Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀባሪ ዝሰኣነ ሬሳ

ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳ ዝተዘርዉ ወይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ ሬሳታት ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ። እቲ ዘረባ ብዛዕባ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝሞተ እሞ ዝኾነ ዘይሓዘነሉ፡ ዘየልቀሰሉ፡ ዘይገጠመሉ፣ ገና’ውን ቀባሪ ዘይረኸበ በድኒ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። እቲ መንግስቲ ካብ

ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳ ዝተዘርዉ ወይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ ሬሳታት ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ። እቲ ዘረባ ብዛዕባ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝሞተ እሞ ዝኾነ ዘይሓዘነሉ፡ ዘየልቀሰሉ፡ ዘይገጠመሉ፣ ገና’ውን ቀባሪ ዘይረኸበ በድኒ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። እቲ መንግስቲ ካብ ዝመውት ነዊሕ ኴይኑዎ እዩ። ንህዝቡ ክምግብ፡ ማይ ከስቲ፡ ከብርህ፡ ከምህር፡ ከመሓድር፡ ክእመን፡ ከእምን  ዘይከኣለ መንግስቲ ዝሞተ መንግስቲ እዩ። እቲ በድኒ  ቀባሪ ስኢኑ ትሕቲ መሬት ስለዘይገብአ እዩ ገና ህያው ዝመስል። ኣብ ምቕታል’ቲ መንግስቲ ከኣ ዝኾነ ኤርትራዊ ብደም ኣይሕተትን ኣብ ምቕታል’ቲ መንግስቲ ዝደርበያ ዝኾነት ዝነኣሰት እምኒ ስለዘየላ። እወ፡ ህዝቢ ተራጊሙ፡ ተጻሪፉ እዩ እሞ ልሳን ግዲ ኵናት ኴይኑ ቀቲሉዎ ከኣ! ኣነ ግን፡ ንህዝቢ ካብ ደመልሳን ከድሕን፡  እቲ መንግስቲ በልዩ እቲ ቀታል-ኵሉ ጊዜ እዩ ቀቲልዎ በሃሊ እዬ። እቲ መንግስቲ ባህርያዊ ሞት እዩ ሞይቱ። እቲ መንግስቲ ንኽሳዱ ብገዛእ ክልተ ደናቍር ኣእዳዉ ሓኒቑ ነፍሱ ክቐትል ብዙሕ ሻዕ እኳ እንተፈተነ፡ ህዝቢ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ኣይሓገዞን። እቲ መንግስቲ በዚ ጠባይ ናይቲ ህዝቢ ብዙሕ እዩ ዝግረም። … ብዕራቘተይ ኣብ መሬት ተደርብየ በዲነ ክንሰይ’ስ ስለምንታይ እዮም ዘይቐብሩኒ? ንደቆም ኣብ ዓዶም ምቕባር ስለዝኣበኹ ድዮም ሕዚ ንዓይ ምቕባር ኣብዮሙኒ? … እወ፡ ኢድ ሸናሒት ጸናሒት እያ። ወይ’ስ ልቦም ካን ደፊነዮም እዬ ከምዝሞትኩ ገና ኣይፈለጡን? … ላእ! ላእ! ከምዝሞትኩ’ስ ይፈልጡ እዮም። እንተኾነ ቀባሪ ካብ ፈጣሪ ኢሎም  ይኣምኑ  እዮም። ፈጣሪ ክቐትለኒ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ጸኒሖም ሕዚ ከኣ ፈጣሪ ክቐብረኒ ይጽበዩ ኣሎዉ። ህዝቢ ኤርትራ ንፈጣሪ ናብ ብሕታዊ ከዳሚኦም ዝሰርሑ መስደመም ህዝቢ እዮም … እንዳበለ እቲ ሬሳ ከባጩ ሰሚዐ ኣሎኹ። እቲ ባጫ ግን ኣብ ቦትኡ ኣይመስለንን። ህዝቢ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንድ’ዚ ይጸልኦ ክሳብ ኣብ ነፍሰ-ቅትለቱ ክተሓባበሮ ኣይደልን በሃሊ እዬ።

እቲ በድኒ ምጭናዉ ቀጸለ። ጨና’ቲ ሬሳ ንምሉእ’ቲ ዞና በሊኹ ኣህጉራዊ እንዳኾነ ከደ። ኢትዮጵያውያን ኣይጸወሩዎን። እቲ ኢሳያስ ብህያውነቱ ዘየዓወቶ መደብ ሕዚ ብጨናኡ ካብ መላእ ሃገር ክልግሰና እዩ ኢሎም ዝሰግኡ ዕቱባት ፖለቲከኛታት ኣሎዉ። ሱዳናውያን ኣይጸሩዎን። ሶማላውያን ክሽትትቱ ጊዜ የብሎምን። ኪኖ ባሕሪ ዓረብ’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጨና ዝሞቱ መንግስታት ከይኣኽሎ ናይ ኤርትራ ተወሲኹዎ ፈጺሙ ደስ ኣይበሎምን። ውዒሉ ሓዲሩ ንዓለም ብምልእታ ከረኻኽበላ ምዃኑ ዓለም’ውን ዝተረድኣ ይመስል።  ንሕና ኤርትራውያን ግን፡ እቲ ጨና ሬሳ በዚሑና ለሚድናዮ ግዲ፡ ኣሽንኳይዶ’ዶ በድኒ ክጨንወና’ስ ነቲ ምማቱ’ኳ ገና ኣይተገንዘብናዮን። እንተዘይኴይኑ፡ ቀደም በድንና’ንዶ ኣምበይቐበርናን። ንቐብሪ ገና ኣይተቐረብናን። [እቲ ሓያል ተሞኵሮ ቀብሪ ዝነበሮ ወድ ዓድና፡ ጀነራል ውጩ ሓመድ ደባዪ ከኣ ንባዕሉ ተቐቢሩ።]

እቲ ዘገርም ግን እቲ በድኒ  ብዛዕባ ምማቱ ዝፈልጥ ምዃኑ እዩ። እዚ’ኣ ምናልባት ኣታ ቀንዲ ክፍኣቱ እያ። ብዛዕባ ሞቱ ዝነቕሐ በድኒ ከኣ ግድን ክትንስእ ይደሊ። ቀንዲ ድልዬት ንቑሕ በድኒ ዳግመ ህይወት እዩ። ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ካብ ሞት ምትንሳእ ከኣ ብእኡ ኣይተጀመረን።

ሬሳነት ሬሳ ምልላይ ስኢን’ና ኣብ ምቕባሩ ደንጕና። ብዙሕ ደንጕና ክሳብ ዳግመ ህይወት ክሶዅዕ ኢሉ ደልዩ፡ ንዐመር በሺር ሕሹዅ ኢሉ፡ በጃኻ ዕረቐኒ፡ ተሳዒረ እዬ ርእሰይ ክብ ኣቢለ ክወድቕ ሓግዘኒ! ክብረታዊ መምሎቒ ፍጠረለይ ዝለመነ ይመስል። ኣብ ብሕቶም፡ ሕቖይ ሕኸኸኒ ሕቖኻ ክሓከካ ይበሃሃሉ እዮም ሕድሕዶም ጽቡቕ ዝፋለጡ ሰይጣውንቲ።

ኢስያስ ሞይቱ እዩ። ሞቱ ባዕሉ ዝኣወጀ በድኒ። ኵሉ’ቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝወጠኖ ውጥናት ከም ዝፈሸለ ይኣምን። ንኤርትራ ዘፍሸሉ ‘ምኽንያታት’ ተነጊሮም፡ ኣሰልችዮም፡ ታሪኻዊ ሞያኦም ተወዲኡ።  መንግስቲ ኤርትራ እዩ ፈሺሉ። መንግስቲ ኤርትራ እዩ ንኤርትራ ኣፍሺሉዋ። ንመጠረስትኡ ከኣ፡ ኢሳያስ፡   ኤርትራ፡ ብዘይካ ኢትዮጵያ፡ ታሪኻዊ ዕላማኣ ከተዐውት ኣይትኽእልን እያ! ይብል። እዚ እቲ ሓደ እዋን ንጸሓይ ብምዕራብ ዘብረቐ ምትሃታዊ ኢሳያስ እዩ። ሓደ ሰብ፡ ሓደ መንግስቲ፡ ካብ’ዚ ንታሕቲ ክወድቕ ኣይክእልን። ካብ’ዚ ቦታ ውድቀት’ዚ እቲ ሓደ ካልእ ምርጫ ትንሳኤ ጥራሕ’ዩ ።

መን’ዩ ክትንስእ?

ጸረ ዲክታቶርያዊ ሓልታት ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንኵሉ ክጥርንፍ ዝኽእል ዝነበረ ስሙር ግንባር የሎን። ተቓዉሞ፡ ብደረጃ መንግስታዊ ዲምሎማሲ ምስ ካልኦት መንግስታት ዘረኽብ ቅርጻን፡ ትኵርን ምጭውን (charismatic) ፍሉጥን መራሒ የብሉን። ሕመረቱ፡ ብዅሉ ሸነኻቱ ቈንቍኑ፡ ሞይቱ ንባዕሉ በድኒ እዩ። በድኒ ምዃኑ ዘይፈልጥ በድኒ ግን። እንተዘይኴይኑ እቲ በድኒነት መንግስቲ ኤርትራ ምጨነዎ ምቐበሮ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ገዛእ ርእሱ ቀብሪ ይኹን ኣብ ቀብሪ ጸላኢኡ ዘይውዕል በድኒ እዩ። ብዛዕባ ሞቱ ከይነቕሐ ከኣ ደጊሙ ክትንስእ ኣይክእልን።

ኢሳያስ ፈሺልና ኢሉ። ብዘይካ ሰላምን ምትሕግጋዝን ጎረባብቲ ሃገራት እታ ሃገር ደጊማ ክት’ትንስእ ከምዘጸግማ እውን ወሲኹ።  እዚ ኵሉ ሓቂ እዩ። ዝኾነት ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ እታ ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝሰርሓ ፖለቲካዊት፡ ማሕበራዊት፡ ምጣነሃብታዊት፡ መንፈሳዊት ኤርትራ፡ ብዘይካ ፍጹም ሰላማዊን ናይ ሓባር ረብሓዊን ዝምድና ጎረባብትን ዓለምን ንበይና ክት’ትስእን ክትነብርን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።  ከም’ዚ እንክብል፡ ኢሳያስ፡ ጭብጥታት ኣሎዎ። ባዕሉ ዝሰርሖም ጭብጥታት። ኤርትራ ሓጠቕ ኢላ። ዓንያ።  ህዝባ ተበቲኑ። ተዓሚጹ። ሕዚ፡ ኤርትራ፡ ኣፍንጫኣ ኮሪፋ ንሰላም ቅርብቲ ኣላ። ኤርትራ፡ ብወትሃደራዊ ሸነኽ ንዝኾነ ሓደጋ ኣብዘይትኾነሉ ኵነታት ኣትያ እያ። ኢሳያስ ከኣ ነዚ ስዕረት’ዚ ናብ ጥቕሙ ክልውጦ ድሮ ይእድም ኣሎ። ዕላማኡ፡ ንላዕሊ ገጹ ክወድቕ!

ኣብ ምዕራብ’ውን እቲ ሰብኣይ ዝተናስሐ ይመስል ድሮ ክድንገጸሉ ይጅምር ኣሎ። ኒሑ ተቐቲላ ተማሂሩ እዩ’ሞ ሕዚ’ስ ቁሩብ ነማምቆ፡ ካብ’ቲ ቁሪ ንቤት ነእትዎ፡ ድሮ ተባሂሉሉ። ገለ መሓሸሺ ገንዘብ ክድርበየሉ ኢዩ። ክመዓድ እዩ። ርእስኻ ከየድነንካ እትወድቀሉ መገዲ ከነናዲ ኢና፡ ክበሃሎ እዩ።

እታ ሓንቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኢሳያስ ፈለማ ተገድሶ ከመይ ገቢሩ ደጊሙ ትንፋስ ይመልስ እያ። ኣብ’ዛ እዋን እዚኣ ከም ኢሳያስ ገቢሩ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ዓለም ደጊሙ ክርአ ዝህንጠ መራሒ ኣይነብርን። ባህርያዊ  ህንጢት ምዉት። ህይወት ምስ ዘርአ ግን፡ ኢሳያስ ‘ሸሽጣራና የዋጽኣና’ እዩ። እንተ ሓንኪሱ፡ እንተ ለስሊሱ፡ ኢስሳያስ፡ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ  ትጉህን ምእዙዝን ኣገልጋሊ ምዕራብ ክኸውን ቁሩብ ኣሎ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸብ እዩ። ድሮ’ውን ተራኺቡ ይኸውን። ርክቡ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን ኢሎም ዝሓምዩ’ውን ኣሎዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ክራኸቦ እዩ። እቲ ሕቶ ዶብ’ውን ተፈታሒ ገድል እዩ።

እቲ ንነፍሱ ከም ዲሞክራስያን ምዕቡልን ዝተወስዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ’ቲ ፍጹም ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ይላዘብ! እዚ ጥልመት’ዚ ንጥቕሚ ምዕብልና ዲሞክራስያዊ መስርሕ ክልቲኡ ሃገራት ኣይኮነን! ብቐደሙ ኢትዮጵያ ናይ ርእሳ ጥቕሚ ጥራሕ’ዩ ዝግድሳ! ኢሉ ዘእዊ  ተቓውሞ ኣይሰኣንን። ሞራላዊ ኣውያት! (እሞ ናይ መን ጥቕሚ ድኣ ከተቐድም!?) ገለ ከኣ ምናልባት ነቲ ፕሮጀክት ይጽንበሩዎ።  ሓደ ርጉጽ ነገር ግን፡ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነት ካልእ ልዕልቲ ሃገር ዲፕሎማስያዊ ርክብን ስምምዓትን ከተካይድ ትኽእል እያ። እዚ ልዑልነታዊ መሰላ እዩ። ድሓር ከኣ ንውሽጣዊ ሽግርና ብብሕታዊ ጽዓትና ኢልና ፈኪርና እንዲና! መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ምስ ተቛውሞ ስደት ተዃሽሙ እዩ። እቲ ዝኣረገ ተልሜደናዊ ተቛዉሞ ግን ኣብ ሓደ ጠማሪ ሸቶን ሞለቲካዊ ሜላን ውድብን ተዋሂዱ፡ ንመንግስቲ ኣውዲቑ ክትክእ ንስለምኽኣሉ ኣየመስከረን። ንተቓዉሞ-ብዘይካ-ዓወት ከም ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ዝወሰደ ቕሱን ተቓዉሞ።

ኣብ ሞንጎኡ፡ ኢሳያስ፡ ነቶም መንገዱ ይቕይር ኣሎ ዘብልዎ ‘ዲሞክራስያዊ’ ለውጥታት ከተኣታቱ ክጅምር እዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎና ፖለቲካዊ ግድላት ተፈቲሖም እዮም ሕዚ ነቲ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ካብ’ቲ ዝተቛረጾ ንቐጽሎ ክብል ይኽእል። ክሳብ’ውን ንተቛወምቲ ሓይልታት ንዓዲ ኣትዮም ኣብ መስርሕ’ቲ ለወጢ ክሳተፉ ክዕድም ይኽእል። ነዚ ቅሩባት ድዮም? እቲ ሓደ ዝዓበየን ንስልጣን ሃገር ዝተቈጻጸረን ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ወዳቢ ናይ’ቲ ለውጢ ከምዝኸውን ብሩህ እዩ። ኢሳያስ፡ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ስልጣናዊ መሳልል ዓባይ ኢትዮ-ኤርትራ ዘንጥርፍዎ ትልምታት’ውን ይህልውዎ። እቲ ባህጊ ከምዘሎዎ ግን ርግጸኛ እዬ። እቲ ጸወታ ገበጣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተጋሩ እንሆ ክጅምር እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ፡ ኢሳያስ፡ ክዕወት’ውን ይኽእል። ብዝወሓደ ክሰርር ይኽእል። ካብ’ቲ ንሱ ዝወደቖ፡ ድሕሪ ደጊም፡ ንላዕሊ ድኣ’ምበር ንታሕቲ ኣይውደቕን። ቀባሪ ደንጕኻ!

ዳንኤል ተስፋይ

21.12.2013

ጀርመን

P/S ርሑስ በዓል ልደት። ርሑስ ሓዲስ ዓመት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • belay nega December 22, 2013

    “እቲ መንግስቲ ካብ ዝመውት ነዊሕ ኴይኑዎ እዩ።”

    ንስኻውን አይተፈለጠካንምበር ካብትመውት 53 ዓመት ጌርካ አለኻ

    • Maekele December 23, 2013

      Eway Bely Nega Mestenkir!!!!

      • belay nega December 24, 2013

        ማእክለ

        ወይልኻ ደአ አብ ናይ ሞት ይግባኝ ትርክብምበር አነስ ዝገብሮ እፊልጥ እየ

        • Maekele December 24, 2013

          ናይ ሞት ይግባኝ?
          Are you kidding?
          I escape death, while you and the likes were playing with the youth.
          Now your deeds are killing you, Go to psychiatric hospital men.

          • belay nega December 25, 2013

            Maekele

            “Are you kidding?
            I escape death, while you and the likes were playing with the youth.”

            Are you loosing common sense? I thought you are better than that.
            ናህሩ ወዲኡ ንዝሞተ ጉዳይ ኤርትራ ጠበቃ ብምኻን ሰብ አይተታልል ማለተይ እዪ
            ኢትዮጵያውያን ክአ ባሕሪ ዝውንን እምበር ጎቦ ዝውንን ክብዶም አይበልዖምን እዩ

    • Abdu December 23, 2013

      I don’t expect any good words to come out from some one like Keara boy . Guys don’t worry from some one like Belay. I don’t blame him; because smell of bones affected his brain cells in Keara seffer.

  • SAVING YOUNG ERITREANS December 22, 2013

    ክቡር ሓው ዳንኤል ተስፋይ፣

    ክብረተይ ወሰን የብሉን፣ለባምን ነቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ ጎኑን ስለ ትርእዮን ዝኾንካ ።ኣነ ግን ብገምጋመይ፣እቲ ዝፈሸለ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዘይኮነስ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ። ምንም እኳ ጭቡጥ መራጋገጺ እንተዘይብለይ ነገራት ብምትሕሓዝን ታሪኽ ብምውካስን___ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሕቶ ኤርትራ ኣሚኑ ኣይፈልጥን፣ንነጻነትን መሰልን ዘይጎደሎ፣ብዕራይ ወለደ ዝኣምን ፣ኣንጻር ጥቕሙን ወለዶኡን ዝቃለስ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኮንዶም ተጠቒሙ ኣጀንድኡ ዘካይድ በሊሕ ሰብ እዩ።ብላዕልን ብታሕትን ፣ነዚ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከውድቕን ሕንፍሽፍሽ ክፈጥርን ሃቂኑ ፣ሽብርተኝነት እስላማውያን ኦሮሞ ከይተረፈ ልኢኹ ፣ነታ ቀደም መለስ ሒዝዋ ዝነበረ ፣ነዛ ሕጂ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኮፍ ኢልዋ ዘሎ ኢትዮጵያዊት መንበሩ ኮፍ ንኽብላ።ኢሳያስ ኩሩዕ ኣቢሲንያዊ እዩ፣ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነጽ ጅቡቲ እውን ሓዊሳ ዓባይ ኢትዮጵያ (እታ ናይ ሓቂ ኢትዮጵያ) ክገዛእ ዝደሊ ብርቱዕ ሰብ እዩ።____ስሑው ህዝቢ ኤርትራ መጣልዒ እዩ ኔሩ።እታ ካርታ ስለ ዘይሰርሔት ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኴንኩም ኢኹም ክትነብሩ ትኽእሉ እምበር ፣ኣይትኽእሉን ኢኹም ይብለና ኣሎ፣ንሕና ውን ብኾቦሮ ዝኣበናዮ ብሕምብጢጥ ተዋሪድና ንቕበሎ ኢና ንመስል ።ኢሳያስ ኢትዮጵያ ሃገሩ ክትፋናጣሕ ኣይደልን እዩ ፣ናይ ወያነ ክልል ኣሳራርሓ መንግስቲ እኳ ቕጭ እናምጽኣሉ።

    ጥዕና ጥራይ

    ዘኽብረካ ሓውካ

  • Meretse Asmelash December 23, 2013

    ሓው ዳኒኤል ይበል ጽሑፍ

    ገለ ካብ ባህርያት ኢሰያስ ፡- “እዚ እቲ ሓደ እዋን ንጸሓይ ብምዕራብ ዘብረቐ ምትሃታዊ ኢሳያስ እዩ።”
    ይግረምካ እዛ ብሂል እዚኣ ‘ውን ናቱ እንተ ትኮውንዶከ ጸሊእካ። ስለ ጸሓይ ምብራቃን ምጥፋኣን ኣተሓሒዙ ምስ ጸላኤ ቃላቱ ብመልክዕ ጽሑፍ ዘንበረ ሃጸይ ቴድሮስ (ብዝብዝ ካሳ) እዩ። ሃጸይ ቴድሮስ ምስ መራሕ ሰራዊት እንግሊዝ፡ ዝነበረ ጀነራል ራበርት ናፒር(1868) ዝተጸሓሓፎ እዩ ኔሩ። ሰራዊት ናፒር ኣብታ ቀዳመይቲ ውግእ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ ጎቦ መቕደላ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ቶድሮስ ብሕርቃን ንጀነራል ናፒር ከምዚ ክብል ጸሓፈሉ፡-
    ዝከበርካ ጀነራል ናፒር ትማሊ ጸሓይ ኣባካ ክትበርቅ ከላ ኣባይ ግን ዓሪባ” ካልእይቲ’ውን ነራታ.. ተመሳሳሊት
    ኢሰያስ ነዛ ቃል እዚኣ ካብ ዘውጸኣላ መዓልቲ ጀሚሩ ዝገርመኒ ነገር እንተደኣ ሃልዩ፡ ምስ ኢትዮጵያ እንዳ ተዋገኤ ናይ ሃጸይ ቴድሮስ ባህርያት፡ ናይ ጸሓይ ምብራቅን ምዕራባን ንምንታይ ክጥቀም መረጹ? ናይ ሃጸይ ቴድሮስ ታሪክ ክሳብ ክንደይ ይግደሰሉ ኔሩ? ከምኡ ተመሳሳሊ ሕቶታት…. ልክዕ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሱ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ከሎ እቲ ሓቂ ክሳብ ክንደየናይ ከይርከብ። ይኩን’ምበር እታ ጉዱ እትቀልዕ መዓልቲ ከኣ ትእቱ ስለዘላ ክንደይ ከይኣርግ …

  • Belay Tewlede December 23, 2013

    Brother daniel, ignore Belay Nega’s dirty Words. He never gives a positive response to anything constructive. I observed that whenever someone Writes something against the dictator, he must Write some insulting and ugly Words. May God save him from his disease!!

    • belay nega December 23, 2013

      ሞኽሲ

      ሕማቅ አጋጣሚ ኮይኑ

      1)መአንገዲት ሀገር
      2)ዓታሪት ጽዋዕ
      3)ሙሉዕ ዓለም ደጋፊአ…….ወዘተ ሀገር ምግጣምና ተወጺዕና ምባል እንታይ ነውሪ አለዎ?

      • Meretse Asmelash December 23, 2013

        At Belay, with all due respect I would like to ask you one question. What exactly is your relationship with “Urchin”?

        • belay nega December 24, 2013

          Dear Meretse

          “What exactly is your relationship with “Urchin”?”

          Unless I got you wrong,my answer is:

          ብዓይኒ ዓለም
          ጉዳይና ገዛ ገዛ ጸወታ
          ንሕና ክአ ክም ህውከተኛ ቆልዓ ክምንረአ ትስሕቶ አይመስለንን

  • luna December 23, 2013

    Daniel: Thanks for such an outstanding write up on current and existing reality of our homeland. Besides, your choice of vocabulary is superb!

    Your message is a reminder and a call for Eritreans to wake up from the heavy slumber we are all in. We, as people have shown indefinite level of tolerance for abuse, living under tyranny for quite a long period. For how long is this to go on!!

    The continued denial of reality is one big weakness or malaise seen clearly among us.
    As usual, playing victim in the face of tragedy, without taking resolve challenging abuse of any kind perpetrated by one of us is baffling! We run away from our problem back home and wherever we go the problem follows us. Because, we have failed to face it.

  • ABA_CHEGORA December 23, 2013

    SELAM DANIEL

    FROM YOUR WRITING I UNDERSTOOD THAT ISAYAS CAN SURVIVE BECOUSE WE IN THE OPPOSITION WERE LATE IN BURYIG HIM. IF THAT THE MESSAGE YOU ATTEMPTED TO CONVEY, I AGREE WITH YOU 100%.

    MEERY X-MAS AND HAPPY 2014

  • rti December 23, 2013

    I have said a while back that belay nega is an arrogant bastard and divisive, foul mouth and no substance in that head of his. It is only amusing to read his remarks, nothing to take seriously.

    • Meretse Asmelash December 23, 2013

      Dear rti,
      Do you mean Belay nega is an urchin ,somewhat like “aradow” in Amharic. I’m sorry to say this guy this like a little street boy who refuses to grow up. Indeed, this guy the best example lol. No time, no good sprit, no good idea,…can change mentality of this guy. But, I still wish him happy holidays.

      • belay nega December 24, 2013

        “ሑኑቅ እንታይ የውጽእ ዓፍራ”

        ዕዋላ ሰብ ኑቡር እዩ
        ዕዋላ ጉዳይ:ፍንፉን: ዓለም ዕዋላ ንኽብሎኳ ግዜ ዘይብሉኽ እንታይ ትገብሮ?

        • Meretse Asmelash December 24, 2013

          As usual, I knew you will come back with one or a couple of phrases? Ato belay, let’s be serious now. I understand something serious is going deep inside your heart. From a distance it looks like you hate the past. But think for a minute, who do you think loves most the past? And, even if our hate rate persists, who on earth do you think can change the past? I wish if it was possible. Then, knowing the fact, the past should never be a burden of our future. And, the best remedy of our wounds is recognition of each other, respect each others view, admire when someone is doing good, criticize openly when someone is at fault, the list goes on…..
          Last but not least, New year is around the corner, and I wanted you to come with a special resolution. A very simple resolution which is primarily good for you as well as to all readers or commentators. Say, “I will be part of the main stream”. I am sure you can do it, and make a difference which is much better than not.
          “Merry Christmas and Happy New Year”
          Hawika, Meretse

          • MightyEmbasoyra December 24, 2013

            Ato Mereste,
            Wise advice, indeed!
            A little thing to say about Ato Belay (from my point of view). He is not like those some “repeaters” who echoes HGDF’s words. I also believe he doesn’t like the isayas govt but he seems to hate (could be as a result of frustration)the opposition. One thing that is missing is though he doesn’t back wedi Vacaro.
            As we all can see, most of his answers are not straightforward – and I believe they are well designed (articulated). We may not like them but we (at least, I) can learn from them. He could be literature expert or a philosopher.
            If I am totally wrong about Ato Belay and he really supports isayas’s administration (if I dare to call it administration or govt), he is a worthy opponent.Just my two cents!
            Happy Holidays!!!

      • belay nega December 24, 2013

        “ሑኑቅ እንታይ የውጽእ ዓፍራ”

        ዕዋላ ሰብ ኑቡር እዩ
        ዕዋላ ጉዳይ:ፍንፉን: ዓለም ዕዋላ ንኽብሎኳ ግዜ ዘይብሉኽ እንታይ ትገብሮ?

  • Hitzit December 23, 2013

    Although a good writer..You employ the ward HIZI. Which is not very common to to the mainstream Eritrean. What do mean by Tegaru Eritrean and Ethiopian?

  • Hitzit December 23, 2013

    Some individual try to creat the sme identity between tigrygna speakers in Eritrea and Ethiopia. Eritreanism is just a natiolism based on the same national feeling toward the State of Erirea. For the arab speaking people in Sudan and Egypt have two different natonal.Feeli.g and Identity.

  • rti December 24, 2013

    Mertse, you said it right! Yes, belay nega is one who never grew up and would not grow up, as treet urchin, as you said it. Notice, I spell his name with lower letters, because he is that samll!

POST A COMMENT