ቃል ሓዘን
ቃል ሓዘን ብገዛኢ ኪዳነ ኣንታ ኣነስ ኣበይ ኢየ ነይረ ከመይ ኢሉ ተሰዊሩኒ’ዚ ወረ መትኒ ናይ ታሪኽና እናተቐብረ ከመይ ውዒሉ ቀብሩ ንገሩ ኣብዕረ። እዋንካዶ ኣኺሉ ኣንታ ዶሞተራ ወያ ብልጽቲ ሓንጎል ዓሪፋ ኣብ ምድራ ኣታ እንታይ በለ ህዝቢ ብሓበራ ወረ እስከ ሃቡና
ቃል ሓዘን
ብገዛኢ ኪዳነ
ኣንታ ኣነስ ኣበይ ኢየ ነይረ
ከመይ ኢሉ ተሰዊሩኒ’ዚ ወረ
መትኒ ናይ ታሪኽና እናተቐብረ
ከመይ ውዒሉ ቀብሩ ንገሩ ኣብዕረ።
እዋንካዶ ኣኺሉ ኣንታ ዶሞተራ
ወያ ብልጽቲ ሓንጎል ዓሪፋ ኣብ ምድራ
ኣታ እንታይ በለ ህዝቢ ብሓበራ
ወረ እስከ ሃቡና ደጊዐነ ወገራ
ኣንቱም ሰብ ወደከለ ሰብ ምራር
ኣቱም ሰብ ኣከለጉዛይ ከበሳኣ ባሕራ
ኣቱም ሰብ መስስቀል እምባ መጠራ
ደቂ ላዕለዋይ ጎቦ እምባ ሶይራ
ሓመድ እንክድበ ናይ ታሪኽና ኣውራ
ኣዕዋፍ ሰማይና እንታይ ኢለን ዘመራ።
ዝባን ወዲከለ ዘርኢሞሲ ጎልጎል ሽመጃና
ሃም እንዳ ኣቡነ ሊባኖስ ጥንታዊ ገዳምና
ገረመድሂን ምስ ሓለፈ ርእሲ ናይ ታሪኽና
ከመይ ኢሉ ወዓለ ህዝቢ ዓዲ ኣቦና።
ኣነስ ኣይሰማዕኩን ገይሸ ኢየ ነይረ
ዘይነገርኩሙኒ ደኣ ክልተ ገብረ
ስለምታይ’ዩ ተሓቢኡኒ’ዚ ወረ
ንዓይኒ ኣንቢዑ ንልቢ ዘሰምበረ፡፡
ወየ ወየዶ ክብል ዋየ ዋየ
ኣብ ዓዲ ስደት ኮይነ ኣቦየ ኣቦየ
ብልበይ ሓዚነ ኣምሪረ በኽየ
ኣብራኸይ ኣብዩኒ ተኾርምየ።
እስክ ንገሩኒ ዝወዓልኩም ኣብ ቀብሩ
ለባማትዶ ተረኺቦም ታሪኹ ዝነግሩ
ዝተረፉዶ ኣሎዉ ታሪኽ ወለድና ዝምህሩ
ጸሓፉ በልዎ ታሪኽ ባህልና ዘርዝሩ
ናብ ወሎዶ ዝሓልፍ ዝኾነ ንሓዋሩ።
ከመይከ ነበረ እቲ ሓመድ ድበኡ
ካህናት ዓዲ’ቦና ዊዕሎምዶ ኣብኡ
ሬሳ እቲ ዶሞተራ ምስ ገደፈ እንዳኡ
ኣቦና ገረመድሂን ምስ ገደፈ ገዛኡ
ኣታ እንታይ በሉ እቶም ስድራኡ
ኣሎውናዶ ይኾኑ ዝትክኡ ንዓኡ።
ይዝከረኒ ኣከለጉዛይ ዓረት መንደፈራ
ተመልሶ ቀላቲ እቶም ፍሉጥ ኣውራ
ምሰኦም ኣዕሊለ ኣብ እዋን ሰውራ
እታ ዝበሉኒ ሎሚ ከውጽኣ ሚስጥራ።
ኣነ ኣሪገ ኢየ ክሓልፋ ኢየ’ዛ ዓለም
ዕድመ ደኣ ይሃቦ’ምበር መድሃኔ ኣለም
ገረመድሂን ኣሎ ዘይነጽፍ ቀለም
ኢሎም ከዕሉሉኒ ኣጸቢቐ ይዝክር
ቃል ኣቦና ተመልሶ’ዩ እነኹ ይምስክር!
wedigere December 24, 2014
very good keep it up.
blata February 19, 2015
RIP
Haile G. Tensae June 19, 2015
It great melqes for the legend. Ato ghebremedn