Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀባሪ ዝሰኣነ ሬሳ

ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳ ዝተዘርዉ ወይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ ሬሳታት ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ። እቲ ዘረባ ብዛዕባ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝሞተ እሞ ዝኾነ ዘይሓዘነሉ፡ ዘየልቀሰሉ፡ ዘይገጠመሉ፣ ገና’ውን ቀባሪ ዘይረኸበ በድኒ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። እቲ መንግስቲ ካብ

ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳ ዝተዘርዉ ወይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ ሬሳታት ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ። እቲ ዘረባ ብዛዕባ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝሞተ እሞ ዝኾነ ዘይሓዘነሉ፡ ዘየልቀሰሉ፡ ዘይገጠመሉ፣ ገና’ውን ቀባሪ ዘይረኸበ በድኒ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። እቲ መንግስቲ ካብ ዝመውት ነዊሕ ኴይኑዎ እዩ። ንህዝቡ ክምግብ፡ ማይ ከስቲ፡ ከብርህ፡ ከምህር፡ ከመሓድር፡ ክእመን፡ ከእምን  ዘይከኣለ መንግስቲ ዝሞተ መንግስቲ እዩ። እቲ በድኒ  ቀባሪ ስኢኑ ትሕቲ መሬት ስለዘይገብአ እዩ ገና ህያው ዝመስል። ኣብ ምቕታል’ቲ መንግስቲ ከኣ ዝኾነ ኤርትራዊ ብደም ኣይሕተትን ኣብ ምቕታል’ቲ መንግስቲ ዝደርበያ ዝኾነት ዝነኣሰት እምኒ ስለዘየላ። እወ፡ ህዝቢ ተራጊሙ፡ ተጻሪፉ እዩ እሞ ልሳን ግዲ ኵናት ኴይኑ ቀቲሉዎ ከኣ! ኣነ ግን፡ ንህዝቢ ካብ ደመልሳን ከድሕን፡  እቲ መንግስቲ በልዩ እቲ ቀታል-ኵሉ ጊዜ እዩ ቀቲልዎ በሃሊ እዬ። እቲ መንግስቲ ባህርያዊ ሞት እዩ ሞይቱ። እቲ መንግስቲ ንኽሳዱ ብገዛእ ክልተ ደናቍር ኣእዳዉ ሓኒቑ ነፍሱ ክቐትል ብዙሕ ሻዕ እኳ እንተፈተነ፡ ህዝቢ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ኣይሓገዞን። እቲ መንግስቲ በዚ ጠባይ ናይቲ ህዝቢ ብዙሕ እዩ ዝግረም። … ብዕራቘተይ ኣብ መሬት ተደርብየ በዲነ ክንሰይ’ስ ስለምንታይ እዮም ዘይቐብሩኒ? ንደቆም ኣብ ዓዶም ምቕባር ስለዝኣበኹ ድዮም ሕዚ ንዓይ ምቕባር ኣብዮሙኒ? … እወ፡ ኢድ ሸናሒት ጸናሒት እያ። ወይ’ስ ልቦም ካን ደፊነዮም እዬ ከምዝሞትኩ ገና ኣይፈለጡን? … ላእ! ላእ! ከምዝሞትኩ’ስ ይፈልጡ እዮም። እንተኾነ ቀባሪ ካብ ፈጣሪ ኢሎም  ይኣምኑ  እዮም። ፈጣሪ ክቐትለኒ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ጸኒሖም ሕዚ ከኣ ፈጣሪ ክቐብረኒ ይጽበዩ ኣሎዉ። ህዝቢ ኤርትራ ንፈጣሪ ናብ ብሕታዊ ከዳሚኦም ዝሰርሑ መስደመም ህዝቢ እዮም … እንዳበለ እቲ ሬሳ ከባጩ ሰሚዐ ኣሎኹ። እቲ ባጫ ግን ኣብ ቦትኡ ኣይመስለንን። ህዝቢ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንድ’ዚ ይጸልኦ ክሳብ ኣብ ነፍሰ-ቅትለቱ ክተሓባበሮ ኣይደልን በሃሊ እዬ።

እቲ በድኒ ምጭናዉ ቀጸለ። ጨና’ቲ ሬሳ ንምሉእ’ቲ ዞና በሊኹ ኣህጉራዊ እንዳኾነ ከደ። ኢትዮጵያውያን ኣይጸወሩዎን። እቲ ኢሳያስ ብህያውነቱ ዘየዓወቶ መደብ ሕዚ ብጨናኡ ካብ መላእ ሃገር ክልግሰና እዩ ኢሎም ዝሰግኡ ዕቱባት ፖለቲከኛታት ኣሎዉ። ሱዳናውያን ኣይጸሩዎን። ሶማላውያን ክሽትትቱ ጊዜ የብሎምን። ኪኖ ባሕሪ ዓረብ’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጨና ዝሞቱ መንግስታት ከይኣኽሎ ናይ ኤርትራ ተወሲኹዎ ፈጺሙ ደስ ኣይበሎምን። ውዒሉ ሓዲሩ ንዓለም ብምልእታ ከረኻኽበላ ምዃኑ ዓለም’ውን ዝተረድኣ ይመስል።  ንሕና ኤርትራውያን ግን፡ እቲ ጨና ሬሳ በዚሑና ለሚድናዮ ግዲ፡ ኣሽንኳይዶ’ዶ በድኒ ክጨንወና’ስ ነቲ ምማቱ’ኳ ገና ኣይተገንዘብናዮን። እንተዘይኴይኑ፡ ቀደም በድንና’ንዶ ኣምበይቐበርናን። ንቐብሪ ገና ኣይተቐረብናን። [እቲ ሓያል ተሞኵሮ ቀብሪ ዝነበሮ ወድ ዓድና፡ ጀነራል ውጩ ሓመድ ደባዪ ከኣ ንባዕሉ ተቐቢሩ።]

እቲ ዘገርም ግን እቲ በድኒ  ብዛዕባ ምማቱ ዝፈልጥ ምዃኑ እዩ። እዚ’ኣ ምናልባት ኣታ ቀንዲ ክፍኣቱ እያ። ብዛዕባ ሞቱ ዝነቕሐ በድኒ ከኣ ግድን ክትንስእ ይደሊ። ቀንዲ ድልዬት ንቑሕ በድኒ ዳግመ ህይወት እዩ። ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ካብ ሞት ምትንሳእ ከኣ ብእኡ ኣይተጀመረን።

ሬሳነት ሬሳ ምልላይ ስኢን’ና ኣብ ምቕባሩ ደንጕና። ብዙሕ ደንጕና ክሳብ ዳግመ ህይወት ክሶዅዕ ኢሉ ደልዩ፡ ንዐመር በሺር ሕሹዅ ኢሉ፡ በጃኻ ዕረቐኒ፡ ተሳዒረ እዬ ርእሰይ ክብ ኣቢለ ክወድቕ ሓግዘኒ! ክብረታዊ መምሎቒ ፍጠረለይ ዝለመነ ይመስል። ኣብ ብሕቶም፡ ሕቖይ ሕኸኸኒ ሕቖኻ ክሓከካ ይበሃሃሉ እዮም ሕድሕዶም ጽቡቕ ዝፋለጡ ሰይጣውንቲ።

ኢስያስ ሞይቱ እዩ። ሞቱ ባዕሉ ዝኣወጀ በድኒ። ኵሉ’ቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝወጠኖ ውጥናት ከም ዝፈሸለ ይኣምን። ንኤርትራ ዘፍሸሉ ‘ምኽንያታት’ ተነጊሮም፡ ኣሰልችዮም፡ ታሪኻዊ ሞያኦም ተወዲኡ።  መንግስቲ ኤርትራ እዩ ፈሺሉ። መንግስቲ ኤርትራ እዩ ንኤርትራ ኣፍሺሉዋ። ንመጠረስትኡ ከኣ፡ ኢሳያስ፡   ኤርትራ፡ ብዘይካ ኢትዮጵያ፡ ታሪኻዊ ዕላማኣ ከተዐውት ኣይትኽእልን እያ! ይብል። እዚ እቲ ሓደ እዋን ንጸሓይ ብምዕራብ ዘብረቐ ምትሃታዊ ኢሳያስ እዩ። ሓደ ሰብ፡ ሓደ መንግስቲ፡ ካብ’ዚ ንታሕቲ ክወድቕ ኣይክእልን። ካብ’ዚ ቦታ ውድቀት’ዚ እቲ ሓደ ካልእ ምርጫ ትንሳኤ ጥራሕ’ዩ ።

መን’ዩ ክትንስእ?

ጸረ ዲክታቶርያዊ ሓልታት ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንኵሉ ክጥርንፍ ዝኽእል ዝነበረ ስሙር ግንባር የሎን። ተቓዉሞ፡ ብደረጃ መንግስታዊ ዲምሎማሲ ምስ ካልኦት መንግስታት ዘረኽብ ቅርጻን፡ ትኵርን ምጭውን (charismatic) ፍሉጥን መራሒ የብሉን። ሕመረቱ፡ ብዅሉ ሸነኻቱ ቈንቍኑ፡ ሞይቱ ንባዕሉ በድኒ እዩ። በድኒ ምዃኑ ዘይፈልጥ በድኒ ግን። እንተዘይኴይኑ እቲ በድኒነት መንግስቲ ኤርትራ ምጨነዎ ምቐበሮ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ገዛእ ርእሱ ቀብሪ ይኹን ኣብ ቀብሪ ጸላኢኡ ዘይውዕል በድኒ እዩ። ብዛዕባ ሞቱ ከይነቕሐ ከኣ ደጊሙ ክትንስእ ኣይክእልን።

ኢሳያስ ፈሺልና ኢሉ። ብዘይካ ሰላምን ምትሕግጋዝን ጎረባብቲ ሃገራት እታ ሃገር ደጊማ ክት’ትንስእ ከምዘጸግማ እውን ወሲኹ።  እዚ ኵሉ ሓቂ እዩ። ዝኾነት ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ እታ ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝሰርሓ ፖለቲካዊት፡ ማሕበራዊት፡ ምጣነሃብታዊት፡ መንፈሳዊት ኤርትራ፡ ብዘይካ ፍጹም ሰላማዊን ናይ ሓባር ረብሓዊን ዝምድና ጎረባብትን ዓለምን ንበይና ክት’ትስእን ክትነብርን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።  ከም’ዚ እንክብል፡ ኢሳያስ፡ ጭብጥታት ኣሎዎ። ባዕሉ ዝሰርሖም ጭብጥታት። ኤርትራ ሓጠቕ ኢላ። ዓንያ።  ህዝባ ተበቲኑ። ተዓሚጹ። ሕዚ፡ ኤርትራ፡ ኣፍንጫኣ ኮሪፋ ንሰላም ቅርብቲ ኣላ። ኤርትራ፡ ብወትሃደራዊ ሸነኽ ንዝኾነ ሓደጋ ኣብዘይትኾነሉ ኵነታት ኣትያ እያ። ኢሳያስ ከኣ ነዚ ስዕረት’ዚ ናብ ጥቕሙ ክልውጦ ድሮ ይእድም ኣሎ። ዕላማኡ፡ ንላዕሊ ገጹ ክወድቕ!

ኣብ ምዕራብ’ውን እቲ ሰብኣይ ዝተናስሐ ይመስል ድሮ ክድንገጸሉ ይጅምር ኣሎ። ኒሑ ተቐቲላ ተማሂሩ እዩ’ሞ ሕዚ’ስ ቁሩብ ነማምቆ፡ ካብ’ቲ ቁሪ ንቤት ነእትዎ፡ ድሮ ተባሂሉሉ። ገለ መሓሸሺ ገንዘብ ክድርበየሉ ኢዩ። ክመዓድ እዩ። ርእስኻ ከየድነንካ እትወድቀሉ መገዲ ከነናዲ ኢና፡ ክበሃሎ እዩ።

እታ ሓንቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኢሳያስ ፈለማ ተገድሶ ከመይ ገቢሩ ደጊሙ ትንፋስ ይመልስ እያ። ኣብ’ዛ እዋን እዚኣ ከም ኢሳያስ ገቢሩ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ዓለም ደጊሙ ክርአ ዝህንጠ መራሒ ኣይነብርን። ባህርያዊ  ህንጢት ምዉት። ህይወት ምስ ዘርአ ግን፡ ኢሳያስ ‘ሸሽጣራና የዋጽኣና’ እዩ። እንተ ሓንኪሱ፡ እንተ ለስሊሱ፡ ኢስሳያስ፡ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ  ትጉህን ምእዙዝን ኣገልጋሊ ምዕራብ ክኸውን ቁሩብ ኣሎ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸብ እዩ። ድሮ’ውን ተራኺቡ ይኸውን። ርክቡ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን ኢሎም ዝሓምዩ’ውን ኣሎዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ክራኸቦ እዩ። እቲ ሕቶ ዶብ’ውን ተፈታሒ ገድል እዩ።

እቲ ንነፍሱ ከም ዲሞክራስያን ምዕቡልን ዝተወስዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ’ቲ ፍጹም ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ይላዘብ! እዚ ጥልመት’ዚ ንጥቕሚ ምዕብልና ዲሞክራስያዊ መስርሕ ክልቲኡ ሃገራት ኣይኮነን! ብቐደሙ ኢትዮጵያ ናይ ርእሳ ጥቕሚ ጥራሕ’ዩ ዝግድሳ! ኢሉ ዘእዊ  ተቓውሞ ኣይሰኣንን። ሞራላዊ ኣውያት! (እሞ ናይ መን ጥቕሚ ድኣ ከተቐድም!?) ገለ ከኣ ምናልባት ነቲ ፕሮጀክት ይጽንበሩዎ።  ሓደ ርጉጽ ነገር ግን፡ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነት ካልእ ልዕልቲ ሃገር ዲፕሎማስያዊ ርክብን ስምምዓትን ከተካይድ ትኽእል እያ። እዚ ልዑልነታዊ መሰላ እዩ። ድሓር ከኣ ንውሽጣዊ ሽግርና ብብሕታዊ ጽዓትና ኢልና ፈኪርና እንዲና! መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ምስ ተቛውሞ ስደት ተዃሽሙ እዩ። እቲ ዝኣረገ ተልሜደናዊ ተቛዉሞ ግን ኣብ ሓደ ጠማሪ ሸቶን ሞለቲካዊ ሜላን ውድብን ተዋሂዱ፡ ንመንግስቲ ኣውዲቑ ክትክእ ንስለምኽኣሉ ኣየመስከረን። ንተቓዉሞ-ብዘይካ-ዓወት ከም ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ዝወሰደ ቕሱን ተቓዉሞ።

ኣብ ሞንጎኡ፡ ኢሳያስ፡ ነቶም መንገዱ ይቕይር ኣሎ ዘብልዎ ‘ዲሞክራስያዊ’ ለውጥታት ከተኣታቱ ክጅምር እዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎና ፖለቲካዊ ግድላት ተፈቲሖም እዮም ሕዚ ነቲ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ካብ’ቲ ዝተቛረጾ ንቐጽሎ ክብል ይኽእል። ክሳብ’ውን ንተቛወምቲ ሓይልታት ንዓዲ ኣትዮም ኣብ መስርሕ’ቲ ለወጢ ክሳተፉ ክዕድም ይኽእል። ነዚ ቅሩባት ድዮም? እቲ ሓደ ዝዓበየን ንስልጣን ሃገር ዝተቈጻጸረን ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ወዳቢ ናይ’ቲ ለውጢ ከምዝኸውን ብሩህ እዩ። ኢሳያስ፡ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ስልጣናዊ መሳልል ዓባይ ኢትዮ-ኤርትራ ዘንጥርፍዎ ትልምታት’ውን ይህልውዎ። እቲ ባህጊ ከምዘሎዎ ግን ርግጸኛ እዬ። እቲ ጸወታ ገበጣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተጋሩ እንሆ ክጅምር እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ፡ ኢሳያስ፡ ክዕወት’ውን ይኽእል። ብዝወሓደ ክሰርር ይኽእል። ካብ’ቲ ንሱ ዝወደቖ፡ ድሕሪ ደጊም፡ ንላዕሊ ድኣ’ምበር ንታሕቲ ኣይውደቕን። ቀባሪ ደንጕኻ!

ዳንኤል ተስፋይ

21.12.2013

ጀርመን

P/S ርሑስ በዓል ልደት። ርሑስ ሓዲስ ዓመት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Dawit December 24, 2013

    Hitzit – go to ሰራየ please to get ‘ሕዚ’ just like in Axum/Adwa rather than ‘ሕጂ’ spoken in Hamassien and parts of Shire. Also go to ኣኮሎ ጉዛይ and ሰራየ to get ‘ብዘይካ’ just like in northern Tigray awarajas rather than ብጀካ. Let’s not deny the common ground with Tigray though following Menelik and Italy made borders, two nations have emerged. Let’s not focus on dialect and rather on substance.

    • luna December 28, 2013

      Dawit: Yes, you are right! Let us not digress from the main topic which is being discussed by injecting ideas with little relevance to the topic under discussion. Dialectical variations are common in some other countries too. So, what is the big deal?

  • belay nega December 25, 2013

    Dear Mighty and Meretse

    አብ መአከብ ቀልቀል ክትሕንብስ ዊዒልካ ምስ ጹሪያት ክሳብ ዘይተሓወስካ ሽታኻ አይርዳአካን እዩ
    ኤርትራውያን ክአ ኢድ ምውጥዋጥ ገዲፍና ንጉዳይና ብዓይኒ ዓለም እንርኤሉ ሰዓት ዝአኸለ ይመስለኒ

    Otherwise intending to change the name of:
    -the president
    -prison
    -prisoners……etc like some of the day dreamers, so called opposition do, is not acceptable.

    Marry X Mas to all of us

    • Meretse Asmelash December 26, 2013

      Ato belay, thank you for responding and thank you for your holiday best wishes.
      Now here are a few answers to your metaphoric comments.
      A. Your first statement is true. I could not say it better.
      B. Your second statement seems going too far, or for that matter beyond the borders; it seems you have Che Guv-era’s vision from the sixties. Based on that belief you are trying to tell that the world is flat and is no longer round. Some call it Globalization, but again it depends which topic we are talking about.
      C.You said, changing the current president alone will not solve the problem. True. But who said that? Remember we are advocating for a fundamental change not for the so called Tsigena/Reconstruction.
      D.Your last statement says: Whether we like it or not each of us are living in a prison cell. The ironic here is you seem to believe that the prison cell that we living in was made by us and solely for us; and unless we break the cell and freed ourselves nothing will change. This statement is also right, but only if we are talking about the same egg shell or topic ( you called it prison cell)
      You are welcome to correct my analysis.
      Hawka
      Meretse

  • FILMON September 7, 2014

    EZI TSEHUF WALA ETI AEBEU ZELO TIGRIGNA NAXY ERITRA AEYKONEN

POST A COMMENT