክብል ኢሳይያስ ካብቲ ኣጸቢቖም ዝመልኩዎ ዓውዲ ውትህድርና ናብ ዘይፈልጡዎ ሲቪላዊ ምሕደራ ብምሽካል፣ ንሓይልታት ምክልኻል ብላዕልን ብታሕትን መመሊሱ የዳኽሞ ምህላዉ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • belay nega April 8, 2014

    Bitew Ahferom

    እዛ ዓጋመ ዓጋመ ምባልሲ: ዓጋመ ንኽብል ላይሰንስ ዝተዋሃቦ ዓጋመ ተምስለካ’ላ::

  • abeba April 10, 2014

    husur qorbet amanuel iyasu. tfaa kelbi

  • salma a. April 10, 2014

    abeba,
    resah balege. nski xemam slezkonki kulu seb kemaki xemam kikewn deliki. ebdti kelbi! ms lebamat sleztexarefki mesetom iki malet aykonen. hisrti, nebsa zeytekibr wrdetegna.

  • silent April 12, 2014

    ስራሕን ድኻምን ጀጋኑ ደቒ ሀገር ከተናእሱ መሪየት ዓሪባትኩም…እንተ እዛ ሐላል መሬት ግን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብኹሉ ሸነኻትን መዔቐንን ትምዕብል አላ፣
    ግዚያዊ ጸገማታ ብዘይ የገድስ..ዕረ ድአ ይጥዓምኩም እንበር..አጸቢቓ ክትምዕብል እያ!!
    ዕድመ ንሻዕብያን ደቒ ሐራስ ነብሪ ዝኾኑ ደቒ ሳዋን!!!

  • open your mind April 14, 2014

    SILENT ON
    STILL YOU ARE SILENT .DEKISKA EKE ZELEKA.YOU ARE SILENT OFF.JAHRA HASOT. KEM ESAYAS HALEWLEW MIBAL STOP IT.WHAT WAS THE SOLE REASON HIZBAWI GINBAR STRUGGLED FOR .WAS IS FOR ESAYAS TO STAY IN POWER AND DICTATE EVERYONE AND EVERYTHING OR TO CREATE A DEMOCRATIC NATION THAT EVERY ERITREAN ENJOYS .WHERE ARE WE TODAY .LEKLAKI .WAKE UP DONT SELL YOUR SOUL.

  • ጎበዛይ April 14, 2014

    ዝሓለፈ አንዳረሳካ ብጊዚያዊ ጥቕሚን ሚስ ፀላእትኻ ወጊንካ ጽባሕ እኝጥእይ ዪገብሩኽ ዘይቲፈሊጥ ብዝገበርካዮ ገጋ ዘይትመሃር ተኾንካ ኣበየነይቲ ሃገር ከምእውን ኣየናይ ሃገራዊነት ከም ዘለኩም ዘንጊኩም ኣለኩም

  • መትከላዊ April 16, 2014

    ኣንቱም ሰባት—-ንዕዉር (ዕዉር) እንተበልካዮ የሕርቖ ድዩ? ንኣማኒኤል ኢያሱ ከኣ ዝበልኩም በልዎ እቲ ውርደትን ሕስረትን ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ኢዩ። ዕሱብ ናይቶም ንህዝብናን ንሃገርናን ከጥፍኡ ዝደልዩን ዝምነዩን ወያነ ካብ ኮነ ከም ሰብ ክትሪኦ እውን ዘይግብኦ ሰብ ኢዩ። ነቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ምእንትኡ ዝወደቑን ዝሓለፉን ዝረስዐ ፍንፉን ሰብ ኢዩኮ።

  • Hidat April 18, 2014

    METKELAWI
    HAK`KA IKA HAGERAWI KIMESIL XELETENA WEYANEN AWAFERTOMEN BZETOKOBLU GENZEB ANXAR HAGERU ZIKALES SEBSI EZI ZEBELKAYO EQU KIWIHDO.

    ENTOKONE” KOMATA KOMATA KALALUT GEBTO YEFETEFTAL” MISLA AMHARA SILE ZIKONE.
    NETOM BXEUF ZIWAGUNA BIXEUF KINMELISELOM ALENA.

    BEBZELENAYO NISKA´`WIN KAB MIXEHF AYTIKOTEB.

    ENTE EZI HAILTAT ERITRA TEDAKIMU ZIBEL ZEREBA NETOM KAB HAGER ZEWEXEWOM ZELEWU MENESEYAT AB GONOM NIMESELAF ZIGEBREWO ZELEWU GOSGUAS TEZEIKOYNU WEYANE DEA AKMI HAYLETAT MIKILKAL ERITRA WERAR AB LIELI WERAR ZEMKENEN BHIGI WIN´`KURUB MUQUANU MEAS TEFIWOM.

    NEHALKI KISAB ZELEWU KON DEKON TEZEIKOYNU KABAYEN KABAKAN NELELI NISATOM BAELOM WEYANEN MEWELTOMEN
    NETOM MESARHI ZIGEBREOM ERITRAWIAN KEM ZENEEKWOM ENTEZEFELTU XEBUK NEYRU.

  • Negasi April 20, 2014

    ብሰንኪ መዕነዊ ፖሊስን ኣተሓሕዛን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ተጸንቀቀ፣ ስለምንታይ መንስይ ህግደፍ ዘየብርዮም ?

Post a Reply to salma a. Cancel Reply