Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቝንጅና ክንቲት

ሕብራ ጸሊኣ  : ክትቅይር ዓይነታ ነጽያ ወዲኣቶ : ላዕለዋይ ክንቲታ ተረፍ ከተውጽእ  : ብመርፍእ ነቒሳ ኣስከሬን ተርፉ : ተወዲኡ ነብሳ ጸላኢት ነብሳ : ኣፍቃሪት ክዳና ተሓዚሉዶ ‘ታ : ልባ ኣብ ዝባና ? ዑፍ ዘይትፈልጦ  : እንታይ ኮን’ያ ሰሚዓ መስተር ክትቀያይር  : መከራ

ሕብራ ጸሊኣ  : ክትቅይር ዓይነታ

ነጽያ ወዲኣቶ : ላዕለዋይ ክንቲታ

ተረፍ ከተውጽእ  : ብመርፍእ ነቒሳ

ኣስከሬን ተርፉ : ተወዲኡ ነብሳ

ጸላኢት ነብሳ : ኣፍቃሪት ክዳና

ተሓዚሉዶ ‘ታ : ልባ ኣብ ዝባና ?

ዑፍ ዘይትፈልጦ  : እንታይ ኮን’ያ ሰሚዓ

መስተር ክትቀያይር  : መከራ በሊዓ

ቱሽቱሻ ክትለኪ : ካብ መገዲ ኣልጊሳ

ቀለም ከይነቀጸ : መኒና – ፈሊሳ

ሪኣ !  ጠሚታ !   ዘይተለሊ ነብሳ

ካብ  እንቛቝሖ’ዩ : ትብል’ቲ ኣበሳ

ስግር ባሕሪ : ኮይኑ ዕዳጋ እንቛቝሖ

ጸገማ’ያ  ረኪባ  :  ‘ታ ሓቛፊት ደርሆ

ብዓንቶብኡስ  : ኣበይ ክኢላቶ

ስቁል ከተውርድ : ናይ ሕቝፋ ሰይራቶ

 

መረጸ ኣስመላሽ   November 16, 2015

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT