Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ – ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ   ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ካብ 24 ክሳብ 25 መጋቢት 2014 ብገባቲ ኢሳይያስን የማነ ገብርኣብን ዝተመርሐ ላዕለዎት  ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጥራይ ዝሳተፈ ወተሃደራዊ ኣኼባ ኣብ ዶንጎሎ ምክያዱ  ተገሊጹ። እዚ ኣኼባ’ዚ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

 

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

  1. ካብ 24 ክሳብ 25 መጋቢት 2014 ብገባቲ ኢሳይያስን የማነ ገብርኣብን ዝተመርሐ ላዕለዎት  ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጥራይ ዝሳተፈ ወተሃደራዊ ኣኼባ ኣብ ዶንጎሎ ምክያዱ  ተገሊጹ። እዚ ኣኼባ’ዚ ሓድሽ ምዕብልናታት፡ ውሽጣዊ ኩነታት ሓይልታት ምክልኻል፡ ዳግመ ውደባን ስርርዕን ኣብ ዝብሉ ኣጀንዳታት ምዝታዩ ድማ ተሓቢሩ። ብድሕሪ’ዚ ኣኼባ’ዚ ገባቲ ኢሳይያስ ንደቂ-መዛሙርቱ ሓለፍቲ ህግደፍ ብሕቡእ ማዓርግ ምሻሙ ተፈሊጡ።
  • Ø ሜጀር ጀነናል ፍሊጶስ ወ/ዮሃንስ ምሉእ ማዓርግ ጀነናል ተሸይሙ ሓለቓ ስታፍ ክኸውን ምምዛዙ።
  • Ø ሸውዓተ ብርጌደር ጀነራላት ዝነበሩ፡ ማዓርግ ሜጀር ጀነራላት ምሻሙ።
  • Ø ዓሰረተ ክልተ ኮነረላት ዝነበሩ ከኣ፡ ማዓርግ ብርጌደር ጀነራላት ምሻሙ ተገሊጹ።

 

  1. ኣብዚ ብስም ሓድሽ ውደባን ስርርዕን ዝካየድ ዘሎ ሜጀር ጀረናል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ኣመሓዳሪ ከተማ ኣስመራ ክኸውን ተመዚዙ፡ ኣነ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣድላይነት ዘይብለይ እንተኮይኑ፡ ኣጣዩሱኒ ብምባል ነጺግዎ ምህላዉ ተሓቢሩ።

 

  1. ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንመንግስቲ ሳልቫኬር ንምሕጋዝ፡ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ገለ ሰራዊት ምስዳዱን ገለ ኣጽዋር ምሻጡን ተገሊጹ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብቲ ብ09 የካቲት 2014 ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ንመንግስቲ ሳልቫኬር ብምድጋፍ፡ ሽግር ደቡብ ሱዳን መሰረታዊ መንቀሊኡ ስርቂ ኮይኑ ቀቢላውን ዓሌታውን ጉልባብ ጌይሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት’ዩ ብምባል  ምግላጹ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ነቲ ብተበግሶ ኢጋድን ካልኦት ፈተውትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ዕርቂ’ውን ቁም-ነገር ዘይብሉ ቢዝነስ’ዩ ብምባል ከም ዘናሸዎ ይፍለጥ።

 

ንጉዳይ ኤርትራ ብቀረባ ዝኸታተሉ ተንተንቲ ፖሎቲካ፡ ኢሳይያስ ምንጪ ስልጣን ህዝቢ ብሓይሊ ካብ ዝመንዘዓሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ብክቱር ብድዐን ትምክሕትን ሰኪሩ፡ ህዝብን ሃገርን እናበታተነ፡ ምስ ጎረባብቱ ሃገራት መወዳእታ ዘይብሉ ጽልኢ እናፈጠረ፡ ነታ ሃገር ብድሕሪት ክትምለስ ብምግባሩ፡ ኣብ ክንዲ ተመሊሱ ነብሱ ዝፍትሽ፡ ብዓሰርተ ዕጽፊ ካብኡ ብዝሕሹ ኣብ ጭቡጥ ልምዓት ዝጉዓዙ ዘለው ክወራዘ ምውዓል ዕብዳን ምዃኑ ይገልጹ።

 

  1. ካብ ጋሽ ባርካ ዝተዋጽአ ዕቁር ሰራዊት፡ ኣብ ከባቢ ዒላ ዓብደላ ዝተባህለ ከባቢ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ተመዲቡ ምህላዉ ተሓቢሩ። ብፍላይ እቲ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ስለያን ምክትታልን መጽናዕትን ዘድሃበ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ።

 

  1. ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ምዱብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን ዕቁር ሰራዊትን፡ ኣብ መንጎኡ ዘይምቕዳው ምህላዉ ተገሊጹ። ምክትል ሓላፊ ዕቁር ሰራዊት የማነ ጸጋይ ብ11 መጋቢት 2014 ኣብ ጉልጅ ዘካየዶ ኣኼባ፡-
  • Ø ዕቁር ሰራዊት ካብ ስለያን ሓልይታት ምክልኻል ወጻኢ ርእሱ ዝኸኣለ ምሕደራ ዘለዎ ሰራዊት’ዩ ክብል ገሊጹ።
  • Ø ዕቁር ሰራዊት ናይ ባዕሉ መስኖታት ዘለዎ፡ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ዘይመሓደር ትካል ስለዝኾነ፡ ብስለያ ወይ ሓይልታት ምክልኻል ዝመጽእ ትእዛዝ ቅቡል ዘይምዃኑ ሓቢሩ።
  • Ø የማነ ጸጋይ ኣብ መጠቓለሊ ኣኼብኡ ጸጋይ ዝተባህለ ኣባል ክፍለ-ሰራዊት 61 መዝነት ዘለዎ፡ ንዕቁር ሰራዊት ክኣስርን ከጋፍዕን ብምጽንሑ ከሲስናዮ ኣለና ክብል ንተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ገርገፍ፡ ገርሰት፡ ተጎርባ፡ ኣብ መንጎ ማዕሎባን ሓምድ ደንባይን ዘሎ ዓድታት ክሳብ ጉልጅ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ዕቁር ሰራዊት’ዩ ብምባል ኣብሪሁ። ምስዚ ብምትእስሳር ብፍላይ ገርሰት ኣብ ትሕቲ ስለያ ምክልኻል ትመሓደር ብምህላዋ፡ ኣብ ክትትል ዕቁር ሰራዊት ክትኣቱ ብዘይምፍቓዶም፡ ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻልን ሓለፍቲ ዕቁር ሰራዊትን ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ኩሎም ናይዚ ምስሕሓብ ኣካላት’ዚ ዘሳተፍሉ ኣኼባ ብ22 መጋቢት 2014 ብሓደ በዓል መዚ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተወከለ ክመጽእ ምጥላቡ ተሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ኣብ ተሰነይ ተኻይዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
  1. ብዕለት 20 መጋቢት 2014 ኣብ ማእከል ከተማ ተሰነይ ዝነበረ ዓቢ መክዘን ትካል 09 ህግደፍ ብዘይተፈልጠ ምክንያት ከም ዝነደደ ተገሊጹ። መብዛሕቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት 09 ብምጥፍፋእን ስርቕን ከም ዝተኣስሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መክዘን ዘሎ ንብረት መታን ከይፍለጥ ወይ ከይጻረ ገና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይኣተዉ ዘለዉ ኣባላት 09 ከም ዘንደድዎ ይግመት። ሓለዋ ናይቲ መክዘን ዝነበሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይሕበር።

 

  1. ኣብዚ ህሞት’ዚ ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ እናተጋደደ ምምጽኡ፡ ሰራሕተኛታት ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ካብ 27 ክሳብ 28 መጋቢት 2014 ብዶብ ግርማይካን ሸለሎብን ዝኣተዉ መንእስያት 199 ክኾኑ ከለዉ፡ ብሓፊርን ለፋን ናብ ገርገፍ ዝተባህለ መሬት ሱዳን ከኣ 168 ምእታዎም ተፈሊጡ። ብ22 መጋቢት 2014 ብከባቢ ክንትፋት ዝኣተዉ 9 መንእሰያት ምስቲ ዝሰጋግሮም ዝነበረ፡ ኣብ ቀይዲ ጸጥታ ኣውራጃ ከሰላ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።

 

  1. ኢራን ካብ ኤርትራ ክትወጽእ መንግስቲ ስዑዲ ዓርብ ምስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከካይዶ ዝወርሐ ዝጸንሐ ዝርርብ ቅንጣብ ውጽኢትን ፍረን ዘይምርካቡ ተሓቢሩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራት ናብ ምሕርፋፍ ገጹ ይጉዓዝ ብምህላዉ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓርብ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ደው ከብልን፡ ብካልእ መንገዲ ተጽዕኖታት ዝፈጥር፡ ዓጸፋ ምላሽ ክህብ ምዃኑ ይግመት።
  1. ኣብ ሞሮኮ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መጻረዪ ክዕሶ እግሪ ውድድር ኣፍሪቃ ኤርትራ ክትሳተፍ ዘይምዃና ፈደሬሽን ክዕሶ እግሪ ኤርትራ ምፍሊጡ ተገሊጹ። ፈደሬሽን ክዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ነቲ ኤርትራ ንከይትሳተፍ ዘቕረበቶ ምክንያት ቅቡል ዘይምዃኑ ሓቢሩ። ኤርትራ ኣብቲ መጻረዪ ውድድር  ከይትሳተፍ ዝገብር ዘሎ ምክንያት ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ በብዝኸድዎ ፖሎቲካዊ ዕቁባ ዝሓትሉ ኩነታት እናገነነ ብምምጽኡ፡ ንዕኡ ንምግታእ ምዃኑ ይግመት። ብ2009 ኣብ ኬንያ ዝተካየደ ውድድር 12 ተጻወቲ፡ ብ2012 ኣብ ኡጋንዳ ዝተካየደ ውድድር 7 ተጻወቲ፡ ብ2013 ኣብ ታንዛንያ ዝተካየደ ውድድር ድማ 12 ተጻወቲ ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ፖሎቲካዊ ዕቁባ ከም ዝሓተቱ ይፍለጥ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

01 ሚያዝያ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • sossy April 4, 2014

    Reading to all those venomous comments I said to myself that “Eritrea will never be good with all those sub-human minds”

  • solomon April 4, 2014

    Halewlew

  • Ambabi April 4, 2014

    This is reality what do you mean the dictator is shameless

Post a Reply to sossy Cancel Reply