ቝንጅና ክንቲት
ሕብራ ጸሊኣ : ክትቅይር ዓይነታ ነጽያ ወዲኣቶ : ላዕለዋይ ክንቲታ ተረፍ ከተውጽእ : ብመርፍእ ነቒሳ ኣስከሬን ተርፉ : ተወዲኡ ነብሳ ጸላኢት ነብሳ : ኣፍቃሪት ክዳና ተሓዚሉዶ ‘ታ : ልባ ኣብ ዝባና ? ዑፍ ዘይትፈልጦ : እንታይ ኮን’ያ ሰሚዓ መስተር ክትቀያይር : መከራ

ሕብራ ጸሊኣ : ክትቅይር ዓይነታ
ነጽያ ወዲኣቶ : ላዕለዋይ ክንቲታ
ተረፍ ከተውጽእ : ብመርፍእ ነቒሳ
ኣስከሬን ተርፉ : ተወዲኡ ነብሳ
ጸላኢት ነብሳ : ኣፍቃሪት ክዳና
ተሓዚሉዶ ‘ታ : ልባ ኣብ ዝባና ?
ዑፍ ዘይትፈልጦ : እንታይ ኮን’ያ ሰሚዓ
መስተር ክትቀያይር : መከራ በሊዓ
ቱሽቱሻ ክትለኪ : ካብ መገዲ ኣልጊሳ
ቀለም ከይነቀጸ : መኒና – ፈሊሳ
ሪኣ ! ጠሚታ ! ዘይተለሊ ነብሳ
ካብ እንቛቝሖ’ዩ : ትብል’ቲ ኣበሳ
ስግር ባሕሪ : ኮይኑ ዕዳጋ እንቛቝሖ
ጸገማ’ያ ረኪባ : ‘ታ ሓቛፊት ደርሆ
ብዓንቶብኡስ : ኣበይ ክኢላቶ
ስቁል ከተውርድ : ናይ ሕቝፋ ሰይራቶ
መረጸ ኣስመላሽ November 16, 2015