“ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት” – [ሳታየር]
"ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት" [ሳታየር] መሰለይ፡ መጀመርታ ንዝሃብካና ጊዜ ነመስግን፡ ፈለማ ኩነታት ሃገርና ድሕሪ 22 ዓመታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸልና? ኢሰያስ፡ እወ
“ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት“
[ሳታየር]
መሰለይ፡ መጀመርታ ንዝሃብካና ጊዜ ነመስግን፡ ፈለማ ኩነታት ሃገርና ድሕሪ 22 ዓመታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸልና?
ኢሰያስ፡ እወ … ሕጂ ምሉእ ስእሊ ክህልወና ምእንቲ ድሕሪት … ተመሊስና … ኣብ እዋን ውዑይ ኩናት እቲ ረስኒ ክሳብ ክንደይ ነይሩ? ነቲ ሓዊ መን ኣሳዊርዎ? ድሕሪ’ዚ ዝሑል ኩናት መጺኡ … ንምንታይ ዚሒሉ? ናብ በረድ ተቐይሩዶ.: አንታይ ሳዕቤን’ከ ነይሩዎ እንተ’ልና …. ኣነ ሕጂ እዝን እትን ክብል ኣይደልን’የ … ኣብኡ ዝነበሩ ይፍልጥዎ። እቲ ሕቶ ንዓና’ዚ ብኸመይ ይጸልወና አዩ። ብቐንዱ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ምብራቕ ኣውሮጳ አቲ ዛሕሊ ናብ ብረድ እንተ ተቐይሩ … ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዛሕሊ ይህሉ….መንግስቲ ነዚ ንምብዳህ…..እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና ….
መሰለይ፡ እዞም ዝጠቐስካዮም ምስ ህዝብና አንታይ ምትእስሳር ኣለዎም?
ኢሰያስ፡ ብቐንዱ …. ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ነገር … ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ይነብር ኣሎ ክበሃል ኣይካልን’ዩ። መብዛሕትኡ ኣብ’ዘን ዝጠቐስኩወን ሃገራት አዩ ዘሎ … ስለዚ …. ኣቶኩሮና ኣቡኡ … ከምኡ ክኸውን ኣልዎ … እቲ ዝተረፈውን ምኻዱ ኣይተርፎን’ዩ …. ምቁራጽ ኣገልግሎታት ማይን … መብራህትን’ውን ምስዚ ዝተኣሳስር’ዩ።
መሰለይ፡ ቀይሕ ባሕሪ ከሎናስ ህዝብና ዓሳ ሓሪምዎ ዝብሉ ኣለዉ፡ እንታይ ትብሎም?
ኢሰያስ፡ ኣነ የዋሃት አየ ዝብሎም … ብመጀመርታ ቀጻሊ ተጻብኦ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንዓሳታትና … ብመራኽብ ኮብኪብኪቦም … ንማአላይ ባሕሪን … ከምዝስደዱ ጌሮም … ድሓር ከኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ …. ዝበዝሕ ህዝብና …. ኣብ ስደት እዩ ዘሎ … ዓሳ ሓሪምዎ ዝብል ነቲ ዘዕቆቦም ሃገር ዘጸልም’ዩ … እቲ ዝርካቡ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ከኣ … ሸውሃት ዘለዎ ኣይኮነን …….
መሰለይ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ብረት ክዓጥቕ ንምንታይ ኣድልየ?
ኢሰያስ፡ አወ … ሕጂ ካብ 1993 ጀሚሩ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝመጽአ ተጻብኦት ቀሊል ኣይኮነን …. አዚ ናይ 21 ጥሪ ተርእዮ’ውን … መቔጸልታ ናቱ’ዩ እየ ዝብሎ ኣነ … እዚ እዋን’ዚ ዘተኣማምን ኣይኮነን … ትኣምኖ ኮለኔል የለን … ኣነ ዕድለኛ ኮይነ እምበር እዛ ኩላ ዉልቀ መላኺ ተዓልያ እንድያ…..ስለዚስ ሕማቕ እዋን ኢና ዘሎና ……..ናብ ገጽ 3
መሰለይ፡ ቅዋም መዓስ’ዩ ዝትግበር?
ኢሰያስ፡ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ጊዚኡ ኣብቂዑ እዩ … ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን … ብግብሪ … ኣብ በዓላትን ፌስቲቫላትን … ቅዋማዊ መንግስቲ ከምዘየድሊ ብጣቒዒቶምን ጭርሖኦምን ኣረጋጊጾም’ዮም … ንስኻ ጥራይ ንበረልና … ንገሰልና ይብሉ ኣለዉ …. (ስሓቕ) … ስለዚ ኣነ ቅዋም: ኣነ ህዝባዊ ግንባር: ኣነ ሃገር እየ።.
መሰለይ፡ ናይ ሕልና እሱራትከ ማዓስ’ዮም ዝፍትሑ?
ኢሰያስ፡ ቅድም ቀዳድም … ኣነ ሰብ ኣሲረ: ቀቲለ ኣይፈልጥን’የ … ብግብሪ ዝሰራሕናሉ … ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ክኣስርን ክቃተልን እዩ … ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ ዝኸውን እቲ ዝኣሰረን ዝገፍዐን ዝቐተለን እዩ…።
መሰለይ፡ መብዛሕቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ገንዘብ ህዝቢ ሰሪቖም ንብረት የጥርዩ፡ ንሱ ግን ናቱ ገዛ ከማን የብሉን ይብሉኻ?
ኢሰያስ፡ እዚኣቶም ናይ ኣእምሮ ሃሱሳትን ዕውራትን ክኾኑ ኣለዎም፡ ብመጀመርታ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓንቲ ገዛ ወይ ገንዘብ ኣብ ባንካ ይህልዎም ይኸውን፡ ኣነ ብግብሪ ዝሰራሕኩሉ ግን ኣብዚ ሃገር’ዚ ድልየተይ ክገብር ዝኽእለሉ ኩነታት ምፍጣር’ዩ። ብጭቡጥ እንተ ሪኢኻውን ኩሉ ኣባይቲ ኣብ’ዚ ሃገር ናተይ’ዩ ክብል እኽእል’የ፡ ገንዘብ ናይዚ ሃገር’ዚ ኣበይ ከምዘእትዎ ሰብ እንታይ ዝፈልጦ ኣለዎ? ንብረትን ሃብትንሲ ይትረፍ ኣነ ነዚ ኩሉ ኤርትራዊ ይውንኖ እየ፡ እንተ ደለኹ እኣስሮ፡ እቐትሎ፡ ዝበልክዎ እንድዩ ዝገብር፡ ስለዚ ክንዲ ናተይ ዝውንን መራሒ ኣሎ ኣይብልን’ይ ኣነ……………
መሰለይ፡ ኣስመራ ጫካ ኮይና ኢልካ ኔርካ…እንታይ ማለትካ’ዩ፡ እንታይ’ዩ ብወገን መንግስቲ ዝሕስብ ዘሎ?
ኢሰያስ፡ ማለትሲ … ካብ ጽባሕ ናጽነት … ብግብሪ ዝስራሕናሉ … መንእሰይ ኣሰመራ ወይ ኣብ ስደት ወይ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ፋሕ ክብል’ዩ … ተዓዊትናሉ ድማ … ሎሚ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን እንስሳታት ዘገዳም ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣምጺእና … ንኣሰመራ ናሽናል ፓርክ ክንገብራ … ይስራሓሉ ኣሎ ….
መሰለይ፡ ክንጅምር ከሎና … ነታ ሻሂ 4 ማንካ ሽኮር ምስ ኣእተካላስ … ሽኮር ዳኣ ኣሎድ’ዩ ኢልና…?
ኢሰያስ፡ ኣነ ናይ ሽኮር ይኹን ናይ ኣስቤዛ ጸገም ዝበሃል የብለይን … “ክሻ” ኣሎኒ ከም’ዞም … ከቢሩና … ሲእንና … ዝብሉ … ብኩፓን ዝዕደሉ፡ ለይቲ ከይዶም እንዳ ባኒ ሪጋ ዝስርዑ … ኣይኮንኩን …
መሰለይ፡ ጥዕናኻ ከመይ ኣሎ? ዝበዝሕ ሰብ፡ ተዋሊኡ፡ ተጸሊሉ፡ ዓቢዱ፡ ኣሪጉ፡ ማዳ ንማዳ ኾይኑ፡ መስጣ ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ፡ ኣይቅንን’ዩ፡ ምብህራር ጀሚሩ፡ ጃጅዩ፡.ናይ ኣእምሮ ስንክለና ኣለዎ፡ ኣብቂዑ’ዩ፡ ይብሉ፡ ሓቂ ድ’ዩ?
ኢሰያስ፡ ብዛዐባ’ዚ ክዛረብ ኣይደለን’የ … ኣብ መንጎይን ሓኪመይን ዝተርፍ ጉዳይ እዩ።
መሰለይ፡ ትድቅስዶኸ ኣሎኻ …?
ኢሰያስ፡ እንተዘይድቅስ ደኣ ስለምንታይ እብህርር … መድሃኒት እወስድ … ኣብ ህልም ዝበለ ሕልሚ እኣቱ … ካብ ጎልጅ … ንገርሰት … ካብ ሳዋ … ንበይሉል … ካብኡ ኣፍሂንቦል … ካብኡ ንሄግ ነዘርላንድ … ድሕሪኡ ሳባ ከምዚ ተረኺቡ ኢላ ተተሳኣኒ …
መሰለይ፡ ኣብ መወዳእታ ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደገፍትኻ ትብሎ እንተሎካ?
ኢሰያስ፡ ኣጣቕዑ!
መሰለይ፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝርካቡ ህዝቢ’ኸ?
ኢሰያስ፡ ወይ ዝበልክኹም ግበሩለይ ወይ ዓድኹም ግደፉለይ
መሰለይ፡ ወይ ጉ…ድ …. ዓዲ ተባላሽይያ!
ፎርቶ
ምንጪ፡ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰባዊ መሰላትን (ኤምዲሰም) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትሕተም መጽሔት መሰለይ
oromay September 12, 2013
Quote of the bullhead
” Eritrea’s foreign policy is anchored on complemetarity and stable neighborhood” source :shabait.com.
Really?
Hahahahaha……kikikikikikiki.
FAKE COUNTRY COLLAPSING September 12, 2013
ሓው ሱሌማን፣
ይኣምን ከም ትደልየኒ ሓወይ ምዓረይ።ሕማቕ ማልካስ ትሓርዶ፣ሕማቕ ሰብካኸ እንታይ ትገብሮ ፧
ናይ ሕውነታዊ ፍቕርኻ ሃልሃልታ ገጸይ ይሽልብቦ ኣሎ ፣ሓሻካ
Your brother FCC
Formerly known as singapo-Eritrean ,Yugoslavo Eritrean,Weysebdeqey Mahbula,Mehretu Habte
Truly Truly i say to you September 13, 2013
ሓደ ኣዝዩ ካብዘስደምም መልሲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብዛእባ ሕጽረት ማይ ኣመልኪቱ ነቲ ዝቕረበሉ ህቶ ክምልስ እንከሎ፣ ነዚ ጸገም ንምፍታህ እዚን ከምዚን ዝምሰለ መደባት ኣለና ኢሉ ክንዲዝምልስ ብዘስደምም መልክኡ፣ ናይ ማይ ሕቶ መሠረታዊ ቅድምያ ክዋሃቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ጉዳይ ከምደይኮነ ድሕሪ ምግላጹ፣ ነዚ ሕጽረት ማይ ንክኸሰት ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ሕዝብታት ኣብ ማይ ዘለዎ ቦታ ንክኸትሙ ብዘይምኽኣሎም ከምድኾነ ብዘምስል ተራ ፍልስፍንኡ፣ ኣይኮነን ደቅ ሰባት ነቲ እንስሳ´ኳ ገና ፍጥር ምስበሉ ነቲ ዝፈልጥዎ ተፈጥሮዊ ባሕሪ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሽግር ንምልቃቕ ናብቲ ማይ ዝርከቦ ቦታ ክኸትም ሚኢዱ´ዶ ክንብሎ ኣስተምህሮ ብምሃብ “እቲ ማይ ደይኮነ ናብቲ ሰብ ክመጽእ ዘለዎ፣ እቲ ሰብ ናብቲ ማይ ክኸይድ ከምዘለዎ ሚሂሩ።”
እንተ ንሕና ናይ ኢሳያስ ባህሪን ሽጣራን ኣጽቢቅና ንፈልጦ ግን አዚ ኩሉ ምህውታት እንታይ ዕላማ ንምውቃእ ከምዝኣለመ ኣይንስሕቶን ኢና። ልክእ ነቲ ኣሥመራ ዩኒቨርስቲ ዝተማሃሩ መንእስያት ኣብ ከተማ ተበዚሆም ሕዝባዊ ናእቢ ንከየላእሉ ብምስጋእ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣበትህቲ ቁጽጽሩ ኣውኢሉ ብሙቅጽጻር፣ ሰብኣዊ መሰሎም ቀንጢጡ ዘሳቅዮም ዘሎ፣ ኣብ ኣበይቲ ከተማታት ሕዝቢ መሠረታዊ ጠለባቱ ብቀሊሉ ዝማላኣሉ ተኮይኑ´ውን፣ በቲ ዝፍጠር ብዝሒ ሕዝቢ፣ ሕዝባዊ ናእቢ ከይላኣል ሰጊኡ አንበር፣ ዝኾነ መንግሥቲ ህዝቢ ኣብዝሰፈረ ቦታ ይስፈር ህጽረት ማይ ምስዘጋጥም፣ ብዝተፈላላየ ቴክኖሎጅያዊ ጥበባት ተጠቂሙም ነዚ መሠረታዊ ሽግር ንምፍታህ ቅድምያ ሂቦም ከምዝሰርሁሉ ጠፊእዎ ኣይኮነን።
ኢሳያስ ካብቲ ብኣሽሃት ኪሎ ሜትር ዝቁጽር ርዝመት ዘለዎ ባህርና ን2% ህዝቢ ኣሳ ከቅርብ ዘይከኣለ፣ ብቴክኖሎጂ ተጠቂሙ ካብትህቲ መሬት ማይ ኩኢቱ፣ ወይ´ክኣ ካብውቂያኖስ ማይ ሲህቡ ይትረፍ መሬት ከልምእ፣ ሰብ ከስትይ እዩ ኢልካ ምህሳብ “ካብ ጸባ ዘይተረኸበስ ካብ ማይ ጸባ” ከምጽባይ እዩ ነገሩ።
gebela Stoop September 13, 2013
This is a good entertainment. But I have never seen anything of critical thinking from the South Africa Group. This is just to show, that you are alive and not dead. You are almost there. Either put your acts together and be part of the struggling youth and keep alive or send another joke that shows you are dead so that we know you do not exist anymore. You better start to unite and be part of the international forum.
Truly Truly i say to you September 13, 2013
Suleiman Salim, ኣብ ትግራይ ዓስኪሮም ዘለዉ ደቂ የደቡብ ህዝቦችን ካልኦት ብሄራትን ኢትዮጵያ ንደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ እንዳ ዓመጹ ንክልል ትግራይ ቆልዓ ንቆልዓ መሊኦማ ይበሃል ኣሎ።
ንምዃኑ ኢሳያስ ድህሪ ነጻነት ነቶም ቀንዲ ደቀ ኣባት አንዳጽነተን ከምዝስደዱ አንገበረን ብድምሃት(TPDM) ሃገር ከምትውረር አናገበረ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ምስትግራይ ተዋሲቡ ንክበዝሕሞ፣ ነቲ ንዘለዎ ኣሌታዊ ቅልውላው ብግዜ ብከምዚ ክሽፈነሉ´ሞ ሕዝቢ ክምንቡር ብምውሳድ ንክቅበሎ ብምህሳብ፤ ኣብ መወዳእታም ብግዜ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ንሱ ኮነ መሰላቱ ብመደይ ይሰርህሉ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዲኻ? ንምንታይ ኢኻ ናትካ ኣበር ገዲፍካ ብዛእባ አንዳማትካ ክትዛረብ ትመርጽ?
belay nega September 13, 2013
Truly
” ኣብ መወዳእታም ብግዜ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ንሱ ኮነ መሰላቱ ብመደይ ይሰርህሉ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዲኻ? ንምንታይ ኢኻ ናትካ ኣበር ገዲፍካ ብዛእባ አንዳማትካ ክትዛረብ ትመርጽ?”
The accidental hero AWATE,for him to start the arm struggle, must have taken into consideration the fertility of GASH BARKA,.Then the KEBESSA followed,and now that KERNELIOS is taking away the GASH BARKA,you and alike will remain with the mountain EMBA METERA,which as a result you do not have choice but to apologize and request ANDENET[BARNET] with Ethiopia.
belay nega September 13, 2013
Truly
” ኣብ መወዳእታም ብግዜ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ንሱ ኮነ መሰላቱ ብመደይ ይሰርህሉ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዲኻ? ንምንታይ ኢኻ ናትካ ኣበር ገዲፍካ ብዛእባ አንዳማትካ ክትዛረብ ትመርጽ?”
The accidental hero AWATE,for him to start the arm struggle, must have taken into consideration the fertility of GASH BARKA,.Then the KEBESSA followed,and now that KERNELIOS is taking away the GASH BARKA,you and alike will remain with the mountain EMBA METERA,which as a result you do not have choice but to apologize and request ANDENET[BARNET] with Ethiopia.
MightyEmbasoyra September 13, 2013
Ato Belay,
Few questions:
– Did you just say that Awate is accidental hero?
– Isn’t Emba Metera one of the historic place in Eritrea? I have seen it few time on TV-Erie.
Your above statement was not clear and can you elaborate both of them please?
belay nega September 14, 2013
Dear Mighty
“Did you just say that Awate is accidental hero?”
Yes,when I first joined the E.P.L.F until the mid 80,AWATE was considered someone who had personal issue [livestock] with the then administration of Eritrea.
Then as you know politics is about gaining the annoyed and history started changing.To this end I cannot help to stick with the first information.
“Isn’t Emba Metera one of the historic place in Eritrea?”
That is why I choose it[popularity],but I was looking at it from the income point of view.
MightyEmbasoyra September 14, 2013
Ato Belay,
Thank you for clarifying them.
I know Awate was not considered a hero the first decade and half or so of EPLF movement but I thought they realised that they made a mistake and correcting it later. I am glad they corrected it though.
tesfaldet September 13, 2013
this is the DAMEST interviw & meseley YOU WISH to interviw the LION OF NAFA in your dream he dont have time for GARBEGE like you
beyne September 13, 2013
That is an excellent comic that explains the whole situation of Eritrea. Great job!
Dawit Meconen September 13, 2013
Isaias Afewerqi is the author of all the evils befalling our people and country and why then is he seemingly bemoaning the result of his work?
Only his bewitched foot-soldiers will literally take him on the words of his lips. But for the rest of us, it is the pure manifestation of his crooked mind, Libi Tigrai Twi Twai, in the service of his fatherland, Tigrai.
Recall, Isaias Afewerqi had told us that Eritrea was one of the few countries in Africa that was prepared to meet the requirement of the UN Millenium Development……
Recall also that Isaias Afewerqi had told to the Eritreans in New York that the Constitution would be implemented and National Election would be held…
Recall also Isaias Afewerqi had told us that the 1998 War with Ethiopia was waged in self-defense…….
None of the above were either implemented or borne out to be true. Again this is the pure manifestation of the his evil mind in the service of his fatherland, Tigrai.
At the beginning of the nineties, Isaias Afewerqi was taken to Israel aboard USA military plane allegedly for Cerebral Malaria treatment. But remember Cerebral Malaria can sometimes happen to individuals who get infected with F. malaria for the first time but since Isaias Afewerqi had been in the malarious areas nearly for thirty years and with inadequate medical supplies, we can definitely affirm that he must have been infected with F.malaria many time before. Therefore, he did not go to Israel for Cerebral Malaria treatment but for other conspiracy against our people and country now unfolding.
However, if we investigate deeply the timing of his joining with ELF and what he did to con Qiada Al Ama into sending him to Communist China, we can definitely show that he was part and parcel of the vicious joint-plan of Haile Selase and Israel to sow discord between Eritrean Christians and Eritrean Muslims within the context of the Liberation Movement.
At the time he joined ELF,1966, Israel was busy in Deqem-Hare training illiterate Eritrean-Christian as Commandos as part of the divisive plan. On his part, Isaias Afewerqi was fast learning Arabic and spying on Christian Tegadelti for Qiada Al Ama as a means of exacerbating the Muslim-Christian antagonism.
He succeeded. Availing itself of the misinformation Isaias Afewerqi provided, Qiada Al Ama murdered many Eritrean Christians as Ethiopian spies and many others fled and surrendered to Ethiopia. And taking their surrender as of proof of the truth Isaias Afewerqi supplied, Qiada Al Ama rewarded him with scholarship to the Communist China. Qiada Al Ama was to regret its action late real badly.
Qiada Al Ama benefited Isaias Afewerqi tremendously by sending him to Communist China because he was able to gather hefty communist jargons, with which he was successfully wiped out Eritrean intellectuals by branding them as Petty Bourgeois opportunists and foreign spies.
machiavellian DIA September 13, 2013
Pls listen x- secret party member of DIA. YEMANE T or g/ gergish x haile sellasie university student in AA. DIA is really machiavellian ( be feared rather than be loved, to be popular,,, hope not wrong said it) u can find it in u-tube sent by wegaHta radio. Enjoy listening
Dawit Meconen September 15, 2013
Wegahta radio is woyane, Libi Tigrai Twi Twai, and woyane and Isaias Afewerqi are one and the same, working from two ends to break Eritrean backbone.
Forto September 14, 2013
ሓዱሽ ዓመት
ዓመተ 2006/2014 ዓም ኣብ እንዳ ሻዕብያን እንዳ ወያነን ዝተለመደ ሕማም ንክድሕን
• ምጥልላፍ ፣ምጥምማት፣ ምጥልላም ፣ምጥቕቓን፣ምውድዳቕ ተወጊዱ ፍቕሪ ፣ስኒትን ሓድነትን ዝዓስለሉ፣ ናይ ሓሳብ አፈላላይ ዝኽበረሉ ዓመት፡
• ፅምኢ ስልጣን፣ ሕኸኸኒ ክሓከካ፣ ምጉጅጃልን ምትእጅጃልን፣ጥቕሚ ህዝቢ ዕሽሽ ኢልካ ንኸብድኻ ጥራሕ ምጉያይ ሃረምረም ምባል ተሪፉ ራእይ፣ዓቕሚ፣ ብቕዓትን ህዝባዊ ሓልዮትን ዝተሓንገጠ ዝሐሸ ሰብ ናብ ቅድሚት ዝመፀሉ፣ ዓዲ ብዝሐሸ ሰብ እትምርሐሉን ናይ ቅድሚት ኣንፈታ እትቕይሰሉነ ዓመት፡
• ህዝቢ ብናይ ሕሾት ፕሮፕጋንዳን ናይ ፈጠራ ዳታን ጥራሕ እንተይኮነትስ ብተግባር ህዝብና ዝሐሸ ናይ ልምዓት ሃዋህው ዝሪአሉን ተጠቃሚ ዝኾነሉን ዝዝረብን ዝስራሕን ዝቀራረበሉ ዓመት፡
• ገሊኡ ውሑድ ወዲ ገዛ፣ ገሊኡ ድማ ጓና ዝኾነሉ ጊዜ ተቐይሩ ኩሉ ቀዳማይ ደረጃ ዜጋ ዝኾነሉ ኩሉ በብረደጅኡ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ሃዋህው ዝፍጠረሉ ዓመት፡
• ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ነፃነትን ፍትሕን ንኽውገድ ሰብ እውን ተሸቑሪሩ ምንባር ንኸብቅዕ መሰረት ዝንፀፈሉ ዓመት፡
• ቁሩባት ናይ ብዙሓት ታርኽ ዓምጢጦም ዝሕዙሉ ዘይሰርሑዎ ሰሪሖም ተባሂሎመ ኣጉል ዝሙገሱሉ ገለገሊኦም ድማ ብፅልኣት ዝንቀፉሉ ኩነታት ተሪፉ ኩሉ ነናቱ ዝወሃበሉ፣ ኩሉ ብስርሑ ብሓቂ ዝዳነየሉ፣ ኩሉ ፀፃሕሉ ዝወሃበሉ ዓመት፡
• ሓድነትና እነጠናኽረሉ፣ ትግራዋይነትና ኩርዓትና፣ ኢትዮዽያዊነትና ፅላልና ኢልና እንሕበነሉ እነስተማቕረሉ ዓመት፡
• ናይ ትምህርቲ፣ ፍልጠት፣ ክእለትን ሙያን ዋጋ እንርደአሉ፣ ምሁር በዓል ሞያን ፍልጠትን እነኽብረሉን ዶንቆሮ ሃፍታም ምዃን፣ ብኣቛራፂ ዓምጢጥካ ሃፍቲ ምእካብ እንፅየፈሉን ዓመት ይግብረልና! ርሑስ ሓዱሽ ዓመት! ኣሜን!
ስለም ንሕዝብታት ኢት-ኤርትራ
ፎርቶ