Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና (ሰመረ ፍስሃየ ካብ ፈረንሳ) አብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሰይ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን  ካብቶም ብቖራጽነቶምን ብናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ፍቕሪ ዝተሰነየ ጀብሃዊ እምነቶም ዘደንቑኒ ዝነበሩ ውሑዳት

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

(ሰመረ ፍስሃየ ካብ ፈረንሳ)

አብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሰይ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን  ካብቶም ብቖራጽነቶምን ብናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ፍቕሪ ዝተሰነየ ጀብሃዊ እምነቶም ዘደንቑኒ ዝነበሩ ውሑዳት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እዮም፡፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን እየ ክገልጽ፡፡ ኣብ መጻኢ እዋን ክኣ ምስ ብጻይ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ዘሕለፍኩዎ ጊዜን ዕላላትን ከካፍለደኩም እየ፡፡

ንስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣባል ይፈልጦ እዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይመስለንን፡፡ እቲ ኣፈላልጣ ዝብሃል ግን ዝተፈላለየ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ፡፡

ስለምንታይ ሎሚ ብዛዕባ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ክዛረብ መሪጸ ንዝብል ሕቶ፡ ሎሚ ቕነ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጋዳላይን መራሕን ኣቶ ነልሰን ማነደላ ስለ ዝዓረፈ ታሪኹ ብኹለን ማዕከናት ዜና ዓለም ይግለጽ ኣሎ፡፡ ሓደ ካብቲ መግለጺታት ናይ ታሪኹ እተን 27 ዓመታት ኣብ በት ማእሰርቲ ዘሕለፈን ዓመታት እየን፡፡

እምብኣር ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ሓደ ካብቶም ውሑዳት ኤርተራዊያን ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ን10 ዓመት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸላኢ ብስቅያት ጊዚኡ ዘሕለፈ ጅግና ተጋዳላይ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ኽኣ እየ፡ ዋላኳ ሳላ ጀጋኑ ተጋደልቲ ጀብሃ እቲ ናይ ማእሰርቱ ጊዚኡ ን10 ዓመት እንተ ሓጸረ፡ ጸላእስ ካብቲ ናይ ማንደላ ዝነውሔ ማእሰርቲ እዩ መዲቡሉ ነይሩ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን እቲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሱሳታት ናይ መጀመርታ ናይ ተመሃሮ ምንቅስቓስ መራሒ ኮይኑ፡ ንተመሃሮ ኤርተራ ብጉዳይ ናጽነት ሃገሮም ክግደሱን ክቃለሱን ዝገበረ፡ ጅግናን በሊሕን ኤርትራዊ  እዩ፡፡ ሓደ ካብቶም ተመሃሮ  ንመሪሕነት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣኽቢሩ ዝኸይድ ዝነበረ ተመሃራይ ክኣ ኢሳያስ  ኣፈወርቂ ይብሃል፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን መራሒ ምንቅስቓስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብትምህርቱ ካብቶም ምሩጻት ተመሃሮ ልኡል መኮነን ስለ ዝነበረ ንቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ወኪሉ ኣብ ዓውደ ክትዕ፡ ኣብ YMCA ብምስታፍ ብዙሕ ዓወታት ንቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን አመዝጊቡ እዩ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ከምቶም ትምህርቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምቕጻል ዝመረጹ መማህርቱ ኣብ ክንዲ ዝመርጽ፡ ምስ ክፋል ጎኑ ዝኾነ ጅግና  ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባንኪኤል ኣብ 1964 ንሜዳ ወጺኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ክቃለስ መረጸ፡፡ ከምቲ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ዘዕለለኒ፡ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባንኪኤል ንሜዳ ክብገሱ ከለዉ ንኢሳያስ  ኣፈወርቂ  ምሳና ንዓናይ ምስ በልዎ ግደፉና ትምህርትና ክንቅጽል ኢና ኢሉ ከም ዝኣበዮም ይገልጽ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ካብ ሓንቲ ድኻ ስድራቤት ተወሊዱ ብፍላይ ኣዲኡ ከምቲ ኩሉ ስድራቤት ኤርተራ ወደን ትምህርቱ ወዲኡ ክሕግዘን እንዳተጸበያ እንከለዋ ጠንጢኑወን ንሜዳ ምኻዱ ክሳብ ክንደይ ናይ ሃገሩን ናይ ህዝቡን ሕቶ (እሞ ኽኣ ኣብ 1964 ዓ.ም) ልዕሊ ናይ ስድርኡ ሕቶ ቦታ ሂቡ ይጉዓዝ ምንባሩ እዩ ዝርኣየኒ፡፡ ብ1976 ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ 9 (ኣውራጃ ሰራየ) ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዲኡ ንመጀመርያ ጊዜ ክበጽሕኦ ኢለን ምስ መጻ፡ ርሑቕ እዩ ዘሎ በልዋ ኢሉ ከም ዝመለሰን ምስ ሰማዕኩ፡ ጉህየ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ከይደ ‘ወልደዳዊት ክንደይ ትጭክን፡ ኣዴኻ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ወደን ክርእያ መጺኤን ዋላ ናይ ሓደ ስዓት ናፍቖተን ከውጽኣ ዕድል ዘይምሃብካ ተጋጊኻ’ እብሎ፡፡ መልሱ ኽኣ፡ ‘ሰመረ ትብሎ ዘለኻ ይርድኣኒ እዩ ግን ኣደይ ካብቲ ካልእ ስድራቤት ኣይትበልጽን እያ’ ትብል ነበረት፡፡

ኣፍልጦይ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣብ ሰምበል ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ከሎ ቁሩብ ወረ ነይሩኒ፡፡ እቲ ወረ ካብ ኣቦይ (ወላድየይ) ዝረኸብኩዎ ምሉእ ዘይኮነ ወረ እዩ ነይሩ፡፡ ማለት ኣቦይ (ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረ፡ ፍስሃየ ኩብሮም) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ኤርትራ ወተሃደር ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ቁሩብ ይጠቕሰለይ ነይሩ፡፡

ብድሕርዚ ቁሩብ ኣፍልጦ’ዚ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ንመጀመርታ ጊዜ ብኣካል ኣብ ዓዲንኣምን፡ ኣብቲ መጀመርታ 1975 ተራኺብና፡፡ ኣብቲ ግዜቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ንኹሉ ዝቐረቦ ሰብ ሰላም ይብል ነበረ፡፡ ኣነ ኽኣ ከም ሰበይ ሰላም በልኩዎ፡፡

ቀጺልና ኣብቲ ርበዳ ዝተባህለ ቦታ ዝነበረ መደበራት ታዕሊም፡ ምስቲ ምቅርራብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሓሓዝ፡ ዘይህዱእ ኩነታት ነበረ፡፡ እዚ ዘይህዱእ ኩነታት ዝፈጠሩ ኽኣ ገለ ኣባላት መራሕቲ ውድብ ስለ ዝነበሩ ኩነታት ውድብ ኣብ ሕማቕ ገጹ ንኸይከይድ ዘስግኦም ብጾት፡ ከመ ብዓል ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ከምኡ’ውን ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብኡ ብምምጻእ ንኽሰምዕዎም ዝኽእሉ ሰባት እንዳተራኸቡ ጉዓዞ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ካብ ምድንጋር ንኽንድሕን ዘድሊ ዝብልዎ ማዕዳታት ኣብ ዝህቡሉ ዝነበሩ ንኻልኣይ ግዜ ተራኸብና፡፡

ድሕሪ ናይ ርብዳ ርክብ፡ ከይደንጎና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለ ዝኣኸለ ኣብኡ ንኽሳተፍ ክኣ ተመሪጸ ስለ ዝነብርኩ፡ ኣብዚ ጉባኤዚ እንደገና ንራኸብ፡፡ ውጺኢት ጉባኤ ዋላኳ ዕዉት እንተነበረ ኣብቲ ውሽጠ ውሽጢ ዝካየድ ዝነበረ ሕሹኽሹኽ ንኽርድኣኒ ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ክቐርቦም ዝኽእል ብቐረባ ተጋደልቲ፡ ተጋዳላይ ፍስሃየ ገብረሚካኤል (ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ዝተመርጸ) ካብ መባእታዊ ትምህርትና ክሳብ ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ብሓደ ዝነበርና ከምኡ’ውን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን እዮም ነይሮም፡፡

ድሕሪ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ዓልየት (ታሕታይ ባርካ) ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ንናይ ፖለቲካ ካድራት ምስልጣን ተኸፊቱ ናይ ገለ ኣዋርሕ ትምህርቲ ድሕሪ ምክያድ ምስ ገለ ብጾተይ ናብ ምምሕዳር ቁ.9 ተመዲበ እኸይድ፡፡ ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ.9 ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን    ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣገዳሲ ኣፍልጦይ ብዛዕባ ብጻይ ወልደዳዊት ኣብዚ ይጅምር፡፡

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣማሓዳሪ ኮይኑ ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ኣመሓዳድራ ብቕዓት፡ ግደፍዶ ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ን10 ዓመት ዝተሳቐየ ሰብ፡ እሞ ኽኣ ቅድሚ ምእሳሩ ናይ  ህዝብን ሰራዊትን ምምሕዳር ተመኩሮ ዘይነበሮስ፡ ሓደ ናይ ምምሕዳር ትምህርቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝልዓለ ዲግሪ ዝተመረቐ ሰብ ከርእዮ ይኽእልዩ ንኽትብሎ ዘጸግመካ ኣመሓዳድራ የርኢ ነበረ፡፡

ነዚ ንምግላጽ ኩነታት ምምሕዳር ቁ9 ንርአ፡፡

  1. ምምሕዳር ቁ9 እታ ካብተን 12 ክፍሊ ምምሕዳራት ዝጽዓቐ ተቐማጢ ህዝቢ ዝነበራ ክፍሊ ምምሕዳር እያ፡፡ ስለዚ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ ተ.ሓ.ኤ ምስቲ ህዝቢ ዘሎዎ ዝምድና ከይደክም ብዝያዳ ኽኣ ክድንፍዕ ንምግባር፡ በብቦትኡ ከድምዑ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ተጋደልቲ ከም ብዓል ገብረ ክርሰቶሰ ጽገ፡ ፍቕረማርያ ወዘተ ብምውፋር፡ ብኻልእ ሸነኽ ክኣ ባዕሉ፡ ሎምስ ቁሩብ ከዕርፍ ከይበለ፡ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ለይትን ምዓልትን እንዳተንቀሳቐሰ የዋፍረሉን ይዋፈረሉን ስለ ዝነበረ እዩ፡፡
  2. ምምሕዳር ቁ9 እታ ካብተን ናይ ከበሳ ክፍሊ ምምሕዳራት ዝበዝሐ ሰራዊት ዝነበራ ክፍሊ ምምሕዳር እያ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክኣ፡ ጸላኢ ኣብ ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ ዓዲዃላ፡ ቁሓይን ስለ ዝነበረ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ብዝሒ ሰራዊት’ዚ ምምሕዳር ቀሊል ነገር ኣይነበረን፡፡ ምኽንያቱ ብሰንኪ ፋሉላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ መንጎ ገዳይም ተጋደልትን ሓደስቲ ተጋደልትን ብዙሕ ጸገማት እዩ ዝፍጠር ነይሩ፡፡ ብዘይ ምግናን ብመንፍዓት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት፡ ምንቅስቓስ ፋሉል፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ9፡ ቅድሚ ኩለን ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረትለን ክፍሊ ምምሕዳራት ክሃድእ ኪኢሉ፡፡
  3. ኣርሒቕካ ናይ ምጥማት ዓቕምታቱ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ባርካ ዝመጽእ፡ ንሰራዚት ዝኸውን ስንቂ፡ ከም ጸብሒ ዝኣመሰለ፡ ከቋርጽ ይኽእልዩ ብምባል፡ ንሓረስቶት ብርስን ዝርኡሞ ንሕና ክንገዝኣልኩም ኢና ብምባል፡ ነቲ ናይ ጸብሒ ሽግር ኣብ ሓይልታት የቃልሎ ነበረ፡፡
  4. ኣብቲ መጀመርታ 1976 ናይ ክዳውንቲ ሽግር ኣብ ሰራዊት ተ.ሐ.ኤ ብፍላይ ክኣ ኣብ ከበሳ ዝነበራ ሓይልታት ኣጋጢሙ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ትግራይ ዓለባታት ብምግዛእ ብበላይ ዝተባህለ ሰፋይ ክዳን ኣስፍዩ ኩሉ ኣባል ሓይልታት ሰራዊት ናይ ምምሕዳር ቁ.9 ከምዝኽደን ገበረ፡፡
  5. ስንቅን ክዳንን ንኽገዝእ ዘብቅዖ ዓቕሚ ገንዘብ ካብይ ይመጽእ እንተተባህለ፡ ኣመሓደርቲ ይኹኑ ወከልቲ ቤት ጽሕፈታት ዝተወሰነ ገነዘብ መወገኒ ተባሂሉ ይወሃቦም ነይሩ፡፡ ካብዚ ገንዘብ እዚ እምብኣርዩ ኣዋሊዱ ንጸብሕን ክዳንን ሓይልታት ክዓጹ ዘብቅዖ ዝነበረ፡፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ንዕረፍቲ ኢሎም ምስ መጹ ንስድራና ዝኸውን ሓገዝ ሃበና ኢሎም ይሓቱ ስለ ዝነበሩ የብለይን ካብ ሓይልታትኩም ክትወስዱ እዩ ዝግብኣኩም ስለ ዝብሎም ዝነበረ፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ከማርርዎ እሰምዕ ነይረ፡፡
  6. ኣብ መንጎ 1975ን 1976ን፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ9 ነካይዶ ዝነበርና ውግኣት፡ ብዙሕ መስዋእትን መቑስለትን ኣብ ሓይልታት ስለ ዝፈጠረ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ንመሪሕነት ብፍላይ ክኣ ንወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት መልኡልና፡ ሓይልታት ጥርሐን ተሪፈን ኢሉ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ፡ ናይ ሰራዊት ሽግር ኣብ ኩሉ እዩ ዘሎ፡ ዝብል መልሲ ሃብዎ፡፡ ንሱ ግን በሊሕ ስለ ዝነበረ፡ በሉ ሰራዊት የለን ካብ በልኩም፡ ኣብዚ ኣሰሊፍና ሽግርና ክንፈትሕ ፍቓድ ሃቡና ኢሉ ርኢቶን ሕቶን የቕርብ፡፡ መጨረስትኡ አፍቂድናልካ ዝብል መልሲ ይረክብ፡፡ ነቲ መደበር ታዕሊም ኣዳልየ ከመሓድሮ ሓላፍነት ይውሃበኒ፡፡ እቲ ዘድሊ ምድላዋት ድሕሪ ምግባረይ ነቲ ዝተመደበ ብዝሒ ሰራዊት ድሕሪ ምስላፍ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቶም ወዲኦም ኣብ ሓይልታት ክንምድቦም ምስ ተዳሎና፡ ሃንደበት ዘይተጸበናዮ ‘ሕጊ ውድብ ኩሉ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ኣብ መደበር ሳሕል ክኸውን ኣለዎ ስለ ዝብል፡ እንደገና ንሳሕል ወሪዶም ወተሃደራዊ ትምህርቶም ይፈጽሙ’ ይብሃል፡፡ ካብ ሕጊ ውድብ ኣይንወጽእን ብምባል ንሓደስቲ ተጋደልቲ የዕጊብና ንሳሕል ነፋንዎም፡፡ ምስቲ ዝነበረ ፋሉላዊ ኩነታት፡ ግሩሃት ሐደስቲ ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ ሳሕል ምስ በጽሑ፡ ብዒራቓውያን ዓለምቲ ገይሮም ኣብ ሽግር ክድርብዩኹም እዮም ዝብል ጉጉይ ሓበሬታ ሂቦም ስለ ዘታለልዎም፡ ዳርጋ ኩሎም ንኸበሳ ተመሊሶም፡፡ ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ነገር ክኣ ኣብዚ ኣውሮጳ ኣብ ሓደ ቦታ ከይደስ፡ ሓደ ተጋዳላይ ተ.ሐ.ኤ ዝነበረ ሰብ፡ ከምዚ ዝስዕብ ወረ ክህብ ሰማዕኩዎ፡ ‘ወልደዳት ዝብሃል ኣማሓዳሪ ቁ.9 ዝነበረ ኣብ 1976 ሓይሉ ንኸደልድል ኣብቲ ምምሕዳሩ ደቂ ዓዱ ከሰልፍ ፈቲኑ ግን ኣይሰለጦን’ ይብል፡፡ ብወገነይ ብዙሕ ጓሂ ተሰሚዑኒ፡፡ ነዕኡ ይኹን ነቶም ዝሕብሮም ዝነበረ ሰባት ከመይ ኢሉ እቲ መደብ ከም ዝተበገሰን ኣነ ሓለፊኡ ምንባረይን ድሕሪ ምግላጽ ተራዳዲእና ተፈላለና፡፡
  7. ከም ኣመሓዳሪ መጠን ጸብጻባት ናብ ኩለን ቤት ጽሕፈታት የመሓላልፍ ነበረ፡፡ እቲ ዘገርመኒ ዝነበረ ግን፡ ጸብጻብ ምምሕልላፉ ዘይኮነስ፡ ነቶም ትግርኛ ዝርድኡ መራሕቲ ብትግርኛ፡ ነቶም ዓረብ ዝርድኡ ኽኣ ብዓረብ ጺሒፉ ይልእከሎም ምምባሩ እዩ፡፡ ሓደ ግዜ ኮፍ ኢልና እንዳ የዕለልና፡ ወልዴ እዛ ቋንቋ ዓረብስ፡ ምዝራብሲ ሕራይ እቲ ምጽሓፍስ ካበይ ኣምጺእካዮ እብሎ፡፡ ስሙር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎኹ ብቓልስና ኣይድቅስን እየ ነይረ፡፡ ቋንቋ ዓረብ ምዝራብ፡ ምምባብ፡ ምጽሓፍ ከም መደብ ወሲደ ይቃለሶ ነይረ ይብል፡፡ ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትምህርቲ ነይርኩም ማለት ድዩ’ እብሎ፡፡ ኣይኮነን፡ ቁርኣን ስለ ዝነበረ፡ በቲ ቁርኣን ገይረ እምሃር ነይረ ይብለኒ፡፡ እዚ ኽኣ ሐደ ካብቲ ናይ ሃገሩን ህዝቡን ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ መዐቀኒ ኮይኑ እረኽቦ ነይረ፡፡
  8. ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ነቲ ኹሉ ብናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እምነቱ ነቕ ዘይብል ተጋዳላይ ዋላ ሂወቱ ከሕልፈሉ ድሉው ዝነበረ ተጋዳላይ እዩ፡፡ ብኣናጻሩ ኽኣ ነቲ ብኽፍኣት፡ ወይ ክኣ ጠበቓ ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ፡ ኣብ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ከእቱ ዝፍትን፡ ኣብ ዓውደ ክትዕ ይኹን ኣብ ኣኼባታት፡ ብዘይ ንሕስያ እዩ ዝገጥሞ ነይሩ፡፡
  9. 9.  ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ንወልደ ዳዊት፡ ክሳብ እታ አብ ከሰላ ብወይጦታቱ ጌሩ ዘቕትሎ፡ ካብ 1975 ጀሚሩ እዚ ሰብ’ዚ ንዓይ ሓደገኛ እዩ ኢሉ ስለ ዝፈርሆ ዝነበረ፡ ብወገን ህዝባዊ ሓይልታት ይኹን ብወገን ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ፋሉል ገይሩ፡ ናይ ምጽላም ተግባራቱ ብጽዑቕ መንገዲ ይነዝሕ ነበረ፡፡

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ከየንውሓልኩም ንሎሚ ኣብዚ ደው ክብል፡፡

ሰመረ ፍስሃየ

ፈረንሳ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • Berhe Tensea December 16, 2013

    Semere I agree with you 1oo%.and thank you very much……..

  • Stefanos Temolso December 16, 2013

    The writer has written what he knew. So hwat is all the fuss about? let us do Our part and then speak out.

    • Abera December 16, 2013

      Mr. Temelso,

      Why r you so offensive. I think you r tegadaly, if so u fought for the peoples right. allow them forward their comment. If u do not agree with any comment, try to convince them by bringing facts, otherwise what do u mean
      *So hwat is all the fuss about? let us do Our part and then speak out*. Commenting is also our part, why reader is mislead.
      I beg you to understand positively, because i was reading what you were corresponding with Abrhet.

    • Daniel Tewelde December 18, 2013

      Stifanos

      I am really shame of you when said the writer wrote what he knoew.But he did not Write about the Young and galant fighters who has fallen at Mendefera on July 1977 by very tricky and systematic way at forto. I will never forgeot those who fall there till my last breath on Earth and I have allready inherrited it to many Youngs .

  • mehawi December 16, 2013

    ኣቶ ሰመረ፡ብዛዕባ ወልደዳዊት ተመስገን ብዙሕ ጽቡቕ ነገራቱ ጽሒፍካ።ኣነ ድማ ወልደዳዊት ናይ ምምሕዳር ቁጽሪ 9 ከሎ ዝገበሮ ግፍዕታትን ኣብ ህዝቢ ሰራየ ዝገደፎ ዘይሃስስ በሰላን ክገልጽ ናይ ዓይኒ ምስክር ብምዃን ክገልጽ።ኣነ ኣብ ልዑል መኮነን ስለ ዝተመሃርኩ፡ወልደዳዊት ኣብ ልዑል መኮነን ምስ በዓል ስዩም ዑቕባሚካኤል፣ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ወልደየሱስ ዓማር፣ሃብቶምን ዓንዶምን ዝበሃሉ ማናቱ ኣሕዋት ከም ዝነበረ እፈልጥ።ኣሉ ዘይበሃል ወልደዳዊት ብትምህርቱ በሊሕ፡ብባህሪኡ ደፋር ኢዩ ነይሩ።በቲ ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 9 ዘርኣዮ ናይ ምምሕዳር ግፍዒ ግን ህዝቢ ሰራየ ተ.ሓ.ኤ ንኽትሓቅቕ ኤህ ኢሉ ረጊሙ ኢዩ። ናይ ወልደዳዊት ካብቲ ሕማቕ ተዘክሮታቱ፣
    1.በታ ኣብ ንግዲ ባንክ ናይ መንደፈራ ዝጸንሓቶ ቮልክስ ዋገን ወልደዳዊት ምስ ሰኸረ ኣብ ማእከል ከተማ ዘርእዮ ዝነበረ ፍጥነት ሰብ ከይርገጽ ኢዩ ብማዕዶ ዝሃድም ኔሩ።
    2.በዓል ሃይለ ብርሃነ(ኣባል ጸጥታ) ካብ ድኻታት ዘዝመንዝዕዎ መስተታት ወልደዳዊት 24 ሰዓታት ኣብ ስኽራን ኢዩ ግዜኡ ዘሕልፎ ነይሩ።
    3.ደቅኹም ናብ ሻዕቢያ ተሰሊፎም ተባሂሎም ብትእዛዝ ወልደዳዊት ከብቶም ተዘሪፎም ዝተሓርዳ ከብቲ ማእለያ የብለንን።
    4.ብትእዛዝ ወልደዳዊት ማእለያ ዘይብሉ ናይ መንእሰያት ግፋ ብምክያድ፣ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ኵናት ካብ ኩለን ምምሕዳራት መንእሰያት ብብዝሒ ዝተሰውኡ ብሰንኪ ወልደዳዊት ካብ ኣውራጃ ሰራየ ኢዩ።
    5.ኣብ ከተማ ዓዲ-ዃላ ብሓለፍቲ ናይቲ ከባቢ ብዝነበሩ ማሕራይን፣ሓደ ድማ ኣክሊሉ ዝተባህለ ካብ ሻዕቢያ ናብ ተ.ሓ.ኤ ኢዱ ዝሃበ ኣብ ምሩጻት ኣዋልድ ናይቲ ከተማን ከባቢኣን ናይ ብሓይሊ ምግሳስ ዝተገብረ ግፍዕታት፣ወልደዳዊት ነቲ ዝግበር ዝነበረ ግፍዒ እናፈለጠ ጸማም እዝኑ ብምሃብ ግዜኡ ኣብ ስኽራን የሕልፎ ነይሩ።ንግዛእ ርእሱ ወልደዳዊት ገለ ምሩጻት ኣዋልድ ኣጥኒሱ ናብ ሱዳን ዘሳገረን ነይረን’የን።
    6.ብበዓል ዓንደብርሃን ዝበሃል ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ዝነበረ ኣብ ሰብ ምእሳርን፣ምቕጥቃጥን፣ገንዘብ ኣብ ምዝራፍን ጉዳየይ ኢሉ ግፍዕታት ዝፍጽም ዝነበረ፣ግደፍ ግፍዒ ኣይትግበር ኣብ ክንዲ ምባል፣ህዝቢ ሰራየ ናይ ሻዕቢያ ጽልዋ ስለ ዘለዎ በሎ ድኣ ቀጥቅጦ ኢሉ ዘታባብዕ ዝነበረ ግፍዐኛ ኢዩ።
    7.ወልደዳዊት ከም ሓላፊ መጠን ምስቶም ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 9 ዝነበሩ መሳርሕቱ ተወከልቲ ናይ ፖሊቲካዊ፣ምጣኔ-ሃብታዊ፣ሕብረተሰብኣዊ፣ወተሃደራዊ፣ጸጥታዊ ወዘተ……ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ብመልክዕ ኣኼባ ተመያይጡ ሓደ ውሳኔ ጌሩ ከም ዘይፈልጥ፣ንሱ ብውልቀ-መላኺነትን ብትዕቢትን ትእዛዛት ናይ ዓብደላ ኢድሪስ ዘተግብር ዝነበረ ኢዩ።ብዘይካ ብድርቅና ዓይኑ ኣፍጢጡ ሰብ ምግናሕ ከምቲ ሰመረ ዝገለጽካዮ ናይ ምምሕዳር ክእለትን ብቕዓትን ዝነበሮ ሰብ ኣይነበረን።
    ክቡር ሰመረ ፍሳሃየ፣ኣነ ምስ ወልደዳዊት ናይ ግሊ ጽልኢ የብለይን፣ንሓደ ግፍዐኛ ሰብ ግን ዘይናቱ ጽቡቕ ታሪኽ ክትህቦ ዘይርትዓዊ ስለ ዝኾነ፣ከም መጠን ኣብቲ ሰውራ ኣበርክቶኡ ክዝንተወሉን ክንገረሉን ኣለዎ።ኣምላኽ ብሰማይ ይምሓሮ፣ብህይወቱ እንተ ዝነብር ግን ኣብ ሓርነት ኤርትራ እቲ ቀዳማይ ብገበን ክኽሰስ ዝግብኦ ሰብ ወልደዳዊት ምኾነ።

    • Daniel Tewelde December 16, 2013

      I agree With you Merhawi,not only this it was Weldedawit who destroyed the Young military leaders of ELF such as Debrom Tuluk,Andai Kidane,Aba woldehaimanot,Zeremariam Woldeslase and so many about 159 galant fighters lost at Medefera on july 1977.Samely he failed to attack Durko With a wrong starategy.Zekefe wegien zehameke tsebhin bi Woldedawit ena nimislo nerna.

      • Abera December 16, 2013

        ጽኸበርካ መዋሂ፣
        እቲ ሓቂ ንሱ እዩ፣ ግን ከም ባህልና መሰረት ንምዉት ስለዘይክሰስ፣ ትም ምባል ይሕይሽ፣ መዓልቱ ምስ ኣከለ እቲ ጉድ ኩሉ ክግለጽ ኢዩ፣ ሕጂ ምልዓሉ ግን ንመን ረብሓ።

        • luna December 16, 2013

          Abera:

          By admission, you confirmed facts known early on about the ‘culture of abuse’ seen and tolerated in Eritrea. During the struggle, abuse run through the veins within the hierarchy which is allowed to continue till today.

          One of the weaknesses of Eritreans is not blaming or implicating individuals in ‘POSITIONS of POWER’ for their misdeeds even after they have already passed away due to cultural habits. The abuse is done both against men and women/girls. The level of impunity (exemption from punishment) is the issue of the story. The consequence truth suffers!

          • Abera December 17, 2013

            Luna,
            I couldn`t understand your message, can u elaborate it.

            For ur information, i said there is no need to rise such sensitive and helpless issues now.
            Luna though we want to hide it, history will do its part. No Nazi has been left free, crime against humanity is always crime, but when and how to bring these criminals to justice questionable.
            Hope you got my idea.

    • Natu Tekle December 16, 2013

      በቲ ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 9 ዘርኣዮ ናይ ምምሕዳር ግፍዒ ግን ህዝቢ ሰራየ ተ.ሓ.ኤ ንኽትሓቅቕ ኤህ ኢሉ ረጊሙ ኢዩ። YES, I myself (as a GEBAR/peasant) was the victims of his miserable adminisration in Seraye in 1979. በቲ ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 9 ዘርኣዮ ናይ ምምሕዳር ግፍዒ ህዝቢ ሰራየ ተ.ሓ.ኤ ንኽትሓቅቕ ኤህ ኢሉ ረጊሙ ኢዩ። I was one opf these concerned citizens. Therefore only some few people are sad that E.L.F is liquidated to this time, albeit I am not the friend of PFDJ.

      Please don’t try to beautify the Gedli era. Though it was a hard developement of the struggle, it could have been more effective. It was not only the Derg or any other power that compeled me to leave Eritrea for Europe, the responsible person was mainly Woldedawit & his maladministration.

  • habrom December 16, 2013

    I’semere pls keep posting. it is a great article. Most of us, we are not ready to look all ways so don’t worry about those who are not willing to pay attention. They don’t have common sense. It is not about poletics. Its about history.

  • halibsete December 16, 2013

    አታ መሃዊ (mehawi)ነስካስ ሰማይ ንሃገርካ ኣብ ፓል ሕግደፍ ኢሳያስ ወይ ሞት
    እናበልካ ን ወልደዳዊት በየን ፈለጥካዮ።ከምዚ ከማካ ከደምቲ ኢሳያስ
    ትማል ተወሊድካ ኣብ ቃልሲ ወልደዳዊት ዝበሃል ከም ዝነበረ ካብዚ
    ጽሑፍ ተሞርኪስካ ዘይትፈልቶ እፈልጦ ምባል ሃየንታሎዎ።ኣነዊን ነዚ
    ዝበሃል ዘሎ ጂግና ኣይፈልጦን ንስካዊን ከማይ በዓል ሳዋ ትፈልጦ
    ነገር የብልካን።ንዓካ ዘሕረቅት ” ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንወልደ ዳዊት፡ ክሳብ እታ አብ ከሰላ ብወይጦታቱ ጌሩ ዘቕትሎ፡ ካብ 1975 ጀሚሩ እዚ ሰብ’ዚ ንዓይ ሓደገኛ እዩ” tbil sentence እያ

  • Sabway December 16, 2013

    Pls Muwut Ayksesen Eyu

  • Tewelde December 16, 2013

    ብጣዕሚ ኢዩ ዘገርም ፡ አነ’ ኳ ካብ ናይ መርሃዊ ዝተፈልየ ሓሳብ የብለይን ኩሉ እቲ ቅድሚ 36 ዓመታት ዝተገብረ ግፍዕታት አብ ከተማ መንደፈራ ኩሉ ተንቲንዎ ስለዘሎ ልክዕ ከም ሎሚ ኮይኑ ይራአየኒ ወልደዳዊት ፤ ነአምን ፤ ተኽለጀብጃብ፤ ኤፍረም ታረፈ ፤ ማሕሙድ አብ ከባቢ ኢያሞ ዝነበረ ፤ ኢዮብ ተስፋማርያም፤ መቸም ብዙሓት ኢዮም ኔሮም ኩሎም ክዝክሮም አይካአልኩን ግዜ ነዊሑ። ሰመረ ድማ እስኻ እንተደአ ኮይንካ እቲ አብቲ እዋን እቲ ናይ ህዝባዊ ስርርዕ ዝነበረ ሰመረ አጸቢቐ ኢየ ዝፈልጠካ አብ ዓዲ ወግሪ ብእንዳ ቡሩስያኒ ዝፍለጥ ናይ ጣልያን እንዳ ከብቲ ዝነበረ አብኡ 18 ዘይአኸለ ዕድሚኦ ህጻናት ቆልዑ ተሰልጥን ኔርካ መዳቕሶኻ ግን አብ እንዳ ሃይለ ሽጉጥ ዝባሃል እዝኑ ዝጻኖዖ ወዳባት አብ ዓዲ ወግሪ ኢዩ ኔሩ እቶም ኩሎም ቆልዑት ዳርጋ ፍርቆም አብ መረብ አሰዊእክዎም ባዓል እስኻን ከማኻ ዝመሰሉን ድማ ድሕሪ 36 ዓመታት አብ ኤውሮፓ ኮንኩም አለና ዝዓይነቱ ኢዩ ታሪኽ አይቅበርን ኢዩ ዝገበርካዮ ግፍዒ አብ ውላድካ ክሓልፍ ስለዝኽእል ተዘይ ተዛረብካሉ ዝሓሸ ኢዩ እንታይ ገበሩ እቶም ደቅኻ። አነ ተጋዳላይ አይኮንኩን ኔረ እቲ አነ ዝፈልጦ ሰመረ እንተደአ ኮንካ ግን ብውልቂ ውን እንተኾነ ኩሉ ዝገበርካዮ ክዝርዝረልካ ኢመይለይ እንሆ ክትጽሕፈለይ ትኽእል ኢኻ teweldeabraham@rocketmail.com ብዝተረፈ ገና ፋሉል እንዳበልካ ክሳብ ሕጂ ምውንጃልካ ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ። ባዓል መዝገበ ገብርሂወት፤ ስብሓት ተኽለ፤ ታረቀ፤ ፍሳሃየ፤ ዓንዳአብ ገብረመስቀል ካሎኦት ውን ቡዙሓት ጀጋኑ አስማቶም ዝረሳዕክዎ እዚአቶም እዮም ናይ ባዓል ንስኻ ሃ ሁ . . . . በል ፋሉላይ አብ መበል 21 ክፍለዘመን ክትደግሞ ተማሃራይ ናይ ሂትለር እምበር ተጋዳላይ ነበር አይኮንካን ንዓይ። አብ ጀብሃ ጽያፎም ዝኸተቱ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዘይነበሩ ከይመስለካ እስኻን ከምዚ ከማኻን ግን አሕሊፍኩም ሂብኩሞም። እዚ ወድሓንካ…….

    • Andom Tekle December 16, 2013

      @Tewelde,

      I share your statements 100%, especially about አብ ዓዲ ወግሪ ብእንዳ ቡሩስያኒ ዝፍለጥ ናይ ጣልያን እንዳ ከብቲ. Dear Ato Semere don’t forget that there are here many readers and you ought not take any stone in your hands as you live in a house built up of a class!! I know you as a pretentious and hypocratic opportunist. Think of also the time as you came from Jebha/E.L.F. back and visited the lectures in Arat Kilo (i.e rejoined the HSI University, science faculty) in 1973/74. Try to stay substantial and veritable.

    • Daniel Tewelde December 17, 2013

      Tewelde, Yes he is Semere Fisehyae who was there at Mendefera and then transfered to Debub Denkel.I was living at Tubo at that time as a fighter.He hided himself for 37 years in Europe prefered to Escape rather to join EPLF and he was lehas meakor to Woldedawit Temesgen.

  • Andom Tekle December 16, 2013

    Dear Semere,

    I was with you in Addis (Arat-kilo)and in the Jebha E.L.F struggle since 1975. Besides I know your relationship with Woldedawit very well as he was the chief of ምምሕዳር ቁ9. Therefore you better write no superficial statements more. Facts and truth are unchangeable, do not try to create artificial admirations to Woldedawit.

  • nakfa December 16, 2013

    Bgebha bshaeby hezbi tewaridu eyu diheri ethi kulu meswaeti nay hegi gedede kabtom menieseyat eritra tehalefela enber etom kedamotsi ab hager mimrahen mimihedarn feshelna ena amlak nezom menieseyat yahagzom

  • ሃይለ ሓጎስ December 16, 2013

    “ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቖርበት ኣንጽፉለይ” በለ ይብሃል ሰመረ ካድር ከሎካ ኣብደንካልያ ንክንደይ ንጹሃት ተጋደልቲ ፋሉል ድጉል ፋሉል እናበልካ ዘየፈራራሕካ ምስ ብጾትካ ካድራት፡፡ እቲ ዕረ ኣፉ ዙቡሩቕ ሕሰን ከሊፋ ኣብዘይተጸንዐ ኩናት ተጋደልቲ ከጽንት እንከሎ ሱቕ ዝበልካ ዶ ኣይኮንካን ፡፡ ሰራዊት ሓርነት ደንካልያ ብግድምናን ብወታሃደራዊን ብጻይነትን ፍሉጥ ኮይኑ ካልእ ኣደነቕቲ ነገራት ክፍጽም እንከሎ ብስንኪ በዓል ንስካ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንከሰላ ከምዝትምም ገርክምዎ፡፡ ወልደዳዊት ከምቲ ንስካ ትገልጾ ዘይኮነ እቶም ብዘይቶግላባ ዝተቃለሱ ክገልጽዎ ከለዉ በንጻሩ እዩ፡፡ ሕጂ እንታይ ይገበር እታ ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተኰፍለላ ሃገር ከመይ ገይርና ካብዚ ኣረመን ነገልግላ ይኩን እቲ ሕካያ፡፡

POST A COMMENT