Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?! ብሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስናዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!
ብሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን
እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስናዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ ደኣ’ያ፥ ክትድፋእን ክትሰሓብን ዝጸንሐት እምበር፥ ባዕላ መደብ ሓንጺጻ ክትገብሮ ይግብኣዝነበረ ጉዕዞ፥ ተፈቐዱላ ነይሩ’ዩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እሞ ሕጂኸ ካብቲ ክግበረላ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ-ተጽዕኖ ነፃ ኮይና፥ ባዕላ ቤታ ከተመሓድር’ዶ ክትክእል’ያ-? ዝብል ሕቶብምልዓል ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ።
እወ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ማለት ከም ርእሳ-ዝኸኣለት ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትቀውም ከላ፥ እቲ ጉዕዞ’ውን ‘ሀ’ ኢልካ ክጅመር ከሎ፥ ፖለቲካዊ-ሹመት ሒዙ ዝመጻ መራሒ ደኣ’ያክትቅበል ዝተገደደት እምበር፥ ባዕላ “…ይደልዎ…“ ኢላ ዝመረጸቶ ጳጳስ ከም-ዘይነበራ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ’ዩ። ስለዚ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ እዚ ዝሓለፈቶ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብባይታ ዘይነበረ ኣፍኣዊ ነፃነት ሒዛ ደኣ’ያ ክትጐዓዝ ዝጸንሐት እምበር፥ ቤታ ከተመሓድር ዘኽእላ መሰል ነይሩዋ’ዩ ክንብል ዘኽእለና መርትዖ፥ ክንረክብ ከም-ዘይንኽእል ኣረጋጊጽካክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ።
ርግጽ’ዩ ንስለ ዘረባ እንተደኣ-ኮይኑ ሲኖዶስ ነይሩ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣሎ። ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ወይ ክራይተሪያ ካብ ዝተመርጸ ሲኖዶስ፥ ዝኾነ ትጽቢት ክግበር ስለ-ዘይከኣልግና፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዋና ከም-ዘይብሉ ቤት ኩሉ ዝዕንድረላ-ሜዳ ኮይና’ያ ጸኒሓ እንተ-ተባህለ፥ ንምግናን ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኣይኮነን። እምበኣር እኩብ ድምር ናይዚ ዝተባህለኩሉ’ያ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቓ ትርከብ ዘላ። እንሆ  ሕጂ ግና እግዚኣብሔር ብዓይኒ-ምሕረቱ ክጥምታ ቅዱስ-ፍቓዱ ግዲኮይኑ፥ እቲ ጸበባኣን ጸገማን ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ክዝረበሉ፥ እዋኑን ሰዓቱን ዝበጽሐ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
እዚ ድማ ስቕ ኢሉ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ዘይኮነስ፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ብዝገበሩዎ ዕዉት-ተቓውሞ ምዃኑ፥ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ዜናታት የረድእ ኣሎ። እወ! “ድሕሪ ሞት፥ ጥዕና ቅበጽ” ከም-ዝበሃል፥ እቶም ኣቦታት ቤተ-ክርስቲያን መጻወቲ ሓላፍነት ዘይስምዖም ውልቀ-ሰባት፥ ኣብ እትኾነሉ ደረጃ ወዲቓ ምስ-ረኣዩዋ፥ ዓይኖም ዓሚቶምንእዝኖም ዓጽዮምን ክቕመጡ ሕልንኦም ዝቕበሎ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ’ውን ኣንጻር’ቶም ብቐጻሊ ንቤተ-ክርስቲያን ከዕንዉዋን ክፍርሱዋን ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስንሃብቶም ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ-ገበነኛታት ክልዓሉ፥ ንጽባሕ ዘይበሃል ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ረኺቦሞ።
ብርግጽ እዞም ክልተ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዓቐኑን መጠኑን ዝሓለፈ ብልሽውና ክፍጽሙ ጸኒሖም ተባሂሎም፥ ብቐጻሊ ክኽሰሱን ክውቀሱን ዝጸንሑ ውልቀ-ሰባት፥ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ገበን ቈጺርካን ጸብጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ብኣታቶም ክፍጸም ዝጸንሐ ብልሹውን ግዕዙይን ኣሠራርሓ’ዚ ድማ፥ ንኽንድዚዝኣክል-ዓመታት ክቕጽል’ውን ይግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብሲኖዶስ ዝፍለጥ ናይ ጳጳሳት-ጉባኤ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ረዚን-ሓላፍነት ክርዳእ ብዘይ-ምኽኣሉ ግና፥ እታ ብቕድስናዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንከቢድ ሓደጋ ከም-እትጋለጽ ገይሩዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ’ውን እቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ዝኾኑሉ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።ከመይሲ”-ኣንብር ዝበሉዎ ኣየጥፍእ፥ ኣጸብቕ ዝበሉዎኸ ኣየኽፍእ-”  ዝብል ምስላ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።
ይኹን እምበር ነቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ክገብሮም ዘየኽእል ካልእ ምኽንያት’ውን ኣሎ። ነቲ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ምፍላጥ ኣለዎ ዘይበሃል ዮፍታሔዲሜጥሮስ፥ “-ዋና ኣማሓዳሪ-“ ብዝብል መዓርግ ኣብ ዘይግብኦን ኣብ ዘይምጥኖን መንበር ክቕመጥ ዝገበሩ ንሳቶም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሥልጣን ደልዲሉ ንምቕማጥ ዘኽእሎባይታ ንምጥጣሕ’ውን፥ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ምቕያር ዝበጽሕ ርሕቐት ከም-ዝተጓዕዙ፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ነዚ ጉድ’ዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ እቲግዙፍ-ኣካል ዝኾነ ዮፍታሔ፥ ከምኡ’ውን እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶም ርእሶም፥ በቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ብልሽውና’ኳ ተሓተቲ’ዮም እንተ-ተባህለ።እቶም ሓላፍነቶም ብምዝንጋዕ ነቲ ኩሉ ውድቀት ምኽንያት ዝኾኑ ጳጳሳት፥ ብዝለዓለ ደረጃ ተሓተትቲ ክኾኑ ከም-ዝግባእ’ውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነጥቢ’ዩ። ከምዚ ምስ ተረኽበ ከኣ’ዩ“-ኣይበዲዶ እንዶ ዝቐደዶ-“ ተባሂሉ ክምሰል ዝኸኣለ።
እቲ ዝዓበየ እቲ ሲኖዶስ ዝገበሮ ገበን፥ ነቲ ተራ-ጭዋ ዝኾነ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ መተካእታ ፓትርያርክ ገይሩ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ከቐምጦ ምእንቲ ክኽእል፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ኣውሪዱ፥ ሥልጣኖም ስዒሩ፥ ኣብ ማሕዩር ከምዝተሓዙ ዝገበሮ ገበን፥ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ጥልመትን ክሕደትንእዩ። ስለዚ እቶም ገዳማውያን ኣቦታትና፥ ንተግባር እቶም ጳጳሳት ኣጸቢቖም እናፈለጡዎ ክነሶም፥ ከመይ ኣቢሎም’ዮም ሕጂ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ፥ ንሳቶም ደያኑ ኮይኖምክዳንዩዎም ዝደልዩ ዘለዉ-?! “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-“ ዝብል ምስላ ምህላዉኸ ከመይ ኣቢሎም ክዝንግዕዎ ይኽእሉ-!! ከመይሲ እቶም ጳጳሳት በቲ ዝገበሩዎዕንወት ዝሕተቱ ኮይኖም እናሃለዉ፥ ብደረጃ ዳኝነት ኣብ መንበር ፍርዲ ዝቕመጡ ኮይኖም ክርከቡ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ እንተ-ተራእየ ቅቡል ኮይኑ ዝርከበሉ ምኽንያት ኣሎኣይንብልን። ስለዚ እቶም ንሓላፍነት ብቑዓት ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፥ ተሓባበርቲ ዮፍታሔ ኮይኖም ዝጸንሑ -ጳጳሳት፥ በቲ ዝፈጸሙዎ ኩሉ ዝሕተቱ ደኣምበር፥ ንዳኝነት ዝሕሰቡከም-ዘይኮኑ ጸቒጥካ ክዝረበሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ፥ ነቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ከነተሓሳስቦም ግቡእና’ዩ።
ርግጽ’ዩ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዝገበሩዎ ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኖም፥  እቲ ኩሉ ብልሽውና ክፍጽሙ ዝጸንሑ ክልተ-ገበነኛታት፥ተደፊኦም ክወጹ ምኽኣሎም ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ-ዓወት ምዃኑ ኣየከራኽርን። ይኹን እምበር እቲ ዝዓበየ ሥራሕ እቲ ብድሕሪ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕዘይግብኦ ነጥቢ’ዩ። ማለት ንድሕሪት ተመሊስካ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈጸመ ኩሉ ክዝከር ከሎ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብማዕበል-ፖለቲካ ተደፊኡ’ዩ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክኣቱዝኸኣለ። ሕጂ ግና እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ግህሰት-ሕጊ፥ ሕጂ ከም-እንደገና ክድገም ዝደሊ የልቦን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ነፃ ኮይና ቤታ ከተመሓድር ዘለዋ መሰል ክኽበረላኣለዎ። ካብኡ-ዝተረፈ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ንዝኾነ ዝግበር ኢድ ምትእትታው ዝጻወር ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይግባእ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺእካን ድምፅኻ ዓውኣቢልካን ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
ርግጽ’ዩ እቶም ክብደት-ሓላፍነት ይርድኦም’ዩ ዘይበሃሉ ጳጳሳት፥ ምስ ዮፍታሔ ተሓባቢሮም ነቶም ንሕማቕ-መዓልቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ዝእመነሎም ዝነበሩ ሊቃውንቲስለ-ዘጥፍኡዎም፥ ሎሚ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ብዘይ-ሰብ ገረውረው ኢሉ ከምዘሎ፥ ዝስሕቶ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቶም ብሕይወት ኣለዉ ዝብሃሉ ዝርካቦም ድማ፥ ገሊኦምንመቝሕ ኣሕሊፎም ሂቦሞም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክርከቡ ከለዉ፥ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ድማ ኣብ ስደት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ዘለዎ ዉሉደ-ክህነትና ከኣ ከምኡ፥ እቲሲኖዶስን ዮፍታሔን ሓባርን ተሓባባርን ብምዃን፥ ተሰካም ጠበንጃ ኮይኑ ኣብ በረኻ ከም-ዝበሊ እናገበሩዎ’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ድማ ዘገልግለንሲኢነን ዝዕጸዋ ዘለዋ ብዙሓት’የን።
ብዝኾነ “-ጭራ-ነብሪ ኣይትሓዝ፥ እንተ ሒዝካኸ ኣይትልቀቕ-“ ከምዝብሃል፥ እዚ ጉዳይ’ዚ ዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ዕግበት ተሰሚዑና ክንሓድጎ ዝግበኣናጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ’ቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ከኣ ብዝኾነ ይኹንምኽንያት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ እነእትዎ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን። ይኹን እምበር ምስ ሕቶ ምፍታሕ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ፥ ናይ ዮፍታሔን ሃብቶምን ምስጓጕኣብ ግምት እነእትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ምፍታሕ እቶም ፓትርያርክ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ኸኣ’ዩ እቲ ዝዓበየ ደምበ-ተዋሕዶና ትዅረት ክገብረሉ ዝግባእ ዓቢይ-ጉዳይ።
ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ንጎቦ ኣቐሚጥካ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ’ውን ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ እቲ ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣብጺሑዎ ዝርክብ ዘሎ፥ እቲ ዮፍታሔዲሜጥሮስ ነቶም ጳጳሳት ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ክወርዱ ዝገበሮ ሰይጣናዊ-ውዲት እዩ። ስለዚ “ብዓመጽ ዝተወስደ፥ብፍትሒ ይመለስ“ከምዝበሃል፥ ሕጂ ድማ እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ “-ፓትርያርክ-እንጦንዮስ-“ ደኣምበር፥ እቲ ንዮፍታሔን ሃብቶምን ንምስጓጕ ዝተወስደ ስጉምቲ፥ ካብዚ ዓቢይ ጉዳይ’ዚ ኣውጺኡከዘናግዓና ዝግብኦ ኣይኮነን። ከመይሲ መንገዲ ገዲፍካ ብጓል-መንገዲ ዓዲ ክእቶ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ካብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ ዝተገብረ ዘይ-ቀኖናውን ዘይ-ሕጋውን ምርጫ-ፓትርያርክ ኣባ-ዲዮስቆሮስ፥ “-ልቐቕ  ዘይ-ርስትኻ፥ ውረድ ዘይ-በቕልኻ-“ ከምዝበሃል፥ እቲ መንበር ናብቶም ሕጋዊ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ።
ብዝተረፈ ጠቕላላ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ከቢድ-ሓደጋ ይርከብ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ፥ እቲ ብልቦና ዘይፍለጥ ዮፍታሔን፥ እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶምንስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ከም ሓደ ዓቢይ-ዓወት ቈጺርና እፎይታ ክስመዓና ኣይግባእን። ከመይሲ እዛ ንዓመታት ተጨውያ ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና፥ እቲ ዋናኣ ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣብ ኢዱ ክርከባ ክኽእል ኣለዎ። ብዝተረፈ ኣብ ኢድ ዘይ-ዋናታት ስለ-ዝጸንሐት እኮ’ዩ፥ እዚ ኩሉ ውድቀትን ዕንወትን ክርከብ ክኢሉ ዘሎ። ስለዚ’ውን እቶም ሰብ-ፖለቲካነዚ ጉዳይ’ዚ ብልቦና ክጥምቱዎ እንተዝኽእሉ፥ ክንደይኮን ከመስግኖም ምኸኣለ ነይሩ-!!
እምበኣር ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ’ዚ ተባሂሉ ዘሎ፥ ጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያን ሕጂኸ ናበይ-? ዝብል ሕቶ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክምልሱዎ ዝግብኦም ምዃኑ፥ ክዝንግዕዎኣይግባእን። ከመይሲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ካብቲ ክትጐዓዞ ዝግብኣ መሥመር ወጻኢ፥ ሪሒቓ ክትከይድ ጸቕጢ ክግበረላ ስለ-ዝጸንሐ፥ በዓል-ዮፍታሔ ናብ ዝወሰዱዋ ክትጉተትከም-ዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ ግን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እቲ ናይ ትማሊ ጌጋ ክድገም፥ ክንጻወሮ ዘይንኽእል ምዃንና ድምጽና ኣበርቲዕና ከነስምዕ ክንክእል ኣሎና። ኩሉ ነገርወሰን ስለ-ዘለዎ’ውን “-ይኣክል-“ እንብለሉ ግዜ ሕጂ’ዩ።
ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • mighty karneshim October 21, 2014

    እወ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991)…ናይ ኤርትራ 1991 ገዲፋስ 1983 ናይ ወያነ ካላንደር ?
    እዛ ንብላ ዘለና በትኽስያን ንምንታይ ናይ ህዝበ ትግርኛ በትኽስያን እንድሕር ኮይና ብናይ ጓኖት ተጋሩ ካላንደር ትቖጽር ኣላ ? እቲ ልደት እውን ከምቲ ናይ ህዝበ ትግርኛን ዓለምን ኣብ ዲሰምበር 25 እምበር ከም ናይ ልደት ተጋሩ ጃንዋሪ 07 ክኸውን የብሉን።ምናልባሽ መንግስቲ ኤርትራ መሳርሒት ወያነ ኮይና ከይከውን ዓይኒ ኣትኵሩላ ? ልደታን ፋስግኣን ዓመተ ምሕረታን እንድሕር ከም ናይ ወያነ ትቖጽር ኮይኑ ናይ ወያነ መሳርሒ ኮይና ኣላ ማለት እዩ።

    • DemMelash Eritrawi October 21, 2014

      Calendar 1983?

      The ignorant fellow claiming to be Karneshim wrote, “እወ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991)…ናይ ኤርትራ 1991 ገዲፋስ 1983 ናይ ወያነ ካላንደር ?”
      This is the most stupid comment coming from a world class Ignorant. After all the Geez Calendar has nothing to do with the ወያነ. If you have a friend, parent and or a relative who has an average intelligence, please talk to any one of them about this Geez calendar. If you decide not to learn by asking, you are also have the choice to remain stupid and ignorant.

      Good luck.

    • Saba October 22, 2014

      Dear Mighty Karneshim,
      ናይ ወያነ ካላንደር ? Oh my God. Please there is no such thing. The Geez Calendar belongs to all of us. We must be proud of our history. Do you know that Eritrean highland was part of the Axumite Kingdom? Why do prefer the ‘white mans calendar’?

      Please change your nick name. As a proud daughter of Karneshim, I refuse to be stupid and ignorant. I ask and learn from others. Please sit back and learn from others. Do not spill your ignorance in the cyber world.

      Thank you,

      Haftka Saba

    • Zeray October 22, 2014

      Yes “mighty…”
      What a brilliant logic, Eritrea shouldn’t have seven days a week like Weyane either. It is a “Weyane week”. Let’s do away “Weyane seasons” and have our own Eritrean five seasons a year. Meskerem month Weyane or Eritrean?

      Might you are ridiculous and entertaining.

    • Haile October 22, 2014

      Selam Goita niaka yikun hawuna . Tsemam hade derfu. Gorebetka mikanom iyitiresie . Weyane entetegageyu arimom . Ane zibleka meninetika zeyfilet ” Donkoro” ika.

    • Tsedenia.M October 22, 2014

      mighty karneshim,
      Thanks a lot for a great laugh, as I know you don’t really mean it I just admire you greatly for your wicked and hilarious sense of humour. Keep it up brother/sister. Every now and then we all need some fun and refreshments. mighty karneshim if you continue in this top class then we will have to start calling you “Suzinino”.

  • semere 2 October 22, 2014

    Mighty Karneshim
    I am also from Karneshim. The calendar you are talking about is Gregorian. Instead Eritrea and all the Eastern Churches (Ethiopia, Alexandria, Jerusalem, Greek, Armenia, Syria, etc) follow the Julian Calendar. It has nothing to do with Tegaru. You should know what you are talking about.
    Let us hope that the Orthodox Church becomes independent from government interference and rule itself according to the Holy Synod.

  • wedi Hager October 22, 2014

    Please ignore the ignorant ideas of mighty Karneshim point of view. He is purposely try to divert the topic of tewahdo church issues.This is hgdf tactics.

  • Humble October 22, 2014

    ” እዚ ጉዳይ’ዚ ዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ዕግበት ተሰሚዑና ክንሓድጎ ዝግበኣናጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ’ቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ከኣ ብዝኾነ ይኹንምኽንያት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ እነእትዎ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን። ይኹን እምበር ምስ ሕቶ ምፍታሕ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ፥ ናይ ዮፍታሔን ሃብቶምን ምስጓጕኣብ ግምት እነእትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ምፍታሕ እቶም ፓትርያርክ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ኸኣ’ዩ እቲ ዝዓበየ ደምበ-ተዋሕዶና ትዅረት ክገብረሉ ዝግባእ ዓቢይ-ጉዳይ።”

    ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን

    You are right Sir,
    As long as the regime keeps Abune Antonious in prison, any other thing it does is simply a joke.
    The idea that the two notorious Higdefites were kicked out of the Church because of pressure from monasteries is difficult to buy.
    Most probably is has to do with change of tactic on the part of evil junta, because the two men failed to work without causing
    unnecessary friction within the Church.

  • Zeray October 22, 2014

    The Orthodox Church sold itself to dictatorship control in 1993 when they agreed to persecute the Jehovah Witness in Eritrea. You see, if you demand freedom of religion it cannot be selective. Even if you do not agree with other faiths you must accept the principal of freedom. What we have now in the Orthodox church is the result of weak stand and absence of principle right from the get go. Additionally, we also have seen the Orthodox church opposing the Pentecostal church early in 2000. We forgot that we the Orthodox were soon to follow. It is not too late to make a stand, but now it will require even more firm stands and sacrifices. Once you give away your freedom it is very hard to get it back. Only God can bring the changes but we must allow Him and face Him with remorse and genuine confession.

  • haben eritrea October 22, 2014

    Aye karneshim denqoro you have to learn before your comment
    Haqom eyom the most stupid comment kblu nay denqoro denqoro aqotsatsra geez kab mntay kemzmetse orthodox haymanot nmntay bgeez yqotsru mflath kedlyeka or ki eyu

  • aus 17 October 22, 2014

    If you don’t practice like you preach, better you quit, you are not fit for the job!
    (many would say do what priests preach and never do what they do), I oppose this fallacy. this is a merely an excuse, a phrase used just to protect(them) priests and roam freely without any accounting for. that’s why they go away with any wrongs, deeds and failure to do when is highly expected by the people.

  • Mike October 22, 2014

    None of the comments added here as a view point have any meaning. Tried to read everyone’s comment but failed to understand any. When you all have a bad day try to refrain from adding any comment. People will not take points for not commenting on anything I assure you. People – if you do not have anything good to say – save the page from having rubbish.

  • ahmed saleh October 23, 2014

    Issayas clever agenda left some poor soul Eritreans at a box of Weyane-phobia
    retarded mental capacity for more than ten years and before that they were in
    the same category toward others including their own . We have a long way to go
    on cleansing the mind set of our people .

  • Mesinas October 23, 2014

    ሕቶታት ንኣቦና ተኽለማርያም መርካጽዮን፥

    ዝኸበርኩም መንፈሳዊ ኣቦና ሊቀ ካህናት ተኽለማርያም መርካጽዮን፡ ብመጀመርያ ኣብ ህይወትኩም ጥዕና፡ ኣብ ስርራሕኩም ድማ ፍጽምና እምነየልኩም! ብምቕጻል፥ ክልተ መልስኹም ዘድልየን ሕቶታት ስለ ዘሎዋኒ ንኽትምልሱለይ ፍቓድኩም እንተ ኾይኑ ብትሕትና እሓትት።

    ንስኹም ካብ ቅድሚ ናጽነት ጀሚርኩም፡ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያንን ዋና ኣሰናዳኢ መጽሄትን ከም ዝነበርኩም፤ ኣብ ግዜ ደርጊ ተኣሲርኩም ከም ዝነበርኩም፤ ብድሕሪኡ ናብ ጀርመን ተሰዲድኩም፡ እንደገና ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገርኩም ተመሊስኩም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ከም ዝተዋፈርኩም፤ ኣብ ግዜ ህግደፍውን ካብቲ ናይ ግዜ ደርጊ ኣዝዩ ብዝኸፍአ ኣጋባብ ንሸውዓተ ወርሒ ከም ዝተኣሰርኩም፡ ሓደ ግዜ ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝገበርኩሞ ቃለ መሕትት ሰሚዕ ኔረ።

    ስለዚ ቀዳመይቲ ሕቶይ፥ ዋና መእሰሪኹም ምኽንያት፡ ምስ ሓደ ፈላሲ ኴንኩም ንቅብኣት ፓትርያርክ ዝቃወም ጽሑፍ ስለ ዝጸሓፍኩም፡ ብጠለብ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ፓትርያርክ፡ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ ብሽጉጥ እናኣፈራርሐ ንኽልቴኹም ከም ዝኣሰርኩምን እቶም ፈላሲ ቀልጢፎም ኪወጹ ከለዉ ንስኹም ግን ንሸውዓተ ወርሒ ከም ዝተሳቐኹም ሰሚዐ፡ እዚ ሓቂ እንተ ኮይኑ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ እንታይ እዩ ኔሩ? ንምንታይከ ተቓዊምኩም?

    ካልኣይ ሕቶይ፥ ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓመት ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዚግመት ቅርሺ ከም ዝድጉማን በዚ ምኽንያት ከኣ ከም ዝቈጻጸራን ይንገር። እዚ ሓቂድዩ? ኣቶ ይፍታሄ ቀሺ ዲሞጥሮስከ ንኹለን ናይ መባእ ሳጹናት ክልተ መፍትሕ ከም ዝኣሰረለንን ትሕዝቶአን ከኣ ምስ ህግደፍ ከም ዝማቐሎን ይንገር። እዚኸ ሓቂድዩ? ልዑል ፈጣሪ፡ ፍትሕን ክብርን፡ ፍቕርን ሰላምን ኣብ ሃገርና የውርድ! ኣሜን!!! የቐንየለይ። ካብ ወድኹም መሲናስ።

POST A COMMENT