Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና (ሰመረ ፍስሃየ ካብ ፈረንሳ) አብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሰይ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን  ካብቶም ብቖራጽነቶምን ብናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ፍቕሪ ዝተሰነየ ጀብሃዊ እምነቶም ዘደንቑኒ ዝነበሩ ውሑዳት

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

(ሰመረ ፍስሃየ ካብ ፈረንሳ)

አብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሰይ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን  ካብቶም ብቖራጽነቶምን ብናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ፍቕሪ ዝተሰነየ ጀብሃዊ እምነቶም ዘደንቑኒ ዝነበሩ ውሑዳት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እዮም፡፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን እየ ክገልጽ፡፡ ኣብ መጻኢ እዋን ክኣ ምስ ብጻይ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ዘሕለፍኩዎ ጊዜን ዕላላትን ከካፍለደኩም እየ፡፡

ንስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣባል ይፈልጦ እዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይመስለንን፡፡ እቲ ኣፈላልጣ ዝብሃል ግን ዝተፈላለየ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ፡፡

ስለምንታይ ሎሚ ብዛዕባ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ክዛረብ መሪጸ ንዝብል ሕቶ፡ ሎሚ ቕነ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጋዳላይን መራሕን ኣቶ ነልሰን ማነደላ ስለ ዝዓረፈ ታሪኹ ብኹለን ማዕከናት ዜና ዓለም ይግለጽ ኣሎ፡፡ ሓደ ካብቲ መግለጺታት ናይ ታሪኹ እተን 27 ዓመታት ኣብ በት ማእሰርቲ ዘሕለፈን ዓመታት እየን፡፡

እምብኣር ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ሓደ ካብቶም ውሑዳት ኤርተራዊያን ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ን10 ዓመት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸላኢ ብስቅያት ጊዚኡ ዘሕለፈ ጅግና ተጋዳላይ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ኽኣ እየ፡ ዋላኳ ሳላ ጀጋኑ ተጋደልቲ ጀብሃ እቲ ናይ ማእሰርቱ ጊዚኡ ን10 ዓመት እንተ ሓጸረ፡ ጸላእስ ካብቲ ናይ ማንደላ ዝነውሔ ማእሰርቲ እዩ መዲቡሉ ነይሩ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን እቲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሱሳታት ናይ መጀመርታ ናይ ተመሃሮ ምንቅስቓስ መራሒ ኮይኑ፡ ንተመሃሮ ኤርተራ ብጉዳይ ናጽነት ሃገሮም ክግደሱን ክቃለሱን ዝገበረ፡ ጅግናን በሊሕን ኤርትራዊ  እዩ፡፡ ሓደ ካብቶም ተመሃሮ  ንመሪሕነት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣኽቢሩ ዝኸይድ ዝነበረ ተመሃራይ ክኣ ኢሳያስ  ኣፈወርቂ ይብሃል፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን መራሒ ምንቅስቓስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብትምህርቱ ካብቶም ምሩጻት ተመሃሮ ልኡል መኮነን ስለ ዝነበረ ንቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ወኪሉ ኣብ ዓውደ ክትዕ፡ ኣብ YMCA ብምስታፍ ብዙሕ ዓወታት ንቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን አመዝጊቡ እዩ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ከምቶም ትምህርቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምቕጻል ዝመረጹ መማህርቱ ኣብ ክንዲ ዝመርጽ፡ ምስ ክፋል ጎኑ ዝኾነ ጅግና  ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባንኪኤል ኣብ 1964 ንሜዳ ወጺኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ክቃለስ መረጸ፡፡ ከምቲ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ዘዕለለኒ፡ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባንኪኤል ንሜዳ ክብገሱ ከለዉ ንኢሳያስ  ኣፈወርቂ  ምሳና ንዓናይ ምስ በልዎ ግደፉና ትምህርትና ክንቅጽል ኢና ኢሉ ከም ዝኣበዮም ይገልጽ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ካብ ሓንቲ ድኻ ስድራቤት ተወሊዱ ብፍላይ ኣዲኡ ከምቲ ኩሉ ስድራቤት ኤርተራ ወደን ትምህርቱ ወዲኡ ክሕግዘን እንዳተጸበያ እንከለዋ ጠንጢኑወን ንሜዳ ምኻዱ ክሳብ ክንደይ ናይ ሃገሩን ናይ ህዝቡን ሕቶ (እሞ ኽኣ ኣብ 1964 ዓ.ም) ልዕሊ ናይ ስድርኡ ሕቶ ቦታ ሂቡ ይጉዓዝ ምንባሩ እዩ ዝርኣየኒ፡፡ ብ1976 ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ 9 (ኣውራጃ ሰራየ) ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዲኡ ንመጀመርያ ጊዜ ክበጽሕኦ ኢለን ምስ መጻ፡ ርሑቕ እዩ ዘሎ በልዋ ኢሉ ከም ዝመለሰን ምስ ሰማዕኩ፡ ጉህየ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ከይደ ‘ወልደዳዊት ክንደይ ትጭክን፡ ኣዴኻ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ወደን ክርእያ መጺኤን ዋላ ናይ ሓደ ስዓት ናፍቖተን ከውጽኣ ዕድል ዘይምሃብካ ተጋጊኻ’ እብሎ፡፡ መልሱ ኽኣ፡ ‘ሰመረ ትብሎ ዘለኻ ይርድኣኒ እዩ ግን ኣደይ ካብቲ ካልእ ስድራቤት ኣይትበልጽን እያ’ ትብል ነበረት፡፡

ኣፍልጦይ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣብ ሰምበል ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ከሎ ቁሩብ ወረ ነይሩኒ፡፡ እቲ ወረ ካብ ኣቦይ (ወላድየይ) ዝረኸብኩዎ ምሉእ ዘይኮነ ወረ እዩ ነይሩ፡፡ ማለት ኣቦይ (ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረ፡ ፍስሃየ ኩብሮም) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ኤርትራ ወተሃደር ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ቁሩብ ይጠቕሰለይ ነይሩ፡፡

ብድሕርዚ ቁሩብ ኣፍልጦ’ዚ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ንመጀመርታ ጊዜ ብኣካል ኣብ ዓዲንኣምን፡ ኣብቲ መጀመርታ 1975 ተራኺብና፡፡ ኣብቲ ግዜቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ንኹሉ ዝቐረቦ ሰብ ሰላም ይብል ነበረ፡፡ ኣነ ኽኣ ከም ሰበይ ሰላም በልኩዎ፡፡

ቀጺልና ኣብቲ ርበዳ ዝተባህለ ቦታ ዝነበረ መደበራት ታዕሊም፡ ምስቲ ምቅርራብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሓሓዝ፡ ዘይህዱእ ኩነታት ነበረ፡፡ እዚ ዘይህዱእ ኩነታት ዝፈጠሩ ኽኣ ገለ ኣባላት መራሕቲ ውድብ ስለ ዝነበሩ ኩነታት ውድብ ኣብ ሕማቕ ገጹ ንኸይከይድ ዘስግኦም ብጾት፡ ከመ ብዓል ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ከምኡ’ውን ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብኡ ብምምጻእ ንኽሰምዕዎም ዝኽእሉ ሰባት እንዳተራኸቡ ጉዓዞ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ካብ ምድንጋር ንኽንድሕን ዘድሊ ዝብልዎ ማዕዳታት ኣብ ዝህቡሉ ዝነበሩ ንኻልኣይ ግዜ ተራኸብና፡፡

ድሕሪ ናይ ርብዳ ርክብ፡ ከይደንጎና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለ ዝኣኸለ ኣብኡ ንኽሳተፍ ክኣ ተመሪጸ ስለ ዝነብርኩ፡ ኣብዚ ጉባኤዚ እንደገና ንራኸብ፡፡ ውጺኢት ጉባኤ ዋላኳ ዕዉት እንተነበረ ኣብቲ ውሽጠ ውሽጢ ዝካየድ ዝነበረ ሕሹኽሹኽ ንኽርድኣኒ ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ክቐርቦም ዝኽእል ብቐረባ ተጋደልቲ፡ ተጋዳላይ ፍስሃየ ገብረሚካኤል (ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ዝተመርጸ) ካብ መባእታዊ ትምህርትና ክሳብ ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ብሓደ ዝነበርና ከምኡ’ውን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን እዮም ነይሮም፡፡

ድሕሪ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ዓልየት (ታሕታይ ባርካ) ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ንናይ ፖለቲካ ካድራት ምስልጣን ተኸፊቱ ናይ ገለ ኣዋርሕ ትምህርቲ ድሕሪ ምክያድ ምስ ገለ ብጾተይ ናብ ምምሕዳር ቁ.9 ተመዲበ እኸይድ፡፡ ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ.9 ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን    ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣገዳሲ ኣፍልጦይ ብዛዕባ ብጻይ ወልደዳዊት ኣብዚ ይጅምር፡፡

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣማሓዳሪ ኮይኑ ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ኣመሓዳድራ ብቕዓት፡ ግደፍዶ ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ን10 ዓመት ዝተሳቐየ ሰብ፡ እሞ ኽኣ ቅድሚ ምእሳሩ ናይ  ህዝብን ሰራዊትን ምምሕዳር ተመኩሮ ዘይነበሮስ፡ ሓደ ናይ ምምሕዳር ትምህርቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝልዓለ ዲግሪ ዝተመረቐ ሰብ ከርእዮ ይኽእልዩ ንኽትብሎ ዘጸግመካ ኣመሓዳድራ የርኢ ነበረ፡፡

ነዚ ንምግላጽ ኩነታት ምምሕዳር ቁ9 ንርአ፡፡

  1. ምምሕዳር ቁ9 እታ ካብተን 12 ክፍሊ ምምሕዳራት ዝጽዓቐ ተቐማጢ ህዝቢ ዝነበራ ክፍሊ ምምሕዳር እያ፡፡ ስለዚ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ ተ.ሓ.ኤ ምስቲ ህዝቢ ዘሎዎ ዝምድና ከይደክም ብዝያዳ ኽኣ ክድንፍዕ ንምግባር፡ በብቦትኡ ከድምዑ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ተጋደልቲ ከም ብዓል ገብረ ክርሰቶሰ ጽገ፡ ፍቕረማርያ ወዘተ ብምውፋር፡ ብኻልእ ሸነኽ ክኣ ባዕሉ፡ ሎምስ ቁሩብ ከዕርፍ ከይበለ፡ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ለይትን ምዓልትን እንዳተንቀሳቐሰ የዋፍረሉን ይዋፈረሉን ስለ ዝነበረ እዩ፡፡
  2. ምምሕዳር ቁ9 እታ ካብተን ናይ ከበሳ ክፍሊ ምምሕዳራት ዝበዝሐ ሰራዊት ዝነበራ ክፍሊ ምምሕዳር እያ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክኣ፡ ጸላኢ ኣብ ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ ዓዲዃላ፡ ቁሓይን ስለ ዝነበረ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ብዝሒ ሰራዊት’ዚ ምምሕዳር ቀሊል ነገር ኣይነበረን፡፡ ምኽንያቱ ብሰንኪ ፋሉላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ መንጎ ገዳይም ተጋደልትን ሓደስቲ ተጋደልትን ብዙሕ ጸገማት እዩ ዝፍጠር ነይሩ፡፡ ብዘይ ምግናን ብመንፍዓት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት፡ ምንቅስቓስ ፋሉል፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ9፡ ቅድሚ ኩለን ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረትለን ክፍሊ ምምሕዳራት ክሃድእ ኪኢሉ፡፡
  3. ኣርሒቕካ ናይ ምጥማት ዓቕምታቱ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ባርካ ዝመጽእ፡ ንሰራዚት ዝኸውን ስንቂ፡ ከም ጸብሒ ዝኣመሰለ፡ ከቋርጽ ይኽእልዩ ብምባል፡ ንሓረስቶት ብርስን ዝርኡሞ ንሕና ክንገዝኣልኩም ኢና ብምባል፡ ነቲ ናይ ጸብሒ ሽግር ኣብ ሓይልታት የቃልሎ ነበረ፡፡
  4. ኣብቲ መጀመርታ 1976 ናይ ክዳውንቲ ሽግር ኣብ ሰራዊት ተ.ሐ.ኤ ብፍላይ ክኣ ኣብ ከበሳ ዝነበራ ሓይልታት ኣጋጢሙ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ትግራይ ዓለባታት ብምግዛእ ብበላይ ዝተባህለ ሰፋይ ክዳን ኣስፍዩ ኩሉ ኣባል ሓይልታት ሰራዊት ናይ ምምሕዳር ቁ.9 ከምዝኽደን ገበረ፡፡
  5. ስንቅን ክዳንን ንኽገዝእ ዘብቅዖ ዓቕሚ ገንዘብ ካብይ ይመጽእ እንተተባህለ፡ ኣመሓደርቲ ይኹኑ ወከልቲ ቤት ጽሕፈታት ዝተወሰነ ገነዘብ መወገኒ ተባሂሉ ይወሃቦም ነይሩ፡፡ ካብዚ ገንዘብ እዚ እምብኣርዩ ኣዋሊዱ ንጸብሕን ክዳንን ሓይልታት ክዓጹ ዘብቅዖ ዝነበረ፡፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ንዕረፍቲ ኢሎም ምስ መጹ ንስድራና ዝኸውን ሓገዝ ሃበና ኢሎም ይሓቱ ስለ ዝነበሩ የብለይን ካብ ሓይልታትኩም ክትወስዱ እዩ ዝግብኣኩም ስለ ዝብሎም ዝነበረ፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ከማርርዎ እሰምዕ ነይረ፡፡
  6. ኣብ መንጎ 1975ን 1976ን፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ9 ነካይዶ ዝነበርና ውግኣት፡ ብዙሕ መስዋእትን መቑስለትን ኣብ ሓይልታት ስለ ዝፈጠረ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ንመሪሕነት ብፍላይ ክኣ ንወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት መልኡልና፡ ሓይልታት ጥርሐን ተሪፈን ኢሉ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ፡ ናይ ሰራዊት ሽግር ኣብ ኩሉ እዩ ዘሎ፡ ዝብል መልሲ ሃብዎ፡፡ ንሱ ግን በሊሕ ስለ ዝነበረ፡ በሉ ሰራዊት የለን ካብ በልኩም፡ ኣብዚ ኣሰሊፍና ሽግርና ክንፈትሕ ፍቓድ ሃቡና ኢሉ ርኢቶን ሕቶን የቕርብ፡፡ መጨረስትኡ አፍቂድናልካ ዝብል መልሲ ይረክብ፡፡ ነቲ መደበር ታዕሊም ኣዳልየ ከመሓድሮ ሓላፍነት ይውሃበኒ፡፡ እቲ ዘድሊ ምድላዋት ድሕሪ ምግባረይ ነቲ ዝተመደበ ብዝሒ ሰራዊት ድሕሪ ምስላፍ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቶም ወዲኦም ኣብ ሓይልታት ክንምድቦም ምስ ተዳሎና፡ ሃንደበት ዘይተጸበናዮ ‘ሕጊ ውድብ ኩሉ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ኣብ መደበር ሳሕል ክኸውን ኣለዎ ስለ ዝብል፡ እንደገና ንሳሕል ወሪዶም ወተሃደራዊ ትምህርቶም ይፈጽሙ’ ይብሃል፡፡ ካብ ሕጊ ውድብ ኣይንወጽእን ብምባል ንሓደስቲ ተጋደልቲ የዕጊብና ንሳሕል ነፋንዎም፡፡ ምስቲ ዝነበረ ፋሉላዊ ኩነታት፡ ግሩሃት ሐደስቲ ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ ሳሕል ምስ በጽሑ፡ ብዒራቓውያን ዓለምቲ ገይሮም ኣብ ሽግር ክድርብዩኹም እዮም ዝብል ጉጉይ ሓበሬታ ሂቦም ስለ ዘታለልዎም፡ ዳርጋ ኩሎም ንኸበሳ ተመሊሶም፡፡ ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ነገር ክኣ ኣብዚ ኣውሮጳ ኣብ ሓደ ቦታ ከይደስ፡ ሓደ ተጋዳላይ ተ.ሐ.ኤ ዝነበረ ሰብ፡ ከምዚ ዝስዕብ ወረ ክህብ ሰማዕኩዎ፡ ‘ወልደዳት ዝብሃል ኣማሓዳሪ ቁ.9 ዝነበረ ኣብ 1976 ሓይሉ ንኸደልድል ኣብቲ ምምሕዳሩ ደቂ ዓዱ ከሰልፍ ፈቲኑ ግን ኣይሰለጦን’ ይብል፡፡ ብወገነይ ብዙሕ ጓሂ ተሰሚዑኒ፡፡ ነዕኡ ይኹን ነቶም ዝሕብሮም ዝነበረ ሰባት ከመይ ኢሉ እቲ መደብ ከም ዝተበገሰን ኣነ ሓለፊኡ ምንባረይን ድሕሪ ምግላጽ ተራዳዲእና ተፈላለና፡፡
  7. ከም ኣመሓዳሪ መጠን ጸብጻባት ናብ ኩለን ቤት ጽሕፈታት የመሓላልፍ ነበረ፡፡ እቲ ዘገርመኒ ዝነበረ ግን፡ ጸብጻብ ምምሕልላፉ ዘይኮነስ፡ ነቶም ትግርኛ ዝርድኡ መራሕቲ ብትግርኛ፡ ነቶም ዓረብ ዝርድኡ ኽኣ ብዓረብ ጺሒፉ ይልእከሎም ምምባሩ እዩ፡፡ ሓደ ግዜ ኮፍ ኢልና እንዳ የዕለልና፡ ወልዴ እዛ ቋንቋ ዓረብስ፡ ምዝራብሲ ሕራይ እቲ ምጽሓፍስ ካበይ ኣምጺእካዮ እብሎ፡፡ ስሙር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎኹ ብቓልስና ኣይድቅስን እየ ነይረ፡፡ ቋንቋ ዓረብ ምዝራብ፡ ምምባብ፡ ምጽሓፍ ከም መደብ ወሲደ ይቃለሶ ነይረ ይብል፡፡ ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትምህርቲ ነይርኩም ማለት ድዩ’ እብሎ፡፡ ኣይኮነን፡ ቁርኣን ስለ ዝነበረ፡ በቲ ቁርኣን ገይረ እምሃር ነይረ ይብለኒ፡፡ እዚ ኽኣ ሐደ ካብቲ ናይ ሃገሩን ህዝቡን ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ መዐቀኒ ኮይኑ እረኽቦ ነይረ፡፡
  8. ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ነቲ ኹሉ ብናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እምነቱ ነቕ ዘይብል ተጋዳላይ ዋላ ሂወቱ ከሕልፈሉ ድሉው ዝነበረ ተጋዳላይ እዩ፡፡ ብኣናጻሩ ኽኣ ነቲ ብኽፍኣት፡ ወይ ክኣ ጠበቓ ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ፡ ኣብ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ከእቱ ዝፍትን፡ ኣብ ዓውደ ክትዕ ይኹን ኣብ ኣኼባታት፡ ብዘይ ንሕስያ እዩ ዝገጥሞ ነይሩ፡፡
  9. 9.  ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ንወልደ ዳዊት፡ ክሳብ እታ አብ ከሰላ ብወይጦታቱ ጌሩ ዘቕትሎ፡ ካብ 1975 ጀሚሩ እዚ ሰብ’ዚ ንዓይ ሓደገኛ እዩ ኢሉ ስለ ዝፈርሆ ዝነበረ፡ ብወገን ህዝባዊ ሓይልታት ይኹን ብወገን ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ፋሉል ገይሩ፡ ናይ ምጽላም ተግባራቱ ብጽዑቕ መንገዲ ይነዝሕ ነበረ፡፡

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ከየንውሓልኩም ንሎሚ ኣብዚ ደው ክብል፡፡

ሰመረ ፍስሃየ

ፈረንሳ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • Mesfin Bahlibi December 19, 2013

    መንድ ኣሉ’ሞ ኤርትራዊ ማንዴላ ?
    ኣብዚ ዝሓለፈ ማዓልታት ሓውና ሰመረ ፍስሃየ ብዛባዕባ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣመልኪቱ ዝጻሓፎ ዓንቀጽ ኣንቢበ ፡፡ እወ ባህርያዊ እንድዩ ኩሉ ሰብ ዘዝመሰሎ ደራጒሱ ፡፡ ኣብ ዓዲ ነጻነት ስለዘሎና ኩልና ርእይቶና ክንገልጽ መሰልና እዩ ፡፡ ኣነ ክብሎ ዝደሊ እንተድኣ ኣልዩ ፡ ሕጂ እንብሎ ንስለ ታሪኽ እምበር ዝቕየር ነገር ኣልዩ ኣይኮነን ፡፡ኣድህቦና ነቶም ሽዑ ዘይነበሩ ሓቂ ከነውርሶም ንፈትን ፡፡
    ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን ተጋዳላይ ስዩም ዑቝባሚካ ኤልን ናይ ኤርትራ ማንዴላታት እዮም ፡፡ ነልሰን ማንዴላ ናይ ኣፍሪቃ ኰዀብ ተጋዳላይ ሓበን ናይ ውጹዓት ብምዃኑ ይልለ ፡፡ ኤርትራና ናይ ቃልሲ ዓውዲ ከምምዃና መጠን ከዋኽብቲ ክነብሩና ግድን እዩ ፡፡ ኰዀብ ክባሃል እንከሎ ከም ክርስቶስ ፍጹም ጌጋ ዘይርከቦ ንእሽቶይ ኣምላኽ ማለት ኣይኰንናን ንብል ዘሎና ፡፡ ሓደ ተቃላሳይ በጃ ህዝቢ ዘብሎ ፍሉይ ብእግዚኣብሄር ዝተዓደሎ ፡ብሉጽ ክእለት፡ ውሕልነት፡ ሞያ ፡ብልሓት ፡ ቍንጅና ወይ ጥበብ ኣይኰነን ፡፡ ሓደ ተቃላሳይ በታ ዘላቶ ዓቕሚ ነታ ዘላቶ ህይወቱ በጃ ህዝቡ ምስዘወፍያ እዩ ሓርበኛዊ መለለዪኡ ዝኸውን ፡፡
    ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን ተጋዳላይ ስዩም ዑቝባሚካኤልን ፡ እዞም ኩልና ሕጂ ድላይና ንዛረብ ዘሎና ጉዳይ ትምህርትናን ጉዳይ ስራሕናን እንዳገበርና ከሎና ፡ ትምህርቶም ስራሖም ቤተሰቦም ፡ ኩሉ ንድሕሪት ሓዲጎም ጉዳይ ኤርትራ ክፍጽሙ ዋላውን ንህይወቶም ከይሓሰቡ ንስለ ነጻነት ኤርትራ ዝመነኑ ሰውራውያን ባሕተውቲ እዮም ፡፡ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ኣፍ ሞት ፡ ሎሚዶ ጽባሕ ይርሸኑ እናተባህሉ ፡ንነፍሲወከፍ እትበርቕ ጽሓይ ክርእይዋ ዉሑስ ኣብዘይነበረሉ እዋን ፡ በንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሞራል ህዝቢ ንምሕምሻሽ ይቕረታ ሕተቱ እናበለት ክትቅሽሾም ትፋታተኖም ዝነበረትሉ እዋን ፡ንሓንቲ ካልኢት እኳ ትኹን ብዘይካ ነጻነት ኤርትራ ካልእ ባህጊ ዘየርኣዩ ቀባጻት ዉፉያት ሙዑታት ፡ መለክዒ ተቓላሳይ ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም ፡፡ ሃገር ኣብ ብርሃን እንከሎ ጸልማት ዝመረጹ ፡ መዛኑኦም ገንዘብን ምቾትን ፡ ቪላ ናይ መዛወሪት መኪና ፡ ካልእ ቀብጠርጠርን ክማናዝዑ እንከለዉ በጃ ኤርትራ ከም ወጠጦ ፋስጋ ክሕረዱ ክሳዶም ዘረከቡ ፡ ይትረፍዶ ኤርትራዊ ማንዴላ ካልእ መጸውዒ እንተዝነብር’ውን ካብ ኣቶም ሓሊፉ ካልእ ዝበቕዖ የለን ፡፡
    ኣነ ንርእሰይ ምስ እዞም ከውኽብቲ ኤርትራ ዝተቓለስኩ ናይ ዓይኒ ምስክር እየ ፡፡ ኣብ ኣሳራርሓ ኣይተጋጮናን ማለት ኣይኰነን ፡፡ ንምሕደራ ህዝቢ ዝመልመለና ኣይነበረን ፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ መምስኩሉ መዕበዪ ባህርያትና ክንጋደል ዝብል ኒሕ ጥራይ ሰኒቅና ዝተጣራነፍና ዉፉያት ብምንባርና ፡ ኣብ ጥርዚ ናይ ስሕለት መላጸ ንጓዓዝ ኔርና ፡፡ ምግዳል መሪር እዩ ፡ ዝሕሸና መንገዲ ክንመርጽ ክሳብ ንላዘብ ዝጽበየና ጸላኢ ኣይኰነን ተሓናኒቅናዮ ዝነበርና ፡፡ እቲ ጕዕዞ ኩሉ ግዜ ጕያ እዩ ኔሩ ፡ ኣብቲ ጕያ ህይወት ይሓልፍ ምምራኽ ፡ ኣካል ምጕዳል ፡ ንብረት ገድሊ ኣብ ኢድ ጸላኢ ምውዳቕ ፡ … ወዘተ የጋጥም ፡፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ስራሕ ሃዋህው ጌጋታት የጋጥም ኔሩ እዩ ፡፡ እቲ ኩሉ ሓውና ሰመረ ፍስሃየ ዝጠቐሶ ብልጫታት እስኪ ሓቂ ኣይነበረን ንበል ፡፡ እቲ ብልጫታት’ቲ ክነብር’ውን እኮ ግድን ኣይኰነን ፡፡ ካልእ ይትረፍሲ እዞም ክልተ ከዋኽብቲ ሰውራ ብሓደ መለክዒ ዝስፈሩ’ውን ኣይነበሩን ፡፡ ክልቲኦም ሓለፋ ኩልና በጃ ኤርትራ ክስጥሑ ብንጕሆኡ ዝተበጀዉ ገንሸላት ሰውራ ምዃኖም ዝካታዕ እንተልዩ ግን ተሓላቒ ናይ ኣንድነት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ፡፡
    ካብ ገለ ኣሕዋትና ዝቐረበ ርእይቶ ንምጥቃስ ዝኣክል ገፊፉ ኣሰሊፉና ይብል ፡፡ እወ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ኣብ ዝተዋፈረሉ ሓደ ግዜ ብ1978 ኣብ ዕዳጋ ማይድማ ግፋ ተኻይዱ ፡ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ ጸላኢ ፡ መጠን ዘይብሉ ሰራዊትን ኣጽዋርን ሒዙ ወሪሩና ፡፡ እዚ ሕጂ ንሕበነሉ ዘሎና ነጻነት’ውን መርዓት ከይተረፈት ካብ ንእዲ ተወጢጣ እናበኸየት ተሰሊፋ ብዝፈጸመቶ ጅግንነትን መስዋእትን እዩ ተዓቂቡ ፡፡ እዚ ድማ ናይ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ኣሳራርሓ ጥራይ ኣይነበረን ፡፡ ካብ ሻድሻይ ወራር ክሳብ ነጻነት ፡ ግፋ ልሙድ ኣሳራርሓ ህዝባዊ ግምባር እዩ ኔሩ ፡፡ ብሓጺሩ እታ ኣነ ኣነጺረ ክሕብሮም ደልየ ዘሎኹ እታ ግፍዒ እትብል ቃል ኣብዘይቦታኣ ስለዘስፈርዋ እየ ፡፡ ናይ ኣሳራርዓ ቃላት ጸገም እንተድኣ ሃልይኩም ቀስ ኢልኩም ኣስተብህሉ ፡ ብዝተረፈ ገራጭ ሰብ ግፍዔኛ ኣይኮነን ፡፡ ሕጂ እኮ ክንዲ ሰብ ኰንኩም ኢኹም ፡ ዋላውን ነቲ ክትዕ ተቐባልነት ብዘለዎ መንገዲ ከተቕርብዎ ፈትኑ ፡፡ ሓቂ ኣይነጥፍእ ናይ ቆልዑ ጸወታ ኣይንግበሮ ፡፡
    ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተዓጻጻፋይ ኣይነበረን ፡ ማሃዛይ ዝነበረ’ውን ኣይመስለንን ፡፡ እወ ኣብ ከተማ መንደፈራ መኪና ምዝዋር ተማሂሩ ፡ ዝፈጸሞ ሓደጋ ግን ኣይነበረን ፡፡ ድሕሪ ነጻነት ተጋደልቲ ብመኪና ክንደይ ሰብ ከም ዝቐተሉ እሞ ተዓዘቡ ፡፡ ሓሻሺ ሰታይ ዘማዊ ደላይ ምቾት ፡ ከምዘይነበረ ባዕለይ ክምስክር ይኽእል እየ ፡፡ ከምታ ንሱ ንነብሱ ዘሕስመላ ካልእ ተጋዳላይ’ውን ነብሱ ኣሕሲሙ ክጋደል ይደፋፍእ ኔሩ ፡፡ ጀብሃ ካብ ትብደል ነብሱ ክብድል ይመርጽ ኔሩ ፡፡ ስለዚ ድማ ፈቲና ጸሊእና ኣብ ታሪኽ ሰውራና ንማንዴላ ዝመስሉ ተጻወርቲ ሕሰም ፡ ክንደሊ እንተድኣ ኰንና ካብ ወልደዳዊትን ስዩምን ሓሊፍና ናብ ንኸዶ የብልናን ፡፡

POST A COMMENT