Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዑዲ ዓረብያ – ድያብሎሳዊ መንግስቲ

እዚ ሕጂ ንስዑዲ ዓረብያ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እንግሊዛዊ ሃጸይነት ንረብሓኡ ዘቖሞ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ’ከአ ብግዙፍ ለግስታት ወትሃደራዊ ዕጥቅን  ጸጥታዊ ሓለዋን ኣውሮጳን (ብፍላይ መንግስቲ ጀርመንን እንግሊዝን) ሕ.መ.ኣ.ን ዝነብር ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ መንግስታት ዓለም እዩ። 

እዚ ሕጂ ንስዑዲ ዓረብያ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እንግሊዛዊ ሃጸይነት ንረብሓኡ ዘቖሞ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ’ከአ ብግዙፍ ለግስታት ወትሃደራዊ ዕጥቅን  ጸጥታዊ ሓለዋን ኣውሮጳን (ብፍላይ መንግስቲ ጀርመንን እንግሊዝን) ሕ.መ.ኣ.ን ዝነብር ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ መንግስታት ዓለም እዩ።  መንግስቲ ኣሜሪካ ንነፍሱ ከም ሓላዊ ሰላምን ዲሞክራስያን ኣብ ዓለም ክሸይጥ ይፍትን እዩ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። እቶም ካብ 6000 ዘይበዝሑ ንምሉእ ምጣነሃብትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ዓለም ዝቈጻጸሩ ሰራሕትን ፈንጣሕትን ንግስነታት ዓለም፡ ብዘይካ ብሕታዊ ረብሓታቶም ሰላምን ዲሞክራስያውን ፍትሕን ዓለም ፈጺሙ ኣይግድሶምን። ንጥቕሞም ዝሰርሕ ሰላምን ዲሞክራስን ግን ይሃንጹ። ንውግእ ሰላም፡ ንዲክታቶርነት ከኣ ዲሞክራስያዊ ኢሎም ክገልጹን ከእምኑን ድማ ኣኽእሎ ኣሎዎም። ንግስነት ስዑዲ ዓረብያ ውጽኢትን ኣገልጋልን ናይ’ዚ ሚስጢራዊ ስልጣን ዓለም እዩ።

ስዑዲ ዓረብያ ሓንቲ ካብ’ተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም እያ። እንተኾነ እቲ ምሉእ ሃብቲ ሃገርን ዘሰንዮ ፖለቲካዊ ስልጣንን ብካብ 600 ዘይበዝሑ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝተገበተ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ከኣ ካብ ምጽወታ’ቲ መንግስቲ ይነብር። እቲ መንግስቲ ብናይ ስልጣን ዓምጣርነቱን ጭከና ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ደቂ ሃገርን ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ዲክታቶራት ዓለም እዩ።  ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደለይቲ ለውጢ ደቂ ሃገር ብምክፋእ መንግስትን፡ ሽበራነትን- ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ናይ ሓሶት ቤት ፍርዲ- እንዳተኸሱ ኣብ ጨካን ቤት ማእሰርትታት ጠፊኦምን ሓሊቖምን እዮም።  ግፋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ። ኣብ’ታ ሃገር ቕንጣብ እኳ ዲሞክራስያውነት የላን። እንተኾነ እቲ መንግስቲ እቲ እቲ ዝተኸብረን ዝተኣምነን መሓዛ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ’ቲ ዞና እዩ። እዝ’ስ ከመይ? ኣሜሪካን ኣውሮጳን ነቲ ምሉእ ኢፍትሓውን ኢዲሞክራስያን ኣካይዳ መንግስቲ ዓረብ ግርም ይፈልጥኦ እየን እንተኾነ ኣንጻር’ዚ ሓንቲ ቃል’ኳ በጨቕ ኢላተን ኣይትፈልጥን። (እዚ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ ንዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘነድሮ ነጥቢ እዩ። ዓቢዪ ሓወይ ኢሳያስ ተሕዝነኒ ኣብ ሓንቲ’ኳ ዝውሰድ ዘይብላ ድኻ ዓዲ ነጊስካ እምበር ገለ ስትራተጅያዊ ማዕድናት ከም ፐትሮል፡ ኡራንዩም እንተዝነብረናስ ንኸማኻ ዝኣመሰለ ዲክታቶር ከመይ’ከ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣሚቘን ምሓቖፋኻ! ምሰዓማኻ! ዕድልና ከፊኡ ወይ ጸቢቑ ግን ኦዞም ማዕናት እዚኣቶም የብልናን።)

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ’ኳ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ሰብኣዊ መሰላት ዘብጽሐ ድያብሎሳዊ መንግስቲ ስዑድያ፡ ሰብኣዊ መሰላት ወጻእተኛዊ ሰራሕተኛታት ድኣ ከመይ ዘይሕምትል! ምስ’ቲ ኵሉ እትዋታ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ህዝቢ ስዑድያ ኣብ ሓማቕ ምጣነሃብታዊ ኵነታት ይርከብ። እቲ ህዝቢ ኣብ ማእቶታዊ ስራሓት ተሳቲፉ ኣይፈልጥን። እቲ መንግስቲ ንእትዋት ፐትሮል ዝትክኡ ካሎኦት ምርጫታት ምጣኔሃብታዊ እትዋት ኣየማዕበለን። ክትዛረበሎም ኣትኽእል ነቲ እንኮኣዊ  ምጣነሃብቲ ሃገር  ክሕግዙ ዝኽእሉ እትዋታዊ ፋብሪካታትን ሕርሻታትን ኣየማዕበለን። እቲ ምሉእ ሃገር ብወጻእተኛታት እዩ ተሃኒጹ። እቲ ወዲ ሃገር ምጽዋት እንዳተደርበየሉ ሰሪሑ ክነብር ኣይተማህረን በዓል ክልተ ጸጋማዊ ኢድ እዩ። ናይ ቤት ስራሕ’ውን እንተኾነ ብሕሱር ስራሕ ወጻእተኛታት እዩ ክስራሕ ጸኒሑ ቅጫ ሰንኪታ ክትበልዕ እትኽእል ስዑድያዊት ሰበይቲ ዘላ ኣይመስለንን። ብዙሓት መንእሰያት ግን ተማሂሮም እንተኾነ ዝሰርሕዎ ስራሕ የሎን። ስእነተ ስራሕ ኣብ መንእሰያት ስዑድያ ሓደ ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ኣዩ። ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምእላይ፡ ነቲ ጌጋ መንግስቲ ናብ ካልኦት ንምድርባይ፡ መንግስቲ ስዑድያ ሓዲስ ሕገ ስራሕ ኣውጺኡ። ግርም። እዚ ግን ነቲ መሰረታዊ ሽግር ኣይክፈትሖን እዩ። ኣየነይቲ ጓል ስዑድያ እያ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዳ ቸመንቶ ክትፍሕፍሕ? ኣየናይ ስዑድያዊ መንእሰይ እዩ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዱ ሞታንታታት ክሓጽብ?

እቲ ብዱዕን ምስሉይን መንግስቲ ስዑድያ ብዱዓትን ምስሉያትን ተጸወርቲ ህዝቢ እዩ ሰሪሑ። እታ ኣብ ልዕሊ ሬሳ እቲ ዝተቐትለ ኢትዮጵያዊ ቈይማ ኣል ከልብ ማት! – እቲ ከልቢ ሞይቱ! ኢላ ዝተሓጎሰት ሰበይቲ ተደንግጽ። እቲ ዝሞተ ንሳ ምዃና ኣይፈለጠትን። እቲ ሓፋሽ ስዑድያዊ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ወጻእተኛ- ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዘሎዎ ኣሉታዊ፡ ኣስተናዓቒ ርእይቶ ዘንገብግብ እዩ። ኣብ ስዑድያ ቀታሊኦም ዘይፍለጥ ዝቕተሉ ወጻእተኛታት፣ ተዓሚጸን ተቐቲለን ኣብ ፈቐድኡ ዝድርበያ ደቂ ኣንስትዮ ቍጽሪ የብሉን። ሓደ’ኳ ካብ’ቲ መንግስታዊ ትካላት ብዛዕባ ቅትለትን ማህረምትን ወጻእተኛታት ዝግድሶ የሎን። ሓደ ስዑድያዊ ልዑል ንንግዳዊ መሻርኽቱ ፓኪስታናዊ ብህይወቱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ቀቲልዎ። መንግስቲ ነቲ ተቐታሊ በገንዘብ ኣሕዊዪዎ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ተሪፉ። ካልእ ልዑል ኣብ ስቪጰራ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ንሓንቲ ሰበይቲ ቀቲሉ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይበጽሐ ብገንዘብ ደቂሱ። ገንዘብ ርግጽ ይገዝእ!

እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ህዝቡ ዘርኣዮ ተሪር ተቓውሞ ዝነኣድ እዩ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ ዝከላኸለሉ መንግስትን ዝምለሰሉ ሃገርን ስለዘሎዎ እቐንእ። ህዝቢ ድማ ተቛዉሞ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ስዑድያ ከርኢ ኣሎዎ። ኣብ ስዑድያ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይገዝእ ከምዘሎን፡ እንታይ ዓይነት ኣረሜናዊ ህዝቢ ከኣ ከምዝሰርሐን ዓለም ክትፈልጥ ይግባኣ። ኣብ ሃገረ ነቢዪ መሓመድ- እቲ ሰላምን ትዕግስትን ምጽውዋርን ዘምሃረ ነቢዪ፣ ብሓለውቲ እምነቱ ኢና በሃልቲ ምስሉያት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ግፍዕን ቅጥለትን ድኻን ስዱድን ክፍጸም ዝኾነ ኣማኒ ክቃወሞ ይግባእ። እቲ ካብ ኵሉ ዘደንግጽ እቲ ወርትግ ኣብ ሞንጎ ሰይጣንን ባሕርን ዝተቐርቀረ ኤርትራዊ እዩ። ዝጣበቐሉ መንግስቲ የብሉን። ናብ ዝምለሶ ሃገር ድማ የብሉን። ኣሎሄ፡ ኣሎሄ ለማ ሰባቕታኒ!? 

ዳንኤል ተስፋይ

16.11.2013

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
59 COMMENTS
  • Netsanet November 16, 2013

    Why are you of guys contending on the content of this article? This is not about Saudi or the kingdom.This is a sheer face of Islam.Islam is a barbaric,demonic and satarical religion ever by which the last 1500 years were its purest witnesses. Islam is the problem,period! Watch at what is cruel happenings in the middle eastern countries.We are witnessing the true face of Islam.

    • Kombishtato November 16, 2013

      Netsanet,
      It is your understanding. The author of the article did mention any religion. He wrote about the current situation in Saudi Arabia with regard to the exploited and discriminated migrant workers in the land. Is religion or its deviant interpretation part of the issue? Possible or possibly not, because we will need longer analysis. There are people who mention, as evidence, many failed nations and near failed nations who happen to be predominantly Muslim nations. But this is not enough evidence because there are many factors. However, any nation or political structure that can not see the separation of religion and the state is bound to fail, eg Taliban in Afghanistan, al Shabab in Somalia, Islamic brotherhood in Egypt, the conglomeration of Jihadists in Syria and Iraq …

      • Kombishtato November 17, 2013

        Please read: The author of the article did not mention any religion.

    • idris awate November 17, 2013

      ንስኺ ሓንቲ ጦንቋሊት ኢኺ ትኾኒ እምበር ሓደ ብጉቡእ ሃይማኖቱ ዘኽብርን ዝፈልጥን ናይ ካሎኦት እምነት ኣይዘልፍን እዩ ምናልባት ንስኺ ካብቶም ውሑዳት ኣብ ክሳዶም ማዕተብ ተኣሰሩ ዝጸደቑ ዝመስሎም ባሃም ኢኺ

  • Kombishtato November 16, 2013

    ዝኸበርካ መረጸ፣
    እተን ሕልፍሕልፍ ኢልካ እትጽሕፈን መልስታት አምብበን እየ። ኣዋድቓ ቃላትካ ዕምቆት ሓሳባትካ ኣዝዩ ዝድነቕ እዩ። ሓደ ሓደ እዋንሲ ብዝመረጽካዮ ኣርእስቲ እንተ ትትይብ፣ ከመይ፣ ኣነን ከምዚ ኸማይን ክንደይ ምተምሃርና።
    ኣቶ ዳኒኤል ኣዝዩ ብቋንቋ ስነልቦና ታሪኽን ፍልስፍናን ዝበሰለ ናይ ዘመንና ኣገዳሲ ሰብ እዩ። ኣሰራርዓ ኣመራርጻ ቃላቱ፣ ናይ ቋንቋ ግእዝ ርድኢት ዘለዎ ይመስለኒ። ካብዚ ዝተበገሰ ይመስለኒ ኣብ ክንዲ ዘይ ብዙሕ ግዜ ኢ ይጥቀም፤ ንኣብነት ”ኢፍትሓውን ኢዲሞክራስያን” ።

    • Meretse Asmelash November 17, 2013

      ዝከበርካ/ኪ ኮሚሽታቶ፡

      መጀመርያ ስለ’ቲ ሓደ-ሓደ ግዜ ዝጽሕፎ ጽሑፋት ተካታቲልካ/ኪ ምንባብካ/ኪ የመስግን።
      ቀጺለ እዛ “ኢ” ትብል ፊደል ድሕሪኣ ንዝመጽእ ከም ኣፍራሲት ቅድመ ጥብቖ (prefix) ብዙሓት ጸሓፍቲ ክጥቀሙላ ሪኤ ኣሎኹ። ኹሉ ግዜ ከኣ ይግረመላ ብምንባረይ እየ ንኣቶ ዳኒኤል ወይ ዝኮነ ኣንባቢ ዝሓተትኩ።
      ብዝረከብኩዎ ምላሽ ከኣ ዕጉብ እየ።
      ክሰግሮ ዘይደሊ ነጥቢ እንተሃልዩ ፣ ንባዕሉ እቲ ናይ ሪእቶ ኣወሃህባ ወይ’ን ኣገባብ ጽሑፍ እሩም ብምዃኑ ንክንበብ ዝዕድም እዩ። የቀንየለይ!

  • luna November 16, 2013

    Daniel Tesfai:
    Thanks for the perspective you give your readers. I wish we had more like you who can contribute to the wealth of information available for readers. I look forward to seeing more of your writing.

  • yuni November 17, 2013

    why guys run your business forget about the kingdom those lives illegal in that country the kingdom has right to put order in their country think and talk about failed state and homeless and countryless people ever existed in human history Eritrea and its people talk and think about these disaster emerged in 1991 forget the kingdom Islam

  • hit pfdj November 17, 2013

    ኩሉ ሰብ አብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ዝከእል ነሩ እንተዝክውን እኮ እዚ ሺግራት አይምሃለወን። ስለዚ ክምቲ ምዕራባውያን አብ ሃገሮም እቲ ደሞከራሲ ዝደልይዎ ንህና ውን ንድለዮሞ አፍደገ ገዛኻ ክየስረኻ ብዛባ አፍደገ ካልኦት ምዝራብ ክይክውን።

  • Mesinas November 17, 2013

    ርእይቶ፥

    ክቡር ሓው ዳኒኤል፡ ብመጀመርያ ስለ’ቲ ኣያ ይኹን መንግስቲ ዘይብሉ ውጹዕ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከም ሓውን ሓላይ ህዝብን መጠን ኣቤት! ምባልካ ዜግነታዊ ግቡእካ ስለ ዝገበርካ ከመስግነካ እደሊ። እንተኾነ ክልተ ነገራት ክላበወካ እፈቱ፥ 1ይ ከምቲ ኣቐዲመውን ንሓው ታደሰ ኪዳነ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ኤትራውያን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ ኣመልኪተ ዝሃብኩዎ ዓለቕ (ርእይቶ) እየ ደጊመ ንኣካውን ክላወበካ። መጀመርያ ንዝኾነ በዳሊ ሓይሊ ክንነቅፍ ከለና፡ ነቐፌታና ነቲ በዳሊ ኣካል ዝምዕድን ዝምሕጸንን፡ ነቲ ተበዳሊ ኣካል ድማ ቀስ ኢሉ መፍትሒ ሽግሩ ንኽሓስብ ዘህድእ ክኸውን ኣለዎ በሃላይ ኣየ። ገበናትን ባህርያትን ዓማጺ ሓይሊ ጥራይ ገሊጽካ ብምዝላፍካ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ዓይነት ርእይቶን ምጉትን ከኣ ኣብቲ እትውንኖን ዝብጸሓካን ሃገርካ ጥራይ ኢኻ ክትገብሮ ዝግብኣካ። ምኽንያቱ፡ ሰማዒ እንተ ሰኣንካሉ ሓይሊ ንኽትጥቀምውን መስልን ዕድልን ስለ ዘሎካ።

    ነቲ ገሊጽካዮ ዘለኻ ናይ ሱዕዳውያን ባህርያት ኣነውን እሰማማዓሉ’የ። ኣብዛ ሕጂ ዝወስዱዋ ዘለዉ ስጉምቲ ግን ብኸምዚ ክንቀፉ ኣይግብኦምን’ዩ ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ ቅድሚ ምውሳዶም ብውሕዱ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ነቲ ጉዳይ እቶም ግዳያት ባዕላቶም ንኽፈትሑዎ ዕድል ከም ዝሃቡን ንጸጥታዊ ድሕነትን ግቡእ ናይ ተጎ (ግብሪ) ኣከፋፍላ ንምቁጽጻርን ኢሎም ዝወሰዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ምዃኑ መጀመርያ ክትጠቅስ ኔሩካ በሃላይ እየ። እዚ ኣገባብ ኣነቓቕፋ’ዚ ኸኣ ዋላ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘሎ ን23 ዓመታት መኺርናን ተዛሪብናን ዘይሰማዓና ጋኔን ተጠቒምናሉ ኢና። ናብ ምውጋዝን ምዝላፍን ዝኣተናውን ሰማዒ ኣዝኒ ስለ ዝሰኣንና ኢና። እወ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ድያብሎስውን ብልኡም ቃላት፡ ማለት ነቲ ናቱ ጽቡቕ ነገር እናጠቐስና ክንእርሞ ፈቲንና ኢና። መላኺ ደኣ ጽቡቕ ነገር የብሉን’ምበር! ምኽንያቱ፡ እተን ደገፍቱ ጌሩወን ዝብሉወን ጽቡቓት ነገራት ማለት፥ ህንጻታት ቤት ምህርትን ሕክምናን ምህናጽ፣ ዲጋታት ምስራሕ፣ ዒላታት ምኹዓትንውን ብሓልዮት ህዝቢ ዘይኮነስ ጉልባብ ንእከይ ተግባራቱን መደባቱን ስለ ዝኾና። ከም ጽቡቕ ስለ ዘይሕሰባ ከም ጽቡቕ ግብሪ ዝጥቀሳ ኣይኮናን።

    እቲ ካልኣይ ዓለቐይ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጽሑፍካ ተጠቒምካሉ ዘሎኻ ቃላት፡ ኣደ ቋንቋታት ኤርትራ፡ ቋንቋ ግእዝ’ዩ። ኣብዚ ልዑል ኣድንቖትን ምስጋናን ኣሎኒ። ንኹሉ ንጹር ንኽኸውን ግን ትርጉሙ ብትግርኛ ኣብ ድሕሪኡ እንተ ትገብረሉ ንሕናውን ተማሂርናን ፈሊጥናን ናይ ቋንቋ ጽምኣትናን ድኽነትናን ኣርዊና፡ ሓሳባትና ብቐሊሉ ከይተሸገርና ንምግላጽ ምተጠቐምናሉ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። የቐንየለይ።

    ካብ ሓውኻ መሲናስ 17/11/2013

  • asama November 17, 2013

    Daniel Tesfay, it i generally a well written article, but you have wrong information about the false messenger Muhammad of Saudi Arabia. You need to do more study about Islam. Why are you misinforming the public that Muhammad taught human rights and love? Muhammad started political ideology and satanic cult masquerading as religion of God. Moreover, Muhammad was a narcissist, a pedophile, a mass murderer,
    a terrorist, a misogynist, a lecher, a cult leader, a madman
    a rapist, a torturer, an assassin and a looter. Please study in details his religion and his biography before you write all that political correctness nonsense.
    http://www.islamlies.com/ http://www.answeringmuslims.com/ http://www.answering-islam.org/ http://www.thereligionofpeace.com/Pages/Myths-of-Islam.htm http://www.barenakedislam.com/ http://www.faithfreedom.org/ http://alisina.org/
    http://www.answeringmuslims.com/2013/10/was-muhammad-pedophile.html

    • Negash November 17, 2013

      Asama, we Moslems are proud of our prophet and religion. It is enough that it is the most fast expanding religion in the world and many non moslems espcially in western world are converting to Islam, because they have come to know the realities. Mohamed taught the uniqueness of God as the only creator of this universe. We never associate God with human being. Islam forbids to worship other than one God. We consider both Mohamed, Jesus the Son of Marry, Moses, Abraham as the messengers of God and all were teaching the same message of Allah though many moslems or chrstains still are doing against the the teachings of these prophets. In this case, we should not blame the religion or the prophets.
      Asama, because you lack the knowledge of the true religion, which Islam, we can not take what you have said into consideration because you are ignorant who has never read any book.

      • i and i November 17, 2013

        why don’t you show us for once if Islam is love and peace, we always see killing, rap and anti-god from Islam so show us for once love.

        • ahmed saleh November 18, 2013

          AROGANCE IS A DESEASE . Those who try to spill their venom of hate are not different from their counterparts .
          ASSENNA is ERITREAN forum and Eritrean Moslems are proud peaceful people . Using pen names to create hatred
          shouldn’t be tolerated but some people with agenda are exploiting this unrestricted forum .

  • dafla November 17, 2013

    Dear all,

    In all community, in all religion there are people who do good things and respect humanity and others who do bad things like (Issaise, Mamer Kazafi, and Hitler and others). So, in order to judge any religion, we must read the authentic source( Qur’an and Bible).

    In conclusion what I need to say is We all are Eritreans and we must live together in peace and if not we will not create any nation.Those who always need to focus on things that will not make us proud Eritreans , 100% they have problem.

  • ኤርታዊ ዜጋ November 17, 2013

    ኣቶ ዳኒኤል ኣብ ጽሑፉ ይኹን ኣወዳድቓ ቃላቱን ሓላፍነታዉን ስነምግባርን ዘለዎ ጽሑፍ እዩ ጽሒፉ። እንተ እቶም ኣዋዳድቓ ቃላቶም ዘይፈልጡ በዓል ኣቶ asama ግን ብሰንኪ ፖሊሲ ናይ ሓደ ስርዓት: ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እምነት ከወንጅሉን ከጠቕኑን ምርኣይ ግን፥ ምንጩ ካብቲ ሕሙምን ጸቢብን ኣእምሮኦምን ዝነቐለ እዩ። ሃይማኖት ምስ ስርዓታት ዝምድና እንተ ዝህልዎ ኔሩ። እምነት ናይ ክርስትና ካብ ገበን መን ነጻ ምስ ገበሮ። ብዙሕ ከይረሓቕና ናይ ትማሊ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ኣብነት ክህብ። ኣብ ግዜ ስርዓት ሃይሌስላሲ፥ ናቶም መዕተብን መስቐልን ዘይገበሩ ኤርትራውያን ኣሓዋቶም ”ሃሌሉያ” ኢሎም ዘጥፍኡ ዝነበሩ ደቂ ኣመንቲ ሃይመንቶም ኦርቶዶክስ ህያው ኣብነት እዩ። ግን ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ፖሎቲካን ዘሎ ፍልልይ ምርኣይን ምስትውዓን ኣጋዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ።ካብ ጸቢብን ጭንቐት ዝተሓወሶን ከምኡውን ካብ ስምዒት ርሒቅካ ምዝራብ ሓደ ምሁርን ለባምን ሰብ ዝመልኮ ጥራይ እዩ። መን ይፈልጥ በዓል ኣቶ asama ኣቦኡ ወይ ድማን ኣቦ ሓጎኡ ሓደ ካብ ኣባላት ኮማንዶስ ኮይኑ ነቶም ቆልዑን ኣንስትን ኣጽኒቱ ወርቕን ንብረትን ዝዘርፍ ዝነበረ ክኸዉን ይኽእል።

  • idris awate November 17, 2013

    ኣብቲ ሕጊ እታ ሃገር ዘይፍቀድ ሓበሻ ኢትዮጵያውያን ዘካይድዎ ናይ መስተ ሓሽሽ ከሙኡውን ምንዝርና ንግዲ ቅቡል ኣይኮነን ብባሕሪ ዚኣተዉ ክንደይ ሰብ ሓሪዶም እዮም ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ሓበሻ ንሓንቲ ስዑዳዊት ህጻን ብኻራ ክትሓርዳ ከላ ዝተዛረበ ኣይነበረን እዞም ሰባት ዓዶም እዩ ወረቀት እንድሕር ኣለካ ትነብር ብዘይጸገም ከምቲ ንሕና ኤርትራውያን ቀንጠብጠብ ስለዘይንብል ብሰላም ሕጊ ኣማሊእና ብሰላም ንነብርን ስድራና ንሕግዝን ዘለና ማለት እዩ

    • Paradiso November 17, 2013

      Idris awate writes,
      “ንሕና ኤርትራውያን ቀንጠብጠብ ስለዘይንብል ብሰላም ሕጊ ኣማሊእና ብሰላም ንነብርን ስድራና ንሕግዝን ዘለና ማለት እዩ”

      ሓቁ ደኣ ተዛረብ። እዞም ኩሎም ኤርትራውያን ካብ ስዑድያ ወረቐት የብልኩምን ኢሎም ዝጥረዙ ንምንታይ ድዩ፧ እዘን ኩለን ኣሕዋትካ ሰብይትኻ ደቕኻ ዓረብ ኣብ ሊብያ ግብጺ ሲናይ ሱዳን የመን፣ ንባርነት ሸይጦም ዝጋሰሰወን ዘለዉ፤ ኩሊቶም ዝሰርቍዎም ዘለዉ፤ ወረቐት ዘይብሎም ኮይኑ ድዩ፧
      ኣይኮነን ዘራይ መንግስቲ፣ ዝማጎተሎም ህዝቢ ስለዝሰኣኑ እምበር።
      ኣዋልድን ኣወዳትን ኤርትራውያን ንባርነት ጨናዊ ዓረብ ክሽየጡ እንከለዉ ደው ዝበለሎም ኤርትራዊ ዶ ኣሎ እዩ፧ ኤርትራ ኣኳ ናብ እንዳ ፈረሃት ጃጀውቲ ባራዩ ዓረብ ካብ ዝቕየሩ ውሑድ ኣይገበረን።
      ብጀካ በዓል ሜሮን፣ ኣማኑኤል፣ ኣልጋነሽ፣ ኤረና፣ ኤልሳ፣ የዕብዮ፣ ኣባ ሙሴ ኤርትራ ሰብ የብላን፣ ተሕፍር።

      ጀጋኑ እትዮጵያውያን ኣብ ድያስቆራ እነሀውልካ:

      http://www.ethiograph.net/video/watch.php?vid=8a7c54219

      Saudi diplomat chased down by angry Ethiopians in Washington DC

POST A COMMENT