Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ!

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን 'ዩ ስለዚ ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ! እዚ ጽሑፍ'ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ "ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ

ስለዚ

ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ!

እዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ኣብ 17 ክፋላት ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ተኸታታሊ ጽሑፍ ገይረ ዝርእዮ) ዘበጋገሶ ኳ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ነቲ ብትሒምሒም ዝዝረበሉ ከይተፈለጦ ንሕብረተሰብና በብቑሩብ ዘረሓሕቖ ዘሎ ወገናዊ ስምዒታት (ብሕልፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት) ብምጥቕላል፣ ምስቲ ናይ ኤርትራውያን እዋናዊ ኣጀንዳ ለውጢ ብምትእስሳር ንምርኣዩ ዝዓለመ እዩ።

ነዚ ስምዒታት ‘ዚ፣ ቅድሚ ናይ ሓው ታደሰ ቀዳማይ ተኻታታሊ ጽሑፍ ኣብቲ “ኤርትራ መንግስቲ ይኹን ተቓዋሚ ዘይብላ ሃገር” ዝብል ኣርእስቲ፣ “ ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ?” ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብሰፊሑ ዳህሲሰዮ፣ ብድሕሪኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ሰሚናራት ብዝያዳ ድማ ኣብ ቴልኣቪቭ (እስራኤል) ኣልዒለዮ ስለዝነበርኩ፣ ሕጂ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ እየ ክትንክፎ።

ኤርትራውያን ብዝያዳ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄራትን ዝልለ ብዙሕነት ኣለና። ንሓዋሩ ከም ሃገር ውሕስነት መጻኢና ሓሊና ብስኒት ክነብር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ገጢሙና ንዘሎ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ኣዕኒና፣ ልዕልና ሕጊ ዘለዎ፣ ማዕርነትን ፍትሕን ኩሎም ዜጋታት ሃገር ከነረጋግጽ እንተኾይና፣ ኣብ ብዙሕትነትና ዝተመስረተ ሓድነት ከነማዕብል ኣለና። እዚ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ ‘ውን እዩ። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ከም መፈላለዪ ዘይኮነ ከም ጸጋን ጽባቐን ርኢኻ ነዚ ዝዓበየ ሃገራዊ ባህጊ’ዚ ንምጕንጻፍ ኣብ እተቋምተሉ፣ እዞም ዝተጠቕሱ ንጹር መለለዪ ዘለዎም ፍልልያት ዘይብሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ (ህዝቢ ከበሳ) ነቲ ሰብ-ሰርሖ ምምሕዳራዊ ምክፍፋላቱ ባህርያዊ ፍልልይ ዘምስሉ፣ ብሓይሊ ጽልኢ ዝዕድሙ ኣገላልጻታት ክወሃቦ ኸሎ፣ ነቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሓድነት መላእ ህዝቢ ናይ ምምጻእ ጻዕሪ ዘዐንቅፍ ወይ ዘካብድ ተርእዮ ብምዃኑ ብኣግኡ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ መንጎ ኣውራጃን ኣውራጃዊ ስምዒትን ዘሎ ርክብን ፍልልይን ምምልካቱ ጽቡቕ እዩ። ኣውራጃ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ዝርከብ ምምሕዳራዊ ኣከፋፍላ ናይ ሓደ ጅኦግራፊካዊ ኣከባቢ እዩ። ኣውራጃዊ ስምዒት ከኣ፣ ኣብ ረብሓ ናይ ሓደ ኣውራጃ ዘተኩር ዝንባለ እዩ። እቲ ናይ ረብሓ ሃቐነ ብዋጋ ካልኦት ኣውራጃታት ንሓደ ዝተፈለየ ኣውራጃ ክብ ንምባል ዝድለ ክኸውን ከሎ ድማ ጸቢብ ረብሓ ንምርግጋጽ ብዝገብሮ ኣተኵሮ ኣሉታዊ ትርጉም ይህልዎ።

ኣውራጃዊ ምትእስሳር ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓሊፉ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይ ሓደ ሃገር ንምጽላው ወይ ንምዕብላል ምስ ዝህቅን ተኣፋፊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ በቲ ካልእ ናይ ምዕብላል ስምዒት ክሓድሮ ኸሎ ዝርአ ተኣፋፍነት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ዝተሓወሶ ፖለቲካዊ ዕብለላ ‘ውን ኣብ ኣባላት ካልኦት ኣውራጃታት ስግኣት ወይ ዘይውሑስነት (Insecurity) ፈጢሩ ምትፍናን ከምጽእ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ግጭት ክምዕብል ስለዝኽእል፣ ብመንጽር ‘ቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ሓድነት ንምምርግጋጽ ክካየድ ዘለዎ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ።

እቲ ኣውራጃዊ ስግኣት ተሰሚዑዎ ሸቐልቀል ብምባል ስለ ኣውራጅኡ ክከላኸል ወይ ከጥቅዕ ኣብ ናይ ምትሕልላው ኩነት ዝጽመድ ኣካል ኣተሓሳስባኡ ኣብ ኣውራጃዊ ሳንዱቕ ተዓብዒቡ ናብ ሃገራዊ ደረጃ ክብ ከይበለ ወይ ከይሰፍሐ እዩ ዝተርፍ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ድማ ቅድሚ ኹሉ ንወናኒ ናይቲ ኣተሓሳስባ እዩ ዝጎድእ። ፍርሒ ወይ ዘይምትእምማን ሓዲሩካ ንኻልኦት ክትንጽል ተበግሶ ክትወስድ ከለኻ ንርእስኻ ትንጸል ኣለኻ ማለት እዩ። ረብሓኻ ድማ ብመጠን ጽበት ኣተሓሳስባኻ ንእሽቶ እዩ ዝኸውን።

በንጻሩ እቲ ብዓብላልነት ዝውቀስ ወገን፣ ዓብላሊ ስምዒት፣ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ብኣንጻሩ ዘሎ ስምዒት ግዳይነት (Victim Mentality) ዝኸፍአ ሞራላዊ ውድቀት ምዃኑ ብምዝንጋዕ፣ እቲ ኣብ ዓብላልነት ዘሎ ስብእነታዊ ቃና ባህታ ፈጢሩሉ፣ ኣጕል ትምክሕቲ ወሲኹ ኣብቲ ተዋስኦ መመሊሱ ዝጥሕል እንተደኣ ኮይኑ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ታኼላ ድሕረት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። ዓብላልነት ነባሪ ስለዘይኮነ ግዳይ ዕሽሽነቱ ‘ውን ክኸውን ከምዝኽእል ክንዝግዕ ኣይግባእን።

እዞም ክልተ ተተፋነንቲ ስምዒታት፣ ማለት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣለዓዒልካ “ካብ ዕብለላ ክወጽእ ይቃለስ ኣለኹ” እናበልካ (ፈሊጥካ ወይ ከይተፈለጠካ) ንርእስኻ ናብ ዕብለላ ምምራሕ ኮነ፣ በንጻሩ ካብ ስግኣት ተበጊስካ ብኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዕብለላ ንምክልኻል ክትብል ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣውራጃዊ ቀጽሪ ከተደልድል ምሕላን፣ ነቲ ምትፍናን መሊሶም ነዳዲ ዝውስኹሉ መዕነውቲ ስጉምታት ብምዃኖም ከነወግዶም ይግባእ።

ስለዚ በንጻር’ዚ ምትፍናንን ሕነኣዊ መንፈስን ዘሐይል ዝንባለ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሕመረቶም ፖለቲካዊ መትከላት ዘተኮረ ሃገራዊ ራእይ ንምምዕባል ክጸዓር ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሻራዊ ኣብ መትከላዊ መርገጺታት ክንኣምን ኣለና። ዕብለላ፣ ማዕርነት ብምርግጋጽ እምበር ብቕዳሕ ዕብለላ ኣይፍታሕን እዩ። ማዕርነት ንምርግጋጽ ከኣ ሕግን ፍትሕን ምንጋስ እዩ ዘድሊ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝተኻየደ ጭቡጥ መጽናዕቲ ‘ኳ እንተዘየለ፣ ክሳብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ኣሉታዊ ቓና ዘለዎ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣብ ሕብረተሰብና ሱር ኣይሰደደን ክብሃል ይከኣል። ሎሚ ሎሚ ግን ብፍላይ ኣብ ስደት በጨቕታቱ ርኡይ እናኾነ፣ ዓውታ እናወሰኸ፣ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ዓድኻን ወዲ ዓድኻን ምፍታው ልሙድ ‘ኳ እንተኾነ ብኣሉታ ዝግለጽ፣ ወይ ነቲ ኻልእ ኣውራጃ ኣብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዘውድቕ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣይነበረን። ብኣበዋት፣ ዓድን መበቆልን ሓዱሽ ገጽ ምሕታት ልሙድ እዩ ነይሩ። መልስኻ ኣሰር ኣፋትል ዝምድና እንተረኸቡሉ፣ መሊሶም ይስዕሙኻ፣ እንተዘየለ “መዋስብትና እንዲኹም” ኢሎም የቀራርቡዎ፣ ካብኡ እንተሓለፈ፣ “መሳድድትና እንዲኹም” ኢሎም የዛንዩኻ። እምበር፣ ካብ ካልእ ኣውራጃ ዝመጽአ ሰብ ተቐቲሉ ሓዲሩ ዝብል ዘረባ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ሕብረተሰብና፣ ኣሽንባይ ዶ ካብ ኣውራጃታት ኤርትራ ካብ ስግር ዶብ ንዝመጹ ኣጋይሽ ዘእንግድ፣ ገበላኡ ለጊሱ ልቡ ኣውዲቑ ዝሓድር ኣማንን ልዙብን ሕብረተሰብ እዩ ዝነበረ።

ብድሕሪ’ዚ ዝተዛነየ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብና፣ ብፍላይ ካብ ዘበነ ሓርነታዊ ቃልሲ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ግን ክልተ ጥሩፋት ዝንባለታት እናጎልሑ ክመጽኡ ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ንባዕላዊ ፍርሒ መራሕቲ ኣብቲ ሽዑ ፋሽን ዝነበረ ማሕበርነታዊ ፍልስፍና ዘዕቆበ ገድሊ መበቆል ዓዲ ምጥቃስ ከም ነውሪ ክሳብ ምርኣይ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኸኣ፣ “ብኣውራጃ ፖለቲካዊ ውደባ ምክያድ እንታይ ነውሪ ኣለዎ” ናብ ምባል ገጹ ዘምርሐ ኣተሓሳስባታት ከቀላቐል ይርአ ‘ሎ።

ዋላ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ፈተነታት ‘ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ እቲ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ዝበዝሐ ህዝቢ፣ እዚ ሻራዊ ጎደና’ዚ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ መንገዲ ምዃኑ ይርዳእ እዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ኩሎም ወገናት ዘለዉ ሒደት ጥሩፍ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀሰባት ዘናፍሱዎም ክዉናትን ዘይክዉናትን ወረታት በብቑሩብ ኣብ ህዝቢ ከም ክልሸታት (stereotypes) እናሰረጹ ኽኸዱን፣ ምንጪ ምትፍናን ክኾኑ ስለዝኽእሉን ብኣግኡ ክመሓዉ፣ ዓዲ፣ ኣውራጃ፣ ሃገር ከምቲ ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብና ዝነበረ እቲ ንቡር ኣውንታዊ ሚዛኑ ክሕሉ ኣለዎ።

ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ፣ ኣብ መትከላት ዝተመስረተ ርትዓዊ መጎተ ዕሽሽ ኢሉ ብባዕላዊ ስምዒት ዝተዋሕጠ ስለዝኸውን ጸገሙ ከዊሉ ነብሱ እናጸባበቐ፣ በንጻሩ ንኻልኦት ናይ ምክፋእ ኣመል ዘማዕብል ዝንባለ ስለዘለዎ  ክእረም ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ምእራም ጻዕሪ እቲ ዝቐለለን ዝቐንዐን ኣገባብ፣ ካብ ነብስኻን ካብ ኣውራጃኻን ምጅማር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶ ምጥርጣርን ምትፍናንን ኣፍኵሱ፣ እቲ ኻልእ ወገን ‘ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ዘተባብዕ ኣውንታዊ ወስታ ብምዃኑ ክድፍኣሉ የድሊ። ሰብ ገገዝኡ እንተጽርዩ፣ ዝጸረየ ኣከባቢ እዩ ዘፍሪ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝጠዓየት ሃገር ትርከብ። በንጻሩ ሚዛን ኣጥፊእካ ናብ ካልኦት ኢድካ ዊጥ ምባል እንተተዘውቲሩ፣ ምጕትካ ሓቅነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ዊጥታ እዩ ዝምለሰካ፣ ከከም ኩነታቱ ዊጥ ዊጥ ናብ ምውጥዋጥ ምምዕባሉ ኸኣ ኣይተርፍን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብወረ ፍሑዅ ክብል ጸኒሑ ታተ ክብል ዝጋደል ዘሎ ዘይጽኑዕን ዘይሃናጽን ኣበሃህላ ንኣብነት፣ ንፖለቲካዊ መርገጺ ብኣውራጃዊ ካርታ ምርኣዩ እዩ። ኣሐፍሽ ኣቢልካ ሓማሴን ደጋፊ መንግስቲ፣ ኣከለጉዛይ ተቓዋሚ፣ ሰራየ ድማ ላንጋ ላንጋ ክብሃል ይስማዕ። ካብኡ ሓሊፉ ከከም በሃሊኡ፣ በቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ንነብስኻ ወይ ኣውራጃኻ ኣጸባቢቕካ ንኻልእ ናይ ምክፋእ ቃናታት ‘ውን ይውሰኾ። ኣብ ባይታ ክርአ ኸሎ ግን እዚ ኣበሃህላ’ዚ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኩሉ ሰብ ዝተዓዘቦም ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተወደቡ ንመጠን ደገፍ ናይቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ብሓፈሻዊ መንገዲ ክልክዑ ዝኽእሉ ክልተ ኣጋጣሚታት፣ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ኢሳይያስ ኣብ ኒውዮርክ ዘካየዶ ኣኼባ ደገፍቱ፣ ከምኡ ውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ከተማ ቦለኛ ዝተኻየደ መበል 40 ዓመት ፈስቲቫል ቦለኛ ህግደፍ ከም ኣብነት እንተተመልከትና፣ ኣብቲ ናይ ኣመሪካ ኣኼባ፣ ‘ሎሚ ዘይከተተ’ እናተባህሉ ተጎስጕሶም ዝተሳተፉ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝገሹ ደገፍቲ ካብ 3-5 ሽሕ ዝበጽሑ እዮም። እቶም ኣኼበኛታት ረሾኦም ብዘየገድስ ካብዘን ሰለስቲን ኣውራጃታት ከምዝነበሩ ርግጸኛ እየ። ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ብውሑዱ 150 ሽሕ ኤርትራዊ እንተደኣ ሃልዩ፣ 50 ሽሕ ደቂ ኣውራጃ ሓማሴን እንተደኣ ኮይኖም፣ ዋላ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ 3 ሽሕ ካብ ሓማሴን ነይሮም ኢልና እንተገሚትና፣ እቶም 3 ሽሕ ከም ወከልቲ ናይቲ 50 ሽሕ ህዝቢ ተቖጺሮም ‘ኣብ ኣመሪካ ዝነበር ህዝቢ ሓማሴን ደጋፊ ስርዓት ህግደፍ እዩ’ ከብሉዎ ኣይክእሉን እዮም። ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ፣ ቦለኛ ዝተኻየደ ኣብ ሳልስቲ 2 ሽሕ ደገፍቲ ዝተሳተፉዎ ፈስቲቫል ‘ውን ከምኡ። ዝዓበየ መልእኽቲ ናይዚ ተርእዮ ‘ዚ ብዝሒ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ምዃን ሓሊፉ መለክዒ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ክኸውን ኣይክእልን።

በንጻሩ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብ 2013 ዝተኻየደ ዋሃ ተባሂሉ ዝተዋህለለ ካብ 1000 ክሳብ 1500 ዝበጽሕ፣ ሎሚ ዘበን ‘ውን ኣብ ቦለኛ ኣብ ዝተኻየደ ካብቲ ናይ ኣመሪካ ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ዝነበሮ ተመሳሳሊ ጸረ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓወምቲ፣ ዝበዝሑ ተሳተፍቱ ኣከለጉዛይ ነይሮም ዝብሃል እንተኾይኑ ‘ውን ካብ 50 ሽሕ ደቂ ኣከለጉዛይ 600 ዘይበጽሑ ውልቀሰባት ስለዝተሳተፉዎ፣ ኣከለጉዛይ ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳይያስ እዮም ዘብሎም ኣይኮነን።

እዚ ክልቲኡ ክዉንነታት፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ደላዪ ለውጢ ክንሱ፣ ነቲ ስርዓት ብንጥፈት ዝድግፉዎ ኮነ ብንጥፈት ዝቃወሙዎ ውሑዳን ምዃኖም እዩ ዘመልክት፣ እምበር ንሓደ ወገን ዘነይት ወይ ንሓደ ወገን ዘወንጅል ጭብጢ ኣየቕርበልናን እዩ።

ኣብዚ ክስሓት ዘይብሉ፣ ብፖለቲካዊ መትከላት ዘይኮነ ምስ ህግደፍ ብዘለዎም ውልቃዊ ረብሓዊ ዝምድናታት ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ዘሻቕሎም መመሊሱ እናተቆርመመ ዝውዳእ ዘሎ ዋሕዲ ደገፍቲ መዳምቕቲ ዝኾኖም ቁጽሪ ንኽድርቡሉ፣ እቲ ስርዓት ናይ ወገኖም ምዃኑ ‘ሞ ነቲ ወገኖም ይከላኸሉሉ ምህላዎም ከምስሉ ብዓውታ ናይ ካርታ ጸወታ ወሲኾም ዝዋስኡ፣ ሳዕቤን ዕሽነቶም ዘይስቆሮም ደናቍር ምህላዎም እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ‘ውን፣ ብፍላይ ኣብዚ መንእሰያት ናብ ተቓውሞ ዝተቓላቐሉሉ እዋናት፣ ነዞም በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ባእታታት ከም ወከልቲ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወሲድካ ህልኻዊ ግብረ-መልሲ ብምዝውታር ንስኻ ዝያዳ እሙን ተቓዋሚ ካልኦት ግን ኣይግድን ኣምሲልካ ነቲ ምንቅስቓስ ክትብሕቶ ወይ ከተጽብቦ ናይ ምፍታን ዘይብሱል ወገናዊ ምንቅስቓስ ክርአ ጸኒሑ እዩ። እዞም ክልተ ውሑዳን ጥሩፋት እምብኣር ወከልቲ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክይኖም ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ቫይረስ ምፍልላይ ክዘርኡሉ ክፍቀደሎም የብሉን። ካብዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ሰለስተ ኣውራጃታት፣ ደገፍቲ ኣለዉ፣ ተቓወምቲ ኣለው፣ ስቕታ ዝመረጹ ብዙሓት ከኣ ኣለዉ። ስለዚ ኣሐፍሽ ኣቢልካ (Generalize ጌርካ) ብኣውራጃ ምክሳስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።

እቲ ጸገም እምብኣር ነዞም ሓቅነቶም ብመጽናዕቲ ዘይተረጋገጸ ኣውራጃዊ ክልሸታት (stereotypes) ከም ቅቡላት ወሲድካ ኣብ ልዕሊኦም ክልሰሓሳብ ምምስራት እዩ።

እዚ ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ኮነ ኣብዚ ካልኣይ ጽሑፋቱ ምስ ኣውራጃዊ ኩነታት ኣተኣሳሲሩ ኣልዒሉዎ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምጕታት እምብኣር ኣብዚ ብጽፈትን ጥንቃቐን ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ዝተመርኮሰ ከይከውን ትዕዝብቲ ዝጠልብ እዩ።

ንኣብነት ነዚ ኣብዚ ዳሕረዋይ ተኸታተሊ ጽሑፉ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገርናን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብቲ ቀዳማይ ተኸታታሊ ጽሑፉ፣ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”…”ህዝባዊ ግምባር ብደቂ ከበሳ ዝተዓብለለ፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ሓላፍነት ዝሓሪ ውድብ እዩ ነይሩ” ኢሉ ንዝጸሓፎ ብምዝካር…ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሕጂ ዘቕርቦ ተኸታታሊ ዓንቀጽ፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ይብል።

እዚ ርእይቶ እዚ ጭቡጥን ዝተጸንዐን መሰረት ዘይብሉ ባዕላዊ መደምደምታ እዩ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ። ናብዚ ገምጋም ‘ዚ ንዘብጽሓኒ መርትዖ ቅድሚ ምትንታነይ ግን፣ ነቲ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዘተኣታተዎ ኣወዳድባ ዞባታት ብዝምልከት ከከም ኩርናዕ ኣበጋግሳ ናይቲ ምጕት ዝተፈላለዩ ባዕላዊ ክልሰሓሳባዊ ትንታኔታት ከምዘለዉ ክጠቅስ እደሊ።

1ይ – እቲ እዚ ስርዓት ‘ዚ ንልዕልና ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ዘቐድም እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ኣውራጃዊ ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ ናይ ህግደፍ ዞባዊ ምክፍፋል፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕብለላ ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ንምርግጋጽ (ካልኦት ንምዕምጻጽ) ዝተኣታተወ ሜላ ገይሩ ይገልጽ። እዚ ብሓው ታደሰ ዝቐረበ ዝርዝራት ከም ሓደ ኣብነት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገላልጻ ክውሰድ ይከኣል።

2ይ – እቲ እዚ ስርዓት’ዚ ብሓደ ብሄር/ሃይማኖት (ትግርኛ/ክርስትያን) ዝዕብለል እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ “እሙን ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ብሄረ ትግርኛ፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ከምዝህሉ ብምግባር፣ ንኻልኦት ብሄራት ንምቍጽጻር ዝዓለመ ፖለቲካዊ ስልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣበሃህላ ‘ውን ኣሎ።

3ይ – እቲ ሳልሳይ ክልሰሓሳብ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ፣ እቲ ተክኒካዊ ክፋሉ (ማለት እቲ 6 ዞባታት ንምቛም ዝተወስደ ክራይተርያ) እንታይ ምዃኑ እምበር፣ ስለምንታይ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ከምዝተመርጸ ሓፋሽ ዝሰምዖ ወግዓዊ ትንታነ ኣይተገብረሉን። ኣብቲ ብ1996 ምክፍፋል ዞባታት ዝተኣታተወሉ እዋን፣ ማይ ክዖ (Catchment Area) ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምንባሩ ተደጋጊሙ ክግልጽ ከሎ፣ እቲ ህዝቢ ከም ታሪኻዊ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ለሚዱዎ ዝጸንሐ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ዝተድለየሉ ምኽንያት ኣውራጃዊ ወይ ወገናዊ ስምዒታት ንምህሳስ ተባሂሉ ከምዝተገብረ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ።

(ክቡራት ኣንበብቲ፣ ዋላ’ኳ ሓሳባተይ ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ክጥርንፎ ተሊመ እንተነበርኩ፣ ብሓደ ክፋል ከምዘይገላገል ድሮ ይፍለጠኒ ኣሎ ‘ሞ ንባብ ከይነውሓኩም ጽሑፈይ ንግዚኡ ኣብዚ ደው ከብል። ኣብቲ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ እዚ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ክልሰሓሳባዊ  መደምደምታታት ጽኑዕን ጭቡጥን መሰረት የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ፣ ብምዝርዛር ክድምድም ክፍትን እየ። ሰላም የራኽበና)

ኣማኑኤል ኢያሱ

1 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
87 COMMENTS
  • Meretse Asmelash November 5, 2014

    መጀምርያ ክቡር ሓው ኣማኒኤል ነዚ ሰፍ ዘይብል ኣርእስቲ ኣልዒልካ ናይ ምርድዳእ ዘተ ምክፋትካ ብውልቀ ትብዓትካ ኣዝየ የመስግኖ።
    ቀጺለ ሕጂ ዝህቦ ሪእቶ ምስ ጽሑፍካ ይኹን ምስ ንጽሑፍካ (ሪእቶካ) ተመርዂሶም ንዝወረዱ ሪእቶታት፡ ብፈለያ ካብ ምጥማት ነጻ እዩ። ስለዚ ዝኮነ ኣንባቢ ከም ሓደ ሓቤረታ ክወስዶ ጥራሕ ይምሕጸን። ብምቅጻል ኣትኹሮይ ኣብ ሓደ ከባቢ’ውን ስለ ዝኾውን ብዓይኒ ኣሉታ ከይረኤ ደጊመ ይላቦ
    ናጽነት 1991፡ ብሓጺር ቃል ዮሃና ይብልዋ
    ንምስክር መላእ ህዝቢ ብሓጎስ ተቀቢልዋ። ድሕሪ መዓልቲ ናጽነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ንቅድሚት ከመይ ይከይድ እምበር መን ኣሎ ኣብ መንበር ስለምንታይ’ከ ኢሉ ዝሓተት ንጨና ኣይነበረን። ኾይኑግን እዚ ኹሉ ሓጎስ ደኣ ከመይ ክብል ተኾልፈ? ስለዚ እስፍሕ ኣቢልካ ምዝራብ ግዜ ምቅታል ስለዝኮነ ምስጋሩ ይሓይሽ። ጽንሕ ኢሉ ዝላዓል ሕቶ ግን እቲ ኹነታት ከመይ ጌሩ ንገለ ዝያዳ ኣሕሚምዎ ገለን ከምይ ጾሮ? እዚ ክስገር ዘይክኣል ሕቶ’ዩ ። እስኪ ናብቲ ክጻወሮ ኣይከኣልኹን ዝበለ ክፍሊ ወይ ከባቢ/ኣውርጃ ጸገሙ፡ እንተሃልዩ ብሓቒ ንዳህስስ። ብሉሉይ ኣይፋል ክብል ናይ መጀምርያ ድምጺ ዝስመዔ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ’ዩ ዝብል ግምት ዘሎውም ሰባት ኣሎዉ። ደጊሙ ዝለዓል ሕቶ ካብ ሃገሩ እንታይ ኣንወሖ እዩ? እዚ ሕቶ’ውን ቅኑዕ’ዩ። እምበኣር ንሕጂ እስኪ ኣብ ዙርያ እዘን ዝተጠቅሳ ሕቶታት ንጻናሕ። ቅድሚ ኣብ’ቲ ሓቤረታ ምእታወይ ሌላ ምስ እዘን ዝስዕባ ቃላት፡- ፕረዚደንት ኢሰያስ ምስ ሰዓብቱ፣ምምቃል ዞባታት፣ ሽማግለታት ዓድታት፣ ዝባነ- ዝባን፣ ማይኮዖ፣ ማሕሙድ ሸሪፎ ፣ ጋዜጣ ሓድስ ኤረትራ -መጨረሻ ወርሒ ነሓሰ 1995..
    ምምቃል ዞባታት ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገልጸ ውጥን ኢሰያስን ሰዓብቱን እዃ እንተነበረ ኣብ ምትግባሩ ኮቦሮ ሓምሓም እናወቅዔ ዝተቀበሎ ከምዘይነበረ ብሩህ’ዩ። ይኩን’ምበር ንምንታይ ንገለ ክፍሊ ዝያዳ ኣሕመሞ? ወይ ብፍላይ ንኣከለጉዛይ? እዚ ክሳብ’ቲ በዓቲ ኢሰያስ ብግቡእ ተጎርጒሩ ዝውጽእ ንኡስ ክፍሊ ሓቤረታ’ዩ።
    ከምቲ ዝጠቀስክዎ ሰናዩ ኣይተረኣየናን? ኣከለ-ጉዛይ ንምንታይ ክትበጣጥስዋ ሓሪኩም? ገለ ክፋላ ንምብራቅ ገለ ኣካላ ንከባቢ ባጽዕ፡ ገለ ንእስ ዝበለ ምብራቃዊ ክፍላ “ንዓሰብ”፣ ብመስመሪ -ማይኮዖ፣ ገለ ክፍላ ንመንደርፈራ ምኦራባዊ-ምብራቃዊ ማይኮዖ ኢሎም ይጽውዕዎ ንሶም) ገላ ክፍላ ናብ….. በደላ እንታይ’ዩ ክብሉ ሽማግለታት ወጺኦም። እቲ ምምሕድር ሰሚዑ ኣቤታኩም ኢሰያስ ጥራሕ’ዩ ክፈትሖ ዝክእል ስለ ዝበሎም ናብ ፕረዚደንተ ኢሰያስ ሓለፉ።
    ኣቤቱታ ሽማግለታት፡ ክቡር ፕረዚደንት፡
    ንሕና ከም ህዝቢ’ዚ ከባቢ’ዚ ንነዊሕ ግዜ ብሓባር፡ ብስኒት ኣብ ከምኡውን ምስ ከባቢና ዘሎዉ ኣሕዋት ብሰላም ክንበር ዝጸንሕና ኢና። ሕጂ ግን ገለ ኣካልና “ንዓሰብ” ንምኻኑ እቲ ዓሰብ ብከመይ ኢልናና ክንከዶ?። ካብ ዛላእንበሳ ኣውቶቡስ ተሰቂልና፡ ንመቀለ- ካብ መቀለ ንደሴ- ካብ ደሴ ንዓሳብ። በደላና እንታይ ኣንታ ጎይታ? እቲ ዝተረፈ ከኣ ከምኡ። ኣብ ምብትታን እዚ ክፍሊ’ዚ ዝረብሕ መን’ዩ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ንክቡር ፕረዚደንት ኢሰያስ ካብ ዝቀረቡ እዮም
    ቃል ፕረዚደንት ኢሰያስ፡
    ጉዳይኩም ሰሚዕናዮ ኣሎና። ንምዃኑ እንታይ ተገይሩ ሪኢኩም ኢኩም ክንድዚ ተማሩሩ ዘሎኩም? እዚ ቀቀሊሉ እ መስደመም ክብል ዝተረክበ ዎዮ መአመም ብድሕሪኡ ከምዘሎ ዘይፈለጠ ጥራሕ እዩ
    ሎሚ ሰሚዔኩም ኣሎኹ። ቕጸራ .. … ንዕለት ኣብ ርእሲ ሓንቲ ኣገዳሲት ዕለት–ግን ንሱ ጥራሕ’ዩ ዝፈልጣ
    ካልኣይ መዓልቲ ንኪድ ናብ ቆጸራና ምስ ተባህለ ሽግር ተረኪቡ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ናይቶም ሽማግለታት ኣቦ ሓሙሽተ ስዋኣት ስለ ዝነበሩ ነዞም ኣቦ ምናልባት ይብል ኣነ ድሮ ቖጸራ ረኪቦም ጽባሕ ገንዘብ ናይ ስዋኣት ክንዕድል ስለ ዝኾና፡ ብኣኩም ከኣ ስለ እንጅምር ብቀዳምነት ኣብ መጋብእያ ክትርከቡ ንምሕጸነኩም ዝብል ሚስጢር ይሰርቅዎም። ሰፍ ዘይብል ጸገም። እዞም ኣቦ ዝገብርዎ ሓርበቶም። ኣብ መጨረሻ ግን ንስለ ስዋኣት ኹሎም ደቀይ ክብል ቃለይ ክዓጽፍ ኢሎም ነቶም ካልኦት ሽማግለታት መዓልቲ ንቀይር ቢሎም ሪእቶኦም ሃቡ። ብሓቂ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኹነታት ምልኣት ሽማግለታት ክርከብ እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። ስለዚ እቶም ዝተረፉ ንስካትኩም መዓልቲ ቀይረልና ኢልኩም ሕተትዎ ንሕና ግን ኣብ ቆጸራና ኣሎና ኢሎም፡ ደሓን የረክበና። ጉዕዞ ናብ ቤት ጽሕፈት ክቡር ፕረዚጸንተ ሃገረ ኤረትራ። ይቅጽል >>> >

    • rezen November 5, 2014

      “ጉዕዞ ናብ ቤት ጽሕፈት ክቡር ፕረዚጸንተ ሃገረ ኤረትራ። ይቅጽል >>> >”

      Ahhhhh….. I can’t wait!
      By the way, Meretse, strictly speaking on language issue, I sincerely hope you [and others like you] would keep on going on your odyssey to REVIVE the lost ancient indigenous WRITTEN language with its grammar and all, and perhaps (just perhaps)the future generation would be free from being contaminated by artificial superiority complex as a cover-up for their inferiority complex, to the point of abandoning their own heritage, culture, even civilization. I better STOP here >>>> have you ever seen ONE sentence structure of 73 words?
      Hey! nice to see you back fully recovered from a little ዕንቅፋት!!!!

    • wedimeret November 5, 2014

      መረጸ,
      ጽሑፋኢካ ብጣዕሚ ማራኺትን ሓቅን ትሕዝቶ ዘለዋ እያ እሞ ከመስግነካ እፈቱ;;
      ለበዋ
      ብዛዕባ ብዝሒ ስውኣት ኣብታ ትዛረበላ ዘለኻ ኣውራጃ ከይጠቐስካዮ ኣይትሕለፍ ሓደራኻ;;
      ማለተይ፤
      ካብቲ ብወግዒ ዝወጸ ቁጽሪ(ኣብ ንነጻነት ዝነበረ ውግኣት ማልተይ ክሳብ 1990 ዓ.ም) ኮይኑ ቀልጢፎም እቲ ሓበሬታ ከምዝስሓብ ዝገበርዎ ማለተይ እዩ;;
      35 ሽሕ ካብ 65 ሽሕ;;

  • Blata Demsas November 5, 2014

    Assenna, I don’t appreciate why you’re so selective in your posting policy. Some people are allowed to go over & over with their arguments but some are not allowed to say their opinion.im a supporter and financial contributor to your site & I’m hereby stopping my participation.
    Thank you.

  • Meretse Asmelash November 5, 2014

    ካልኣይን ናይ መጨረሻን ቖጸራ ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤረትራ፡
    ኣብ ቆጸራ ዝተረክበት ሽማግለ ኣብ ቤትጽሕፈት ኢሰያስ ተረኪባ።
    ምልኣት ሽምግለ ከምዘይነበረ ዝተዓዘበ ኢሳያስ–ገና ሓደን ክልተን ከይበለት
    “ብዓንቶብኡ ንሕና ዝሓንጸጽናዮ’ከ ኣየናይ መዓልቲ ተሰማሚዕኹምሉ ትፈልጡ?”
    ውጽኡ ! !
    ሽማግለ ንወከልቶም ሓቢሮም።
    ሓንቲ ተስፋ ኣላትና ዝበልዋ ኣብ ኢድ ማሕሙድ ሸሪፎ ኔራ። ንሳ ከኣ ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብቲ ይኹን ዝብል ምርጫ ኢዱ ኣሕጺሩ ስለዘሎ ንዕኡ እንተሰምዖ ይብሉ
    ሓድስ ኤረትራ ሓምለ 1995/ ማሕሙድ ሰሪፎ ተሰማሚዑ ክትብል ገሊጻ። ይቅረታ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ኣብ ክንዲ ሓምለ ነሓሰ ምባለይ
    ዳግመ ሪእቶ–ብምምቃል ዞባታት ሓንቲ ኣውርጃ’ያ ዝያዳ ትሃስያ ክብል ዘልዓልክዎ ነጥቢ ኣይኮነን። ኹለን ኣውራጃታት ተመሳሳሊ ዘይኮነስ ሓደ ዓይነት ጸገም’ዩ ነይርዎን። ስለ’ዚ ናይ ሓደ ወገን ይዓዝዝ ኔሩ’ውን ይብል’ውን የሎኩን። የግዳስ ነዚ ምክንያት ብምግባር ንመንግስቲ ብንግሆኡ ትጋገ ኣሎካ ዝበልዎ ኔሮም ክብል ስለ ዝደለኩ’የ። እ እቲ ዝከፍኤ ከኣ ነቲ ንሱ (ኢሰያስ) ዝገበሮ ገበን ክሽፍን–ትሪእዎም’ዶ ኣሎኩም? ንሕና ካብ’ዚ ናብ’ዚ ኣይንቀሳቀስን ኢና ክብሉ እንታይ ስለ ዝኮኑ እዮም? እዚ ካብ ጽበት ሓሊፍካ እንታይ የስምዕ እናበለ ኣብ ውሽጥን ደገን መናፍሕ ክሃርም ምጅሚሩ’ዩ። ጭጉራፍስ ሃሪማ ተእዊ– ሓሳብ ልቡ ከኣ ሰሚሩሉ።
    ነቲ ጎንጺ ኣንፈቱ ቀይሩ መንበር ኮፍ ስለ ዘይበሉላ እዮም እምበር ካብ ሃገሮም ንላዕሊ ኣይሓሶሞምን? ዶ?
    ማሓንጋጋ ዝኣቶዎ ኣፍ’ሞ ብከመይ ይሞጉት ።
    ካልእስ ይትረፍ እዚ ጸለመ እዩ ብከመይ ይበሎ? “ወዲ ዓሻስ ክልተ ግዜ ይውቃዕ” ከም ዝብሃል ከኣ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሕቶኦም ሕቶና’ዩ ምባል ገዲፉ በቲ ናይ ኢሰያስ ነፍሒ (ፕሮፓጋንዳ) ክታለል ተራእዩ።
    ክምለስ ዘሎዎ ግን ንመንግስቲ ሕቶ ምሕታት ዘይንቡር ዝኮነሉ መኣስ’ዩ። ምስ መንግስቲ እንተ ተቃራሒንካ’ከ ምስ ትውልዲ ቦታ ናይ’ቲ መራሒ እንታይ ዘተኣሳስር ኣሎዎ? ሃገር ብስርዓተ ባይቶ ትገዛእ ኢሉ ንዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ብከመይ ህርፋን ዙፋን ኣሎካ ትብሎ? ይተካእ ይለቀም — እተን ተቃዎምቲ ውድባት ኢና ዝብላ ከይተረፈ ጠንቂ ምፍንጫልና’ኮ ወገን/ዓለት ሃይማኖት’ዩ እናበላ ከም መሸፈን ዕርቃነን ክጥቀማሉ ጸኒሐንን ኣሎዋን። እዚ’ውን ንባዕሉ ዝመልኮ ኣሎኒ በትረይ ሃቡኒ እዩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ንሰን ንባዕለን ካብ ኢድ ኢሰያስ መኣስ ነጻ ኮይነን ይፈልጣ። ንዓካ ንፈልጠካ ነባሕጎካ ንሓተሉ –
    ግደፍ ሎሚ እቲ ቀደም ንከም በዓል “ ተጋ/ኢብራሂም ቶቲል” ሒዙ ሚስጢሮም ካብ ማእከል ውድብ ክዘቖ ይውዕልን ይሓድርን’ዶ ኣይነበረን።
    ሎሚ ኣሎ ዝብሃል ፍልልይ ኣብ መንጎ ኢሰያስን ብጾቱን ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሕን እንተኮነ ኣጸቢቑ ይበልጽ።
    ብዝተረፈ ብግዜ ዝበልዖ ናይ ሪእቶ ፍልልይ ላዕልን ታሕትን ምባል ዓንቃፊ’ዩ
    እዚ ሓቤረታ’ዚ ንገለገለ ቅርቅር ኢሎም ዝተርፉ ሕቶታት እንተሓመቀ ዓቅሚ-መስተኣምርቲ (clue) ኣይስእንን ካብ ዝብል ተረድኦ ዝተበገሰ’ዩ

  • TRUE LIES November 5, 2014

    ካብ ኣዝማደይ ሓበሬታ ከም ዝረኸብኩዎ ፣እታ ናብ መንደፈራ ኬድካ ምፍራድ እያ ንህዝቢ ኣከለጉዛይ ቀጭቀጭ ኣቢላቶ።ምስ ሰራየ ዘሎ ቅርሕንትን ዘይዝሓለ ድጉል ጸገም ከም ዘሎ እናፈለጠ ኮነ ኢሉ ንሰራየ ክንሰግድ ኣሕኒኹና ዝብል እዩ። እዚ ህግደፍ ኣውራጃውያን ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ኣከለጉዛይ ከሕንኹ ኢሎም እዮም ምስ ሰራየ ሓዊሶሞ እዚ ክኣ እዩ ህዝቢ ዘይተቐበሎ።

    • wedimeret November 6, 2014

      ኣነታ ሓወይ እነታይከ ንመንደፈራ ዘኽይድ ኣለና?
      ሕሰቦ’ሞ ካብ ሰንዓፈ ንመንደፈራ እሞ ካአ በዚ ዘሎ ናይ መጎዓዝያ ዘሎ ጸገምስ ዓድግራተ ዶ ኣይቀርቦምን?

  • TRUE LIES November 5, 2014

    Blata Demsas ,
    and the people i have seen in different countries 96% of the supporters of pfdj are hamasen ,97% of the ones opposing are akeleguzay ,84% could be serayes but historical clushes & mistrust with akele guzays makes them soft opposition.they would rather see a tigre or kunama leading than akeleguzetay.
    I have no way of verifying my % (percentages)..it is rough lay guess.let us not sweeten the lemon with honey ,because no matter what it will peel our stomach linnings.

  • Hizbi Wedi Hizbi November 6, 2014

    I am realy proud of all the commentaries on this Amanuel’s article. This article is not who is right or wrong. it is about mindset. Amanuel tried to advise us not to monger regionalism but nationalism. For me, Amanuel is not a patriot but nationalist. He he does practically is different from what he writes. He tell to those who don’t accept his ideas regionalist, he worked hard to see a united youth movement but he did not sleep to dismantle EYSNS when it comes united organisations. For me, I can not believe Amanuel Eyasu what so ever he writes. It’s only a pretext.

    • robi November 6, 2014

      Hizbi Wedi Hizbi,
      How did Mr. Amanuel Eyasu dismantle EYSNS? Is it dismantled already? You are confused and you don’t even know what you are saying. You keep contradicting yourself my friend. yewghalka

  • meron November 6, 2014

    Voice of reason! That is what Ema is! Long live the voice of REASON and TRUTH. Long live Ema! Assenna forever!!!

  • ሰላምይንገስ (ወዲደባስ) November 7, 2014

    ኣማኑኤል
    ኣምጺኻዮ ዘሎኻ ኣርእስቲ ጹቡቕ’ዩ። ናይ ታደሰ ኪዳነውን ሕማቕ ኣይኮነን። ንብደል ኣሎና ምባል ሕማቅ ኣይመስለንን። ብልክዕ ህግደፍ ንሓንቲ ኣውራጃ ናይ ስለያ መሓውር ጌሩዋ ንሓንቲ ናይ ምሕደራ ንሓንቲ ድማ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዓብሊላ ከምትወጽእ ጌሩዋ። ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ብማዕረ ተሃስዩ’ዩ። ግን ሓንቲ ዘይተዋሕጠትለይ ነጥቢ ኣላ። እቲ ቀንዲ ሃገር ዘጥፍእ ዘሎ ቢሄር ቢሄረ ትግሪኛ ማለት እቲ ትግሪኛ ተዛራቢ ዶ ኣይኮነን። ርእዩ ከምዘይረኣየ ሰሚዑ ከምዘይሰምዔ ዘስቅጥ ዘሎ ንሱ’ዩ እቲ ትግሪኛ ተዛራቢ። ሓሙሻይ መስርዕ እንዳበለ ንትግሪኛ ተዛረብቲ ዘይኮኑ ብሄራት ከጥፍኦም ከሎ እቲ ትግሪኛ ተዛራቢ ዝኾነ ህዝቢ ስቅ ኢሉ ኢዩ። ብኣይ ወገን እቲ ሃገር ዘጥፍእ ዘሎ ብሄርስ ትግሪኛ ተዛራቢ’ዩ ኢለየ ዝድምድም።

  • Danny November 7, 2014

    And I quote:
    “እቲ ጸገም እምብኣር ነዞም ሓቅነቶም ብመጽናዕቲ ዘይተረጋገጸ ኣውራጃዊ ክልሸታት (stereotypes) ከም ቅቡላት ወሲድካ ኣብ ልዕሊኦም ክልሰሓሳብ ምምስራት እዩ።” This sentence says it all. kab guyiy mial ksad mhaz zblwo kemzi iyu. Simply brilliant! Thank you for shading light on that dark and confusing spot, Mr. Amanuel. Keep it up.

  • "Ghebsi November 10, 2014

    The person who is on the saddle of power in Asmara now, inorder to consolidate his authoritarian ruling machine created the awuraja conceipt in 1973.Furthermore, he designed and baptized the awurajas by zones before consulting to the people, this ill conceived idea ignited a fire on some people as we are witnessing now and that is what the mafia regime wants.

POST A COMMENT