Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዳማይ ሚኒስተር ደቡብ ኮርያ ብስንኪ ‘ቲ ብናይ መርከብ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ተመሃሮን መማህራንን ናይታ ሃገር ዝወረደ ሞት ብወለንታኡ ካብ ስልጣን ተሰናቢቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ደቡብ ኮርያ Chung Hong-won ብስንኪ ‘ቲ ብ 16 ሚያዝያ 476 ተማሃሮን መማህራንን ጽዒና እናተጓዕዘት ሓደጋ ገጢሙዋ ድሕሪ ምጥሓላ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ተመሃሮን መማህራንን ናይታ ሃገር ዝወረደ ሞትን ምጥፋእ ሃለዋትን ብወለንታኡ ካብ ስልጣን ከምዝተሰናበተ

ቀዳማይ ሚኒስተር ደቡብ ኮርያ Chung Hong-won ብስንኪ ‘ቲ ብ 16 ሚያዝያ 476 ተማሃሮን መማህራንን ጽዒና እናተጓዕዘት ሓደጋ ገጢሙዋ ድሕሪ ምጥሓላ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ተመሃሮን መማህራንን ናይታ ሃገር ዝወረደ ሞትን ምጥፋእ ሃለዋትን ብወለንታኡ ካብ ስልጣን ከምዝተሰናበተ ማዕከናት ዜና ደቡብ ኮርያን ዓለምን ሎሚ ገሊጸን።

በቲ ናይ መርከብ ሓደጋ 187 ዜጋታት ከምዝሞቱ ክረጋገጽ ከሎ፣ 115 ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን። 174 ከምዝደሓኑ ከኣ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ደቡብ ኮርያ፣ ነቲ ካብ ስልጣን ናይ ምስንባት ውሳኔ ኣብ ቴለቭዥን ናይታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፣ ብኽያትን ንብዓትን ናይቶም ደቆም ዝሰኣኑ ስድራቤታት ድቃስ ከምዝኸልኦ ብምጥቃስ፣ “ከም መራሒ ካቢነ ሚኒስተራት መጠን፣ ካብ ስልጣን ብምውራድ ሓላፍነት ምውሳድ እዩ እቲ ዝቐንዐ ውሳኔ” ክብል ተዛሪቡ።

ብ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፐዱዛ 357 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሳሳሊ ሓደጋ ባሕሪ ኣጋጢሙዎም ኣብ ሓደ ረፍዲ ምስ ተቐዝፉ፣ ምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘርኣዮ ኢሰብኣውነት ምስዚ ሚስተር Chung ዝወሰዶ ቅኑዕ ሓላፍነታዊ ውሳኔ ኣነጻጸርካ ክርአ ኸሎ ንሰይጣንነት ኢስይያስ ዘጕልሕ እዩ።

እቲ ፈለማ ንኤርትራውያን ግዳያት ከም ኣፍሪቃውያን ኣምሲሉ ብምግላጽ ካብ ሓላፍነት ክሃድም ዝፈተነ ጨካን መራሒ ብጭብጥታት ተታሒዙ ብኤርትራውያነቶም ክእመን ድሕሪ ምግዳዱ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ቶም ግዳያት ኮነ ስድራቤቶም ብድዐን ንዕቀትን ምርኣዩ፣ ቅንጣብ ሰብኣውነት ዘይብሉ ኣረሜን ምዃኑ ዘቃልዕ እዩ።

እዚ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኸስተ ፍጻሜ ዘዘኻኽረና ካልእ ውድቀት ናይ ሕብረተሰብና ብፍላይ ድማ ሞራል ኣልቦነት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት እዩ። ንጽዩፍ ተግባራት ናይቲ መጀመርያ ንዜጋታትና ናብ ስደት ደፊኡ ንሞት ዘቃልዖም፣ ምስ ሞቱ ርህራሀ ዘይርኣየ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ሬሳኦም ዓዲ ከይኣቱ ዝኸልከለ፣ ብስልጣን ሕልናኡ ዝተደፍነ ኢሳይያስ ተጻዊርና ከም ንቡር ንነብር ምህላውና፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕልናዊ ውድቀት ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ የርኢ።  

ንጃምላዊ ቅዝፈት ላምፐዱዛ፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ተጸሚምናን ተደጋጋሚ ሕድገት መጢናን ቅድሚኡ ዘርኣናዮ ሸለልትነት ከም ዘስዓቦ፣ ንህልቂት ላምፐዱዛ ክንርስዖ ንፍትን ምህላውና ‘ውን ንመጻኢ ካብኡ ዝኸፍአ ኣደራዕ ከሰክመና እዩ። ጥፍኣትና ከብቅዕ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከብቅዕ ኣለዎ። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • selam n eritrea April 27, 2014

    neu dea sltan men bkuntrat hibwo nay egypt eyo geza ysrah embeer. nezs bzrdeo quanqua mrdae eyu ember.

  • ti April 28, 2014

    @ Sahle, Tesfaldetabrha, kulkhatkum kem natom atehasasba zelekum?
    bmejemeray netom ab Lampeddusa zTefU AHwatna emo Hamed Adom zetenefgom, Amlakh ab Betu kqbelom tselotey iyu.
    ab hade refdi kndziom keneTfE enkolena entay Aynet ksara iyu? yrdeAkuum do? bzkhone ykhun waga aytmenn.
    ms temaharon memaharann sk awedadirkumom emo etom ahwatna zwehade Tqmi kemzelewom gerkum gelitskumwon, tTaEmi zehzn.
    ezom ahwat bkhemzi zsEb agebab kgeltsom yfetu
    1. geliOm etom ab 98-2000 znfebere kinat Hager zewhasu “warsay”
    2. GELIoM deki etom hdrom zeytefetseme “DEKI SWAT”
    3. geliom meAnTa zeyqotseru nay tsbah “memahrann”
    4. geliom brhan Alem zeyreAyu ab bahri zteweldu nay tsbah “temaharo”
    5. geliEn dma eritrawi weldo kefriya zgbeEn “Adeta”
    sle ezi kburat ahwat lbi gberu, hlnakhum aberabrwo.
    “nebari hzbi enber nebari mengsti keto ayteraEyen”

  • Esaw April 29, 2014

    What a country! What a people! What a Leader!

  • semhar April 30, 2014

    be mejmerta selam! kexile keblo zedelku ane Isias beleke hemum seb eyu gen etom sabtun degftun helna albo reshat wey dema telmat eyle eye zetksom eti mentay ab, europa nay erupweian naxeneten teortan enda belna benatom selam enda astnfesna ne sedranan yehwatena metabyetnan babyu weldona zexnet merihnet zelo sebay zedgf ayashu hezbi keyxrfkom ayhalfen. rayom bal tunsya rayom egypt dem dekomen yehwatomn kontu aysdedon, eriterwaian ke fetweti nebsom, resati yehwatom be wegenen be adeyn wedi adyen techmalek ala seb ab dege.

  • Beaye May 4, 2014

    HIII who cares about the dead fish?except the fisher.so if Iseyas Afewerki has the blood of Eritreans he well care unless…….

Post a Reply to selam n eritrea Cancel Reply