Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?! ብሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስናዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!
ብሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን
እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስናዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ ደኣ’ያ፥ ክትድፋእን ክትሰሓብን ዝጸንሐት እምበር፥ ባዕላ መደብ ሓንጺጻ ክትገብሮ ይግብኣዝነበረ ጉዕዞ፥ ተፈቐዱላ ነይሩ’ዩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እሞ ሕጂኸ ካብቲ ክግበረላ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ-ተጽዕኖ ነፃ ኮይና፥ ባዕላ ቤታ ከተመሓድር’ዶ ክትክእል’ያ-? ዝብል ሕቶብምልዓል ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ።
እወ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ማለት ከም ርእሳ-ዝኸኣለት ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትቀውም ከላ፥ እቲ ጉዕዞ’ውን ‘ሀ’ ኢልካ ክጅመር ከሎ፥ ፖለቲካዊ-ሹመት ሒዙ ዝመጻ መራሒ ደኣ’ያክትቅበል ዝተገደደት እምበር፥ ባዕላ “…ይደልዎ…“ ኢላ ዝመረጸቶ ጳጳስ ከም-ዘይነበራ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ’ዩ። ስለዚ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ እዚ ዝሓለፈቶ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብባይታ ዘይነበረ ኣፍኣዊ ነፃነት ሒዛ ደኣ’ያ ክትጐዓዝ ዝጸንሐት እምበር፥ ቤታ ከተመሓድር ዘኽእላ መሰል ነይሩዋ’ዩ ክንብል ዘኽእለና መርትዖ፥ ክንረክብ ከም-ዘይንኽእል ኣረጋጊጽካክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ።
ርግጽ’ዩ ንስለ ዘረባ እንተደኣ-ኮይኑ ሲኖዶስ ነይሩ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣሎ። ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ወይ ክራይተሪያ ካብ ዝተመርጸ ሲኖዶስ፥ ዝኾነ ትጽቢት ክግበር ስለ-ዘይከኣልግና፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዋና ከም-ዘይብሉ ቤት ኩሉ ዝዕንድረላ-ሜዳ ኮይና’ያ ጸኒሓ እንተ-ተባህለ፥ ንምግናን ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኣይኮነን። እምበኣር እኩብ ድምር ናይዚ ዝተባህለኩሉ’ያ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቓ ትርከብ ዘላ። እንሆ  ሕጂ ግና እግዚኣብሔር ብዓይኒ-ምሕረቱ ክጥምታ ቅዱስ-ፍቓዱ ግዲኮይኑ፥ እቲ ጸበባኣን ጸገማን ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ክዝረበሉ፥ እዋኑን ሰዓቱን ዝበጽሐ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
እዚ ድማ ስቕ ኢሉ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ዘይኮነስ፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ብዝገበሩዎ ዕዉት-ተቓውሞ ምዃኑ፥ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ዜናታት የረድእ ኣሎ። እወ! “ድሕሪ ሞት፥ ጥዕና ቅበጽ” ከም-ዝበሃል፥ እቶም ኣቦታት ቤተ-ክርስቲያን መጻወቲ ሓላፍነት ዘይስምዖም ውልቀ-ሰባት፥ ኣብ እትኾነሉ ደረጃ ወዲቓ ምስ-ረኣዩዋ፥ ዓይኖም ዓሚቶምንእዝኖም ዓጽዮምን ክቕመጡ ሕልንኦም ዝቕበሎ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ’ውን ኣንጻር’ቶም ብቐጻሊ ንቤተ-ክርስቲያን ከዕንዉዋን ክፍርሱዋን ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስንሃብቶም ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ-ገበነኛታት ክልዓሉ፥ ንጽባሕ ዘይበሃል ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ረኺቦሞ።
ብርግጽ እዞም ክልተ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዓቐኑን መጠኑን ዝሓለፈ ብልሽውና ክፍጽሙ ጸኒሖም ተባሂሎም፥ ብቐጻሊ ክኽሰሱን ክውቀሱን ዝጸንሑ ውልቀ-ሰባት፥ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ገበን ቈጺርካን ጸብጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ብኣታቶም ክፍጸም ዝጸንሐ ብልሹውን ግዕዙይን ኣሠራርሓ’ዚ ድማ፥ ንኽንድዚዝኣክል-ዓመታት ክቕጽል’ውን ይግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብሲኖዶስ ዝፍለጥ ናይ ጳጳሳት-ጉባኤ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ረዚን-ሓላፍነት ክርዳእ ብዘይ-ምኽኣሉ ግና፥ እታ ብቕድስናዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንከቢድ ሓደጋ ከም-እትጋለጽ ገይሩዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ’ውን እቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ዝኾኑሉ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።ከመይሲ”-ኣንብር ዝበሉዎ ኣየጥፍእ፥ ኣጸብቕ ዝበሉዎኸ ኣየኽፍእ-”  ዝብል ምስላ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።
ይኹን እምበር ነቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ክገብሮም ዘየኽእል ካልእ ምኽንያት’ውን ኣሎ። ነቲ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ምፍላጥ ኣለዎ ዘይበሃል ዮፍታሔዲሜጥሮስ፥ “-ዋና ኣማሓዳሪ-“ ብዝብል መዓርግ ኣብ ዘይግብኦን ኣብ ዘይምጥኖን መንበር ክቕመጥ ዝገበሩ ንሳቶም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሥልጣን ደልዲሉ ንምቕማጥ ዘኽእሎባይታ ንምጥጣሕ’ውን፥ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ምቕያር ዝበጽሕ ርሕቐት ከም-ዝተጓዕዙ፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ነዚ ጉድ’ዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ እቲግዙፍ-ኣካል ዝኾነ ዮፍታሔ፥ ከምኡ’ውን እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶም ርእሶም፥ በቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ብልሽውና’ኳ ተሓተቲ’ዮም እንተ-ተባህለ።እቶም ሓላፍነቶም ብምዝንጋዕ ነቲ ኩሉ ውድቀት ምኽንያት ዝኾኑ ጳጳሳት፥ ብዝለዓለ ደረጃ ተሓተትቲ ክኾኑ ከም-ዝግባእ’ውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነጥቢ’ዩ። ከምዚ ምስ ተረኽበ ከኣ’ዩ“-ኣይበዲዶ እንዶ ዝቐደዶ-“ ተባሂሉ ክምሰል ዝኸኣለ።
እቲ ዝዓበየ እቲ ሲኖዶስ ዝገበሮ ገበን፥ ነቲ ተራ-ጭዋ ዝኾነ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ መተካእታ ፓትርያርክ ገይሩ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ከቐምጦ ምእንቲ ክኽእል፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ኣውሪዱ፥ ሥልጣኖም ስዒሩ፥ ኣብ ማሕዩር ከምዝተሓዙ ዝገበሮ ገበን፥ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ጥልመትን ክሕደትንእዩ። ስለዚ እቶም ገዳማውያን ኣቦታትና፥ ንተግባር እቶም ጳጳሳት ኣጸቢቖም እናፈለጡዎ ክነሶም፥ ከመይ ኣቢሎም’ዮም ሕጂ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ፥ ንሳቶም ደያኑ ኮይኖምክዳንዩዎም ዝደልዩ ዘለዉ-?! “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-“ ዝብል ምስላ ምህላዉኸ ከመይ ኣቢሎም ክዝንግዕዎ ይኽእሉ-!! ከመይሲ እቶም ጳጳሳት በቲ ዝገበሩዎዕንወት ዝሕተቱ ኮይኖም እናሃለዉ፥ ብደረጃ ዳኝነት ኣብ መንበር ፍርዲ ዝቕመጡ ኮይኖም ክርከቡ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ እንተ-ተራእየ ቅቡል ኮይኑ ዝርከበሉ ምኽንያት ኣሎኣይንብልን። ስለዚ እቶም ንሓላፍነት ብቑዓት ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፥ ተሓባበርቲ ዮፍታሔ ኮይኖም ዝጸንሑ -ጳጳሳት፥ በቲ ዝፈጸሙዎ ኩሉ ዝሕተቱ ደኣምበር፥ ንዳኝነት ዝሕሰቡከም-ዘይኮኑ ጸቒጥካ ክዝረበሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ፥ ነቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ከነተሓሳስቦም ግቡእና’ዩ።
ርግጽ’ዩ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዝገበሩዎ ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኖም፥  እቲ ኩሉ ብልሽውና ክፍጽሙ ዝጸንሑ ክልተ-ገበነኛታት፥ተደፊኦም ክወጹ ምኽኣሎም ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ-ዓወት ምዃኑ ኣየከራኽርን። ይኹን እምበር እቲ ዝዓበየ ሥራሕ እቲ ብድሕሪ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕዘይግብኦ ነጥቢ’ዩ። ማለት ንድሕሪት ተመሊስካ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈጸመ ኩሉ ክዝከር ከሎ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብማዕበል-ፖለቲካ ተደፊኡ’ዩ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክኣቱዝኸኣለ። ሕጂ ግና እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ግህሰት-ሕጊ፥ ሕጂ ከም-እንደገና ክድገም ዝደሊ የልቦን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ነፃ ኮይና ቤታ ከተመሓድር ዘለዋ መሰል ክኽበረላኣለዎ። ካብኡ-ዝተረፈ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ንዝኾነ ዝግበር ኢድ ምትእትታው ዝጻወር ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይግባእ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺእካን ድምፅኻ ዓውኣቢልካን ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
ርግጽ’ዩ እቶም ክብደት-ሓላፍነት ይርድኦም’ዩ ዘይበሃሉ ጳጳሳት፥ ምስ ዮፍታሔ ተሓባቢሮም ነቶም ንሕማቕ-መዓልቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ዝእመነሎም ዝነበሩ ሊቃውንቲስለ-ዘጥፍኡዎም፥ ሎሚ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ብዘይ-ሰብ ገረውረው ኢሉ ከምዘሎ፥ ዝስሕቶ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቶም ብሕይወት ኣለዉ ዝብሃሉ ዝርካቦም ድማ፥ ገሊኦምንመቝሕ ኣሕሊፎም ሂቦሞም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክርከቡ ከለዉ፥ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ድማ ኣብ ስደት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ዘለዎ ዉሉደ-ክህነትና ከኣ ከምኡ፥ እቲሲኖዶስን ዮፍታሔን ሓባርን ተሓባባርን ብምዃን፥ ተሰካም ጠበንጃ ኮይኑ ኣብ በረኻ ከም-ዝበሊ እናገበሩዎ’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ድማ ዘገልግለንሲኢነን ዝዕጸዋ ዘለዋ ብዙሓት’የን።
ብዝኾነ “-ጭራ-ነብሪ ኣይትሓዝ፥ እንተ ሒዝካኸ ኣይትልቀቕ-“ ከምዝብሃል፥ እዚ ጉዳይ’ዚ ዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ዕግበት ተሰሚዑና ክንሓድጎ ዝግበኣናጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ’ቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ከኣ ብዝኾነ ይኹንምኽንያት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ እነእትዎ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን። ይኹን እምበር ምስ ሕቶ ምፍታሕ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ፥ ናይ ዮፍታሔን ሃብቶምን ምስጓጕኣብ ግምት እነእትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ምፍታሕ እቶም ፓትርያርክ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ኸኣ’ዩ እቲ ዝዓበየ ደምበ-ተዋሕዶና ትዅረት ክገብረሉ ዝግባእ ዓቢይ-ጉዳይ።
ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ንጎቦ ኣቐሚጥካ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ’ውን ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ እቲ ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣብጺሑዎ ዝርክብ ዘሎ፥ እቲ ዮፍታሔዲሜጥሮስ ነቶም ጳጳሳት ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ክወርዱ ዝገበሮ ሰይጣናዊ-ውዲት እዩ። ስለዚ “ብዓመጽ ዝተወስደ፥ብፍትሒ ይመለስ“ከምዝበሃል፥ ሕጂ ድማ እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ “-ፓትርያርክ-እንጦንዮስ-“ ደኣምበር፥ እቲ ንዮፍታሔን ሃብቶምን ንምስጓጕ ዝተወስደ ስጉምቲ፥ ካብዚ ዓቢይ ጉዳይ’ዚ ኣውጺኡከዘናግዓና ዝግብኦ ኣይኮነን። ከመይሲ መንገዲ ገዲፍካ ብጓል-መንገዲ ዓዲ ክእቶ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ካብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ ዝተገብረ ዘይ-ቀኖናውን ዘይ-ሕጋውን ምርጫ-ፓትርያርክ ኣባ-ዲዮስቆሮስ፥ “-ልቐቕ  ዘይ-ርስትኻ፥ ውረድ ዘይ-በቕልኻ-“ ከምዝበሃል፥ እቲ መንበር ናብቶም ሕጋዊ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ።
ብዝተረፈ ጠቕላላ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ከቢድ-ሓደጋ ይርከብ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ፥ እቲ ብልቦና ዘይፍለጥ ዮፍታሔን፥ እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶምንስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ከም ሓደ ዓቢይ-ዓወት ቈጺርና እፎይታ ክስመዓና ኣይግባእን። ከመይሲ እዛ ንዓመታት ተጨውያ ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና፥ እቲ ዋናኣ ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣብ ኢዱ ክርከባ ክኽእል ኣለዎ። ብዝተረፈ ኣብ ኢድ ዘይ-ዋናታት ስለ-ዝጸንሐት እኮ’ዩ፥ እዚ ኩሉ ውድቀትን ዕንወትን ክርከብ ክኢሉ ዘሎ። ስለዚ’ውን እቶም ሰብ-ፖለቲካነዚ ጉዳይ’ዚ ብልቦና ክጥምቱዎ እንተዝኽእሉ፥ ክንደይኮን ከመስግኖም ምኸኣለ ነይሩ-!!
እምበኣር ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ’ዚ ተባሂሉ ዘሎ፥ ጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያን ሕጂኸ ናበይ-? ዝብል ሕቶ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክምልሱዎ ዝግብኦም ምዃኑ፥ ክዝንግዕዎኣይግባእን። ከመይሲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ካብቲ ክትጐዓዞ ዝግብኣ መሥመር ወጻኢ፥ ሪሒቓ ክትከይድ ጸቕጢ ክግበረላ ስለ-ዝጸንሐ፥ በዓል-ዮፍታሔ ናብ ዝወሰዱዋ ክትጉተትከም-ዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ ግን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እቲ ናይ ትማሊ ጌጋ ክድገም፥ ክንጻወሮ ዘይንኽእል ምዃንና ድምጽና ኣበርቲዕና ከነስምዕ ክንክእል ኣሎና። ኩሉ ነገርወሰን ስለ-ዘለዎ’ውን “-ይኣክል-“ እንብለሉ ግዜ ሕጂ’ዩ።
ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Thomas October 23, 2014

    Dear Abona,
    I have read your piece and I too share most of your concerns and agree with the recommendations/suggestions. However, our Church is equally facing an unholy challenge from within as much as it is facing from outside. The political and administrative interference of PFDJ and the continued maunderings of the Bishops and Clergy in general is just one layer of the problem that the EOC has to deal with. I know, and I am sure you too know it and perhaps you are also part of it, that the problem from within the Church that emanates in the form of REFORM or commonly called TEHADISO is also a serious problem for the future unity of the Church.

    While you criticise the obvious interference of the evil PFDJ, you deliberately ignored the malicious move being made within the church which effectively will paralyse and destroy the Church. I believe that a problem coming outside is much easier to deal with than that coming from within.

    If you are really serious about the future of this church and the unity of its followers, please let us know your position on this matter. I am right to believe that you were not ordained as a priest inside Eritrea. You got your priesthood some years ago in Europe and I know that this in itself will make it difficult for you to openly criticise the TEHADISO movement as the man who ordained you as a priest is himself at the helm of TEHADISO.

    Thomas

    • concerned Eritrawi October 23, 2014

      Dear Thomas,
      You bring very important concern which is surfacing around the Eritrean Orthodox Church and its members, called TEHADISO and you called malicious move. This in itself was a creation from PFDJ
      It was created to divide the people from within.
      The name calling is not a new thing that the PFDJ use as a tool. They have created names for different group of people for the so purpose to divide the people.
      One thing we have to be very vigilant and try to understand the conning artist who will do anything to divide the people.
      I was in the midst of the church division in North American. I am a firsthand witness and there was nothing that divide the church as fur as the teaching is concern.
      The Word TEHADISO is divisive language used (such is many others used in the past by 03)
      The only main reason that divided the church in North America was the illegal removal of Patriarch Antonius. One side went along with the illegal removal and the other stood against it.

      Let us not create division among ourselves.
      My God save our Church, people and country from Evil.

  • concerned Eritrawi October 23, 2014

    In the last 9 years we have learned many things on how we were conned. People, we have to be able question and affirm ourselves. We should not take hear and say anymore. Our innocence played against us.

    • Zeray October 23, 2014

      As Eritreans we have to make a decision on whether we want Freedom of religion/faith or not. If the consensus is Yes, we want freedom of religion then tolerance becomes our main virtue. We have to be able to tolerate faiths that may not be exactly like ours. Every faith should have a place in Eritrea as long as it is not there to commit crime against other fellow citizens. The lack of tolerance in the Tewahdo church towards others have come back to haunt us. We are so insecure in our faiths that when others flourish we quickly go against them and forget that we are fighting against freedom of religion.

  • ogbai October 23, 2014

    ‘ሕጂወን ሓብእ ቑስሉስ ሓብእ ፈውሱ ከምዝባሃል’ ከይኸውን ብዙሕ ዘስክፍ ይመስል፡ እዚ ተዋሃዶ ቤተ ክርስቲያን ንብዙሕ ዘመናት እካ ክብሩ ዓቂቡ፡ ከዘግም እተጸንሔ። ኣብ ውሽጡ ክልተ ዘይካሓድ ጸገማት ተጻዊሩ ክጋዓዝ ክም ዝጸንሔ ዘይካሓድ ክውንነት ሓቂ እዩ። ቀዳምይ, ኣብ ውሽጡ ናይ ጠለባት ተሃድሶን ዘይምሕዳስን ውልዕ ጥፍእ ክብል ዘጸንሔ ጉዳይ ምኻኑ ዝይካሓድ ጉዳይ እዩ። እቲ ካልኣይ, ከኣ ግዳማዊ ተጻብኦ ምኻኑ እዩ። ንኣብነት ክብቲ ባዕዳዊ ትጻብኦታት ዝባህል ናይ ገዝእቲ ሓይልትት ንቲ ቤተ ክርስቲያን ንውሽጣዊ ጸገማቱ ከተዓራርዩ ክተሓባበሩ ግዱስት ኣይነበሩን፡ የግዳስ እታ ቤተ ክርስትያን ምስ ብዙሓት ሳዓብታ ከመይ ንረብሖኦም ትውዕልሞ እታ ሃገር ብዓባያ ኣብ ረብሖኦም የውዕልዋ ነበሩ። እምባኣር ነቲ ውሽጣዊ ጸገማታ ክትዕሪ ትንፋስ ዝረኸበቱሉ ጌዜውን ኣይንበርን ክባሃል ይካኣል። ስለዚ እቲ ኣካይዳ ልምድታት ባህሊ፡ በቲ ቀደም ‘ሕምባሻ ከሎ እምኒ ዘቖመ’ ካብ 300 ክሳብ 600 ድ.ል.ክ ዝጸደቐ ኮይኑ ዘኾነ ናይ ምምሕያሽ ይኹን ክግበር ኣይተኻእለን፡፡ ዋላ እቲ ቓንቓ ከም ዘለዎ እዩ ክቕጽል ጸኒሑ፡ ውጹዕ ህዝቢ በዘልማድ እንተዘይ ኮይኑ ኣሜን እሉ ክኸይድ ጸኒሑ ካልእ ኣማራጺ መገዲውን ኣይነበርን ክባሃል ይካኣል። ዋላ እቶም ካህናት ዝባሃሉ ነቲ ጡዕም ቃናን ዜማን ኣስሚዕካን ሰሚዕካን፡ ብሕልናኻ ረዊኻ ምኻድ እንተዘይ ኮይኑ ትርጉሙ ናይ ምርዳእ ዓቕምታት ዳርጋ ተጽንቂቑ እዩ ጽኒሑ እንተ በልኩ ከም ድፍረት ኣይትቕጸሩለይ ክብል እደፍር። እምባኣር ድሕሪ ነውሕ ጉዕዞ ገመድ ባዕዳውያን ኣብ እተበጠሰሉ እዋን፡ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ተዋሃዶ ዘኤርትርያ፡ ካብቲ ኣትያቶ ዝጸንሔት ታኼላ፡ ብዘልማደ ባህልታት ወጺኣ ክሳዳ ሓፍ ኣብ ተብለሉ ሰዓታት፡ እቲ ብሓይሉ ዘተኽስተ መንግስቲ ናይ ሸፋቱ ስርዕት፡ ብጎረርኣ ጨሪሹ ሓኒቑ፡ ክደፍራን ቖርበት በጊዕ ተኸዲኑ ናብ ውሽጢ ቤታ ከይሐፈረ ከም ቀዳሲ ወዳሲ ኾይኑ ሁሩግ ክብል ምስ ተራእየ፡ ጸገማ ኣዝዩ ዝገደደ። ነቲ ብኹሉ ተጸዋርንት ሓሊፋ እፎይ ኢላ ብዘመናዊ ቓንቓ ይኹን ዘመንዊ መዛሙር ንብሳ ንምሕዳስ ኣብ ትሸባሸብሉ መድርኽ ዘመቱኡ ኣግሃዶ፡ ከም ልማዱ ዓገብ ዘብሎ ዘየብሉ ከም’ቲ መምህሩ ማኦ መራሒ ቻይና ነበር ዝተዋህቦ ዲቁና ብርሰተ ሃይማኖት ከተግብር ወፍሩ ዝጀመረ። ኣብ ኩሉ ትካልት ንምብሓት ዝገበሮ ውረራታት ኢዱ ኣትዩ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዓቢ ጸገምን ጾርን ኮይንዋ ጸኒሑ ኣሎ። ኣሓትን፡፡ ሕዋትን፡ ብዙሕ ኣይንዓሹ፡ ኣብ ደገ ተማሂርካ ኣብ ውሽጢ ትማሂርካ እንታይ ኣምጸኦ፡ እምላኽና’ኮ ናይ’ዛ መላእ ዓለምና ኣምልኽ እዩ። ብመሰረቱውን እቲ ሃይማኖት እንብሎ ዘለና ኩሉ፡ ካብ ግዳም ከምዘመጸና ዘረስዕናዮ እመስለኒ፡ ብዛዕባ ምሕዳስ ዝስከፉ ብዙሓት ክም ዘለዉ ይረኤ ኣሎ። እየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝጸንሔ ኣሪት ዘፍጥረት ንምሕዳስ ከም ዝኾነ ዘይፈልጥ እንተሎ ሕጂወን ይፍለጥ። ብዝተረፈ ብሊቀ ካህናት መም. ተክለማርያም ካልኣትን ዝጥለብ ዘሎ ጸዋዕት ዘምስገን እዩ፡ ብመሰረቱ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ካላኦት እምነታትን ካብ ላዕሊ፡ ካብ እግዜኣብሄር ብዝተዋህቦም ጸጋ ጎይታ ምሕደርኦም፡ ኣባጊዖም ክጋስዩ ናቶም እምበር ጉዳይ መንግስቲ’ውን ብዓንተባኡ ክኸውን ኣይምተጎበኦን። እግዛኣብሔር ንቤቱ ንጥኦት ንማንም ኣሕሊፉ እይክህባን እዩ’ሞ በዞም ገበርቲ እከይ ሕጂወን ክይንዝንጋዕ ሓደራ። ኽብሪ ንእግዘኣብሔር ይኹን!

    • ab October 24, 2014

      ሓው ዑቅባይ
      ሃይማትሲ ክሕደስ ሪኢናን ሰሚዕናን አይንፈልጥ፡፡ አሰራርሓ እምበር እምነት ሓንቲ እያ አይትክለስ አይትሕደስ፡፡ ከንቱ ድኻም ትደክም አለኻ፡፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊ፣ሕጂ ዋላ ፅባሕ ሓደ እዩ፡፡ አይቅየርን፡፡

  • ቢኒያም ሓጎስ October 24, 2014

    አቲ በቲ ኣዝዩ ርህሩህን ራህራህን ዝኾነ ኣላህ ጎይታኹም ብምኽሓድኩም ኣብዘን ሓጸርቲ ዕድመኹም ተሳቒኹም ሓሊፍኩም ገሃነም አሳት ከኣ ዘልእለም ክትነብርዋ ኢኹም አዚ ድማ ብሰንክቲ ሕሉፍ ክሕደትኩም አዩ!!!

  • ቢኒያም ሓጎስ October 24, 2014

    አቲ በቲ ኣዝዩ ርህሩህን ራህራህን ዝኾነ ኣላህ ጎይታኹም ብምኽሓድኩም ኣብዘን ሓጸርቲ ዕድመኹም ተሳቒኹም ሓሊፍኩም ገሃነም አሳት ከኣ ዘልእለም ክትነብርዋ ኢኹም አዚ ድማ ብሰንክቲ ሕሉፍ ክሕደትኩም አዩ!!!
    ኣይፋልክምን ኣላህ አዩ ሓቐኛ ጎይታኹም ንዕኡ ጥራይ ተገዝኡ

POST A COMMENT