Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት” – [ሳታየር]

"ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት" [ሳታየር] መሰለይ፡ መጀመርታ ንዝሃብካና ጊዜ ነመስግን፡ ፈለማ ኩነታት ሃገርና ድሕሪ 22 ዓመታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸልና? ኢሰያስ፡ እወ

ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት

[ሳታየር]

መሰለይ፡ መጀመርታ ንዝሃብካና ጊዜ ነመስግን፡ ፈለማ ኩነታት ሃገርና ድሕሪ 22 ዓመታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸልና?

ኢሰያስ፡ እወ … ሕጂ ምሉእ ስእሊ ክህልወና ምእንቲ ድሕሪት … ተመሊስና … ኣብ እዋን ውዑይ ኩናት እቲ ረስኒ ክሳብ ክንደይ ነይሩ? ነቲ ሓዊ መን ኣሳዊርዎ? ድሕሪ’ዚ ዝሑል ኩናት መጺኡ … ንምንታይ ዚሒሉ? ናብ በረድ ተቐይሩዶ.: አንታይ ሳዕቤን’ከ ነይሩዎ እንተ’ልና …. ኣነ ሕጂ እዝን እትን ክብል ኣይደልን’የ … ኣብኡ ዝነበሩ ይፍልጥዎ። እቲ ሕቶ ንዓና’ዚ ብኸመይ ይጸልወና አዩ። ብቐንዱ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ምብራቕ ኣውሮጳ አቲ ዛሕሊ ናብ ብረድ እንተ ተቐይሩ … ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዛሕሊ ይህሉ….መንግስቲ ነዚ ንምብዳህ…..እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና ….

መሰለይ፡ እዞም ዝጠቐስካዮም ምስ ህዝብና አንታይ ምትእስሳር ኣለዎም?

ኢሰያስ፡ ብቐንዱ …. ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ነገር … ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ይነብር ኣሎ ክበሃል ኣይካልን’ዩ። መብዛሕትኡ ኣብ’ዘን ዝጠቐስኩወን ሃገራት አዩ ዘሎ … ስለዚ …. ኣቶኩሮና ኣቡኡ … ከምኡ ክኸውን ኣልዎ … እቲ ዝተረፈውን ምኻዱ ኣይተርፎን’ዩ …. ምቁራጽ ኣገልግሎታት ማይን … መብራህትን’ውን ምስዚ ዝተኣሳስር’ዩ።

መሰለይ፡ ቀይሕ ባሕሪ ከሎናስ ህዝብና ዓሳ ሓሪምዎ ዝብሉ ኣለዉ፡ እንታይ ትብሎም?

ኢሰያስ፡ ኣነ የዋሃት አየ ዝብሎም … ብመጀመርታ ቀጻሊ ተጻብኦ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንዓሳታትና … ብመራኽብ ኮብኪብኪቦም … ንማአላይ ባሕሪን … ከምዝስደዱ ጌሮም … ድሓር ከኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ …. ዝበዝሕ ህዝብና …. ኣብ ስደት እዩ ዘሎ … ዓሳ ሓሪምዎ ዝብል ነቲ ዘዕቆቦም ሃገር ዘጸልም’ዩ … እቲ ዝርካቡ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ከኣ … ሸውሃት ዘለዎ ኣይኮነን …….

መሰለይ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ብረት ክዓጥቕ ንምንታይ ኣድልየ?

ኢሰያስ፡ አወ … ሕጂ ካብ 1993 ጀሚሩ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝመጽአ ተጻብኦት ቀሊል ኣይኮነን …. አዚ ናይ 21 ጥሪ ተርእዮ’ውን … መቔጸልታ ናቱ’ዩ እየ ዝብሎ ኣነ … እዚ እዋን’ዚ ዘተኣማምን ኣይኮነን … ትኣምኖ ኮለኔል የለን … ኣነ ዕድለኛ ኮይነ እምበር እዛ ኩላ ዉልቀ መላኺ ተዓልያ እንድያ…..ስለዚስ ሕማቕ እዋን ኢና ዘሎና ……..ናብ ገጽ 3

መሰለይ፡ ቅዋም መዓስ’ዩ ዝትግበር?

ኢሰያስ፡ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ጊዚኡ ኣብቂዑ እዩ … ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን … ብግብሪ … ኣብ በዓላትን ፌስቲቫላትን … ቅዋማዊ መንግስቲ ከምዘየድሊ ብጣቒዒቶምን ጭርሖኦምን ኣረጋጊጾም’ዮም … ንስኻ ጥራይ ንበረልና … ንገሰልና ይብሉ ኣለዉ …. (ስሓቕ) … ስለዚ ኣነ ቅዋም: ኣነ ህዝባዊ ግንባር: ኣነ ሃገር እየ።.

መሰለይ፡ ናይ ሕልና እሱራትከ ማዓስ’ዮም ዝፍትሑ?

ኢሰያስ፡ ቅድም ቀዳድም … ኣነ ሰብ ኣሲረ: ቀቲለ ኣይፈልጥን’የ … ብግብሪ ዝሰራሕናሉ … ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ክኣስርን ክቃተልን እዩ … ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ ዝኸውን እቲ ዝኣሰረን ዝገፍዐን ዝቐተለን እዩ…።

መሰለይ፡ መብዛሕቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ገንዘብ ህዝቢ ሰሪቖም ንብረት የጥርዩ፡ ንሱ ግን ናቱ ገዛ ከማን የብሉን ይብሉኻ?

ኢሰያስ፡ እዚኣቶም ናይ ኣእምሮ ሃሱሳትን ዕውራትን ክኾኑ ኣለዎም፡ ብመጀመርታ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓንቲ ገዛ ወይ ገንዘብ ኣብ ባንካ ይህልዎም ይኸውን፡ ኣነ ብግብሪ ዝሰራሕኩሉ ግን ኣብዚ ሃገር’ዚ ድልየተይ ክገብር ዝኽእለሉ ኩነታት ምፍጣር’ዩ። ብጭቡጥ እንተ ሪኢኻውን ኩሉ ኣባይቲ ኣብ’ዚ ሃገር ናተይ’ዩ ክብል እኽእል’የ፡ ገንዘብ ናይዚ ሃገር’ዚ ኣበይ ከምዘእትዎ ሰብ እንታይ ዝፈልጦ ኣለዎ? ንብረትን ሃብትንሲ ይትረፍ ኣነ ነዚ ኩሉ ኤርትራዊ ይውንኖ እየ፡ እንተ ደለኹ እኣስሮ፡ እቐትሎ፡ ዝበልክዎ እንድዩ ዝገብር፡ ስለዚ ክንዲ ናተይ ዝውንን መራሒ ኣሎ ኣይብልን’ይ ኣነ……………

መሰለይ፡ ኣስመራ ጫካ ኮይና ኢልካ ኔርካ…እንታይ ማለትካ’ዩ፡ እንታይ’ዩ ብወገን መንግስቲ ዝሕስብ ዘሎ?

ኢሰያስ፡ ማለትሲ … ካብ ጽባሕ ናጽነት … ብግብሪ ዝስራሕናሉ … መንእሰይ ኣሰመራ ወይ ኣብ ስደት ወይ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ፋሕ ክብል’ዩ … ተዓዊትናሉ ድማ … ሎሚ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን እንስሳታት ዘገዳም ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣምጺእና … ንኣሰመራ ናሽናል ፓርክ ክንገብራ … ይስራሓሉ ኣሎ ….

መሰለይ፡ ክንጅምር ከሎና … ነታ ሻሂ 4 ማንካ ሽኮር ምስ ኣእተካላስ … ሽኮር ዳኣ ኣሎድ’ዩ ኢልና…?

ኢሰያስ፡ ኣነ ናይ ሽኮር ይኹን ናይ ኣስቤዛ ጸገም ዝበሃል የብለይን … “ክሻ” ኣሎኒ ከም’ዞም … ከቢሩና … ሲእንና … ዝብሉ … ብኩፓን ዝዕደሉ፡ ለይቲ ከይዶም እንዳ ባኒ ሪጋ ዝስርዑ … ኣይኮንኩን …

መሰለይ፡ ጥዕናኻ ከመይ ኣሎ? ዝበዝሕ ሰብ፡ ተዋሊኡ፡ ተጸሊሉ፡ ዓቢዱ፡ ኣሪጉ፡ ማዳ ንማዳ ኾይኑ፡ መስጣ ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ፡ ኣይቅንን’ዩ፡ ምብህራር ጀሚሩ፡ ጃጅዩ፡.ናይ ኣእምሮ ስንክለና ኣለዎ፡ ኣብቂዑ’ዩ፡ ይብሉ፡ ሓቂ ድ’ዩ?

ኢሰያስ፡ ብዛዐባ’ዚ ክዛረብ ኣይደለን’የ … ኣብ መንጎይን ሓኪመይን ዝተርፍ ጉዳይ እዩ።

መሰለይ፡ ትድቅስዶኸ ኣሎኻ …?

ኢሰያስ፡ እንተዘይድቅስ ደኣ ስለምንታይ እብህርር … መድሃኒት እወስድ … ኣብ ህልም ዝበለ ሕልሚ እኣቱ … ካብ ጎልጅ … ንገርሰት … ካብ ሳዋ … ንበይሉል … ካብኡ ኣፍሂንቦል … ካብኡ ንሄግ ነዘርላንድ … ድሕሪኡ ሳባ ከምዚ ተረኺቡ ኢላ ተተሳኣኒ …

መሰለይ፡ ኣብ መወዳእታ ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደገፍትኻ ትብሎ እንተሎካ?

ኢሰያስ፡ ኣጣቕዑ!

መሰለይ፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝርካቡ ህዝቢ’ኸ?

ኢሰያስ፡ ወይ ዝበልክኹም ግበሩለይ ወይ ዓድኹም ግደፉለይ

መሰለይ፡ ወይ ጉ…ድ …. ዓዲ ተባላሽይያ!

ፎርቶ

ምንጪ፡ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰባዊ መሰላትን (ኤምዲሰም) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትሕተም መጽሔት መሰለይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • ahmed saleh September 12, 2013

    I was listening songs deep to ease my frustration .
    Abraham Afewerki , SEMAY ( my nature is to smile regardless life situations )
    Abrar Osman , HIDMONA ( The house which didn’t built after many men hard work ) .

    • Suleiman Salim September 12, 2013

      Frustration? About what?

  • aba_chegora September 12, 2013

    Is this supposed to be funny ?

  • belay nega September 12, 2013

    Samuel Bizen and company

    “……. ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት“

    Stop playing,and come up with a real solution that Eritrean peoples are looking for.
    Samuel,considering where you come from, it is obvious that you hate the president more than you love Eritrea,and in doing so you are half way to make Eritrean freedom empty.

  • Forto September 12, 2013

    How often you visit Starbucks cafe?

  • Zeray September 12, 2013

    News Flash-

    Ato Fetusm in his writing had said it, without unity we are irrelevant.
    News flash: PFDJ has scored a big win by dividing the opposition groups and the opposition groups are busy bickering among themselves.

    • belay nega September 12, 2013

      “…… without unity we are irrelevant”
      If E.P.L.F,the master mind of ERITRAWINET cannot bring unity for reason,then “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ”

  • Suleiman Salim September 12, 2013

    ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ተኻላኻላይ ታንኪ
    ንስኻ ትጋደል ኣዴኻ ትበኪ።

    ሰቲ ሰምሃር ቦቒላ ኣብ ቀላያ
    ኢሳያሰይ ነዓንዶ ተላይ
    ወዲኡና ርጉም ኣምሓራይ።

    ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ኣብራሃም ብሩኽ ወዲ ብሩኻት፡ ጅግና ወዲ ጀጋኑ፡ በዓል ታሪኽ በዓል ዝና፡ ብህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተፈትወ ሰብ እዩ።

    ናይ ኣዴታት ደርፊ፡

    ወዲ ኣፎም ብርየ
    ንሱ ኣንበሳ
    ኣሳዕሩ ነብርየ።

  • Suleiman Salim September 12, 2013

    ኣብ ኣስመራ ዝድረፍ ዝነበረ ደርፊ፡

    ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ተኻላኻላይ ታንኪ
    ንስኻ ትጋደል ኣዴኻ ትበኪ።


    ኣብ ከበሳ ዓድታት ብጸላኢ ክቃጸላን ህዝበን ድማ ክሕረድ እንከሎ ዝተደርፈ ደርፊ።

    ሰቲ ሰምሃር ቦቒላ ኣብ ቀላይ
    ኢሳያሰይ ነዓንዶ ተላይ
    ወዲኡና ርጉም ኣምሓራይ።

    —-

    ናይ ኣዴታት ደርፊ፡

    ወዲ ኣፎም ብርየ
    ንሱ ኣንበሳ
    ዓሳክሩ ነብርየ።

    ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ኣብራሃም ብሩኽ ወዲ ብሩኻት፡ ጅግና ወዲ ጀጋኑ፡ በዓል ታሪኽ በዓል ዝና፡ ብህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተፈትወ ሰብ እዩ።

    .

  • NEW HOPE ERITREA September 12, 2013

    ( ሓሳዊ ታርኽን፣ናይ ጽልኢ ደርፊን__ጸርፍን__መንነትካ ምኽሓድን__ ድሙ ድሙን ፣ቀርቡለይ እሞ፣እቲ ስምዒታዊ ጀግንነተይ ከንቅሎ ) ፦፦፦

    ንዑቕ እየ ከም ሰብኣይ ፣_____ በደዊን ዘጎምብሖ
    መቐመጭኡ እናተጋህሰስ፣ ወያነ ዝሓዞ መሬቱ ዘንብሖ
    ዘይነበረኒ ዕላማዊ ጀግንነትዶ__ሎሚ ክፍጽሞ፣ክሰርሖ ፧
    ብርቱዕ ስዋ ኣቕርቡለይ__ደርፊ ወዲ ትኹል ዘፍልሖ
    ብሓሳዊ ታሪኸይን፣ዝንዕቃ ሂወተይን፣ሞይተ ከስፋሕፍሖ።

    ከመይ ኣለዋ ደቂ ትግራይ፣እኒ ሓረጉ፣ጉዖይ፣እኒ ፍረወይኒ
    ሓለንጋይ ፣ስንቱር ሓማሸናይ ____ ቅድሜኻ ይስጥሐኒ
    ኣይጽዕመናይ ዶ፣ ግሩም ወዲ _____ ከም ዘይበላኒ
    ባድመ፣ምዓኮረይ ምስ ተወጋእኩ ዶ _____ ንዒቐናኒ ፧
    በድዊን ምስ ሓለፉኒስ _____ እምበይተይ ኢለናኒ
    ሃሳስ፣ቃተኛይ_ዝግንይ ደርብዩ፤_ ልስራዕ ልልነቐጸ ባኒ
    ልሙሽ ሰብኣይ፣ኣዕራብ ለሕስምዎ፣__ለይረብሕ በድኒ
    ኢለናኒ ፣ ______ ትማል ትማል ከም ዘየድነቓኒ
    ከይምልሰለን፣ሓቂ ኮይኑ___ ንኣይ ምዓስ ጠፊ ኡኒ
    ሙዳዳ ሽፍታ ዝመርሖ ሽፍትነት፣ እናሓደረ ኣንዒቑኒ።

    ከመይ ሓግየን ______ እኒ እንኳን ደህና መጣህልኝ ፧
    እኒ የኔ ዓለም፣ ____________ እኒ ጤና ይስጥልኝ
    ካስመራ ኣገርህ ____________ቴምር ኣመጣህልኝ፧
    ደላኒ፣እኒ ኣበበች ቆንጂትዋ _____ በግዜር ቁጭ በልልኝ
    ኣዒንቲ ፈናጅል __________ ኮፍ መበሊኤን ዘህንን
    ሎምስ ንዒቐናኒ፣_____ፈፈው ኢለየን እኳ ኣይቀርባንን
    የበደዊን ቦይፍሬንድ፣ሶዶማዊ፡ ቡሽቲ፣ ___ ከፊቴ ራቅልኝ
    ኢለን ድሂለናኒስ ፡ፈሽኲለ ፣ _ ነቲ ሕሱር ርእሰይ ከድንን
    ሙዳዳን ቆልዓን ዘብኩዖ ________ንድራር ዘይከውን
    ዘሪጉለይ እንድዩ፣ኣይውቁብ ወዲ በራድ ፣ወዲ ማማ መድሂን ።

    ነታ ኦሮሞተይቲ እንተልክዋ ______ *ኣካም ጅርታ፧ዕ *
    ቡን ብጠስሚ ሰትያ፣ ____ ዘውላህልህ ልሙጽ መሓውርታ
    *ሃቦላ ሲያ ኛእዱ ________ ናይ ግብጺ ሙታንታ *
    ኢላ ገሰጸትኒ ____ ከምተን ተጋሩን ኣምሓሩን ምሓዙታ
    ከብዲ ጫምኣ ኣርኣየትኒ _____ መታን ክርድኦ ንዕቀታ
    ንገርችኣል ወሰደቶ፣ሓሻካ _____ ንኣይ ኢግኖር ከቲታ
    ብር እንተልኩስ ሕልሚ _______ ናይ ሃተፍተፍ ጸወታ
    ወድያት ፦፦፦ኢለ ተሳእኩ ____ ታክሰይ፣ጋራጅ ክወስዳ
    ብር እንተልኩስ ሕልሚ _______ ናይ ሃተፍተፍ ጸወታ
    ኤርትራ ቀበሌይ __________ ኣይተርእየኒ ጥፍኣታ
    ኢለ ለመንኩዎ _________ ነቲ ኩሉ ዝክ ኣሎ ጎይታ።

    ተጸሊኡኒ ክኸውን ኣለዎ እምበር፣ ከም ኤርትራውስ፣ኣብ ኣሜሪካ ኮይነ ጽልኢ እናሰበኽኩ __ደቂ ካልኦት
    ንውግእ ክሰድ ድ እዩ ዝግብኣኒ ።ፎእ ፣ቅጭ ከምጽ ኣልካ እቲ ሕልናን ምስትውዓልን ዝመል ጽሑፋተይ።ንኤርትራዊ ወዲ ሃገረይ ዘይከውን።__ስቕ ኢልካ ፍቕሪ ቤተሰብ ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራን ፍቕሪ ደቀንስትዮን ዝመልኦ ዘይሃገራዊ ፣ቁምነገር ዝመልኦ ዓጀውጀው

    ኣጆኹም ደቂ ኤረ፣______________ ንበል እምቤዕ ፣እምባሕ
    ካብ ክብረት ምስ ዓጋመ ፣____ መሪጽና፣ንበደዊን ኣዕራብ ምጉምባሕ
    ወያነ ካብ መሬትና ይውጻእ፣ብሜላዊ ምዝላቕናን፣መኻልፍናን ከይክሻሕ
    ንሕና ኩሩዓት ኢና _______ሓቀኛ መንነትና፣ሎም ኣይንደልዮ ጽባሕ
    ቺ ቬድያሞ ኣቢሲኒ___ ንስኹም ማዕብሉ፣ንሕናስ ንጥፍኣትና ንስራሕ !!!!!!!!!!!
    ብዩኒቨርሲቲ ርእስኹም ኣጸልሉ ___ ንሕናስ ኣብ ድፋዕ ኢና ንስጣሕ

    • Suleiman Salim September 12, 2013

      ኣብ ትግራይ ዓስኪሮም ዘለዉ ደቂ የደቡብ ህዝቦችን ካልኦት ብሄራትን ኢትዮጵያ ንደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ እንዳ ዓመጹ ንክልል ትግራይ ቆልዓ ንቆልዓ መሊኦማ ይበሃል ኣሎ።

    • Grass September 13, 2013

      Deep!

    • Deki adi September 16, 2013

      are you getting on the right truck. personally although there is some unethical ideas we are from the same family.

  • NEW HOPE ERITREA September 12, 2013

    Please be advised

    …. my next cyber name will be FCC..Fake Country Collapsing..

    thank you ,my fellow citzens

    • Suleiman Salim September 12, 2013

      ካብ ኣሰና ከም ገለ ኢልካ እንተ ጠፊእካ መታን ደሃይካ ክንገብር ስምካ ኣይትቐያይር።

    • belay nega September 12, 2013

      The would be FCC [NEW HOPE ERITREA]

      “Il luopo cambia la pelle ma non il carattere”

      Is not your pen name,is what you say which matters most.

      I am sure you heard about the following:

      “ዝሓለፈሉ ትንፋስ ሰብ አሕለፈ”

      “ትግራይ ምድረ ኦሮሞ ሒዛ ትዕበ”

      “ውድቀት ን ትዕቢት ትቅድማ”

      • FAKE COUNTRY COLLAPSING September 13, 2013

        Belay Nega ,

        Thank you for your complement ,you are right ,it is what one says matters. A fool blames neighbour countries for his own idiotic foolishness .a wise person alarms the bell when he sees the disaster.
        Ignorance ^stupidity is a bliss ,unfortunately ,I have no clue how it feels.

        Zfetweka mutanta Isaias zeykone Hawka
        FCC – Mehretu Habte

  • MightyEmbasoyra September 12, 2013

    Very funny and unfortunately, matches with the reality.

1 2 3

POST A COMMENT