Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዑዲ ዓረብያ – ድያብሎሳዊ መንግስቲ

እዚ ሕጂ ንስዑዲ ዓረብያ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እንግሊዛዊ ሃጸይነት ንረብሓኡ ዘቖሞ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ’ከአ ብግዙፍ ለግስታት ወትሃደራዊ ዕጥቅን  ጸጥታዊ ሓለዋን ኣውሮጳን (ብፍላይ መንግስቲ ጀርመንን እንግሊዝን) ሕ.መ.ኣ.ን ዝነብር ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ መንግስታት ዓለም እዩ። 

እዚ ሕጂ ንስዑዲ ዓረብያ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እንግሊዛዊ ሃጸይነት ንረብሓኡ ዘቖሞ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ’ከአ ብግዙፍ ለግስታት ወትሃደራዊ ዕጥቅን  ጸጥታዊ ሓለዋን ኣውሮጳን (ብፍላይ መንግስቲ ጀርመንን እንግሊዝን) ሕ.መ.ኣ.ን ዝነብር ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ መንግስታት ዓለም እዩ።  መንግስቲ ኣሜሪካ ንነፍሱ ከም ሓላዊ ሰላምን ዲሞክራስያን ኣብ ዓለም ክሸይጥ ይፍትን እዩ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። እቶም ካብ 6000 ዘይበዝሑ ንምሉእ ምጣነሃብትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ዓለም ዝቈጻጸሩ ሰራሕትን ፈንጣሕትን ንግስነታት ዓለም፡ ብዘይካ ብሕታዊ ረብሓታቶም ሰላምን ዲሞክራስያውን ፍትሕን ዓለም ፈጺሙ ኣይግድሶምን። ንጥቕሞም ዝሰርሕ ሰላምን ዲሞክራስን ግን ይሃንጹ። ንውግእ ሰላም፡ ንዲክታቶርነት ከኣ ዲሞክራስያዊ ኢሎም ክገልጹን ከእምኑን ድማ ኣኽእሎ ኣሎዎም። ንግስነት ስዑዲ ዓረብያ ውጽኢትን ኣገልጋልን ናይ’ዚ ሚስጢራዊ ስልጣን ዓለም እዩ።

ስዑዲ ዓረብያ ሓንቲ ካብ’ተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም እያ። እንተኾነ እቲ ምሉእ ሃብቲ ሃገርን ዘሰንዮ ፖለቲካዊ ስልጣንን ብካብ 600 ዘይበዝሑ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝተገበተ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ከኣ ካብ ምጽወታ’ቲ መንግስቲ ይነብር። እቲ መንግስቲ ብናይ ስልጣን ዓምጣርነቱን ጭከና ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ደቂ ሃገርን ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ዲክታቶራት ዓለም እዩ።  ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደለይቲ ለውጢ ደቂ ሃገር ብምክፋእ መንግስትን፡ ሽበራነትን- ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ናይ ሓሶት ቤት ፍርዲ- እንዳተኸሱ ኣብ ጨካን ቤት ማእሰርትታት ጠፊኦምን ሓሊቖምን እዮም።  ግፋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ። ኣብ’ታ ሃገር ቕንጣብ እኳ ዲሞክራስያውነት የላን። እንተኾነ እቲ መንግስቲ እቲ እቲ ዝተኸብረን ዝተኣምነን መሓዛ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ’ቲ ዞና እዩ። እዝ’ስ ከመይ? ኣሜሪካን ኣውሮጳን ነቲ ምሉእ ኢፍትሓውን ኢዲሞክራስያን ኣካይዳ መንግስቲ ዓረብ ግርም ይፈልጥኦ እየን እንተኾነ ኣንጻር’ዚ ሓንቲ ቃል’ኳ በጨቕ ኢላተን ኣይትፈልጥን። (እዚ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ ንዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘነድሮ ነጥቢ እዩ። ዓቢዪ ሓወይ ኢሳያስ ተሕዝነኒ ኣብ ሓንቲ’ኳ ዝውሰድ ዘይብላ ድኻ ዓዲ ነጊስካ እምበር ገለ ስትራተጅያዊ ማዕድናት ከም ፐትሮል፡ ኡራንዩም እንተዝነብረናስ ንኸማኻ ዝኣመሰለ ዲክታቶር ከመይ’ከ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣሚቘን ምሓቖፋኻ! ምሰዓማኻ! ዕድልና ከፊኡ ወይ ጸቢቑ ግን ኦዞም ማዕናት እዚኣቶም የብልናን።)

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ’ኳ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ሰብኣዊ መሰላት ዘብጽሐ ድያብሎሳዊ መንግስቲ ስዑድያ፡ ሰብኣዊ መሰላት ወጻእተኛዊ ሰራሕተኛታት ድኣ ከመይ ዘይሕምትል! ምስ’ቲ ኵሉ እትዋታ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ህዝቢ ስዑድያ ኣብ ሓማቕ ምጣነሃብታዊ ኵነታት ይርከብ። እቲ ህዝቢ ኣብ ማእቶታዊ ስራሓት ተሳቲፉ ኣይፈልጥን። እቲ መንግስቲ ንእትዋት ፐትሮል ዝትክኡ ካሎኦት ምርጫታት ምጣኔሃብታዊ እትዋት ኣየማዕበለን። ክትዛረበሎም ኣትኽእል ነቲ እንኮኣዊ  ምጣነሃብቲ ሃገር  ክሕግዙ ዝኽእሉ እትዋታዊ ፋብሪካታትን ሕርሻታትን ኣየማዕበለን። እቲ ምሉእ ሃገር ብወጻእተኛታት እዩ ተሃኒጹ። እቲ ወዲ ሃገር ምጽዋት እንዳተደርበየሉ ሰሪሑ ክነብር ኣይተማህረን በዓል ክልተ ጸጋማዊ ኢድ እዩ። ናይ ቤት ስራሕ’ውን እንተኾነ ብሕሱር ስራሕ ወጻእተኛታት እዩ ክስራሕ ጸኒሑ ቅጫ ሰንኪታ ክትበልዕ እትኽእል ስዑድያዊት ሰበይቲ ዘላ ኣይመስለንን። ብዙሓት መንእሰያት ግን ተማሂሮም እንተኾነ ዝሰርሕዎ ስራሕ የሎን። ስእነተ ስራሕ ኣብ መንእሰያት ስዑድያ ሓደ ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ኣዩ። ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምእላይ፡ ነቲ ጌጋ መንግስቲ ናብ ካልኦት ንምድርባይ፡ መንግስቲ ስዑድያ ሓዲስ ሕገ ስራሕ ኣውጺኡ። ግርም። እዚ ግን ነቲ መሰረታዊ ሽግር ኣይክፈትሖን እዩ። ኣየነይቲ ጓል ስዑድያ እያ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዳ ቸመንቶ ክትፍሕፍሕ? ኣየናይ ስዑድያዊ መንእሰይ እዩ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዱ ሞታንታታት ክሓጽብ?

እቲ ብዱዕን ምስሉይን መንግስቲ ስዑድያ ብዱዓትን ምስሉያትን ተጸወርቲ ህዝቢ እዩ ሰሪሑ። እታ ኣብ ልዕሊ ሬሳ እቲ ዝተቐትለ ኢትዮጵያዊ ቈይማ ኣል ከልብ ማት! – እቲ ከልቢ ሞይቱ! ኢላ ዝተሓጎሰት ሰበይቲ ተደንግጽ። እቲ ዝሞተ ንሳ ምዃና ኣይፈለጠትን። እቲ ሓፋሽ ስዑድያዊ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ወጻእተኛ- ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዘሎዎ ኣሉታዊ፡ ኣስተናዓቒ ርእይቶ ዘንገብግብ እዩ። ኣብ ስዑድያ ቀታሊኦም ዘይፍለጥ ዝቕተሉ ወጻእተኛታት፣ ተዓሚጸን ተቐቲለን ኣብ ፈቐድኡ ዝድርበያ ደቂ ኣንስትዮ ቍጽሪ የብሉን። ሓደ’ኳ ካብ’ቲ መንግስታዊ ትካላት ብዛዕባ ቅትለትን ማህረምትን ወጻእተኛታት ዝግድሶ የሎን። ሓደ ስዑድያዊ ልዑል ንንግዳዊ መሻርኽቱ ፓኪስታናዊ ብህይወቱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ቀቲልዎ። መንግስቲ ነቲ ተቐታሊ በገንዘብ ኣሕዊዪዎ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ተሪፉ። ካልእ ልዑል ኣብ ስቪጰራ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ንሓንቲ ሰበይቲ ቀቲሉ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይበጽሐ ብገንዘብ ደቂሱ። ገንዘብ ርግጽ ይገዝእ!

እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ህዝቡ ዘርኣዮ ተሪር ተቓውሞ ዝነኣድ እዩ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ ዝከላኸለሉ መንግስትን ዝምለሰሉ ሃገርን ስለዘሎዎ እቐንእ። ህዝቢ ድማ ተቛዉሞ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ስዑድያ ከርኢ ኣሎዎ። ኣብ ስዑድያ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይገዝእ ከምዘሎን፡ እንታይ ዓይነት ኣረሜናዊ ህዝቢ ከኣ ከምዝሰርሐን ዓለም ክትፈልጥ ይግባኣ። ኣብ ሃገረ ነቢዪ መሓመድ- እቲ ሰላምን ትዕግስትን ምጽውዋርን ዘምሃረ ነቢዪ፣ ብሓለውቲ እምነቱ ኢና በሃልቲ ምስሉያት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ግፍዕን ቅጥለትን ድኻን ስዱድን ክፍጸም ዝኾነ ኣማኒ ክቃወሞ ይግባእ። እቲ ካብ ኵሉ ዘደንግጽ እቲ ወርትግ ኣብ ሞንጎ ሰይጣንን ባሕርን ዝተቐርቀረ ኤርትራዊ እዩ። ዝጣበቐሉ መንግስቲ የብሉን። ናብ ዝምለሶ ሃገር ድማ የብሉን። ኣሎሄ፡ ኣሎሄ ለማ ሰባቕታኒ!? 

ዳንኤል ተስፋይ

16.11.2013

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
59 COMMENTS
  • Dawit November 16, 2013

    ዓመታዊ ኣድማሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያናት ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 8 ሕዳር, 2013 ዓ.ም. ኣብ ቡሳን ደቡብ ኮርያ ተኻይዱ። ብኣቶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ጳጳሳት ኤርትራ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ብኣሸበሸብ ንደቡብ ኮርያ እኳ እንተምርሐ ድኻም ጥራይ ኮይኑ ኣብቲ ኣድማሳዊ ጉባኤ ከይተሳተፈ ከምዝተሰጐጐ ተፈሊጡ።

    ብመሠረት እቲ ዝወጸ መምርሒ፣ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ሓደ ሓባራዊ መግለጺ ሒዘን ክቐርባ ይእዘዛ እየን። እቲ ብኣቶ ዮፍታሀ ዝምራሕ ምምሕዳር ድማ “ንሕና ኦርቶዶክስ ኢና” ብምባል፣ ኣብቲ ጉባኤ ኦርቶዶክሳውያን (confessional meeting) ክሳተፍ ፈቲኑ። እንተኾነ፣ ሕብረት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ሓደ ቃል ብምዃን “ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ? መን ልኢኽኩም? ንመን ወኪልኩም መጺኹም?” ዚብል በዳሂ ሕቶታት ምስ ኣቕረበሎም፣ ኣቶ ዮፍታሀ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ብፖለቲካዊን ሃይማኖታውን ክሕደት ከጸልሞም ፈቲኑ:: ቀጺሉ ኣቶ ዮፍታሀ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ከምዘይተኣይተኣስሩ፣ “ሕክምናኦምን መነባብሮኦምን ባዕለይ ይከታተሎ እየ” ዚብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምስክርነት ሂቡ።

    ኣቶ ዮፍታሀ ዝሃቦ ምስክርነት ግና ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይቃዶ፡ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተማህዘ ሓሶት ምዃኑስ መራሒ እቲ ጉባኤ ሊቀ ጳጳስ (Metropolitan Gennady) ኣይሰሓትዎን።

    ኣብ መወዳእታ፣ ኣቶ ዮፍታሀን ሰዓብቱን ካብቲ ጉባኤ ብህጹጽ ክወጹ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ክምለሱ፣ እቲ ብዮፍታሀ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣብ ዝኾነ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ጉባኤ ከይሳተፍ፣ ካብ ሕብረት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ምሉእ ብምሉእ ክንጸል ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ። ብተወሳኺ፡ ጉዳይ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዕቱብ ምክትታል ክገብረሉ፡ ሕብረት ኦርቶዶክሳውያን ናብ ኣድማሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያናት ለበዋ ኣቕሪቡ።

    እቲ ዝተዘርበ ኩሉ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ብምንባሩ፣ እቶም ምስ ዮፍታሀ ዝመጹ ጳጳሳት እንታይ ይበሃል ኣሎ ምንም ኣፍልጦ ብዘይምንባሮም ነቲ ጉባኤ ኣሕዚንዎ እዩ። ብስሞም ናይ ፖለቲካ ሰባት ይብለጹሎም ከም ዘለዉ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ንጹር ነይሩ።

    ሎሚ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ብዛዕባ እቶም ካብ እምነት ሓላፊ ሽመት፡ ካብ ሓቂ ሓሶት መሪጾም ኣብ ጌጋ መገዲ ዘለዉ ‘’ኣምላኽ ዕርቂ ንብኡሳት፡ ንስሓ ንጥፉኣት’’ ሰሪዑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ዝወረስዋ እቶም ጽኑዕ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ካሌብን ኢያሱን ምዃኖም ዘኪሮም፡ ምድራዊ ህይወቶም ከየብቅዐ እንከሎ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክእዘዙን ክሰምዑን ሓደራ እብል።

    ጸጋ መድኃኔ ዓለምን ጸሎት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ኩልና ይኹን።

  • Mobinore November 16, 2013

    Why are we always looking for other countries to give us human right F…..K Arabs lets concentrate in Eritrea & solve the problem them we don’t have to go to Saudi or any other country as long as we don’t solve Eritrean problem we are going to be abused by every one included the F….king Arabs. They use to come to Asmara for medical treatment in ENIEL hospital & now they are killing us. There is no pride with out country and F…..k Isias

    • belay nega November 16, 2013

      Mobinore

      “They use to come to Asmara for medical treatment in ENIEL hospital & now they are killing us. There is no pride with out country and F…..k Isias”

      መጀመርያ ስነስርዓት ተማሃር:: ክምቲ ዝበልካዮ ግን ብግዜ ሀይለ ስላሴ ኤርትራውነት ኤርትራውነት ጻሓይ ክአ ጻሓይ ክላ ጀበሊ ጸ

      • belay nega November 16, 2013

        continuation

        ጀበሊ ማለት ጸርፊ እዩ ኔሩ::

  • Meretse Asmelash November 16, 2013

    ሰላም ዳኒኤል፡
    ሃለዋት ወጻእተናታት ኣብ ስዑዲ-ዓረቢያ ምርኵስ ብምግባር ዝጸሓፍካዮ ሪእቶ ኣብ ግዜኡን ኣብትኡን እዩ’ሞ ኣቀዲመ ምስጋና ይኵንካ ክብል ይፈቱ፡
    ቀጺለ ቅድሚ ናብቲ ሕምብርቲ ጽሕፉካ ምእታወይ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ ይፈቱ ወይ’ውን ንዝኮነ ኣንባቢ፡- እዛ ኢ…… ትብል ንዘይ ….. ትብል ቃል መኣስ’ያ ተኪኣታ? ንምብራህ ዝኣክል …”ኢፍትሓውን ኢዲሞክራስያን” እዚ ክሓትት ከሎኩ መበገሲየይ ንኣፍልጦ እዩ።

    ኣስዒበ ክብሎ ዝደሊ ኣነ ንስዑዲ ዓረብያ ምድራ ረጊጸ ኣይፈልጥን ስለ ሃብታ፣ ብገንዘብ ዝሰከረ ህዝባ፣ ዓመጻን፣ ግን ከም ማንም ሰብ ንነዊሕ እዋን ክከታል ዝጸነሕኩ እየ ኢለ ክምስክር ይክእል።
    ብመንግስቲ ደርጃ ካብቲ ዝገለጽካዮ ንላዕሊ ቀናእን ተንኮለናን እውን’ዩ። እዚ መንግስቲ’ዚ ኣብ ከባቢኡ ዝርከባ ሃገራት ተመሳሳሊ ሃብቲ ኣሎዎን ምስተባህለ ብቅንኢ ድክመት’ታ ሃገር ኣለልዩ፡ ንሽግር ናይቲ ሃገር ቀትሪ ምድሪ በራሚል ቤንዚን ደፊኡ ሃገር ዘቃጽል ንጉሳዊ መንግስቲ እዩ። ንምብራህ ዝኣክል፡ ካብ 1979-1981 ናይ ቤንዚን ፈተሻን ፍሕራን፣ ኣብ ሰሜንን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ፡ ዓቀን እቲ ቤንዚን ዘይተኣደኒ ይመስል፤ ብፍላይ’ዃ ኣብ ከባቢ ቤንቱ (ሩብኾና) ዘሎ ዝብል ሓቤረታ ምስ ረከበ፤ ብቅጽበት ከም ሓላይ ንመንግስቲ፡ ንጃዕፈር ኣልኑመሪ ሚልዮናት ዶላር ኣሕቚፉ ኣብ ሕልሙ ዘይነበረ ስርዓት ናይ ምስልምና መንግስቲ ከምዝእውጅን ዝተክልን ገበሮ።

    ልክዕ እቲ ንሱዳን ዝመቀለ ምክንያት ቀንድን እንኮን’ዃ እዚ ኣይኩን እምበር ከም መበገሲ ፍልልይ ግን ኣገልጊሉ እዩ። ድሕሪኡ ሱዳን ኣብ ውግእ ኣትያ ንሱ’ውን ዓሪፉ። እዚ እከይ ተግባር እዚ ግን በቶም ናይ ሽዑ’ን ሎምን ኣማከርቱ’ውን ተመርቑ እዩ። እቲ ናብ ዝከደና የብሉን፡ ይጽነሓልና ዝበልዎ ነዳዲ ከኣ ዘይሓሰብዎ መፍቶ ቻይና ኮይኑ። ውጽኢቱ ከኣ እዚ ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘሎ እዩ።
    መንግስቲ ስዑዲ ክሳብ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቢሒም ዝበለ ይተሓጎም ዝብል ሓያል እየ ዘሎኹ ብምባል ላዕሊ ላዕሊ ከንቃዕርር ጸኒሑ እዩ። ህዝቡ’ውን እንተኮነ ብኽፉ ማና ትሕቲ ምድሪ እናተመገበ ንሙሉእ መውእሉ ክነብር ብኣምላኽ ዝተዓደሎ ትዕድልቲ ጌሩ እዩ ወሲድዎ ጸኒሑ እዩ፡

    ኣብነት-ኣብ መፋርቅ ሰማኒያታት ኣብ ቃልዕ ወጺኦም “ገንዘብ እንታይ ከምንገዝኣሉ ጠፍኡና” ዝብሉሉ ሰዓት ኔሩ። ንጩቡጥ ሓቤረታ ዝኣክል ሓደ (Mercury News) ዝብሃል ከምዚ ክብል ገለጾም- “Too much money and when you don’t know what to do with it” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጽሑፍ ተገሪመ ነበርኩ።
    መበግሲ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ከኣ “ሰባት ኩባያ ቡን ንክሰትዩ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ይተዓዳደሙ ብምንባሮም እዩ። ደርሶ መልሶ ናይ ነፋሪት ቲኬት ምንም ኣይኮነን ንዓና ዝብል መልሲ ድሕሪ ምሃቦም እዩ እቲ ጋዜጣ ጺሑፉ፡

    ኣብ ዓለም መልሓሱ ይኩን ተግባሩ ዘይቖጻጸር ንጉሳዊ መንግስትን ህዝብን እንተሃልዩ ስዑዲ ጥራሕ እዩ። ሎሚ ተክኖሎጂ ንሃብቶም ከምሃገሩ ምራኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርግጽ እናተፈንፈነ’ውን ይከይድ ከምዘሎ ምስተሰቖሮም ዝሕዝዎን ዘንብርዎን ክጠፍኦም ጀሚሩ’ሎ። ኮፍ ኢሉ ምብላዕ ዝለመደ ህዝቦም ውፈር ምስ ተባህለ ወዲ-ሰብ ከሳቂ ይረኤ ኣሎ።
    እቲ ሓቂ ግን ሱዕዳውያን ኣብ ዝባን ኣግማል ተመሊሶም ዝውጥሕሉ ግዜ ክኣትዎም’ዩ። ዓለም ተምንያቶ ዘይኮነስ ጥሪቶም ነበረ ዝብሃለሉ ግዜ እንዳኣርከቦም እዩ ኢሎም ዝምስክሩሉ እንዳ በዝሑ ይከዱ ኣሎዉ።

    ንሕና ሕማቕ ኣይንትምነን፡ ኣይባህልናን ከኣ። ስዑዲ ግን ኩሉ ግዜ ከም ተማህ ጎረቤት እትምሰል ሃገር እያ። ጠባያ እንተ ተማሓይሽ ከኣ ንዓኣ ምሓሻ። ግዜ ዘይብሉ ህዝቢ የሎን። ጸሓይ እዚ ሕጂ ብጫማ እግሮም ዝርገጽ ዘሎ ርእሲ’ውን ክትበርቅ እያ። ስለዚ ነዚ እኩይ ተግባራቶም ናብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ምቅራብ ናይ ኩልና ግዴታ እዩ።

    ኢትይጵያውያን ንክብረት ህዝቦም ይኩን ንመሰል ወዲ-ሰብ ኣሊዒሎም ዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣርኣያ ይኩን። ምግሃስ መሰል ደቂ-ሰባት ብምግሃስ መሰል እንኮ-ሰብ’ያ ትጅምር።

    • daniel s. tesfai November 21, 2013

      ይቕሬታ ነዚ ኣገዳሲ ተወሳኺ ደንጕየ ሎሚ ርእየዮ። እቲ ዓንቀጽ ኣኪሉዎ ሓሊፉ እዩ ኢለ ደገመ ኣይተኸታተልኩዎን። የቐንየለይ መረጸ። ነዚ ሓበሬታ ከምሰግኖ እንተዘይኴኑ ዝውስኸሉ የብለይን።
      ብዛዕባ ቅድመ ጠባቒ ‘ኢ’ ድሮ ብኻልኦት ተገሊጹ እዩ። ሓንቲ ብሊቀ መዘምራን የማነ ብርሃን ወልደ ገብሪኤል ዝተጻሕፈት መዝገበ ቃላት ግእዝን ትርግርኛን ኣላትኒ። ንነፍሰይ ግእዝ ከምህራ እንዳጸዓርኩ እዩ። ንብትግርኛ ቃላት ዘይረኽበሎም ቃላትን ኣምራትን እንግልዚኛን ጀርመንኛን ፈለማ ኣብ ግእዝ እዬ ቃላት ክረኽበሎም ቃላት ክረኽበሎም ዝፍትን። ግእዝ ንባዕሉ ብዙሓት ቃላት ግሪኽኛ ወሲዱ ኣግኢዙዎም እዩ። ኣስማት ከዋዅብትን ክቡር ኣዕናቍን ክረክብ ብዙሕ ሓጊዙኒ። ኣንጢ ዝብል ቅድመ ቃል ምንጩ ግሪኽና ኴይኑ (ልክዕ ከምቲ ኣንቲ ዝብል ቅድመ ቃል እንግሊዝኛ ጸረ ማለት እዩ) ኣብ ግእዝ ምስ ረኸብኩዎ ብዙሕ ተመሲጠ። ንኣብነት ኣንጢማርያም ረኺበ። ኣንጢዲሞክራስያ እውን ክብል ከምዝኽእል ፈሊጠ። ንትግርኛ ንምምዕባል ዝከኣለኒ ክገብር ኣሎኒ በሃሊ እዬ። ግእዝ ድማ ምንጪ ናይ ዘይብልናን ተወሳኽን ቃላት ክኸውን ኣሎዎ እብል። ኣብ ኣደባባይን ጽሑፍን ሓርኢ ካብ ምባል ኵሕሲ ምባል’ዶ ኣይጥዕምን። ባኞ ወይ ነዊሕ ቃል መሕጸብ-ሰብነት ካብ ምባል ብሌና ምባል እንተዝልመድ ደስ ምበለሊ። ናይ ግእዝ ምዙጥ እዬ። የቐንየለይ።

  • sara November 16, 2013

    Stop this stupidity, BKMAKUM ZEY KMAKUM ABZ BTHENA ZELENA. Daniel pls talk about Eritrean and Eritrea we don’t need all other staff.

  • haile November 16, 2013

    Daniel you have right whatever you feel to write .

  • motbinore November 16, 2013

    Belay nega
    why don’t you teach me manners? are you angry because I said F..K you to your master? if you want to defend him go join your cousins DEHMIT!!!!!!! moran

    • belay nega November 17, 2013

      Motbinor

      “if you want to defend him go join your cousins DEHMIT!!!!!!! moran”

      Moron is you, who doesn’t know that Eritrean freedom is made to be possible with a fair help of Ethiopians,and there is nothing wrong to maintain it, with a fair help of the same people.

  • Truly Truly i say to you November 16, 2013

    Kibur Ato Daneil Tesfay, like the German Pastor Martin Niemöller famous statement said,
    “First they came for the communists,
    and I didn’t speak out because I wasn’t a communist.

    Then they came for the socialists,
    and I didn’t speak out because I wasn’t a socialist.

    Then they came for the trade unionists,
    and I didn’t speak out because I wasn’t a trade unionist.

    Then they came for me,
    and there was no one left to speak for me.”

    Learning from this famous statement, as the bible teaches us, “If you happen to see your enemy´s cow or donkey running loose, take it back to him. If his donkey has fallen under its load, help him get the donkey to its feet again; don´t just walk off.” (Exodus 23; 4);

    because you react and didn´t stay passive when your poor neighbor citizen unjustifiably see barbarically executed in broad daylight in the street of Saudi Arabia, i say you “Well done!” If today we don´t care for that committed crime against our poor helpless neighbor citizen like us; who knows weather the Saudis will turn and run tomorrow against our people?

    But the question is as it pains and obligs us our poor neighbor citizens death, do for Ethiopians also it cares them when see Eritreans perishing elsewhere? I mean not only about those in Mediterranean or Lampadusa Perished, but are they most conserned about just recenterlly In Ethiopian refugee camp perished Eritreans as well?
    You may most of dislike me when i asked this critical question, but as i am a Christian, for the sake of truth i have to raise about as well. will continue…

    • Kombishtato November 16, 2013

      The Saudis had long turned against us. They have been deporting Eritreans in the last 12 years back to Hgdef regime. As a matter of fact, all Arabs deport Eritreans to the Hgdef regime as the Libyans, Egyptians and Sudanese often do. The only few countries who have not yet deported Eritreans in the region are Ethiopia, South Sudan, Israel and Uganda.

  • Truly Truly i say to you November 16, 2013

    But some idiots PFDJ killer mashine worshipers astonishingly they heard when blaming Assena for nothing concerned about Eritrea´refugee case in Ethiopia, and as if nothing critic against woyane regime publishing in its website; but the question i like to ask these idiots,before this Lampadusa and other tragedy caused, did,nt brother amanuel Iyasu by risking his life first by interning Addis Ababa didn´t ask critical questions PM Meles concerned about our occupied territory case for instance? as well After Sahra, Sinai and Mediterranean tragedy didn´t warn and gave advice Eritrean refugees not to risk their life? More than that what can do one single person citizen? Must Brother Amanuel Isayas for causing all mess and crime by Isayas should to fight against Ethiopian regime or other powers, since the root problem is Isayas self? First of all if Eritrean citizen perishing elsewhere; is it Amanuel`s obligation to fight with all regimes? Is he the responsible comander of the Eritrean army or is he a president? This is really silly mockery! We know Pfdj as likes to see Amanuel Iyasu died by Ethiopian or other hands , because strongly exposing their evil crime agenda. So if Amanuel Iyasu was be agent like you defaming, how could be daily Exposing the mercenary TPDM army evil activities agenda, about what they doing inside Eritrea? Above than exposing TPDM`s evil agenda in its website, is there a better way of exposing Woyanes´s agenda? So you stupids have no moral ground to accuse Assena . Stop your nonsense baseless accusation.

    • i and i November 17, 2013

      truly
      u r just nonsense.

  • Truly Truly i say to you November 16, 2013

    As above critic against Ethiopian regime, Not only I if anybody like to prove you can read what brother Dawit Mekonnen all time exposing not only about Isayas´s crime but Woyane´s evil did as well. For instance can´t you prove to what critic I wrote on my broken English against woyane regime, under the title “ግደ ሓቂ – ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን written article on 8-11-2013 of written by Daniel Semere Tesfay? So did Amanuel forbidden me not to write my view? I wish i be a good speaker and writer i have a lot to tell you. So PFDJ agents please stop your filthy mouth, people exactly know who is bleeding and killing our nation and who is fighting to save our people and nation struggling.

  • Kombishtato November 16, 2013

    ዳንኤል ተስፋይ፤
    ሓደ ናይ ዘመንና መስተውዓልን ትኩርን መዝጋቢ ህሉው ኩነታትና እዩ። ስለምንታይሲ ኣነ ኣብ ምልእቲ መጽሓፍ ዘምበብኵዎ ህሉው ኩነታት ስዑድያ፣ ነታ ብዙሕ እተወርየላ መጽሓፍ ከየንበበ፣ ( ኣብ ታሕቲ ዝጠቐስኩዋ ) ግናኸ ብውሕሉል ኣብ ክልተ ገጽ ብዘይመልእ ጽሙቕ ኣቢሉ ኣቕሪብዋ።
    ኣብ መርበብ ኣሰና ከምዚ ዓይነት ኩሉ ሓቀፍ መምህር ስለዘለና ዕድለኛታት ኢና። ከምዚ ከማኻስ እንተ ዝብርኩትልና።

    On Saudi Arabia: Its People, Past, Religion, Fault Lines — and Future by Karen Elliott House, 2013

1 2 3 4

POST A COMMENT