Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“በረኸት ሃብተስላሰ ዝጸሓፎ ቅዋም ንየው በሎሎሎ!!!!!!!!”

"በረኸት ሃብተስላሰ ዝጸሓፎ ቅዋም ንየው በሎሎሎ!!!!!!!!" ይቅረታ ብሓደ ስግንጢር ዝመስል ኣርእስቲ ጀሚረልኩም።ግን ብሓቂ ከም ቁምነገር ተሓሲቡ ዝተዘርበ እዩ።። ብኻልእ ዓይነት ቋንቋ ዝተዘርገሐ ቤላ-በለው ዓይነት ኮይኑ ከይስምዓኩም ብወረጃታት ማዕዶ ብቋንቋ ዓድናዝተዘርበ አዩ።እዚ ዘረባ እዚ ክዛረብ ዝኽእል ፍጡር ፡ብገለ ኣጋጣሚ ጎፍእንተ ኢሉኩም የተንፍስ ምህላዉ ክትጠራጠሩ ኢኹም እሞ፡ ቆንጢኹምሰብ ምዃኑ ኣረጋግጹ ።ሃይ እንተበለ፡ እሕሕሕ ወስኸሉ በልዎ። ውሕሕሕእንተበለ ግን ፡ከምዘይናትኩም ገዲፍክሞ ዓዲ እንተ ኣተኣተኹም ሓላልስለዝኾነ፡ ግልጽ ኢልኩም ኣይትርኣይዎ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብ"ተመሊስካ እትረድኦ'ስ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ' ዝብል ምስላ ወለዲ ኣይሰርሕን አዩ።ብነብሱ እውን ፍጥረት ህዝብና መሃይምነት ዝዕንድረሉሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝተናፈሰ ወረ ክመሚ ዓቅሚ ይውሕዶጥራሕ ዘይኮነ ፡በቲ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፣ ንረብሓ ረገጽቲ ዘገልግል 03፡መሽረፈት ከም ዘቀብል ገይሩ ከይፈተወ ክውደብ ስለዝተገብረ ኣብ ክሳዱገመድ ይጥምጥም ምህላው ክርድኦ ሓያለ ግዜ ክወስድ አዩ። ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ህዝቢ ዝደርበዮ ዱቦላ፡ ኢደ-እግሪሩ መትሓዚ ዘይነበሮ፡ ንለባም ዘይሓደሶ፡ ንዓሻ ግን መለሳ ኮይኑ ዝተሰምዖ

በረኸት ሃብተስላሰ ዝጸሓፎ ቅዋም ንየው በሎሎሎ!!!!!!!!
ይቅረታ ብሓደ ስግንጢር ዝመስል ኣርእስቲ ጀሚረልኩም።ግን ብሓቂ ከም ቁምነገር ተሓሲቡ ዝተዘርበ እዩ።። ብኻልእ ዓይነት ቋንቋ ዝተዘርገሐ ቤላበለው ዓይነት ኮይኑ ከይስምዓኩም ብወረጃታት ማዕዶ ብቋንቋ ዓድናዝተዘርበ አዩ።እዚ ዘረባ እዚ ክዛረብ ዝኽእል ፍጡር ፡ብገለ ኣጋጣሚ ጎፍእንተ ኢሉኩም የተንፍስ ምህላዉ ክትጠራጠሩ ኢኹም እሞ፡ ቆንጢኹምሰብ ምዃኑ ኣረጋግጹ ።ሃይ እንተበለ፡ እሕሕሕ ወስኸሉ በልዎ። ውሕሕሕእንተበለ ግን ፡ከምዘይናትኩም ገዲፍክሞ ዓዲ እንተ ኣተኣተኹም ሓላልስለዝኾነ፡ ግልጽ ኢልኩም ኣይትርኣይዎ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብተመሊስካ እትረድኦስ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ‘ ዝብል ምስላ ወለዲ ኣይሰርሕን አዩ።ብነብሱ እውን ፍጥረት ህዝብና መሃይምነት ዝዕንድረሉሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝተናፈሰ ወረ ክመሚ ዓቅሚ ይውሕዶጥራሕ ዘይኮነ ፡በቲ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፣ ንረብሓ ረገጽቲ ዘገልግል 03መሽረፈት ከም ዘቀብል ገይሩ ከይፈተወ ክውደብ ስለዝተገብረ ኣብ ክሳዱገመድ ይጥምጥም ምህላው ክርድኦ ሓያለ ግዜ ክወስድ አዩ።
ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ህዝቢ ዝደርበዮ ዱቦላ፡ ኢደእግሪሩ መትሓዚ ዘይነበሮ፡ ንለባም ዘይሓደሶ፡ ንዓሻ ግን መለሳ ኮይኑ ዝተሰምዖ መደረ፣ወርሕን ፈረቃን የሕሊፉ ኣብ ዘለወሉእዋን ፡ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣትየ፡ ምስ ሓደ ኣቀዲመዝፈልጦ ሻሂ ክንሰቲ ምስ ተኣለና፡ ዘረባ ዘረባ ዘምጸኦ ሃንደበት ብበዓልዶክተር በረኸት ዝተጻሕፈ ቅዋም ንየው በልዎ ዝብል ዱቦላ ዘረባ ምስሰማዕኩሉ ፡ቅንጥው እንተበልኩዎ ሃይ ስለዘይበለ ፡ብድድ አለ ቀልቀለይከምዝደርበኹ ጠንጢነዮ ዕዝር በልኩ።እታ ዘረባ ግን ከም ተራ ዘረባ ጌረክርዳኣ ኣጸገመትኒ እሞ ፡ምስቲ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ኢሰያስ ኣፈወርቂዝመደሮ ከተሳስራ ፈተንኩ። ከመቅጽበት ፡ብዘይካ ናይ ኣሰዃኹዓ ቃላትፍልልይ፡ መንፈሰን ሓደ ምዃነን ክርደኣኒ ግዜ ኣይወሰደለይን።ለከ ጥሪትካብ ዓበይቲ የብሉ ካብ  ኣሽቱ በልኩ።ንሱ ድሕሪ ካብ ማእለያ ዘየብሎም ተጻብኦታት ተሞክሮ ምቅሳምና መጻኢ መንግስቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መርሓ ቅዋም ክንደፍ ክጅምር አዩ. . . . “[እታ ሓዲሽ . . . ክንደፍ አዩ ምባል ኮነ ኢሉ አዩ ገዲፍዋ]። እዚ ተጻብ ኦታት ” ዝብሎ ዘሎ ዶክቶር በረኸት ሓዊስካ ኣብ ምንዳፍን ምጽፋፍን ቅዋም ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ምሁራትን ለባማት ዓበይቲ ዓድን ፣ንፋስ ሓርነት ኣብዝረኽቡሉ ሰላማዊ ናብራ እንከለዉ  እዛ ቁዋም ቁምነገራ ብዘየገድስ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብኽብሪ እንተተመዝጊባ ኣስማት ኣበርክቶ ዝገበሩላ ክጥቀስ ስለዝኾነ ዓይኑ ደም ስለዝመልኦ ንሳን ንሶምን አንዳ ጓሓፍ ክትድርበዩ ኣለዎም ዝብል ሰይጣናዊ ቆለ ኣብዚ ደረጃ ጽላለዚ ኣብጺሕዎ።ስም ኣብ ትሕቲ ይኹን ልዕሊ መሬት ዝበሊ ዘሎ ኤረትራዊ ጅግና መታን ከይጥቀስ ተባሂሉ፡ ሃሲሶም ዝተረፉ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ የብሎምን ።ን ኣብነት ዑቅበ ኣብርሃን ውቃው እዝን ጰጥሮስ ሰሎሙንን ምስ ታሪኽ 72.ወዘተ። ኣብ ዘመነ ኤሰያስ ስምን ታሪኽን ብሓደ አዮም ግብኣተ መሬት ዝኣትዉ።መጻኢ ወለዶ ካብ መዓሙቅ ኣውጺኡ ክርድኦም ከቢድ ስራሕ ይጽበዮ ኣሎ። ዲክታቶር ኤሰያስ፡ ቁዋም ’97 ጻድቃናት ዝተሳተፍዋ ንሸይጣን ዝኸውን ነቃዕ ዘየብላ ስለ ዝኾነቶ፡ ኣብ ክንድኣ እቲ ዛርቲ እንተ ኣዚዙ ቅዋም ሓደ ልቢ [ልቢ ኢሰያስወይ ከኣ በትረ ዲክታቶር ዘሐይል ቅዋም ክንደፍ፡ ካብኡ ሓሊፉ ግን ብቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ፡ከምተን ተቆጺረን ዝሓለፋ ከንቱ ዓመታት ፡ገጽ ዓንዲ ሕጊ ከይረኣና ኮለል ከብለና ዝሓለነ መልእኽቲ አዩ ኣመሓላሊፉ።መደረ ኢሰያስ ውን ካብቶም በሃማት ደገፍቱ ዘይፍለ ፡ነታ ብዙሕ ንዋትን ጉልበትን ኣእሙሮን ዝፈሰሳ ቅዋም1997 መንጸጊኡ ምኽንያት ፡ዋላኳ ብጋህዲ ኣይበሎ እዚ ቅድሚ ሕጂ ዝተነድፈ ዓንደ ሕጊ፡ መንፈስ ቁዱስ ዝዓሰሎ ፡ንጋኔን ዘይሰማማዕ ፡ናይ መላእኽቲ ዓንቀጻት ኮይኑዎ ውቃበኡ ስለዘይተቀበሎ ፡በዓል እከለን እከለንዝነደፍዎ ቅዋም ንየው በሉለይ ኢሉ ዝነጽጎ ዘሎ።። ስለዚ መተካእታ እዛ ቁዋም ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ብዛዕባ ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ብዝሓስቡ ዘይኮነስ በቶም መበቆሎም ዘይፍለጡ ካብ ወርሕን ማርስን ብዝመጹ ድያብሎሳት ክትጸሓፍ እያ እዩ ዝብለና ዘሎ።
መበገሲ ኣርእስተይ ነቶም ከም እንስሳ እናተኾብኮቡ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና እናበሉ ጎተት ዝብሉ ዘለዉ መሳኪን ደገፍቲ እቲ ስርዓት አዩ። ገሊኦም ደገፍቲ እሞ ኸኣ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቅን ቅዋም፡ ባይቶ፡ ፓርላማ ልዕልና ሕጊ ዝብሉ ኣገደስቲ ፡ምስ ክብረት ደቂ ሰባት ዝኸዱ መባእታውያን ኣምራት ክንዲ ቅንጣብ ኣፍልጦ የብሎምን ። ምስቲ ዝሰረቀ ፡ዘታለለ ፡ ዝዓመጸን ዝደፈረን ዝቅጽዓሉ ሲቪላዊ ሕጊ ከኣ የደባልቅዎ።  እዚ ኹሉ በደለኛ ደኣ በየናይ ሕጊ ይቅጻዕ ኣሎ ኢሎም ናይ ዓያሹ ኽትዕ ይካትዑኻ።ስለዚ ንቅዋም ዓንዲ ኩሉ ሕግታት ሃገር ሙዃኑ እኳ ክርድእዎ ዘይከኣሉሲ ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻቲዑን ተመያይጡን ዘጽደቆ ቅዋም ብሽም ውልቀሰብ ጸዊዕካ ነው በልዎ እዚ ቅዋም እዚ” እንተበሉ ዘገርም ኣይኮነን።እዞም ካብ ክንቲት ዝፈኾሱ ሰበስልጣን ኤርትራ ኤርትራ ቅዋም ኣለዋ፡ ኩሉ ሕግታት ብዘይካ ምርጫ ኣብ ግብሪ ይውዕል ኣሎ እናበሉ ዘሽካዕልሉሉ ዝነበሩ፡እቲ ቅዋም ዝርካቡ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ሃስያ ከም ዝወረደ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ትቁጸሮ።እምበርከ እዞም መንደላይ ዝመልሓሶም ሕንከት ዘይፈልጡ ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ብሕጂ ኸ እንታይ ኮን የስምዑና ይኾኑ? ዝኾነ ኾይኑ መታን እዝንና ጠጥዕሙ ክንሰምዓላ ካብ ሰሚናሮም ይሰውረና ።
ካብ ወዲ ሓብቲ ከባቢ ተሰነይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Dala ksha June 29, 2014

    In the new constitution PIA is going to appoint his own successor he is going to be his son.

  • Mike June 29, 2014

    Some one did write now that the constitution was really a face saver and has no value. Many are screaming to have the constitution be enacted – My people – that was no constitution. Dr. Bereket did try to write up a sort of a “final paper” that is really weak and could not stand the heat of the day. Luckily, many Eritreans were running their life and the early independent years with emotion rather than logic and believed that the so called constitution was sound. Well, now we are in a second round of constitution talk by the crazy man and his people in Eritrea. Well, Let them write it up and – we could always edit “tewesaki” “techemari” on the third one and they say third time it is always a charm!!!

    Eritrea in cross roads and next stop. Many of us dreamed of Utopia and turns out to be Another failed African state of Eritrea. Many of us are saying – it will not turn out to be like the middle east states – but that very nature of broken up Eritrea might as well be the next stop that Eritrea is heading towards to.

    Rise up or face the next stop my Eritreans!!!

    • Zecu June 30, 2014

      Hi Mike you said ”Dr. Bereket did try to write up a sort of a “final paper” that is really weak…” but I dont think so you have read the constitution, it was a final and perfect constitution and it was not edited by him there was a committee and he was chairing it. In 2000 I read it and it really secures the right of all Eritrean individuals and it doesn’t give a room for dictators and criminals. The idea of constitution is to safeguard citizens and to make sure all individuals are subjected to the national law regardless of their power and wealth. But a country with out constitution is living with out law, by which the lawless people can commit their lawless atrocity as there is no law to which they have to subject themselves. As for me any bad constitution is better than lawlessness

  • Bayan June 29, 2014

    I am surprised that many people have in their mind as the writer of the topic as if Dr. Breket as the only person who drafted and wrote the constitution. The people who drafted the constitution were composed of a group of Eritreans and it was headed by Dr. Bereket. We should not forgot the role of others as well as of Dr. Berket.

  • AyteAbrha June 29, 2014

    ወዲ ሓብቲ
    ተመሳሳሊ ጽሑፍ እኾ ኣብቲ madote.com ዝብልዎ ወብ ሳይት እኾ ኣቐዲሞም ጽሒፎም ኢዮም።
    ኣነ ግን ሓደ ነገር ኣሎ ዝገርመኒ፣ እዞም ሰባት እታ መሕነኪቶም ኣበይ ኢዮም ደርብዮማ ዋላስ ዓይኖም ብጨዉ ኢዮም ተሓጺቦም። ንእገረ መንገዶም ዲዮም ሃለዉ ለዉ ዝብሉ ብዘይስክፍታ፣ ፖለቲካ ከመይ ድዮ ዝርድኦም፣ ሕማም ዶ ኪንብሎ ዋላስ ጽላለ?

    • Sorobeti June 29, 2014

      መራሒ ጥፍኣት ምስ ተጓሕፈ ኣብ ዓቢ ሕንከት ክኣትዉ እዮም።

  • Tsegezab gebregergis June 29, 2014

    1.
    Tsegezab Gebregergis
    June 8
    ዋእ! ሕጂ ኸኣ ሓድሽ ቅዋም!!!
    እቲ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቕዋም ከ: እንታይ ኢዩ ክኸውን?

    ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ሎንደን 09-06-2014

    ኩሉኹም ጽሑፋተይ እትነቡ ተኸታተሊ ከም እትዝክርዎ: ኣብ ጽባሕ ናይ’ቲ (ክቡር) ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ: ብምኽንያት ጽምብል መዓልቲ ነጻነት ምርኩስ ገይሩ: ንምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም (The launching new draft constitution) ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሃንደበታዊ መደረ: ነዛ እትስዕብ ሓጻር ሪኢቶ ብቛንቛ እንግሊዝ (A Brief Comment to the Bombshell Announcement of PIA) እትብል ኣርእስቲ ጺሒፈ ነይረ:: ኣብ’ታ ዘቕረብክዋ ጽሕፍቲ: ፕረዚደ…ንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ: ሓድሽ ቅዋም ክነድፍ (new draft constitution) ስልጣንን ሓላፍነትን ከም ዘይብሉን: ከምኡ ክገብር እንተኾይኑ ኸኣ: ሕጋዊ ከም ዘይኮነ: እታ ሓንቲ እቲ ፕረዚደንት ክገብራ ዝኽእል: ነቲ ሕዝቢ ተኻቲዑ ዘጽደቖ ቅዋም (ratified constitution): ኣብ ምትግባሩ ኣመልኪቱ ክሰርሕን ከተግብርን ከፈጽምን ጥራይ ኢዩ:: ክንዲ ዝኾነ ኸኣ: ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ዘቕርባ ዘለኹ ጽሑፈይ ከኣ: ፕረዚደንት ካብ ምንታይ ተበጊሱን: ብድሕሪ ተበግሶኡ ኸ: እንታይ ዝተኸወለ ሕቡእ ዛዕባ ኣለዎ? ኣብ ዝብል ኣመልኪተ ክትንትን ኢየ:: ቅድሚ ኹሉ ኸኣ: ምንዳፍ ማለት: እንታይ ማለት ኢዩ? ብዝብል ትንታነይ ክፍልም ኢየ::

    መጀመርያ ክበርህ ዘለዎ ጉዳይ: ምንዳፍ ዝብል ቃል: ንዝነበረ ምቕጻል ማለት ዘይኮነ: ከም ብሓድሽ ምርቃቕ: ምህናጽ: ምጅማር ማለት ምዃኑ: ናይ ሓባር ተረድኦ ክንሕዝ ይመርጽ:: ምኽንያቱ ገለ ሰባት እቲ ምንዳፍ ዝብል ቓል: ምስ ኣቐዲሙ ተዳልዩ ንዝነበረ ምቕጻል: ወይ ምምሕያሽ ብምትሕሓዝ: ዘይትርጉሙ የትሕዝዎ ስለ ዘለዉ: ርእሰ ነገር ጉዳይና: ካብ’ቲ ምንዳፍ ዝብል ቃል ክብገስ ስለ ዘለዎ ኢዩ::

    ኩሉኹም ከም ዝሰማዕኩሞ: ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምብል ነጻነት ኤርትራ: (ክቡር) ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ: ህዝቢ ንዝጽበዮ ዝነበረን: ሃረርታ ዝገበረሉን ገዚፍ ጉዳይ ማለት:-
    1. ብዘይ ኣገባብ: ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ዜጋታቱ ብቕጽበት ዝፍትሕሉን: ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉን: ምሕረት ዝግበረሉን ሃዋህው ክሰምዕ:-
    2.. ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ተፈጢሩ ንዘሎ ምትፍናን ንምጽባብ: ናይ ዕርቅን ስኒትን ኣዋጅ (reconciliation & concord) ተኣዊጁ: ሰላም ዝሰፍነሉ ሃዋህው ክፍጠር:-
    3. ብጅምላ ሃጽ ኢሎም ሃገሮም ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት: ጠንቂ መስደዲኦም ፈሊጥካ ፍታሕ ብምግባር: መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ረጊኦም ዝዓርፍሉ ባይታ ዘጣጣሓሉ ምቹእ ኩነታት ክምድመድ:-
    4. ኣቐዲሙ ንዝጸንሐ ዘይተተግበረ ቅዋም (implement the unimplemented Constitution) ብምትግባር: ኣካይዳ መንግስትን ምምሕዳር ሃገርን: ሕጋዊ ማዕልቦ ዝገብረሉ ኩነታት ኣመልኪቱ መደረ ከስምዕ እናተጸበዮ እንከሎ ኢዩ: (ክቡር) ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሃንደበት ሓድሽ ቅዋም ክነድፍ ምዃኑ ገሊጹ::

    ምኽንያት ናይ ሓድሽ ቅዋም ምንዳፍ ክገልጽ እንከሎ ኸኣ: ኣብ ውሽጢ እዚ 20 ዓመት ዝተመሃርናዮን ዝተሞክርናሉን ጉዳይ ስለ ዘሎ ኢዩ ይብል::

    ንምዃኑ ኣብዚ ዕስራ ዓመት ዝሓለፈ ጉዕዞ ነጻነትን ሉኡላውነትን: እንታይ ዝተፈጥረ ጉዳይ ኣሎ ዲዩ? ኩሉ ከም ዝፈልጦን ከም ዝዝክሮን: እዛ ሃገር እዚኣ ቅድሚ ነጻነታ ኣትሒዙ: ካብ ርሑቕን ቀረባን ብዝመጹ ተጻባእቲ: ኣብ ዝባና ዘንጸላሉ ሓደጋ ከም ዘሎ ብሓባር ክንቃለሶ ዝጸናሕናን ዘለናን ጉዳይ ኢዩ:: እሞ ሕጂ ድኣ ኣየናይ ካብ’ቲ ልሙድ ክኸይድ ዝጸንሕ ተጻብኦታት: ዝተፈልየ ማዕረ ንዓመታት ዝደኸምካሉ ቅዋም ዘቐይር ኩነት ስለ ዝተረኽበ ኢዩ: ሓድሽ ቅዋም ምንዳፍ ዝዋጠየሉ ዘሎ:: ዶስ! (ክቡር) ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዊን ከም ዝበሎ: ህዝቢ ብዘይርእዮ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሓድሽ ኩነታት ኢዩ ዘዛርበና ዘሎ? ዶስ ኣይፍለጥን ከም’ቲ በቕሊ ብዘይ ልጓም ዘይትኸይድ: ንባዕሉ ነቲ ኣካይዳኡ ልጓም ክኣስረሉ ደልዩ ዶ ኾን ይኸውን? ኣይመስለንን ምኽንያቱ: እዛ ምንፋጽ ጥራይ ከም ባህሪኣ ዝወሰደቶ በቕሊ: ብዊንታኣ ልጓም ክግበረላ ነቲ ልጓም ስለ ዘይተቐብለካ: እቲ ምንታይሲ ካብ’ቲ ልጓም ረብሓ ስለ ዘይብላ: ብሪዲኢተይ ግን: ካብ’ዚ ዝስዕብ ኩነታት ተበጊሱ ንምንዳፍ ቅዋም ዝዛረብ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ:: ንሱ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:-

    1. መጀመርያ ነቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከም ኣቦ ንድፊ ቅዋም ዝፍለጥን ዝጽዋዕን ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ: ተጸዋዕን ተጠቃስን ኮይኑ ብዋንነት ናይ’ቲ ንፈለማ እዋን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዋም: ስሙ ክሕከኽን ክስረዝን ስለ ዝደለዮ ኢዩ: እዚ ኸኣ ካብ ዘለዎ ቂሚን ቅርሕንትን ዝብገስ ኢዩ::
    2. ንኹሎም ነቶም ብስም ተቛወምቲ ሓይልታት ዝፍለጡ: መበገሲ ምምሕዳር ኣብያተ ጽሕፈቶም ኣብታ ምስ ኤርትራ ኣብ ኩናት ጸሚዳ ዘላ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነን: ምኽርን ፋንይናንሳዊ ምወላን ኣፍልጦን ዝረኽቡን: ምስ’ቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካየደቶ ኩለንትናዊ ዕንወትን: ክሳብ ነቲ ክቡር ነጻነት ኤርትራ ዘጓናጸፉ ዝተቐብርሉ ሓርበኛታት ስውኣት ዝርከብሉ መቓብር ሓርበኛታት ምስ ዝፈሓረት ሃገር ብምምሕዛው: ኢትዮጵያ ናይ መትከል መሓዛና ኢያ: ብዘይ ኣፍልጦ ናታ ኸኣ: ነጻነት ክውን ኣይምኾነን እናበሉ ዝደጋግሙ ሓይልታት: ካብ ኩሉ ፖለቲካዊ ሱታፌ ናይታ ሃገር ንኸይሳተፉ ዝኽልክል ሕጊ ንምስፋር ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል::
    3.(ክቡር) ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ንነብሱ ክሳብ ዕለተ ሞቱ(President-for-life): ነታ ሃገር ከም ፕረዚደንት ኮይኑ ክመርሓሉ ዝኽእል ደረቕ ሕጊ (self-serving-constitution) ንምስፋር ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል:-
    4.ነቶም ንስልጣኑን ክብረቱን ስግኣት ዘይኮኑዎ ሓይልታት: ብምስሊ እቲ ንሱ ዝደልዮ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቕዲ ሃኒጹ: ካብ ውሽጢ እቲ ንሱ ዝደለዮ ማእዝን: ናይ ይምሰል ሰልፍታት ሃኒጹ ዝሳተፍሉ ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል: እዚ ኸኣ ከም ተሞኩሮ ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት: ኣልጀርያ: ግብጺ: ቱንዝያ: ሞሮኮ ብተግባር ዝሰርሐ ስልቲ ኢዩ::

    እተን ቀንዲ ናይ ሓድሽ ምንዳፍ ቅዋም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢለ ዘቐመጥክዎ ነጥብታት: እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ‘ኳ እንተኾነ: ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ጠንቂ ምንዳፍ ኢለ ኣቐሚጠዮ ዘለኹ ጉዳይ: ናይ ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ ኢዩ:: ንምንታይ ኢዩ ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ ካብ’ቲ ታሪኻዊ ሰነድ ቅዋም ከም ታሪኽ ክሕከኽ ተደልዩ? እቲ ምኽንያት ከ እንታይ ኢዩ? ብናተይ ትንታኔ ናይቶም ኣብ በርሊን ብስም ጉጅለ 13 (G-13) ዝፍለጡ: ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንጉዳይ ስልጣኑ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ: ዶኽተር በረኸት ሃብተስላሴ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣውራ ብምንባሩ (the principal author): እቲ ጽሑፍ ከኣ ንፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዕዞ ናይ ስልጣን ዘመኑ: ናይ መጀመርያ ብድሆ ብምንባሩ: ብፍላይ ከኣ ምስ’ቲ ተኣማንነት ናይ’ቲ ዝቐረበ ሰነድን: ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምዝርግሑ: ነዚ ከም ጣኦት ዝምለኽ ዝነበረ ፕረዚደንት ንኽድፈር: ባብ ዝኸፈተት ብምንባራ: ከምኡ ‘ውን ናይ’ታ ዝቆሰለት ሃገር (Wounded Nation) እትብል መጽሓፍ: ደራስን ጸሓፍን ብምዃኑ: ኣብ ታሪኽ ከኣ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነታ ሃገር ናብ ቁልቁል ምትፍናን ዘሳጥሐን: ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ጽርዲ ኩናት ዘእተወን: ነታ ሃገር ብፍጹም ዘዕነዋን ክብረታ ዘዋረዳን ኢዩ ብምባል ዘላለየትን: ዘጋለጸትን መጽሓፍ ብምዃና: ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሓደ ካብ’ቲ ሕዱር ቅርሕንቲ ከሕድረሉ ዝኽአለ ነጥቢ ኢዩ::

    እምበኣርከስ ኣብ መደምደታ: ሓባራዊ መረዳእታ ክህልወና ክኸውን ኣለዎ ኢለ ዝገልጾ ነገር: እዚ ዝስዕብ ኢዩ: ንሱ ኸኣ:- እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም: ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻቲዑ ዘቖሞ ቅዋም: ጉልበትን ሓንጎልን ተደኺምዎን: ገንዘብ ፈሲስዎን ክነሱ: ንምልዋጡን ንምምሕያሹን ብዝምልከት ከኣ: ሃገራዊ ባይቶ ተኣኪቡ ዝውስኖ ‘ምበር: እዚ ውን ብፕረዚደንት ክቐርብ እንተኾይኑ ‘ውን: ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ባይቶ ጠለቡ ድሕሪ ምቕራቡ: ሃገራዊ ባይቶ ኸኣ: ነቲ ናይ ፕረዚደንት ጠለብ ብእወንታ ተቐቢሉ ንምልዋጡ ምስ ዝድግፍ: ክግበር ምተኻእለ ነይሩ:: እንተዘይኮይኑ ግን: ከም’ዚ ሕጂ (ክቡር) ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ገይርዎ ዘሎ ግን: ቅቡል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ: ሕጋዊ መስርሕ ዘይሓለፈ ጉጉይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ ኢዩ:: ምኽንያቱ:-

    1. መጀመርያ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ባይቶ (National Assembly) ኣሎ ዲዩ? እቲ መልሲ: የለን ኢዩ::
    2.. ሃገራዊ ባይቶ ዝብሃል ካብ ዘይሃለወ ኸኣ: ፕረዚደንት መን ብዝሃቦ ስልጣንን ኢዩ? ነታ ዝነበረት ቅዋም ረጊጹ: ሓድሽ ቅዋም ክነድፍ እማመ ‘ውን ዘይኮነ: ትእዛዝ ዘመሓላልፍ ዘሎ::
    ስለ’ዚ ነዚ ጉዳይ በዚ መሰረታዊ ናይ ሕጊ ከይዲ ተመልኪትና: ነዚ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣልዒልዎ ዘሎ ሓድሽ ቅዋም ናይ ምንዳፍ ጉዳይ: ብትሪ ክንቋወሞ ኢዩ ዝግባእ:: ነቲ ንዶክተር በረከት ሃብተስላሴ ዝምልከት ግን: ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝበለ እንተበለ: ኣብ’ቲ ናይ 1997 ምስንዳእ ቅዋም ብዝምልከት: ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ ባእታ ብምዃኑ: ኣብ ማህደር ታሪኽ ኤርትራ ስሙ ኩሉ ግዜ ክሰፍር ኢዩ:: ኣዚ ማለት ግን: ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ ኣብ ጉዕዞ ናይ’ዚ ምንዳፍ ቅዋም: ጌጋታት ኣይነበሮን: ወይ ብዙሕ ዘተሓታት ዝምልከቶ ነጥቢ የብሉን ማለት ኣይኮነን:: ብዙሓት ጉዳያት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም:: ነዚኦም ብዝምልከት ግን: ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክዛረበሎም መሪጸ ኣለኹ::

    • Zeray July 1, 2014

      This article is from the “The Lasting struggle”
      I agree with the author here, it is very crucial for every Eritrean to understand the process for drafting a constitution. The president’s sole responsibility is to let go and let the people decide the law of their own land. This was already done and we have a constitution ratified in May 1997, This must be implemented. The president has no right to come up with a constitution, otherwise, the constitution will end up to be a continuation of this failed government.

      The constitution assembly comprised of 550 members, consisted of the EPLF/PFDJ appointed interim National Assembly (parliament), members of the six regional assemblies, and 75 diaspora representatives. Here the people were represented and we have a copy of this ratified draft which is the only political compass authorized by the will of the people. We need to implement and build on this genuine constitution.

      To help us understand this I took a page from the “The lasting struggle” on the “making of the Constitution” please get hold of the whole booklet to understand what has been going on in Eritrea for the last 23 years.
      ____________________________________________________________________________________________________________________________

      THE MAKING OF THE ERITREAN CONSTITUTION
      The Constitution of the independent Eritrea was ratified on 23 May 1997 by the Constituent Assembly.
      48
      In principle, and as is conventional, it is thus a legally binding document, since the Constitution does
      not incorporate any specific date on which it should come into
      effect, nor is any specific procedure
      outlined in its preamble for its proper implementation. However, government officials have explained
      that the Constitution will come into effect once new elections for the National Assembly are conducted
      (Connell 2007). Initially scheduled for 1998, the elections have been repeatedly delayed by the
      Government, first due to the outbreak of the new war and then subsequently due to the post-war
      dissent process (see chapters 3 and 4 for elaboration). President Isaias Afwerki announced in May
      2008 that elections would be postponed for ‘three or four decades’ or longer because they ‘polarise
      society’ (see chapters 3 and 4).
      49
      The apparent formal implementation of the Eritrean Constitution is
      thus a distant event.
      The constitution-drafting process aroused public debate, but the ratification event was not celebrated
      or publicised, and was carried out more or less unnoticed by Eritreans and foreigners alike.
      Considering the fact that the Constitution – more than a decade after its ratification – is not yet
      implemented, the lack of festivities surrounding its ratification was warranted.
      A commission mandated to produce a draft constitution was established in 1994, composed of 50
      individuals handpicked by the EPLF and supposedly ‘representing a wide spectrum of the society,
      ethnically and politically’ (Connell 1997: 140).
      50
      It was headed by Dr Bereket Habte Selassie, a
      respected legal scholar residing in the US, with a background as the former Attorney-General of
      Ethiopia, who turned EPLF member in the early 1970s.
      51
      Equally important was the secretary to the
      commission, Zemhret Yohannes, an obdurate senior EPLF cadre.
      The constitution-making process was seen as an integral part of the overall process of nation-building
      in the incipient country (Yohannes 1996).
      52
      A broad-based civic consultation process was carried out,
      where constitutional commission members visited villages throughout Eritrea, and Eritrean
      communities in diaspora, to present and discuss key principles of the new Constitution: the separa

      tion of powers; the type of government; the role of the military and political parties; and how human
      rights should be protected and enforced (Connell 1997: 140).
      Seminars were further conducted with key
      stakeholders and constituencies, and the first draft was presented for public consumption in 1996.
      Apparently, the process leading up to the draft constitution was carried out in an open and inclusive
      manner, despite the fact that the organised, and exiled, political opposition was denied representation
      in the process (Rosen 1999). The absence of a free press and organised opposition in the country,
      however, ‘limited popular influence in shaping the content of the constitution’ (Mengisteab and
      Yohannes 2005: 139).
      53
      Many of the suggestions and important revisions recommended by the public
      and commission members were reportedly not reflected in the final draft version (Hedru 2003: 436

  • ተወልደመድኅን June 29, 2014

    ዝኸበርካ ጸሃፊ፡
    ህግደፍ ኣብ ናይ መወዳእታ ጫፍ ጥፍኣቶም በጺሖም ከምዘለው ካብዝሕብሩ ነዊሕ’ዩ ኮይኑ።ከምቲ ቀደም ኣብ ግዜ ምውዳቕ ንጉስ ኃይለስላሴ “ ግንዱ በሰበሰ መውደቒያው ግዜ ደረሰ ” ዝብል ጽሑፍ ብዝኸድካዮ ኩርናዕ ዝንበበሉ ዚነበረ እዋን ኢና በጺሕና።
    ኣብ ናይ 2014 መኦኣልቲ ናጽነት ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር’ዩ ምባሉ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከኣ ናይቲ ውድቀቱ ኦኣቢይ ምስክር’ዩ።ምኽንያቱ ተጀሃርቲ ይኹን ኣኣምሮኦም ብህልኽን ቅርሕንትን ዚመልአ ተጋጊና ኢና ዝብል ቃል ፍጹም ካብ ኣፎም ኣይሞልቆምን’ዩ።ኣቶ ኢሳያስ ከኣ ነቲ ቀሊል ኣብክንዲ ዘድምጽ ነጢሩ ነቲ ዘዋርዶን ክፋኡ ዝሕብርን’ዩ ኣድሚጹ።
    በረኸት ዚጸሓፎ ቅዋም ንዮው በሎሎሎሎ ዶ ኢሎም።
    ርግጽ’ዩ ክብልዎ ዝኽእል ካልእ የለን።ኩሉ’ዩ ተወዲኡዎም።መከተ፡ትሕቲ ቅርጺ፡ልዕሊ ቅርጺ፡ወፍሪ፡ዓለም ኣንጻርና ተላዒላ፡ወያነ ወራር ከከይዱ ይሸባሸቡ’ለው ክብሉ ንሰባት ኮለል ከብሉ’ዮም ጸኒሖም።ናይ ጥፍኣት ሃዋርያ ስለዝኾኑ፡ተጋጊና ዝብል ቃላት ካብ ኣፎም ኣይወጽእን’ዩ።ወላ ኣስመራ እንተቃጸሉዋ፡ቃላት ለጋጊቦም ኣመሳስል ኣመሳስል ምብላ ዘይጽግሞም ሓሰውቲ ስለዝኾኑ ምኽኒት የቕርቡ’ምበር ፍጹም ተጋጊና ኣይብሉን’ዮም።
    ኣብዚ ቅሩብ ግዜ ብ ኣቶ ዮሴፍ ዚተባህለ ሰብ “ ንምዕባለ ሃገራት ኣፍሪቓስ ቅዋም ድዩ ወሳኒ ” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩ ኔሩ።እቲ ጽሑፍ ከምቲ ንዑኡን ንጎይቶቱን ዚጥዕም ኮይኑ፡ቅድሚ ፈረስ ሰረገላ ኣይቅመጥን እናበለ’ዩ ተንቲኑዎ።
    እቲ ጽሑፍ ዘብረሆ እንተሎ ከኣ፡ድኽነትና ንምስዓር ቅዋም ከምዘየድሊ’ዩ ዝጠቅስ።ንሱ ግን 23 ዓመት ትሕተ ቅርጺ ኣናተባህለ ኤርትራ ዝከሰረቶ ግዜን ኣብቲ እዋንቲ ወፍሪ’ዶ ምኽሪ’ዶ ክብሉ ቅዋም ዘይብሉ ግዜ ህግደፋውያን ዘሕለፍዎ ድኽነት ድንቁርና ይኹን ስደት ዘይምሶኣሩ ምኽኒቱን ጠንቂ ፍሽለትን ኣየስፈረን።ንሱ ሃገራት ኣፍሪቓ ናጽነት ካብዝረኽባ፡ቅዋም ብጽፉፍ ካብዝጸድቕ ኣነሆ 60 ዓመት ገይረን ድኽነትን ድንቁርናን ኣይሰዓራንሞ፡ንሕና ከኣ ቅዋም ኣይኮነን ዝድልየና፡ድኽነትን ድንቁርናን ንስዕረሉ ኣገባብ’ዩ ዘድልየና ንምባል’ዩ።ከም ኣብነት ስዑድ ዓረብ፡ኣስራኤል፡ንግስነት እንግሊዝ ኣምጺኡ።
    ስለዚ ሎሚ ብዕራይ ናብዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ’ዩ።ንሳቶም ኩነታት ክቅይሩ፡ንገለ ለዋህ ከደናግሩ ብዙሕ ክዛረቡን ክገብሩን ኢዮም።ብከምዚ ከኣ ንገለ ሰባትን ንገለ ግዝያትን ከደናግሩ ጸኒሖም’ዮም።ሎሚ ግን ብከም ኡ ንነዊሕ ግዜን ንብዙሓት ሰባት ከደናግርሉ ኣብዘይክእሉ ኩነታት በጺሖም’ዮም።
    ነዞም ተጋጊና ዘይፈልጡ፡ህግን ስሮኣትን ኣንታይ ምኳኑ ዘይርደኦም ርኹሳት ፍጥረት እታ ንቃዛፊ ዝረከበት ማዕበል ክሳብ ትረኽቦም ስቕ በሎም ቃላትን ዘረባን ክቀያይሩ ይጽንሑ።

  • ERITREAN UNCLE June 29, 2014

    “ኣዲኡ ብጥሜት እናሞተት ሸለል ኢሉ,ብዛዕባ ሳእኑ ዝተሓድገ ወዲ ሓዎብኡ ዝምጕት ሰብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ጥራይ እዩ”

    እቲ ጸገምና ካብ ስትራተጂ ናይ ምቅላስ ዘይኮነስ ካብ ግጉይን ቅድመ ተኸተሉ ዘይሓለወ ኣተሓሳስባን እዩ።ናይ ኣተሓሳስባ ሽግር ኣለና።ትዅረትና ኣብ ፍቕሪ ህዝቢ ዝተመርኮሰ ዘይኮነ, ኣብ ተቓውሞን ጽልእን ህግደፍ ዘተኮረ እዩ።ጽልኢ ድማ ዘዔውት ስትራተጂ ኣይኮነን።ምንም እኳ ነዚ ሓምሳ ዓመት ዝገበረ መሪሕነት ከይገልበጥና ምሉእ ለውጢ ክመጽእ ክሽግር ምዃኑ ዘይሕበል ኩነታት እንተኾነ፣እቲ ቅድመ ግንባር ኣጀንዳ ግን ኣብ ፍቕሪ ህዝቢ ዘተኮረ ተቓውሞ እንተኾይኑ ጥራይ እዩ ዝዕወት።ንህግደፍ ምግልባጥ ዓወት ኣይኮነን__ወይ ፍርቂ ዓወት ወይ ሙሉእ መርገም እውን ክከውን ይኽእል እዩ።እቲ ዝትክኦ ሓይልን እቲ ዝስዕቦ ህዝብን ፣ንጹርን ኤቲካልን/ethical ዝኾነ መምርሒ እንተዘይብሉ__እታ ናይ ዘልኣለም ጸላኢት ዝኾነት ስምዒት/emotion ኣትያ ዝገደደ ሓዊ ከም ትርኩዓልና ማንም ናተይ ሓደ ርብዒ ልቢ ዘለዎ ሰብ ክርድኦ ኣይጽግሞን።
    ንኣብነት,ህግደፍ ብቐጻሊ ዝገዝእ ዘሎ ንሕና እቶም ንህዝብና ከነድሕን ተላዒልና ንብል፣ኣብ ክንዲ ናይ ባዕልና ኣጀንዳ ሒዝና ሰራሕቲ ቅያ ንኸውን ,ህግደፍ ዘዝገበሮ ክንቃወም ንልዓል እንተዄንና ዓወትና ዓወት ኣይግበሮ ኮይኑ ዘላቒ ኣይክኸውንን እዩ።
    ዓባይ በጊዕሲ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ ከም ዝብሃል ፣እቶም ደቅና ዝኾንኩም እውን ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከም ዝብሃል ፣ጭርኡ ክሓክኽ ዝደለየ ከልቢ..ከማና፣ከም ወለድኹም ጭራኹም ክትነኽሱ ሸንኮለል ትብሉ ምህላውኩም የሕዝነኒ ።ግን መመሊሰ እንተበልኩዎ ከም ውሽጣዊ ሙታንታ ኢሳያስ ኮይነ ብተዛዋዋሪ ንዕኡ ዝድብል ዘለኹ፣ወይ ክኣ ከምቲ ኣባና ኣብ ኣቦታትኩም ዝሰፈረ ተኳን ሓንጎል__መጎምባሕትና ኣዕራብ ኣዃንና__ዓንገልትና ዓጋመ ግን ጸላእትና ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮኹም ስለ ዝተሰመረ__ወያነ ኮይነ ጸረ ህዝበይን ሃገረይን ዝተሳእኩ ጌርኩም ስለ ትወስዱኒ __ዝብለኩም …ድሓን ደቀይ ጻዕዳ ይጽናሕኩም።መገዲ ቦሎኛ፣መገዲ ሰላም ይግበረልኩም።ንሰብዓን ሓሙሽተን ዝዓመታ ኣብሻይ ቅዱሳን ክትቃወምዋ ከለኹም ሰላም በሉለይ ፣ምኽንያቱ እቲ ኣብ ፓራዲዞ ዘስርሓቶ መስኮት ዘይብሉ ገዛ,ኢሳያስ መታን ከየግድፋ ኣብቲ ፓርቲ ክትከይድ ምዃና ሓቢራትኒ ኔራ እያ። እቲ ተቓውሞ ፓርቲ ሰልፊ ከተካይዱ ከለኹም sensitive ስለ ዝኾነት ሓደራ፣ኣብ ክንዲ “ኣቲ ብዓለገ ወይጦ ሰበይቲ__ኣትን ብዓለገ ወይጦ ሰበይቲ” ድኣ በልዋ…

    __ ኣብ ግብሪ ቦሎኛ ብቐትሪ !!
    __ ኣቓልቦ ኵውሃቦ ዝግብኦ ግንባር ቀደም ጸገም ኤርትይራውያን ፓርቲ ቦሎኛ እምበር ስቅያትን ዓመጽን ሲናይ ኣይኮነን።
    __ ኣስመራ ዘስርሓቶ ገዛ ከይውሰዳ ኢላ ኣብሻይ ቅዱሳን ትኸዶ ፓርቲ ቦሎኛ,ኣብ ሕቡራት መንግስታት ክንከሳ ምዃንና ዓለም ይፍለጦ !!!
    __ ንህግደፍ ኣብ ክንዲ ብጉዳይ እሱራትናን ዕሙጻትናን ንገብሮ ተቓውሞ ንኾቦሮታት ቦሎኛ ተቓዊምና ምልዓልና ፣ብህዝቢ ዓለም መስተውዓልትን ሓሰብትን ህዝቢ ምዃንና ይሕብር !!!
    __ ልብምና ናትና ኤርትራውያንን፣ናይ ሕልሚ እንጀራን መወዳእታ የብሉን !!!

    UNCLE E.U (ERITREAN UNCLE)

  • ERITREAN UNCLE June 29, 2014

    ይቕሬታ ,ምስታ ጽሕፍተይ ከቕርባ ዝደለኹ ግጥሚ ረሲዔያ፣ኣፍቅዱለይ ክድርጕሓ !!!

    “ጽልኢ ዝመምርሒኡ_____ ፍሹል ሃገራውነት
    ካብቲ ግሃነም እሳት_______ገዲዱ እቲ ገነት
    ካብቲ መስረት ዘይብሉ____ ቃልሲ ደደብነት
    ይሓይሽ ናይ 72 ደናግል ኣል ቃይዳዊ እምነት”

    ናሕሲ ዝህርስ ______________ዓጽዩ ዓይቢ ገዛ
    ኩርኳሕ መሬት ዝድቅስ__________ቀንጢጡ ኣጎዛ
    ብኽንቲት ዝኹዕት_____________ደርብዩ ኣፍራዛ
    ኣዋልድ፣ኣጥባተን ብርሱን ማሕረሻ______ እናተጠብሳ
    ሰብኣይ ተጎምቢሑ____ በደዊን መቐመጭኡ እናርሓሳ
    መንእሰያት ኤርትራ፣ _______ንህዝቦም ከውጽኡ ናጻ
    ታቤላታት ሒዞም ፣_________ከም ዝቝዝም ኣንበሳ
    ፓርቲ ንትኸይድ _____ዘስርሓቶ መረብዓት ከይውረሳ
    ቦሎኛ ነቒሎም፣____ንምዓሮይ ቅዱሳን ከሕምምዋ ርእሳ
    Like Father,Like Son..ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ !!!

    መንፊት እንተሃብክዎም__________ ሓርጭ ክነፍዩሉ
    ሩባ ወሲዶሞ____________ማይ ዓምበር ክቐድሑሉ
    ናይ ሳላሳ ዓመት፣___ከንቱ መስመር ኣቦታቶም ክኽተሉ
    ኣይ ብኡ እንድዩ____________እቲ ቃልሲ ፈሺሉ
    ካብ ሰብሲ ቦኺርኪ ኤርትራየ፣____ኣምላኽ ድኣ ባዕሉ !!!

    መድሓርሓርትን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ዝኾኑ፣ኮቦሮታትን ላውድስፒከራትን ቦሎኛ ብቓልስና ክድርዓሙ እዮም !!!

    Thank you Young ppl,Mothers are proud of you

    • ኣርዓዶም ውፉይ June 30, 2014

      anta seb’aey tna do aeleka ayu, zeytgedfena nhna kal’ana kebiduna aelo, nska nay ethiopiaka gber, aebzi b’aeshmur andzelefka seb aeteward,

Post a Reply to Zecu Cancel Reply